ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሸሞንተ

“ስለዚ እየ እተለኣኽኩ”

“ስለዚ እየ እተለኣኽኩ”

1-4. (ሀ) የሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ብሜላ ዝመሃራ ኸመይ ገይሩ እዩ፧ እንታይ ፍረኸ ረኸበ፧ (ለ) ሃዋርያቱ ኸመይ ተሰምዖም፧

 የሱስን ሃዋርያቱን ንሓያሎ ሰዓታት ብእግሮም ተጓዕዙ። ናብ ሰሜን ገጾም፡ ማለት ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ እዮም ዚኸዱ ነይሮም። እቲ ዝሓጸረ መገዲ ብሰማርያ ኣቢሉ ዚሓልፍ ኰይኑ ሰለስተ መዓልቲ ዚወስድ እዩ። ጸሓይ ክትዓርብ ምስ ቀረበት፡ ጥቓ ሓንቲ ሲካር እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ በጽሑ፡ ኣብኡ ኸኣ እኽለ ማይ ኪጥዕሙ ኣዕረፉ።

2 ሃዋርያቱ ምግቢ ኺዕድጉ ኸይዶም ነበሩ፡ የሱስ ግና ጥቓ ሓንቲ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ እትርከብ ዒላ ኾፍ ኢሉ ነበረ። ሓንቲ ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ስቕ ክብል ምኸኣለ ነይሩ። ከመይሲ፡ “ብጕዕዞ ደኺሙ” ነበረ። (ዮሃንስ 4:6) እታ ሳምራዊት ሰበይቲ መጺኣ ኽሳዕ እትኸይድ እንተ ዜጽቅጥ፡ ዘይንቡር ነገር ከም ዝገበረ ኣይምተቘጽረን። ኣብ ምዕራፍ 4 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ እታ ሰበይቲ ዝዀነ ይኹን ኣይሁዳዊ ኺንዕቃ ትጽበ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። ኰይኑ ግና፡ ምስኣ ዝርርብ ጀመረ።

3 ካብቲ እታ ሰበይቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወታ እትፍጽሞ ተግባር፡ አረ ኣብታ ህሞት እቲኣ ኸኣ እትዓይዮ ዝነበረት ዕዮ ብምብጋስ ብምሳሌ ገይሩ ዘረባኡ ጀመረ። ኣብቲ ቦታ እቲ ዝመጸት ማይ ንምቕዳሕ እዩ ነይሩ፣ የሱስ ከኣ ብዛዕባ እቲ ንመንፈሳዊ ጽምኣ ዜርዊ ህይወት ዚህብ ማይ ተዛረባ። እታ ሰበይቲ ደጋጊማ ኼከራኽር ዚኽእል ጕዳያት ኣበገሰት። a የሱስ ብሜላ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ንጐድኒ ገዲፉ፡ ኣብቲ ዘበገሶ ጕዳይ ዝርርቡ ቐጸለ። ኣብ መንፈሳዊ ነገራት፡ ማለት ኣብቲ ንጹህ ኣምልኾን ኣብ የሆዋ ኣምላኽን ኣተኰረ። ድሕርዚ፡ እታ ሰበይቲ ንሰብ እታ ኸተማ ስለ ዝነገረቶምን ንሳቶም እውን ንየሱስ ኪሰምዕዎ ስለ ዝደለዩን፡ እቲ እተዛረባ ቓላት ሰፊሕ ጽልዋ ኣሕዲሩ ነበረ።—ዮሃንስ 4:3-42

4 እቶም ሃዋርያት ምስ ተመልሱ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዚህቦ ዝነበረ ዜደንቕ ምስክር ከመይ ተሰምዖም፧ ዋላ ሓደ ኻብኦም ውዕዉዕ መንፈስ ኣየርኣየን። የሱስ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ምዝራቡ ገሪምዎም እዩ፡ ንዓኣ ድማ ዋላ ሓንቲ ኣይተዛረብዋን። ምስ ከደት፡ ንየሱስ ካብቲ ዘምጽእዎ ምግቢ ኺበልዕ ለመንዎ። የሱስ ግና፡ “ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ ኣሎኒ” ኢሉ መለሰሎም። እቲ መልሱ ብግቡእ ስለ ዘይተረድኦም፡ ቃል ብቓሉ ወሰድዎ። ድሕሪኡ፡ “ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር፡ ዕዮኡ እውን ክፍጽም እዩ” ኢሉ ገለጸሎም። (ዮሃንስ 4:32, 34) በዚ ኸምዚ የሱስ እቲ ቐንዲ ዕዮኡ ኻብ ብልዒ ንላዕሊ ኣገዳሲ ምዃኑ ነገሮም። ንሳቶም እውን ተመሳሳሊ ስምዒት ኪህልዎም ደለየ። እቲ ዝጠቐሶ ዕዮ ግና እንታይ እዩ፧

5. ቀንዲ ዕዮ የሱስ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣኸ እንታይ ኢና እንምርምር፧

5 ሓደ ግዜ የሱስ፡ “ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ከተማታት እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከበስረን ይግብኣኒ እዩ” በለ። (ሉቃስ 4:43) እወ፡ የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኽን ኪምህርን እዩ ተላኢኹ። b ሎሚ ዘለዉ ሰዓብቲ የሱስ እውን ተመሳሳሊ ዕዮ እዩ ዘለዎም። እምበኣር፡ የሱስ ስለምንታይ ከም ዝሰበኸ፡ እንታይ ከም ዝሰበኸ፡ ከምኡ እውን ነቲ ዕዮ እቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ እንታይ ምዃኑ ምምርማርና ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ።

የሱስ ዝሰበኸሉ ምኽንያት

6, 7. የሱስ፡ “ኵሉ መምህር” ነቲ ብስራት ንኻልኦት ብዛዕባ ምምሃር እንታይ ስምዒት ኪህልዎ እዩ ደልዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

6 የሱስ ብዛዕባ እቲ ዚምህሮ ዝነበረ ሓቅታት ከመይ ከም እተሰምዖ እስከ ንርአ፣ ድሕሪኡ ብዛዕባ እቲ ንዚምህሮም ሰባት ዝነበሮ ኣረኣእያ ኽንርኢ ኢና። የሱስ ነቲ የሆዋ ዝመሃሮ ሓቂ ንኻልኦት ብዛዕባ ምንጋር ከመይ ይስምዖ ኸም ዝነበረ ንምግላጽ ምሳሌ ተጠቒሙ ኣሎ። “ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት እተማህረ ዅሉ መምህር፡ ካብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት ይመስል” በለ። (ማቴዎስ 13:52) እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ብዓል ቤት ካብ መዝገቡ ዜውጽእ ስለምንታይ እዩ፧

7 እቲ ብዓል ቤት ከምቲ ጥንቲ ዝነበረ ንጉስ ህዝቅያስ ሓደ ግዜ ኺርኣየሉ ኢሉ መዛግብቱ ዝኸፈተ እሞ ሕማቕ ሳዕቤን ዝዓጸደ ኣይኰነን ነይሩ። (2 ነገስት 20:13-20) እሞ ደኣ ነቲ ብዓል ቤት ከምዚ ኺገብር ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ሓደ ምሳሌ እስከ ንርአ፦ ንሓደ ተፈታዊ መምህር ኣብ ቤቱ ኼድካ በጻሕካዮ ንበል። ንሱ ድማ ካብ ተመዛዚ ኽልተ ደብዳበታት የውጽእ፣ እታ ሓንቲ ብንውሓት ግዜ ዝበጨወት ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልአይቲ ግና ሓዳስ እያ። ክልቲአን እተን ደብዳበታት ካብ ኣቦኡ ዝመጻኦ እየን፣ እታ ሓንቲ ዓሰርተታት ዓመታት ይገብር እቲ መምህር ንእሽቶ ኸሎ ዝመጸቶ ኽትከውን ከላ፡ እታ ኻልአይቲ ግና ኣብ ቀረባ ግዜ ዝመጸቶ እያ። ነዘን ደብዳበታት እዚአን ክሳዕ ክንደይ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየን፡ እቲ ሒዘናኦ ዘለዋ ማዕዳ ንህይወቱ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝቐየሮ፡ ንዓኻ እውን ኪሕግዛኻ ኸም ዚኽእላ ኺገልጸልካ ኸሎ ኣዒንቱ ብሓጐስ ይበርህ። እቲ መምህር ብርግጽ ነተን ደብዳበታት የኽብረን እዩ፡ ኣብ ልቡ ድማ ጽቡቕ ቦታ ኣለወን። (ሉቃስ 6:45) ነዚ ድማ ኪጅሃር ወይ ብኻልእ መገዲ ኪጥቀም ኢሉ ዘይኰነስ፡ ኪጠቕመካን ዋጋአን ኪሕብረካን ኢሉ ይነግረካ።

8. እቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እንምሃሮ ሓቅታት፡ መዛግብቲ ኸም ዝዀነ ጌርና ንምርኣይ ዜኽእል ጽቡቕ ምኽንያት ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧

8 እቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቅታት ንኻልኦት ዚነግረሉ ተመሳሳሊ ድራኸታት ኣለዎ። ነዚ ሓቅታት እዚ ብዋጋ ዘይሽነን መዛግብቲ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። ይፈትዎ እዩ፡ ንኻልኦት ንምንጋር እውን ሃንቀውታ ኣለዎ። የሱስ፡ ኵሎም ሰዓብቱ፡ ወይ “ኵሉ መምህር” ከምኡ ኺስምዖም እዩ ዚደሊ። እሞኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓና፧ ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እንምሃሮ ዅሉ ሓቂ ንምፍቃር ዜኽእል እኹል ምኽንያት ኣሎና። ንነዊሕ ዝጸንሐ እምነታት ይኹን ወይ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝነጸረ ብዘየገድስ፡ ንዅሉ ዕንቍታት ሓቂ ኸም መዛግብቲ ጌርና ኢና እንርእዮ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝመሃረና ነገር ካብ ልብና ብምዝራብን ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ብምዕቃብን፡ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ፡ ነታ ፍቕሪ ነንጸባርቃ።

9. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ እቶም ዚምህሮም ዝነበረ ሰባት ከመይ ይስምዖ ነበረ፧ (ለ) ነቲ ንየሱስ ንሰባት ዝነበሮ ኣረኣእያ ኽንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 የሱስ ነቶም ዚምህሮም ዝነበረ ሰባት እውን የፍቅሮም ነበረ፡ ነዚ ኣብ 3ይ ክፋል ብዝያዳ ኽንርእዮ ኢና። እቲ መሲሕ “ንትሑትን ንድኻን ኪድንግጸሎም” ምዃኑ ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ። (መዝሙር 72:13) ብርግጽ ንሰባት ይሓልየሎም ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዚድርኾም ዝነበረ ሓሳባትን ኣረኣእያታትን ሓልዩ፡ ብዛዕባ እቲ ኸቢድዎም ዝነበረ ጾርን ነቲ ሓቂ ኸይቅበሉ ዓጊትዎም ዝነበረ ዕንቅፋታትን ከኣ ተገዲሱ እዩ። (ማቴዎስ 11:28፣ 16:13፣ 23:13, 15) ንኣብነት፡ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ እሞ ዘክራ። በቲ የሱስ ዘርኣያ ተገዳስነት፡ ልባ ኸም እተተንከየት ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብዛዕባ ብሕታዊ ዅነታታ ዘርኣዮ ምስትውዓል፡ ከም ነብዪ ገይራ ኽትቅበሎን ብዛዕባኡ ንኻልኦት ክትነግርን ደረኻ። (ዮሃንስ 4:16-19, 39) ሓቂ እዩ፡ ሎሚ ዘለዉ ሰዓብቲ የሱስ፡ ኣልባብ እቶም ዚሰብኩሎም ሰባት ኬንብቡ ኣይክእሉን እዮም። ይኹን እምበር፡ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ንሰባት ክንግደሰሎም፡ ሓልዮትና ኸነርእዮም፡ ከምኡ እውን ቃላትና ምስቲ ብፍላይ ዜገድሶምን ዜጸግሞምን ዜድልዮምን ነገራት ከም ዚሰማማዕ ክንገብር ንኽእል ኢና።

የሱስ ዝሰበኾ ስብከት

10, 11. (ሀ) የሱስ እንታይ እዩ ሰቢኹ፧ (ለ) መንግስቲ ኣምላኽ ዘድለየት ስለምንታይ እያ፧

10 የሱስ እንታይ እዩ ሰቢኹ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ ኣብ ትምህርትታት እተን ወከልቱ ኢና ዚብላ ሓያሎ ኣብያተ ክርስትያን እንተ ትምርምር፡ ማሕበራዊ ወንጌል ከም ዝሰበኸ ጌርካ ምደምደምካ። ወይ ከኣ ምናልባት ፖለቲካዊ ተሓድሶ ኸም ዝጠለበ ወይ ልዕሊ ዅሉ ነገር ብሕታዊ ድሕነት ከም ዘጕልሐ ምሓሰብካ። ይኹን እምበር፡ ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ፡ የሱስ ብንጹር፡ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ [ከበስር] ይግብኣኒ እዩ” በለ። እዚ እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧

11 ሰይጣን ነቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ኼጸልሞን ንቕንዕና ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ኣብ ሕቶ ኼእትዎን ከሎ፡ የሱስ ኣብ ሰማይ ከም ዝነበረ ኣይትረስዕ። እቲ ጻድቕ ኣቦኡ ንፍጡራቱ ጽቡቕ ነገር ዚኽልክሎም ዘይፍትሓዊ ገዛኢ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኪኽሰስ ምርኣይሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣሳቕይዎ ኪኸውን ኣለዎ! እቶም ወለዲ ደቂ ሰብ ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ጸለመ ሰይጣን እዝኒ ምሃቦም ነቲ ወዲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኣጕህይዎ ኪኸውን ዘለዎ! ደቂ ሰብ ብሰንኪ እቲ ዕልወት ኣደዳ ሓጢኣትን ሞትን ኪዀኑ እውን ርእዩ እዩ። (ሮሜ 5:12) ኣቦኡ ሓደ መዓልቲ ንዅሉ ነገራት ከም ዜቕንዖ ምስ ፈለጠ ግና፡ ኣየ ኽንደይ ኰን ተሓጒሱ ይኸውን!

12, 13. መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ዘይፍትሓዊ ተግባራት እያ ኸተዐሪ፧ የሱስከ ነታ መንግስቲ እቲኣ ኣብ ኣገልግሎቱ ብቐዳምነት ዘተኰረላ ብኸመይ እዩ፧

12 ልዕሊ ዅሉ፡ እንታይ ጕዳይ እዩ ኺፍታሕ ዝነበሮ፧ እቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ኪቕደስ፡ ካብ ኵሉ እቲ ሰይጣንን ምስኡ ዝወገኑ ዘበሉን ዝጸፍጸፍዎ ወቐሳ ድማ ናጻ ኪኸውን ነበሮ። ስም የሆዋ ነቲ ኸም ገዛኢ መጠን ዘለዎ ስም ዜጠቓልል ስለ ዝዀነ፡ ልዑላውነቱ ወይ ኣገዛዝኣኡ ፍትሓዊ ምዃኑ ኺረጋገጽ ነበሮ። የሱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ፡ እዚ ጕዳያት እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይርድኦ ነበረ። ኣብታ ንሰዓብቱ ዝመሃሮም ኣብነት እትኸውን ጸሎት፡ ፈለማ ስም ኣቦኡ ኪቕደስ፡ ድሕሪኡ መንግስቲ ኣቦኡ ኽትመጽእ፡ ቀጺሉ ኸኣ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኪኸውን ኪልምኑ ነገሮም። (ማቴዎስ 6:9, 10) እታ ክርስቶስ የሱስ ዝገዛኢኣ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንምድሪ ኻብዚ ብልሹው ስርዓት ሰይጣን ከተጽርያን ጽድቃዊ ግዝኣት የሆዋ ንሓዋሩ ኸተቕውምን እያ።—ዳንኤል 2:44

13 እታ መንግስቲ እቲኣ ፍረ ነገር ኣገልግሎት የሱስ እያ ነይራ። ኵሉ ቓላቱን ግብርታቱን ንእንታይነት እታ መንግስትን ንዕላማ የሆዋ ብኸመይ ከም እተገልግልን ዜነጽር ነበረ። የሱስ ዋላ ሓንቲ ነገር ካብቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ዝነበሮ ተልእኾ ኸም ዜስግል ኪገብሮ ኣይፈቐደን። ኣብቲ ንሱ ዝነበረሉ ግዜ ህጹጽ ፍታሕ ዜድልዮ ማሕበራዊ ጕዳያትን ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታትን ነበረ፣ ኰይኑ ግና ኣብቲ መልእኽቱን ዕዮኡን ኣተኰረ። ኣትኵሮኡ ኣብዚ ነገር እዚ ጥራይ ምግባሩ፡ ጸቢብ ኣመለኻኽታ፡ ከምኡ እውን ዜሰልክን ተደጋጋምን ኣቀራርባ ነይርዎ ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ኸምኡ ኣይኰነን!

14, 15. (ሀ) የሱስ “ካብ ሰሎሞን ዚዓቢ” ምዃኑ ዘመስከረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብቲ እንሰብኮ ስብከት ንየሱስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

14 ኣብዚ ብምሉኡ እዚ ኽፋል እዚ ኸም እንርእዮ፡ የሱስ ንትምህርትታቱ መሳጥን ማራኽን ገይርዎ እዩ። ኣልባብ ሰባት ኪትንክፍ ጽዒሩ እዩ። ምናልባት ነቲ ብመንፈስ የሆዋ ተደሪኹ ዝመጾ ሓሳባት ኬመሓላልፍ ኢሉ ባህ ዜብል ቃላትን ቅኑዕ ቃላት ሓቅን ኪረክብ ዝደለየ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ንዝክሮ ንኸውን። (መክብብ 12:10) የሆዋ ነቲ ዘይፍጹም ሰብኣይ እቲ ‘ርሒብ ልቢ’ ሃቦ፡ ብዛዕባ ኣዕዋፍን ዓሳታትን ኣእዋምን እንስሳታትን ንምዝራብ ከኣ ኣኽኣሎ። ጥበብ ሰሎሞን ንምስማዕ ሰባት ካብ ርሑቕ ይመጹ ነበሩ። (1 ነገስት 4:29-34) ኰይኑ ግና፡ የሱስ “ካብ ሰሎሞን ዚዓቢ” ነበረ። (ማቴዎስ 12:42) ዝያዳ ጥበብን ዝያዳ ‘ርሒብ ልብን’ ነበሮ። ንሰባት ኪምህር ከሎ፡ ነቲ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ፡ ኣዕዋፍ፡ እንስሳታት፡ ዓሳታት፡ ሕርሻ፡ ኵነታት ኣየር፡ ህሉው ኵነታት፡ ታሪኽ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ማሕበራዊ ዅነታት ዝነበሮ ፍልጠት ተጠቕመሉ። ኰይኑ ግና፡ ንሰባት ኪምስጥ ኢሉ ብፍልጠቱ ኣይተነየተን። መልእኽቱ ቐሊልን ንጹርን ነበረ። ሰባት ኪሰምዕዎ ባህ ይብሎም ምንባሩ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን!—ማርቆስ 12:37፣ ሉቃስ 19:48

15 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣሰር የሱስ ኪስዕቡ እዮም ዚጽዕሩ። ከምቲ ንዕኡ ዝነበሮ ዓይነት ኣዝዩ ሰፊሕ ጥበብን ፍልጠትን እኳ እንተ ዘይብልና፡ ኵላትና ንኻልኦት ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ክንነግር ከለና ኽንጥቀመሉ እንኽእል እተወሰነ ፍልጠትን ተመክሮን ግና ኣሎና። ንኣብነት፡ ወለዲ ነቲ ንውሉዳቶም ኬዕብዩ ኸለዉ ዘጥርይዎ ተመክሮ ብምጥቃም፡ የሆዋ ንደቁ ዘለዎ ፍቕሪ ብምሳሌ ኺገልጽዎ ይኽእሉ እዮም። ካልኦት ከኣ ካብ ዓለማዊ ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ ወይ ብዛዕባ ሰባትን ህሉው ኵነታትን ካብ ዘለዎም ፍልጠት ብምብጋስ ኣብነታት ወይ ምሳሌታት ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኽንገብር ከለና ግና፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ካብቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ መልእኽትና ኣቓልቦና ኸይወስድ ንጥንቀቕ ኢና።—1 ጢሞቴዎስ 4:16

የሱስ ንኣገልግሎቱ ዝነበሮ ኣረኣእያ

16, 17. (ሀ) የሱስ ንኣገልግሎቱ ኸመይ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧ (ለ) ንኣገልግሎቱ ኣብ ህይወቱ ቐዳማይ ቦታ ኸም ዝሃቦ ብኸመይ ኣርኣየ፧

16 የሱስ፡ ኣገልግሎቱ ኽቡር መዝገብ ከም ዝዀነ ይስምዖ ነበረ። ሰባት በቲ ብሰብ ዝቘመ ሰረተ እምነታትን ልምድታትን ከይተደናገሩ ንመንነት ሰማያዊ ኣቦኡ ብሓቂ ኸም ዚርድኦም ምግባር ባህ ይብሎ ነበረ። ንሰባት ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ከም ዚምስርቱን ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚህልዎምን ምግባር ይፈቱ ነበረ። እቲ ብስራት ዜምጽኦ ምጽንናዕን ሓጐስን ምክፋሎም እውን የሐጕሶ ነበረ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ከም ዘለዎ ብኸመይ ኣርእዩ፧ ሰለስተ መገድታት እስከ ንርአ።

17 ቀዳማይ፡ የሱስ ንኣገልግሎት ኣብ ህይወቱ ቐዳማይ ቦታ ሂብዎ እዩ። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምዝራብ ቀንዲ ዕዮኡን ልዕሊ ዅሉ ዜገድሶን እዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ኸምቲ ኣብ ምዕራፍ 5 ዝረኣናዮ ብጥበብ ንናብራኡ ቐሊል ዝገበረ። ከምቲ ንኻልኦት ዝመኸሮም፡ ንሱ እውን ንዓይኑ ኣብቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዜገድስ ነገር ከም እተተኵር ገበረ። ገንዘብን ክንክንን ጽገናን ዜድልዮ ሓያሎ ጥሪት ብምጥራይ፡ ኣቓልቦኡ ኸም ዜስግል ኣይገበረን። ዝዀነ ይኹን ነገር ብዘየድሊ ምኽንያት ካብ ኣገልግሎቱ ምእንቲ ኸየጓናድቦ ናብራኡ ቐሊል ገበረ።—ማቴዎስ 6:22፣ 8:20

18. የሱስ ንኣገልግሎቱ ውፉይ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

18 ካልኣይ፡ የሱስ ንኣገልግሎቱ ውፉይ ነበረ። ነቲ ብስራት ዜካፍሎም ሰባት ንምርካብ ኣብ ብምልእታ እታ ምድሪ ተስፋ ቓል ብቓሉ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ብምጕዓዝ፡ ብዙሕ ጕልበቱ ወፍዩ እዩ። ነቶም ሰባት እቲኦም ኣብ ኣባይቶም፡ ኣብ ኣደባባያት፡ ኣብ ዕዳጋ፡ ከምኡ እውን ኣብ ቃልዕ ቦታታት ተዛሪብዎም እዩ። ዕረፍቲ፡ ምግቢ፡ ማይ፡ ወይ ምስቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ ብሑት ግዜ ኣብ ዚደልየሉ ዝነበረ እዋን እኳ ኸይተረፈ ተዛሪብዎም እዩ። ኪመውት ከሎ እውን፡ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ካብ ምክፋል ኣየቋረጸን።—ሉቃስ 23:39-43

19, 20. የሱስ ንህጹጽነት እቲ ዕዮ ስብከት ብኸመይ እዩ ብምሳሌ ዝገለጾ፧

19 ሳልሳይ፡ የሱስ ንኣገልግሎቱ ብህጹጽ ኪዕየ ኸም ዚግብኦ ገይሩ ይርእዮ ነበረ። ምስታ ሳምራዊት ሰበይቲ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ሲካር ዝነበረ ዒላ ዝገበሮ ዝርርብ እሞ ዘክሮ። ሃዋርያት የሱስ ኣብቲ ዅነታት እቲ ነቲ ብስራት ንኻልኦት ብህጹጽ ኪንገር ከም ዘለዎ ገይሮም ከም ዘይረኣይዎ ንጹር እዩ። የሱስ ንዓታቶም፡ “‘ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ ኣሎ’ ትብሉ ደይኰንኩምን፧ እንሆ፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ኣዒንትኹም ኣልዒልኩም፡ ግራውቲ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወ ርኣዩ” በሎም።—ዮሃንስ 4:35

20 የሱስ ነቲ ምሳሌ እቲ ኻብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ወቕቲ እዩ ወሲድዎ። እቲ ፍጻመ ኣብ ወርሒ ከስለው (ክፋል ሕዳርን ታሕሳስን) እተፈጸመ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። እቲ ኣብ ከባቢ እቲ ብ14 ኒሳን ዚብዓል ፋስጋ ዚፍጸም ዓጺድ ስገም ገና ኣርባዕተ ወርሒ ይተርፎ ነበረ። ስለዚ፡ ሓረስቶት ብዛዕባ እቲ ቐውዒ ኣብቲ ግዜ እቲ ብህጹጽ ኣይዓዩን እዮም ነይሮም። ገና ብዙሕ ግዜ ይተርፎ ነበረ። ብዛዕባ እቲ ሰባት ዚእከቡሉ ቐውዒ ግና እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ብዙሓት ኪሰምዑ፡ ኪምሃሩ፡ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ፡ ከምኡ እውን ነቲ የሆዋ ዘዳለወሎም መስተንክር ተስፋ ኺረኽቡ ድሉዋት እዮም ነይሮም። ብስእላዊ ኣዘራርባ የሱስ ንምድሪ ምስ ረኣያ፡ እቲ ኣብኣ ዘሎ እኽሊ ብምብሳሉ ጻዕድዩስ ብንፋስ ሰሰው እናበለ ዓጺድ ይጽበ ኸም ዘሎ ዀይኑ እዩ ተራእይዎ። c እቲ ግዜ ኣኺሉ ነበረ፡ እቲ ዕዮ ድማ ብህጹጽ ኪዕየ ነበሮ! ስለዚ፡ ተቐማጦ ሓንቲ ኸተማ ንየሱስ ምሳታቶም ኬጽንሕዎ ምስ ደለዩ፡ “ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ከተማታት እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከበስረን ይግብኣኒ እዩ” በሎም።—ሉቃስ 4:43

21. ንየሱስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

21 በዚ እተገልጸ ሰለስተ መገድታት፡ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ንክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኽንህቦ ንኽእል ኢና። ናይ ስድራ ቤትና ሓላፍነትን ካልእ ሓላፍነትን እኳ እንተ ኣሎና፡ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ኣብ ኣገልግሎትና ኣዘውቲርና ብቕንኣት ብምስታፍ ቀዳማይ ቦታ ኸም ዝሃብናዮ ነርኢ። (ማቴዎስ 6:33፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:8) ንኣገልግሎትና ንምድጋፍ ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን ብልግሲ ብምሃብ፡ ውፉያት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 13:24) ዕዮና ብህጹጽ ኪዕየ ኸም ዘለዎ ጌርና ኸኣ ኣብ ኣእምሮና ኽንቀርጾ ንኽእል ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 4:2) ንዅሉ እቲ ንምስባኽ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ኽንጥቀመሉ ኣሎና!

22. ኣብ እትስዕብ ምዕራፍ እንታይ ኪግለጽ እዩ፧

22 የሱስ ድሕሪ ሞቱ ዕዮኡ ኸም ዚቕጽል ኣርጊጹ ብምዝራብ፡ ኣገዳስነት እቲ ዕዮ ኸም እተገንዘበ እውን ኣርእዩ እዩ። ንሰዓብቱ ነቲ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ ኪቕጽሉ መዝነት ሃቦም። እዚ መዝነት እዚ ኣብ እትስዕብ ምዕራፍ ኪግለጽ እዩ።

a ንኣብነት፡ ኣይሁዳዊ ኽነሱ ንምንታይ ንሳምራዊት ከም እተዛረባ ኽትሓትቶ ኸላ፡ ንዘመናት ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ህዝቢ ዝነበረ ብርቱዕ ጽልኢ እያ ኣበጊሳ። (ዮሃንስ 4:9) ህዝባ ኻብ ያእቆብ ከም ዚውለዱ እውን ተዛሪባ እያ፡ እዚ ኸኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣይሁድ ኣበርቲዖም ዚቃወምዎ ዝነበሩ ነገር እዩ። (ዮሃንስ 4:12) ንሳምራውያን ኩታሃውያን ኢሎም እዮም ዚጽውዕዎም ነይሮም፡ እዚ ኣጸዋውዓ እዚ ኸኣ ካብ ጓኖት ህዝቢ እተወልዱ ምዃኖም ዜጕልሕ ነበረ።

b ምስባኽ ኪብሃል ከሎ ሓደ መልእኽቲ ምእዋጅ ወይ ምንጋር ማለት እዩ። ምምሃር ኪብሃል ከሎ ኸኣ ምስ ምስባኽ ተመሳሳሊ ትርጉም ዘለዎ ዀይኑ፡ ንሓደ መልእኽቲ ብዝያዳ ዕምቈትን ዝርዝርን ምምሕልላፍ የጠቓልል። ጽቡቕ ኣመሃህራ ድማ ነቶም ተምሃሮ ነቲ ዚሰምዕዎ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኼውዕልዎ ልቦም እትትንክየሉ መገዲ ምንዳይ የጠቓልል።

c ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ “እኽሊ ምስ በሰለ፡ ሕብሩ ኻብ ቀጠልያ ናብ ብጫ ወይ ጨዓይ ይቕየር፡ እዚ ኸኣ ዚዕጸደሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለ የመልክት” በለ።