ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ክልተ

“ብዘይ ምሳሌስ ኣይዛረቦምን ነበረ”

“ብዘይ ምሳሌስ ኣይዛረቦምን ነበረ”

1-3. (ሀ) እቶም ምስ የሱስ ዚጐዓዙ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ እንታይ ፍሉይ ኣጋጣሚ ነበሮም፧ የሱስ ነቲ ዚምህሮ ዝነበረ ኺዝክርዎ ዝቐለለ ዝገበረሎም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ውጽኢታዊ ምሳሌታት ክትዝክሮ ቐሊል ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 እቶም ምስ የሱስ ዚጕዓዙ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ፍሉይ ኣጋጣሚ ነበሮም። ካብቲ ዓብዪ መምህር ብቐጥታ እዮም ዚምሃሩ ነይሮም። ትርጉም ቃል ኣምላኽ ኪገልጸሎምን ባህ ዜብል ሓቅታት ኪምህሮምን ከሎ ድምጹ ኺሰምዑ ይኽእሉ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ቓላቱ ብጽሑፍ ዚሰፍረሉ እዋን ስለ ዘይኣኸለ፡ ነቲ እተዛረቦ ኽቡር ቃላት ኣብ ኣእምሮኦምን ልቦምን ኪሕዝዎ ነበሮም። a ይኹን እምበር፡ የሱስ ነቲ ዚምህሮም ዝነበረ ኺዝክርዎ ቐሊል ገበረሎም። ብኸመይ፧ ብኣመሃህራኡ፡ ብፍላይ ከኣ በቲ ውሕሉል ኣጠቓቕማ ምሳሌታት ኣቢሉ እዩ ኸምኡ ገይሩሎም።

2 እወ፡ ውጽኢታዊ ምሳሌታት ቀልጢፍካ ኣይርሳዕን እዩ። ሓደ ደራሲ፡ ምሳሌታት “ንኣእዛን ናብ ኣዒንቲ ይቕይሮ፡” ከምኡ እውን “ንሰማዕቲ ብስእልታት ምእንቲ ኺሓስቡ ናጻ ይገብሮም” በለ። መብዛሕትኡ ግዜ ብስእልታት ክንሓስብ ስለ ዚሕሸና፡ ምሳሌታት ነቲ ረቂቕ ሓሳባት እውን ከይተረፈ ብቐሊሉ ኽትርድኦ ይሕግዝ እዩ። ኣብ ተዘክሮና ዚቕረጽ ትምህርትታት ብምሃብ፡ ንቓላት ህያው ኪገብሮ ይኽእል እዩ።

3 ምሳሌታት ብምጥቃም ዝመጸ ምስ የሱስ ክርስቶስ ዚመዓራረ ዋላ ሓደ መምህር ኣብ ምድሪ ኣይተረኽበን። ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ፡ ምሳሌታቱ ብቐሊሉ ኽትዝክሮ ትኽእል ኢኻ። የሱስ ነዚ ሜላ ኣመሃህራ እዚ ብብዝሒ እተጠቕመሉ ስለምንታይ እዩ፧ ንምሳሌታቱ ኣመና ውጽኢታዊ ዝገበሮኸ እንታይ እዩ፧ ኣመሃህራኡ ኽንጥቀም እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

የሱስ ብምሳሌታት ዝመሃረሉ ምኽንያት

4, 5. የሱስ ምሳሌታት እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ብምሳሌታት ዝመሃረሉ ኽልተ ዓበይቲ ምኽንያታት ይነግረና እዩ። ቀዳማይ፡ ከምኡ ብምግባሩ ትንቢት ፈጸመ። ኣብ ማቴዎስ 13:34, 35፡ “የሱስ ነቶም ህዝቢ፡ እዚ ዅሉ ብምሳሌታት ነገሮም። ብዘይ ምሳሌስ ኣይዛረቦምን ነበረ፣ ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ እቲ ብነብዪ፡ ‘ኣፈይ ብምሳሌታት ክኸፍት እየ፣ . . .’ ተባሂሉ ዝነበረ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ” ዚብል ነንብብ። እቲ ኣብ ማቴዎስ ተጠቒሱ ዘሎ ነብዪ፡ ንመዝሙር 78:2 ዝጸሓፋ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ካብቲ የሱስ እተወልደሉ ዘመናት ኣቐዲሙ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ጸሓፈ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ቅድሚ ኣማእታት ዓመታት፡ እቲ መሲሕ ብምሳሌታት ከም ዚምህር የሆዋ ወሲንዎ ነበረ። ብርግጽ እምበኣር የሆዋ ነዚ ኣገባብ ኣመሃህራ እዚ ኣኽቢሩ ይርእዮ ኪኸውን ኣለዎ።

5 ካልኣይ፡ የሱስ ነቶም ‘ዝደንዘዘ ልቢ’ ዝነበሮም ሰባት ንምምማይ ምሳሌታት ከም እተጠቕመ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 13:10-15፣ ኢሳይያስ 6:9, 10) ምሳሌታቱ ንውሽጣዊ ድራኸ ሰባት ኬቃልዕ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ሰማዕቱ ንቓላቱ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺርድእዎ መግለጺ ኺውሃቦም ኪሓትቱ ይደልዮም ነበረ። ትሑታት ውልቀ ሰባት ኪሓትቱ ፍቓደኛታት ነበሩ፡ ዕቡያት ወይ ዘይግዱሳት ግና ከምኡ ኣይገበሩን። (ማቴዎስ 13:36፣ ማርቆስ 4:34) እምበኣር፡ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌታት ነቶም ልቦም ነዚ ዝጠመየ ሰባት ሓቂ ኺገልጸሎም ከሎ፡ ነቶም ዕቡይ ልቢ ዘለዎም ግና ሓቂ ይሓብኣሎም ነበረ።

6. ምሳሌታት የሱስ እንታይ ጠቓሚ ዕላማታት ነይርዎ፧

6 ምሳሌታት የሱስ ሓያሎ ኻልእ ጠቓሚ ዕላማታት እውን ነይርዎ እዩ። ንሰባት ኪሰምዑ ስለ ዚድርኾም፡ ተገዳስነት የለዓዕል ነበረ። ኣብ ኣእምሮ ስእሊ ይስእል ብምንባሩ፡ ብቐሊሉ ኺዝከር ይከኣል ነበረ። ኣብ መእተዊ ኸም ዝረኣናዮ፡ ሰማዕቲ ንቓላት የሱስ ኪዝክርዎ ሓጊዝዎም እዩ። እቲ ኣብ ማቴዎስ 5:3–7:27 ተመዝጊቡ ዚርከብ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት፡ የሱስ ስእላዊ ቓላት ብብዝሒ እተጠቕመሉ ጕሉሕ ኣብነት እዩ። ብመሰረት ሓደ ጸብጻብ፡ እዚ ስብከት እዚ ልዕሊ 50 ስእላዊ ዘረባ ዝሓዘ እዩ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ምእንቲ ኺርድኣካ፡ እቲ ስብከት ኣብ 20 ደቒቕ ዚኸውን ዓው ኢልካ ኺንበብ ከም ዚከኣል ኣይትረስዕ። በዚ ኸምዚ እንተ ወሲድናዮ፡ ብገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ 20 ኻልኢት ሓደ ስእላዊ ዘረባ ይጥቀም ነይሩ ማለት እዩ! እምበኣር፡ የሱስ ብቓላት ጌርካ ኣብ ኣእምሮ ስእሊ ምስኣል ዘለዎ ኣገዳስነት ይፈልጥ ምንባሩ ንጹር እዩ!

7. የሱስ ንምሳሌታት ዝነበሮ ኣጠቓቕማ ኽንቀድሖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ምዃንና መጠን፡ ኣመሃህራኡ ዀነ ኣጠቓቕማ ምሳሌታቱ ኽንቀድሕ ንደሊ ኢና። ከምቲ ቐመማት ንምግቢ ዜመቅሮ፡ ውጽኢታዊ ምሳሌታት ከኣ ትምህርትና ንኻልኦት ብዝያዳ ኸም ዚስሕብ ይገብሮ። ብግቡእ እተሓስበሉ ስእላዊ ቓላት ንኣገዳሲ ሓቅታት ብቐሊሉ ኸም እትርድኦ ኺገብር ይኽእል እዩ። ሕጂ እምበኣር ምሳሌታት የሱስ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ዝዀነሉ ገለ ረቛሒታት ብደቂቕ ንመርምር። ድሕሪኡ ነዚ ጠቓሚ ኣገባብ ኣመሃህራ ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ኺርድኣና እዩ።

ቀሊል ምንጽጻራት ምጥቃም

የሱስ ነቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ሓልዮት ብምሳሌ ንምርዳእ ኣዕዋፍን ዕምባባታትን እተጠቕመ ብኸመይ እዩ፧

8, 9. የሱስ ቀሊል ምንጽጻራት እተጠቕመ ብኸመይ እዩ፧ ነቲ ምንጽጻራት ኣዝዩ ውጽኢታዊ ዝገበሮኸ እንታይ እዩ፧

8 የሱስ ኣብ ትምህርትታቱ ሒደት ቃላት ጥራይ ዜድልዮ ቐሊል ምንጽጻራት ይጥቀም ነበረ። እቲ ቐሊል ቃላቱ ግና ኣብ ኣእምሮ ሰባት ይስእል፡ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ሓቅታት ከኣ ይምህር እዩ። ንኣብነት፡ ንደቀ መዛሙርቱ በቲ መዓልታዊ ዜድልዮም ነገራት ከይጭነቑ ኺምሕጸኖም ከሎ፡ ናብ “ኣዕዋፍ ሰማይ” ከምኡ እውን “ዕምባባታት መሮር” ኣመልከቶም። ኣዕዋፍ ኣይዘርኣን ወይ ኣይዓጽዳን እየን፡ ዕምባባታት እውን ኣይፈትሉን ወይ ኣይኣልሙን እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ይሓልየሎም እዩ። እቲ ኺመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ነጥቢ ብቐሊሉ ኺርድኣና ይኽእል እዩ፦ ኣምላኽ ንኣዕዋፍን ንዕምባባታትን ዚሓልየሎም ካብ ኰነ፡ ነቶም ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ዚደልዩ’ ሰባት ከም ዚከናኸኖም እተረጋገጸ እዩ።—ማቴዎስ 6:26, 28-33

9 የሱስ ተምሳል እውን ብብዝሒ ተጠቒሙ እዩ፡ እዚ ኸኣ ዝሓየለ ዓይነት ምንጽጻር እዩ። ተምሳል እቲ ሓደ ነገር ነቲ ኻልእ ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚዛረብ። ኣብዚ እውን ነቲ ምንጽጻራት ብቐሊል መገዲ እዩ ኣቕሪብዎ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ንትርጉም እቲ ተምሳል ብቐሊሉ ኺርድእዎ ይኽእሉ ነበሩ፣ ማለት ብቓላቶም ኰነ ብግብርታቶም ብርሃን መንፈሳዊ ሓቂ ኸም ዚበርህ ኪገብሩን ካልኦት ንኣምላኽ ክብሪ ምእንቲ ኺህብዎ ኺሕግዝዎምን ይኽእሉ ነበሩ። (ማቴዎስ 5:14-16) ገለ ኻብቲ የሱስ እተጠቕመሉ ኻልእ ተምሳላት እስከ ንርአ፦ “ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም።” “እቲ ተኽሊ ወይኒ ኣነ እየ፣ እቲ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም።” (ማቴዎስ 5:13፣ ዮሃንስ 15:5) ከምዚ ዝኣመሰለ ስእላዊ ዘረባ ቐሊል ብምዃኑ ሓይሊ ይህልዎ እዩ።

10. ኣብ ትምህርትኻ ምሳሌታት ብኸመይ ክትጥቀም ከም እትኽእል ዜርኢ እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧

10 ኣብ ትምህርትኻ ምሳሌታት ክትጥቀም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ነዊሕን እተሓላለኸን ዛንታታት ክትፈጥር ኣየድልየካን እዩ። ቀሊል ምንጽጻራት ጥራይ ሕሰብ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ትዘራረብ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ፡ ንምዉታት ምትንሳእ ንየሆዋ ኣጸጋሚ ኸም ዘይኰነ ኸኣ ብምሳሌ ኸተረድእ ደለኻ ንበል። እንታይ ምንጽጻር ኣብ ኣእምሮኻ ይመጸካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንድቃስ ከም ተምሳል ሞት ገይሩ ይጥቀመሉ እዩ። ስለዚ፡ “ከምቲ ሓደ ሰብ ንዝደቀሰ ብቐሊሉ ኼተንስኦ ዚኽእል፡ ኣምላኽ ከኣ ንዝሞተ ብቐሊሉ ኼተንስኦ ይኽእል እዩ” ኽትብል ትኽእል ኢኻ። (ዮሃንስ 11:11-14) ውሉዳት ብጽቡቕ ኪዓብዩ እንተ ዀይኖም፡ ፍቕሪ ኸም ዜድልዮም ብምሳሌ ኸተረድእ ደለኻ ንበል። እንታይ ኣብነት ክትጥቀም ትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ ምንጽጻር ይጥቀም፦ ውሉዳት “ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም እተተኽሉ ጨናፍር ኦም ኣውልዕ . . . እዮም።” (መዝሙር 128:3) ስለዚ፡ “ከምቲ ንተኽሊ ብርሃን ጸሓይን ማይን ዜድልዮ፡ ንውሉድ ከኣ ፍቕሪ የድልዮ” ኽትብል ትኽእል ኢኻ። እቲ ምንጽጻር ቀሊል ብዝዀነ መጠን፡ ሰማዕትኻ ነቲ ነጥቢ ኺርድእዎ ዝቐለለ ይዀነሎም።

ካብ መዓልታዊ ህይወት ምውሳድ

11. ምሳሌታት የሱስ ነቲ ኣብ ገሊላ ኺዓቢ ኸሎ እተዓዘቦ ነገራት ብዘይ ጥርጥር ከም ዜጠቓልል ዜንጸባርቕ ኣብነታት ሃብ።

11 የሱስ ምስ ህይወት ሰባት እተኣሳሰረ ምሳሌታት ብምጥቃም ዝመጸ ኽኢላ እዩ ነይሩ። ሓያሎ ኻብ ምሳሌታቱ ኣብ ገሊላ ኺዓቢ ኸሎ እተዓዘቦ መዓልታዊ ዅነታት ዜንጸባርቕ ነበረ። ብዛዕባ ምድራዊ ህይወቱ እሞ ሓንሳእ ሕሰብ። ክንደይ ሳዕ እዩ ኣዲኡ እኽሊ ኽትጥሕን፡ ሓርጭ ክትለውስ፡ መብራህቲ ኸተብርህ፡ ወይ ቤታ ኽትኵስትር ዝረኣያ፧ (ማቴዎስ 13:33፣ 24:41፣ ሉቃስ 15:8) ገፈፍቲ ዓሳ መርበቦም ናብ ባሕሪ ገሊላ ኺድርብዩ ኽንደይ ሳዕ እዩ ተዓዚብዎም፧ (ማቴዎስ 13:47) ክንደይ ሳዕ እዩ ቘልዑ ኣብ ዕዳጋ ኺጻወቱ ተመልኪቱ፧ (ማቴዎስ 11:16) የሱስ ነቲ ኸም እኒ ምዝራእ ዘርኢ፡ ዜሐጕስ መርዓ፡ ምብቋል እኽሊ ዝኣመሰለ ኣብ ምሳሌታቱ ዝጠቐሶ ልሙድ ነገራት እውን ከም ዝረኣየ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ማቴዎስ 13:3-8፣ 25:1-12፣ ማርቆስ 4:26-29

12, 13. የሱስ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብ ዝሃቦ ምሳሌ፡ “ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ” እትወስድ መገዲ ምጥቃሙ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

12 የሱስ ኣብ ምሳሌታቱ፡ ሰማዕቱ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ዝርዝር ጠቒሱ ኣሎ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብ ዝመሰሎ ምሳሌ፡ “ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ፣ ንሳቶም ከኣ ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ኣይምዉት ኣይስሩር ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ” በለ። (ሉቃስ 10:30) የሱስ ነቲ ዝደለዮ ነጥቢ ንምምሕልላፍ “ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ” እትወስድ መገዲ ምጥቃሱ ኸነተኵረሉ ይግባእ። ነዚ ምሳሌ እዚ ኺምስል ከሎ፡ ካብ የሩሳሌም ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ፡ ኣብ ይሁዳ ኣብ ዚርከብ ሓደ ቦታ እዩ ነይሩ፣ ስለዚ፡ ሰማዕቱ ብዛዕባ እታ መገዲ እቲኣ ብርግጽ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። እታ መገዲ እቲኣ ብፍላይ ንሓደ በይኑ ዚጐዓዝ ሰብ ሓደገኛ ብምዃና ትፍለጥ ነበረት። ጥውይዋይ መገዲ ስለ ዝነበረት፡ ከተርቲ ኣድብዮም ንምጽናሕ ዚምሽእ ቦታታት ነበራ።

13 የሱስ ብዛዕባ እታ “ኻብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ” እትወስድ መገዲ ኻልእ ፍሉጥ ዝርዝር ነጥቢ እውን ጠቒሱ እዩ። ብመሰረት እቲ እተዛረቦ ምሳሌ፡ ፈለማ ሓደ ኻህን፡ ድሕሪኡ ኸኣ ሓደ ሌዋዊ በታ መገዲ ሓለፉ፡ ነቲ ግዳይ ኪሕግዝዎ ግና ደው ኣይበሉን። (ሉቃስ 10:31, 32) ኣብቲ ግዜ እቲ ኻህናት ኣብ የሩሳሌም የገልግሉ ነበሩ፡ ሌዋውያን እውን ይሕግዝዎም ነበሩ። ብዙሓት ካህናትን ሌዋውያንን ከኣ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣብ ዘየገልግሉሉ እዋን ኣብ ያሪኮ ይቕመጡ ነበሩ፣ ያሪኮ ኻብ የሩሳሌም 23 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቓ ትርከብ ነበረት። ስለዚ፡ በታ መገዲ እቲኣ ይጕዓዙ ነበሩ። እቶም ተጓዓዝቲ ናብ የሩሳሌም ይድይቡ ኸም ዝነበሩ ዘይኰነስ ‘ካብ የሩሳሌም ይወርዱ’ ኸም ዘለዉ ገይሩ ምዝራቡ እውን ኣስተብህለሉ። እዚ ኸኣ እቶም ሰማዕቱ ብቐሊሉ ኺርድእዎ ዚኽእሉ እዩ። የሩሳሌም ካብ ያሪኮ ኣብ ዝለዓለ ብራኸ እያ እትርከብ። ስለዚ፡ ሓደ ተጓዓዚ “ኻብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ” ኺጐዓዝ ከሎ፡ “ኪወርድ ከሎ” ተባሂሉ ኺግለጽ ይከኣል እዩ። b እምበኣርከስ፡ የሱስ ንሰማዕቱ ኣብ ግምት ከም ዘእተወ ንጹር እዩ።

14. ምሳሌታት ክንጥቀም ከለና፡ ንሰማዕትና ኣብ ግምት ከነእቱ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 ንሕና እውን ምሳሌታት ክንጥቀም ከለና፡ ንሰማዕትና ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። ገለ ኻብቲ ምሳሌታት ክንመርጽ ከለና ብዛዕባ ሰማዕትና ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘሎና ነገራት እንታይ እዩ፧ ምናልባት ከም ዕድመ፡ ባህላዊ ወይ ስድራ ቤታዊ መበቈል፡ ከምኡ እውን ስራሕ ግደ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሕርሻ ብዝርዝር ዚገልጽ ምሳሌ፡ ካብ ኣብ ዓባይ ከተማ ንላዕሊ ሕርሻ ኣብ ዚካየደሉ ቦታታት ብቐሊሉ ዚርዳእ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መዓልታዊ ህይወትን ንጥፈታትን ሰማዕትና—ንኣብነት፡ ደቆም፡ ቤቶም፡ መሕለፍ ግዜኦም፡ ምግቦም—ብቑዕ ምሳሌታት ክንጥቀም መሰረት ኪዀነና ይኽእል እዩ።

ካብ ፍጥረት ምውሳድ

15. የሱስ ብዛዕባ ፍጥረት ኣጸቢቑ እንተ ፈለጠ፡ ዜገርም ዘይከውን ስለምንታይ እዩ፧

15 ሓያሎ ምሳሌታት የሱስ ብዛዕባ ተፈጥሮ፡ ማለት ብዛዕባ ኣትክልትን እንስሳታትን ኵነታት ኣየርን ሰፊሕ ፍልጠት ከም ዘለዎ ዜንጸባርቕ እዩ። (ማቴዎስ 16:2, 3፣ ሉቃስ 12:24, 27) ነዚ ፍልጠት እዚ ኻበይ ኣጥረዮ፧ ኣብ ገሊላ ኺዓቢ ኸሎ ንፍጥረት ንምዕዛብ እኹል ኣጋጣሚ ኸም ዝነበሮ ኣየጠራጥርን እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ የሱስ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” እዩ፡ የሆዋ ድማ ንዅሉ ነገራት ኣብ ምፍጣር ከም “ክኢላ ሰራሕተኛ” ገይሩ ተጠቒምሉ እዩ። (ቈሎሴ 1:15, 16፣ ምሳሌ 8:30, 31) እሞ ደኣ የሱስ ብዛዕባ ፍጥረት ኣጸቢቑ እንተ ፈለጠ ዜገርም ድዩ፧ ነዚ ፍልጠት እዚ ኸመይ ገይሩ ብውሕሉል መገዲ ኸም እተጠቕመሉ እስከ ንርአ።

16, 17. (ሀ) የሱስ ንባህርያት ኣባጊዕ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ምንባሩ ዚሕብር እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣባጊዕ ንድምጺ ጓሳአን ብሓቂ ኸም ዚሰምዓ ዜርኢ እንታይ ኣብነት ኣሎ፧

16 የሱስ ንርእሱ “ሕያዋይ ጓሳ፡” ንሰዓብቱ ኸኣ “ኣባጊዕ” ኢሉ ኸም ዝጸውዐ ትዝክሮ ኢኻ። የሱስ ኣብዚ እተጠቕመሉ ቓላት ንባህርያት ኣባጊዕ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ከም ዝነበረ እዩ ዜርኢ። ኣብ መንጎ ጓሶትን ኣባጊዖምን ፍሉይ ፍቕሪ ኸም ዝነበረ ይፈልጥ ነበረ። እዘን ንጓሳአን ዚኣምና ፍጥረታት መሪሕነት ንምቕባል ፍቓደኛታት ከም ዝዀናን ንጓሳአን ብተኣማንነት ከም ዚስዕባኦን ሓበረ። ኣባጊዕ ንጓሳአን ዚስዕባኦ ስለምንታይ እየን፧ የሱስ፡ “ድምጹ ስለ ዜለልያ” ብምባል ገለጸ። (ዮሃንስ 10:2-4, 11) ኣባጊዕ ብሓቂዶ ድምጺ ጓሳአን የለልያ እየን፧

17 ጆርጅ ኣዳም ስሚዝ ብዓይኑ ዝረኣዮ ነገር ኣብታ ሂስቶሪካል ጂኦግራፊ ኦቭ ዘ ሆሊ ላንድ ዘርእስታ መጽሓፉ ኸምዚ ብምባል ጸሓፎ፦ “ሓድሓደ ግዜ ኣብ እዋን ምሳሕ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ይሁዳ ዚርከብ ዒላታት ነዕርፍ ነበርና፡ ኣብኡ ኸኣ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ጓሶት መምስ መጓሰኦም ይመጹ ነበሩ። እተን መጓሰ ስለ ዚተሓዋወሳ፡ ‘እቶም ጓሶት ነናቶም ኣባጊዕ ብኸመይ ኰን ኪፈልይወን እዮም፧’ ኢልና ንግረም ነበርና። እተን ኣባጊዕ ሰትየን ምስ ኣእከላ ግና እቶም ጓሶት ነፍሲ ወከፎም ፍሉይ ደሃይ እናኣስምዑ ናብ እተፈላለየ ኣንፈት እቲ ስንጭሮ ይኸዱ እሞ፡ እተን ኣባጊዕ ድማ ካብቲ ተሓዋዊሰናሉ ዝነበራ እናተፈልያ ኸም ኣመጻጽኣአን ነናብ ጓሳአን ይኸዳ ነበራ።” የሱስ እምበኣር ነቲ ኼመሓላልፎ ደልዩ ዝነበረ መልእኽቲ ንምጕላሕ ዝበለጸ ምሳሌ እዩ ተጠቒሙ። ንትምህርትታቱ ንቕበሎን ንእዘዞን እንተ ዄንና፡ ንመሪሕነቱ እውን እንተ ስዒብና፡ እቲ “ሕያዋይ ጓሳ” ኺጓስየና እዩ።

18. ብዛዕባ ፍጥረታት የሆዋ ኣበይ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል፧

18 ከመይ ጌርና ኢና ኻብ ፍጥረት እተወስደ ምሳሌታት ክንጥቀም እንኽእል፧ እንስሳታት ዘለዎም ዜደንቕ ባህርያት፡ ቀሊል ግና ከኣ ውጽኢታዊ ምንጽጻራት ክንገብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ፍጥረታት የሆዋ ኻበይ ሓበሬታ ኽንረክብ ንኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተፈላለዩ እንስሳታት ሰፊሕ ፍልጠት ሒዙ ኣሎ፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ባህርያት እንስሳታት ብምሳሌያዊ መገዲ ይጥቀመሉ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ሰስሓ ወይ ነብሪ ቕልጡፍ፡ ከም ተመን ጥንቁቕ፡ ከምኡ እውን ከም ርግቢ ገርሂ ብዛዕባ ምዃን ይዛረብ እዩ። c (1 ዜና መዋእል 12:8፣ ኣንባቆም 1:8፣ ማቴዎስ 10:16) መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን፡ ከምኡ ድማ እቲ ኣብ jw.org “ተነዲፉ ድዩ፧” ኣብ ዘርእስቱ ዓምዲ ዚወጽእ ዓንቀጻትን ቪድዮታትን ተወሳኺ ምንጪ ሓበሬታ ኪዀነና ይኽእል እዩ። እዚ ምንጪ እዚ ኻብቲ ድንቂ ዝዀነ ሓያሎ ፍጥረታት የሆዋ ተበጊሱ ኸመይ ገይሩ ቐሊል ምንጽጻራት ከም ዚጥቀም ብምዕዛብ፡ ብዙሕ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

ካብ ፍሉጥ ኣብነታት ምውሳድ

19, 20. (ሀ) የሱስ ንሓደ ናይ ሓሶት እምነት ንምቅላዕ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ እተፈጸመ ፍጻመ ብኸመይ ብውጽኢታዊ መገዲ ተጠቕመሉ፧ (ለ) ናይ ሓቂ ኣብነታትን ተመክሮታትን ህይወት ኣብ ትምህርትና ኽንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

19 ኣብ ህይወት ዜጋጥም ናይ ሓቂ ኣብነታት እውን ውጽኢታዊ ምሳሌታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ የሱስ፡ ሓደጋ ኣብቶም ዚግብኦም ሰባት ይወርድ ዚብል እምነት ሓሶት ምዃኑ ንምቅላዕ ኣብቲ ግዜኡ ዘጋጠመ ፍጻመ ተጠቒሙ እዩ። “እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሰርተው ሸሞንተኸ፡ ካብ ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዝገደዱ በደልቲ ዝነበሩዶ ይመስለኩም፧” ኢሉ ሓተተ። (ሉቃስ 13:4) እቶም 18 ሰባት ሓጢኣት ብምግባሮም ኣምላኽ ዘጥፍኦም ኣይኰኑን። የግዳስ “ግዜን ኣጋጣምን” ብዘምጸኦ ዜሕዝን ሞት እዮም ሞይቶም። (መክብብ 9:11) ስለዚ፡ ሰማዕቱ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ፍጻመ ብምጥቃስ ነቲ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ጌጋ ምዃኑ ኣረድአ።

20 ናይ ሓቂ ኣብነታትን ተመክሮታትን ህይወት ኣብ ትምህርትና ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ ብዛዕባ ምልክት እቲ የሱስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ብዚምልከት እተነበዮ ትንቢት ትገልጽ ኣለኻ እስከ ንበል። (ማቴዎስ 24:3-14) እቲ ምልክት ብዝርዝር ይፍጸም ከም ዘሎ ንምሕባር ብዛዕባ ውግእ፡ ጥሜት፡ ወይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዚገልጽ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝቐረበ ዜና ኽትጠቅስ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ሓድሽ ሰብ ኣብ ምልባስ ዜድሊ ለውጢ ንምብራህ ሓደ ተመክሮ ኽትጥቀም ደለኻ ንበል። (ኤፌሶን 4:20-24) ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ኻበይ ክትረክብ ትኽእል፧ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ኣብ ግምት ከተእቱ ትኽእል ኢኻ፡ ወይ ኣብ ሓደ ኻብ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወጸ ተመክሮ እውን ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ኣብ jw.org ዚወጽእ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ዘርእስቱ ዓምዲ እውን ተመክሮታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

21. ውጽኢታዊ መምህር ቃል ኣምላኽ ብምዃን እንታይ ዓስብታት ኪርከብ ይከኣል፧

21 የሱስ ብሓቂ ኽኢላ መምህር እዩ ነይሩ! ኣብዚ ኽፋል እዚ ኸም ዝረኣናዮ፡ ቀንዲ ዕዮኡ “እናመሃረን ብስራት መንግስቲ እናሰበኸን” ብዚብላ ቓላት ተገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 4:23) እዚ ዕዮ እዚ ንዓና እውን ቀንዲ ዕዮና እዩ። ውጽኢታዊ መምህር ምዃን፡ ዓብዪ ዓስቢ እዩ ዜምጽእ። ክንምህር ከለና፡ ንኻልኦት ንህቦም ኢና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምሃብ ከኣ ሓጐስ የምጽእ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) እቲ ሓጐስ እቲ ሓደ ናይ ሓቅን ነባርን ዋጋ ዘለዎ ነገር፡ ማለት ብዛዕባ የሆዋ እቲ ሓቂ፡ እነካፍል ከም ዘለና ብምፍላጥና እንረኽቦ ሓጐስ እዩ። ኣብነት እቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ዝዓበየ መምህር ዝዀነ የሱስ ከም ዝሰዓብና ብምፍላጥና እውን ዕግበት ኪስምዓና ይኽእል እዩ።

a ብዛዕባ ምድራዊ ህይወት የሱስ ዚገልጽ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ናይ መጀመርታ ጽሑፍ፡ እቲ ድሕሪ ሞት የሱስ ዳርጋ ሸሞንተ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ እተጻሕፈ ወንጌል ማቴዎስ እዩ ነይሩ።

b የሱስ፡ እቲ ኻህንን እቲ ሌዋውን “ካብ የሩሳሌም” ተበጊሶም ይጐዓዙ ምንባሮም፡ ማለት ናብቲ ቤተ መቕደስ ይኸዱ ዘይምንባሮም እውን ኣሚቱ እዩ። ስለዚ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ሓልዮት ዘየርኣዩሉ ምኽንያት እቲ ሰብኣይ ምዉት ስለ ዝመሰሎም እሞ፡ ምዉት እንተ ተንክዮም ከኣ ንግዜኡ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኬገልግሉ ስለ ዘይክእሉ እዮም ዚብል ምኽኒት ኪቐርብ ኣይክእልን እዩ።—ዘሌዋውያን 21:1፣ ዘሁልቍ 19:16

c ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንባህርያት እንስሳታት ብምሳልያዊ መገዲ ዚጥቀመሉ ኣገባብ ሓፈሻዊ ዝርዝር እንተ ደሊኻ፡ ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ፡ 1ይ ጥራዝ፡ ገጽ 268, 270-271 ተወከስ።