ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ኣርባዕተ

“እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ”

“እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ”

“ኣነ እየ”

1-3. የሱስ ኣብ ከመይ ዝበለ ሓደጋ ነበረ፧ እንታይ ስምዒታትከ ኣርኣየ፧

 ጭፍራ ሰባት ንየሱስ የናድይዎ ነበሩ። እዞም ጭፍራ እዚኦም ኣስያፍን ኣባትርን ዝሓዙ ዀይኖም፡ ምሳታቶም እውን ወተሃደራት ነበሩ። ብእኩይ ዕላማ ተደሪኾም በቲ ጸልማት ዝወረሶ ጐደናታት የሩሳሌም ሓሊፎም፡ ናብቲ ኣብ ስግር ስንጭሮ ቄድሮን ዚርከብ ደብረ ዘይቲ ኣምርሑ። ምልእቲ ወርሒ እኳ እንተ ነበረት፡ ፋናታትን መብራህትታትን ግና ሒዞም ነበሩ። ነታ ወርሒ ደበና ስለ ዝሸፈና ድዮም መብራህትታት ሒዞም፧ ወይስ እቲ ዚሃድንዎ ዝነበረ ኣብ ድነ ኺሕባእ እዮም ትጽቢት ገይሮም፧ ሓደ ብርግጽ እንፈልጦ ነገር ኣሎ፦ ንየሱስ ብፍርሂ ራዕራዕ ኪብል እተጸበዮ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኣጸቢቑ ኣይፈልጦን እዩ።

2 የሱስ ነቲ ዚመጽእ ዝነበረ ሓደጋ ይፈልጦ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ደው ኢሉ ተጸበዮም። እቶም ጭፍራ በቲ ሓደ ግዜ እሙን ፈታዊ የሱስ ዝነበረ ይሁዳ እናተመርሑ ቐረቡ። ይሁዳ ነቲ ኣቐዲሙ ጐይታኡ ዝነበረ የሱስ ናይ ግብዝና ሰላምታ ብምሃብን ብምስዓምን ከሓዶ። ድሕርዚ እውን የሱስ ኣይተዳህለን። ኣብ ቅድሚ እቶም ጭፍራ ደው ኢሉ፡ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም፧” በሎም። “ንየሱስ እቲ ናዝሬታዊ” ኢሎም መለሱሉ።

3 መብዛሕትኦም ሰባት እተዓጥቁ ጭፍራ እንተ ዚመጽዎም ምረዓዱ። ምናልባት እቶም ጭፍራ እውን ነዚ ሰብኣይ እዚ ኸምኡ ኺገብር ተጸብዮምዎ ነይሮም ይዀኑ። የሱስ ግና ፈጥፈጥ ኣይበለን፡ ኣይሃደመን፡ ኪሕሱ እውን ኣይፈተነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኣነ እየ” በሎም። እቲ ዝነበሮ ህድኣትን ትብዓትን ኣዝዩ ዜደንቕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ እቶም ሰብኡት ደንጸዎም። ኣድሓርሓሩ ናብ ምድሪ እውን ወደቑ!—ዮሃንስ 18:1-6፣ ማቴዎስ 26:45-50፣ ማርቆስ 14:41-46

4-6. (ሀ) ወዲ ኣምላኽ ምስ ምንታይ እዩ ተመሳሲሉ ዘሎ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) የሱስ ትብዓት ዘርኣየሉ ሰለስተ መገድታት እንታይ እዩ፧

4 የሱስ ኣብ ቅድሚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ ሓደጋ ምሉእ ብምሉእ ኪረጋጋእን ርእሱ ኺቈጻጸርን ዝኸኣለ ኸመይ ኢሉ እዩ፧ ብሓንቲ ቓል፡ ትብዓት ስለ ዝነበሮ እዩ። እዛ ባህርይ እዚኣ ሓንቲ ኻብተን ሓደ መራሒ ኺህልዎ ዚድለያ ወይ ዚነኣዳ ብሉጻት ባህርያት እያ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ድማ ንየሱስ ይትረፍዶ ኺበልጾስ፡ ኪመዓራረዮ ዚኽእል ሰብ እውን የልቦን። ኣብታ ዝሓለፈት ምዕራፍ፡ የሱስ ክሳዕ ክንደይ ትሑትን ዓቃልን ምንባሩ ተማሂርና ኢና። “ገንሸል” ተባሂሉ ኺጽዋዕ እምበኣር ይግብኦ እዩ። (ዮሃንስ 1:29) ትብዓቱ ግና ብኻልእ መገዲ ኸም ዚግለጽ እውን ገይሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ወዲ ኣምላኽ፡ “እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ” ኢሉ ኣሎ።—ራእይ 5:5

5 ኣንበሳ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ትብዓት እዩ ዚተሓሓዝ። ምስ ሽደን ኣንበሳ ፊት ንፊት ተረኣኢኻዶ ትፈልጥ፧ ከምዚ ጌርካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ምናልባት ንሱ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ መካነ እንስሳታት ዚርከብ ሓጹር ከሎ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ፍርሂ ተሰሚዑካ ይኸውን እዩ። ገጽ እዚ ገዚፍን ሓያልን ፍጡር ክትርኢ ኸለኻ፡ ንሱ ድማ ቀው ኢሉ ኺጥምተካ ኸሎ፡ እቲ ኣንበሳ ኻብ ዝዀነ ይኹን ነገር ፈሪሁ ኺሃድም እዩ ዚብል ሓሳብ ከቶ ኣይመጸካን እዩ። ኣንበሳ “ኻብ እንስሳታት ዝሓየለ፡ ካብ ዋላ ሓደ እውን ድሕር ዘይብል” ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረበሉ እዩ። (ምሳሌ 30:30) ትብዓት ክርስቶስ እውን ከምኡ እዩ።

6 የሱስ ከመይ ገይሩ ብሰለስተ መገድታት ከም ናይ ኣንበሳ ዝኣመሰለ ትብዓት ከም ዘርኣየ እስከ ንርአ። እዚ መገድታት እዚ ኸኣ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ብምቛም፡ ንፍትሒ ብምድጋፍ፡ ከምኡ እውን ንዜጋጥሞ ዝነበረ ምጽራር ብምጽዋር እዩ። ብተፈጥሮና ተባዓት ንኹን ኣይንኹን ብዘየገድስ፡ ኵላትና ትብዓት ብምርኣይ ዝመጸ ንየሱስ ብኸመይ ክንመስሎ ኸም እንኽእል እውን ክንርኢ ኢና።

ብትብዓት ኣብ ጐድኒ ሓቂ ቘመ

7-9. (ሀ) የሱስ ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን እንታይ ኣጋጠመ፧ እቲ ዝነበሮ ዅነታትከ ንዓኻ ዜፍርህ ኰይኑ ዚስምዓካ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ምስቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝረኸቦም መምህራን ኣብ ዝነበሮ ርክብ ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

7 ኣብዛ በቲ “ኣቦ ሓሶት” ዝዀነ ሰይጣን እትግዛእ ዓለም፡ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ምቛም መብዛሕትኡ ግዜ ትብዓት ይሓትት እዩ። (ዮሃንስ 8:44፣ 14:30) የሱስ በጽሒ ቕድሚ ምዃኑ እውን ከይተረፈ ኸምዚ ዓይነት መትከል ሒዙ ነበረ። ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ የሩሳሌም እተባዕለ ፋስጋ ኻብ ወለዱ ተፈልዩ ተረፈ። ማርያምን ዮሴፍን ንሰለስተ መዓልቲ ሸቐልቀል እናበሉ ደለይዎ። ኣብ መወዳእታ ኣብታ ቤተ መቕደስ ረኸብዎ። ኣብኡኸ እንታይ ኪገብር ጸንሖም፧ “ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሓተቶምን ረኸብዎ።” (ሉቃስ 2:41-50) ምስ መነመን ይመያየጥ ምንባሩ እሞ ሕስብ ኣብሎ።

8 ጸሓፍቲ ታሪኽ ገለ ኻብቶም ኣውራታት መምህራን ሃይማኖት፡ ድሕሪ በዓላት ብልምዲ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ብምጽናሕ፡ ኣብ ሓደ ኻብቲ ሰፊሕ ገበላ ይምህሩ ምንባሮም ይገልጹ። ሰባት ኣብ እግሪ እዞም መምህራን ኮፍ ኢሎም ይሰምዕዎምን ይሓትትዎምን ነበሩ። እዞም መምህራን እዚኦም ፈላጣት እዮም ነይሮም። ንሕጊ ሙሴ ዀነ ነቲ ምስ ምንዋሕ ዓመታት እናበዝሐ ዝኸደ ብሰብ ዝቘመ መወዳእታ ዘይብሉ እተሓላለኸ ሕግታትን ስርዓታትን ኣጸቢቖም ዚፈልጡ ነበሩ። ኣብ መንጎኦም ኮፍ እንተ ትብል ኔርካ፡ ከመይ ምተሰምዓካ፧ ምፈራህካዶ፧ እዚ ባህርያዊ እዩ። ወዲ 12 ዓመት ጥራይ እንተ ትኸውንከ፧ ብዙሓት ቈልዑ ይሓንኩ እዮም። (ኤርምያስ 1:6) ገሊኦም ኣብ ቤት ትምህርቶም ካብ መምህራኖም ኣቓልቦ ኸይስሕቡ ዚከኣሎም ኵሉ እዮም ዚገብሩ፣ ሓደ ነገር ግበሩ ተባሂሎም ከይሕተቱ ይፈርሁ፡ ፍሉይ ቈላሕታ ኸይግበረሎም ይፈርሁ፡ ከይዋረዱ ወይ ኣደዳ ላግጺ ኸይኰኑ እውን ይፈርሁ።

9 የሱስ ግና ኣብ መንጎ እዞም ምሁራት ሰብኡት ኮፍ ኢሉ፡ ከይፈርሀ ዕምቈት ዘለዎ ሕቶታት ይሓትቶም ነበረ። ወለዱ ኺረኽብዎ ኸለዉ እውን ከምኡ ይገብር ነበረ። እቲ ጸብጻብ፡ “ዝሰምዕዎ ዘበሉ ድማ፡ ብምስትውዓሉን ብምላሹን የስተንክሩ ነበሩ” ይብል። (ሉቃስ 2:47) ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ከም ዝበለ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን እዩ፡ ነቲ እቶም መምህራን ሃይማኖት ዚፈትውዎ ዝነበሩ ሓሶት ከም ዘይተዛረበ ግና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (1 ጴጥሮስ 2:22) የግዳስ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ተዛረበ፡ እቶም ሰማዕቱ ኸኣ ሓደ ወዲ 12 ዓመት ቈልዓ ብምስትውዓልን ብትብዓትን ኪዛረብ ብምኽኣሉ ተገረሙ።

ሓያሎ ክርስትያን መንእሰያት እምነቶም ንኻልኦት ብትብዓት ይነግሩ

10. ሎሚ ክርስትያናት ብትብዓት ዝመጸ ንየሱስ ዚመስልዎ ብኸመይ እዮም፧

10 ሎሚ ማእለያ ዘይብሎም ክርስትያን መንእሰያት ኣሰር የሱስ ይስዕቡ ኣለዉ። ልክዕ እዩ፡ ከምቲ የሱስ ፍጹም ዝነበረ፡ ንሳቶም ፍጹማት ኣይኰኑን። ኰይኑ ግና፡ ኣብነቱ ብምስዓብ፡ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ንምቛም በጽሕታት ክሳዕ ዚዀኑ ኣይጽበዩን እዮም። ኣብ ቤት ትምህርቶም ወይ ኣብ ዚነብሩሉ ማሕበረ ሰብ፡ ብሜላ ሕቶታት ይሓትቱ፡ ዚውሃቦም መልሲ ይሰምዑ፡ ከምኡ እውን ነታ ሓቂ ብኣኽብሮት ይነግሩ ኣለዉ። (1 ጴጥሮስ 3:15) እዞም ንኣሽቱ ዘበሉ ብሓፈሻ ኺረኣዩ ኸለዉ፡ ንመማህርቶምን መምህራኖምን ጐረባብቶምን ሰዓብቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ሓጊዞምዎም እዮም። እቲ ዘርኣይዎ ትብዓት ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ የሐጕሶ ዀን ኪኸውን ኣለዎ! ቃል ኣምላኽ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንእሰያት ምስ መንፈስካ ዜሐድስን ዜሐጕስን ብዙሕ ኣውሊ እዩ ዜመሳስሎም።—መዝሙር 110:3

11, 12. የሱስ ሰብኣይ ምስ ኰነ፡ ንሓቂ ጥብቅና ብምቛም ዝመጸ ኸመይ ገይሩ እዩ ትብዓት ዘርኣየ፧

11 የሱስ ሰብኣይ ምስ ኰነ፡ ንሓቂ ብምጥባቕ ዝመጸ ብተደጋጋሚ ትብዓት ኣርእዩ እዩ። ኣገልግሎቱ ንብዙሓት ብዜርዕድ ፈተና እዩ ጀሚርዎ። የሱስ ከም ሓያል ሊቀ መላእኽቲ ዘይኰነስ፡ ከም ስጋን ደምን ዝለበሰ ሰብ ኰይኑ፡ ምስቲ ኻብ ኵሎም ጸላእቲ የሆዋ ብሓይሉ ዀነ ብሓደገኛነቱ ጸብለል ዝበለ ሰይጣን ኪጋጠም ነበሮ። የሱስ ንሰይጣን ነጸጎ፡ ኣብቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብምጥምዛዝ ዘቕረበሉ ፈተና ድማ ረትዖ። ብትብዓት “ኪድ፡ ሰይጣን!” ዚብል ትእዛዝ ብምሃብ ከኣ ነቲ ፈተና ዛዘሞ።—ማቴዎስ 4:2-11

12 በዚ ኸምዚ የሱስ ኣብቲ ንቓል ኣቦኡ ንምጥዋይ ወይ ኣብ ዘይመዓላኡ ንምውዓል ዚግበር ጻዕርታት ብትብዓት ጥብቅና ብምቛም፡ ንኣገልግሎቱ ጽቡቕ መሰረት ኣንበረ። ሽዑ እውን ከምዚ ሕጂ ዘሎ ሃይማኖታዊ ምትላል ልሙድ ነበረ። የሱስ ብግዜኡ ንዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ “በቲ እተመሓላልፍዎ ስርዓት ንቓል ኣምላኽ ከንቱ ትገብርዎ” በሎም። (ማርቆስ 7:13) እቶም ሰብኡት በቶም ህዝቢ ኣኽቢርካ ይረኣዩ ነበሩ፡ የሱስ ግና ዕዉራት መራሕትን ግቡዛትን ብምባል ከይፈርሀ ዀነኖም። a (ማቴዎስ 23:13, 16) ኣብዚ መዳይ ትብዓት እዚ ንየሱስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

13. ንየሱስ ክንመስሎ ኸለና እንታይ ክንርስዕ የብልናን፧ ግናኸ እንታይ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ ዘሎና፧

13 ልክዕ እዩ፡ ከምቲ ንየሱስ ዝነበሮ፡ ኣልባብ ናይ ምንባብ ክእለት ከም ዘይብልና፡ ክንፈርድ እውን ስልጣን ከም ዘይተዋህበና ኽንርስዕ የብልናን። ይኹን እምበር፡ ነቲ ንሓቂ ኺጣበቕ ከሎ ዘርኣዮ ትብዓት ክንቀድሖ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማኡን ቃሉን ዚንገር ሃይማኖታዊ ሓሶታት ብምቅላዕ፡ ኣብዛ ብፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ጸልሚታ ዘላ ዓለም ብርሃን ከነብርህ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 5:14፣ ራእይ 12:9, 10) ንሰባት ካብቲ ንኣልባቦም ብራዕዲ ዚመልኦን ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ዚምርዞን ባርነት ናይ ሓሶት ትምህርትታት ሓራ ኸነውጽኦም ንኽእል ኢና። ነቲ የሱስ፡ “እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ኪፍጸም ከሎ ምርኣይሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዀን እዩ!—ዮሃንስ 8:32

ብትብዓት ንፍትሒ ደገፈ

14, 15. (ሀ) የሱስ “ፍትሒ” ዘነጸረሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ምእንቲ ኺዛረባ እንታይ ልሙድ ዝነበረ ጽልኢ እዩ ዕሽሽ ኢሉ፧

14 ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ መሲሕ ንኣህዛብ “ፍትሒ” ኼነጽረሎም ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (ማቴዎስ 12:18፣ ኢሳይያስ 42:1) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብርግጽ ከምኡ ኺገብር ጀሚሩ ነበረ። ምስ ሰባት ኣብ ዝነበሮ ርክብ ወትሩ ፍትሓውን ኣድልዎ ዘይብሉን ንምዃን ዓብዪ ትብዓት ዚሓትቶ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ጽልእን ደረቕ እምነትን ኣይቅበሎን ነበረ።

15 የሱስ ኣብ ዒላ ሲካር ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ምስ ኣዛረባ፡ ደቀ መዛሙርቱ ተገረሙ። ስለምንታይ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣይሁድ ብሓፈሻ ንሳምራውያን ይፍንፍንዎም ነበሩ፣ እዚ ንዕቀት እዚ ንሓያሎ ዓመታት ዝጸንሐ እዩ። (እዝራ 4:4) ብዘይካዚ፡ ገሊኦም ረቢታት ንኣንስቲ ይንዕቁ ነበሩ። እቲ ጸኒሑ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ረቢታት ዘውጽእዎ ሕግታት፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ኸይዛራረብ ዚዕንቅፍ ነበረ፣ ኣንስቲ ሕጊ ኣምላኽ ኪምሃራ ብቕዓት ከም ዘይብለን እውን ይሓስቡ ነበሩ። ሳምራውያን ኣንስቲ እሞ ኸኣ ከም ርኹሳት ጌርካ እየን ዚርኣያ ነይረን። የሱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይፍትሓዊ ጽልኢ ዕሽሽ ብምባል፡ ነታ ዘይስነ ምግባራዊ ህይወት ዝነበራ ሳምራዊት ሰበይቲ ብግህዶ መሃራ፡ መሲሕ ምዃኑ ብምሕባር እውን መንነቱ ገለጸላ።—ዮሃንስ 4:5-27

16. ክርስትያናት ብጽልኢ ብምፍራድ ዝመጸ እተፈልዩ ምእንቲ ኪዀኑ ትብዓት ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

16 ሕማቕ ዓይነት ጽልኢ ምስ ዘለዎም ሰባት ሓቢርካ ግዜ ኣሕሊፍካዶ ትፈልጥ፧ ምናልባት ብዛዕባ ኻልኦት ዓሌት ወይ ህዝቢ ብንዕቀት ይሕጭጩ፡ ብዛዕባ ኣንጻር ጾታ ብምቍንጻብ ይዛረቡ፡ ወይ ነቶም ኣብ እተፈልየ ቝጠባዊ ወይ ማሕበራዊ ደረጃ ዘለዉ ሰባት ይንዕቅዎም ይዀኑ። ሰዓብቲ ክርስቶስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጽልኢ ዝመልኦ ኣረኣእያ ኣይሰምርዎን እዮም፡ ንዝዀነ ይኹን ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልኢ ድማ ምሉእ ብምሉእ ካብ ልቦም ንምጥፋእ ኣበርቲዖም ይዓይዩ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34) ኣብዚ መዳይ እዚ ነፍሲ ወከፍና ፍትሓውያን ንምዃን ትብዓት ኪህልወና ኣለዎ።

17. የሱስ ኣብታ ቤተ መቕደስ እንታይ ስጕምቲ እዩ ዝወሰደ፧ ስለምንታይከ፧

17 የሱስ ንንጽህና ህዝቢ ኣምላኽን ንመሰናድዎ እቲ ንጹህ ኣምልኾን ንምቅላስ ዘኽኣሎ እውን ትብዓት እዩ። ኣገልግሎቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ናብ ቀጽሪ እታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣተወ፡ ነጋዶን ኣሽረፍትን ንግዶም ኬካይዱ ረኣየ እሞ ጐሃየ። ብጽድቃዊ ቝጥዓ ተላዒሉ፡ ነዞም ስሱዓት ሰባት እዚኦም ነቲ ዚሸጥዎ ዝነበሩ ሒዞም ካብቲ ቤተ መቕደስ ከም ዚወጹ ገበሮም። (ዮሃንስ 2:13-17) ጸኒሑ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ኣገልግሎቱ እውን ተመሳሳሊ ነገር ገበረ። (ማርቆስ 11:15-18) እዚ ተግባራቱ እዚ ሓያላት ጸላእቲ ኸም ዘፍረየሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን፡ ኰይኑ ግና በዚ ነግፈረግ ኣይበለን። ስለምንታይ፧ ካብ ሕጻንነቱ ኣትሒዙ ነታ ቤተ መቕደስ ቤት ኣቦይ ኢሉ እዩ ዚጽውዓ ነይሩ፣ ከምዚ ዝበለ ድማ ካብ ልቡ እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 2:49) ነቲ ኣብቲ ቦታ እቲ ዚፍጸም ንጹህ ኣምልኾ ምብካል፡ ንሱ ሸለል ኢሉ ኺሓልፎ ዘይክእል በደል እዩ ነይሩ። ቅንኣቱ ነቲ ዜድሊ ስጕምቲ ኺወስድ ትብዓት ሃቦ።

18. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ንንጽህና እታ ጉባኤ ብዚምልከት ትብዓት ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧

18 ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ሰዓብቲ ክርስቶስ ብዛዕባ ንጽህና ህዝቢ ኣምላኽን መሰናድዎ እቲ ንጹህ ኣምልኾን ኣጸቢቖም ይግደሱ እዮም። ሓደ ክርስትያን ብጻይ ከቢድ ኣበሳ ኺፍጽም እንተ ርእዮም፡ ከም ዘይረኣዩ ኣይኰኑን እዮም። የግዳስ፡ ብትብዓት እዮም ዚዛረቡ። (1 ቈረንቶስ 1:11) ሽማግለታት ጉባኤ ኸም ዚንገሮም ድማ ይገብሩ። እቶም ሽማግለታት ነቶም ብመንፈስ ዝሓመሙ ኺሕግዝዎም፡ ንንጽህና እተን ኣባጊዕ የሆዋ ንምዕቃብ ድማ ስጕምቲ ኺወስዱ ይኽእሉ እዮም።—ያእቆብ 5:14, 15

19, 20. (ሀ) ብግዜ የሱስ እንታይ ዘይፍትሓዊ ተግባራት እዩ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ፧ የሱስከ እንታይ ጸቕጥታት እዩ ዘጋጠሞ፧ (ለ) ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ፖለቲካን ዓመጻን ምክፋል ዚኣብዩ ስለምንታይ እዮም፧ እዚ መትከሎም እዚኸ እንታይ ዓስቢ እዩ ኣፍርዩሎም፧

19 እንተዀነ ግና፡ የሱስ ምስቲ ኣብ ዓለም ብሓፈሻ ዚርከብ ማሕበራዊ ዘይፍትሓውነት ይቃለስ ነይሩ ኢልና ኽንድምድም ንኽእል ዲና፧ ብርግጽ ኣብ ከባቢኡ ብዙሕ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዓዱ ብጓኖት እያ እትግዛእ ነይራ። ሮማውያን በቲ ሓያል ሰራዊቶምን በቲ ኣብታ ልዕሊ እታ ሃገር ዘውደቕዎ ግብርን ኣቢሎም ንኣይሁድ ይጭቍንዎም ነበሩ፣ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ኣብ ሃይማኖታዊ ልምድታት ጣልቃ ይኣትዉ ነበሩ። ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ፖለቲካ ኢዱ ኼእቱ ምድላዮም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። (ዮሃንስ 6:14, 15) ኣብዚ እውን ትብዓት ኬርኢ ነበሮ።

20 የሱስ መንግስቱ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዘይኰነት ገለጸ። ብኣብነቱ ገይሩ ንሰዓብቱ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቓልስታት ከይኣትዉ፡ ኣብ ክንዳኡስ ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኬተኵሩ ኣሰልጠኖም። (ዮሃንስ 17:16፣ 18:36) እቶም ጭፍራ ኺሕዝዎ ምስ መጹ፡ ብዛዕባ ገለልትነት ሓያል ትምህርቲ መሃረ። ጴጥሮስ ብታህዋኽ ሰይፉ መሊሑ ንሓደ ሰብኣይ ኣቝሰሎ። ነቲ ጴጥሮስ ዝገበሮ ነገር ምድጋፍ ቀሊል እዩ። ሓይሊ ምጥቃም ይከኣል እዩ ዚብል መመኽነይታ ንምቕራብ፡ ካብታ እቲ ንጹህ ወዲ ኣምላኽ እተታሕዘላ ለይቲ እቲኣ ዚሓይሽ እዋን ኣይምተረኽበን። ኰይኑ ግና፡ የሱስ፡ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ሰፈራ ምለሳ” ብምባል ንምድራውያን ሰዓብቱ ኽሳዕ ሕጂ ዜገልግል ስርዓት ኣቘመ። (ማቴዎስ 26:51-54) ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብቲ ግዜ እቲ ሰላማዊ መትከሎም ንምሓዝ ትብዓት ኣድልይዎም ነበረ፡ ሎሚ እውን ከምኡ እዩ። ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ስለ ዝሓለዉ፡ ካብቲ ታእላው ዘይብሉ ዘመናዊ ውግኣትን ጃምላዊ ቕትለትን ናዕብን ዓመጻን ንጹሃት ብምዃን ጽቡቕ ስም ኣጥርዮም ኣለዉ። እዚ ብሉጽ ስም እዚ ዓስቢ ትብዓቶም እዩ።

ብትብዓት ምጽራር ተጻወረ

21, 22. (ሀ) የሱስ በቲ ዝኸበደ ፈተና ቕድሚ ምሕላፉ እንታይ ተዋህቦ፧ (ለ) የሱስ ክሳዕ መወዳእታ ተባዕ ምዃኑ ዘመስከረ ብኸመይ እዩ፧

21 ወዲ የሆዋ ኣብ ምድሪ ኸቢድ ምጽራር ከም ዜጋጥሞ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። (ኢሳይያስ 50:4-7) ብዙሕ ግዜ ኸም ዚቕተል ኣጕባዕቢዖምሉ እዮም፡ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ከምቲ ኣብ መእተዊ እዛ ምዕራፍ እተገልጸ ገበሩ። የሱስ ኣብ ቅድሚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋታት ብኸመይ እዩ ትብዓት ኪህልዎ ዝኸኣለ፧ እቶም ጭፍራ ኺሕዝዎ ቕድሚ ምምጻኦም እንታይ ድዩ ዚገብር ነይሩ፧ ናብ የሆዋ ኣበርቲዑ ይጽሊ ነበረ። የሆዋኸ እንታይ ገበረ፧ ንየሱስ ከም ‘ዝሰምዖ’ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። (እብራውያን 5:7) የሆዋ ነቲ ተባዕ ወዱ ምእንቲ ኼበርትዖ ኢሉ ሓደ መልኣኽ ካብ ሰማይ ለኣኸ።—ሉቃስ 22:42, 43

22 የሱስ ምስ ተበራትዐ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንሃዋርያቱ “ተንስኡ ንኺድ” በሎም። (ማቴዎስ 26:46) ኣብዘን ቃላት እዚአን ዘሎ ትብዓት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ነቶም ጭፍራ ንፈተውቱ ኺሓድግዎም ከም ዚሓትቶም፡ ብጾቱ ሓዲጎምዎ ኸም ዚሃድሙ፡ ከምኡ እውን ኣብ ህይወቱ እቲ ዝኸበደ ፈተና ኸም ዜሕልፍ እናፈለጠ “ንኺድ” በለ። በይኑ ኣብ ቅድሚ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ፍርዲ ቘመ፡ ኣደዳ ላግጺ ዀነ፡ ተሰቀየ፡ ብዜቐንዙ መገዲ ድማ ሞተ። ኣብ ኵሉ እቲ ዘሕለፎ መከራ፡ ትብዓቱ ኣይጠለሞን።

23. የሱስ ኣብቲ ነቲ ዘጋጠሞ ሓደጋን ነቲ ኪቕተል ዝቐረበሉ ምጕብዕባዕን ዝሓዘሉ መገዲ ኣይግዳዱ ኣይነበረን እንብለሉ ምኽንያት ግለጽ።

23 የሱስ ዝወረደ ይውረድ ዘይዓጅቦ ኣይግዳዱ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን፣ ኣይግዳዱ ምዃን ምስ ናይ ሓቂ ትብዓት ምትሕሓዝ የብሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ የሱስ ንሰዓብቱ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ምእንቲ ኪቕጽሉ፡ ብጥበብ ካብ ሓደጋ ኺእለዩ ምሂርዎም ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 4:12፣ 10:16) ኣብዚ መዳይ እዚ ግና፡ ዚእለየሉ መገዲ ኸም ዘየልቦ ፈለጠ። ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ከም ዜጠቓልል ይፈልጥ ነበረ። ንጽህናኡ ኺሕሉ ቘሪጹ ነበረ፡ ነዚ ንምግባር ዜኽእል ሓደ መገዲ ኸኣ ብቐጥታ ናብቲ ፈተና ምእታው ጥራይ እዩ ነይሩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር መስጐጕቲ እናኣጋጠሞም ትብዓት ኣርእዮም እዮም

24. ዝዀነ ይኹን ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ተባዓት ክንከውን ከም እንኽእል ርግጸኛ እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

24 ሰዓብቲ የሱስ ብዙሕ ግዜ ብትብዓት ኣሰር ጐይታኦም ስዒቦም እዮም። ብዙሓት ላግጺ፡ መስጐጕቲ፡ ማእሰርቲ፡ ስቅያት፡ ከምኡ እውን ሞት እናኣጋጠሞም ክነሱ ጸኒዖም እዮም። ዘይፍጹማት ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ትብዓት ካበይ እዮም ዚረኽብዎ፧ ካብ ውሽጦም ዚምንጭ ኣይኰነን። ከምቲ የሱስ ካብ ላዕሊ ሓገዝ እተዋህቦ፡ ሰዓብቱ እውን ከምኡ ሓገዝ ይውሃቦም እዩ። (ፊልጲ 4:13) እምበኣር፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ኪኸውን እዩ ኢልካ ኣይትፍራህ። ንጽህናኻ ንምሕላው ቈራጽነት ግበር፡ የሆዋ ኸኣ እቲ እትደልዮ ትብዓት ኪህበካ እዩ። ካብቲ “ኣጆኹም! ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” ዝበለ መራሒና የሱስ ዝገደፎ ኣብነት፡ ብርታዐ ርኸብ።—ዮሃንስ 16:33

a መቓብር ረቢታት ወይ መምህራን፡ ማዕረ መቓብር ነብያት ወይ ኣበው ይኽበር ከም ዝነበረ ጸሓፍቲ ታሪኽ ይገልጹ እዮም።