ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

3ይ ክፋል

“እታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ደሪኻትና እያ”

“እታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ደሪኻትና እያ”

ንየሱስ ክንስዕቦ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ደሪኻትና እያ” ብምባል መለሰ። (2 ቈረንቶስ 5:14) ኣብዚ ኽፋል እዚ፡ ነቲ የሱስ ንየሆዋን ንደቂ ሰብን ንዓና ብውልቅን ዘለዎ ፍቕሪ ኸነጽንዕ ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ብሓቂ ደራኺ እዩ። በዚ ኸምዚ ኣልባብና ይትንከ፡ ኣብነት ጐይታና ብምስዓብ ዝመጸ ኸኣ ስጕምቲ ኽንወስድን ክንመሓየሽን ንድረኽ።