ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሽዱሽተ

“ተኣዛዝነት ተማሂሩ”

“ተኣዛዝነት ተማሂሩ”

1, 2. ሓደ ፈቃር ኣቦ፡ ወዱ ኺእዘዞ ኸሎ ምርኣይ ባህ ዚብሎ ስለምንታይ እዩ፧ ስምዒታቱ ንስምዒታት የሆዋ ዜንጸባርቕከ ብኸመይ እዩ፧

 ሓደ ኣቦ ብመስኮት ኣማዕድዩ ንወዱ ምስ ኣዕሩኹ ኺጻወት ይርእዮ ነበረ። እታ ዚጻወቱላ ዝነበሩ ዅዕሶ ኻብቲ ቐጽሪ ነጢራ ናብ ጽርግያ ኸደት። ኣዒንቲ እቲ ወዲ ነታ ዅዕሶ ተቛመታኣ። ሓደ ኻብቶም ኣዕሩኹ ጐይዩ ኻብቲ ጽርግያ ኼምጽኣ እኳ እንተ ነገሮ፡ እቲ ወዲ ግና ርእሱ እናነቕነቐ፡ “ከምኡ ኽገብር ኣይፍቀደለይን እዩ” በሎ። እቲ ኣቦ ኸኣ ፍሽኽ በለ።

2 እቲ ኣቦ ኣዝዩ እተሓጐሰ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ንወዱ በይኑ ናብ ጽርግያ ኸይከይድ መምርሒ ሂብዎ ነበረ። እቲ ወዲ ድማ ኣቦኡ ይርእዮ ኸም ዘሎ እውን ከይፈለጠ ምስ ተኣዘዘ፡ እቲ ኣቦ ወዱ ተኣዛዝነት ይምሃር ከም ዘሎ፡ ከም ውጽኢቱ ኸኣ ድሕንነቱ ኸም ዚሕሎ ፈለጠ። እቲ ኣቦ ኸምቲ እቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ዚስምዖ ዓይነት ስምዒት እዩ ተሰሚዕዎ። ኣምላኽ እሙናት ክንከውንን ኣብ መጻኢ ኣንቢሩልና ዘሎ ዜደንቕ ነገራት ክንርእን እንተ ደሊና፡ ብእኡ ምእንቲ ኽንእመንን ምእንቲ ኽንእዘዞን ክንምሃር ከም ዘሎና ይፈልጥ እዩ። (ምሳሌ 3:5, 6) ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ፡ ካብ ኵሎም ሰብኣውያን መምህራን ዚበልጽ መምህር ለኣኸልና።

3, 4. ብዛዕባ የሱስ “ተኣዛዝነት ተማሂሩ” ኸምኡ እውን “ፍጹም ምስ ኰነ” ኺብሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧ ብምሳሌ ግለጽ።

3 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ፡ “ወዲ እኳ ኽነሱ፡ በቲ ዘሕለፎ መከራ ተኣዛዝነት ተማሂሩ እዩ። ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ንዅሎም እቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ንናይ ዘለኣለም ድሕነቶም ምኽንያት ኰይኑ እዩ” ይብል። (እብራውያን 5:8, 9) እዚ ወዲ እዚ ንማእለያ ዘይብሉ ዘመናት ኣብ ሰማይ ነበረ። ሰይጣንን ንዕኡ ዝሰዓቡ ዓለወኛታት መላእኽትን ትእዛዝ ኪጥሕሱ ኸለዉ ርእዩ እዩ፡ እዚ በዅሪ ወዲ ግና ፈጺሙ ኣይሓበሮምን። ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ትንቢት፡ ነተን፡ “ኣነ ኸኣ ዓላዊ ኣይኰንኩን” ዚብላ ቓላት ኣብኡ የውዕለን እዩ። (ኢሳይያስ 50:5) ከመይ ኢለን ደኣ እየን እተን “ተኣዛዝነት ተማሂሩ” ዚብላ ቓላት ኣብዚ ፍጹም እዙዝ ዝዀነ ወዲ ኺውዕላ ዚኽእላ፧ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍጹም ፍጡርከ “ፍጹም ምስ ኰነ” ኺብሃል ዚከኣል ከመይ ኢሉ እዩ፧

4 ሓደ ምሳሌ እስከ ንርአ። ሓደ ወተሃደር ብሓጺን እተሰርሐት ሰይፊ ኣላቶ ንበል። እታ ሰይፊ ኣብ ውግእ ተፈቲና ዘይትፈልጥ እኳ እንተ ዀነት፡ ኣብ ኣነዳድፋኣን ኣሰራርሓኣን ዚወጻ የብላን። ይኹን እምበር፡ እቲ ወተሃደር ነታ ሰይፊ ብሓንቲ ዝተረረ ዓይነት ብረት፡ ማለት ብኣቻዮ እተሰርሐት ሰይፊ ይልውጣ። እዛ ሓዳስ ሰይፊ እዚኣ ኸኣ ኣብ ውግእ እተፈተነት እያ። እሞኸ እቲ ዝገበሮ ለውጢ ጥበባዊ ደይኰነን፧ ብተመሳሳሊ፡ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ዘርኣዮ ተኣዛዝነት፡ ኣበር ኣይነበሮን። ኣብ ምድሪ ድሕሪ ምጽናሑ ግና፡ ተኣዛዝነቱ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ዓይነት ባህርይ ኰነት። ኣብቲ ግዜ እቲ ንየሱስ ኣብ ሰማይ ኬጋጥሞ ብዘይክእል መገዲ ተፈቲናን ደልዲላን ኣመስኪራን እያ።

5. ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ተኣዛዝነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣኸ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

5 ተኣዛዝነት ኣብቲ የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ተልእኾ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቦታ ኣለዎ። የሱስ “እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም” ከም ምዃኑ መጠን፡ እቲ እቶም ቀዳሞት ወለድና ኺገብርዎ ዘይከኣሉ ነገር ንምግባር እዩ መጺኡ፣ ማለት ኣብ ቅድሚ ፈተና እውን እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እዙዝ ኪኸውን እዩ መጺኡ። (1 ቈረንቶስ 15:45) ኰይኑ ግና፡ የሱስ ዘርኣዮ ተኣዛዝነት ካብ ክሳድ ንላዕሊ ኣይነበረን። ብምሉእ ሓሳቡን ልቡን ነፍሱን እዩ ተኣዚዙ። ነዚ ድማ ብሓጐስ እዩ ገይርዎ። ፍቓድ ኣቦኡ ምግባር ካብ ብልዒ ንላዕሊ የገድሶ ነበረ። (ዮሃንስ 4:34) ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ተኣዛዝነት ክንቀድሕ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ፈለማ ውሽጣዊ ድራኸኡ እስከ ንመርምር። ከምቲ ንሱ ዝነበሮ ዓይነት ድራኸ ምምዕባል፡ ፈተናታት ንምጽራርን ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻምን ይሕግዘና። ድሕሪኡ፡ ከም ክርስቶስ እዙዝ ምዃን ዜምጽኦ ገለ ዓስብታት ክንርኢ ኢና።

የሱስ እዙዝ ኪኸውን ዝደረኾ ነገር

6, 7. የሱስ እዙዝ ኪኸውን ካብ ዝደረኾ ነገራት ገለ እንታይ እዩ ነይሩ፧

6 የሱስ ዘርኣዮ ተኣዛዝነት ካብ ልቡ ዝመነጨ እዩ ነይሩ። ኣብ ምዕራፍ 3 ኸም ዝረኣናዮ፡ ክርስቶስ ልቡ ትሑት ነበረ። ትዕቢት ንሰባት እዙዛት ከም ዘይኰኑ ትገብሮም፡ ትሕትና ግና ንየሆዋ ብፍታው ክንእዘዞ ትሕግዘና። (ዘጸኣት 5:1, 2፣ 1 ጴጥሮስ 5:5, 6) ብተወሳኺ፡ የሱስ ዘርኣዮ ተኣዛዝነት ካብቲ ንሱ ዚፈትዎን ዚጸልኦን ነገራት ዝመነጨ እዩ።

7 የሱስ ልዕሊ ዅሉ ንሰማያዊ ኣቦኡ የሆዋ የፍቅሮ እዩ። እታ ፍቕሪ እቲኣ ብዝርዝር ኣብ ምዕራፍ 13 ኽትግለጽ እያ። ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ኪሓድሮ ኣኽኢላ እያ። ንየሆዋ ሓያል ፍቕርን ዓብዪ ኣኽብሮትን ስለ ዝነበሮ፡ ንኣቦኡ ኸየጕህዮ ይፈርህ ነበረ። የሱስ ዘቕረቦ ጸሎት ኪስማዕ ካብ ዘኽኣሎ ምኽንያታት ሓደ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ስለ ዝነበሮ እዩ። (እብራውያን 5:7) ፍርሃት የሆዋ ሓደ ኻብቲ የሱስ መሲሓዊ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ከሎ ዜርእዮ ሓለፍ ዝበለ ባህርዩ እዩ።—ኢሳይያስ 11:3

ናይ መዘናግዒ ምርጫኻ ኽፉእ ከም እትጸልእ የርኢ ድዩ፧

8, 9. ከምቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፡ የሱስ ብዛዕባ ጽድቅን እከይን ከመይ ተሰምዖ፧ ነዚ ስምዒታቱ እዚኸ ብኸመይ ኣርኣዮ፧

8 ንየሆዋ ምፍቃር ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ የሆዋ ዚጸልኦ ምጽላእ እውን የጠቓልል። ንኣብነት፡ ነዚ ንመሲሓዊ ንጉስ ዚምልከት ትንቢት እሞ ኣስተብህለሉ፦ “ጽድቂ ፈቲኻ፡ እከይ ከኣ ጸሊእካ። ስለዚ ኣምላኽ፡ ኣምላኽካ፡ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ፍስሃ ቐቢኡካ።” (መዝሙር 45:7) “ብጾት” የሱስ ተባሂሎም ዘለዉ፡ ኣብ መስመር ወለዶ ንጉስ ዳዊት ዚርከቡ ኻልኦት ነገስታት እዮም። የሱስ ኣብ ዚቕብኣሉ ግዜ ሓለፋ ዅሎም ዜሐጕስ ነገር ነበሮ። ስለምንታይ፧ ዓስቡ ኻብ ናታቶም ኣጸቢቑ ዚዓቢ እዩ፡ ንግስነቱ ኸኣ እዚ ዘይብሃል ዝበለጸ ጥቕሚ የምጽእ እዩ። ንጽድቂ ዘለዎ ፍቕርን ንእከይ ዘለዎ ጽልእን፡ ንኣምላኽ ኣብ ኵሉ ኺእዘዞ ስለ ዝደረኾ እዩ ዓስቢ ረኺቡ።

9 የሱስ ብዛዕባ ጽድቅን እከይን ዘለዎ ስምዒት ብኸመይ እዩ ንጹር ገይርዎ፧ ንኣብነት፡ ንሰዓብቱ ብዛዕባ ዕዮ ስብከት ዝሃቦም መምርሒ ስዒቦም ከይዶም በረኸት ምስ ረኸቡ፡ የሱስ እንታይ እዩ እተሰምዖ፧ ብዙሕ ተሓጐሰ። (ሉቃስ 10:1, 17, 21) ህዝቢ የሩሳሌም ነቲ ኺሕግዞም ኢሉ ዚገብሮ ዝነበረ ፍቕራዊ ጻዕሪ ነጺጎም ብተደጋጋሚ ናይ ዘይምእዛዝ መንፈስ ምስ ኣርኣዩኸ ኸመይ ተሰምዖ፧ እታ ኸተማ ዓለወኛ መገዲ ስለ ዝሰዓበት በኸየላ። (ሉቃስ 19:41, 42) የሱስ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ኪግበር ከሎ ስምዒቱ ኣጸቢቑ ይትንከ ነበረ።

10. ንጽድቃዊ ተግባራትን ንሕማቕ ተግባራትን ብዚምልከት እንታይ ስምዒታት ኢና ኸነማዕብል ዘሎና፧ ከምኡ ኽንገብር ዚድርኸናኸ እንታይ እዩ፧

10 ብዛዕባ ስምዒታት የሱስ ምስትንታንና፡ ንየሆዋ ኽንእዘዞ ዚድርኸና ነገር እንታይ ምዃኑ ኽንምርምር ይሕግዘና እዩ። ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና፡ ንጽቡቕ ተግባራት ልባዊ ፍቕሪ፡ ንሕማቕ ተግባራት ከኣ ልባዊ ጽልኢ ኸነሕድር ንኽእል ኢና። ንየሆዋ ኸም ናቱን ከም ናይ ወዱን ዝኣመሰለ ስምዒታት ከነማዕብል ኪሕግዘና ብጸሎት ክንልምኖ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 51:10) ጐድኒ ጐድኒ እዚ ድማ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ኬዳኽሞ ኻብ ዚኽእል ጽልዋታት ክንርሕቕ ኣሎና። መዘናግዒታትናን ኣዕሩኽናን ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ኣሎና። (ምሳሌ 13:20፣ ፊልጲ 4:8) ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ድራኸ እንተ ኣማዕቢልና፡ ተኣዛዝነትና ንማለቱ ኢልካ ዚግበር ኣይከውንን እዩ። ቅኑዕ ምግባር ካብ ዘሎና ፍቕሪ ተበጊስና ቕኑዕ ክንገብር ኢና። ሕማቕ ዘይንገብረሉ ምኽንያት ከኣ፡ ከይንተሓዝ ኢልና ዘይኰነስ፡ ስለ እንጸልኦ ኪኸውን እዩ።

“ሓጢኣት ኣይገበረን”

11, 12. (ሀ) ንየሱስ ኣብ መጀመርታ ኣገልግሎቱ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧ (ለ) ሰይጣን ንየሱስ ፈለማ እንታይ ፈተና ኣቕረበሉ፧ እንታይ እኩይ ሜላኸ እዩ እተጠቕመ፧

11 የሱስ ንሓጢኣት ዘለዎ ጽልኢ ብዚምልከት፡ ካብ መጀመርታ ኣገልግሎቱ ኣትሒዙ ተፈቲኑ እዩ። ድሕሪ ጥምቀት፡ ብዘይ ምግቢ 40 መዓልትን ለይትን ኣብ በረኻ ኣሕለፈ። ኣብ መወዳእታ፡ ሰይጣን ኪፍትኖ መጸ። ድያብሎስ ክሳዕ ክንደይ ተንኰለኛ ዀን እዩ!—ማቴዎስ 4:1-11

12 ፈለማ ሰይጣን፡ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ነዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል” በሎ። (ማቴዎስ 4:3) የሱስ ንነዊሕ እዋን ድሕሪ ምጻሙ እንታይ ተሰምዖ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር “ጠመየ” ይብለና። (ማቴዎስ 4:2) ስለዚ፡ ሰይጣን ነቲ ምግቢ ንምርካብ ዘለዎ ተፈጥሮኣዊ ድሌቱ እዩ ኺምዝምዝ ፈቲኑ፡ ንየሱስ ክቱር ኣካላዊ ድኻም ክሳዕ ዚስምዖ ዀነ ኢሉ ኸም እተጸበየ እውን ዜጠራጥር ኣይኰነን። ነታ ሰይጣን እተዛረባ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ” እትብል ባጫ እተሓወሳ ሓረግ እውን ኣስተብህለላ። የሱስ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ምዃኑ ሰይጣን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ቈሎሴ 1:15) ኰይኑ ግና፡ የሱስ ብሰይጣን ተደፋፊኡ ኻብ ተኣዛዝነቱ ፈልከት ኪብል ኣይፈቐደን። ነቲ ሓይሉ ንርእሱ ኣብ ዚጥዕሞ ዕላማ ኼውዕሎ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ፡ ከምቲ ዝበሎ ምግባር ኣበየ፡ ምግብን መምርሕን ብትሕትና ኻብ የሆዋ ኸም ዚጽበ ድማ ኣርኣየ።—ማቴዎስ 4:4

13-15. (ሀ) ሰይጣን ንየሱስ ዝፈተነሉ ኻልኣይን ሳልሳይን ፈተና እንታይ እዩ ነይሩ፧ የሱስከ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ (ለ) የሱስ ንሰይጣን ኪዝንግዓሉ ኸም ዘይነበሮ እንፈልጥ ብኸመይ ኢና፧

13 ሰይጣን ነቲ ኻልኣይ ፈተና ንምፍታን፡ ንየሱስ ናብ ላዕለዋይ ጫፍ መንደቕ ቤተ መቕደስ ወሲዱ ኣብ ገምገም ደው ኣበሎ። ንቓል ኣምላኽ ብጕርሒ ጠምዚዙ ብምቕራብ፡ የሱስ ዚጅሃረሉ ተግባር ኪገብር ደፋፍኦ፡ ማለት መላእኽቲ ምእንቲ ኼድሕንዎ ኢሉ፡ ካብቲ ቦታ ኺጸድፍ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ፈተኖ። እቶም ኣብቲ እግሪ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣምር እንተ ዚርእዩ ነይሮም፡ ካባታቶም ደፊሩ የሱስ እቲ እተተስፈወ እተገብረሉ መሲሕ እንተ ዀይኑ ሕቶ ዜልዕልዶ ምተረኽበ፧ እቶም ህዝቢ ንየሱስ በዚ ኸምዚ ንርኣዩለይ ዚገብር ተግባር ከም መሲሕ ገይሮም እንተ ተቐቢሎምዎ፡ የሱስ ካብ ብዙሕ ጸገማትን ሽግራትንዶ ኣይመምለጠን፧ ምናልባት ካብ ጸገማት መምለጠ። የሱስ ግና ከም መሲሕ መጠን ብትንግርታዊ ትርኢታት ገይሩ ሰባት ምእንቲ ኺኣምንዎ ጽልዋ ኺገብረሎም ዘይኰነስ፡ ዕዮኡ ብትሑት ኣገባብ ኪፍጽም ፍቓድ የሆዋ ምንባሩ ይፈልጥ ነበረ። (ኢሳይያስ 42:1, 2) ኣብዚ እውን ንየሆዋ ዝነበሮ ተኣዛዝነት ምጥሓስ ኣበየ። ዝና እውን ኣየስድዖን።

14 ስልጣንከ የስድዖ ደዀን ይኸውን፧ ኣብቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ሳልሳይ ፈተና፡ የሱስ ፍግም ኢሉ እንተ ሰጊዱ፡ ኵለን መንግስትታት ዓለም ከም ዚህቦ ተመባጽዓሉ። የሱስ ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ነገር ኣርዚኑ ርእይዎዶ፧ “ኪድ፡ ሰይጣን!” ኢሉ እዩ መሊሱሉ። “‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ፡ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣገልግሎ’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ” በሎ። (ማቴዎስ 4:10) የሱስ ንኻልእ ኣምላኽ ንምምላኽ ዜስሕቶ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይነበረን። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኪቐርበሉ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ስልጣን ወይ ጽልዋ፡ ዘይእዙዝ ከም ዚኸውን ኣይገበሮን።

15 ሰይጣን በዚ ተስፋ ቘሪጹዶ፧ ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞ ሽዑ ሓዲግዎ ኸደ። ይኹን እምበር፡ ወንጌል ሉቃስ፡ “ድያብሎስ . . . ምሹእ ግዜ ኽሳዕ ዚረክብ ሓደጎ” እዩ ዚብል። (ሉቃስ 4:13) እወ፡ ንየሱስ ክሳዕ መወዳእታ ዚፍትነሉ ኻልእ ኣጋጣሚታት የናዲ ነበረ። የሱስ “ብዅሉ እተፈተነ” ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (እብራውያን 4:15) ስለዚ፡ የሱስ ኪዝንግዕ ኣይነበሮን፣ ንሕና እውን ከምኡ ኽንከውን ኣሎና።

16. ሎሚ ሰይጣን ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚፍትኖም ብኸመይ እዩ፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ንጻዕርታቱ እንነጽጎ፧

16 ሎሚ እውን ሰይጣን ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ይፍትኖም እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና ዘይፍጽምናና ብቐሊሉ ኸም እንጥቃዕ ይገብረና እዩ። ሰይጣን ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ንዓይ ይጥዓመኒ ዚብል ባህርይ፡ ትዕቢት፡ ከምኡ እውን ህርፋን ስልጣን ብጕርሒ ይምዝምዞ እዩ። ብፍቕረ ንዋይ ገይሩ ነዚ ዅሉ ፈተናታት ብሓባር ኬቕርበልና ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ደው ኢልና ብቕንዕና ርእስና ኽንምርምር ኣሎና። ነቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 2:15-17 ዚርከብ ቃላት ከነስተንትነሉ ኣሎና። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ እቲ ኣብዚ ስርዓት እዚ ዘሎ ስጋዊ ትምኒት፡ ስጋዊ ጥሪት ንምርካብ ዘሎና ባህጊ፡ ከምኡ እውን ንኻልኦት ክንምስጥ ዘሎና ድሌት፡ ነታ ንሰማያዊ ኣቦና ዘላትና ፍቕሪ ብእተወሰነ ኣዳኺምዋ እንተ ዀይኑ ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። እዛ ዓለም እዚኣን እቲ ገዛኢኣ ዝዀነ ሰይጣንን ይሓልፉ ኸም ዘለዉ ኽንዝክር ይግባእ። ሃየ እምበኣር ነቲ ሓጢኣት ከም እንፍጽም ኪገብረና ዚጥቀመሉ ውዲት ዝመልኦ መስድዒታቱ ንንጸጎ! ኣብነት ጐይታና ኸኣ ንስዓብ፣ ስለምንታይሲ፡ “ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን።”—1 ጴጥሮስ 2:22

“ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ ስለ ዝገብር”

17. የሱስ ንኣቦኡ እዙዝ ብዛዕባ ምዃን ከመይ ይስምዖ ነበረ፧ ገሊኦም ግና እንታይ ሓሳብ ኬበግሱ ይኽእሉ፧

17 ተኣዛዝነት ኪብሃል ከሎ፡ ካብ ሓጢኣት ምርሓቕ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ክርስቶስ ንዅሉ ትእዛዛት ኣቦኡ ብንጥፈት ፈጺሙ እዩ። “ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ ስለ ዝገብር” ኢሉ ድማ ተዛረበ። (ዮሃንስ 8:29) እዚ ተኣዛዝነት እዚ ንየሱስ ዓብዪ ሓጐስ ኣምጸኣሉ። ልክዕ እዩ፡ ገሊኦም ሰባት፡ ንየሱስ እዙዝ ከይከውን ዚዕንቅፎ ብዙሕ ጸገማት ኣይነበሮን ይብሉ ይዀኑ። ንሱ ነቲ ፍጹም ዝዀነ የሆዋ ጥራይ እዩ ኺእዘዝ ዝነበሮ፡ ንሕና ግና ነቶም ስልጣን ዘለዎም ዘይፍጹማት ሰባት እውን ክንእዘዝ ኣሎና ይብሉ። ከም ሓቂ ግና፡ የሱስ ስልጣን ንእተዋህቦም ዘይፍጹማት ሰባት እውን ይእዘዝ ነይሩ እዩ።

18. የሱስ ንእሽቶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እንታይ ኣብነት ተኣዛዝነት እዩ ዝሓደገ፧

18 የሱስ ኪዓቢ ኸሎ፡ ኣብ ትሕቲ ስልጣን እቶም ዘይፍጹማት ሰብኣውያን ወለዱ ዝነበሩ ዮሴፍን ማርያምን ነበረ። ካብ ካልኦት ቈልዑ ንላዕሊ፡ ኣብ ወለዱ ጕድለት ኪርኢ ይኽእል ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እሞኸ ነቲ ኣምላኽ ዝመደበሉ ግደ ብምጥሓስን ንስድራ ቤት ብኸመይ ኪሕዙ ኸም ዘለዎም ብላዕሊ ዀይኑ ብምንጋርን ዓለወኛ ዀይኑዶ፧ ኣብ ሉቃስ 2:51 ብዛዕባ እቲ ወዲ 12 ዓመት ዝነበረ የሱስ “ይእዘዞም እውን ነበረ” ኸም እተባህለ ኣስተብህለሉ። በዚ ተኣዛዝነቱ ነቶም ንወለዶም ኪእዘዝዎምን ግቡእ ኣኽብሮት ኪህብዎምን ዚጽዕሩ ክርስትያን ውሉዳት ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉሎም እዩ።—ኤፌሶን 6:1, 2

19, 20. (ሀ) የሱስ ንዘይፍጹማት ሰባት እዙዝ ብምዃን ዝመጸ እንታይ ፍልይ ዝበለ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎ፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቶም መሪሕ ግደ ዘለዎም ኪእዘዝዎም ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

19 የሱስ ንዘይፍጹማት ሰባት እዙዝ ብምዃን ዝመጸ፡ ሎሚ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዘየጋጥሞም ዓይነት ጸገማት ኣጋጢምዎ እዩ። እቲ ዝነበረሉ ፍልይ ዝበለ እዋን እሞ ዘክሮ። እቲ ነታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስን ነቲ ኽህነትን ዚጥርንፍ ሃይማኖታዊ ስርዓት ኣይሁድ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ስምረት የሆዋ ዝነበሮ እዩ ነይሩ፡ ኰይኑ ግና፡ ዚውገደሉን ብክርስትያናዊት ጉባኤ ዚትክኣሉን ግዜ ቐሪቡ ነበረ። (ማቴዎስ 23:33-38) እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ካብ ፍልስፍና ግሪኽ ዝመጸ ሓሶት ይምህሩ ነበሩ። ኣብታ ቤተ መቕደስ ብልሽውና ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ ስለ ዝነበረ፡ የሱስ “በዓቲ ጐሓሉት” ኢሉ ጸዊዕዋ ነበረ። (ማርቆስ 11:17) እሞኸ የሱስ ናብታ ቤተ መቕደስን ናብ ምኵራባትን ምኻድ ሓዲግዎዶ፧ ኣይፋሉን! የሆዋ ነቲ መሰናድዎታት እቲ ይጥቀመሉ ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ኢዱ ኣእትዩ ለውጢ ኽሳዕ ዚገብር፡ የሱስ ብተኣዛዝነት ኣብ ቤተ መቕደስ ናብ ዚግበር ዝነበረ በዓላትን ናብ ምኵራባትን ይኸይድ ነበረ።—ሉቃስ 4:16፣ ዮሃንስ 5:1

20 የሱስ ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እዙዝ ካብ ኰነ፡ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ግዳ ኽሳዕ ክንደይ ብዝያዳ እዙዛት ኪዀኑ ዘይግብኦም! ከመይሲ፡ ካብቲ የሱስ ዝነበረሉ ኣጸቢቑ ኣብ እተፈልየ እዋን፡ ማለት ቅድሚ ነዊሕ እዋን ብትንቢት ተነጊሩሉ ኣብ ዝነበረ ንጹህ ኣምልኾ ዚምለሰሉ ግዜ ኢና እንነብር ዘለና። ኣምላኽ ንሰይጣን፡ ነቶም ከም ብሓድሽ ዝቘሙ ህዝቢ ኣምላኽ ኬበላሽዎም ከቶ ኸም ዘይፈቕደሉ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። (ኢሳይያስ 2:1, 2፣ 54:17) ልክዕ እዩ፡ ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን የጋጥመና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካልኦት ዜርእይዎ ጕድለት ንየሆዋ እዙዛት ንዘይምዃን፡ ምናልባት ድማ ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንምርሓቕ ወይ ንሽማግለታት ነቐፍቲ ንምዃን ከም መመኽነይታ ጌርና ኽንጥቀመሉ ይግባእዶ፧ ፈጺሙ ኣይግባእን! ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቶም ኣብታ ጉባኤ መሪሕ ግደ ዘለዎም ዘበሉ ኻብ ልቢ ንድግፎም ኢና። ብተኣዛዝነት ኣብቲ ንኣሽቱ ዀነ ዓበይቲ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንእከብ፡ ከምኡ እውን ነቲ ኣብኡ ዚውሃበና ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ ኢና።—እብራውያን 10:24, 25፣ 13:17

ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንምሃሮ ብተኣዛዝነት ኣብ ግብሪ ነውዕሎ ኢና

21. የሱስ ነቲ ንኣምላኽ እዙዝ ከይከውን ካብ ሰብ ዝመጾ ጸቕጢ ብኸመይ ምላሽ ሃበሉ፧ እዚኸ ንዓና ብኸመይ ኣብነት ይዀነና፧

21 የሱስ ካብ ጽቡቕ ድራኸ ተበጊሶም ዝመጹ ፈተውቱ እኳ ኸይተረፈ፡ ነቲ ንየሆዋ ዘለዎ ተኣዛዝነት ከም ዜፍርስ ኪገብርዎ ኣይፈቐደሎምን። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንጐይታኡ ኺስቀን ኪመውትን ኣድላዪ ኸም ዘይኰነ ኼእምኖ ፈተነ። የሱስ ነቲ ጴጥሮስ ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሱ ንየሱስ፡ ንርእስኻ ሕለየላ ብምባል ዝሃቦ ጌጋ ምኽሪ ነጸጎ። (ማቴዎስ 16:21-23) ሎሚ እውን ሰዓብቲ የሱስ ካብቲ ንሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ዘለዎም ተኣዛዝነት ዚዓናቕፎም ሓሳባት ካብቶም ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም ዚዛረቡ ኣዝማዶም ይመጾም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ” ዚብል መትከል እዩ ዘሎና።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29

ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ተኣዛዝነት ዜምጽኦ ዓስቢ

22. የሱስ ነየነይቲ ሕቶ እዩ መልሲ ዝሃበ፧ ብኸመይከ፧

22 የሱስ ምስ ሞት ምስ ተፋጠጠ፡ ንተኣዛዝነቱ ዝለዓለ ፈተና ኣጋጢምዎ እዩ። ኣብታ ጸልማት መዓልቲ፡ ምሉእ ብምሉእ “ተኣዛዝነት ተማሂሩ እዩ።” ፍቓዱ ዘይኰነስ፡ ፍቓድ ኣቦኡ ገበረ። (ሉቃስ 22:42) እዚ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ከኣ ንጽህናኡ ብምሕላው ዝመጸ ፍጹም ኣብነት ሓደገ። (1 ጢሞቴዎስ 3:16) ነታ ኻብ እትለዓል ነዊሕ ዝገበረት፡ ‘ሓደ ፍጹም ሰብ ኣብ ትሕቲ ፈተና እውን እንተ ዀነ ንየሆዋ እሙን ኪኸውን ይኽእልዶ፧’ እትብል ሕቶ፡ መልሲ ዀነ። ኣዳምን ሄዋንን ግቡእ መልሲ ኣይሃቡን። ድሕሪኡ የሱስ መጸ፡ ህያው ኰነ፡ ሞተ፡ ነታ ሕቶ ድማ መዕለቢ ገበረላ። እቲ ኻብ ኵሎም ፍጡራት የሆዋ ዚዓቢ ፍጡር፡ ካብ ኵሉ ዝሓየለት መልሲ ሃበ። እዙዝ ምዃን ከቢድ መስዋእቲ ኣብ ዘኽፈሎ እዋን እኳ ኸይተረፈ ተኣዘዘ።

23-25. (ሀ) ተኣዛዝነት ምስ ንጽህና ብኸመይ ትዛመድ፧ ብምሳሌ ኣረድእ። (ለ) ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

23 ንየሆዋ ንጽህናኻ ምሕላው ወይ ብምሉእ ልቢ ውፉይ ምዃን፡ ብተኣዛዝነት እዩ ዚግለጽ። የሱስ ስለ እተኣዘዘ፡ ንጽህናኡ ሓለወ፡ ንዅሎም ደቂ ሰብ ድማ ጠቐመ። (ሮሜ 5:19) የሆዋ ንየሱስ ኣብዚሑ ባረኾ። ንጐይታና ክርስቶስ እንተ ተኣዚዝና፡ ንዓና እውን የሆዋ ዓስብና ኺህበና እዩ። ንክርስቶስ እዙዝ ምዃን ናብ “ናይ ዘለኣለም ድሕነት” ይመርሕ።—እብራውያን 5:9

24 ብዘይካዚ፡ ንጽህና ምሕላው እውን ብርእሱ ዓስቢ እዩ። ምሳሌ 10:9፡ “ብንጽህና ዚመላለስ ብደሓን ይመላለስ” ትብል። ንጽህና ምስ ሓደ ብጽቡቕ ሕጡባት እተሃንጸ ዓብዪ ቤት እንተ ኣመሳሲልናያ፡ ነፍሲ ወከፍ ተግባር ተኣዛዝነት ምስ ነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ሓንቲ ሕጡብ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብላ ትመስል ትኸውን፡ ነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ግና ቦታን ዋጋን ኣለዋ። ብዙሕ ሕጡብ ብሓባር ተኣሳሲሩ ኸኣ፡ ኣዝዩ ዓብዪ ዋጋ ዘለዎ ቤት ይሃንጽ። ብተኣዛዝነት እንገብሮ ተግባራት ከኣ መዓልቲ ንመዓልትን ዓመት ንዓመትን ተደማሚሩ፡ ብጽቡቕ ቤት ኪምሰል ዚኽእል ንጽህና ኺሃንጽ ይኽእል።

25 ንነዊሕ ግዜ እዙዝ ንምዃን፡ ካልእ ባህርይ እውን የድሊ እዩ። እዚ ኸኣ ተጻዋርነት እዩ። ብዛዕባ እዚ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ኣብ እትስዕብ ምዕራፍ ክንርኢ ኢና።