ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሓደ

“ሰዓብየይ ኩን”—የሱስ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

“ሰዓብየይ ኩን”—የሱስ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

“ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧”

1, 2. ሓደ ሰብ ኪቐርበሉ ኻብ ዚኽእል እቲ ዝበለጸ ዕድመ እንታይ እዩ፧ እንታይ ሕቶኸ ኢና ንርእስና ኽንሓትት እንኽእል፧

 ክሳዕ ሕጂ ኻብ ዝቐረበልካ፡ እቲ ዝበለጸ ዕድመ እንታይ እዩ፧ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚ፡ ምናልባት እውን እትፈትዎም ሰባት ኪምርዓዉ ኸለዉ፡ ኣብቲ ሓጐሶም ክትርከብ ዝቐረበልካ ዕድመ ትዝክር ትኸውን። ወይ ከኣ ኣገዳሲ ስራሕ ክትሰርሕ እተዓደምካሉ ግዜ ትዝክር ትኸውን። ከምዚ ዓይነት ዕድመ እንተ ቐሪቡልካ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸም እተሓጐስካ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ክብሪ ኸም እተሰምዓካ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ከም ሓቂ ግና፡ ካብዚ ዅሉ ዚበልጽ ዕድመ ቐሪቡልካ ኣሎ። ንዅላትና እዚ ዕድመ እዚ ቐሪቡልና ኣሎ። ነቲ ዕድመ እንቕበለሉ መገዲ ኸኣ ንህይወትና ኣጸቢቑ እዩ ዚጸልዎ። ኣብ ህይወትና እንገብሮ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ምርጫ እዩ።

2 እቲ ዕድመ እንታይ እዩ፧ እቲ ሓደ ወዲ እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዘቕረቦ ዀይኑ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ድማ ይርከብ። ኣብ ማርቆስ 10:21 የሱስ፡ “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን” ከም ዝበለ ነንብብ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ የሱስ ንነፍሲ ወከፍና ይዕድመና እዩ ዘሎ። እምበኣር፡ ‘ብኸመይ እየ ምላሽ ዝህብ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና። ምናልባት መልሲ እዚ ሕቶ እዚ ፍሉጥ ከም ዝዀነ ትሓስብ ትኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ዕጹብ ዕድመ ዘይቅበል እሞ መን ኣሎ፧ እቲ ዜገርም ግና፡ ብዙሓት ሰባት ኣይቅበልዎን እዮም። ስለምንታይ፧

3, 4. (ሀ) እቲ ንየሱስ ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪሓትት ዝቐረቦ ጐበዝ እንታይ ዜቕንእ ነገራት ነበሮ፧ (ለ) የሱስ ኣብቲ ሃብታም ጐበዝ እንታይ ጽቡቕ ባህርያት እዩ ርእዩ ኪኸውን ዚኽእል፧

3 ነቲ 2,000 ዓመት ይገብር ካብ የሱስ ብቐጥታ እዚ ዕድመ እዚ ዝቐረበሉ ሰብኣይ እስከ ንርአ። ዓብዪ ኽብሪ ዚውሃቦ ሰብ እዩ ነይሩ። ሰባት ዚብህግዎን ዚቐንኡሉን እንተ ወሓደ ሰለስተ ነገራት ነይርዎ፣ እዚ ድማ ንእስነት፡ ሃብቲ፡ ከምኡ እውን ስልጣን እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ፡ “ጐበዝ፡” “ኣዝዩ ሃብታም፡” ከምኡ እውን “ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ” ኢሉ ይገልጾ። (ማቴዎስ 19:20፣ ሉቃስ 18:18, 23) ይኹን እምበር፡ እቲ ጐበዝ ካብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ኻልእ ነገር ነይርዎ። ብዛዕባ እቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስ ሰሚዑ ነበረ፡ ነቲ ዝሰምዖ ኸኣ ፈተዎ።

4 መብዛሕትኦም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ንየሱስ እቲ ዚግብኦ ኣኽብሮት ኣይሃብዎን። (ዮሃንስ 7:48፣ 12:42) እዚ ሓለቓ እዚ ግና እተፈልየ ነገር እዩ ገይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይነግረና፦ “[የሱስ] መገዱ ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ሓደ ናብኡ ጐይዩ ኣብ ቅድሚኡ ተምበርከኸ እሞ፡ ‘ኣታ ሕያዋይ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧’ ኢሉ ሓተቶ።” (ማርቆስ 10:17) እዚ ሰብኣይ እዚ ምስ የሱስ ንምዝራብ ክሳዕ ክንደይ ሃንቀውታ ኸም ዝነበሮ ኣስተብህል፡ ከምቲ ዝዀነ ይኹን ድኻ ወይ ትሑት ሰብ ዚገብሮ ኣብ ቅሉዕ ቦታ ናብኡ ጐየየ። ቀጺሉ ድማ ንክርስቶስ ዘለዎ ኣኽብሮት ንምርኣይ ኣብ ቅድሚኡ ተምበርከኸ። ስለዚ፡ እተወሰነ ትሕትና ነበሮ፡ መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፍ ነበረ። የሱስ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ኣኽቢሩ ይርእዮ ነበረ። (ማቴዎስ 5:3፣ 18:4) “የሱስ ድማ ጠሚቱ ፈተዎ” እንተ ተባህለ እምበኣር ኣየገርምን እዩ። (ማርቆስ 10:21) እሞ ደኣኸ ነቲ እቲ ጐበዝ ዘቕረበሉ ሕቶ ብኸመይ መለሶ፧

መወዳድርቲ ዘይብሉ ዕድመ

5. የሱስ ነቲ ሃብታም ጐበዝ እንታይ መልሲ እዩ ዝሃቦ፧ ነቲ ጐበዝ ዝጐደለቶ “ሓንቲ” ነገር ድኽነት ዘይምንባራኸ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

5 የሱስ ነታ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዝቐረበት ኣገዳሲት ሕቶ መልሲ ዚኸውን ሓበሬታ ኣቦኡ ድሮ ኸም ዝሃበ ገለጸሉ። ናብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓበሮ። እቲ ጐበዝ ከኣ ንሕጊ ሙሴ ብተኣማንነት ከም ዚሕሉ ኣረጋገጸሉ። የሱስ ግና ፍሉይ ምስትውዓል ስለ ዘለዎ፡ ዓሚቝ ነገር ረኣየ። (ዮሃንስ 2:25) ኣብቲ ሓለቓ ዝነበረ ኸቢድ መንፈሳዊ ጸገም ኣስተውዓለ። ስለዚ፡ “ሓንቲ ጐዲላትካ” በሎ። እዛ “ሓንቲ” ነገር እዚኣ እንታይ እያ፧ የሱስ፡ “ኪድ፡ ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ” በሎ። (ማርቆስ 10:21) ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼገልግል ድኻ ኪኸውን ኣለዎ ማለቱ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። a ክርስቶስ ሓደ ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገር እዩ ዚገልጸሉ ነይሩ።

6. የሱስ እንታይ ዕድመ እዩ ዘቕረበ፧ እቲ ሃብታም ጐበዝ ዝሃቦ ምላሽ ንልቡ ዘቃለዖ ብኸመይ እዩ፧

6 የሱስ ነቲ ዝጐደለ ነገር ንምሕባር፡ ነቲ ጐበዝ፡ “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን” ብምባል ዜደንቕ ኣጋጣሚ ኸፈተሉ። ሕስብ እሞ ኣብሎ—እቲ ወዲ ልዑል ኣምላኽ ነቲ ጐበዝ፡ “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን” ኢሉ እዩ ፊት ንፊት ዓዲምዎ! ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኪግመት ዘይከኣል ዓስቢ እዩ ኣተስፍይዎ። “ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪህልወካ እዩ” በሎ። እቲ ሃብታም ሓለቓ ነዚ ዜደንቕ ዕድመ ዝቐረበሉ ኣጋጣሚ ተጠቒሙሉዶ፧ እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “ንሱ ግና ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ፡ በዚ መልሲ እዚ ሓዘነ፡ ጕህዩ እውን ከደ።” (ማርቆስ 10:21, 22) ስለዚ፡ እተን ትጽቢት ዘይተገብረለን ቃላት የሱስ፡ ነቲ ኣብ ልቢ እቲ ጐበዝ ዝነበረ ጸገም ኣቃልዓኦ። እቲ ጐበዝ ነቲ ጥሪቱን ነቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ዚመጽእ ስልጣንን ክብረትን ኣመና ይፈትዎ ኸም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ ነዚ ነገራት እዚ ዝነበረቶ ፍቕሪ፡ ካብታ ንክርስቶስ ዝነበረቶ ፍቕሪ ኣጸቢቓ ትዓዝዝ ነበረት። እታ ዝጐደለቶ “ሓንቲ” ነገር እምበኣር፡ ንየሱስን ንየሆዋን ብምሉእ ልቢ ተደሪኽካ እትርአ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ እያ። እቲ ጐበዝ ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ስለ ዝጐደለቶ፡ ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ዕድመ ነጸጎ! እዚ ዕድመ እዚ ንዓኻ ዚምልከተካ ግና ብኸመይ እዩ፧

7. የሱስ ዘቕረቦ ዕድመ ሎሚ ንዘለና እውን ከም ዜጠቓልል ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

7 የሱስ ዘቕረቦ ዕድመ ኣብቲ ጐበዝ እተሓጽረ ኣይነበረን፣ ኣብ ሒደት ሰባት እተሓጽረ እውን ኣይነበረን። የሱስ “ኪስዕበኒ ዚደሊ ዘበለ . . . ብቐጻሊ ይስዓበኒ” ኢሉ እዩ። (ሉቃስ 9:23) ብሓቂ ኺስዕቦ “ዚደሊ ዘበለ” ሰብ፡ ሰዓቢ ክርስቶስ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣስተብህል። ኣምላኽ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ናብ ወዱ ይስሕቦም እዩ። (ዮሃንስ 6:44) ንሃብታማት ጥራይ፡ ንድኻታት ጥራይ፡ ንእተወሰነ ዓሌት ወይ ህዝቢ ጥራይ፡ ሽዑ ንዝነበሩ ሰባት ጥራይ ኣይኰነን ዚስሕቦም፣ የግዳስ ኵሎም ሰባት ነቲ የሱስ ዘቕረቦ ዕድመ ንምቕባል ኣጋጣሚ ይውሃቦም እዩ። ስለዚ፡ እተን “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን” ዚብላ ቓላት የሱስ ንዓኻ እውን ይምልከታኻ እየን። ስለምንታይ ኢኻ ንክርስቶስ ክትስዕቦ እትደሊ፧ ንዕኡ ምስዓብከ እንታይ የጠቓልል፧

ስለምንታይ ሰዓብቲ ክርስቶስ ንኸውን፧

8. ኵሎም ሰባት እንታይ እዩ ዜድልዮም፧ ስለምንታይከ፧

8 ሓደ ኣፍልጦ ኽንህበሉ ዚግባእ ሓቂ ኣሎ፦ ጽቡቕ መሪሕነት ሓደ ኻብቲ ዜድልየና መሰረታዊ ነገራት እዩ። ኵሎም ሰባት ኣይኰኑን ነዚ ዚኣምኑሉ፣ ኰይኑ ግና፡ እዚ ዚከሓድ ኣይኰነን። እቲ የሆዋ ዝለኣኾ ነብዪ ኤርምያስ ብመንፈስ ተደሪኹ፡ “ኦ የሆዋ፡ መገዲ ሰብ ናቱ ኸም ዘይኰነት ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ። ዚመላለስ ሰብ እውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን” ብምባል ነዚ ዘለኣለማዊ ሓቂ እዚ መዝገቦ። (ኤርምያስ 10:23) ሰባት ባዕሎም ንርእሶም ንምምሕዳር ክእለት ኰነ መሰል የብሎምን። እወ፡ ታሪኽ ደቂ ሰብ ብሕማቕ መሪሕነት ዝመልአ እዩ። (መክብብ 8:9) ብግዜ የሱስ እቶም መራሕቲ ንሰባት ይጭቍኑን የጋፍዑን የታልሉን ነበሩ። የሱስ ትኩር ብምንባሩ፡ እቶም ተራ ሰባት “ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ” ምንባሮም ተዓዘበ። (ማርቆስ 6:34) ሎሚ ንደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ብደረጃ ጕጅለ ዀነ ብውልቀ ሰብ፡ ክንኣምኖን ከነኽብሮን እንኽእል መራሒ የድልየና እዩ። የሱስ ነዚ የማልኣልና ድዩ፧ ‘እወ’ ኢልና እንምልሰሉ ገለ ምኽንያታት እስከ ንርአ።

9. ንየሱስ ካብ ኵሎም ካልኦት መራሕቲ ዚፈልዮ እንታይ እዩ፧

9 ቀዳማይ፡ የሱስ ብየሆዋ ኣምላኽ እዩ ተመሪጹ። መብዛሕትኦም ሰብኣውያን ገዛእቲ ብኸምኦም ዝኣመሰሉ ዘይፍጹማት ሰባት እዮም ዚምረጹ፣ እዞም ሰባት እዚኦም እውን መብዛሕትኡ ግዜ ይታለሉን ይጋገዩን እዮም። የሱስ ግና እተፈልየ ዓይነት መራሒ እዩ። መዓርጉ ንባዕሉ ነዚ እዩ ዚሕብረና። እታ “ክርስቶስ” እትብል ቃል ምስታ “መሲሕ” እትብል ሕደ ዀይና፡ “ቅቡእ” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። እወ፡ የሱስ ነቲ ቕዱስ ቦታኡ ንምሓዝ፡ በቲ ልዑላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት ተቐቢኡ ወይ ብፍሉይ መገዲ ተሸይሙ እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ፡ “እንሆ፡ ዝሓረኽዎ ጊልያይ፡ ዝሰምሮ ፍቑረይ! መንፈሰይ ኣብኡ ኸሕድር እየ” በለ። (ማቴዎስ 12:18) እንታይ ዓይነት መራሒ ኸም ዜድልየና፡ ካብ ፈጣሪና ንላዕሊ ዚፈልጥ የልቦን። ጥበብ የሆዋ መወዳእታ የብሉን፡ ስለዚ ነቲ ምርጫኡ ኽንኣምኖ ዜኽእል እኹል ምኽንያት ኣሎና።—ምሳሌ 3:5, 6

10. የሱስ ዝገደፎ ኣርኣያ ደቂ ሰብ ኪመስልዎ ዚግባእ ብሉጽ ኣብነት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10 ካልኣይ፡ የሱስ ንዓና ፍጹምን ዜነቓቕሕን ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። እቲ ብሉጽ ዓይነት መራሒ፡ ተገዛእቱ ዚንእድዎን ዚቐድሕዎን ባህርያት ይህልዎ እዩ። ብኣብነቱ ይመርሖም፡ ንኻልኦት ከኣ ምእንቲ ኺመሓየሹ የነቓቕሖም። ሓደ መራሒ እንታይ ባህርያት እንተ ዚህልዎ መኽበርካዮ፧ ትብዓት፧ ጥበብ፧ ድንጋጽ፧ ኣብ ግዜ ሽግር ጽንዓት፧ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዘሕለፎ ህይወቱ ኸተጽንዕ ከለኻ፡ ነዚ ባህርያት እዝን ካልእ ተወሳኽን ከም ዝነበሮ ኽትርኢ ኢኻ። ፍጹም ነጸብራቕ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ስለ ዝዀነ፡ ኵሉ እቲ መለኮታዊ ባህርያት ምሉእ ብምሉእ ኣለዎ። ብዅሉ መዳይ ብሓቂ ፍጹም ሰብ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ዝገበሮ ነገራት፡ ኣብ ኵሉ እቲ እተዛረቦ ቓላት፡ ከምኡ እውን ኣብ ኵሉ እቲ ዘንጸባረቖ ውሽጣዊ ስምዒቱ፡ ክንመስሎ ዚግባእ ነገር ንረክብ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም’ ይብል።—1 ጴጥሮስ 2:21

11. የሱስ “ሕያዋይ ጓሳ” ምዃኑ ዘመስከረ ብኸመይ እዩ፧

11 ሳልሳይ፡ ክርስቶስ ነቲ “ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ምሉእ ብምሉእ ፈጺምዎ እዩ። (ዮሃንስ 10:14) እቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት፡ ነዚ ስእላዊ ኣዘራርባ እዚ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ነበሩ። ጓሶት ነተን ኣባጊዖም ኪከናኸኑ ኢሎም ኣበርቲዖም ይዓይዩ ነበሩ። ሓደ “ሕያዋይ ጓሳ” ንድሕንነት መጓሰኡ፡ ካብ ድሕንነቱ ኣቐዲሙ ይሰርዕ ነበረ። ንኣብነት፡ እቲ ሓደ ኻብ ኣባሓጎታት የሱስ ዝዀነ ዳዊት ንእሽቶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ጓሳ ነበረ፣ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ከኣ ጨካናት ኣራዊት ንኣባጊዑ ኼጥቅዕወን ኪመጹ ኸለዉ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ይቃለሶም ነበረ። (1 ሳሙኤል 17:34-36) የሱስ ምእንቲ ሰብኣውያን ሰዓብቱ ኻብዚ ንላዕሊ እውን ገይሩ እዩ። ህይወቱ ኣብ ክንዳኦም በጃ ሃበ። (ዮሃንስ 10:15) ከምዚ ዓይነት ጥቕሚ ርእሶም ናይ ምስዋእ መንፈስ ዘለዎም ክንደይ መራሕቲ ኣለዉ፧

12, 13. (ሀ) ሓደ ጓሳ ንኣባጊዑ ዚፈልጠን ብኸመይ እዩ፧ ንሳተን ዚፈልጣኦኸ ብኸመይ እየን፧ (ለ) ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኽትከውን እትደሊ ስለምንታይ ኢኻ፧

12 የሱስ ብኻልእ መገዲ እውን “ሕያዋይ ጓሳ” እዩ ነይሩ። “ንኣባጊዐይ እፈልጠን፡ ኣባጊዐይ እውን ይፈልጣኒ እየን” በለ። (ዮሃንስ 10:14) የሱስ ዚጥቀመሉ ዘሎ ምሳሌ እሞ ሕሰበሉ። ንሓደ ሓላፍ መገዲ ዝዀነ ተዓዛቢ፡ ሓደ መጓሰ ኣባጊዕ ከም ሓደ ጕጅለ ፍጡራት ገይሩ ኺርእየን ይኽእል እዩ። ጓሳ ግና ንነፍሲ ወከፍ በጊዕ ብውልቂ ይፈልጣ እዩ። ኣየኖት ኣባጊዕ ኣብ ቀረባ ግዜ ኺወልዳ ኸለዋ ሓገዙ ኸም ዚደልያ፡ ኣየኖት ዕየት ኣዝየን ንኣሽቱን ነዊሕ መገዲ ኺጐዓዛ ዘይክእላን ብምዃነን ኪስከመን ከም ዘለዎ፡ ከምኡ እውን ኣየነይቲ በጊዕ ኣብ ቀረባ ግዜ ኸም ዝሓመመት ወይ ከም እተጐድአት ይፈልጥ እዩ። እተን ኣባጊዕ እውን ነቲ ጓሳአን ይፈልጣኦ እየን። ድምጹ የለልያ፡ ምስ ናይ ካልእ ጓሳ ድምጺ እውን ኣየጋግየንን እዩ። ብቓና ድምጹ መጠንቀቕታ ኺህበን ከሎ፡ ቅልጡፍ ምላሽ ይህባ። ናብ ዚመርሐን ዘበለ ይስዕባኦ። ንሱ እውን ናበይ ከም ዚመርሐን ይፈልጥ እዩ። ልሙዕ ሸኻ፡ ዝሑልን ጽሩይን ዛራ፡ ከምኡ እውን ካብ ሓደጋ ናጻ ዝዀነ መገሃጫ ኣበይ ከም ዚርከብ ይፈልጥ እዩ። ኪሕልወን ከሎ ኸኣ፡ እተን ኣባጊዕ ዕቝባ ይስምዐን እዩ።—መዝሙር 23

13 ከምዚ ዓይነት መሪሕነት ክትረክብ ሃረር ኣይትብልንዶ፧ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንሰዓብቱ ኸምዚ ገይሩ ብምሓዝ ዝመጸ መወዳድርቲ የብሉን። ሕጂ ዀነ ኣብ ዘለኣለማዊ መጻኢ ናብ ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት ኪመርሓካ ቓል ኣትዩ ኣሎ! (ዮሃንስ 10:10, 11፣ ራእይ 7:16, 17) እምበኣር፡ ንክርስቶስ ምስዓብ ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ነገራት ከም ዜጠቓልል ክንፈልጥ ኣሎና።

ሰዓቢ ክርስቶስ ምዃን እንታይ ማለት እዩ፧

14, 15. ሰዓቢ የሱስ ንምዃን፡ ክርስትያን እየ ምባል ወይ ምስ ክርስቶስ ስምዒታዊ ምትእስሳር ምህላው ጥራይ እኹል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

14 ሎሚ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነቲ ክርስቶስ ዘቕረቦ ዕድመ እተቐበሉ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ከመይሲ፡ ክርስትያናት ተባሂሎም ኪጽውዑ ይደልዩ እዮም። ምናልባት ምእመናን እታ ወለዶም ዘጠመቕዎም ቤተ ክርስትያን ኪዀኑ ይኽእሉ ይዀኑ። ወይ ምስ ክርስቶስ ስምዒታዊ ምትእስሳር ከም ዘለዎምን ከም ብሕታዊ መድሓኒኦም ገይሮም ከም እተቐበልዎን ይዛረቡ ይዀኑ። እዚ ግና ሰዓብቲ ክርስቶስ ይገብሮም ድዩ፧ የሱስ ሰዓብቱ ኽንከውን ኪዕድመና ኸሎ፡ ከምዚ ድዩ ዚሓስብ ነይሩ፧ ሰዓቢ ክርስቶስ ምዃን ብዙሕ ካልእ ነገራት የጠቓልል።

15 ነዛ ናይ ህዝበ ክርስትያን ዓለም፡ ማለት ነተን ሰዓብቲ ክርስቶስ ኢና ዚብሉ መብዛሕትኦም ዜጋታት ዘለዉወን ሃገራት እሞ ንርአ። ህዝበ ክርስትያን ንትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ ተንጸባርቖ ድያ፧ ወይስ ኣብዘን ሃገራት እዚአን ከምቲ ኣብ ዝተረፈ ኽፋል እዛ ዓለም ዘሎ ጽልእን ጭቈናን ገበንን ምጕዳል ፍትሕን እዩ ዚርአ ዘሎ፧

16, 17. እቶም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ መብዛሕትኡ ግዜ እንታይ እያ እትጐድሎም፧ ነቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስከ ፍልይ ዝበሉ ዚገብሮም እንታይ እዩ፧

16 የሱስ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቱ በቲ ዚዛረብዎ ዘረባ ወይ በቲ ዚጽውዑሉ ስም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብቐዳምነት ብግብሮም ከም ዚፍለጡ ተዛረበ። ንኣብነት፡ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ጥራይ ደኣ እምበር፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ’ ዚብለኒ ዅሉ ኣይኰነን ናብ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ” በለ። (ማቴዎስ 7:21) ንየሱስ ከም ጐይታኦም ገይሮም ዚዛረቡሉ ብዙሓት ሰባት ፍቓድ ኣቦኡ ዘይገብሩ ስለምንታይ እዮም፧ ነቲ ሃብታም ጐበዝ ዘክሮ። መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ሰባት ‘ሓንቲ ጐዲላቶም’ ኣላ። እዚኣ ኸኣ ንየሱስን ነቲ ዝለኣኾን ብምሉእ ነፍሲ እትርአ ፍቕሪ እያ።

17 እዚ ኸመይ ኢሉ ይኸውን፧ ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ንክርስቶስ ከም ዜፍቅርዎ ኣይዛረቡን ድዮም፧ ብርግጽ ይዛረቡ እዮም። ንየሱስን ንየሆዋን ምፍቃር ግና ካብ ቃላት ንላዕሊ የጠቓልል። የሱስ፡ “ዜፍቅረኒ እንተሎ፡ ቃለይ ይሕሉ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 14:23) ከም ጓሳ ዀይኑ ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ “ኣባጊዐይ ድምጸይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ እፈልጠን፡ ንሳተን እውን ይስዕባኒ እየን” በለ። (ዮሃንስ 10:27) እወ፡ ንክርስቶስ ብሓቂ ፍቕሪ ኸም ዘላትና እነርእየሉ መገዲ፡ ቃላትና ወይ ስምዒታትና ዘይኰነስ፡ ተግባራትና እዩ።

18, 19. (ሀ) ብዛዕባ የሱስ እነጥርዮ ፍልጠት ብኸመይ ይጸልወና፧ (ለ) ዕላማ እዛ መጽሓፍ እዚኣ እንታይ እዩ፧ ነቶም ንነዊሕ እዋን ሰዓብቲ ክርስቶስ ገይሮም ንርእሶም ዚርእዩ ሰባትከ ብኸመይ ክትጠቕሞም ትኽእል፧

18 ተግባራትና ግና ካብ ባዶ ኣይምንጭን እዩ። ንውሽጣዊ እንታይነትና እዩ ዜንጸባርቕ። እምበኣር ካብቲ ውሽጣዊ እንታይነትና ጀሚርና ኢና ምትዕርራይ ክንገብር ዘሎና። የሱስ፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) ብዛዕባ የሱስ ርጡብ ፍልጠት ንቐስምን ነስተንትነሉን እንተ ዄንና፡ ልብና ይጽሎ እዩ። ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ እናዓዘዘት ትኸይድ፡ መዓልቲ መዓልቲ ንምስዓቡ ዘሎና ባህጊ ድማ እናዓበየ ይኸይድ።

19 ዕላማ እዛ መጽሓፍ እዚኣ እውን ከምኡ ንምግባር እዩ። ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ብሓፈሻ ጽሙቝ ኣቢልካ ንምቕራብ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ከም እንስዕቦ ብዝያዳ ንጹር ምእንቲ ኽትገብረልና እዩ። b ነቲ ኸም መስትያት ዝዀነ ቕዱሳት ጽሑፋት ብምጥማት፡ ‘ብሓቂዶ ንክርስቶስ እስዕቦ ኣለኹ እየ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት እያ ተዳልያ። (ያእቆብ 1:23-25) ምናልባት ንነዊሕ እዋን በቲ ሕያዋይ ጓሳ እትምራሕ በጊዕ ከም ዝዀንካ ጌርካ ትሓስብ ጸኒሕካ ትኸውን። ከተመሓይሸሉ እትኽእል መገድታት ወትሩ ኽትረክብ ከም እትኽእል ግና ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብእምነት እንተ ኣሊኹም፡ ብቐጻሊ ርእስኹም ፈትኑ፡ ብቐጻሊ ርእስኹም መርምሩ” ኢሉ ይምሕጸነና። (2 ቈረንቶስ 13:5) በቲ የሆዋ ኺመርሓና ኢሉ ባዕሉ ዝሸሞ ፈቃር ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ የሱስ ንምራሕ ከም ዘለና ንምርግጋጽ እንገብሮ ዅሉ ጻዕሪ ብሓቂ ጠቓሚ እዩ።

20. ኣብታ እትስዕብ ምዕራፍ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

20 በዛ መጽሓፍ እዚኣ እትገብሮ መጽናዕቲ፡ ንየሱስን ንየሆዋን ዘላትካ ፍቕሪ የደልድላ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣብ ህይወትካ ምስ እትመርሓካ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዙሕ ሰላምን ዕግበትን ክትረክብ ኢኻ፡ የሆዋ ነቲ ሕያዋይ ጓሳ ስለ ዝሃበና ኸኣ ንዘለኣለም እናኣወደስካዮ ኽትነብር ኢኻ። ልክዕ እዩ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ እንገብሮ መጽናዕቲ ኣብ ቅኑዕ መሰረት እተሰረተ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ምዕራፍ 2 ነቲ የሱስ ኣብ ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ግደ ምምርማርና እምበኣር ግቡእ እዩ።

a የሱስ ንዝሰዓቦ ዘበለ ሰብ ጥሪቱ ንኻልኦት ኪህብ ኣይሓተተን። ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ጭንቂ ምዃኑ እኳ እንተ ተዛረበ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ ግና “ብኣምላኽሲ ዅሉ ይከኣል እዩ” በለ። (ማርቆስ 10:23, 27) ገለ ሃብታማት ሰዓብቲ ክርስቶስ ኰይኖም እዮም። እዚኣቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንጹር ምኽሪ ተዋሂብዎም እዩ፡ ኵሉ ገንዘቦም ንድኻታት ኪህቡ ግና ሕቶ ኣይቀረበሎምን።—1 ጢሞቴዎስ 6:17

b ንብምሉኡ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ብመስርዕ ግዜ ጽሙቝ ኣቢላ እትገልጽ ጽሕፍቲ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን ዘርእስታ መጽሓፍ ተወከስ።