ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሸውዓተ

“ነቲ . . . እተጻወረ ኣስተብህሉሉ”

“ነቲ . . . እተጻወረ ኣስተብህሉሉ”

1-3. (ሀ) የሱስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ተጨኒቑ ዝነበረ፧ ከም ዝጭነቕ ዝገበሮኸ እንታይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ተጻዋርነት እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ እንታይ ሕቶታትከ ይለዓል፧

 ኣብቲ እዋን እቲ ንየሱስ እተሰምዖ ጸቕጢ ሓያል ነበረ። ቅድሚኡ ኸምኡ ዝኣመሰለ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጭንቀት ኣጋጢምዎ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብተን መወዳእታ ሰዓታት ምድራዊ ህይወቱ እዩ ነይሩ። ምስ ሃዋርያቱ ብሓባር ኰይኑ፡ ናብቲ ጌተሴማኔ ዚብሃል ብብዝሒ ዜዘውትሮ ስፍራ ኣታኽልቲ ኸደ። ብዙሕ ግዜ ምሳታቶም ኣብኡ ኣኼባ ገይሩ እዩ። በታ ምሸት እቲኣ ግና ንበይኑ ዘሕልፎ ግዜ ይደሊ ነበረ። ንሃዋርያቱ ሓዲግዎም ናብ ውሽጣዊ ኽፋል እቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ኸደ፡ ኣብኡ ተምበርኪኹ ኸኣ ኪጽሊ ጀመረ። ጻዕረ ሞት ሒዝዎ ኣጽኒዑ ይልምን ብምንባሩ፡ ረሃጹ “ኸም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ።”—ሉቃስ 22:39-44

2 ንየሱስ ክሳዕ ክንድዚ ዝረበሾ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከቢድ ኣካላዊ ስቓይ ከም ዜጋጥሞ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዘጨነቖ ግና እዚ ነገር እዚ ኣይነበረን። ካብዚ ንላዕሊ ኣገዳስነት ዘለዎ ጕዳይ ጾር ኰይንዎ ነበረ። ብዛዕባ ስም ኣቦኡ ብዙሕ ኣተሓሳሲብዎ ነበረ፡ መጻኢ ደቂ ሰብ ኣብ ተኣማንነቱ ኸም ዚምርኰስ ከኣ ፈሊጡ ነበረ። የሱስ ነቲ ፈተና ምጽዋር ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። እንተ ዘይጻወር ነይሩ፡ ኣብ ስም የሆዋ ዓብዪ ጸርፊ መምጽአ። የሱስ ግና ጸንዐ። እዚ ብተጻዋርነት ዝመጸ ኣብ ምድሪ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ኣብነት ዝሓደገልና ሰብኣይ እዚ፡ ጸኒሑ በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ናይ መወዳእታ ትንፋሱ ቕድሚ ምስትንፋሱ፡ “ተፈጺሙ!” ኢሉ ብዓወት ጨደረ።—ዮሃንስ 19:30

3 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነቲ . . . እተጻወረ [የሱስ] ኣስተብህሉሉ” ኢሉ ይምሕጸነና። (እብራውያን 12:3) ካብዚ ብምብጋስ፡ ገለ ኣገዳሲ ሕቶታት ኪለዓል ይከኣል እዩ፦ ገለ ኻብቲ የሱስ እተጻወሮ ፈተናታት እንታይ እዩ፧ ኪጻወር ዘኽኣሎ እንታይ እዩ፧ ኣብነቱ ብኸመይ ክንስዕብ ንኽእል፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ቕድሚ ምምላስና ግና፡ ተጻዋርነት ኪብሃል ከሎ እንታይ ከም ዜጠቓልል እስከ ንርአ።

ተጻዋርነት እንታይ እዩ፧

4, 5. (ሀ) “ተጻዋርነት” እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) ተጻዋርነት ኪብሃል ከሎ ኸተምልጠሉ ዘይትኽእል መከራ ኻብ ምሕላፍ ንላዕሊ ኸም ዜጠቓልል ንምግላጽ እንታይ ምሳሌ ኽንጥቀም ንኽእል፧

4 ኵላትና ሓሓሊፍና ‘ብእተፈላለየ ፈተናታት ንጕሂ’ ኢና። (1 ጴጥሮስ 1:6) ፈተናታት እነሕልፍ ምህላውና፡ ንጻወሮ ኣሎና ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። እታ “ተጻዋርነት” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ስም፡ “ኣብ እዋን ጸገም ናይ ምጽራር ወይ ምጽዋር ክእለት” ማለት እያ። ሓደ ምሁር ብዛዕባ እታ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጠቐስዋ ዓይነት ተጻዋርነት ከምዚ ብምባል ገለጸ፦ “ብርዕመት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብውዕዉዕ ተስፋ ናይ ምጽዋር መንፈስ ዚርኣየላ እያ። . . . ሓደ ሰብ ንንፋስ ስኑ ነኺሱ ገጽ ንገጽ ኪቃወሞ እተኽእሎ ባህርይ እያ። ክንየው እቲ ስቓይ ነቲ ሸቶ ስለ እትርኢ፡ ነቲ ዝኸበደ ፈተና ናብ ክብሪ ኸም ዚቕየር ክትገብር እትኽእል እትነኣድ ባህርይ እያ።”

5 ስለዚ እምበኣር፡ ተጻዋርነት ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ኸተምልጠሉ ዘይትኽእል መከራ ምሕላፍ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ወሲድና፡ ተጻዋርነት ኪብሃል ከሎ፡ ጽንዓት፡ ቅኑዕ ኣረኣእያ ምህላው፡ ከምኡ እውን ኣብ ግዜ ፈተናታት ትስፉው ኣመለኻኽታ ምሓዝ የጠቓልል። ነዚ ብምሳሌ እስከ ንርኣዮ፦ ክልተ ሰብኡት ብኣዝዩ እተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ተኣሲሮም ንበል። እቲ ሓደ፡ ገበነኛ ኪኸውን ከሎ፡ ብጕህዩ ኸይፈተወ ነቲ እተፈርዶ ግዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕለፎ። እቲ ኻልኣይ ግና፡ ብተኣማንነቱ እተኣስረ ናይ ሓቂ ክርስትያን ኪኸውን ከሎ፡ ነቲ ዘጋጠሞ ዅነታት እምነቱ ዜርእየሉ ኣጋጣሚ ገይሩ ስለ ዝረኣዮ፡ ካብ መትከሉ ፈልከት ከይበለ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሒዙ ኣሕለፎ። እቲ ገበነኛ ኣብነት ተጻዋርነት ኪብሃል ኣይከኣልን እዩ፡ እቲ እሙን ክርስትያን ግና ነታ ብልጽቲ ባህርይ ኣብነት ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ያእቆብ 1:2-4

6. ተጻዋርነት ብኸመይ ከነማዕብል ንኽእል፧

6 ክንድሕን እንተ ዄንና፡ ተጻዋርነት ናይ ግድን ኣድላዪ እዩ። (ማቴዎስ 24:13) ይኹን እምበር፡ ነዚ ኣድላዪ ባህርይ ወሪስና ኣይኰንናን ተወሊድና። የግዳስ፡ ከነማዕብሎ ኣሎና። ብኸመይ፧ ሮሜ 5:3፡ “ጸበባስ ተጻዋርነት ከም ዜምጽእ ንፈልጥ ኢና” ትብል። እወ፡ ብሓቂ ተጻዋርነት ከነማዕብል እንተ ደሊና፡ ካብ ኵሉ ኣብ እምነት ዚመጽእ ፈተናታት ብፍርሂ ኽንሃድም የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ፊት ንፊት ክንጋጠሞ ኣሎና። መዓልታዊ ምስ ዓበይትን ንኣሽቱን ፈተናታት ተጋጢምና ምስ ተዋጻእናሉ ኢና ተጻዋርነት እነጥሪ። ነፍሲ ወከፍ እነሕልፎ ፈተና ነቲ ኣብ ዚቕጽል ዚመጽእ ፈተና ኽንጋጠሞ የበርትዓና። ልክዕ እዩ፡ ብርእስና ተጻዋርነት ኣይነማዕብልን ኢና። የግዳስ፡ ኣብቲ ‘ኣምላኽ ዚህበና ሓይሊ’ ኢና እንምርኰስ። (1 ጴጥሮስ 4:11) የሆዋ ጽኑዓት ኴንና ኽንቅጽል ምእንቲ ኺሕግዘና፡ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ደገፍ ኪዀነና ዚኽእል ኣብነት ወዱ ሂቡና ኣሎ። እምበኣር፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣበር ዘይብሉ ኣብነት ተጻዋርነት ብደቂቕ ንመርምሮ።

የሱስ እተጻወሮ ነገራት

7, 8. የሱስ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ ኣብ ዝቐረበሉ ግዜ፡ እንታይ ነገራት እዩ እተጻወረ፧

7 የሱስ ምድራዊ ህይወቱ ዜብቅዓሉ ግዜ እናቐረበ ምስ ከደ፡ ኣደዳ እዚ ዘይብሃል ጭካነ እዩ ዀይኑ። ኣብ ርእሲ እቲ በታ ናይ መወዳእታ ለይቲ ዜሕልፎ ዝነበረ ኸቢድ ኣእምሮኣዊ ውጥረት፡ እቲ እተሰምዖ ጓህን ዘሕለፎ ውርደትን እሞ ሕስብ ኣብሎ። ብቐረባ ዚፈልጦ ዝነበረ ኸድዖ፡ ናይ ቀረባ ፈተውቱ ሓዲጎምዎ ሃደሙ፡ እቲ ኣብታ ዓዲ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮ ሃይማኖታዊ መጋባእያ ኸኣ ብዘይሕጋዊ መገዲ መርመሮ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ጸረፍዎ፡ ጡፍ በሉሉ፡ ብኣእዳዎም ወቕዕዎ። ኰይኑ ግና፡ ብኽብረትን ብብርታዐን ነዚ ዅሉ ተጻወሮ።—ማቴዎስ 26:46-49, 56, 59-68

8 የሱስ ኣብተን ናይ መወዳእታ ሰዓታት ከቢድ ኣካላዊ ስቓይ ኣሕለፈ። እቲ እተገርፎ ኽቱር መግረፍቲ “ንስጋኡ ተልቲልዎን ብዙሕ ደም ከም ዚፈሶ ገይሩን” እዩ። ድሕርዚ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቕለ፡ እዚ ኣገባብ ኣቀታትላ እዚ ኸኣ “ዝኸበደ ቓንዛን ስቓይን ዜስዕብ ቀስ ዝበለ ኣማውታ” እዩ ነይሩ። ዓበይቲ መስማር ብመንጎ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ሓሊፉ ምስቲ ጕንዲ ኺሽንከር ከሎ እተሰምዖ ስቓይ እሞ ሕስብ ኣብሎ። (ዮሃንስ 19:1, 16-18) ነቲ እተሸንከረሉ ጕንዲ ኺተኽልዎ ኸለዉ፡ እቲ መስማር ኣትይዎ ዝነበረ ቝስሉ ብኽብደቱ ኺጅላዕ ከሎ፡ ከምኡ እውን እቲ እተተልተለ ሕቘኡ ምስቲ ጕንዲ ኺፈሓፋሕ ከሎ እተሰምዖ ልቢ ሃለፍ ዜብል ቃንዛ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነዚ ዅሉ ኣካላዊ ስቓይ ከኣ፡ ነቲ ኣብ መእተዊ እዛ ምዕራፍ እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ጾር ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ኸሎ እዩ ተጻዊርዎ።

9. “ጕንዲ ስቅያት” ምልዓልን ንየሱስ ምስዓብን እንታይ የጠቓልል፧

9 ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ምዃንና መጠን እንታይ ነገራት ኢና ኽንጻወር ዘሎና፧ የሱስ፡ “ኪስዕበኒ ዚደሊ ዘበለ፡ . . . ጕንዲ ስቅያቱ ኣልዒሉ፡ ብቐጻሊ ይስዓበኒ” በለ። (ማቴዎስ 16:24) እታ ኣብዚ “ጕንዲ ስቅያቱ” ተባሂላ ዘላ ቓል ንስቓይ፡ ንውርደት፡ ወይ ንሞት እተመልክት ስእላዊ መግለጺ እያ። ንክርስቶስ ምስዓብ ቀሊል ነገር ኣይኰነን። ክርስትያናዊ ስርዓታትና እተፈለና ኺገብረና ኣለዎ። ካብ ዓለም ስለ ዘይኰንና፡ እዛ ዓለም እዚኣ ትጸልኣና እያ። (ዮሃንስ 15:18-20፣ 1 ጴጥሮስ 4:4) ይኹን እምበር፡ ጕንዲ ስቅያትና ኸነልዕል ድሉዋት ኢና—እወ፡ ነቲ ኣርኣያና ምስዓብ ኣብ ክንዲ እነቋርጽ ክንሳቐ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ክንመውት ድሉዋት ኢና።—2 ጢሞቴዎስ 3:12

10-12. (ሀ) የሱስ ብዘይፍጽምና እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ተጻዋርነቱ ተፈቲኑ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ካብ እተጻወሮ ፈታኒ ዅነታት ገለ እንታይ እዩ፧

10 የሱስ ኣገልግሎቱ ኣብ ዚፍጽመሉ እዋን ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ብሰንኪ ዘይፍጽምናኦም ካልእ ፈተናታት ኣምጺኦምሉ እዮም። የሆዋ ንየሱስ፡ ንምድርን ንዅሉ ኣብኣ ዘሎ ህይወትን ንምፍጣር እተጠቕመሉ “ኽኢላ ሰራሕተኛ” ምንባሩ ኣይትረስዕ። (ምሳሌ 8:22-31) ስለዚ፡ የሱስ ነቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ዕላማ ይፈልጦ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ባህርያት ኣምላኽ ኬንጸባርቑን ፍጹም ጥዕና ረኺቦም ብህይወቶም ኪሕጐሱን እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:26-28) ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሓጢኣት ዘስዓቦ ዜሕዝን ሳዕቤናት ብሓድሽ ኣረኣእያ ርእይዎ እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ንሱ እውን ሰብ ስለ ዝዀነ ሰብኣዊ ስምዒታት ኪስምዖ ኽኢሉ ነበረ። ሰባት ካብቲ ኣብ ፈለማ ዝነበረ ፍጽምና ኣዳምን ሄዋንን ክሳዕ ክንደይ ከም ዝረሓቑ ብዓይኑ ምርኣዩስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ስቓይ ኣምጺኡሉ ዀን ኪኸውን ኣለዎ! በዚ ኸምዚ ድማ ትዕግስቱ ተፈቲኑ እዩ። ንሓጥኣን ሰባት ኪዕረዩ ኸም ዘይክእሉ ብምሕሳብ፡ ተስፋ ቘሪጹ ይሕለል ደዀን ይኸውን፧ እስከ ንርአ።

11 ኣይሁድ ንየሱስ ምቕባል ምእባዮም፡ ብዙሕ ስለ ዘጕሃዮ ብግህዶ በኽዩሎም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ዘይምግዳሶም ንቕንኣቱ ኼዳኽሞ ወይ ስብከቱ ኸም ዜቋርጽ ኪገብሮ ፈቒዱዶ፧ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ “መዓልቲ መዓልቲ . . . ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ።” (ሉቃስ 19:41-44, 47) ነቲ እቶም ንሓደ ሰብኣይ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ይጸናጸንዎ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ዝነበሮም ድርቅና ልቢ ምስ ረኣየ “ጕህዩ” እዩ። ተጻረርቱ ዚመጻደቑ ምዃኖም ግና ኣፍሪህዎዶ፧ ብርግጽ ኣየፍረሆን! ነቲ ሰብኣይ ኣብ ማእከል እቲ ቤት ጸሎት ብትብዓት ኣሕወዮ።—ማርቆስ 3:1-5

12 ንየሱስ ፈታኒ ዀይንዎ ኪኸውን ዚኽእል ካልእ ነገር ከኣ፡ እቶም ናይ ቀረባ ደቀ መዛሙርቱ ዝነበሮም ድኽመት እዩ። ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 3 ዝረኣናዮ፡ ጕሉሕ ቦታ ንምርካብ ዘለዎም ባህጊ ደጋጊሞም ኣርእዮም እዮም። (ማቴዎስ 20:20-24፣ ሉቃስ 9:46) የሱስ ብዛዕባ ኣድላይነት ትሕትና ደጋጊሙ መኺርዎም ነበረ። (ማቴዎስ 18:1-6፣ 20:25-28) ኰይኑ ግና፡ ቀልጢፎም ኣይተቐበልዎን። አረ በታ ምስኡ ዘሕለፍዋ ናይ መወዳእታ ምሸት እኳ ኸይተረፈ፡ መኖም ከም ዚዓቢ ኣብ መንጎኦም “ብርቱዕ ክርክር” ኰይኑ ነበረ! (ሉቃስ 22:24) የሱስ ኪዕረዩ ዘይክእሉ ኢሉ ብኣታቶም ተስፋ ቘሪጹ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ወትሩ ብትዕግስቲ ኣባታቶም ዘሎ ጽቡቕ እናረኣየ ኣወንታውን ትስፉውን ኰይኑ ቐጸለ። ብልቦም ንየሆዋ ኸም ዜፍቅርዎን ፍቓዱ ኺገብሩ ብሓቂ ኸም ዚደልዩን ይፈልጥ ነበረ።—ሉቃስ 22:25-27

ምጽራር ኪድህለና ንፈቕደሉ ዲና፡ ወይስ ብቕንኣት ምስባኽ ኢና እንቕጽል፧

13. ምስቲ የሱስ እተጻወሮ ዚመሳሰል እንታይ ፈተናታት እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧

13 ንሕና እውን ምስቲ የሱስ እተጻወሮ ዚመሳሰል ፈተናታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይቅበሉ ወይ ዚጻረሩ ሰባት የጋጥሙና ይዀኑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ኣረኣእያኦም ኪድህለና ንፈቕደሉ ዲና፡ ወይስ ብቕንኣት ምስባኽ ኢና እንቕጽል፧ (ቲቶስ 2:14) ብሰንኪ ክርስትያን ኣሕዋትና ዘለዎም ዘይፍጽምና ንፍተን ንኸውን። ጐዳኢ ዘረባ ወይ ሓልዮት ዘይብሉ ተግባር ንስምዒታትና ኺሃስዮ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 12:18) ጕድለታት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ተስፋ ዘይብሎም ጌርና ኽንርእዮም ይገብረና ድዩ፧ ወይስ ንጌጋታቶም እናተጻወርና ጽቡቕ ጐድኖም ኢና እንርኢ፧—ቈሎሴ 3:13

የሱስ እተጻወረሉ ምኽንያት

14. ንየሱስ ጸኒዑ ኪቐውም ዝሓገዞ እንታይ ክልተ ረቛሒታት እዩ፧

14 የሱስ ኣደዳ ዅሉ እቲ ሕስረትን ጓህን መከራን ኰይኑ ኽነሱ፡ ጸኒዑ ኪቐውምን ንጽህናኡ ኺሕሉን ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ከም ዚጸንዕ ዝገበሮ ኽልተ ጕሉሕ ረቛሒታት ኣሎ። ቀዳማይ፡ ናብ ላዕሊ ጠመተ፡ ማለት ካብቲ “ተጻዋርነት. . . ዚህብ ኣምላኽ” ሓገዝ ደለየ። (ሮሜ 15:5) ካልኣይ፡ ናብ ቅድሚት ጠመተ፡ ማለት ናብቲ ተጻዋርነቱ ዜፍርዮ ፍረ ኣተኰረ። ነዚ ረቛሒታት እዚ በብሓደ እስከ ንርኣዮ።

15, 16. (ሀ) የሱስ ምእንቲ ኺጻወር ኣብ ብርታዐኡ ኸም ዘይተወከለ ዚሕብረና እንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ኣብ ኣቦኡ እንታይ ምትእምማን እዩ ነይርዎ፧ ስለምንታይከ፧

15 የሱስ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ እኳ እንተ ነበረ፡ ምእንቲ ኺጻወር ግና ኣብ ብርታዐኡ ኣይተወከለን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ተጸግዐ፡ ካብ ላዕሊ ሓገዝ ኪረክብ ድማ ጸለየ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስቶስ፡ “ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚኽእል፡ ምህለላን ልማኖን ኣቕሪቡ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 5:7) የሱስ ልማኖ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምህለላ እውን ከም ‘ዘቕረበ’ ኣስተብህል። እታ “ምህለላ” እትብል ቃል፡ ሓገዝ ንምርካብ ዚግበር ልባውን ዕቱብን ለመና ተመልክት። ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ግሪኽኛ ነታ “ምህለላ” እትብል ቃል ንብዙሕ ከም እተመልክት ገይሩ ምጥቃሙ፡ የሱስ ንየሆዋ ልዕሊ ሓደ ሳዕ ከም ዝለመኖ የመልክት። እወ፡ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ፡ የሱስ ብተደጋጋሚ ዓሚቝ ጸሎት ኣቕሪቡ እዩ።—ማቴዎስ 26:36-44

16 የሱስ፡ ኣቦኡ “ሰማዕ ጸሎት” ከም ዝዀነ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ ንምህለላኡ ኸም ዚሰምዖ ምሉእ ምትእምማን ነበሮ። (መዝሙር 65:2) እቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ፡ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ፡ ኣቦኡ ንጸሎት እሙናት ኣምለኽቱ ብኸመይ ከም ዚምልሶ ርእዩ ነበረ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንልባዊ ጸሎት ነብዪ ዳንኤል ምእንቲ ኺምልስ ኢሉ ዳንኤል ጸሎቱ ቕድሚ ምውዳኡ እኳ መልኣኽ ከም ዝለኣኸሉ፡ እቲ ወዲ ብዓይኑ ርእዩ ነይሩ እዩ። (ዳንኤል 9:20, 21) እሞ ደኣኸ እቲ ሓደ ወዱ “ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን” ኣብ ልቡ ዘሎ ኣፍሲሱ ኺጽሊ ኸሎ፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ኢሉ ኸይመለሰሉ ስቕ ኪብል ይዀነሉ፧ የሆዋ ንለመና ወዱ መሊሱሉን ነቲ ፈተና ኺጻወሮ ዜበርትዖ መልኣኽ ሰዲዱሉን እዩ።—ሉቃስ 22:43

17. ምእንቲ ኽንጻወር ናብ ሰማይ ክንጥምት ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ብኸመይከ ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል፧

17 ንሕና እውን ክንጻወር እንተ ዄንና ናብ ሰማይ ክንጥምት፡ ማለት ኣብቲ ‘ሓይሊ ዚህብ’ ኣምላኽ ክንውከል ኣሎና። (ፊልጲ 4:13) እቲ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ ካብ የሆዋ ሓገዝ ኪልምን ዜድልዮ ዀይኑ ኻብ ተሰምዖ፡ ንሕና ግዳ ኽንደይ ኣብዚሕና ነዚ ኽንገብሮ ዘይግባእ! ከም የሱስ፡ ንየሆዋ ብተደጋጋሚ ኽንልምኖ የድልየና ይኸውን። (ማቴዎስ 7:7) መላእኽቲ ኺመጹና እኳ እንተ ዘይተጸበና፡ ሓደ ርግጸኛታት እንዀነሉ ነገር ግና ኣሎ፦ እቲ ፈቃር ኣምላኽና ነቲ ሓደ እሙን ክርስትያን “ለይትን መዓልትን . . . ብምህለላን ብጸሎትን” ጸኒዑ ዜቕርቦ ለመና ምላሽ ይህበሉ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:5) ዜጋጥመና ፈተናታት፡ ሕማም፡ ሞት እነፍቅሮ ሰብ፡ ወይ ካብ ተጻረርቲ ዚመጽእ መስጐጕቲ ይኹን ብዘየገድስ፡ የሆዋ ነቲ ንምጽዋር ዜድልየና ጥበብን ትብዓትን ብርታዐን ኪህበና እነቕርበሉ ዓሚቝ ጸሎትና ይምልሶ እዩ።—2 ቈረንቶስ 4:7-11፣ ያእቆብ 1:5

የሆዋ ነቲ ንምጽዋር ኪሕግዘና እነቕርበሉ ዓሚቝ ጸሎትና ይምልሰልና እዩ

18. የሱስ ስግር እቲ መከራኡ ተነቢሩሉ ንዝነበረ ነገር ዝጠመተ ብኸመይ እዩ፧

18 እቲ ንየሱስ ኪጻወር ዘኽኣሎ ኻልኣይ ረቛሒ ንቕድሚት ምጥማቱ፡ ማለት ስግር እቲ መከራ ተነቢሩሉ ዝነበረ ነገር ምጥማቱ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ፡ “ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ ጕንዲ ስቅያት ተጻዊሩ” ይብል። (እብራውያን 12:2) እቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት፡ ተስፋን ሓጐስን ተጻዋርነትን ብሓባር ከም ዚዓይያ እዩ ዚሕብረና። እዚ ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ ኸምዚ ኺብሃል ይከኣል፦ ተስፋ ናብ ሓጐስ ትመርሕ፡ ሓጐስ ከኣ ናብ ተጻዋርነት ትመርሕ። (ሮሜ 15:13፣ ቈሎሴ 1:11) የሱስ ኣብ መጻኢ ዜደንቕ ነገር ይጽበዮ ነበረ። ተኣማንነቱ እንተ ሓልዩ፡ ንስም ኣቦኡ ንምቕዳስ ከም ዚሕግዝን ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ኪብጀዎም ከም ዜኽእሎን ይፈልጥ ነበረ። ንእዙዛት ደቂ ሰብ ተወሳኺ በረኸት ንምምጻእ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእን ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኼገልግልን ከም ዚኽእል ተስፋ ነበሮ። (ማቴዎስ 20:28፣ እብራውያን 7:23-26) የሱስ ኣብቲ ኣብ ቅድሚኡ ተነቢሩሉ ዝነበረ ተስፋ ብምትኳር፡ ማእለያ ዘይብሉ ሓጐስ ረኸበ፡ እቲ ሓጐስ እቲ ኸኣ ብግዲኡ ኺጻወር ኣኽኣሎ።

19. ናይ እምነት ፈተናታት ምስ ዜጋጥመና፡ ተስፋን ሓጐስን ተጻዋርነትን ብሓባር ኪዓይያ ኸነፍቅደለን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

19 ንሕና እውን ከም የሱስ፡ ተስፋን ሓጐስን ተጻዋርነትን ብሓባር ኪዓይያ ኽንፈቕደለን ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብተስፋ ተሓጐሱ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ኣብ ትሕቲ ጸበባ ተጻወሩ” በለ። (ሮሜ 12:12) ኣብዚ ሕጂ እዋን ንእምነትካ ዚፍትን ከቢድ ፈተና የጋጥመካዶ ኣሎ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ንቕድሚት ጠምት። ተጻዋርነትካ ኣብ ስም የሆዋ ዜምጽኦ ውዳሰ ኣይትረስዓዮ። ነቲ ኽቡር ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ኣተኵሩሉ። ንርእስኻ ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም ከም ዝኣተወት ጌርካ ስኣላ፡ ነቲ ኣብ ገነት እትረኽቦ በረኸት ከኣ ሕሰበሉ። ነቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ዜደንቕ ነገራት ምጽባይካ፡ እንተላይ ነቲ ስሙ ዚቕደሰሉን እከይ ካብ ምድሪ ዚጠፍኣሉን ሕማምን ሞትን ዚውገደሉን እዋን ምጽባይካ፡ ንልብኻ ብሓጐስ ኪመልኦ እዩ፣ እቲ ሓጐስ እቲ ኸኣ ንዚወርደካ ዝዀነ ይኹን ፈተናታት ክትጻወር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እቲ ኣብዚ ስርዓት እዚ ዜጋጥመና ዝዀነ ይኹን መከራ፡ ምስቲ እንረኽቦ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ኪነጻጸር ከሎ፡ “ቀልጢፉ ዚሓልፍን ፈኲስን” እዩ።—2 ቈረንቶስ 4:17

“ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ”

20, 21. ንተጻዋርነት ብዚምልከት፡ የሆዋ ኻባና እንታይ እዩ ዚጽበ፧ ንሕናኸ እንታይ ቈራጽነት ኪህልወና ኣለዎ፧

20 የሱስ፡ ሰዓቢኡ ምዃን በዳህን ትዕግስቲ ዚሓትትን ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። (ዮሃንስ 15:20) ኣብነቱ ንኻልኦት ከም ዜበርትዖም ስለ ዝፈለጠ፡ መገዲ ኺመርሕ ድሉው ነበረ። (ዮሃንስ 16:33) ልክዕ እዩ፡ የሱስ ብተጻዋርነት ዝመጸ ፍጹም ኣብነት እዩ ሓዲጉ፡ ንሕና ግና ካብ ፍጽምና ኣጸቢቕና ዝረሓቕና ኢና። የሆዋ ኻባና እንታይ እዩ ዚጽበ፧ ጴጥሮስ፡ “ክርስቶስ እኳ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ ኣርኣያ እናሓደገልኩም ምእንታኹም መከራ ጸጊቡ እዩ” ብምባል ገለጸ። (1 ጴጥሮስ 2:21) የሱስ ኣብቲ ንፈተና እተዋጽኣሉ መገዲ፡ ክንቀድሖ ዚግባእ “ኣርኣያ” ወይ ኣብነት ሓደገ። a እቲ ንሱ ዝሓደጎ ኣብነት ትዕግስቲ፡ ምስ “ኣሰር” ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ኣሰሩ ብፍጽምና እኳ እንተ ዘይሰዓብና፡ ብእተኻእለና መጠን “ኣስኣሰሩ” ኽንስዕብ ንኽእል ኢና።

21 እምበኣር፡ ኣብነት የሱስ ብእተኻእለና መጠን ንስዓብ። ብዝያዳ ኣስኣሰሩ ብዝሰዓብና መጠን፡ “ክሳዕ መወዳእታ፡” ማለት ክሳዕ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ወይ ክሳዕ መወዳእታ እዛ ህይወትና እዚኣ ንምጽዋር ብዝያዳ ዕጡቓት ከም እንኸውን ከቶ ኣይንረስዕ። ካብዚ ኽልቲኡ ኣየናዩ ኸም ዚቕድም ኣይንፈልጥን ኢና፡ ሓደ ብርግጽ እንፈልጦ ነገር ግና ኣሎ፦ የሆዋ ስለቲ ተጻዋርነትና ንዘለኣለም ዓስብና ኺህበና እዩ።—ማቴዎስ 24:13

a እታ “ኣርኣያ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ “ትሕተ ጽሕፈት” ማለት እያ። ካብቶም ጸሓፍቲ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ጥራይ እዩ ነዛ ቓል እዚኣ ተጠቒሙላ። ትርጉም እዛ ቓል እዚኣ ኸኣ “ኣብ ናይ ሓደ ቘልዓ መላመዲ ደብተር ዚርከብ ኪቐድሖ እተዋህቦ ጽሕፈት፡ እቲ ቘልዓ ብእተኻእሎ መጠን ብልክዕ ኪቐድሖ እተጻሕፈሉ ፍጹም ጽሕፈት” ተባሂሉ ኣሎ።