ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ትሽዓተ

“ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”

“ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”

ሓደ ሓረስታይ ካብቲ በይኑ ኺእክቦ ዚኽእል ንላዕሊ እኽሊ እንተ ኣልይዎ፡ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧

1-3. (ሀ) ሓደ ሓረስታይ እቲ እኽሉ ንበይኑ ኺእክቦ ዘይክእል እንተ ዀይኑ፡ እንታይ እዩ ዚገብር፧ (ለ) የሱስ ኣብ ጽድያ 33 ድ.ክ. እንታይ በዳሂ ዅነታት እዩ ዘጋጠሞ፧ ነዚኸ ብኸመይ ሰገሮ፧

 ሓደ ሓረስታይ ከቢድ ብድሆ ኣጋጠሞ። ቅድሚ እተወሰነ ኣዋርሕ፡ ግራውቱ ሓሪሱ ዘርኢ ዘርኦ። እቲ ሓድሽ ብቋል ኪቕልቀል ከሎ፡ ተጠንቂቑ ተመልከቶ፡ እቲ ተኽሊ ኺዓቢ ኸሎ ኸኣ ተሓጐሰ። ድሕሪ እቲ ዅሉ ጻዕሪ፡ እዋን ዓጺድ ስለ ዝኣኸለ ዓስቡ ረኸበ። እቲ በዳሂ ዀይንዎ ዘሎ ግና፡ እዚ ዅሉ እኽሊ ንበይኑ ኺእክቦ ዚኽእል ዘይምዃኑ እዩ። ነዚ በዳሂ ዅነታት እዚ ምእንቲ ኺሰግሮ ኢሉ፡ እተወሰኑ ዓየይቲ ቘጺሩ ናብ ግራውቱ ኺልእኽ ወሰነ። ከመይሲ፡ ነዚ ኽቡር እኽሉ እዚ ንምእካብ ሒደት ግዜ ጥራይ እዩ ተሪፍዎ ዘሎ።

2 ኣብ ጽድያ 33 ድ.ክ.፡ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ተመሳሳሊ ብድሆ ኣጋጠሞ። ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ዘርኢ ሓቂ ዘሪኡ ነበረ። ኣብ ጽድያ 33 ድ.ክ. ግና ነቲ ምህርቲ ዚዓጽደሉ ግዜ ኣኸለ፡ እቲ እኽሊ ኸኣ ብዙሕ ነበረ። ብዙሓት ነቲ መልእኽቱ እተቐበልዎ ሰባት፡ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኖም ኪእከቡ ነበሮም። (ዮሃንስ 4:35-38) የሱስ ነዚ ብድሆ እዚ ብኸመይ ሰገሮ፧ ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ፡ ኣብቲ ኣብ ገሊላ ዚርከብ ከረን፡ ደቀ መዛሙርቱ ዝያዳ ዓየይቲ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ “ስለዚ፡ ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም” ብምባል መዝነት ሃቦም።—ማቴዎስ 28:19, 20

3 እቲ መዝነት እቲ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ምዃንና ኻብ እነርእየሉ ቐንዲ መገድታት ሓደ እዩ። እምበኣር፡ ሰለስተ ሕቶታት እስከ ንመርምር። የሱስ ዝያዳ ዓየይቲ ኺህልዉ መዝነት ዝሃበ ስለምንታይ እዩ፧ ደቀ መዛሙርቱ ንዓታቶም ምእንቲ ኺረኽብዎም ብኸመይ ኣሰልጠኖም፧ እዚ መዝነት እዚ ንዓና ዚምልከትከ ብኸመይ እዩ፧

ዝያዳ ዓየይቲ ዘድለዩሉ ምኽንያት

4, 5. የሱስ ነቲ ዝጀመሮ ዕዮ ኽውድኦ ዘይክእል ስለምንታይ እዩ፧ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰኸ ነቲ ዕዮ እቲ መን ኪቕጽሎ ነበሮ፧

4 የሱስ ብ29 ድ.ክ. ኣገልግሎቱ ምስ ጀመረ፡ ንበይኑ ዘይውድኦ ዕዮ ይጅምር ምንባሩ ይፈልጥ ነበረ። ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዝጸንሓሉ ሒደት ግዜ፡ በቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሽፍኖ ዚኽእል ቦታን ኪበጽሖም ዚኽእል ብዝሒ ሰባትን ደረት ነበሮ። ሓቂ እዩ፡ ስብከቱ ብቐንዱ ኣብቶም “ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል” ዝዀኑ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ዘተኰረ እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 15:24) ይኹን እምበር፡ እቶም “ጥፉኣት ኣባጊዕ” እተባህሉ ኣብታ ኣሽሓት ትርብዒት ኪሎ ሜተራት እትሽፍን እስራኤል ፋሕ ኢሎም እዮም ነይሮም። ብዘይካዚ፡ እቲ ብስራት ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ዝተረፈ ኽፋል ዓለም ኪበጽሕ ነበሮ።—ማቴዎስ 13:38፣ 24:14

5 የሱስ ድሕሪ ሞቱ ብዙሕ ኪዕየ ዘለዎ ዕዮ ኸም ዚተርፍ ይፈልጥ ነበረ። ነቶም 11 እሙናት ደቀ መዛሙርቱ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ ስለ ዘለኹ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ ንሱ እውን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት ኪገብር እዩ፣ ካብዚ ዚዓቢ ግብርታት እውን ኪገብር እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 14:12) እቲ ወዲ ናብ ሰማይ ይምለስ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ሃዋርያቱ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ኵሎም ኣብ መጻኢ ደቀ መዛሙርቱ ዚዀኑ ሰዓብቱ እውን፡ ነቲ ናይ ምምሃርን ምስባኽን ዕዮ ኪቕጽልዎ ነበሮም። (ዮሃንስ 17:20) እቲ ንሳቶም ዚዓይይዎ ዕዮ፡ ካብቲ ናቱ “ዚዓቢ” ኸም ዚኸውን፡ የሱስ ብትሕትና ገለጸ። ብኸመይ እዩ ኸምኡ ዚኸውን፧ ብሰለስተ መገድታት።

6, 7. (ሀ) ሰዓብቲ የሱስ ዝዓየይዎ ዕዮ፡ ካብቲ የሱስ ዝዓየዮ ዚዓቢ ዝዀነ በየናይ መገድታት እዩ፧ (ለ) የሱስ ኣብ ሰዓብቱ ዝነበሮ ምትእምማን ግቡእ ከም ዝነበረ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

6 ቀዳማይ፡ ሰዓብቲ የሱስ ዝያዳ ኽሊ ኺሽፍኑ ይኽእሉ እዮም። ሎሚ ምስክርነቶም ንዶብ እታ የሱስ ዝሰበኸላ ሃገር ሰጊሩ፡ ክሳዕ መወዳእታ ምድሪ በጺሑ ኣሎ። ካልኣይ፡ ንዝያዳ ሰባት ነቲ መልእኽቲ ኼብጽሑ ይኽእሉ እዮም። እቶም የሱስ ዝሓደጎም ሒደት ደቀ መዛሙርቱ፡ ብቕልጡፍ እናበዝሑ ብምኻድ ኣሽሓት ኰኑ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:41፣ 4:4) ሕጂ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ዀይኖም ኣለዉ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ከኣ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሓደስቲ ይጥመቑ ኣለዉ። ሳልሳይ፡ ንዝነውሐ ግዜ ኺሰብኩ ይኽእሉ እዮም፡ ማለት ድሕሪ እቲ የሱስ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝሰበኸሉ እዋን፡ ክሳዕ እዚ ግዜና ዳርጋ 2,000 ዓመት ዚኸውን ኪሰብኩ ኽኢሎም እዮም።

7 የሱስ፡ ሰዓብቱ ‘ኻብኡ ዚዓቢ ኸም ዚገብሩ’ ኺዛረብ ከሎ፡ ምትእምማን እዩ ዜርኢ ነይሩ። “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ዕዮ እዩ ዚህቦም ነይሩ። (ሉቃስ 4:43) ብተኣማንነት ነቲ ዕዮ ኸም ዚፍጽምዎ ይኣምን ነበረ። እዚ ሎሚ ንዓና እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧ ኣገልግሎትና ብቕንኣትን ብምሉእ ልብናን ክንፍጽም ከለና፡ እቲ የሱስ ኣብ ሰዓብቱ ዝነበሮ ምትእምማን ግቡእ ምንባሩ ነርኢ። እዝስ ዜደንቕ ክብሪ ደይኰነን፧—ሉቃስ 13:24

ኪምስክሩ ዝሰልጠኑ

ብፍቕሪ ተደሪኽና ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንሰብኽ

8, 9. የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ እንታይ ኣብነት እዩ ዝሰርዐ፧ ኣብ ኣገልግሎትና ኣብነቱ ኽንስዕብ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

8 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ኣገልግሎት ዚጠቕሞም ብሉጽ ስልጠና ሂብዎም እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ፍጹም ኣብነት ኰይንዎም እዩ። (ሉቃስ 6:40) ኣብታ ቕድሚ እዚኣ እትርከብ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ እቲ ኣገልግሎት ዝነበሮ ኣረኣእያ ርኢና ኔርና። ብዛዕባ እቶም ምስ የሱስ ናብ ስብከት ዝኸዱ ደቀ መዛሙርቱ እሞ ሕስብ ኣብል። ሰባት ኣብ ዚርከብዎ ዘበለ፡ ማለት ኣብ ገምገም ቀላይ፡ ኣብ ጎቦ፡ ኣብ ከተማታት፡ ኣብ ዕዳጋታት፡ ከምኡ እውን ኣብ ብሕታዊ ኣባይቲ ይሰብኽ ከም ዝነበረ ተዓዚቦም እዮም። (ማቴዎስ 5:1, 2፣ ሉቃስ 5:1-3፣ 8:1፣ 19:5, 6) ኣንጊሁ ተንሲኡ ኽሳዕ ለይቲ ዚዓዪ ትጉህ ዓያዪ ምንባሩ ርእዮምዎ እዮም። እቲ ኣገልግሎት ኣብ ትርፊ ግዜኡ ዚገብሮ ጥራይ ኣይነበረን! (ሉቃስ 21:37, 38፣ ዮሃንስ 5:17) በታ ንሰባት ዝነበረቶ ዓሚቝ ሱር ዝሰደደት ፍቕሪ ይድረኽ ምንባሩ ኸም ዘስተውዓሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ምናልባት ነቲ ኣብ ልቡ ዚስምዖ ዝነበረ ድንጋጽ ኣብ ገጹ የንብብዎ ነይሮም ይዀኑ። (ማርቆስ 6:34) የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ኣብቶም ደቀ መዛሙርቱ እንታይ ጽልዋ ዘሕደረ ይመስለካ፧ ንስኻኸ ብኸመይ ምተተንከኻ፧

9 ሰዓብቲ ክርስቶስ ስለ ዝዀንና፡ ኣብ ኣገልግሎትና ኣብነቱ ንስዕብ ኢና። ስለዚ፡ ምሉእ ብምሉእ “ኣጸቢቕና ኽንምስክር” ምእንቲ ኽንክእል፡ ዘይንገብሮ ነገር የሎን። (ግብሪ ሃዋርያት 10:42) ከም የሱስ፡ ናብ ኣባይቲ ሰባት ንኸይድ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 5:42) ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ቤቶም ኪርከቡሉ ዚኽእሉ እዋን ምእንቲ ኽንከዶም፡ መደብና ነተዓራሪ። ኣብ ህዝባዊ ቦታታት፡ ማለት ኣብ መገድታት፡ ኣብ መናፈሻታት፡ ኣብ ድኳናት፡ ከምኡ እውን ኣብ ስራሕ ብጥበብ ንሰባት ንምስባኽ እውን ንጽዕር ኢና። ዕዮና ኣርዚንና ስለ እንርእዮ፡ ኣብ ኣገልግሎት ‘ንጽዕርን ንጋደልን’ ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 4:10) ንኻልኦት ዘላትና ሓያልን ልባዊትን ፍቕሪ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ሰባት ዚርከቡሉ ቦታን ግዜን እንሰብከሉ ኣጋጣሚታት ከነናዲ ትድርኸና እያ።—1 ተሰሎንቄ 2:8

“እቶም 70 . . . ብሓጐስ ተመልሱ”

10-12. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺሰብኩ ቕድሚ ምልኣኹ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርትታት እዩ ዚምህሮም ነይሩ፧

10 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዘሰልጠነሉ ኻልእ መገዲ፡ ሰፊሕ ትምህርቲ ብምሃብ እዩ። ፈለማ ነቶም 12 ሃዋርያት፡ ጸኒሑ ኸኣ ነቶም 70 ደቀ መዛሙርቱ ኺሰብኩ ቕድሚ ምልኣኹ፡ ምስ ስልጠና ኺመሳሰል ዚኽእል ነገር ሂብዎም እዩ። (ማቴዎስ 10:1-15፣ ሉቃስ 10:1-12) እቲ ስልጠና ጽቡቕ ፍረ ስለ ዘፍረየ፡ ኣብ ሉቃስ 10:17፡ “እቶም 70 . . . ብሓጐስ ተመልሱ” ዚብል ነንብብ። ካብቲ የሱስ ዝመሃሮ ኣገዳሲ ትምህርትታት ክልተ እስከ ንርአ፣ እቲ እተዛረቦ ቓላቱ ምስቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ልምድታት ኣይሁድ ብምትሕሓዝ ድማ ክንርድኦ ንፈተን።

11 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ የሆዋ ኺውከሉ መሃሮም። “ወርቂ ዀነ፡ ብሩር ኰነ፡ ነሓሲ ዀነ፡ ኣብ ቅናውትኹም ኣይትሓዙ። ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ንመገዲ ለቘታ ስንቂ፡ ወይ ክልተ ቐምሽ፡ ወይ ኣሳእን ወይ በትሪ ኣይትሓዙ” በሎም። (ማቴዎስ 10:9, 10) ተጓዓዝቲ ዘበሉ ኣብ ቅናውቶም ገንዘብ ምቝጻር፡ ስንቂ ምሓዝ፡ ከምኡ እውን ትርፊ ጽምዲ ሳእኒ ምምላእ ልሙድ ነበረ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኺጭነቑ ኸም ዘይብሎም ትምህርቲ ኺህቦም ከሎ፡ ብኻልእ ኣበሃህላ “የሆዋ ዜድልየኩም ኬማልኣልኩም እዩ እሞ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ተወከሉ” እዩ ዚብሎም ነይሩ። ኣብ እስራኤል ጋሻ ናይ ምቕባል ልምዲ ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ ነቶም ነቲ ብስራት እተቐበሉ ዘበሉ ኼአንግድዎም ብምድራኽ ዜድልዮም ኬማልኣሎም እዩ።—ሉቃስ 22:35

12 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዘየድሊ ኸየስግሉ እውን ምሂርዎም እዩ። “ኣብ መገዲ . . . ንሓደ እኳ ሰላም ኣይትበሉ” በሎም። (ሉቃስ 10:4) የሱስ ጸዋጋትን ብሰብ ዘይግደሱን ኪዀኑ ድዩ ዚነግሮም ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰላምታ ምሃብ ኪብሃል ከሎ፡ ብሓጺሩ ሰላም ካብ ምባል ንላዕሊ የጠቓልል ነበረ። እቲ ብልምዲ ዚዝውተር ዝነበረ ሰላምታ፡ ብዙሕ ወግዕን ነዊሕ ዝርርብን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር፡ “ኣብ መንጎ ምብራቓውያን ዚግበር ሰላምታታት ከምዚ ናትና ቝሩብ ርእስኻ ምድናን ወይ ኢድካ ምዝርጋሕ ኣይኰነን ዜጠቓልል፡ የግዳስ ብዙሕ ምትሕቝቛፍ፡ ምጕንባሕ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ምድሪ ተደቢርካ ምስጋድ ዜጠቓልል ነበረ። እዚ ዅሉ ብዙሕ ግዜ ዚሓትት ነበረ” በለ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ነቲ ብልምዲ ዝውቱር ዝነበረ ሰላምታ ኸይህቡ ኺነግሮም ከሎ፡ ብኻልእ ኣበሃህላ “እቲ ዝጾርኩምዎ መልእኽቲ ብህጹጽ ኪበጽሕ ስለ ዘለዎ፡ ንግዜኹም ብዝበለጸ መገዲ ኽትጥቀሙሉ ኣሎኩም” እዩ ዚብሎም ነይሩ። a

13. ነቲ የሱስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም መምርሒታት ኣብ ልብና ኸም እነሕድሮ እነርኢ በየናይ መገድታት ኢና፧

13 ንሕና እውን ነቲ የሱስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም መምርሒታት ኣብ ልብና ነሕድሮ ኢና። ኣገልግሎትና ኽንፍጽም ከለና፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ንውከል ኢና። (ምሳሌ 3:5, 6) ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን እንተ ደሊና፡’ ዜድልየና ነገራት ፈጺሙ ኸም ዘይጐድለና ንፈልጥ ኢና። (ማቴዎስ 6:33) ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ናይ ምሉእ ግዜ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ጽንኩር ኵነታት እውን ከይተረፈ፡ ኢድ የሆዋ ሓጻር ከም ዘይኰነት ኪምስክሩ ይኽእሉ እዮም። (መዝሙር 37:25) ኣቓልቦና ኻብ ዜስግል ነገራት ክንርሕቕ ከም ዘሎና እውን ንፈልጥ ኢና። እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ እዚ ስርዓት እዚ ብቐሊሉ መገድና ኼስሕተና ይኽእል እዩ። (ሉቃስ 21:34-36) ሕጂ ኣብ ካልእ እነስግለሉ ግዜ ኣይኰነን። ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ስለ ዘሎ፡ መልእኽትና ብህጹጽ ኪንገር ኣለዎ። (ሮሜ 10:13-15) ኣብ ልብና ናይ ህጹጽነት ስምዒት እንተ ኣልዩና፡ እዛ ዓለም እዚኣ እተቕርቦ መስገሊታት ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ብዝሓሸ መገዲ ኽንጥቀመሉ እንኽእል ግዜናን ጕልበትናን ከይወስዶ ይሕግዘና። እቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ሓጺር ምዃኑ፡ እቲ ኺኣቱ ዘለዎ እኽሊ ግና ብዙሕ ምዃኑ ኣይንረስዕ።—ማቴዎስ 9:37, 38

ንዓና እውን ዚምልከት መዝነት

14. እቲ ኣብ ማቴዎስ 28:18-20 ተመዝጊቡ ዘሎ መዝነት ንዅሎም ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ዚምልከት ዚሕብር እንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

14 እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ፡ “ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ብዚብላ ቓላት ኣቢሉ ንሰዓብቱ ኸቢድ ሓላፍነት እዩ ኣሰኪምዎም። ብዛዕባ እቶም ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ገሊላ ኣብ ዚርከብ ከረን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። b እቲ ዝሃቦ መዝነት “ካብ ኵሎም ኣህዛብ” ዜጠቓልልን “ክሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት” ዚቕጽልን ነበረ። እዚ መዝነት እዚ እምበኣር ንዅሎም ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ዋላ እውን ንዓና ኸም ዚምልከት ንጹር እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 28:18-20 ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃላት የሱስ ብዝያዳ ኣድቂቕና ንመርምሮ።

15. ነቲ የሱስ ዝሃበና ትእዛዝ ምሕላው ጥበባዊ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

15 የሱስ ነቲ መዝነት ቅድሚ ምሃቡ፡ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ” በለ። (ፍቕዲ 18) ብሓቂ ግና ኸምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ስልጣን ኣለዎ ድዩ፧ እወ፡ ብርግጽ ኣለዎ! ሊቀ መላእኽቲ ስለ ዝዀነ፡ ኣእላፋት ግዜ ኣእላፋት መላእኽቲ ይእዝዝ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:16፣ ራእይ 12:7) “ርእሲ ጉባኤኡ” ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰዓብቱ ስልጣን ኣለዎ። (ኤፌሶን 5:23) ካብ 1914 ኣትሒዙ፡ መሲሓዊ ንጉስ ብምዃን ኣብ ሰማይ ይገዝእ ኣሎ። (ራእይ 11:15) ንምዉታት ኬተንስእ ሓይሊ ስለ ዘለዎ ኸኣ፡ ኣብ መቓብር እውን ስልጣን ኣለዎ። (ዮሃንስ 5:26-28) የሱስ ፈለማ ነቲ ሰፊሕ ስልጣኑ ብምንጋር፡ እቲ ቐጺሉ እተዛረቦ ቓላት፡ ከም ሓሳብ ኰይኑ ዝቐረበ ዘይኰነስ፡ ትእዛዝ ምዃኑ ሓበረ። እቲ ስልጣኑ ባዕሉ ኣብ ርእሱ ዝጸዓኖ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ ዝሃቦ ስለ ዝዀነ፡ ንዕኡ እዙዛት ምዃንና ጥበባዊ እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:27

16. የሱስ “ኪዱ” ኺብለና ኸሎ፡ እንታይ ክንገብር እዩ ጻውዒት ኣቕሪቡልና፧ ነዚ መዳይ መዝነት እዚኸ ብኸመይ ኢና እንፍጽሞ፧

16 ቀጺሉ የሱስ ነቲ መዝነት ሃበ፡ እቲ መዝነት ከኣ “ኪዱ” ብእትብል ቃል እዩ ዚጅምር። (ፍቕዲ 19) በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ንምብጻሕ ተበግሶ ኽንወስድ እዩ ጻውዒት ኣቕሪቡልና። ነዚ መዳይ መዝነት እዚ ንምፍጻም፡ እተፈላለየ ሜላታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ኣብ በቤት ምስባኽ፡ ንሰባት ብብሕቲ ንምርካብ ዜኽእል ልዕሊ ዅሉ ውጽኢታዊ ዝዀነ መገዲ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:20) ብዘይወግዓዊ መገዲ ንምምስካር እውን ኣጋጣሚታት ነናዲ ኢና፣ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ግቡእ ኣብ ዝዀነሉ መዳያት ብዛዕባ እቲ ብስራት ዝርርብ ንምብጋስ ንህንጠ ኢና። እቲ እንጥቀመሉ ሜላታት ስብከት ከከም ከባቢኡን ኵነታቱን ይፈላለ ይኸውን። ንዅሉ እቲ ሜላታት ሕደ ዚገብሮ ነገር ግና ነቶም ብቑዓት ‘ኬድና’ ነናድዮም ምዃንና እዩ።—ማቴዎስ 10:11

17. ብኸመይ ኢና ‘ደቀ መዛሙርቲ እንገብር’፧

17 የሱስ ቀጺሉ፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ብምባል ዕላማ እቲ መዝነት ገለጸ። (ፍቕዲ 19) ብኸመይ ኢና ‘ደቀ መዛሙርቲ እንገብር’፧ ብመሰረቱ ወደ መዝሙር ኪብሃል ከሎ፡ ተምሃራይ ወይ እተማህረ ማለት እዩ። ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ግና ንኻልኦት ፍልጠት ምክፋል ጥራይ ኣይኰነን። ተገዳስነት ምስ ዘለዎም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና፡ ሸቶና ሰዓብቲ ክርስቶስ ክንገብሮም እዩ። ብእተኻእለ መጠን፡ ተምሃሮና ንየሱስ ኣብ ኣነባብራኦም ኰነ ኣብ ዕዮኦም ከም መምህሮምን ኣርኣያኦምን ምእንቲ ኺርእይዎ ኣብነቱ ነጕልሓሎም።—ዮሃንስ 13:15

18. ጥምቀት ኣብ ህይወት ሓደ ወደ መዝሙር ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

18 ኣብተን “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም” ዚብላ ቓላት ድማ እቲ ኣድላዪ ኽፋል መዝነትና ተገሊጹ ኣሎ። (ፍቕዲ 19) ጥምቀት ኪብሃል ከሎ ሓደ ወደ መዝሙር ብምሉእ ልቡ ንኣምላኽ ከም እተወፈየ ዜመልክት ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ህይወቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ። ስለዚ፡ ንድሕነት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:21) እወ፡ እቲ እተጠምቀ ወደ መዝሙር ንየሆዋ ንምግልጋል ዚከኣሎ ዚገብር እንተ ዀይኑ፡ ኣብታ ሓዳስ ዓለም ነባሪ በረኸት ንምርካብ ተስፋ ይህልዎ። እሞኸ እተጠምቀ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ኪኸውን ዝሓገዝካዮ ሰብ ኣሎዶ፧ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት፡ ካብዚ ዚዓቢ ሓጐስ የልቦን።—3 ዮሃንስ 4

19. ንሓደስቲ እንታይ ኢና እንምህሮም፧ እቲ ትምህርቲኸ ድሕሪ ጥምቀቶም ኪቕጽል ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

19 የሱስ፡ “ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም” ብምባል እቲ ዚቕጽል ክፋል እቲ መዝነት ገለጸ። (ፍቕዲ 20) ንሓደስቲ ሰባት ትእዛዛት የሱስ ኪሕልዉ ኢና እንምህር፣ እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ኬፍቅሩ፡ ንብጻዮም ኬፍቅሩ፡ ከምኡ እውን ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ እተዋህበ ትእዛዛት የጠቓልል። (ማቴዎስ 22:37-39) በብቝሩብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ኪምህሩን ነታ እናዓበየት እትኸይድ እምነቶም ኪጣበቑን ንምህሮም። ኣብ ህዝባዊ ስብከት ንምስታፍ ብቑዓት ምስ ኰኑ፡ ኣብቲ ዕዮ እቲ ብኸመይ ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ኺገብሩ ኸም ዚኽእሉ ብቓል ይኹን ብኣብነት ንምምሃር ምሳታቶም ሓቢርና ንዓዪ። ንሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ዚውሃብ ስልጠና ግድን ቅድሚ ጥምቀቶም የብቅዕ ማለት ኣይኰነን። ሓደስቲ ጥሙቓት ንክርስቶስ ምስዓብ ዜምጽኦ ብድሆ ንምስጋር ተወሳኺ መምርሒታት የድልዮም ይኸውን።—ሉቃስ 9:23, 24

“ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ”

20, 21. (ሀ) የሱስ ዝሃበና መዝነት ክንፍጽም ከለና፡ እንፈርሃሉ ምኽንያት ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እዚ ግዜ እዚ ኣብ ዕዮና ቐስ እንብለሉ ግዜ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ እንታይ ቈራጽነትከ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

20 እተን የሱስ መዝነት ኪህብ ዘሎ እተዛረበን ናይ መወዳእታ ቓላት ብዙሕ ምጽንናዕ ዚህባ እየን። “እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” በለ። (ማቴዎስ 28:20) እቲ ዕዮ ኸቢድ ምዃኑ የሱስ ይፈልጦ እዩ። ንምፍጻሙ ዚግበር ምንቅስቓስ፡ ጽልኢ ወይ ምጽራር ኬለዓዕል ከም ዚኽእል እውን ይፈልጥ ነበረ። (ሉቃስ 21:12) ይኹን እምበር፡ እንፈርሃሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብልናን። መራሒና ነዚ ዕዮ እዚ ብዘይ ሓገዝ ወይ በይንና ኽንፍጽሞ ኣይጽበየናን እዩ። እቲ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን” ዘለዎ የሱስ ነዚ መዝነት እዚ ኽንፍጽም ከለና ደገፉ ንምሃብ ምሳና ምዃኑስ ዜጸናንዕ ደይኰነን፧

21 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣገልግሎቶም ኪፍጽሙ ኸለዉ ኣብ ብምሉኡ ዘመናት ክሳዕ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ምሳታቶም ኪኸውን ምዃኑ መረጋገጺ ሃቦም። መወዳእታ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ነቲ የሱስ ዝሃበና መዝነት ካብ ምፍጻም ድሕር ክንብል የብልናን። ሕጂ ቐስ እንብለሉ ግዜ ኣይኰነን። ኣዝዩ ብዙሕ መንፈሳዊ እኽሊ ይዕጸድ ኣሎ! ተቐበልቲ ሰባት ብብዝሒ ይእከቡ ኣለዉ። ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ምዃንና መጠን፡ ነቲ እተዋህበና ኸቢድ መዝነት ንምፍጻም ንወስን። ነቲ ክርስቶስ፡ “ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ብምባል ዝሃቦ ትእዛዝ ንምፍጻም ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን ንምውፋይ ቈራጽነት ንግበር።

a ሓደ ግዜ ነብዪ ኤልሳእ ተመሳሳሊ መምርሒ ሂቡ ነበረ። ንጊልያኡ ገሓዚ ናብ ቤት ሓንቲ ወዳ ዝሞታ ሰበይቲ ኺልእኮ ኸሎ፡ “ሰብ እንተ ኣጓኒፉካ፡ ሰላም ኣይትበሎ” በሎ። (2 ነገስት 4:29) እቲ ተልእኾ ብህጹጽ ኪፍጸም ስለ ዝነበሮ፡ ብዘየድሊ ምኽንያት ኪደናጐ ኣይነበሮን።

b መብዛሕትኦም ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ገሊላ ስለ ዝነበሩ፡ እቲ ኣብ ማቴዎስ 28:16-20 ተገሊጹ ዘሎ ኣጋጣሚ፡ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ “ካብ 500 ንዚበዝሑ” እተራእየሉ ኣጋጣሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:6) ስለዚ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ መዝነት ኪህቦም ከሎ፡ ኣማእታት ኣብኡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።