ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሸሞንተ

“ብቐጻሊ ስዓበኒ”

“ብቐጻሊ ስዓበኒ”

1-3. (ሀ) የሱስ ንሃዋርያቱ ብኸመይ ዝበለ መገዲ እዩ ሓዲግዎም ዝኸደ፧ እዚኸ ዜሕዝን ስንብታ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ የሱስ ናብ ሰማይ ካብ ዚምለስ ንደሓር ዘለዎ ህይወት ክንምሃር ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

 ዓሰርተው ሓደ ሰብኡት ኣብ ሓደ ኸረን ደው ኢሎም ነበሩ። ንሓደ ምሳታቶም ዝነበረ ብዓብዪ ፍቕርን ኣድንቖትን ይጥምትዎ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሰብኣዊ መልክዕ እኳ እንተ ነበሮ፡ ንሱ ግና ካብ ኵሎም እቶም መንፈሳውያን ደቂ የሆዋ ዝሓየለ ዀይኑ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ እዩ። የሱስ ነቶም ሃዋርያቱ ንመወዳእታ ግዜ ኣብቲ ደብረ ዘይቲ ኺራኸቡ እዩ ኣኪብዎም።

2 እዚ ደብሪ ወይ ከረን እዚ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብቲ ኻብ የሩሳሌም ስግር ስንጭሮ ቄድሮን ዚርከብ እምኒ ኖራ ዝበዝሖ ዅድዅዶታት ኰይኑ፡ ንየሱስ ብዙሕ ነገር የዘኻኽሮ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ጎቦ እዚ ኸተማ ቢታንያ ትርከብ ነበረት፡ ኣብኣ ኸኣ የሱስ ንኣልኣዛር ኣተንስኦ። ካብቲ ምስ ሃዋርያቱ ንመወዳእታ ግዜ እተፋነወሉ ሒደት ሰሙናት ኣቐዲሙ፡ ካብታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ቤት-ፋጌ ተበጊሱ ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ብዓጀባ ናብ የሩሳሌም ኣተወ። እቲ የሱስ ቅድሚ ምትሓዙ ዝነበረ ዜጨንቕ ሰዓታት ዘሕለፈሉ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ እውን ኣብ ደብረ ዘይቲ ይርከብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ጎቦ እቲ ኸኣ የሱስ ነቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኹን ሰዓብቱን ኪሰናበቶም ተዳለወ። ሕያውነት ዝመልኦ ናይ ስንብታ ቓላት ተዛረቦም። ድሕሪኡ ኻብ ምድሪ ሓፍ ኪብል ጀመረ! እቶም ሃዋርያት ኣብቲ ቦታ ደው ኢሎም፡ እቲ ዜፍቅርዎ ጐይታኦም ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ረኣይዎ። ኣብ መወዳእታ፡ ደበና ኣጐልበቦ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ደጊም ኣይረኣይዎን።—ግብሪ ሃዋርያት 1:6-12

3 እቲ ትርኢት ዜሕዝን ስንብታ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ክልተ መላእኽቲ ነቶም ሃዋርያት ታሪኽ የሱስ በዚ ኸም ዘየብቅዕ ገሊጾምሎም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:10, 11) ናብ ሰማይ ምኻዱ ብሓያሎ መገድታት ከም መጀመርታ እዩ ነይሩ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ንየሱስ ዘጋጠሞ ነገራት ኣይሓብኣልናን እዩ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ካብ ምድሪ ኻብ ዚኸይድ ኣትሒዙ ዝመርሖ ህይወት ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ፧ እቲ የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ብቐጻሊ ስዓበኒ” ኢሉ እተዛረቦ ነገር ዘክሮ። (ዮሃንስ 21:19, 22) ኵላትና ነቲ ትእዛዝ እቲ ንግዜኡ ኣብ እንገብሮ ምርጫ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም መገዲ ህይወትና ጌርና ኽንሕልዎ ኣሎና። ከምኡ ንምግባር፡ ሕጂ ጐይታና እንታይ ይገብር ከም ዘሎን ኣብ ሰማይ እተዋህቦ ዕዮን ክንርዳእ ኣሎና።

የሱስ ካብ ምድሪ ኻብ ዚዓርግ ኣትሒዙ ዘለዎ ህይወት

4. የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ እንታይ ከም ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

4 ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ የሱስ ናብ ሰማይ ኪበጽሕ ከሎ እንታይ ከም ዝዀነ፡ እተገብረሉ ኣቀባብላ፡ ምስ ኣቦኡ ኸም ብሓድሽ ኪራኸብ ከሎ ዝነበረ ዜሐጕስ ኵነታት ኣይገልጽን እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ድሕሪ ምምላሱ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ሰማይ እንታይ ከም ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ንልዕሊ 15 ዘመን ኣይሁድ ወትሩ ቕዱስ በዓል የብዕሉ ነይሮም እዮም። ኣብ ዓዓመት ሓንቲ መዓልቲ እቲ ሊቀ ኻህናት ናብታ ኣብቲ ቤተ መቕደስ እትርከብ ቅድስተ ቕዱሳን ይኣቱ እሞ፡ ካብቲ ብመዓልቲ ዕርቂ ዚቐርብ መስዋእትታት እተወስደ ደም ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኪዳን ይነጽጎ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ነቲ መሲሕ ጽላሎት ዚኸውን ነበረ። የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ኣተወ፡ ነቲ ትንቢታዊ ትርጉም እቲ በዓል ሓንሳእን ንሓዋሩን ፈጸሞ። ናብቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስ ዝዀነ ግርማዊ የሆዋ ዚርከበሉ ሰማይ ኣተወ፡ ዋጋ መስዋእታዊ በጃኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ኣቕረበ። (እብራውያን 9:11, 12, 24) የሆዋ ነዚ ተቐቢልዎዶ፧

5, 6. (ሀ) የሆዋ ነቲ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ከም እተቐበሎ ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧ (ለ) ካብቲ በጃ ዚጥቀም መን እዩ፧ ብኸመይከ፧

5 መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብቲ የሱስ ካብ ዚዓርግ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ዝዀነ ነገራት ንረኽቦ ኢና። ኣስታት 120 ኣቢሎም ዚዀኑ ክርስትያናት ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዚርከብ ሓደ ደርቢ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዝኣመሰለ ድምጺ ነታ ቤት መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ኣብ ኣራእሶም ተቐመጠ፡ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ ብኻልእ ቋንቋታት ከኣ ኪዛረቡ ጀመሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4) እዚ ፍጻመ እዚ መንፈሳዊ እስራኤል ዚብሃል ሓድሽ ህዝቢ ኸም እተወልደ ዜመልክት ነበረ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ምድሪ ፍቓድ ኣምላኽ ዚፍጽም “ሕሩይ ዓሌት” ከምኡ እውን “ንጉሳዊ ኽህነት” እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:9) የሆዋ ኣምላኽ ነቲ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ከም እተቐበሎን ከም ዝሰመሮን ንጹር ኰነ። እዚ ምፍሳስ መንፈስ ቅዱስ በቲ በጃ ኣቢልካ ኺርከብ ዝኸኣለ ናይ መጀመርታ በረኸት እዩ ነይሩ።

6 ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ በጃ ክርስቶስ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዚርከቡ ሰዓብቱ ጠቒሙ እዩ። ካብቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ እተቐብኡ “ሒደት መጓሰ” ንኹን፡ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ብዘየገድስ፡ ካብዚ መስዋእቲ እዚ ንጥቀም ኢና። (ሉቃስ 12:32፣ ዮሃንስ 10:16) እዚ በጃ እዚ ንተስፋናን ንሕድገት ሓጢኣትናን መሰረት ዚኸውን እዩ። መዓልቲ መዓልቲ ንየሱስ ብምስዓብ በቲ በጃ ኽሳዕ ‘ዝኣመንና፡’ ንጹህ ሕልናን ብሩህ ተስፋን ኪህልወና ይኽእል እዩ።—ዮሃንስ 3:16

7. የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ እንታይ ሓላፍነት እዩ እተዋህቦ፧ ብኸመይከ ኽትድግፎ ትኽእል፧

7 የሱስ ናብ ሰማይ ካብ ዚምለስ ኣትሒዙ እንታይ ኪገብር ጸኒሑ፧ ሰፊሕ ስልጣን ተዋሂብዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 28:18) እወ፡ የሆዋ ንዕኡ ኣብ ልዕሊ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺገዝእ ሸይምዎ ኣሎ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ኸኣ ብፍቕራውን ፍትሓውን መገዲ ይፍጽሞ ኣሎ። (ቈሎሴ 1:13) ከምቲ ብትንቢት እተነግረ፡ የሱስ ተገዳስነት ንዘለዎም ሰብኡት ነተን መጓሰ ዜድልየን ኪሓልዩ ሓላፍነት ሂብዎም ኣሎ። (ኤፌሶን 4:8) ንኣብነት፡ ንጳውሎስ ኣብ ርሑቕ ሃገራት ነቲ ብስራት ኪዝርግሕ ብምልኣኽ “ንኣህዛብ ሃዋርያኦም” ኪኸውን ሓረዮ። (ሮሜ 11:13፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:7) ኣብ ኣጋ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን፡ የሱስ ነተን ኣብታ ሓንቲ ኻብተን ኣውራጃታት ሮሜ ዝነበረት እስያ ዝርከባ ሸውዓተ ጉባኤታት ዚኸውን ናእዳን ምኽርን መአረምታን ዝሓዘ መልእኽቲ ለኣኸ። (ራእይ፡ ምዕራፍ 2-3) የሱስ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ዝዀነስ ኣፍልጦ ትህበሉ ዲኻ፧ (ኤፌሶን 5:23) ብቐጻሊ ኽትስዕቦ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ጉባኤኻ ተኣዛዝነትን ምትሕብባርን ንምስፋን እጃምካ ኸተበርክት ትኽእል ኢኻ።

8, 9. የሱስ ካብ 1914 ኣትሒዙ እንታይ ስልጣን እዩ ተዋሂብዎ፧ እዚኸ ነቲ እንገብሮ ውሳነታት ብኸመይ ኪጸልዎ ኣለዎ፧

8 የሱስ ብ1914 እውን ዝያዳ ስልጣን ተዋሂብዎ እዩ። በታ ዓመት እቲኣ ንጉስ መሲሓዊት መንግስቲ የሆዋ ዀይኑ ተሸመ። ግዝኣት ክርስቶስ ኪጅምር ከሎ፡ “ኣብ ሰማይ . . . ውግእ ኰነ።” እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ተደርበዩ፡ ንምድሪ ኸኣ ወይለኺ እተባህለላ እዋን ጀመረ። እቲ ነዚ ሕጂ ዘሎ ሰብ ጸገም ኰይንዎ ዘሎ ብዝሒ ውግእ፡ ዓመጻ፡ ሽበራ፡ ሕማም፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ከምኡ እውን ጥሜት፡ የሱስ ሕጂ ኣብ ሰማይ ይገዝእ ከም ዘሎ ዜዘኻኽር እዩ። ሰይጣን ን“ሓጺር እዋን” “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” እዩ። (ራእይ 12:7-12፣ ዮሃንስ 12:31፣ ማቴዎስ 24:3-7፣ ሉቃስ 21:11) ይኹን እምበር፡ የሱስ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዚርከቡ ሰባት ንግዝኣቱ ኪቕበሉ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኣሎ።

9 ኣብ ጐድኒ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ክንቀውም ኣሎና። ኣብ ኵሉ መዓልታዊ ውሳነታትና፡ ስምረቱ ኽንደሊ ኣሎና ደኣ እምበር፡ ካብዛ ብልሽውቲ ዓለም ተቐባልነት ክንረክብ ክንጽዕር የብልናን። እዚ “ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይተትን” ንደቂ ሰብ ኪምርምሮም ከሎ፡ እቲ ጽድቂ ዝመልኦ ልቡ ብቝጥዓ ይነድድ፡ ከምኡ እውን ብሓጐስ ይጅርብብ እዩ። (ራእይ 19:16) ስለምንታይ፧

እቲ መሲሓዊ ንጉስ ዘለዎ ቝጥዓን ሓጐስን

10. የሱስ ብተፈጥሮኡ እንታይ ባህርይ ኣለዎ፧ ኰይኑ ግና ንጐይታና ብጽድቃዊ ቝጥዓ ኸም ዚምላእ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

10 ጐይታና ኸም ኣቦኡ ብተፈጥሮኡ ሕጉስ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11) የሱስ ሰብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቓፊ ወይ ብቐሊሉ ዘይሕጐስ ኣይነበረን። ኰይኑ ግና፡ ሎሚ ብጽድቃዊ ቝጥዓ ኸም ዚምላእ ኪገብሮ ዚኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ብዅለን እተን ብሓሶት ንውክሎ ኢና ዚብላ ሃይማኖታዊ ውድባት ብርግጽ ይቝጣዕ ኪኸውን ኣለዎ። ከምዚ ኢሉ እውን ተነብዩ ነይሩ፦ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ጥራይ ደኣ እምበር፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ’ ዚብለኒ ዅሉ ኣይኰነን ናብ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብዙሓት፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ . . . ብስምካዶኸ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበርናን፧’ ኪብሉኒ እዮም። ኣነ ግና፡ ‘ኣቱም ጠሓስቲ ሕጊ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን! ካባይ ርሓቑ!’ ክብሎም እየ።”—ማቴዎስ 7:21-23

11-13. ገሊኦም ሰባት በቲ የሱስ ነቶም ብስሙ “ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ” ዚገብሩ ዚዛረቦም ተሪር ቃላት ዚድንጽዎም ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ኰይኑ ግና ንሱ እተቘጥዐ ስለምንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

11 ብዙሓት ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ሰባት፡ እዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ ቓላት ይድንጽዋኦም ይዀና። የሱስ ነቶም ብስሙ “ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ” ዝገበሩ ሰባት ስለምንታይ እዩ ተሪር ቃላት እተዛረቦም፧ ሃይማኖታት ህዝበ ክርስትያን ግብረ ሰናያዊ ተግባራት ገይረን፡ ንድኻታት ረዲአን፡ ሆስፒታላትን ኣብያተ ትምህርትን ሃኒጸን፡ ከምኡ እውን ብዙሕ ካልእ ዕማማት ዓሚመን እየን። ስለምንታይ ንየሱስ ከም ዜቘጥዓኦ ንምርዳእ ግና ነዚ ዚስዕብ ምሳሌ እስከ ንርአ።

12 ሓደ ኣቦን ሓንቲ ኣደን ኪገሹ ደለዩ ንበል። ንደቆም ምሳታቶም ሒዞምዎም ኪኸዱ ስለ ዘይከኣሉ፡ ሓንቲ ኣላዪት ሕጻናት ቈጸሩ። “ንደቅና ተኸናኸንዮም። መግብዮም፡ ኣጽርይዮም፡ ከይጕድኡ ድማ ሓልውዮም” ዚብል ቀሊል መምርሒ ኸኣ ሃብዋ። እቶም ወለዲ ምስ ተመልሱ ግና፡ ደቆም ብጥሜት ተወዲኦም ብምርኣዮም ሰምበዱ። ብዘይካዚ፡ ረሲሖምን ማሲኖምን ከፊእዎምን ጸንሕዎም። እታ ኣላዪት ሕጻናት ኣቓልቦ ኽትገብረሎም ኢሎም እኳ እንተ በኸዩ፡ ዚሰምዖም ግና ኣይነበረን። ስለምንታይ፧ ኣብ ሓደ መሳልል ደዪባ፡ መስኰት ተጽሪ ነበረት። እቶም ወለዲ በዚ ነዲሮም ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበረት ሓተትዋ። እታ ኣላዪት ሕጻናት፡ “ነዚ ዅሉ ዝገበርኩልኩም እሞ ርኣዩ! እዚ መሳዅቲ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝጸረየ እሞ ተመልከቱ! ኣብ ቤትኩም እውን ጽገና ገይረ እየ” ኢላ መለሰትሎም። እቶም ወለዲ በዚ ምኽንያት እዚ ኣረኣእያኦም ምቐየሩዶ፧ ኣይፋሉን! ነቲ ዕዮታት እቲ ኽትዓዪ ኣይኰኑን ተላብዮምዋ፣ ንደቆም ክትከናኸነሎም ጥራይ እዮም ደልዮም። መምርሒታቶም ክትስዕብ ዘይምድላያ የቘጥዖም እዩ።

13 ህዝበ ክርስትያን ከምታ ኣላዪት ሕጻናት እያ ዀይና ዘላ። የሱስ ንተወከልቱ፡ ንሰባት ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ብምምሃርን ብመንፈሳዊ መዳይ ጽሩያት ኪዀኑ ብምሕጋዝን፡ መንፈሳዊ ምግቢ ኺምግብዎም እዩ መምርሒ ሂብዎም። (ዮሃንስ 21:15-17) ህዝበ ክርስትያን ግና ነዚ መምርሒ እዚ ፈጺማ ኣይሰዓበቶን። ንሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ዚጠምዩን ብሓሶት ከም ዚደናገሩን ንመሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዚምልከት ደናቝርቲ ኸም ዚዀኑን እያ ገይራ። (ኢሳይያስ 65:13፣ ኣሞጽ 8:11) እቲ ነዛ ዓለም እዚኣ ንምምሕያሽ እትገብሮ ፈተነታት እኳ እንተ ዀነ፡ ካብቲ ዀነ ኢላ ትእዛዝ ብዘይምኽባራ ዝገበረቶ በደል ከም እትነሓፍ ኣይገብራን እዩ። ከመይሲ፡ እዛ ዓለም እዚኣ ኸምቲ ኽትዓኑ እተመደበት ቤት እያ። ቃል ኣምላኽ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸም እትጠፍእ ንጹር ይገብሮ እዩ።—1 ዮሃንስ 2:15-17

14. ሎሚ ንየሱስ ዜሐጕሶ እንታይ ዕዮ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

14 በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ የሱስ ካብ ሰማይ ኰይኑ ኺዕዘብ ከሎ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነቲ ኻብ ምድሪ ቕድሚ ምኻዱ ንሰዓብቱ ዝሃቦም ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር መዝነት ይፍጽሙ ኸም ዘለዉ ኺርኢ ኸሎ ብዙሕ ይሕጐስ ኪኸውን ኣለዎ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ንሓጐስ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ኣበርክቶ ምግባርሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ ክብሪ ዀን እዩ! እምበኣር፡ ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኻብ ምሕጋዝ ከቶ ኸይንሕለል ቈራጽነት ንግበር። (ማቴዎስ 24:45) እዚ ንእሽቶ ጕጅለ ቕቡኣት ኣሕዋት እዚ ኸምቶም ኣቕሽሽቲ ህዝበ ክርስትያን ዘይኰነስ፡ ነቲ ዕዮ ስብከት ብተኣዛዝነት ይመርሖ፡ ንኣባጊዕ ክርስቶስ ከኣ ብተኣማንነት ይምግበን ኣሎ።

15, 16. (ሀ) የሱስ ሎሚ መብዛሕትኦም ሰባት ፍቕሪ ኸም ዘይብሎም ኪርኢ ኸሎ ኸመይ ይስምዖ፧ እዚኸ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) የሱስ ንህዝበ ክርስትያን እተቘጥዓ ስለምንታይ እዩ፧

15 እቲ ንጉስ ሎሚ ኣብ ምድሪ ኣብ መብዛሕትኦም ሰባት ፍቕሪ ኸም ዘየልቦ ኺርኢ ኸሎ የቘጥዖ ኪኸውን ኣለዎ። ፈሪሳውያን ንየሱስ ብሰንበት ብምፍዋሱ ብኸመይ ከም ዝነቐፍዎ ንዝክሮ ንኸውን። ተሪር ዝልቦምን ነቓጻትን ብምንባሮም፡ ካብቲ ንሕጊ ሙሴን ንትውፊቶምን ዚህብዎ ጸቢብ ትርጉም ሓሊፎም ኣስፊሖም ኪርእዩ ኣይክእሉን እዮም። የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት፡ ንሰባት ብዙሕ እዩ ጠቒምዎም! ኰይኑ ግና፡ እቲ በዚ ተኣምራት ዝፈረየ ሓጐስን እፎይታን ዝደልደለ እምነትን ግና፡ ነዞም ሰባት እዚኦም ትርጉም ኣይነበሮን። የሱስ ብዛዕባኦም ከመይ ተሰምዖ፧ ሓደ ግዜ “በቲ ትሪ ልቦም ጕህዩ ብቝጥዓ ግልጽ ግልጽ ኢሉ . . . ጠመቶም።”—ማርቆስ 3:5

16 ሎሚ የሱስ ብዝያዳ ‘ዜጕህዮ’ ነገር ይርኢ እዩ። መራሕቲ ህዝበ ክርስትያን በቲ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚጋጮ ልምድታቶምን ሰረተ እምነታቶምን ዘለዎም ተወፋይነት ዓዊሮም እዮም ዘለዉ። ብተወሳኺ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪስበኽ ከሎ ይሓርቁ እዮም። ኣብ ሓያሎ ኽፍልታት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ኣቕሽሽቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ የሱስ ዝሰበኾ መልእኽቲ ኺሰብኩ ዚፍትኑ ሰባት ከቢድ መስጐጕቲ ኣለዓዒሎም እዮም። (ዮሃንስ 16:2፣ ራእይ 18:4, 24) እዞም ኣቕሽሽቲ እዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ፡ ያኢ ንየሱስ ከም ዜሐጕሶ፡ ንሰዓብቶም ናብ ውግእ ኪኸዱን ህይወት ካልኦት ኬጥፍኡን የተባብዑ እዮም።

17. ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ንልቡ ዜሐጕስዎ ብኸመይ እዮም፧

17 ብኣንጻሩ ግና፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ንብጻዮም ፍቕሪ ኼርእዩ ይጽዕሩ እዮም። ከምቲ የሱስ ዝገበሮ፡ ምጽራር እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ነቲ ብስራት ን“ዅሉ ዓይነት ሰብ” የካፍሉ እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) እታ ንሓድሕዶም ዘላቶም ፍቕሪ ኸኣ ሓለፍ ዝበለት እያ፣ ቀንዲ መለለዪቶም እያ። (ዮሃንስ 13:34, 35) ንክርስትያናት ብጾቶም ብፍቕርን ኣኽብሮትን ስለ ዚሕዝዎም፡ ብሓቂ ንየሱስ ይስዕብዎን ንልቢ እቲ መሲሓዊ ንጉስ የሐጕስዎን ኣለዉ!

18. ንጐይታና ዜጕህዮ እንታይ እዩ፧ ግናኸ ብኸመይ ከነሐጕሶ ንኽእል፧

18 ሰዓብቲ የሱስ ንየሆዋ ዘላቶም ፍቕሪ ብሰንኪ ምዝሓላን ኣገልግሎቶም ብምቍራጾምን ጸኒዖም እንተ ዘይቀጺሎም፡ ጐይታና ኸም ዚጕሂ ኽንርስዕ እውን የብልናን። (ራእይ 2:4, 5) ይኹን እምበር፡ የሱስ በቶም ክሳዕ መወዳእታ ዚዕገሱ ይሕጐስ እዩ። (ማቴዎስ 24:13) እምበኣር፡ ብእተኻእለና መጠን፡ ነቲ ክርስቶስ “ብቐጻሊ ስዓበኒ” ብምባል ዝሃቦ ትእዛዝ ወትሩ ንዘክሮ። (ዮሃንስ 21:19) ገለ ኻብቲ መሲሓዊ ንጉስ ነቶም ክሳዕ መወዳእታ ዚዕገሱ ዚህቦም በረኸት እስከ ንርአ።

ነቶም እሙናት ኣገልገልቲ እቲ ንጉስ በረኸት ይውሕዘሎም

19, 20. (ሀ) ንየሱስ ምስዓብ ሕጂ እንታይ በረኸት ክንረክብ የኽእለና፧ (ለ) ንክርስቶስ ምስዓብ ነቲ ዜድልየና ኣቦ ኽንረክብ ዜኽእለና ብኸመይ እዩ፧

19 ንየሱስ ምስዓብ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ብሓቂ በረኸት ዘለዎ ህይወት የምጽእ እዩ። ንክርስቶስ ከም ጐይታና ጌርና እንተ ተቐቢልናዮ፡ ማለት መምርሒኡ ንስዕብን ብኣብነቱ ንምራሕን እንተ ዄንና፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ደልዮም ዘይረኽብዎ መዛግብቲ ኽንረክብ ኢና። ንህይወትና ዕላማን ትርጉምን ከም ዚህልዎ ዚገብር ዕዮ፡ ብናይ ሓቂ ማእሰር ፍቕሪ ሓድነት ዘለዎም ከም ሓደ ስድራ ቤት ዝዀኑ ኣመንቲ ብጾት፡ ንጹህ ሕልና፡ ከምኡ እውን ናይ ኣእምሮ ሰላም ብምርካብ ክንባረኽ ኢና። ብሓጺሩ ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት ኪህልወና እዩ። እቲ እንረኽቦ በረኸት ግና በዚ ዜብቅዕ ኣይኰነን።

20 የሆዋ ነቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዚገብሩ፡ ንየሱስ ከም “ኣቦ ዘለኣለም” ገይሩ ኣቕሪቡሎም ኣሎ። የሱስ ነቲ ንዅሎም ዘርኡ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዘእተዎም ሰብኣዊ ኣቦና ኣዳም መተካእታ እዩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7) ንየሱስ ከም “ኣቦ ዘለኣለም” ጌርና ብምቕባል፡ ኣብኡ ኸኣ ብምእማን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ርግጽ ተስፋ ይህልወና። ብተወሳኺ፡ ብእኡ ኣቢልና ናብ የሆዋ ኣምላኽ ብዝያዳ ንቐርብ። ኣቐዲምና ኸም እተምሃርናዮ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብነት የሱስ ክንስዕብ ምጽዓር፡ ነቲ፡ “ከም ፍቑራት ውሉዳት፡ ንኣምላኽ ምሰልዎ” ዚብል ትእዛዝ ኣምላኽ እንሕልወሉ ብሉጽ መገዲ እዩ።—ኤፌሶን 5:1

21. ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብዛ ጸልማት ዓለም እዚኣ ብርሃን ዜንጸባርቑ ብኸመይ እዮም፧

21 ንየሱስን ንኣቦኡ የሆዋን ክንመስሎም ከለና፡ ሓደ ዜደንቕ ኣጋጣሚ እዩ ዚኽፈተልና። ብሩህ ብርሃን ከነንጸባርቕ ንኽእል። ኣብዛ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብሰይጣን ዚታለሉላን ባህርያቱ ዚቐድሑላን ዘለዉ ብጸልማት እተዋሕጠት ዓለም፡ እቶም ንክርስቶስ እንስዕቦ ዘበልና ብርቱዕ ብርሃን ነንጸባርቕ ኢና። እዚ ብርሃን እዚ ኸኣ ብርሃን ሓቅታት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ብርሃን ሰናይ ክርስትያናዊ ባህርያት፡ ብርሃን ናይ ሓቂ ሓጐስን ሰላምን ፍቕርን እዩ። ብተወሳኺ ድማ ንየሆዋ ብዝያዳ ንቐርቦ፣ እዚ ኸኣ ዝዀነ ይኹን ኣስተውዓሊ ፍጡር ኪህልዎ ዘለዎ ዝለዓለ ሸቶ እዩ።

22, 23. (ሀ) እቶም ብተኣማንነት ንየሱስ ምስዓብ ዚቕጽሉ ኣብ መጻኢ እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧ (ለ) እንታይ ቈራጽነት እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

22 ብዛዕባ እቲ የሆዋ በቲ መሲሓዊ ንጉስ ኣቢሉ ኣብ መጻኢ ኺገብረልካ ዚደሊ ነገራት እሞ ሕሰብ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ እቲ ንጉስ ኣብ ልዕሊ እቲ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ጽድቃዊ ውግእ ኬላዕል እዩ። የሱስ ከም ዚዕወት እተረጋገጸ እዩ! (ራእይ 19:11-15) ድሕሪኡ፡ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ሽሕ ዓመት ኪነግስ እዩ። እታ ሰማያዊት መንግስቱ ነቲ እቲ በጃ ዜምጽኦ ጥቕምታት ንዅሎም እሙናት ሰባት ከተካፍሎም እያ፡ ናብ ፍጽምና እውን ከተብጽሖም እያ። ጽቡቕ ጥዕና ሃልዩካ፡ መንእሰይን ድልዱልን ኴንካ፡ ምስ ሓድነት ዘለዎ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ብሓባር ነዛ ምድሪ ናብ ገነት ንምቕያር ተሓጒስካ ኽትዓዪ ኸለኻ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ! ኣብ መወዳእታ እቲ ሽሕ ዓመት፡ የሱስ ነቲ ስልጣን ንኣቦኡ ኼረክቦ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:24) ብተኣማንነት ንክርስቶስ እንተ ስዒብካ፡ ብኣእምሮኻ ኽትስእሎ ዘይትኽእል ኣዝዩ ዜደንቕ በረኸት፡ ማለት “ክቡር ሓርነት ደቂ ኣምላኽ” ክትረክብ ኢኻ! (ሮሜ 8:21) እወ፡ እቲ ኣዳምን ሄዋንን ዘጥፍእዎ ዅሉ በረኸት ክንረክብ ኢና። ምድራውያን ደቂ የሆዋ ስለ እንኸውን፡ ካብ ሓጢኣት ኣዳም ንዘለኣለም ናጻ ኽንከውን ኢና። ብሓቂ፡ “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን” እዩ።—ራእይ 21:4

23 ነቲ ኣብ ምዕራፍ 1 ዝረኣናዮ ሃብታም መንእሰይ ገዛኢ እሞ ዘክሮ። ነቲ የሱስ “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን” ብምባል ዘቕረበሉ ዕድመ ኣይተቐበሎን። (ማርቆስ 10:17-22) ከምዚ ዓይነት ጌጋ ኣይትግበር! ነቲ የሱስ ዘቕረበልካ ዕድመ ብሓጐስን ብውዕዉዕ ስምዒትን ተቐበሎ። ነቲ ሕያዋይ ጓሳ መዓልቲ ንመዓልቲ ዀነ ዓመት ንዓመት ብቐጻሊ ኽትስዕቦ ትዕግስቲ ይሃሉኻ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ መወዳእታ ንዅሉ እቲ ዕላማታት የሆዋ ብዜደንቕ መገዲ ኺፍጽሞ ኸሎ ህያው ኴንካ ብዓይንኻ ኽትርኢ ኢኻ!