ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሰለስተ

“ኣነ ንኣቦ ኸም ዘፍቅሮ”

“ኣነ ንኣቦ ኸም ዘፍቅሮ”

1, 2. ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እታ ሃዋርያት ምስ የሱስ ዘሕለፍዋ ናይ መወዳእታ ምሸት እንታይ እዩ ዝገለጸ፧

 ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ብርዑ ኣብ ቀለም ኪጠምዕ ከሎ፡ ኣእምሮኡ ብተዘክሮታት መሊኡ ነበረ። ስሙ ዮሃንስ ይብሃል፡ እቲ ብህይወት ተሪፉ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ድማ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 100 ዓመት ኣቢሉ ኪኸውን ከሎ፡ ብሓሳብ ከኣ 70 ዓመት ዚኸውን ንድሕሪት ተመሊሱ ብዛዕባ ሓንቲ ዘይትርሳዕ ምሸት ይሓስብ ነበረ። እታ ምሸት እቲኣ ንሱን ብጾቱ ሃዋርያትን ምስ የሱስ ቅድሚ ሞቱ ዘሕለፍዋ ናይ መወዳእታ ምሸት እያ። ዮሃንስ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እናተመርሐ፡ ነቲ ፍጻመታት ብዝርዝር ኣድቂቑ ኺዝክሮን ኪጽሕፎን ከኣለ።

2 በታ ለይቲ እቲኣ፡ የሱስ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዚመውት ንጹር ገበረሎም። ስለምንታይ ብዜስካሕክሕ ኣማውታ ኺመውት ፍቓደኛ ኸም ዝዀነ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣነ ንኣቦ ኸም ዘፍቅሮ፡ ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒ እውን ከም ዝገብር፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ከምኡ እገብር ኣለኹ። ተንስኡ፡ ካብዚ ንኺድ” ኢሉ ኸም እተዛረበ ኣብ ጽሑፍ ዘስፈረ እዚ ዮሃንስ እዚ ጥራይ እዩ።—ዮሃንስ 14:31

3. የሱስ ንኣቦኡ ኸም ዜፍቅሮ ብኸመይ እዩ ዘርኣየ፧

3 ንየሱስ በተን “ኣነ ንኣቦ ኸም ዘፍቅሮ” ዚብላ ቓላት ገሊጽዎ ኻብ ዘሎ ነገር ንላዕሊ ዜገድሶ ኻልእ ነገር ኣይነበረን። እዚ ኺብሃል ከሎ ነዘን ቃላት እዚአን ደጋጊሙ የውስአን ነይሩ ማለት ኣይኰነን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ የሱስ ንኣቦኡ ኸም ዜፍቅሮ ብቐጥታ ዝጠቐሰሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ እንኮ ጥቕሲ ዮሃንስ 14:31 እያ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ንሓቅነት እተን ቃላት እቲአን ብኣነባብራ ህይወቱ ኣርእዩ እዩ። ንየሆዋ ዝነበረቶ ፍቕሪ መዓልታዊ ትርአ ነበረት። ትብዓቱን ተኣዛዝነቱን ተጻዋርነቱን ነታ ንኣምላኽ ዝነበረቶ ፍቕሪ ዜርኢ እዩ። ብምሉኡ ኣገልግሎቱ በዛ ፍቕሪ እዚኣ ተደሪኹ ዝገበሮ እዩ።

4, 5. መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ዓይነት ፍቕሪ ኽትህልወና እዩ ዜተባብዕ፧ ብዛዕባ እታ የሱስ ንየሆዋ ዘላቶ ፍቕሪ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧

4 ሎሚ፡ ገሊኦም ሰባት ንፍቕሪ ኸም ድኽምቲ ባህርይ ገይሮም ይሓስቡ ይዀኑ። ብዛዕባ ናይ ፍቕሪ ግጥምታት ወይ ደርፍታት፡ ምናልባት እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኣንጻር ጾታ ዚህሉ ፈዀስኰስ ይሓስቡ ይዀኑ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብዚ ሕጂ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ኣገባብ ዝያዳ ኽብሪ ብዘለዎ መገዲ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ወድን ጓልን ዘሎ ፍቕሪ ይዛረብ እዩ። (ምሳሌ 5:15-21) ኰይኑ ግና፡ ቃል ኣምላኽ ንኻልእ ዓይነት ፍቕሪ ዝያዳ ቘላሕታ ይህብ እዩ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ሃነይነይ እተብል ወይ ሓላፊት ኣይኰነትን፣ ኣብ ክልሰ ሓሳብ ጥራይ እትርከብ ደረቕ ፍልስፍና እውን ኣይኰነትን። የግዳስ፡ ንልብናን ኣእምሮናን እትትንኪ እያ። ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኻብ ውሽጥና ትምንጭ፡ ኣብ ልዑል ስርዓታት ትምርኰስ፡ ምስቲ ስርዓታት ተሰማሚዓ ትኸይድ፡ ብኣወንታዊ ግብሪ ድማ ትግለጽ። ርዝነት ዘይብላ ኽትበሃል ኣይትከኣልን እያ። ቃል ኣምላኽ፡ “ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ” ይብል።—1 ቈረንቶስ 13:8

5 ብህይወት ካብ ዝነበሩ ዅሎም ሰባት፡ ከም የሱስ ገይሩ ንየሆዋ ዘፍቀሮ ሰብ የልቦን። ምስታ ባዕሉ እተዛረባ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ” እትብል ካብ ኵሉ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣምላኽ ሒዛቶ ዘላ ቓላት ተሰማሚዑ ብምንባር ዝመጸ ንየሱስ ዚበልጾ የልቦን። (ማርቆስ 12:30) ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ግና ብኸመይ እዩ ኣማዕቢሉ፧ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንኣምላኽ ዝነበረቶ ፍቕሪ ድልድልቲ ዀይና ኸም እትቕጽል ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧ ንሕናኸ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

ብንውሓት ግዜ ዀነ ብድልዳለ መወዳድርቲ ዘይብሉ ማእሰር ፍቕሪ

6, 7. ምሳሌ 8:22–31 ነታ ባህርይ ዝዀነት ጥበብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንወዲ ኣምላኽ ትገልጾ ኸም ዘላ ብኸመይ ንፈልጥ፧

6 ምስ ሓደ ፈታዊኻ ሓደ ዕዮ ድሕሪ ምዕያይካ፡ ብዝያዳ እትቀራረቡ ኣዕሩኽ ከም ዝዀንኩም ኣስተብሂልካዶ ትፈልጥ፧ እቲ ሽዑ ዘሕለፍካዮ ባህ ዜብል ተመክሮ፡ ነቲ ኣብ መንጎ የሆዋን ሓደ ወዱን ዝማዕበለት ፍቕሪ ብእተወሰነ ምእንቲ ኽትርድኣ ኺሕግዘካ ይኽእል ይኸውን። ምሳሌ 8:30 ደጋጊምና ጠቒስናያ ኣሎና፡ ሕጂ ግና ነታ ጥቕሲ ምስቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሓሳባት ብምትእስሳር ንመርምራ። ካብ ፍቕዲ 22 ክሳብ 31፡ ጥበብ ከም ሰብ ኰይና ኸም እተገልጸት ንረክብ ኢና። እዘን ቃላት እዚአን ንወዲ ኣምላኽ ከም ዜመልክታ ብኸመይ ንፈልጥ፧

7 ኣብ ፍቕዲ 22 ጥበብ፡ “የሆዋ ኣብ መጀመርታ መገዱ፡ ካብ ጥንታዊ ዕማማቱ ቐዳማይ ገበረኒ” በለት። እታ ባህርይ እቲኣ ፈጺማ ስለ ‘ዘይተገብረት፡’ እዚ ንጥበብ ዜመልክት ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። የሆዋ ኻብ ዘለኣለም ስለ ዝዀነ፡ ወትሩ ድማ ጥበበኛ ስለ ዝዀነ፡ ጥበብ መጀመርታ ኣለዋ ኺብሃል ኣይከኣልን እዩ። (መዝሙር 90:2) ወዲ ኣምላኽ ግና “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” እዩ። ተወሊዱ ወይ ተፈጢሩ እዩ፣ የሆዋ ቕድሚ ዅሉ ዝገበሮ እዩ። (ቈሎሴ 1:15) ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ተገሊጹ ዘሎ፡ ሰማያትን ምድርን ከይተፈጥረ ኸሎ እቲ ወዲ ነበረ። ቃል ወይ ኣፈኛ ኣምላኽ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ፍጹም መግለጺ ጥበብ ኣምላኽ እዩ ነይሩ።—ዮሃንስ 1:1

8. እቲ ወዲ ኣብቲ ሰብ ቅድሚ ምንባሩ ዝነበረ ግዜ እንታይ ይገብር ነበረ፧ ንፍጥረት ከነድንቕ ከለናኸ ብዛዕባ እንታይ ክንሓስብ ንኽእል፧

8 እቲ ወዲ ኣብቲ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ዝነበረ ታእላው ዘይብሉ ግዜ እንታይ ይገብር ነበረ፧ ፍቕዲ 30፡ “ክኢላ ሰራሕተኛ” ኣምላኽ ከም ዝነበረ ትነግረና። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ቈሎሴ 1:16፡ “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ . . . ኵሉ ብእኡ እዩ ተፈጢሩ። ኵሉ ብእኡን ንዕኡን እዩ ተፈጢሩ” ትብል። ስለዚ፡ እቲ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ በቲ ኽኢላ ሰራሕተኛኡ ዝዀነ ወዱ ኣቢሉ፡ ንዅሉ ኻልእ ፍጥረት፡ ማለት ነቶም ኣብ ሰማያዊ ዓለም ዚርከቡ መንፈሳውያን ፍጡራት፡ ነቲ ብስፍሓቱ መወዳድርቲ ዘይብሉ ግኡዝ ዩኒቨርስ፡ ነታ እተፈላለየ ዓይነት ኣትክልትን እንስሳታትን ዘለዋ ምድሪ፡ ከምኡ እውን ነቲ ብሉጽ ምድራዊ ፍጡር ዝዀነ ወዲ ሰብ፡ ናብ ህልውና ኣምጽአ። ነዚ ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ዝነበረ ምትሕብባር፡ ብእተወሰነ መዳያቱ ምስቲ ኣብ መንጎ ሓደ ነዳፍን ነቲ ንድፉ ብምትግባር ወሓለ ዝዀነ ሃናጽን ዘሎ ርክብ ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና። ንዝዀነ ይኹን ፍጥረት ከነድንቕ ከለና፡ ነቲ ዓብዪ ነዳፊ ኢና ንውድሶ ዘለና። (መዝሙር 19:1) ይኹን እምበር፡ ነቲ ኣብ መንጎ ፈጣርን እቲ ‘ኽኢላ ሰራሕተኛኡን’ ዝነበረ ነዊሕን ሓጐስ ዝመልኦን ምትሕብባር እውን ክንዝክር ንኽእል ኢና።

9, 10. (ሀ) ነቲ ኣብ መንጎ የሆዋን ወዱን ዝነበረ ማእሰር ዘደልደሎ እንታይ እዩ፧ (ለ) ነቲ ምስ ሰማያዊ ኣቦኻ ዘሎካ ማእሰር ፍቕሪ ኼደልድሎ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

9 ክልተ ዘይፍጹማት ሰባት ብቐረባ ኺዓይዩ ኸለዉ፡ ሓድሓደ ግዜ ኣይቃደዉን እዮም። ኣብ መንጎ የሆዋን ወዱን ግና ከምዚ ዓይነት ሽግር ኣይነበረን! እቲ ወዲ ምስቲ ኣቦ ማእለያ ዘይብሉ ግዜ ሰርሐ፣ ብዘይካዚ፡ “ኵሉ ግዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ” ኸም ዝበለ ተጠቒሱ ኣሎ። (ምሳሌ 8:30) እወ፡ ምስ ኣቦኡ ምዃን የሐጕሶ ነበረ፡ ኣቦኡ እውን ከምኡ ብእኡ ይሕጐስ ነበረ። ስለዚ፡ እቲ ወዲ ባህርያት ኣምላኽ ምቕዳሕ ስለ እተማህረ፡ ከም ኣቦኡ እናመሰለ ኸደ። እቲ ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ዘሎ ማእሰር ፍቕሪ ኣዝዩ ድልዱል ምዃኑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን! ኣብ ብምሉኡ ዩኒቨርስ ብንውሓት ግዜ ዀነ ብድልዳለ መወዳድርቲ ዘይብሉ ማእሰር ፍቕሪ ኺብሃል ይከኣል እዩ።

10 እዚ ግና ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ ምስ የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ማእሰር ከቶ ኺህልወካ ኸም ዘይክእል ይስምዓካ ይኸውን። ልክዕ እዩ፡ ከምቲ ንወዲ ዝነበሮ ዓይነት ልዑል ቦታ የብልናን። ይኹን እምበር፡ ሓደ ዜደንቕ ኣጋጣሚ ግና ኣሎና። የሱስ ናብ ኣቦኡ ኪቐርብ ዝኸኣለ ምስኡ ብምዕያይ ምዃኑ ኣይትረስዕ። የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ ‘መዓይይቱ’ ኽንከውን ኣጋጣሚ ኸፊቱልና ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 3:9) ኣብ ኣገልግሎትና ኣብነት የሱስ ክንስዕብ ከለና፡ መዓይይቲ ኣምላኽ ምዃንና ኽንርስዕ የብልናን። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ምስ ኣምላኽ ዜተኣሳስረና ማእሰር ፍቕሪ እናደልደለ ይኸይድ። ካብዚ ዝኸበረ ዕዮስ ኪህሉ ይኽእልዶ፧

የሱስ ንየሆዋ ዝነበረቶ ድልድልቲ ፍቕሪ ዝዓቀበሉ መገዲ

11-13. (ሀ) ንፍቕሪ ኸም ህያው ነገር ጌርና ምርኣይ ሓጋዚ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ንእሽቶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንየሆዋ ዝነበረቶ ድልድልቲ ፍቕሪ ዝዓቀበ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቲ ወዲ ኣምላኽ፡ ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ዀነ ድሕሪኡ ኻብ የሆዋ ኺምሃር ድሌት ከም ዝነበሮ ብኸመይ ኣርኣየ፧

11 ነታ ኣብ ልብና ዘላ ፍቕሪ ኸም ህያው ነገር ጌርና ምርኣያ ብብዙሕ መገዲ ሓጋዚ እዩ። ፍቕሪ ኸም ሓንቲ ተኽሊ ስለ ዝዀነት፡ ክትዓብን ክትጥጥዕን እንተ ዀይና፡ ዜድልያ ምግቢ ኽትረክብን ክንክን ኪግበረላን ኣለዎ። ዕሽሽ እንተ ተባሂላን እንተ ዘይተመጊባን ግና፡ ደኺማ ትመውት። የሱስ ነታ ንየሆዋ ዝነበረቶ ፍቕሪ ኣፍኲሱ ኣይረኣያን። ኣብ ብምሉኡ ምድራዊ ህይወቱ ኸም እትድልድልን እትዕምብብን ገይርዋ እዩ። ብኸመይ ከምኡ ኸም ዝገበረ እስከ ንርአ።

12 ብዛዕባ እቲ የሱስ ንእሽቶ ኸሎ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ ኪዛረብ ዝጸንሓሉ ኣጋጣሚ እሞ ሕሰብ። ነቶም ተሻቒሎም ዝነበሩ ወለዱ፡ “ንምንታይ እሞ ትደልዩኒ፧ ኣብ ቤት ኣቦይ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ኢሉ ኸም እተዛረቦም ከኣ ዘክር። (ሉቃስ 2:49) ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበሮ ህይወቱ ኺዝክር ኣይክእልን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ንኣቦኡ የሆዋ ዝነበረቶ ፍቕሪ ሓያል ነበረት። ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ብኣምልኾ ኸም እትግለጽ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ፡ ንየሱስ ኣብ ምድሪ ኸምቲ ንጹህ ኣምልኾ ዚግበረሉ ቤት ኣቦኡ ገይሩ ዚስሕቦ ቦታ ኣይነበረን። ኣብኡ ኪኸውን ሃረር ይብል ነበረ፡ ካብኡ ኪኸይድ ድማ ኣይደልን ነበረ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ዚግበር ስቕ ኢሉ ዚዕዘብ ኣይነበረን። ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃርን ዚፈልጦ ኺገልጽን ሃንቀውታ ነበሮ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ ኣይኰነን ጀሚሩ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ኣየብቅዐን።

13 ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ዝነበሮ ህይወት፡ ብሃንቀውታ ኻብ ኣቦኡ ይምሃር ነበረ። ኣብ ኢሳይያስ 50:4-6 ተመዝጊቡ ዚርከብ ትንቢት፡ የሆዋ ንወዱ ብዛዕባ እቲ ኸም መሲሕ መጠን ዚህልዎ ግደ ፍሉይ ትምህርቲ ኸም ዝሃቦ ይገልጽ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ቕቡእ የሆዋ ዚወርድ ጸገማት ምፍላጥ ዜጠቓልል እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ወዲ ግና ነዚ ኺምሃር ሃንቀውታ ነበሮ። ጸኒሑ የሱስ ናብ ምድሪ ምስ መጸን ዓብዩ ሰብኣይ ምስ ኰነን፡ ናብ ቤት ኣቦኡ ኸይዱ ኣብቲ የሆዋ ኺግበር ዝደለዮ ኣምልኾ ዀነ ትምህርቲ ንምክፋል ዝነበሮ ሃንቀውታ ኣየጥፍአን። የሱስ ኣዘውቲሩ ናብ ቤተ መቕደስን ናብ ምኵራብን ይኸይድ ምንባሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ሉቃስ 4:16፣ 19:47) ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ወትሩ ህያውን እናዓበየት እትኸይድን ክትከውን እንተ ደሊና፡ ብትግሃት ኣብቲ ንየሆዋ እነምልኸሉን ብዛዕባኡ ዘሎና ፍልጠትን ሞሳን እነዕብየሉን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንእከብ ኣሎና።

“ኪጽሊ ኢሉ በይኑ ናብ ከረን ደየበ”

14, 15. (ሀ) የሱስ ብሕት ኪብል ዚደሊ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ናብ ኣቦኡ ዝጸለዮ ጸሎት ኣጸቢቑ ይቐርቦን የኽብሮን ከም ዝነበረ ዚገልጽ ብኸመይ እዩ፧

14 የሱስ ኣዘውቲሩ ብምጽላይ እውን ንየሆዋ ዝነበረቶ ድልድልቲ ፍቕሪ ዓቂብዋ እዩ። ምቕሉልን ሕዉስን ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ ብሕት ኪብል ዚደልየሉ እዋናት ከም ዝነበረ ግና ከነስተብህለሉ ይግባእ። ንኣብነት፡ ሉቃስ 5:16፡ “ንሱ ግና፡ ናብ በረኻ ይኸይድን ይጽልን ነበረ” ትብል። ማቴዎስ 14:23 ከኣ ብተመሳሳሊ፡ “ነቶም ህዝቢ ኣሰናቢቱ ኸኣ፡ ኪጽሊ ኢሉ በይኑ ናብ ከረን ደየበ። ምስ መሰየ፡ ኣብኡ በይኑ ነበረ” ትብል። የሱስ ኣብዚ እተጠቕሰን ኣብ ካልእን ኣጋጣሚታት ብሕት ኪብል ዝደለየ፡ ግሉል ስለ ዝዀነ ወይ ካልኦት ምስኡ ኪዀኑ ስለ ዝጸልአ ዘይኰነስ፡ ንኣቦኡ ብዘይ ስክፍታ ብጸሎት ምእንቲ ኺዛረቦ፡ በይኑ ምስ የሆዋ ኪኸውን ስለ ዝደለየ እዩ።

15 የሱስ ኪጽሊ ኸሎ፡ ሓድሓደ ግዜ “ኣባ፡ ኣቦ” ዚብል ቃላት ተጠቒሙ ኣሎ። (ማርቆስ 14:36) ብግዜ የሱስ፡ “ኣባ” ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ዚጥቀሙላ ዝነበሩ “ኣቦ” ዚብል ትርጉም ዘለዋ ምቅርራብ ከም ዘሎ እትሕብር ቃል እያ። ገለ ኻብተን ሓደ ሕጻን ዚምሃረን ናይ መጀመርታ ቓላት እያ። ኰይኑ ግና፡ ኣኽብሮት ዝሓዘለት እያ። እዛ ቓል እዚኣ፡ እቲ ወዲ ነቲ ዜፍቅሮ ኣቦኡ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚቐርቦ እተመልክት ክትከውን ከላ፡ ነቲ የሆዋ ኸም ኣቦ መጠን ዘለዎ ስልጣን እውን ዓሚቝ ኣኽብሮት ከም ዘለዎ ተንጸባርቕ እያ። ኣብ ብምሉኡ እቲ ተመዝጊቡ እንረኽቦ የሱስ ዝጸለዮ ጸሎት ንየሆዋ ኸም ዚቐርቦን ከም ዜኽብሮን ይንጸባረቕ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 17፡ እቲ የሱስ ኣብታ ናይ መወዳእታ ለይቲ ዘቕረቦ ነዊሕን ልባውን ጸሎት ተመዝጊቡ ኣሎ። ነቲ ጸሎት እቲ ኸነጽንዖ ኸለና ልብና ይትንከ እዩ፡ ክንቀድሖ ምፍታንና ኸኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና ቃላት የሱስ ከም ዘለዎ ኽንቀድሖ ማለት ዘይኰነስ፡ ንሰማያዊ ኣቦና ብእተኻእለና መጠን ኣዘወቲርና ኻብ ልብና እንዛረበሉ መገዲ ኽንረክብ ማለት እዩ። ከምኡ ምግባርና ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ህያውን ድልድልትን ኰይና ኸም እትቕጽል ይገብራ።

16, 17. (ሀ) የሱስ ንኣቦኡ ዝነበረቶ ፍቕሪ ብእተፈላለየ ቓላት ገይሩ ዝገለጾ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ንልግሲ ኣቦኡ ብኸመይ ገለጾ፧

16 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ የሱስ ነተን “ኣነ ንኣቦ ኸም ዘፍቅሮ” ዚብላ ቓላት ደጋጊሙ ኣይኰነን ተዛሪብወን። ይኹን እምበር፡ ንኣቦኡ ዝነበሮ ፍቕሪ ብዙሕ ግዜ ብእተፈላለየ ቓላት ገሊጽዎ እዩ። ብኸመይ፧ የሱስ ባዕሉ፡ “ኦ ኣቦይ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ . . . ብግህዶ እውድሰካ ኣለኹ” በለ። (ማቴዎስ 11:25) ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ 2ይ ክፋል ከነጽንዕ ከለና፡ የሱስ ንሰባት ብዛዕባ ኣቦኡ ኺፈልጡ ብምሕጋዝ፡ ንኣቦኡ ምውዳስ ይፈቱ ምንባሩ ርኢና ኢና። ንኣብነት፡ ንየሆዋ ምስ ሓደ ኣቦ ኣመሳሲልዎ ኣሎ፣ እቲ ኣቦ እቲ ንሓደ ፋሉል ዝዀነ ወዱ ይቕረ ንምባል ሓያል ሃንቀውታ ስለ ዝነበሮ፡ እቲ እተነስሐ ወዱ ኣብ እተመልሰሉ እዋን ገና ርሑቕ ከሎ ርእዩ፡ ጐይዩ ኸይዱ ሓቘፎ። (ሉቃስ 15:20) ነዚ ኽፋል እዚ ኣንቢቡ በቲ የሱስ ብዛዕባ ፍቕርን ምሕረትን የሆዋ ዝገለጾ ነገር ዘይትንከፍ መን ኣሎ፧

17 የሱስ ብዙሕ ግዜ ንኣቦኡ ብልግሱ ወዲስዎ እዩ። ንዘይፍጹማት ወለዲ ኸም ኣብነት ገይሩ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣቦና ዜድልየና መንፈስ ቅዱስ ከም ዚህበና ርግጸኛታት ክንከውን ከም እንኽእል ገሊጹ ኣሎ። (ሉቃስ 11:13) የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣቦ ብልግሲ ዘቕረበልና ተስፋ እውን ተዛሪቡ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ ዚዀነሉ ተስፋ እውን ብናፍቖት እዩ ተዛሪቡ። (ዮሃንስ 14:28፣ 17:5) ንሰዓብቱ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ነቶም “ሒደት መጓሰ” ክርስቶስ፡ ማለት ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩን ምስቲ መሲሓዊ ንጉስ ኣብ ምግዛእ ዚሳተፉን ሰባት፡ ዘንበረሎም ተስፋ ነጊርዎም እዩ። (ሉቃስ 12:32፣ ዮሃንስ 14:2) ንሓደ ዚመውት ዝነበረ ገባር ክፉእ እውን ኣብ ገነት ህይወት ኪረክብ ተስፋ ኸም ዘለዎ ብምንጋር ኣጸናንዖ። (ሉቃስ 23:43) የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣቦኡ በዚ ኸምዚ መገድታት ዘለዎ ዓብዪ ልግሲ ምዝራቡ፡ ንየሆዋ ዝነበረቶ ፍቕሪ ድልድልቲ ዀይና ኽትቅጽል ሓጊዝዎ እዩ። ብዙሓት ሰዓብቲ ክርስቶስ እውን ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንዜፍቅርዎ ዘበሉ ዝሃቦም ተስፋን ከም ምዝራብ ገይሩ፡ ነታ ንየሆዋ ዘላቶም ፍቕሪ ዀነ ንእምነቶም ዜደልድል ነገር ከም ዘየልቦ እዮም ተረዲኦም።

ነታ የሱስ ንየሆዋ ዝነበረቶ ፍቕሪ ኽትቀድሓ ዲኻ፧

18. ንየሱስ ክንስዕበሉ ዘሎና ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ መገዲ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

18 ሓደ ኻብቲ ንየሱስ ክንስዕበሉ ዚግባእ መገድታት፡ ንየሆዋ ብምሉእ ልብናን ነፍስናን ኣእምሮናን ሓይልናን ከነፍቅሮ እተዋህበና ትእዛዝ ብምሕላው እዩ፣ ካብዚ ንላዕሊ ኣገዳስነት ዘለዎ ኸኣ የልቦን። (ሉቃስ 10:27) ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ በቲ ዚስምዓና ሓያል ስምዒት ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ግብሪ እነውዕሎ ነገራት እውን እያ እትልካዕ። የሱስ ንኣቦኡ ፍቕሪ ዚስምዖ ብምዃኑ፡ “ኣነ ንኣቦ ኸም ዘፍቅሮ” ኸኣ ብምባሉ ጥራይ ኣይዓገበን። “ኣነ ንኣቦ ኸም ዘፍቅሮ፡ ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒ እውን ከም ዝገብር፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ከምኡ እገብር ኣለኹ” በለ። (ዮሃንስ 14:31) ሰይጣን፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብንጹህ ፍቕሪ ተደሪኹ ንየሆዋ ኸም ዘየምልኾ እዩ ዚኸስስ። (እዮብ 2:4, 5) የሱስ ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ እኩይ ጸለመ ብሉጽ መልሲ ምእንቲ ኺህብ፡ ንኣቦኡ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሮ ዓለም ምእንቲ ኽትርኢ ብትብዓት ስጕምቲ ወሰደ። ህይወቱ ኽሳዕ ዚህብ እኳ ኸይተረፈ ተኣዘዘ። ንየሱስ ክትስዕቦ ዲኻ፧ ንየሆዋ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም እተፍቅሮ ንዓለም ከተርእያ ዲኻ፧

19, 20. (ሀ) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲርና ኽንእከብ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ብሕታዊ መጽናዕትን ምስትንታንን ጸሎትን ብኸመይ ክንርእዮ ንኽእል፧

19 ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ፡ ንመንፈሳውነትና ኣዝያ ኣድላዪት እያ። ስለዚ፡ ኣቦና የሆዋ ነቲ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ እናመገብናን እናኣደልደልናን ከነምልኾ መሰናድዎ ገይሩልና ኣሎ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትእከብ ከለኻ፡ ንኣምላኽካ ኸተምልኽ ኢልካ ኸም ዝኸድካ ኣይትረስዕ። እቲ መዳይ ኣምልኾ እቲ ብሓባር ልባዊ ጸሎት ምግባር፡ መዝሙር ውዳሰ ምዝማር፡ ጽን ኢልካ ምስማዕ፡ ከምኡ እውን ብእተኻእለ መጠን ኣብኡ ምስታፍ የጠቓልል። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ንክርስትያናት ብጾት ንምትብባዕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ እዩ። (እብራውያን 10:24, 25) ንየሆዋ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምምላኽካ፡ ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ እናደልደለት ክትከይድ ኪሕግዘካ እዩ።

20 ብዛዕባ ብሕታዊ መጽናዕትን ምስትንታንን ጸሎትን እውን ተመሳሳሊ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ነዚ ንጥፈታት እዚ ምስ የሆዋ በይንኻ እትዀነሉ መገድታት ጌርካ ሕሰቦ። ነቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ከተጽንዖን ከተስተንትነሉን ከለኻ፡ የሆዋ ሓሳባቱ የመሓላልፈልካ እዩ ዘሎ። ክትጽሊ ኸለኻ፡ ልብኻ ኢኻ እትኸፍተሉ ዘለኻ። ጸሎት ኪብሃል ከሎ፡ ንኣምላኽ ዜድልየካ ኻብ ምሕታት ንላዕሊ ኸም ዜጠቓልል ዘክር። ንየሆዋ ስለቲ ዝረኸብካዮ በረኸት ከተመስግኖን ስለቲ መስተንክር ግብርታቱ ኽትውድሶን ኣጋጣሚ እትረኽበሉ እውን እዩ። (መዝሙር 146:1) ብተወሳኺ፡ ንየሆዋ ብሓጐስን ብውዕዉዕ ስምዒትን ኣብ ቅድሚ ሰባት ምውዳሱ፡ ከተመስግኖን ከም እተፍቅሮ ኸተርእን ዜኽእለካ ብሉጽ መገዲ እዩ።

21. ንየሆዋ ፍቕሪ ምሕዳር ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧ ኣብዘን ስዒበን ዘለዋ ምዕራፋት እንታይ ክንርኢ ኢና፧

21 ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ፡ ናብ ዘለኣለማዊ ሓጐስ እትመርሕ ቀንዲ ረቛሒ እያ። ኣዳምን ሄዋንን ኪዕወቱ እተድልዮም ዝነበረት፡ ንሳቶም እውን ዘየማዕበልዋ ሓንቲ ነገር እዛ ፍቕሪ እዚኣ እያ ነይራ። ዝዀነ ይኹን ኣብ እምነትካ ንዜጋጥመካ ፈተና ኽትሰግሮ፡ ዚቐርበልካ ፈታኒ መስድዒታት ክትነጽጎ፡ ከምኡ እውን ጽንኩር ፈተናታት ክትጻወር እተኽእለካ ኣዝያ ኣገዳሲት ባህርይ እያ። ሰዓቢ የሱስ ንምዃን እተድሊ ሕመረት ነገር እያ። ልክዕ እዩ፡ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ፡ ምስታ ንብጻይና ዘላትና ፍቕሪ ትተኣሳሰር እያ። (1 ዮሃንስ 4:20) ኣብዘን ስዒበን ዘለዋ ምዕራፋት፡ የሱስ ንሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ብኸመይ ከም ዘርኣየ ኽንምርምር ኢና። ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ከኣ፡ ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ተቐራቢ ዀይኑ ዝረኸብዎ ስለምንታይ ምዃኑ ኽንርኢ ኢና።