ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሓሙሽተ

“ብዘሎ መዛግብቲ ጥበብ”

“ብዘሎ መዛግብቲ ጥበብ”

1-3. ቅድሚ እቲ የሱስ ኣብ ጽድያ 31 ድ.ክ. ስብከት ዘቕረበሉ እዋን እተፈጸመ ነገራት እንታይ እዩ፧ ሰማዕቱ እተገረሙኸ ስለምንታይ እዮም፧

 እዋኑ ጽድያ 31 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። የሱስ ክርስቶስ ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ገማግም ባሕሪ ገሊላ እትርከብ ቅፍርናሆም ነበረ። በታ ለይቲ እቲኣ ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዚርከብ ከረን ደይቡ ምሉእ ለይቲ ኺጽሊ ሓደረ። ምስ ወግሐ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ጸውዖም፡ ካባታቶም ከኣ ሃዋርያት ኢሉ ዝሰመዮም 12 ሓረየ። እዚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ካብ ርሑቕ ቦታ ዝመጹ ዚርከብዎም ኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ፡ ንየሱስ ስዒቦም ናብቲ ቦታ መጹ፡ ኣብቲ ኸረን ድማ ሰጥ ኣብ ዝበለ ቦታ ተኣከቡ። ነቲ ዚዛረቦም ኪሰምዑን ካብ ሕማማቶም ኪሓውዩን ተሃንጥዮም ነበሩ። ንሱ እውን ኣየሕፈሮምን።—ሉቃስ 6:12-19

2 የሱስ ናብቶም ህዝቢ ቐሪቡ ንዅሎም እቶም ዝሓመሙ ዘበሉ ኣሕወዮም። ኣብ መወዳእታ፡ ዜቐንዙ ኸቢድ ሕማም ዘለዎ ዘበለ ምስ ሓወየ፡ ኮፍ ኢሉ ኺምህሮም ጀመረ። a እቲ በታ መዓልቲ እቲኣ እተዛረቦ ቓላት ነቶም ሰማዕቱ ኣገሪምዎም ኪኸውን ኣለዎ። ከመይሲ፡ ካልእ ሰብ ከምኡ ገይሩ ኺምህር ሰሚዖም ኣይፈልጡን ነበሩ። ነቲ ትምህርትታቱ ዘለዎ ኣገዳስነት ንምግላጽ፡ ካብ ትውፊት ወይ ካብቶም ውሩያት ረቢታት ኣይሁድ ኣይጠቐሰን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብተደጋጋሚ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ጠቐሰ። መልእኽቱ ቐጥታዊ፡ ቃላቱ ቐሊል፡ ትርጉሙ ኸኣ ንጹር ነበረ። ምስ ወድአ፡ እቶም ህዝቢ ተገረሙ። ብርግጽ ከኣ ኪግረሙ ነይርዎም። ከመይሲ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ብጥበቡ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ ሰብኣይ እዮም ሰሚዖምዎ።—ማቴዎስ 7:28, 29

“እቶም ህዝቢ ብኣመሃህራኡ ተገረሙ”

3 የሱስ ኣብቲ ስብከትን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትን እተዛረቦ ዀነ ዝገበሮ ነገራት፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብኡ “ብዘሎ መዛግብቲ ጥበብ” ስለ ዘሎ፡ ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መዝገብ ክንኵዕት ኣሎና። (ቈሎሴ 2:3) ከምዚ ዝበለ ጥበብ—ማለት ፍልጠትን ምርዳእን ብግብራዊ መገዲ ናይ ምዕያይ ክእለት—ካበይ ረኸቦ፧ ጥበቡ ብኸመይ እዩ ዘርኣየ፧ ብኸመይከ ኢና ኣብነቱ ኽንስዕብ እንኽእል፧

“እዚ ሰብ እዚ፡ ነዚ ጥበብ . . . ካበይ ረኺብዎ፧”

4. እቶም ንየሱስ ኣብ ናዝሬት ዝሰምዕዎ ሰባት እንታይ ሕቶ እዮም ኣቢገሶም፧ ስለምንታይከ፧

4 የሱስ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኺሰብኽ ዚገብሮ ዝነበረ ጕዕዞታት፡ ናብታ ዝዓበየላ ኸተማ ናዝሬት ከደ፡ ኣብ ምኵራብ ድማ ኪምህር ጀመረ። ብዙሓት ካብቶም ሰማዕቱ፡ “እዚ ሰብ እዚ፡ ነዚ ጥበብ . . . ካበይ ረኺብዎ፧” እናበሉ ተገረሙን ተደነቑን። ንስድራ ቤቱ፡ ማለት ንወለዱን ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ይፈልጥዎም ነበሩ፡ ካብ ትሑት ስድራ ቤት ከም ዝመጸ ድማ ይፈልጡ ነበሩ። (ማቴዎስ 13:54-56፣ ማርቆስ 6:1-3) እዚ ኽእለት ዘረባ ዘለዎ ጸራቢ እዚ ኣብቲ ኣኽቢርካ ዚርአ ኣብያተ ትምህርቲ ረቢታት ከም ዘይተማህረ እውን ይፈልጡ ነበሩ። (ዮሃንስ 7:15) ስለዚ፡ ከምኡ ኢሎም ምሕታቶም ርትዓዊ እዩ ዚመስል።

5. የሱስ ጥበቡ ኻብ ምንታይ ምንጪ ምዃኑ እዩ ዝገለጸ፧

5 የሱስ ዘርኣዮ ጥበብ፡ ካብቲ ፍጹም ኣእምሮኡ ዝመነጨ ጥራይ ኣይነበረን። ጸኒሑ ኣብ ኣገልግሎቱ ኣብ ቤተ መቕደስ ብግህዶ ኺምህር ከሎ፡ ጥበቡ ኻብ ኣዝዩ ዝለዓለ ምንጪ ምዃኑ ሓበረ። “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን” በለ። (ዮሃንስ 7:16) እወ፡ እቲ ንወዲ ዝለኣኾ ኣቦ፡ ናይ ሓቂ ምንጪ ጥበብ የሱስ ነበረ። (ዮሃንስ 12:49) የሱስ ካብ የሆዋ ጥበብ እተቐበለ ግና ብኸመይ እዩ፧

6, 7. የሱስ ካብ ኣቦኡ ጥበብ ዝረኸበ በየናይ መገድታት እዩ፧

6 ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብን ኣእምሮን የሱስ ይዓዪ ነበረ። ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ እተተስፈወ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ መንፈስ የሆዋ፡ መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን፡ መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡ መንፈስ ፍልጠትን ፍርሃት የሆዋን ኪዓርፍ እዩ” ኢሉ ተነበየ። (ኢሳይያስ 11:2) መንፈስ የሆዋ ኣብ የሱስ ካብ ዓረፈን ንኣተሓሳስባኡን ውሳነታቱን ካብ መርሖን፡ ቃላቱን ተግባራቱን ነቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ጥበብ ዜንጸባርቕ ምዃኑስ ዜገርም ድዩ፧

7 የሱስ ብኻልእ መገዲ እውን ካብ ኣቦኡ ጥበብ ረኺቡ እዩ። ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 2 ዝረኣናዮ፡ ኣብቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበረሉ ታእላው ዘይብሉ ንውሓት ግዜ፡ ንሓሳባት ኣቦኡ ኪቐድሕ ኣጋጣሚ ነበሮ። ወዲ ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ ዀይኑ ንዅሉ እቲ ህይወት ዘለዎ ዀነ ዘይብሉ ኻልእ ነገራት ኪፍጠር ከሎ፡ “ክኢላ ሰራሕተኛ” ኣምላኽ ብምዃን ኣብ ዝዓየየሉ እዋን ዝረኸቦ ዕምቈት ጥበብ እውን ክንግምቶ እንኽእል ኣይኰነን። እምበኣር፡ እቲ ወዲ ኣብቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበሮ ህይወት ብጥበብ ተመሲሉ ዝቐረበሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎ። (ምሳሌ 8:22-31፣ ቈሎሴ 1:15, 16) የሱስ ኣብ ብምሉኡ እቲ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ነቲ ኣብ ሰማይ ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ ዀይኑ ዝረኸቦ ጥበብ ኪጥቀመሉ ኽኢሉ እዩ። b (ዮሃንስ 8:26, 28, 38) ስለዚ፡ የሱስ ኣብ ቃላቱ ሰፊሕ ፍልጠትን ዓሚቝ ምርዳእን ኬንጸባርቕ ምኽኣሉ፡ ወይ ኣብ ኵሉ ተግባራቱ ምምዝዛን ኬርኢ ምኽኣሉ ኼገርመና የብሉን።

8. ሰዓብቲ የሱስ ከም ምዃንና መጠን፡ ብኸመይ ኢና ጥበብ ከነጥሪ እንኽእል፧

8 ሰዓብቲ የሱስ ከም ምዃንና መጠን፡ ጥበብ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ኽንምርኰስ ኣሎና። (ምሳሌ 2:6) ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ንዓና ተኣምራዊ ጥበብ ኣየስርጸልናን እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ጸገማት ክንዋጽኣሉ ዚሕግዘና ጥበብ ምእንቲ ኺህበና እንገብሮ ልባዊ ጸሎት ይምልሶ እዩ። (ያእቆብ 1:5) ከምዚኣ ዝዓይነታ ጥበብ ንምርካብ፡ ንሕና እውን ብግዴና ብዙሕ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። “ከም ንሕቡእ መዛግብቲ” ጌርና ኽንደልያ ኣሎና። (ምሳሌ 2:1-6) እወ፡ ኣብቲ ጥበብ ኣምላኽ እተገልጸሉ ቓል ኣምላኽ ብቐጻሊ ኣዕሚቝና ኽንኵዕት፡ ህይወትና ድማ ምስቲ ዝፈለጥናዮ ኸም ዚሰማማዕ ክንገብሮ ኣሎና። ጥበብ ብምጥራይ ዝመጸ፡ ብፍላይ ወዲ የሆዋ ዝገደፈልና ኣብነት ጠቓሚ እዩ። የሱስ ጥበብ ዘርኣየሉ ገለ መዳያት ንመርምር፡ ብኸመይ ክንመስሎ ኸም እንኽእል ድማ ንመሃር።

ቃላት ጥበብ

ጥበብ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ

9. ትምህርትታት የሱስ ብዙሕ ጥበብ ዝሓዘለ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

9 ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ኪዛረብ ከሎ ኺሰምዕዎ ኢሎም ናብኡ ወሓዙ። (ማርቆስ 6:31-34፣ ሉቃስ 5:1-3) የሱስ ኣፉ ምስ ከፈተ ኸኣ፡ ካብ ኣፉ ብሉጽ ጥበብ ዝሓዘለ ቓላት ምውሳኡ ዜደንቕ ኣይኰነን! ትምህርትታቱ ዓሚቝ ፍልጠት ቃል ኣምላኽን ናብ ሱር እቲ ጕዳይ ናይ ምትኳር ብሉጽ ክእለትን ከም ዘለዎ ዜንጸባርቕ ነበረ። እዚ ትምህርትታቱ ንዅሉ ሰብ ዚስሕብ ኰይኑ፡ ግዜ ዚሓልፎ እውን ኣይኰነን። እቲ ብትንቢት “ግሩም መኻሪ” ተባሂሉ እተነግረሉ የሱስ ካብ እተዛረቦ ቓላት ገለ ኣብነታት ጥበብ እስከ ንርአ።—ኢሳይያስ 9:6

10. የሱስ እንታይ ኣወንታዊ ባህርያት ከነማዕብል እዩ ተማሕጺኑና፧ ስለምንታይከ፧

10 እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት፡ ካብቲ ተመዝጊቡ ዚርከብ ትምህርትታት የሱስ፡ ብዛንታ ወይ ካልኦት ብዚዛረብዎ ቓላት ከይተዀልፈ ኻብ ዝቐረበ ትምህርትታት ብንውሓቱ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ እዩ። ኣብዚ ስብከት እዚ ግቡእ ኣዘራርባን ኣካይዳን ኪህልወና ጥራይ ኣይኰነን መኺሩና። ዝያዳ ዕምቈት ዘለዎ ምኽሪ እዩ ሂቡና። ሓሳባትን ስምዒታትን ናብ ዘረባን ተግባርን ከም ዚመርሕ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ከም እኒ ዓቕሊ፡ ንጽድቂ ምጥማይ፡ መሓርን ገባር ሰላምን ምዃን፡ ከምኡ እውን ንኻልኦት ምፍቃር ዝኣመሰለ ኣወንታዊ ባህርያት ኣብ ሓሳብናን ልብናን ከነማዕብል ተማሕጸነና። (ማቴዎስ 5:5-9, 43-48) ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት እናኣማዕበልና ምስ ከድና፡ ንየሆዋ ዜሐጕስ፡ ምስ ሰባት ከኣ ጽቡቕ ርክብ ከም ዚህልወና ዚገብር ጥዑይ ዘረባን ኣካይዳን ይህልወና።—ማቴዎስ 5:16

11. የሱስ ብዛዕባ ሓጥእ ተግባራት ምኽሪ ኺህብ ከሎ፡ ናብ ሱር እቲ ጕዳይ ዘተኰረ ብኸመይ እዩ፧

11 የሱስ ብዛዕባ ሓጥእ ተግባራት ምኽሪ ኺህብ ከሎ፡ ናብ ሱር እቲ ጕዳይ እዩ ዜተኵር ነይሩ። ካብ ዓመጻ እተሓወሶ ተግባር ክንቍጠብ ጥራይ ኣይኰነን ነጊሩና። የግዳስ፡ ኣብ ልብና ቝጥዓ ፈኸም ኪብል ክንፈቕደሉ ኸም ዘይግባእ ኣጠንቀቐ። (ማቴዎስ 5:21, 22፣ 1 ዮሃንስ 3:15) ዝሙት ጥራይ ኣይኰነን ከልኪሉ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብቲ ኣብ ልቢ ዚጅምርን ናብ ጥልመት ዚመርሕን ባህጊ ኽንሕሎ ኣጠንቀቐ። ኣዒንትና ሕማቕ ባህግን ህርፋንን ዜለዓዕል ነገር ኪርእያ ኸይንፈቕደለን መዓደ። (ማቴዎስ 5:27-30) የሱስ ናብቲ ጠንቂ ደኣ እምበር፡ ናብቲ ምልክት ሳዕቤን ኣይኰነን ኣተኲሩ። ብዛዕባ እቲ ሓጥእ ተግባር ዚወልድ ኣረኣእያታትን ባህግታትን እዩ ተዛሪቡ።—መዝሙር 7:14

12. ሰዓብቲ የሱስ ነቲ ንሱ ዝሃቦም ምኽሪ ብኸመይ ይርእይዎ፧ ስለምንታይከ፧

12 ኣብ ቃላት የሱስ ከመይ ዝበለ ጥበብ ኰን እዩ ዘሎ! “እቶም ህዝቢ ብኣመሃህራኡ ተገረሙ” እንተ ተባህለ እምበኣር ዜደንቕ ኣይኰነን። (ማቴዎስ 7:28) ሰዓብቱ ኸም ምዃንና መጠን፡ ነቲ ጥበባዊ ምኽሩ ንህይወትና መምርሒ ኸም ዚዀነና ኢና እንወስዶ። ነቲ ንሱ ኸነማዕብሎ ዝነገረና ኸም እኒ ምሕረት፡ ገባር ሰላም ምዃን፡ ከምኡ እውን ፍቕሪ ዜጠቓልል ኣወንታዊ ባህርያት፡ ንኣምላኻዊ ባህርያት መሰረት ከም ዚዀነና ፈሊጥና ንምምዕባሉ ጻዕሪ ንገብር ኢና። ካብ ከም እኒ መሪር ቍጥዓን ርኹስ ትምኒትን ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ስምዒታትን ባህግታትን ምርሓቕ፡ ሓጥእ ተግባራት ከነርሕቕ ከም ዚሕግዘና ፈሊጥና፡ ካብ ልብና ንምምሓው ንጽዕር ኢና።—ያእቆብ 1:14, 15

ጥበባዊ መገዲ ህይወት

13, 14. የሱስ መገዲ ህይወቱ ኣብ ምምራጽ ጽቡቕ ምምዝዛን ከም ዘርኣየ ዚሕብረና እንታይ እዩ፧

13 የሱስ ብቓላቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግብሩ እውን ጥበብ ኣርእዩ እዩ። ኵሉ መገዲ ህይወቱ፡ ማለት ውሳነታቱን ብዛዕባ ርእሱ ዘለዎ ኣረኣእያን ምስ ካልኦት ዘለዎ ርክብን፡ እተፈላለየ ጽቡቕ መዳያት ጥበብ እዩ ኣንጸባሪቑ። የሱስ ‘ብግብራዊ ጥበብን ብምምዝዛንን’ ይመላለስ ከም ዝነበረ ዜርኢ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።—ምሳሌ 3:21

14 ጥበብ፡ ጽቡቕ ምምዝዛን የጠቓልል። የሱስ መገዲ ህይወቱ ኺመርጽ ከሎ ጽቡቕ ምምዝዛን ኣርእዩ እዩ። እቲ ኺህልዎ ዚኽእል ዝነበረ ህይወት፡ ኪሰርሖ ዚኽእል ዝነበረ ቤት፡ ኪዓይዮ ዚኽእል ዝነበረ ዓይነት ስራሕ፡ ወይ ኪረኽቦ ዚኽእል ዝነበረ ዓለማዊ ዝና ብኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧ የሱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ እተወፈየ ህይወት፡ “ከንቱነት፡ ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ” ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። (መክብብ 4:4፣ 5:10) እዚ መገዲ እዚ ዕሽነት ወይ ኣንጻር ጥበብ እዩ። ስለዚ፡ ናብራኡ ቐሊል ኪገብር ወሰነ። ገንዘብ ኬጥሪ ወይ ስጋዊ ጥሪት ኪእክብ ኣይኰነን ዚደሊ ነይሩ። (ማቴዎስ 8:20) ምስቲ ዚምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ ብምስምማዕ፡ ዓይኑ ኣብ ሓደ ዕላማ ጥራይ ከም እተተኵር ገበረ፣ እዚ ኸኣ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 6:22) የሱስ ብጥበብ ግዜኡን ጕልበቱን ኣብቲ ኻብ ስጋዊ ነገራት ዝያዳ ኣገዳስነትን ዓስብን ዘለዎ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣውዓሎ። (ማቴዎስ 6:19-21) በዚ ኸምዚ፡ ክንቀድሖ ዚግባእ ኣብነት ሓደገልና።

15. ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እተተኵር ዓይኒ ኸም ዘላቶም ኬርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ እዚ መገዲ ጥበብ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

15 ሎሚ ዘለዉ ሰዓብቲ የሱስ፡ ኣብ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እተተኵር ዓይኒ ምሓዝ ዘለዎ ጥበብ ይፈልጥዎ እዮም። ስለዚ፡ ዘየድሊ ዕዳን ዕንዲዳን ኣይስከሙን፡ ብዙሕ ቈላሕታን ጕልበትን ብዜድልዮ ዓለማዊ ነገራት እውን ኣይወሓጡን እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ብዙሓት ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኺውፍዩ፡ ምናልባት እውን ናይ ምሉእ ግዜ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ምእንቲ ኼገልግሉ፡ ናብራኦም ንምቕላል ስጕምትታት ወሲዶም እዮም። ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ግቡእ ቦታኡ ምሕላውና፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ሓጐስን ዕግበትን ስለ ዜምጽኣልና፡ ካብዚ ዚሓይሽ ጥበባዊ መገዲ የልቦን።—ማቴዎስ 6:33

16, 17. (ሀ) እቲ የሱስ ብዛዕባ ርእሱ ዝነበሮ ትጽቢት ንዓቕሙን ንኽውንነትን ኣብ ግምት ዜእቱ ኸም ዝነበረ ብኸመይ ኣርኣየ፧ (ለ) ኣብቲ ብዛዕባ ርእስና ዘሎና ትጽቢት ንዓቕምናን ንኽውንነትን ኣብ ግምት ከም እነእቱ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

16 መጽሓፍ ቅዱስ ንጥበብ ምስ ትሕትና ወይ ምስ ዓቕምኻ ምፍላጥ የተኣሳስራ። (ምሳሌ 11:2) እቲ የሱስ ብዛዕባ ርእሱ ዝነበሮ ትጽቢት ንዓቕሙን ንኽውንነትን ኣብ ግምት ዜእቱ ነበረ። ንዅሎም እቶም መልእኽቱ ዝሰምዑ ሰባት ኪቕይሮም ከም ዘይክእል ይፈልጥ ነበረ። (ማቴዎስ 10:32-39) ንእተወሰኑ ሰባት ጥራይ ብኣካል ኪበጽሖም ከም ዚኽእል እውን የስተውዕል ነበረ። ስለዚ፡ ብጥበብ ተመሪሑ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ንሰዓብቱ ሕድሪ ሃቦም። (ማቴዎስ 28:18-20) ሰዓብቱ ኣብ ዝነውሐ ግዜ ዝበዝሑ ሰባትን ዝሰፍሐ ቦታን ከም ዚሽፍኑ ብምፍላጥ፡ ካብ ናቱ ‘ዚዓቢ ግብርታት ከም ዚገብሩ’ ብትሕትና ገለጸ። (ዮሃንስ 14:12) ሓገዝ ከም ዜድልዮ እውን ኣሚኑሉ ነበረ። ኣብቲ በረኻ ኼገልግልዎ ዝመጹ መላእኽትን ኣብ ጌተሴማኔ ኼበርትዖ ዝመጸ መልኣኽን ዝሃብዎ ሓገዝ ተቐቢሉ እዩ። እቲ ወዲ ኣምላኽ ኣብቲ ሓገዝ ዘድለዮ እዋን፡ ሓገዝ ኪውሃቦ ለሚኑ እዩ።—ማቴዎስ 4:11፣ ሉቃስ 22:43፣ እብራውያን 5:7

17 ንሕና እውን ኣብቲ ብዛዕባ ርእስና ዘሎና ትጽቢት ንዓቕምናን ንኽውንነትን ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። ኣብ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ካብ ልብና ኽንዓይን ክንጋደልን ንደሊ ኢና። (ሉቃስ 13:24፣ ቈሎሴ 3:23) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንሓድሕድና ኸም ዘየወዳድረና ኽንዝክር ኣሎና፡ ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር የብልናን። (ገላትያ 6:4) ግብራዊ ጥበብ እንተ ኣልዩና፡ ምስ ክእለትናን ኵነታትናን ዚሰማማዕ ክውንነታዊ ሸቶታት ከነውጽእ ይሕግዘና። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ጥበብ እንተ ኣጥርዮም፡ ዓቕሞም ድሩት ምዃኑን ሓሓሊፉ ሓገዝን ደገፍን ከም ዜድልዮምን ኪእመኑ ይሕግዞም። ትሑታት እንተ ዀይኖም ከኣ፡ የሆዋ ንክርስትያን ብጻዮም ከም “ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ” ገይሩ ኸም ዚጥቀመሉ ስለ ዚፈልጡ፡ ንዚመጸሎም ሓገዝ ብጸጋ ኪቕበሉ የኽእሎም።—ቈሎሴ 4:11

18, 19. (ሀ) የሱስ ኣብቲ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝነበሮ ርክብ ሚዛናውን ኣወንታውን ከም ዝነበረ ዚሕብር እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብቲ ኣብ ንሓድሕድና ዘሎና ርክብ ኣወንታውያንን ሚዛናውያንን ክንከውን ዚድርኸና እንታይ ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎና፧ ብኸመይከ ኢና ኸምኡ እንኸውን፧

18 ያእቆብ 3:17፡ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ . . . ልዝብቲ [“ሚዛናዊት፡” እ.ጽ.]” ምዃና ትገልጽ። የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝነበሮ ርክብ ሚዛናውን ኣወንታውን ነበረ። ጕድለቶም ኣጸቢቑ ይፈልጦ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ጽቡቕ ጐድኖም የናዲ ነበረ። (ዮሃንስ 1:47) በታ እተኣስረላ ምሸት ሓዲጎምዎ ኸም ዚኸዱ እኳ እንተ ፈለጠ፡ ንተኣማንነቶም ግና ኣብ ሕቶ ኣየእተዎን። (ማቴዎስ 26:31-35፣ ሉቃስ 22:28-30) ጴጥሮስ ንየሱስ ኣይፈልጦን እየ ብምባል ሰለስተ ሳዕ ከሓዶ። የሱስ ግና ምእንቲ ጴጥሮስ ለመነ፡ እሙን ከም ዚኸውን ድማ ርግጸኛ ምዃኑ ገለጸሉ። (ሉቃስ 22:31-34) ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ናብ ኣቦኡ ጸሎት ኬቕርብ ከሎ፡ ኣብ ናይ ደቀ መዛሙርቱ ጌጋታት ኣይኰነን ኣተኲሩ። የግዳስ፡ “ቃልካ እውን ሓልዮም እዮም” ብምባል ክሳዕ እታ ምሸት እቲኣ ብዛዕባ ዝሰዓብዎ መገዲ ኣወንታዊ ዘረባ ተዛረበ። (ዮሃንስ 17:6) ዘይፍጽምና እኳ እንተ ነበሮም፡ ነቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ኣብ ኢዶም ሓደጎ። (ማቴዎስ 28:19, 20) እቲ ኣባታቶም ዝነበሮ ምትእምማንን እምነትን ነቲ ዝኣዘዞም ዕዮ ኺገብሩ ኸም ዘበራተዖም ዜጠራጥር ኣይኰነን።

19 ሰዓብቲ የሱስ ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብነቱ ኺስዕቡ ዚድርኽ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎም። እቲ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ ኣብቲ ምስ ዘይፍጹማት ደቀ መዛሙርቱ ዘለዎ ርክብ ትዕግስቲ እንተ ገይሩ፡ ንሕና ሓጥኣን ሰባት ግዳ ኣብቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ክንደይ ብዝያዳ ልዙባት ወይ ሚዛናውያን ክንከውን ዘይግባእ! (ፊልጲ 4:5) ኣብ ጕድለት ብጾትና ዝዀኑ ኣምለኽቲ ኣብ ክንዲ እነተኵር፡ ጽቡቕ ጐድኖም ንምርካብ ክንጽዕር ኣሎና። የሆዋ ኸም ዝሰሓቦም ምዝካርና ጥበባዊ እዩ። (ዮሃንስ 6:44) ብርግጽ እምበኣር እተወሰነ ጽቡቕ ነገር ርእይሎም ኪኸውን ኣለዎ፡ ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። ኣወንታዊ ኣረኣእያ ‘በደል ዕሽሽ ከም እንብል’ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክንንእደሉ እንኽእል መዳያት ከነናዲ እውን ይሕግዘና። (ምሳሌ 19:11) ኣብ ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ምትእምማን ክንገልጽ ከለና፡ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ዚከኣሎም ኪገብሩን ካብቲ ኣገልግሎት ሓጐስ ኪረኽቡን ንሕግዞም ኢና።—1 ተሰሎንቄ 5:11

20. ነቲ ኣብ ጸብጻባት ወንጌል ዚርከብ መዝገብ ጥበብ እንታይ ኢና ኽንገብሮ ዚግባእ፧ ስለምንታይከ፧

20 እቲ ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ዚገልጽ ጸብጻባት ወንጌል ብሓቂ መዝገብ ጥበብ እዩ! ነዚ ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት እንታይ ክንገብሮ ኣሎና፧ የሱስ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ ንሰማዕቱ ነቲ ጥበባዊ ቓላቱ ኺሰምዑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኪገብርዎ ወይ ኪዓይዩሉ ተማሕጸኖም። (ማቴዎስ 7:24-27) ብመሰረት እቲ ጥበባዊ ቓላትን ግብርታትን የሱስ ጌርና ኣተሓሳስባናን ድራኸታትናን ተግባራትናን ምቕራጽና፡ ሕጂ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብን በታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትወስድ መገዲ ምእንቲ ኽንከይድን ይሕግዘና። (ማቴዎስ 7:13, 14) ካብዚ ዚሓይሽ ወይ ብዝያዳ ጥበባዊ ዝዀነ መገዲ ኸቶ የልቦን!

a እቲ የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ዘቕረቦ መደረ፡ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት ተባሂሉ ይፍለጥ። ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 5:3–7:27 ተመዝጊቡ ዘሎ፡ 107 ፍቕድታት ዝሓዘ ዀይኑ፡ ንምቕራቡ 20 ደቒቕ ኣቢሉ ዚወስድ እዩ ነይሩ ዚኸውን።

b የሱስ ኣብ እተጠምቀሉ እዋን ‘ሰማያት ምስ ተኸፍተ፡’ ተዘክሮ እቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበሮ ህይወት ከም ብሓድሽ ረኺቡ ኪኸውን ኣለዎ።—ማቴዎስ 3:13-17