ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተ

“ጽሑፍ ኣሎ”

“ጽሑፍ ኣሎ”

“እዚ . . . ቕዱስ ጽሑፍ እዚ፡ ሎሚ ተፈጺሙ”

1-3. የሱስ ነቶም ሰብ ናዝሬት ኣብ ምንታይ ኣዝዩ ኣገዳሲ መደምደምታ ኺበጽሑ እዩ ዝደለዮም፧ እንታይ መርትዖኸ እዩ ዘቕረበሎም፧

 እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ መጀመርታ ኣገልግሎት የሱስ ዘጋጠመ እዩ። ክርስቶስ ናብታ ዝዓበየላ፡ ናብ ናዝሬት ተመልሰ። ሸቶኡ ነቶም ህዝቢ ኣብ ኣዝዩ ኣገዳሲ መደምደምታ ኺበጽሑ፡ ማለት ንሱ ቕድሚ ነዊሕ እዋን እተነግረሉ መሲሕ ምዃኑ ኼእምኖም እዩ ነይሩ! እሞ ደኣኸ እንታይ መርትዖ ኣቕረበሎም፧

2 ብዙሓት ተኣምር ኪገብር ከም እተጸበይዎ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝፈጸሞ መስተንክር ግብርታት ወረ ሰሚዖም ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ትእምርቲ ኣይሃቦምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ ልማዱ ናብ ምኵራብ ኣተወ፡ ኬንብብ እውን ተንስአ። ጥቕልልቲ መጽሓፍ ትንቢት ኢሳይያስ ከኣ ሃብዎ። ነዋሕ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እያ ነይራ ኽትከውን እትኽእል። የሱስ ድማ ኣብቲ ዝደለዮ ኽፋል ክሳዕ ዚበጽሕ፡ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብጥንቃቐ ኻብቲ ሓደ ዘንጊ ናብቲ ኻልእ ጠቕለላ። ድሕሪኡ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 61:1-3 ዚርከብ ቃላት ዓው ኢሉ ኣንበቦ።—ሉቃስ 4:16-19

3 እቶም ሰማዕቱ ነቲ ዘንበቦ ኽፋል ብርግጽ ይፈልጥዎ ነበሩ። ብዛዕባ እቲ መሲሕ ዚገልጽ ትንቢት ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ኣብታ ምኵራብ ዝነበሩ ዅሎም ድማ ኣዒንቶም ናብ የሱስ ይጥምታ ነበራ። ንእተወሰነ እዋን ጸጥታ ሰፈነ። ድሕሪኡ የሱስ፡ “እዚ ዝሰማዕኩምዎ ቕዱስ ጽሑፍ እዚ፡ ሎሚ ተፈጺሙ” እናበለ ኺገልጸሎም ጀመረ። እቶም ሰማዕቱ በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ጥዑም ዘረባ ተገረሙ፡ ብዙሓት ግና ገለ ዓይነት ዕጹብ ትእምርቲ ኺርእዩ ይደልዩ ነበሩ። ኣብ ክንዳኡ፡ የሱስ እምነት ከም ዝጐደለቶም ንምሕባር ብትብዓት ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ሃበ። ነዊሕ ከይጸንሐ እቶም ሰብ ናዝሬት ኪቐትልዎ ፈተኑ!—ሉቃስ 4:20-30

4. የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ እንታይ ኣብነት እዩ ዝሰርዐ፧ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣኸ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

4 ኣብዚ የሱስ ኣብ ብምሉኡ ኣገልግሎቱ ዘንጸባረቖ ኣገባብ እዩ ተጠቒሙ። ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ እዩ ኣጸቢቑ ተመርኲሱ። መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝነበሮ ንምርኣይ ተኣምራቱ ብዙሕ ኣገዳስነት ከም ዝነበሮ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣኽቢሩ ይርእዮ ነበረ። ሕጂ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንመርምር። ጐይታና ብኸመይ ካብ ቃል ኣምላኽ ከም ዝጠቐሰ፡ ብኸመይ ንቓል ኣምላኽ ከም እተጣበቐሉ፡ ከምኡ እውን ብኸመይ ንቓል ኣምላኽ ከም ዝገለጾ ኽንርኢ ኢና።

ካብ ቃል ኣምላኽ ምጥቃስ

5. የሱስ ንሰማዕቱ እንታይ መልእኽቲ እዩ ኼመሓላልፈሎም ቈሪጹ ዝነበረ፧ ቃላቱ ሓቂ ምዃኑኸ ብኸመይ ኣርኣየ፧

5 የሱስ ንሰባት መልእኽቱ ኻበይ ከም ዝመጸ ኺፈልጡ ይደልዮም ነበረ። “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን” በለ። (ዮሃንስ 7:16) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ “ካብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይገብር . . . ክትፈልጡ ኢኹም፣ ግናኸ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ፡ ከምኡ እየ ዝዛረብ” በለ። (ዮሃንስ 8:28) ብዘይካዚ፡ “እቲ ምሳይ ሓድነት ዘለዎ ኣቦ ደኣ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እቲ ንዓኻትኩም ዝነግረኩም፡ ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን ዝዛረቦ” እውን ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 14:10) ሓደ ኻብቲ የሱስ ነዚ እተዛረቦ ቓላት ሓቂ ምዃኑ ዘርኣየሉ መገዲ፡ ካብቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ደጋጊሙ ብምጥቃስ እዩ።

6, 7. (ሀ) የሱስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዝጠቐሰ፧ እዚ ዜደንቕ ዚኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣመሃህራ የሱስ ካብ ኣመሃህራ እቶም ጸሓፍቲ ብኸመይ ይፍለ፧

6 ነቲ የሱስ እተዛረቦ ኣብ ጽሑፍ ተመዝጊቡ እንረኽቦ ቓላት ተጠንቂቕና ምስ እነጽንዖ፡ ካብ ልዕሊ ፍርቂ መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ኸም ዝጠቐሰ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ፈለማ፡ እዚ ብዙሕ ዜደንቕ ኣይመስለካን ይኸውን። ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ድሕሪ ምምሃሩን ምስባኹን፡ ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ዅሉ መጻሕፍቲ ስለምንታይ ከም ዘይጠቐሰ ትሓስብ ትኸውን። ከም ሓቂ ግና ከምኡ ገይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብቲ የሱስ እተዛረቦን ዝገበሮን ነገራት ሒደት ክፋል ጥራይ ከም እተጻሕፈ ኣይትረስዕ። (ዮሃንስ 21:25) ንዅሉ እቲ ተመዝጊቡ እንረኽቦ ቓላት የሱስ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ጥራይ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ። ሕጂ ብዛዕባ ኣምላኽን መንግስቱን ንሒደት ሰዓታት ጥራይ ኣብ እትዛረቦ ዘረባ፡ ካብ ልዕሊ ፍርቂ መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኽትጠቅስ ብዛዕባ ምኽኣል እሞ ሕሰብ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት ንየሱስ ጥቕላላት ኣይነበሮን። ነቲ ውሩይ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ኬቕርብ ከሎ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብቐጥታ ዀነ ብተዘዋዋሪ ሓያሎ ሳዕ ጠቒሱ ኣሎ፣ ነዚ ዅሉ ድማ ካብ ተዘክሮኡ እዩ ጠቒስዎ!

7 የሱስ ዝጠቐሶ ጥቕስታት ንቓል ኣምላኽ ዝነበሮ ዓሚቝ ኣኽብሮት ዜርኢ እዩ። “ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ገይሩ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ [ሰማዕቱ] ብኣመሃህራኡ ተገረሙ።” (ማርቆስ 1:22) ጸሓፍቲ ኺምህሩ ኸለዉ፡ ካብቲ ትውፊት ዚብሃል ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፈላጣት ረቢታት እተዛረብዎ ነገር ምጥቃስ ይፈትዉ ነበሩ። የሱስ ሓንሳእ እውን እንተ ዀነ ኻብ ትውፊት ወይ ሓደ ረቢ እተዛረቦ ነገር ከም መሰረት ገይሩ ጠቒሱ ኣይፈልጥን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንቓል ኣምላኽ ካብ ኵሉ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ጽሑፍ ገይሩ ይርእዮ ነበረ። ብተደጋጋሚ “ጽሑፍ ኣሎ” ኸም ዝበለ ንረክብ ኢና። ንሰዓብቱ ኺምህሮምን ግጉይ ኣረኣእያ ኺእርምን ከሎ፡ ደጋጊሙ ነዘን ቃላት እዚአን ወይ ንዓታተን ዚመስላ ተጠቒሙ እዩ።

8, 9. (ሀ) የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኬጽርያ ኸሎ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዘለዎ ስልጣን ዝደገፈ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቶም ኣብቲ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ንቓል ኣምላኽ ኣኽብሮት ኣጸቢቑ ይጐድሎም ምንባሩ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

8 የሱስ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ምስ ኣጽረያ፡ “‘ቤተይ ቤት ጸሎት ክትብሃል እያ’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ፣ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ትገብርዋ ኣለኹም” በለ። (ማቴዎስ 21:12, 13፣ ኢሳይያስ 56:7፣ ኤርምያስ 7:11) ድሮ እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሓያሎ መስተንክር ግብርታት ገይሩ ነበረ። በዚ ውሽጦም እተተንከዩ ቘልዑ ድማ፡ ኪውድስዎ ጀመሩ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ግና ንየሱስ ነቲ እቶም ቈልዑ ዚብልዎ ዝነበሩ ይሰምዖ እንተ ኣልዩ ብቝጥዓ ሓተትዎ። ንሱ ድማ፡ “እወ። ‘ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ውዳሰ ኣውጺእካ’ ዚብል ከቶዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧” ኢሉ መለሰሎም። (ማቴዎስ 21:16፣ መዝሙር 8:2) ነቲ ኣብቲ ቦታ እቲ ዚግበር ዝነበረ ነገር ቃል ኣምላኽ ከም ዚሰምሮ ኺፈልጡ ደለዮም።

9 ጸኒሖም እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ተኣኪቦም ናብ የሱስ መጺኦም፡ “በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣለኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ማቴዎስ 21:23) የሱስ ምንጪ ስልጣኑ መን ምዃኑ ንጹር ገይሩሎም ነበረ። ሓድሽ ሰረተ እምነታት ኣይመሃዘን። እቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣቦኡ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዚውዕል ጥራይ እዩ ዚገልጸሎም ነይሩ። ብሓቂ፡ እቶም ካህናትን ጸሓፍትን ንየሆዋን ንቓሉን ኣኽብሮት ኣይነበሮምን። የሱስ ነቲ እኩይ ድራኸኦም ድሕሪ ምቅላዑ ዝሃቦም ወቐሳ እምበኣር ዚግብኦም እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 21:23-46

10. ኣብቲ ንቓል ኣምላኽ እንጠቀመሉ መገዲ ንየሱስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧ ብግዜ የሱስ ዘይነበረ እንታይ ናውቲኸ ኣሎና፧

10 ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ኣብ ኣገልግሎቶም፡ ከም የሱስ ኣብ ቃል ኣምላኽ እዮም ዚምርኰሱ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ዓለም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ንኻልኦት ንምንጋር ብዘለዎም ሃንቀውታ እዮም ዚፍለጡ። ጽሑፋትና ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዝሒ ይጠቅስ እዩ። ኣብ ኣገልግሎትና ኸኣ ንሰባት ክንዛረቦም ከለና ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንጠቅስ ንጽዕር ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ሓደ ሰብ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብበሉ፡ ኣገዳስነትን ትርጉምን ቃል ኣምላኽ ከኣ ክንገልጸሉ እንተ ፈቒዱልና ብዙሕ ኢና እንሕጐስ። ከም የሱስ ፍጹም ተዘክሮ የብልናን፡ ብግዜ የሱስ ዘይነበረ ሓያሎ ናውቲ ግና ኣሎና። ኣብ ልዕሊ እቲ ቝጽሩ እናወሰኸ ብዚኸይድ ዘሎ ቛንቋታት ዚሕተም ዘሎ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዝደለናዮ ፍቕዲ ንምርካብ ዚሕግዘና መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ሓያሎ ጽሑፋት ኣሎና። እምበኣር፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጥቃስን ንሰባት ኣብ ዝረኸብናዮ ዘበለ ኣጋጣሚ ናብኡ ኸም ዜተኵሩ ንምግባርን ቈራጽነት ንግበር!

ንቓል ኣምላኽ ምጥባቕ

11. የሱስ ብተደጋጋሚ ንቓል ኣምላኽ ኪጣበቐሉ ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

11 ኣብ ልዕሊ ቓል ኣምላኽ ብቐጻሊ መጥቃዕቲ ይወርድ ምንባሩ የሱስ ርእዩ እዩ፡ እዚ ግና ብርግጽ ኣየገረሞን። የሱስ ናብ ኣቦኡ፡ “ቃልካ ሓቂ እዩ” ኢሉ ጸለየ። (ዮሃንስ 17:17) እቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን፡ “ሓሳውን ኣቦ ሓሶትን” ምዃኑ የሱስ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 8:44፣ 14:30) ነቲ ሰይጣን ዘቕረበሉ ፈተናታት ኪነጽጎ ኸሎ፡ ሰለስተ ሳዕ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቒሱ እዩ። ሰይጣን ካብ መዝሙር ሓንቲ ፍቕዲ ብምጥቃስ ኰነ ኢሉ ኣብ ዘይቦታኣ ኣውዓላ፡ የሱስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ግና ንቓል ኣምላኽ ተጣበቐሉ።—ማቴዎስ 4:6, 7

12-14. (ሀ) እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንሕጊ ሙሴ ኣኽብሮት ከም ዘይነበሮም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) የሱስ ንቓል ኣምላኽ እተጣበቐሉ ብኸመይ እዩ፧

12 ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣብ ዘይመዓላኡ ኼውዕልዎ፡ ዘይትርጉሙ ኺህብዎ፡ ከምኡ እውን ዘይበሎ ኺብሉ ኸለዉ፡ የሱስ ብዙሕ ግዜ ኺጣበቐሉ ነበሮ። ብግዜኡ ዝነበሩ መምህራን ሃይማኖት ንቓል ኣምላኽ ብቔናን መገዲ ይጥቀሙሉ ነበሩ። ነታ ዝነኣሰት ክፋል እቲ ሕጊ ሙሴ ኽትሕሎ ኣመና ኼተኵሩላ ኸለዉ፡ ነቲ እቲ ሕጊ እተመስረተሉ መሰረታዊ ስርዓታት ግና ኣብ ግብሪ ኣየውዕልዎን ነበሩ። በዚ ኸምዚ ንማለቱ ዚግበር ዓይነት ኣምልኾ ኣተባብዑ፣ እዚ ድማ ኣብ ከም ፍትሕን ምሕረትን ተኣማንነትን ዝኣመሰለ ዝኸበደ ነገራት ዘይኰነስ፡ ኣብ ደጋዊ ትርኢት ዜተኵር ነበረ። (ማቴዎስ 23:23) የሱስ ንቓል ኣምላኽ ብኸመይ ተጣበቐሉ፧

13 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ ምስ ሕጊ ሙሴ ብምትሕሓዝ “ከም እተባህለ (እተባህሎም) ሰሚዕኩም ኣለኹም” እትብል ሓረግ ብተደጋጋሚ ተጠቒሙላ ኣሎ። ኣስዒቡ ኸኣ፡ “ኣነ ግና” ድሕሪ ምባል ነቲ ሕጊ ብላዕለ ላዕሉ ኻብ ምሕላው ዝዓመቘ መሰረታዊ ስርዓት ገለጸሎም። ኣብቲ ግዜ እቲ ነቲ ስርዓት ይጻረሮ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን፡ እኳ ደኣስ ይጣበቐሉ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ እቶም ህዝቢ ነቲ “ኣይትቕተል” ዚብል ሕጊ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ነበሩ። የሱስ ግና ንሰብ ምጽላእ ንመንፈስ እቲ ሕጊ ኸም ዚጥሕስ ነገሮም። ብተመሳሳሊ፡ መጻምድትኻ ንዘይኰነ ሰብ ብፍትወት ምጥማት፡ ነቲ ኸይንዝሙ ዚኽልክል ሕጊ መሰረት ዝዀኖ ስርዓት ዚጥሕስ እዩ።—ማቴዎስ 5:17, 18, 21, 27-39

14 ብተወሳኺ የሱስ፡ “‘ብጻይካ ኣፍቅር፡ ጸላኢኻ ድማ ጽላእ’ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ምእንቲ እቶም ዚሰጕጉኹም እውን ጸልዩ” በለ። (ማቴዎስ 5:43, 44) “ጸላኢኻ . . . ጽላእ” እትብል ትእዛዝ ካብ ቃል ኣምላኽ ድዩ ረኺብዋ፧ ኣይፋሉን፡ እዚ ሓሳባት እዚ መራሕቲ ሃይማኖት ካብ ርእሶም ዚምህርዎ ዝነበሩ ነገር እዩ ነይሩ። ነቲ ፍጹም ሕጊ ኣምላኽ ብሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ገይሮም የዳኽምዎ ነበሩ። የሱስ ንቓል ኣምላኽ ካብቲ ስርዓታት ሰብ ዜሕድሮ ጐዳኢ ጽልዋታት ንምንጋፍ ብትብዓት ተጣበቐሉ።—ማርቆስ 7:9-13

15. ሕጊ ኣምላኽ እምብዛ ጥብቂ ወይ ተሪር ከም ዝዀነ ንምምሳል ኣብ እተገብረ ፈተነታት የሱስ ብኸመይ እዩ እተጣበቐሉ፧

15 እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንቓል ኣምላኽ እምብዛ ጽኑዕ ወይ ተሪር ከም ዚመስል ብምግባር የጥቅዕዎ ነበሩ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብግራውቲ እናሓለፉ ሒደት ሰዊት ምስ ቀንጠቡ፡ ገሊኦም ፈሪሳውያን ንሰንበት የኽብሩ ኸም ዘየለዉ ገይሮም ተዛረቡ። የሱስ እዚ ሚዛኑ ዘይሓለወ ኣረኣእያ ጌጋ ኸም ዝዀነ ንምሕባር፡ ንቓል ኣምላኽ ብቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ገይሩ ተጣበቐሉ። ዳዊትን ሰቡን ምስ ጠመዩ እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዑ ዚገልጽ፡ ብዛዕባ እቲ እንጌራ ምርኣይ ካብ መቕደስ ወጻኢ እተበልዓሉ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመዝገበ እንኮ ኣጋጣሚ ጠቐሰ። ነቶም ፈሪሳውያን ከኣ ምሕረትን ድንጋጽን የሆዋ ኸም ዝሰሓትዎ ሓበሮም።—ማርቆስ 2:23-27

16. እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ብዛዕባ ፍትሕ ዚገልጽ ሕጊ ሙሴ እንታይ እዮም ገይሮምዎ ነይሮም፧ የሱስከ እንታይ ምላሽ ሃበ፧

16 እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ንምድኻም ዜኽእሎም ቀዳዳት ፈጢሮም ነበሩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ “ዜሕፍር ነገር” እንተ ረኺቡላ፡ ማለት ኣብቲ ቤት ዜሕፍር ነገር ዜምጽእ ከቢድ ጸገም እንተ ረኺቡላ፡ ኪፈትሓ ይፈቅድ ነበረ። (ዘዳግም 24:1) ይኹን እምበር፡ ብግዜ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ነዚ እተዋህቦም ፍቓድ እዚ ኸም መመኽነይታ ብምጥቃም፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት፡ ዋላ እውን ምግቢ ኣሕሪራ ኢሉ ኺፈትሓ ፈቐዱሉ። a የሱስ ነቲ ሙሴ ብድራኸ መንፈስ ዝጸሓፎ ቓላት ኣመና ኸም ዝጠምዘዝዎ ሓበረ። ድሕሪኡ፡ እቲ የሆዋ ኣብ መጀመርታ ብዛዕባ መርዓ ዝነበሮ ስርዓት ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ሰበይቲ ምዃኑ፡ ንፍትሕ ግቡእ ምኽንያት ዚኸውን ከኣ ምንዝርና ጥራይ ምዃኑ ገለጸ።—ማቴዎስ 19:3-12

17. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ንቓል ኣምላኽ ብምጥባቕ ዝመጸ ንየሱስ ኪመስልዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

17 ሎሚ ዘለዉ ሰዓብቲ ክርስቶስ ንቕዱሳት ጽሑፋት ካብቲ ዚወርዶ መጥቃዕቲ ምእንቲ ኺከላኸሉ ኢሎም ኪጣበቑሉ ይልዓዓሉ እዮም። መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት ግዜ ኸም ዝሓለፎ ገይሮም ኪዛረቡ ኸለዉ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዜጥቅዕዎ ዘለዉ። ሃይማኖታት ሓሶት እናመሃራ ኽነሰን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረተ እምነት ከም ዝዀነ ገይረን ኬቕርባኦ ኸለዋ እውን፡ ኣብ ልዕሊ መጽሓፍ ቅዱስ መጥቃዕቲ እዩ ዚወርድ ዘሎ። ነቲ ሓቂ ዝሓዘ ንጹህ ቃል ኣምላኽ ክንጣበቕ ምኽኣልና—ንኣብነት፡ ኣምላኽ ክፍሊ ስላሴ ዘይምዃኑ ምሕባርና—ከም ዓብዪ ኽብሪ ኢና እንቘጽሮ። (ዘዳግም 4:39) ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንጣበቐሉ ኸለና ግና ብሕያውነት፡ ማለት ብልእመትን ብብዙሕ ኣኽብሮትን ክንገብሮ ኣሎና።—1 ጴጥሮስ 3:15

ንቓል ኣምላኽ ምግላጽ

18, 19. የሱስ ንቓል ኣምላኽ ናይ ምግላጽ ዜደንቕ ክእለት ከም ዘለዎ ብኸመይ ኣርኣየ፧

18 ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኺጸሓፍ ከሎ፡ የሱስ ብህይወት ኣብ ሰማይ ነበረ። ኣብ ምድሪ መጺኡ ነቲ ቓል ኣምላኽ ንምግላጽ ኣጋጣሚ ምርካቡስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣሐጒስዎ ኪኸውን ኣለዎ! ንኣብነት፡ ብዛዕባ እታ ድሕሪ ትንሳኤኡ ናብ ኤማሁስ ኣብ እትወስድ መገዲ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ እተራኸበሉ ዘይትርሳዕ መዓልቲ እሞ ሕሰብ። መን ምዃኑ ቕድሚ ምልላዮም፡ ብዛዕባ ሞት እቲ ዜፍቅርዎ ጐይታኦም ክሳዕ ክንደይ ጕህዮምን ተደናጊሮምን ምንባሮም ነገርዎ። ንሱኸ እንታይ ምላሽ ሃቦም፧ “ካብ ሙሴን ካብ ኵሎም ነብያትን ጀሚሩ ኸኣ፡ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ተርጐመሎም።” እዚ ብኸመይ ጸለዎም፧ ጸኒሖም ንሓድሕዶም “ኣብ መገዲ ኺዛረበናን ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ኪገልጸልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ኣብ ውሽጥና ይነድድ ኣይነበረን፧” ተባሃሃሉ።—ሉቃስ 24:15-32

19 ጸኒሑ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሱስ ምስ ሃዋርያትን ካልኦትን ተራኸበ። እንታይከ ገበረሎም፧ “ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ኬስተውዕልዎ፡ ኣእምሮኦም ኣጸቢቑ ኸፈተሎም።” (ሉቃስ 24:45) እቲ ዜሐጕስ ኣጋጣሚ፡ ነቲ የሱስ ንዓታቶም ኰነ ንዅሎም ዚሰምዕዎ ዘበሉ ብተመሳሳሊ መገዲ ዝገለጸሎም ሓያሎ ኣጋጣሚታት ኣዘኻኺርዎም ኪኸውን ኣለዎ። ኣጸቢቑ ዚፍለጥ ጥቕስታት ብምጥቃስ፡ ንቓል ኣምላኽ ብሓድሽን ዝያዳ ዕምቈት ብዘለዎ መገድን ይገልጸሎም ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ኣእምሮ ሰማዕቱ ዜደንቕ ነገር ይፈጥር ነበረ።

20, 21. የሱስ ነቲ የሆዋ ኣብታ እትነድድ ቈጥቋጥ ንሙሴ እተዛረቦ ቓላት ብኸመይ ገለጾ፧

20 ኣብ ሓደ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ምስ ሓደ ጕጅለ ሰዱቃውያን ይዛራረብ ነበረ። እዞም ሰዱቃውያን እዚኦም ኣብ ትንሳኤ ዘይኣምኑ ጕጅለ ኻህናት እዮም ነይሮም። የሱስ ንዓታቶም፡ “ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ግና፡ ኣምላኽ ከምዚ ኸም ዝበለኩምዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ’ ኢሉ እዩ። ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታትሲ ኣይኰነን” በሎም። (ማቴዎስ 22:31, 32) ኣብዚ ነቲ እቶም ሰዱቃውያን ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ሙሴ ዝጸሓፋ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዋ ጥቕሲ እዩ ጠቒሱ። ነቲ መግለጺኡ ዘለዎ ሓይሊ ግና ኣስተውዒልካሉዶ፧

21 ሙሴ ኣብታ እትነድድ ቈጥቋጥ ምስ የሆዋ እተዛራረበ ብ1514 ቅ.ክ. እዩ። (ዘጸኣት 3:2, 6) ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብርሃም ካብ ዚመውት 329 ዓመት፡ ይስሃቅ ካብ ዚመውት 224 ዓመት፡ ያእቆብ ካብ ዚመውት ከኣ 197 ዓመት ሓሊፉ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ፡ ኣምላኾም “እየ” ኢሉ ተዛረበ። እቶም ሰዱቃውያን፡ የሆዋ ኸም ገሊኦም ኣረማውያን ኣማልኽቲ ብጽውጽዋይ ኣሎ ንዚብሃለሉ ኻልኣይ ዓለም ዚገዝእ ኣምላኽ ምዉታት ዘይምዃኑ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነበሩ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ ንሱ ኣምላኽ “ህያዋን” እዩ። እዚ እንታይ ትርጉም ዝሓዘለ እዩ፧ የሱስ፡ “ንዕኡ ዅላቶም ህያዋን እዮም” ብምባል ሓያል መደምደምታ ሃበ። (ሉቃስ 20:38) እቶም ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ኣብቲ ደረት ዘይብሉን ዘይሃስስን ተዘክሮኡ ተዓቂቦም ኣለዉ። የሆዋ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ንምትንሳእ ዘለዎ ዕላማ ምሉእ ብምሉእ እተረጋገጸ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ህያዋን ከም ዝዀኑ ጌርካ ኺዝረበሎም ይከኣል እዩ። (ሮሜ 4:16, 17) እዚ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ እተዋህበ መግለጽስ ዜደንቕ ደይኰነን፧ “እቶም ህዝቢ . . . ተገረሙ” እንተ ተባህለ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን!—ማቴዎስ 22:33

22, 23. (ሀ) ንቓል ኣምላኽ ክንገልጾ ኸለና፡ ብኸመይ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

22 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ነቲ ክርስቶስ ንቓል ኣምላኽ ዝገለጸሉ መገዲ ናይ ምቕዳሕ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ልክዕ እዩ፡ ፍጹም ኣእምሮ የብልናን። ይኹን እምበር፡ ሰባት ኣቐዲሞም ዚፈልጥዎ ጥቕሲ ብምጥቃስ፡ ቅድሚኡ ሓሲቦምሉ ብዘይፈልጡ መዳያት ክንገልጸሎም ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ስም ኣምላኽን መንግስቱን ከይፈለጡ፡ ኣብ ምሉእ ህይወቶም “ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ” ኢሎም ይጽልዩ ይዀኑ። (ማቴዎስ 6:9, 10) ሓደ ሰብ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንጹርን ቀሊልን መግለጺታት ክንህቦ ፍቓደኛ ኪኸውን ከሎ፡ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ኣጋጣሚ ዀን እዩ ዚኽፈተልና!

23 እምበኣር፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ምጥቃስ፡ ንቓል ኣምላኽ ምጥባቕ፡ ከምኡ እውን ንቓል ኣምላኽ ምግላጽ፡ ነቲ የሱስ ንሓቂ ዘካፈለሉ መገዲ ኽንቀድሖ ዚሕግዘና ኣገዳሲ መገድታት እዩ። ቀጺልና ኣልባብ ሰማዕቱ ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ንምትንካይ እተጠቕመሉ ገለ ውጽኢታዊ ሜላታት እስከ ንመርምር።

a እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ጆሰፈስ ዚብሃል ጸሓፍ ታሪኽ፡ እተፋትሐ ፈሪሳዊ እዩ ነይሩ፣ ጸኒሑ ኸኣ ፍትሕ “ብዝዀነ ይኹን ሰበብ” ከም ዚፍቀድ ሓሳብ ሃበ፣ ኣስዒቡ እውን “ሰብኡት ከኣ ብዙሕ ሰበብ ኣለዎም” በለ።