ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ኣርባዕተ

“ብዙሓት ህዝቢ . . . ናብኡ ቐረቡ”

“ብዙሓት ህዝቢ . . . ናብኡ ቐረቡ”

“ነቶም ቈልዑ ናባይ ኪመጹ ሕደግዎም”

1-3. ወለዲ ንደቆም ናብ የሱስ ምስ ኣምጽኡሉ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧ እዚ ኣጋጣሚ እዚኸ ብዛዕባ የሱስ እንታይ እዩ ዚገልጸልና፧

 የሱስ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ ብቕልጡፍ ይቐርብ ምንባሩ ይርዳእ ነበረ። ሒደት ሰሙናት ጥራይ ተሪፍዎ ነበረ፡ ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ እውን ነበሮ! ምስ ሃዋርያቱ ኣብቲ ብምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ዚርከብ ጴርያ ዚብሃል ዞባ የገልግል ነበረ። ናብ ደቡብ ገጾም፡ ናብ የሩሳሌም እዮም ዚኸዱ ነይሮም፡ ኣብኡ ኸኣ የሱስ ናይ መወዳእታ ፋስጋ ኼብዕል ነበሮ።

2 የሱስ ምስ ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት ሓያል ምይይጥ ድሕሪ ምግባሩ፡ ቍሩብ ዚርብሽ ነገር ተፈጥረ። ሰባት ደቆም ሒዞምሉ መጹ። ማርቆስ ነቶም ደቂ በቲ ንጓል 12 ዓመት ንምግላጽ እተጠቕመላ ቓል ኪጽውዖም ከሎ፡ ሉቃስ ግና “ሕጻናት” ስለ ዝበሎም፡ ኣብ እተፈላለየ ዕድመ ዚርከቡ ኪዀኑ ኣለዎም። (ሉቃስ 18:15፣ ማርቆስ 5:41, 42፣ 10:13) ቈልዑ ኣብ ዘለዉሉ ቦታ ኸኣ ጫውጫውን ዋጭዋጭን ዘይተርፍ እዩ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ጐይታኦም ንሕጻናት ዚኸውን ግዜ የብሉን ካብ ዚብል ሓሳብ እዩ ዚኸውን፡ ነቶም ወለዲ ገንሕዎም። የሱስከ እንታይ ገበረ፧

3 የሱስ ነቲ ዚግበር ዝነበረ ምስ ረኣየ፡ ተቘጥዐ። ንመን ግና እዩ ተቘጢዕዎም፧ ነቶም ቈልዑ ድዩ፧ ንወለዶም ድዩ፧ ኣይፋሉን፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ እዩ ተቘጢዕዎም። “መንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ነቶም ቈልዑ ናባይ ኪመጹ ሕደግዎም፡ ኣይትኸልክልዎም። ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይቅበላ ዘበለ፡ ከቶ ኣይኪኣትዋን እዩ” በሎም። ድሕሪኡ፡ ነቶም ቈልዑ “ሓቚፉ” ባረኾም። (ማርቆስ 10:13-16) ማርቆስ ኣብዚ እተጠቕመላ ቓል፡ የሱስ ብፍቕሪ ኸም ዝሓቘፎም እያ እተመልክት። የሱስ ብርግጽ ንቘልዑ ይፈትዎም ነበረ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ብዛዕባኡ ሓደ ነገር ንመሃር ኢና፣ እዚ ኸኣ ተቐራቢ ምንባሩ እዩ።

4, 5. (ሀ) የሱስ ተቐራቢ ኸም ዝነበረ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ (ለ) ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፧

4 የሱስ ተሪር፡ ጸዋግ፡ ወይ ኵሩዕ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ እቶም ቈልዑ ናብኡ ኣይምተሳሕቡን ነይሮም፣ እቶም ወለዲ እውን ከይተሰከፉ ኣይምቐረብዎን። ነቲ ሽዑ ዘጋጠመ ብኣእምሮኻ ኽትስእሎ ኸለኻ፡ እዚ ሕያዋይ ሰብኣይ እዚ ነቶም ቈልዑ ፍቕሪ ኼርእዮም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎም ዋጋ ኺገልጽ፡ ከምኡ እውን ኪባርኾም ከሎ፡ ወለዶም ብሓጐስ ፍሽኽ ኪብሉስ ኣይረኣየካንዶ፧ እወ፡ የሱስ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝኸበደ ሓላፍነታት እኳ እንተ ነበሮ፡ ካብ ኵሎም ሰባት ንላዕሊ ተቐራቢ እዩ ነይሩ።

5 ንየሱስ ተቐራቢ ዀይኑ ዝረኸብዎ ኻልኦት ሰባት ግና መን እዮም፧ ኣዝዩ ተቐራቢ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ብኸመይ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል፧ እስከ ቐጺልና ንርአ።

ንየሱስ ተቐራቢ ዀይኑ ዝረኸብዎ መን እዮም፧

6-8. መብዛሕትኡ ግዜ ንየሱስ ከመይ ዝኣመሰሉ ሰባት ይቐርብዎ ነበሩ፧ ንዓታቶም ዝነበሮ ኣረኣእያኸ ኻብቲ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝነበሮም ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

6 ጸብጻባት ወንጌል ከተንብብ ከለኻ፡ ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ከይተሰከፉ ኸም ዝቐረብዎ ብምርኣይ ክትግረም ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ “ብዙሕ ህዝቢ” ይመጽዎ ኸም ዝነበሩ፡ ብተደጋጋሚ ነንብብ ኢና። “ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ።” “ብዙሕ ህዝቢ ድማ ናብኡ ተኣከበ።” “ብዙሓት ህዝቢ . . . ናብኡ ቐረቡ።” “ብዙሓት ህዝቢ ድማ ምስኡ ይኸዱ ነበሩ።” (ማቴዎስ 4:25፣ 13:2፣ 15:30፣ ሉቃስ 14:25) እወ፡ የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ ብብዙሓት ሰባት ይኽበብ ነበረ።

7 ብሓፈሻኡ፡ እዚኣቶም በቶም መራሕቲ ሃይማኖት፡ “ህዝቢ እታ ሃገር” ተባሂሎም ዚጽውዑ ዝነበሩ ተራ ሰባት እዮም ነይሮም። ፈሪሳውያንን ካህናትን ብግህዶ፡ “እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝቢ እዚ ግና፡ ርጉም እዩ” ኢሎም ተዛሪቦም እዮም። (ዮሃንስ 7:49) ጸኒሑ እተጻሕፈ ጽሑፋት ረቢታት ነዚ ኣረኣእያ እዚ የንጸባርቕ ነበረ። ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ይንዕቅዎም ስለ ዝነበሩ፡ ምሳታቶም ኣይበልዑን፡ ካባታቶም ኣይዕድጉን፡ ወይ ምሳታቶም ኣይቀራረቡን ነበሩ። አረ ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ነቶም ንትውፊት ዘይፈልጡ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዘይብሎም ይገልጹ ነይሮም እዮም! ብዙሓት ትሑት ደረጃ ዘለዎም ሰባት፡ ካብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መራሕቲ ሓገዝ ወይ መምርሒ ኣብ ክንዲ ዚሓትቱ፡ ካባታቶም ይርሕቑ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። የሱስ ግና እተፈልየ ነበረ።

8 የሱስ ምስ ተራ ሰባት ከይተሰከፈ ይተሓዋወስ ነበረ። ምሳታቶም ይበልዕ፡ የሕውዮም፡ ይምህሮም፡ ከምኡ እውን ተስፋ ይህቦም ነበረ። ልክዕ እዩ፡ የሱስ ክውንነት ዚቕበል ስለ ዝነበረ፡ መብዛሕትኦም ንየሆዋ ኼገልግሉ ዝቐረበሎም ኣጋጣሚ ኸም ዚነጽግዎ ይፈልጥ ነበረ። (ማቴዎስ 7:13, 14) ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ነበሮ፡ ብዙሓት ከኣ ቅኑዕ ንምግባር ተኽእሎ ኸም ዘለዎም ረኣየ። እዝስ ካብ ኣረኣእያ እቶም ተሪር ዝልቦም ካህናትን ፈሪሳውያንን ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን እዩ ነይሩ! እቲ ዜገርም ከኣ፡ ካህናትን ፈሪሳውያንን እውን ንየሱስ ይቐርብዎ ነበሩ፡ ብዙሓት ካባታቶም ድማ መገዶም ብምቕያር ሰዓብዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:7፣ 15:5) ገሊኦም ሃብታማትን ጽልዋ ዘለዎምን እውን ንየሱስ ተቐራቢ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም።—ማርቆስ 10:17, 22

9. ኣንስቲ ንየሱስ ተቐራቢ ዀይኑ ዝረኸባኦ ስለምንታይ እየን፧

9 ኣንስቲ ንየሱስ ከይተሰከፋ ይቐርባኦ ነበራ። ብዙሕ ግዜ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከም ዚንዕቅወን ይስምዐን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ረቢታት ብሓፈሻ ንኣንስቲ ዚምህር ሰብ ኣትሒቶም ይርእይዎ ነበሩ። ኣንስቲ መሰኻኽር ኪዀና ብቑዓት ጌርካ ዘይረኣያ ስለ ዝነበራ፡ ኣብ ሕጋዊ ጕዳያት ኪምስክራ ኣይፍቀደለንን እዩ ነይሩ። እቶም ረቢታት ሕሉፍ ሓሊፎም ኣንስቲ ብዘይምዃኖም ንኣምላኽ ዜመስግኑሉ ጸሎት ነበሮም! የሱስ ግና ንደቂ ኣንስትዮ ኸምዚ ዓይነት ንዕቀት ኣይነበሮን። ብዙሓት ኪምሃራ ኢለን ተሃንጥየን ይቐርባኦ ነበራ። ንኣብነት፡ ማርታ ሓብቲ ኣልኣዛር ምግቢ ንምድላው ሸበድበድ ክትብልን ክትጭነቕን ከላ፡ ማርያም ሓብታ ግና ኣብ እግሪ ጐይታ ኾፍ ኢላ ትሰምዖ ነበረት። የሱስ ንማርያም ቀዳምነት ኪውሃቦ ንዚግብኦ ስለ ዘቐደመት ነኣዳ።—ሉቃስ 10:39-42

10. የሱስ ምስ ሕሙማት ኣብ ዝነበሮ ርክብ ካብቶም መራሕቲ ሃይማኖት እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

10 ሕሙማት እውን በቶም መራሕቲ ሃይማኖት ድርቡያት ጌርካ ይረኣዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ናብ የሱስ ግና ይውሕዙ ነበሩ። ኣብ ሕጊ ሙሴ ንጥዕና እቲ ማሕበረ ሰብ ንምሕላው ተባሂሉ ድዉያት ንበይኖም ኪውሸቡ እተገብረ ስርዓታት እኳ እንተ ነበረ፡ ኣደራዕ ኪወርዶም ግና መሰረት ዚኸውን ነገር ኣይነበረን። (ዘሌዋውያን ምዕራፍ 13) ጸኒሑ ዝወጸ ሕግታት ረቢታት፡ ድዉያት ከም ቀልቀል ጽዩፋት ምዃኖም ይገልጽ። ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት ንለምጻማት ምእንቲ ኸይቀርብዎም ኢሎም ኣእማን ደርብዮምሎም እዮም! ከምዚ ዓይነት ሕሰም ዝወረዶም ሰባት ተቢዖም ንሓደ መምህር ብኸመይ ኪቐርብዎ ከም ዚኽእሉ ምሕሳቡ እውን ዜሸግር እዩ፡ ኰይኑ ግና ድዉያት ንየሱስ ቀሪቦምዎ እዮም። ሓደ ኻብቶም ዝቐረብዎ ድዉያት፡ “ጐይታይ፡ እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” ዚብላ እምነቱ ዚገልጻ ፍሉጣት ቃላት ኣውሲኡ እዩ። (ሉቃስ 5:12) ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፡ የሱስ እንታይ ኢሉ ኸም ዝመለሰ ኽንርኢ ኢና። ንሕጂ ግና የሱስ ተቐራቢ ምንባሩ ንምብራህ፡ ካብዚ ዚበልጽ ንጹር ዝዀነ መርትዖ ኺህሉ ኣይክእልን እዩ።

11. እቶም ሓጢኣቶም ዝኸበዶም ሰባት፡ ከይተሰከፉ ንየሱስ ይቐርብዎ ምንባሮም ዚሕብር እንታይ ኣብነት እዩ፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

11 እቶም ሓጢኣቶም ዝኸበዶም ሰባት፡ ከይተሰከፉ ንየሱስ ይቐርብዎ ነበሩ። ንኣብነት፡ የሱስ ኣብ ቤት ሓደ ፈሪሳዊ ኺበልዕ ከሎ ብዛዕባ ዘጋጠመ ነገር እሞ ሕሰብ። ሓንቲ ሓጢኣተኛ ምንባራ እተፈልጠት ሰበይቲ፡ መጺኣ ኣብ እግሩ ተምበርኪኻ፡ ስለ እተጣዕሰት በኸየት። ኣዒንታ ንእግሩ ኣጠልቀዮ፡ ብጸጕሪ ርእሳ ገይራ ኸኣ ደረዘቶ። እቲ ንየሱስ ኣብ ቤቱ ዘአንገዶ ሰብኣይ ኬድሓርሕርን ንየሱስ ጥቓኡ ኽትቀርብ ብምፍቃዱ ኺፈርዶን ከሎ፡ የሱስ ግና ነታ ሰበይቲ ኻብ ልባ ብምንስሓ ነኣዳ፡ የሆዋ ይቕረ ኸም ዚብለላ ድማ ኣረጋገጸላ። (ሉቃስ 7:36-50) ሎሚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ፡ ሓጢኣቶም ዝኸበዶም ዘበሉ ናብቶም ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ኬዐርዩ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ ሰባት ከይተሰከፉ ኪቐርቡ ዜድልየሉ ግዜ እዩ! ንየሱስ ኣዝዩ ተቐራቢ ዝገበሮ ግና እንታይ እዩ ነይሩ፧

ንየሱስ ተቐራቢ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

12. የሱስ ተቐራቢ ምንባሩ ዜገርም ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

12 የሱስ ነቲ ፍቑር ሰማያዊ ኣቦኡ ፍጹም ይመስሎ ምንባሩ ዘክር። (ዮሃንስ 14:9) መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ “ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” ምዃኑ የዘኻኽረና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:27) እቲ “ሰማዕ ጸሎት” ዝዀነ የሆዋ ወትሩ ንእሙናት ኣገልገልቱ ዀነ ነቶም ብቕንዕና ኺረኽብዎን ኬገልግልዎን ዚደልዩ ኺርከበሎም ይኽእል እዩ። (መዝሙር 65:2) ሕስብ እሞ ኣብሎ—እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዝሓየለን ኣገዳሲ ዝዀነን፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ተቐራቢ እዩ! የሱስ እውን ከም ኣቦኡ ንሰባት የፍቅር እዩ። ኣብዘን ስዒበን ዘለዋ ምዕራፋት፡ ብዛዕባ እታ ኣብ ልቢ የሱስ ዓሚቝ ሱር ዝሰደደት ፍቕሪ ኽንርኢ ኢና። ንየሱስ ተቐራቢ ዝገበሮ ቐንዲ ነገር ግና፡ እታ ንሰባት ዝነበረቶ ፍቕሪ ብቐሊሉ እትርአ ምንባራ እዩ። ገለ ኻብቲ ኸምዚኣ ዝኣመሰለ ፍቕሪ እትንጸባረቐሉ ባህርያት የሱስ እስከ ንመርምር።

13. ወለዲ ንየሱስ ብኸመይ ኪመስልዎ ይኽእሉ፧

13 የሱስ ብብሕቲ ይግደሰሎም ምንባሩ፡ ሰባት ብቐሊሉ ይግንዘቡ ነበሩ። እቲ ብሕታዊ ተገዳስነት እቲ፡ የሱስ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ምስ ኰነ እውን ኣይሃሰሰን። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ስራሕ በዚሕዎን ከቢድ ሓላፍነታት ተሰኪሙን ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ፡ እቶም ወለዲ ደቆም ምስ ኣምጽኡሉ ተቐራቢ እዩ ነይሩ። ንወለዲ ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ሓዲጉሎም! ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ቈልዑ ምዕባይ በዳሂ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ወለዲ ንደቆም ተቐረብቲ ኪዀኑ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ሓድሓደ ግዜ ብስራሕ ኣዚኻ ትሑዝ ካብ ምዃንካ እተላዕለ ንውሉድካ ዜድልዮ ቘላሕታ ዘይትህበሉ ግዜ ኸም ዘሎ ትፈልጥ ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ብእተኻእለካ መጠን ቀልጢፍካ ዚደልዮ ግዜ ኸም እትህቦ ኸተረጋግጸሉዶ ትኽእል፧ ቃልካ ኽትፍጽም ከለኻ፡ ውሉድካ ትዕግስቲ ምግባር ዓስቢ ኸም ዘለዎ ኺምሃር እዩ። ዝዀነ ይኹን ዘጋጠሞ ጸገም ኬካፍለካ ወይ ዝደለዮ ሓልዮት ምእንቲ ኺረክብ ከይተሰከፈ ኪቐርበካ ኸም ዚኽእል እውን ኪፈልጥ እዩ።

14-16. (ሀ) ንየሱስ ናይ መጀመርታ ተኣምሩ ኺገብር ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ መስተንክር ግብሪ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ የሱስ ኣብ ቃና ዝገበሮ ተኣምር ብዛዕባኡ እንታይ ይገልጽ፧ እዚኸ ንወለዲ እንታይ ትምህርቲ ይህቦም፧

14 የሱስ እቲ ንሰባት ዜተሓሳስቦም ነገር ከም ዜገድሶ ኣፍሊጥዎም እዩ። ንኣብነት፡ ነታ የሱስ ዝፈጸማ ናይ መጀመርታ ተኣምር እሞ ዘክር። ኣብታ ኣብ ገሊላ እትርከብ ቃና እትብሃል ከተማ ናብ እተገብረ መርዓ ኸደ። ኣብቲ መርዓ እቲ ወይኒ ምስ ተወድአ ዜሕፍር ነገር ኣጋጠመ! ማርያም ኣደ የሱስ፡ ንወዳ እቲ ዝዀነ ነገር ነገረቶ። የሱስከ እንታይ ገበረ፧ ነቶም ኣሳሰይቲ ነቲ ሽዱሽተ ዓበይቲ ኣጋንእ ማይ ኪመልእዎ ነገሮም። ካብኡ ቐዲሖም ናብቲ ኣቦ ዳስ ምስ ወሰድዎ፡ ጽቡቕ ወይኒ ምዃኑ መስከረ። እዚ ጥበራ ወይ ምትላል ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን፡ እቲ ማይ ‘ናብ ወይኒ እዩ ተለዊጡ።’ (ዮሃንስ 2:1-11) ሰባት ሓደ ነገር ናብ ካልእ ንምልዋጥ ብዙሕ እዮም ተመንዮም። ንሓያሎ ዘመናት፡ ኣልከመኛታት ዚብሃሉ ተመራመርቲ ንዓረር ናብ ወርቂ ኪቕይርዎ ፈቲኖም እዮም። ዓረርን ወርቅን ኣጸቢቑ ዚመሳሰል ባእታታት እኳ እንተ ዀነ፡ ፈጺሙ ግና ኣይሰለጦምን። a ማይን ወይንን ዘለዎ ፍልልይከ ኸመይ እዩ፧ ብከሚካዊ መዳይ ኪርአ ኸሎ፡ ማይ ክልተ መሰረታዊ ባእታታት እተወሃሃደሉ ቐሊል ውሁድ እዩ። ወይኒ ግና ዳርጋ ሓደ ሽሕ ዚኸውን መብዛሕትኡ እተሓላለኸ ውሁዳት ዚርከቦ እዩ! የሱስ ኣብ መርዓ ወይኒ ስለ እተወድኦም ብዚብል ጢጥ ቅሚጥ ተደሪኹ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜስተንክር ግብሪ ዝፈጸመ ስለምንታይ እዩ፧

15 እቲ ጸገም ነቲ መርዓውን ነታ መርዓትን ጢጥ ቅሚጥ ኣይነበረን። ኣብ ጥንታዊ ማእከላይ ምብራቕ፡ ንኣጋይሽ ብጽቡቕ መገዲ ምእንጋድ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። እቲ መርዓውን እታ መርዓትን ኣብ መርዓ ወይኒ ምውዳኡ ኣጸቢቑ ኣሕፊርዎም ኪኸውን ኣለዎ፡ እዚ ኸኣ ነታ መዓልቲ መርዓኦምን ነቲ ንዓመታት ብዛዕባ እታ መዓልቲ ዘለዎም ተዘክሮን ዜበላሹ እዩ ነይሩ። እቲ ጸገም ንዓታቶም ዜገድሶም ስለ ዝነበረ፡ ንየሱስ ድማ ኣገደሶ። ስለዚ፡ ስጕምቲ ወሰደ። እሞኸ ሰባት ዜተሓሳስቦም ነገራት ሒዞም ዚቐርብዎ ስለምንታይ ምዃኑ ተረዲኡካዶ፧

ንውሉድካ ተቐራቢ ምዃንካን ብሓቂ ኸም እትሓልየሉን ኣርእዮ

16 ካብዚ እውን ወለዲ ጠቓሚ ትምህርቲ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ውሉድካ ገለ ጸገም ከቢድዎ እንተ ቐሪቡካ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ እቲ ዜተሓሳስቦ ነገር ጢጥ ቅሚጥ ከም ዝዀነ ጌርካ ዕሽሽ ክትብሎ ትፍተን ትኸውን። አረ ዜስሕቕ ኰይኑ እውን ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ምስቲ እተሰከምካዮ ጾር ኪወዳደር ከሎ፡ ውሉድካ ዘለዎ ጸገም ኣብ ግምት ዘይኣቱ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ንዕኡ ግና ጢጥ ቅሚጥ ከም ዘይኰነ ኣይትረስዕ! ነቲ ኣጸቢቕካ እተፍቅሮ ዜገድሶ እንተ ዀይኑ፡ ንዓኻ እውን ኬገድሰካዶ ኣይግባእን፧ ውሉድካ ብዛዕባ እቲ ዜተሓሳስቦ ነገራት ከም እትግደስ ምስ ዚፈልጥ፡ ኪቐርበካ ዝቐለለ እዩ ዚዀነሉ።

17. የሱስ ብዛዕባ ልእመት ከመይ ዝበለ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧ እዛ ባህርይ እዚኣ መርኣያ ብርታዐ ዝዀነትከ ብኸመይ እያ፧

17 ኣብ ምዕራፍ 3 ኸም ዝረኣናዮ፡ የሱስ ልኡምን ትሑትን እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 11:29) ልእመት ሓደ ሰብ ትሕትና ኸም ዘለዎ ሓያል መርትዖ እትኸውን ጽብቕቲ ባህርይ እያ። ሓደ ኻብቲ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ክትከውን ከላ፡ ምስ ኣምላኻዊ ጥበብ ድማ ኣጸቢቓ ትተኣሳሰር እያ። (ገላትያ 5:22, 23፣ ያእቆብ 3:13) የሱስ ኬቘጥዖ ዚኽእል ዝኸፍአ ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ርእሱ ተቘጻጺሩ እዩ። ልእመቱ ፈጺምካ ድኽመት ክትብሃል ኣይትኽእልን እያ። ሓደ ምሁር ብዛዕባ እዛ ባህርይ እዚኣ፡ “ብድሕሪ ልእመት ከም ኣቻዮ ዝምብርትዑ ሓይሊ ኣሎ” በለ። እወ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ቝጥዓና ምእንቲ ኽንቈጻጸርን ንኻልኦት ብልእመት ምእንቲ ኽንሕዞምን ርእስና ኽንገትእ ኣሎና። ብበረኸት የሆዋ ግና፡ ልእመት ብምርኣይ ዝመጸ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና፡ እዚ ኸኣ ዝያዳ ተቐረብቲ ይገብረና።

18. የሱስ ሚዛናዊ ምንባሩ ዚሕብር እንታይ ኣብነት ኣሎ፧ እዛ ባህርይ እዚኣ ንሓደ ሰብ ተቐራቢ እትገብሮኸ ስለምንታይ ይመስለካ፧

18 የሱስ ሚዛናዊ ነበረ። ኣብ ጢሮስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሓንቲ ንጓላ “ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ” ዝነበረ ሰበይቲ መጸቶ። የሱስ ብሰለስተ እተፈላለየ መገድታት፡ ነቲ ዝደለየቶ ኺገብረላ ኸም ዘይደለየ ነገራ። መጀመርታ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይመለሰላን፣ ካልኣይ፡ ከምቲ ዝሓተተቶ ዘይገብረሉ ምኽንያት ነገራ፣ ሳልሳይ፡ ነቲ ነጥቢ እቲ ዜነጽረላ ምሳሌ ነገራ። ኰይኑ ግና፡ ጸዋግን ዘይዕጸፍን ድዩ ነይሩ፧ ንዕኡ ማለት ንየሱስ ዚኣክል ዓብዪ ሰብኣይ ክትመላለስ ብምድፋራ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዅነታት ከም ዘላ ዀይኑ ኸም ዚስምዓ ገይሩዶ፧ ኣይፋሉን፡ እታ ሰበይቲ ምትእምማና ኸም ዘየጥፍአት ንጹር እዩ። ሓገዝ ሓቲታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኪሕግዛ ፍቓደኛ ኸም ዘይኰነ ምስ ሓበራ እውን ከየቋረጸት ለመነት። የሱስ ከይተሓለለት ክትልምን ዘኽኣለታ እተደንቕ እምነታ ረኣየ፡ ስለዚ ድማ ንጓላ ኣሕወየላ። (ማቴዎስ 15:22-28) የሱስ ዘርኣዮ ሚዛናውነት፡ ማለት ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ መዳይ ኪሰምዕን ኪዕጸፍን ፍቓደኛ ምዃኑ፡ ሰባት ብሃንቀውታ ኪቐርብዎ ኣበርክቶ ገይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

ተቐራቢ ዲኻ፧

19. ብሓቂ ተቐረብቲ እተን ዄንና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

19 ሰባት ተቐረብቲ ኸም ዝዀኑ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰበ ስልጣን ማዕጾኦም ክፉት ምዃኑ፡ ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ኸኣ ከይተሰከፉ ኪቐርብዎም ከም ዚኽእሉ ይዛረቡ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ “ብዙሓት ሰባት ብተኣማንነት ብዛዕባ ዜርእይዎ ፍቕሪ ይዛረቡ፣ እሙን ሰብ ግና መን ይረኽቦ፧” ዚብል ሓያል መጠንቀቕታ ሒዙ ኣሎ። (ምሳሌ 20:6) ተቐረብቲ ምዃንና ምዝራብ ቀሊል እዩ፡ ነቲ የሱስ ፍቕሪ ዘርኣየሉ መዳይ ንምቕዳሕ ግና ብሓቂ እሙናት ዲና፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ንሕና ብዛዕባ ርእስና ኣብ ዘሎና ኣረኣእያ ዘይኰነስ፡ ካልኦት ብዛዕባና ኣብ ዘለዎም ኣረኣእያ እተመርኰሰ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጳውሎስ፡ “ሚዛናውያን ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” በለ። (ፊልጲ 4:5፡ እግረ ጽሑፍ) እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍና ንርእስና፡ ‘ካልኦት ንዓይ ብኸመይ እዮም ዚርእዩኒ፧ እንታይ ዓይነት ስም እዩ ዘሎኒ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና።

ሽማግለታት ተቐረብቲ ኪዀኑ ይጽዕሩ

20. (ሀ) ክርስትያን ሽማግለታት ተቐረብቲ ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብቲ ኻብ ሽማግለታት ጉባኤ እንጽበዮ ነገር ሚዛናውያን ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

20 ብፍላይ ክርስትያን ሽማግለታት ተቐረብቲ ኪዀኑ ይጽዕሩ እዮም። ምስቲ ኣብ ኢሳይያስ 32:1, 2 ተመዝጊቡ ዚርከብ፡ “ነፍሲ ወከፍ ድማ ካብ ንፋስ ከም መሕብኢ፡ ካብ ሃጽፊ ኸም መኸወሊ፡ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓይዝ ማይ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ” ዚብል መግለጺ ተሰማሚዖም ኪነብሩ ሓያል ባህጊ ኣለዎም። ሓደ ሽማግለ ተቐራቢ እንተ ዀይኑ ጥራይ እዩ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕቝባን ዕረፍትን እፎይታን ኬምጽእ ዚኽእል። ልክዕ እዩ፡ ሽማግለታት ኣብዚ ጽንኩር እዋን ከቢድ ሓላፍነታት ስለ ዚስከሙ፡ ከምዚ ምግባር ኵሉ ሳዕ ቀሊል ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ስራሕ ዝበዝሖም ካብ ምዃኖም እተላዕለ፡ ነተን ኣባጊዕ የሆዋ ዜድልየን ኪሓልዩለን ከም ዘይክእሉ መሲሎም ከቶ ኺረኣዩ የብሎምን። (1 ጴጥሮስ 5:2) ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኻልኦት ከኣ ትሑታትን ተሓባበርትን ብምዃን ኣብቲ ኻብዞም እሙናት ሰብኡት ዘለዎም ትጽቢት ሚዛናውያን ኪዀኑ ይፍትኑ እዮም።—እብራውያን 13:17

21. ወለዲ፡ ውሉዳቶም ኣብ ዝደለይዎ እዋን ምእንቲ ኪቐርብዎም እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

21 ወለዲ፡ ውሉዳቶም ኣብ ዝደልይዎም እዋን ኵሉ ሳዕ ኪቐርብዎም እዮም ዚደልዩ። ከመይሲ፡ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ! ደቆም ንኣቦኦም ወይ ንኣዲኦም ምስጢሮም ምንጋሮም ጐዳኢ ኸም ዘይኰነ ኺፈልጡ ይደልይዎም እዮም። ስለዚ፡ ክርስትያን ወለዲ፡ ውሉዶም ጌጋኡ ኺነግሮም ከሎ ወይ ሕማቕ ኣተሓሳስባ ኼንጸባርቕ ከሎ ልኡማትን ሚዛናውያንን ኪዀኑ ደኣ እምበር፡ ከየንጸርጽሩ ይጥንቀቑ እዮም። ወለዲ ንውሉዳቶም ብትዕግስቲ ኼሰልጥኑ ኸለዉ፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሓሳብ ንሓሳብ ዚለዋወጡሉ መትረብ ክፉት ኪገብሩ ይጽዕሩ እዮም። እወ፡ ኵላትና ኸም የሱስ ተቐረብቲ ኽንከውን ንደሊ ኢና። ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፡ ሓንቲ ኻብተን ንየሱስ ተቐራቢ ዝገበረቶ ቐንዲ ባህርያት ዝዀነት ልባዊ ድንጋጽ ክንርኢ ኢና።

a ተምሃሮ ስነ ቐመም፡ ዓረርን ወርቅን ኣብቲ ባእታታት ብባህርዮም ዚስርዑሉ ሰሌዳ ኣዝዮም ተቐራረብቲ ምዃኖም ይፈልጡ እዮም። ሓደ ኣቶም ዓረር ኣብ ኑክልየሱ ኻብ ወርቂ ብዝያዳ ሰለስተ ፕሮቶን ጥራይ እዩ ዘለዎ። ዘመናውያን ተመራመርቲ ፊዚክስ ንእሽቶ ዓረር ናብ ወርቂ ቐዪሮም እዮም፡ ኰይኑ ግና እቲ መስርሕ ኣዝዩ ብዙሕ ጸዓት ስለ ዚሓትት ብዋጋ ዜዋጽእ ኣይኰነን።