ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሰለስተ

“ትሑት ዝልቡ . . . እየ”

“ትሑት ዝልቡ . . . እየ”

“እንሆ፡ ንጉስኪ ይመጽእ ኣሎ።”

1-3. የሱስ ናብ የሩሳሌም ዝኣተወሉ መገዲ ኸመይ እዩ ነይሩ፧ ገሊኦም ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ተዓዘብቲ ተገሪሞም ኪዀኑ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧

 የሩሳሌም ጕጅምጅም ብዚብሉ ሰባት መሊኣ ነበረት። ሓደ ዓብዪ ሰብኣይ ይመጽእ ነበረ! ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ፡ ሰባት ኣብ ደረት መገዲ ተኣከቡ። ነቲ ሰብኣይ ኪቕበልዎ ተሃንጥዮም ነበሩ፣ ከመይሲ፡ ገሊኦም ንሱ ወራሲ ንጉስ ዳዊትን ገዛኢ እስራኤልን ከም ዝዀነ ይዛረቡ ነበሩ። ብዙሓት ጨናፍር ስየ ሒዞም ሰሰው የብልዎ ነበሩ፣ ገሊኦም ከኣ ነቲ መገዲ ጥጡሕ ንምግባር ኢሎም ክዳውንቶም የንጽፉን ጨናፍር ኣእዋም ይንስንሱን ነበሩ። (ማቴዎስ 21:7, 8፣ ዮሃንስ 12:12, 13) ብዙሓት ናብታ ኸተማ ብኸመይ ኣገባብ ከም ዚኣቱ ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

2 ገሊኦም ዕቤቱ ኼርኢ ተጸብዮምዎ ይዀኑ። ብዛዕባ እቶም ናብ ከተማ ኺኣትዉ ኸለዉ ዓብዪ ትርኢት ዝገበሩ ኣገደስቲ ሰባት ብርግጽ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት ከም ዝነገሰ ኺእውጅ ከሎ፡ ቀቅድሚ ሰረገላኡ ዚጐዩ 50 ሰብኡት ገበረ። (2 ሳሙኤል 15:1, 10) እቲ ሮማዊ ገዛኢ ዝነበረ ጁልየስ ቄሳር ንርኣዩለይ ኢሉ ብዙሕ ነገር ኪግበረሉ ሓተተ፣ ክሳዕ እቲ ቤተ መንግስቲ ሮሜ ዚበጽሕ ንሱ ዝመርሖ ናይ ዓወት ዓጀባ ኺግበር ከሎ፡ ብኽልቲኡ ሸነኹ መብራህትታት እተሰከሙ 40 ሓራምዝ ኣሰንዮምዎ ነበሩ! እቶም ህዝቢ የሩሳሌም ግና ኣመና ዝዓበየ ሰብኣይ እዮም ዚጽበዩ ነይሮም። እቶም ህዝቢ ይረድእዎ ኣይረድእዎ ብዘየገድስ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ ዝዓበየ ሰብኣይ ዝዀነ መሲሕ እዩ ዚመጽእ ነይሩ። እዚ ኣብ መጻኢ ንጉስ ዚኸውን ናብታ ኸተማ ኺኣቱ ኸሎ ግና፡ ገሊኦም ተገሪሞም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

3 ሰረገላ ዀነ፡ ቀቅድሚኡ ዚጐዩ ሰባት ኰኑ፡ ወይ ኣፍራስ ኣይረኣዩን፣ ሓራምዝ እውን ብርግጽ ኣይነበሩን። የሱስ ኣብ ተራ መጽዓኛ፡ ማለት ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ መጸ። a ንሱ ዀነ እቲ ተወጢሕዎ ዝነበረ ኣድጊ ኣይተሰላለሙን። ክቡር ኮረሻ ኣብ ክንዲ ዚጥቀም ከኣ፡ እቶም ናይ ቀረባ ሰዓብቱ ኣብ ዝባን እቲ እንስሳ ዝገበሩሉ ገለ ኽዳውንቲ ጥራይ እዩ ተጠቒሙ። ካብ የሱስ ኣመና ዚትሕቱ ሰባት ግሩም ትርኢትን ዓብዪ ጽምብልን ኪግበረሎም እናደለዩ ኽነሶም፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ብኸምዚ ዝኣመሰለ ትሑት መገዲ ኺኣቱ ዝመረጸ ስለምንታይ እዩ፧

4. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ዚኣትወሉ መገዲ እንታይ ይንበ፧

4 የሱስ፡ “ኣዚኺ ተሓጐሲ። ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ እልል በሊ። እንሆ፡ ንጉስኪ ይመጽእ ኣሎ። ንሱ ጻድቕን ድሕነት ዜምጽእን እዩ፣ ትሑት እዩ፡ ኣብ ኣድጊ . . . ድማ ተወጢሑ ኣሎ” ንዚብል ትንቢት እዩ ዚፍጽም ነይሩ። (ዘካርያስ 9:9) እዚ ትንቢት እዚ፡ እቲ ቕቡእ ኣምላኽ ዝዀነ መሲሕ ሓደ መዓልቲ ንህዝቢ የሩሳሌም ብኣምላኽ እተሸመ ንጉስ ምዃኑ ኸም ዚግለጸሎም ዚሕብር ነበረ። ብዘይካዚ፡ እቲ ንግስነቱ እተገልጸሉ መገዲ ዀነ እቲ እተወጥሖ እንስሳ፡ ነታ ኣብ ልቡ ዘላ ባህ እተብል ባህርይ ዜርኢ እዩ። እዛ ባህርይ እዚኣ ትሕትና እያ።

5. ትሕትና የሱስ ከተስተንትነላ ኸለኻ ልቢ እትትንኪ ስለምንታይ እያ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ንየሱስ ክንመስሎ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

5 ትሕትና የሱስ ሓንቲ ኻብተን ኣዝየን ማረኽቲ ባህርያቱ እያ፣ ከተስተንትነላ ኸለኻ ኸኣ፡ ልብኻ እያ እትትንኪ። ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ምዕራፍ፡ የሱስ ጥራይ በይኑ “መገድን ሓቅን ህይወትን” ምዃኑ ርኢና ኔርና። (ዮሃንስ 14:6) ካብቶም ኣብ ምድሪ ብህይወት ዝነበሩ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብኣገዳስነት ጥቓ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዚቐርብ ዋላ ሓደ ኸም ዘየልቦ ንጹር እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ኣሰር እቲ ማእለያ ንዘይብሎም ዘይፍጹማት ሰባት ዚጸልዎም ዘሎ ዅርዓት፡ ትዕቢት፡ ወይ ንያት ከቶ ኣየርኣየን። ሰዓብቲ ክርስቶስ ምእንቲ ኽንከውን፡ ትዕቢት ዚብሃል ንምውጋድ ክንቃለስ ኣሎና። (ያእቆብ 4:6) የሆዋ ትዕቢት ከም ዚጸልእ ኣይትረስዕ። ንትሕትና የሱስ ክንመስላ ምጽዓርና እምበኣር ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ።

ትሕትና ዘርኣየሉ ነዊሕ ታሪኽ

6. ትሕትና እንታይ እያ፧ እቲ መሲሕ ትሑት ኪኸውን ምዃኑኸ የሆዋ ብኸመይ ፈለጠ፧

6 ትሕትና ኺብሃል ከሎ ብኣተሓሳስባኻ ትሕት ምባል፡ ትዕቢት ወይ ኵርዓት ዘይምህላው ተመልክት። እዛ ባህርይ እዚኣ ኣብ ልቢ እትጅምር ኰይና፡ ኣብ ኣዘራርባን ኣካይዳን ምስ ካልኦት ኣብ ዚህሉ ርክብን ትንጸባረቕ። እቲ መሲሕ ትሑት ኪኸውን ምዃኑ የሆዋ ብኸመይ ፈሊጡ፧ ነታ የሆዋ ንባዕሉ ዜርእያ ፍጹም ትሕትናኡ፡ ወዱ ኸም ዜንጸባርቓ ይፈልጥ ነበረ። (ዮሃንስ 10:15) ትሕትና ወዱ እውን ብግብሪ ርእይዋ ነበረ። ብኸመይ፧

7-9. (ሀ) ሚካኤል ኣብቲ ምስ ሰይጣን ዝገበሮ ኽርክር ብኸመይ እዩ ትሕትና ዘርኣየ፧ (ለ) ክርስትያናት ትሕትና ብምርኣይ ዝመጸ ንሚካኤል ዚመስልዎ ብኸመይ እዮም፧

7 መልእኽቲ ይሁዳ ሓደ ዜደንቕ ኣብነት ትገልጸልና፦ “ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ግና፡ ብዛዕባ ሬሳ ሙሴ ምስ ድያብሎስ ዜከራኽር ኣልይዎ ምስ ተማጐተ፡ ‘የሆዋ ይግናሕካ’ ደኣ በሎ እምበር፡ ብጸርፊ ኺፈርዶ ኣይደፈረን።” (ይሁዳ 9) ሚካኤል ነቲ የሱስ ቅድምን ድሕርን እቲ ኣብ ምድሪ ዝነበሮ ህይወት ከም ሊቀ መላእኽቲ ወይ ሓለቓ ሰማያዊ ሰራዊት መላእኽቲ የሆዋ ዀይኑ ዘለዎ ግደ ኺፍጽም ከሎ እተዋህቦ ስም እዩ። b (1 ተሰሎንቄ 4:16) ሚካኤል ነቲ ምስ ሰይጣን ዘጋጠሞ ኽርክር ብኸመይ ከም ዝሓዞ ግና ኣስተብህል።

8 እቲ ይሁዳ ዝጸሓፎ ጸብጻብ፡ ሰይጣን ንስጋ ሙሴ እንታይ ኪገብሮ ደልዩ ኸም ዝነበረ ኣይነግረናን እዩ፡ ኰይኑ ግና፡ ድያብሎስ ንጽዩፍ ዕላማ ሓሲብዎ ምንባሩ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ምናልባት ንሬሳ ሙሴ ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኺጥቀመሉ ደልዩ ይኸውን። ሚካኤል ንውዲት ሰይጣን እኳ እንተ ተቓወሞ፡ ብዜደንቕ መገዲ ግና ርእሱ ገቲኡ እዩ። ሰይጣን ብርግጽ ኪግናሕ ዚግብኦ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ “ዅሉ ፍርዲ” ገና ዘይተዋህቦ ዝነበረ ሚካኤል ምስ ሰይጣን ኪከራኸር ከሎ ግና ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርዲ ኻብ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ኪመጽእ ከም ዘለዎ ዀይኑ ተሰምዖ። (ዮሃንስ 5:22) ሚካኤል፡ ሊቀ መላእኽቲ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ሰፊሕ ስልጣን ነበሮ። ተወሳኺ ስልጣን ኪሕዝ ኣብ ክንዲ ዚፍትን ግና፡ ነቲ ጕዳይ ናብ የሆዋ ኣመሓላለፎ። ትሑት ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዓቕሙ ኸም ዚፈልጥ እውን ኣርእዩ እዩ።

9 ይሁዳ ብመንፈስ ተደሪኹ ብዛዕባ እዚ ፍጻመ እዚ ዝጸሓፈ ብምኽንያት እዩ። እቲ ዜሕዝን ገሊኦም ኣብቲ ይሁዳ ዝነበረሉ ግዜ ዝነበሩ ክርስትያናት ትሑታት ኣይነበሩን። ብትዕቢት “ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዘይፈልጥዎ ነገራት ይጻረፉ” ነበሩ። (ይሁዳ 10) ንሕና ዘይፍጹማት ሰባት ብቐሊሉ ብትዕቢት ክንጽሎ ንኽእል ኢና። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተገብረ ነገር—ምናልባት ብኣካል ሽማግለታት እተገብረ ውሳነ ኪኸውን ይኽእል እዩ—እንተ ዘይተረዲኡና፡ እንታይ ኢና እንገብር፧ እቲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ውሳነታት መሰረት ዚኸውን ኵሉ ረቛሒታት ከይተረድኣና ኣብ ኣሉታውን ነቓፍን ዘረባ እንተ ተጸሚድና፡ ትሕትና ኸም እትጐድለና ደይኰንናን እነርኢ ዘለና፧ ኣብ ክንዳኡስ ንሚካኤል ወይ ንየሱስ ብምምሳል፡ ኣብቲ ኣምላኽ ስልጣን ዘይሃበና መዳያት ክንፈርድ ክንፍትን የብልናን።

10, 11. (ሀ) ወዲ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ኺመጽእ ፍቓደኛ ምዃኑ ዜደንቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንትሕትና የሱስ ብኸመይ ክንመስላ ንኽእል፧

10 ወዲ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ኺመጽእ እተዋህቦ ዕዮ ብምቕባል እውን ትሕትና ኣርእዩ እዩ። እንታይ ነገራት ከም ዝሓደገ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሊቀ መላእኽቲ እዩ ነይሩ። “ቃል” ወይ ኣፈኛ የሆዋ እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 1:1-3) ኣብቲ ‘ልዑል መንበር ቅድስናን ክብርን’ የሆዋ ዝዀነ ሰማይ ይቕመጥ ነበረ። (ኢሳይያስ 63:15) ይኹን እምበር፡ “ገዛእ ርእሱ ባዶ ገይሩ፡ መልክዕ ባርያ ወሲዱ፡ ሰብ እውን ኰይኑ እዩ።” (ፊልጲ 2:7) ብተወሳኺ ድማ ምድራዊ ናብራኡ እንታይ ከም ዜጠቓልል እሞ ሕስብ ኣብሎ! ህይወቱ ናብ ማሕጸን ሓንቲ ኣይሁዳዊት ድንግል ተመሓላለፈት፡ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ወርሒ ድማ ማዕቢሉ ሰብኣዊ ሕጻን ኰነ። ካብ እንዳ ድኻ ጸራቢ መስኪን ዕሸል ኰይኑ ተወልደ፡ ድሕሪኡ እናዓበየ ምስ ከደ ታተ በለ፡ ዓዀዀ፡ ኰተቴ ድማ ኰነ። ፍጹም እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ብምሉኡ ንእስነቱ ነቶም ዘይፍጹማት ወለዱ ይእዘዞም ነበረ። (ሉቃስ 2:40, 51, 52) ከመይ ዝበለት ፍልይቲ ትሕትና ዀን እያ ነይራቶ!

11 ትሑት ዚመስል ኣገልግሎት ብፍታው ብምቕባል፡ ንትሕትና የሱስ ክንመስላ ንኽእል ዲና፧ ንኣብነት፡ ሰባት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘይግደሱ፡ ዜላግጹ፡ ወይ ዚጻብኡ ኪዀኑ ኸለዉ፡ እቲ ኽንሰብኽ እተዋህበና መዝነት ትሑት ኪመስለና ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ኣብዚ ዕዮ እዚ ጸኒዕና እንተ ቐጺልና ግና፡ ህይወት ሰባት ከነድሕን ንኽእል ኢና። በዚ ዀነ በቲ፡ ብዛዕባ ትሕትና ዓብዪ ነገር ንምሃር፡ ኣስኣሰር ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ድማ ንስዕብ ኢና።

የሱስ ሰብ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዘርኣያ ትሕትና

12-14. (ሀ) ሰባት ንየሱስ ኪውድስዎ ኸለዉ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ምስ ካልኦት ኣብ ዘለዎ ርክብ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ሐ) ትሕትና የሱስ ንማለቱ ወይ ንስነ ስርዓት ኢልካ እትግበር ዘይምዃና እንታይ ይሕብረና፧

12 የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ብትሕትናኡ እዩ ዚፍለጥ። ኵሉ ውዳሰን ክብርን ናብ ኣቦኡ ኸም ዚቐንዕ ብምግባር እዩ ትሕትና ኣርእዩ። ሓድሓደ ግዜ ሰባት ንየሱስ በቲ ኣብ ቃላቱ ዝነበረ ጥበብ፡ በቲ ኣብ ተኣምራቱ እተራእየ ሓይሊ፡ ከምኡ እውን በቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ይውድስዎ ነበሩ። የሱስ ግና ብተደጋጋሚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኽብሪ ናብ የሆዋ ኸም ዚቐንዕ ገበረ።—ማርቆስ 10:17, 18፣ ዮሃንስ 7:15, 16

13 የሱስ ኣብቲ ንሰባት ዝሓዘሉ መገዲ እውን ትሕትና ኣርእዩ እዩ። ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ዕላማ ኺገልጽ ከሎ፡ ኪግልገል ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ኬገልግል ምዃኑ ንጹር ገይርዎ እዩ። (ማቴዎስ 20:28) ኣብቲ ምስ ሰባት ዝነበሮ ልኡምን ሚዛናውን ርክብ ትሕትና ኣርእዩ እዩ። ሰዓብቱ ኣብ ዘጕሃይዎ እዋን፡ ኣይወቐሶምን፣ የግዳስ፡ ኣልባቦም ንምትንካይ ከይተሓለለ ይጽዕር ነበረ። (ማቴዎስ 26:39-41) ጸጥታን ዕረፍትን ብሑትነትን ኣብ ዚደልየሉ እዋን ህዝቢ መጺኦም ምስ ረበሽዎ፡ ርሓቑለይ ኣይበሎምን፣ “ብዙሕ” ብምምሃር ዚከኣሎ ጸዓረ። (ማርቆስ 6:30-34) ሓንቲ እስራኤላዊት ዘይኰነት ሰበይቲ ንጓላ ኼሕውየላ ብቐጻሊ ምስ ለመነቶ፡ ፈለማ ኼሕውየላ ኸም ዘይደሊ ሓቢሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ብሕርቃን ግና እምቢ ኣይበላን፣ የግዳስ ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 14 እንርእዮ ነታ ሓለፍ ዝበለት እምነታ ብምርኣይ ድሌታ ፈጸመላ።—ማቴዎስ 15:22-28

14 የሱስ ብብዙሕ መገድታት ነቲ “ኣነ ልኡምን ትሑት ዝልቡን እየ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ፈጺምዎ እዩ። (ማቴዎስ 11:29) ትሕትናኡ ንማለቱ ወይ ንስነ ስርዓት ኢልካ ኻብ ክሳድ ንላዕሊ እትግበር ኣይነበረትን። ካብ ልቡ፡ ማለት ካብ ውሽጡ ዝመነጨት እያ ነይራ። የሱስ ንሰዓብቱ ብቐዳምነት ትሑታት ኪዀኑ ምምሃሩ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

ንሰዓብቱ ትሑታት ኪዀኑ መሃሮም

15, 16. የሱስ ኣብ መንጎ ኣረኣእያ ገዛእቲ ዓለምን ኣረኣእያ ሰዓብቱን እንታይ ፍልልይ ኪህሉ ኸም ዘለዎ እዩ ዘጕልሐ፧

15 ሃዋርያት የሱስ ትሕትና ብምምዕባል ዝመጸ ቕልጡፋት ኣይነበሩን። የሱስ ልቦም ንምትንካይ ብተደጋጋሚ ኺጽዕር ነበሮ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ያእቆብን ዮሃንስን ብኣዲኦም ኣቢሎም ንየሱስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ልዑል ቦታ ኺህቦም መብጽዓ ኼእትውዎ ደለዩ። የሱስ ቦታኡ ስለ ዚፈልጥ፡ “ኣብ የማነይን ኣብ ጸጋመይን ምቕማጥ ግና፡ ነቶም ኣቦይ ዘዳለወሎም ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ” ኢሉ መለሰሎም። እቶም ዝተረፉ ዓሰርተ ሃዋርያት ብያእቆብን ዮሃንስን “ተቘጥዑ።” (ማቴዎስ 20:20-24) የሱስ ነዚ ጸገም እዚ ብኸመይ ፈትሖ፧

16 ንዅሎም ጸዊዑ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ገሰጾም፦ “ንኣህዛብ፡ ኣሕሉቖም ከም ዚገዝእዎም፡ ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚስልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም። ኣባኻትኩም ግና ከምኡ ኣይኹን፣ የግዳስ፡ ካባኻትኩም ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ፡ ኣገልጋሊኹም ይኹን፣ ካባኻትኩም ቀዳማይ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ ድማ፡ ባርያኹም ይኹን።” (ማቴዎስ 20:25-27) እቶም ሃዋርያት “ንኣህዛብ፡ ኣሕሉቖም” ክሳዕ ክንደይ ዕቡያትን ህሩፋት ስልጣንን ፈተውቲ ርእሶምን ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ርእዮም ኪዀኑ ኣለዎም። የሱስ ግና ሰዓብቱ ኻብቶም ጽምኢ ስልጣን ዘለዎም መለኽቲ ሰባት እተፈልዩ ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ሓበሮም። ትሑታት ኪዀኑ ነበሮም። እቶም ሃዋርያት ነቲ ነጥቢ ተረዲኦምዎዶ፧

17-19. (ሀ) የሱስ ድሮ እታ ዝሞተላ መዓልቲ ንሃዋርያቱ ብዛዕባ ትሕትና እንታይ ዘይርሳዕ ትምህርቲ እዩ ዝሃቦም፧ (ለ) የሱስ ሰብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዛዕባ ትሕትና ዝሃቦ ኻብ ኵሉ ዚበልጽ ሓያል ትምህርቲ እንታይ እዩ፧

17 እዚ ንዓታቶም ቀሊል ኣይነበረን። የሱስ ነዚ ትምህርቲ እዚ ዝመሃሮም ንመጀመርታኡ ወይ ንመወዳእታኡ ግዜ ኣይነበረን። ኣቐዲሙ ኻባታቶም መን ከም ዚበልጽ ምስ ተኻትዑ፡ ቈልዓ ኣብ መንጎኦም ደው ኣቢሉ፡ ከምቶም ኣብ ዓበይቲ ዘሎ ትዕቢትን ህርፋን ስልጣንን ዘይብሎም ቈልዑ ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ነጊርዎም ነበረ። (ማቴዎስ 18:1-4) ይኹን እምበር፡ ድሮ እታ ዝሞተላ መዓልቲ፡ ሃዋርያቱ ገና ምስ ትዕቢት ይቃለሱ ኸም ዘለዉ ኣስተውዓለ። ኣብቲ ግዜ እቲ ፈጺምካ ዘይርሳዕ ትምህርቲ መሃሮም። ዓለባ ተዓጢቑ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ብልምዲ ኣገልገልቲ ንኣጋይሽ ዚገብሩሎም ዝተሓተ ዕዮ ዓየየ። እወ፡ የሱስ ኣእጋር ኵሎም ሃዋርያቱ፡ እንተላይ ኣእጋር እቲ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ዚኽሕዶ ይሁዳ ሓጸበ!—ዮሃንስ 13:1-11

18 የሱስ፡ “ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ” ብምባል ነቲ ኺርድእዎ ዝደለዮ ነጥቢ ኣነጸረሎም። (ዮሃንስ 13:15) እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ መወዳእታኡ ኣብ ኣልባቦም ተቐሪጹዶ፧ ጸኒሖም በታ ምሸት እቲኣ፡ መኖም ዝዓበየ ኸም ዝዀነ ኣብ መንጎኦም ክርክር ኰነ! (ሉቃስ 22:24-27) ሽዑ እውን እንተ ዀነ፡ የሱስ ተዓገሶም፡ ብትሕትና ድማ መሃሮም። ድሕሪኡ፡ ንዅሎም ካብ ኵሉ ዚበልጽ ሓያል ትምህርቲ ሃቦም። “ርእሱ ኣትሒቱ እዩ፣ ክሳዕ ሞት፡ አረ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ክሳዕ ሙማት እኳ ተኣዚዙ እዩ።” (ፊልጲ 2:8) የሱስ ከም ዓማጽን ተጻራፍን ኰይኑ ብጌጋ ኺፍረዶ ፍቓደኛ ብምዃኑ፡ ናብ ዜዋርድ ዓይነት ሞት ርእሱ ኣትሓተ። በዚ ኸምዚ ወዲ ኣምላኽ ካብ ኵሎም ፍጡራት የሆዋ ብዝለዓለ ደረጃ ፍጽምትን ብልጽትን ትሕትና ብምንጽብራቕ ፍሉይ ምዃኑ ኣርኣየ።

19 ምናልባት ነቲ ነጥቢ ኣብ ኣልባብ እቶም እሙናት ሃዋርያቱ ብዚግባእ ከም ዚቕረጽ ዝገበረ፡ እቲ የሱስ ከም ሰብ ኰይኑ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ ትምህርቲ ትሕትና እዩ ዚኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ እዞም ሰብኡት እዚኦም ንሓያሎ ዓመታት ብትሕትና ይዓይዩ ምንባሮም ይነግረና። ንሕናኸ፧

ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣርኣያ ኽትስዕብ ዲኻ፧

20. ብሓቂ ትሑታት እንተ ዄንና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

20 ጳውሎስ ንነፍሲ ወከፍና፡ “እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ፡ ኣባኻትኩም እውን ይሃሉ” ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ። (ፊልጲ 2:5) ከም የሱስ ትሑታት ክንከውን ኣሎና። ኣብ ልብና ትሕትና እንተ ኣልያ፡ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ጳውሎስ፡ “ካብ ንግርምና ተላዒልኩም ወይ ንርእሰ ውዳሰ ኢልኩም ሓንቲ እኳ ኣይትግበሩ፣ ብትሕትና ግና ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ” ኢሉ ኣዘኻኺሩና ኣሎ። (ፊልጲ 2:3) ትሕትና እንተ ኣልያትና ንምፍላጥ ዚሕግዘና ወሳኒ ነገር እምበኣር፡ ንኻልኦት ምስ ርእስና ኣብ እነነጻጽረሉ መገዲ እዩ። ካባና ዚበልጹን ዝያዳ ኣገደስትን ከም ዝዀኑ ጌርና ኽንርእዮም ኣሎና። ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ዲኻ፧

21, 22. (ሀ) ክርስትያን ሓለውቲ ትሑታት ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ትሕትና ኸም እተዓጠቕና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

21 ካብቲ የሱስ ዝሞተሉ ግዜ ሓያሎ ዓመታት ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ኣገዳስነት ትሕትና ይሓስብ ነበረ። ጴጥሮስ ንክርስትያን ሓለውቲ ኣብተን ኣባጊዕ ኣምላኽ ከይጕይተቱ፡ የግዳስ ሓላፍነቶም ብትሕትና ኺፍጽሙ መሃሮም። (1 ጴጥሮስ 5:2, 3) ሓላፍነት ከም እንዀርዕ ኣይገብረናን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ሓላፍነት ምስ ተዋህበና፡ ናይ ሓቂ ትሕትና ብዝያዳ እያ እተድልየና። (ሉቃስ 12:48) ልክዕ እዩ፡ እዛ ባህርይ እዚኣ ንሓለውቲ ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ንዅሎም ክርስትያናት እውን ኣድላዪት እያ።

22 ጴጥሮስ ነታ ንሱ እናኣበየ ኽነሱ ኣእጋሩ ብየሱስ እተሓጽበላ ምሸት ከቶ ኸም ዘይረስዓ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና! (ዮሃንስ 13:6-10) ንክርስትያናት፡ “ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ኣብ ዘሎኩም ርክብ ትሕትና ተዓጠቑ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 5:5) እታ “ተዓጠቑ” እትብል ቃል ሓደ ኣገልጋሊ ኣብ ቤት ንምዕያይ ኢሉ በጃ ኽዳን ኪዕጠቕ ከሎ እያ እተዘኻኽረካ። ነቲ የሱስ ንባዕሉ ዓለባ ተዓጢቑ ተምበርኪኹ ኣእጋር ዝሓጸበሉ ኣጋጣሚ እውን ተዘኻኽረና እያ። ንየሱስ ንስዕቦ እንተ ዄንና፡ ኣየናይ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ኢና እሞ ንኽብርና ዚትንኪ ጌርና እንርእዮ፧ ኣብ ልብና ዘላ ትሕትና ልክዕ ከም እተዓጠቕናያ ብምዃን ንዅሎም እትርአ ኽትከውን ኣለዋ።

23, 24. (ሀ) ዝዀነ ይኹን ትዕቢት ከነርኢ ዚመጸና ፈተና ኽንጻረሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እዛ እትስዕብ ምዕራፍ፡ እንታይ ብዛዕባ ትሕትና ዘሎ ጌጋ ኣተሓሳስባ እያ ኸተዐሪ፧

23 ትዕቢት ከም መርዚ እያ። እተስዕቦ ሳዕቤን ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሓደ ብዙሕ ተውህቦ ዘለዎ ሰብ፡ ንኣምላኽ ከም ዘይጠቅም ክትገብሮ እትኽእል ባህርይ እያ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና ትሕትና ንሓደ ዝነኣሰ ሰብ እውን እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ኣዝዩ ጠቓሚ ትገብሮ እያ። ብትሕትና ኣሰር ክርስቶስ ብምስዓብ፡ ነዛ ኽብርቲ ባህርይ እዚኣ መዓልታዊ እንተ ኣማዕቢልናያ፡ ዜደንቕ ዓስቢ ኽንረክብ ኢና። ጴጥሮስ፡ “ብግዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 5:6) የሱስ ምሉእ ብምሉእ ርእሱ ብምትሓቱ፡ የሆዋ ብርግጽ ልዕል ኣቢልዎ እዩ። ንስኻ እውን ትሕትና እንተ ኣርኢኻ፡ ኣምላኽና ብተመሳሳሊ ዓስብኻ ኺህበካ እዩ።

24 እቲ ዜሕዝን፡ ገሊኦም ሰባት ትሕትና ምልክት ድኽመት ገይሮም እዮም ዚርእይዋ። የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ግና እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ጌጋ ምዃኑ ይሕብረና፡ ከመይሲ እቲ ኻብ ኵሉ ዝተሓተ ሰብኣይ፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ተባዕ እውን እዩ ነይሩ። ኣብ እትስዕብ ምዕራፍ እውን ኣብዚ ርእሰ ነገር እዚ ኢና እነተኵር።

a ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ እዚ ፍጻመ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ እዞም እንስሳታት እዚኣቶም “ትሑታት ፍጥረት” ምዃኖም ሓበረ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ጐሳሳት፡ ነቓጻት፡ መዓልታዊ ንድኻ ዜገልግሉ፡ ዘይምልኩዓት” ምዃኖም ገለጸ።

b ሚካኤል ተባሂሉ ዘሎ የሱስ ምዃኑ ዝያዳ መርትዖ እንተ ደሊኻ፡ ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወግዓዊ ወብሳይት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ዓምዲ፡ “ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መን እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።