ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሸውዓተ

ካብዚ “ዚዓቢ ፍቕሪ ዘለዎ የልቦን”

ካብዚ “ዚዓቢ ፍቕሪ ዘለዎ የልቦን”

1-4. (ሀ) ጲላጦስ ንየሱስ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ኣብ ቅድሚ እቶም ተቘጢዖም ዝነበሩ ጭፍራ ምስ ኣቕረቦ እንታይ ኰነ፧ (ለ) የሱስ ሓሳረ መከራ ኼሕልፍ ከሎ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ እንታይ ኣገዳሲ ሕቶታትከ እዩ ዚልዓል፧

 “እንሆ፡ እቲ ሰብኣይ!” ብ33 ድ.ክ. እታ ፋስጋ እተባዕለላ ለይቲ ምስ ወግሐት፡ እቲ ሮማዊ ሹም ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤተ መንግስቱ ደው ኣቢሉ ኣብ ቅድሚ እቶም ተቘጢዖም ዝነበሩ ጭፍራ ኬቕርቦ ኸሎ ነዘን ቃላት እዚአን ተዛረበ። (ዮሃንስ 19:5) ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ፡ ብኣምላኽ እተሸመ ንጉስ ኰይኑ ብዓጀባ ናብ የሩሳሌም ኪኣቱ ኸሎ፡ ብዙሓት ሰባት ብሓጐስ ተቐቢሎምዎ ነይሮም። በታ እተታሕዘላ መዓልቲ ግና፡ እቶም ተጻባእቲ ጭፍራ ብዛዕባኡ ኣዝዩ እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም።

2 የሱስ ኣብቲ ኣፍደገ ቤተ መንግስቲ ደው ኪብል ከሎ፡ ጁዅ ዝሕብሩ ወለል ዚብል ክዳን ተኸዲኑ፡ ኣብ ርእሱ እውን ኣኽሊል ደፊኡ ነበረ። እንተዀነ ግና፡ እቲ ኽዳን ነቲ ብመግረፍቲ እተተልተለ ዝባኑ ሸፊንዎ፡ እቲ ኻብ እሾዅ ተኒጎም ዝሰርሕዎ ዘውዲ ኸኣ ነቲ ደም ቲፍቲፍ ዚብል ዝነበረ ርእሱ ወጊእዎ ብምንባሩ፡ ንንግስነቱ ኼላግጹ ኢሎም ዝገበሩሉ እዩ ነይሩ። እቶም ህዝቢ በቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ተለዓዒሎም፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝቐረበ እተኸትከተ ሰብኣይ ነጸግዎ። እቶም ካህናት፡ “ስቐሎ! ስቐሎ!” ኢሎም ጫውጫው በሉ። እቶም ህዝቢ ልቦም ብቕትለት መሊኡ ስለ ዝነበረ፡ “ኪመውት ይግብኦ እዩ” ኢሎም ጨደሩ።—ዮሃንስ 19:1-7

3 የሱስ ነቲ ዝመጾ ሓሳረ መከራ ኸየማረረ፡ ክብሩ ኸይነከየ፡ ብትብዓት ተጻወሮ። a ንሙማት ምሉእ ብምሉእ ተዳልዩ ነበረ። ጸኒሑ በታ መዓልቲ ፋስጋ እቲኣ፡ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ብዜቐንዙ ኣማውታ ኺመውት ፍቓደኛ ዀነ።—ዮሃንስ 19:17, 18, 30

4 የሱስ ንህይወቱ በጃ ብምሃቡ፡ ንሰዓብቱ ናይ ሓቂ ዓርኮም ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። “ንህይወቱ ምእንቲ ኣዕሩኹ ኣሕሊፉ ኻብ ዚህባ ሰብ፡ ዚዓቢ ፍቕሪ ዘለዎ የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 15:13) እዚ ገለ ኣገዳሲ ሕቶታት የበግስ እዩ። የሱስ በዚ ዅሉ መከራ ኺሓልፍን ድሕሪኡ ኺመውትን ብሓቂ ኣድላዪ ድዩ ነይሩ፧ ከምኡ ኺገብር ፍቓደኛ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ “ኣዕሩኹ”ን ሰዓብቱን ከም ምዃንና መጠን፡ ኣብነቱ ብኸመይ ክንቀድሕ ንኽእል፧

የሱስ መከራ ኺጸግብን ኪመውትን ኣድላዪ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

5. የሱስ ነቲ ዜጋጥሞ ፈተናታት ብዝርዝር ይፈልጦ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

5 የሱስ እቲ እተተስፈወ መሲሕ ስለ ዝዀነ፡ እንታይ ከም ዚጽበዮ ይፈልጥ ነበረ። ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከብ ብዛዕባ ስቓይን ሞትን እቲ መሲሕ ዚገልጽ ሓያሎ ትንቢታት ይፈልጥ ነበረ። (ኢሳይያስ 53:3-7, 12፣ ዳንኤል 9:26) ንደቀ መዛሙርቱ ነቲ ዚጽበዮ ፈተናታት ኪዳለዉሉ ኻብ ሓንሳእ ንላዕሊ ተዛሪብዎም እዩ። (ማርቆስ 8:31፣ 9:31) ናይ መወዳእታ ፋስጋ ኼብዕል ኢሉ ናብ የሩሳሌም ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ንሃዋርያቱ ብንጹር፡ “ወዲ ሰብ ከኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንጸሓፍትን ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ፣ ንሳቶም ድማ ንሞት ኪፈርድዎ፡ ንኣህዛብ እውን ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም፣ ንሳቶም ከኣ ኬላግጹሉን ጡፍ ኪብሉሉን ኪገርፍዎን ኪቐትልዎን እዮም” በሎም። (ማርቆስ 10:33, 34) እዚ ትርጉም ዘይብሉ ቓላት ኣይነበረን። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ንየሱስ ኣላጊጾምሉን ጡፍ ኢሎምሉን ገሪፎምዎን ቀቲሎምዎን እዮም።

6. የሱስ መከራ ኺጸግብን ኪመውትን ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

6 የሱስ መከራ ኺጸግብን ኪመውትን ዝነበሮ ግና ስለምንታይ እዩ፧ ከምዚ ዝዀነሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምኽንያታት ኣሎ። ቀዳማይ፡ የሱስ ተኣማንነቱ ብምሕላዉ፡ ንጽህናኡ ኼመስክርን ስም የሆዋ ኪቕድስን ከኣለ። ሰይጣን፡ ሰባት ንኣምላኽ ዜምልኽዎ ንርእሶም ምእንቲ ኺጥዕሞም ኢሎም ጥራይ ከም ዝዀነ ገይሩ ናይ ሓሶት ክሲ ኸም ዘቕረበ ኣይትረስዕ። (እዮብ 2:1-5) የሱስ “ኣብ ጕንዲ ስቅያት ክሳዕ ሙማት እኳ” ተኣማንነቱ ብምሕላው፡ ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ መሰረት ዘይብሉ ኽሲ ዘየማትእ መልሲ ሃበሉ። (ፊልጲ 2:8፣ ምሳሌ 27:11) ካልኣይ፡ እቲ መሲሕ ምስቓዩን ሙማቱን ንሓጢኣት ካልኦት መተዓረቒ ይኸውን እዩ። (ኢሳይያስ 53:5, 10፣ ዳንኤል 9:24) የሱስ “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ” ኣሕሊፉ እዩ፡ እዚ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ንምምስራት መገዲ ኸፈተልና። (ማቴዎስ 20:28) ሳልሳይ፡ የሱስ ኵሉ ዓይነት ሽግርን መከራን ብምጽዋሩ፡ “ከማና ብዅሉ እተፈተነ እዩ።” በዚ ምኽንያት እዚ ድማ “ብድኻምና ኺድንግጸልና” ዚኽእል ሊቀ ኻህናት ኰነ።—እብራውያን 2:17, 18፣ 4:15

የሱስ ህይወቱ ኺህብ ፍቓደኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

7. የሱስ ናብ ምድሪ ኺመጽእ ከሎ እንታይ እዩ ሓዲጉ፧

7 ነቲ የሱስ ኪገብሮ ፍቓደኛ ዝዀነ ነገር ምእንቲ ኺርድኣካ ነዚ ዚስዕብ ሕቶ እስከ ሕሰበሉ፦ ኣየናይ ሰብ እዩ ኣብቲ ኪኸዶ ዝሓሰቦ ወጻኢ ሃገር ዚርከቡ መብዛሕትኦም ተቐማጦ ኸም ዘይቅበልዎን ከም ዜዋርድዎን መከራ ኸም ዜጸግብዎን ኣብ መወዳእታ ኸም ዚቐትልዎን እናፈለጠ ንስድራኡን ቤቱን ሓዲጉ ናብ ወጻኢ ሃገር ዚኸይድ፧ ሕጂ የሱስ ዝገበሮ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ኣብ ሰማያት ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ ፍሉይ ቦታ ነበሮ። ኰይኑ ግና፡ ብፍታዉ ነቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ መንበሪኡ ሓዲጉ፡ ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ መጸ። መብዛሕትኦም ከም ዘይቅበልዎን ሓሳረ መከራ ኸም ዚጸግብን ብዜሳቒ ኣማውታ ኸም ዚመውትን እናፈለጠ ኸምኡ ገበረ። (ፊልጲ 2:5-7) ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእቲ ኺገብር ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

8, 9. የሱስ ህይወቱ ኣሕሊፉ ኺህበና ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

8 ልዕሊ ዅሉ፡ የሱስ በታ ንኣቦኡ ዝነበረቶ ሓያል ፍቕሪ እዩ ተደሪኹ። መከራ ኼሕልፍ ከሎ ዝገበሮ ትዕግስቲ፡ ንየሆዋ ዝነበረቶ ፍቕሪ ዜርኢ እዩ። እታ ፍቕሪ እቲኣ ንየሱስ ብዛዕባ ስም ኣቦኡ ኸም ዜተሓሳስቦ ገበረቶ። (ማቴዎስ 6:9፣ ዮሃንስ 17:1-6, 26) ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ፡ ስም ኣቦኡ ኻብቲ ተዀሚርዎ ዝነበረ ጸርፊ ናጻ ዀይኑ ኺርኢ ደለየ። ስለዚ፡ ንጽህናኡ ምሕላዉ ነቲ ኽቡር ስም ኣቦኡ ኣብ ምቕዳስ ግደ ኸም ዘለዎ ስለ ዝፈለጠ፡ ምእንቲ ጽድቂ መከራ ምሕላፍ ዝለዓለ ኽብሪ ገይሩ ቘጸሮ።—1 ዜና መዋእል 29:13

9 የሱስ ህይወቱ ኣሕሊፉ ኺህብ ዝደረኾ ኻልእ ምኽንያት እውን ነይርዎ እዩ። እዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እታ ንደቂ ሰብ ዘላቶ ፍቕሪ እያ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኻብ መጀመርታ ታሪኽ ሰባት ኣትሒዛ ዝነበረት እያ። የሱስ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ቕድሚ ነዊሕ እዋን፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምናዳ ድማ ንደቂ ሰብ እፈትዎም ነበርኩ” ብምባል ስምዒቱ ገሊጽዎ ኣሎ። (ምሳሌ 8:30, 31) ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፍቕሩ ብንጹር ትርአ ነበረት። ኣብዘን ኣብዛ መጽሓፍ ዚርከባ ቕድሚ እዚኣ ዘለዋ ሰለስተ ምዕራፋት ከም ዝረኣናዮ፡ የሱስ ንሰባት ብሓፈሻን ንሰዓብቱ ብፍላይን ዘላቶ ፍቕሪ ብብዙሕ መገድታት ኣርእዩ እዩ። ብ14 ኒሳን 33 ድ.ክ. ግና፡ ህይወቱ ብፍታው በጃና ኣሕለፋ። (ዮሃንስ 10:11) ንዓና ዘለዎ ፍቕሩ ኻብዚ ብዚዓቢ መገዲ ኺገልጸልና ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኽንመስሎ ይግብኣና ድዩ፧ እወ። አረ ኸምኡ ኽንገብር እውን ትእዛዝ ተዋሂቡና እዩ።

“ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም”

10, 11. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም ሓድሽ ትእዛዝ እንታይ እዩ፧ ነዚ ምሕላውና ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

10 የሱስ ቀቅድሚ እታ ዝሞተላ ኣብ ዝነበረት ለይቲ፡ ነቶም ኣጸቢቖም ዚቐርብዎ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንስኻትኩም እውን ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ። ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 13:34, 35) “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ” ዚብል ትእዛዝ፡ “ሓድሽ ትእዛዝ” ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሕጊ ሙሴ ኣቐዲሙ፡ “ንብጻይካ . . . ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዚብል ትእዛዝ ነይርዎ እዩ። (ዘሌዋውያን 19:18) ይኹን እምበር፡ እዚ ሓድሽ ትእዛዝ እዚ ዝዓበየት ፍቕሪ፡ ማለት ህይወትና ኣብ ክንዲ ኻልኦት ክንህብ እትድርኸና ፍቕሪ ኸነርኢ ዚሓትት እዩ። የሱስ፡ “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ። ንህይወቱ ምእንቲ ኣዕሩኹ ኣሕሊፉ ኻብ ዚህባ ሰብ፡ ዚዓቢ ፍቕሪ ዘለዎ የልቦን” ብምባል ነዚ ንጹር ገይርዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 15:12, 13) እዚ ሓድሽ ትእዛዝ እዚ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ “ንኻልኦት ከም ርእስኻ ዘይኰነስ፡ ካብ ርእስኻ ንላዕሊ ኣፍቅሮም” ዚብል እዩ። የሱስ ብናብራ ህይወቱን ብኣማውታኡን ኣቢሉ፡ ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ብኣብነት ኣርእዩና እዩ።

11 ነዚ ሓድሽ ትእዛዝ እዚ ምሕላውና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ “በዚ [ርእሰ መስዋእታዊት ፍቕሪ] ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኸም ዝበለ ኣይትረስዕ። እወ፡ ርእሰ መስዋእታዊት ፍቕሪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምዃንና መለለዪ ትዀነና እያ። ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ምስ መለለዪ ባጅ ከነመሳስላ ንኽእል ኢና። ኣብቲ ዓመታዊ ዚግበር ኣኼባታት ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚካፈሉ ኣኼበኛታት ባጅ ካርድ ይልጥፉ እዮም። ኣብቲ ካርድ ከኣ ስምን ጉባኤን እቲ ለጢፍዎ ዘሎ ሰብ ይግለጽ እዩ። ኣብ ንሓድሕድና ዘላ ርእሰ መስዋእታዊት ፍቕሪ ኸኣ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምዃንና እትሕብር “ባጅ” እያ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እታ ንሓድሕድና ዘላትና ፍቕሪ ብቐሊሉ እትርአ ኻብ ምዃና እተላዕለ፡ ተዓዘብቲ ብርግጽ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ምዃንና ዚፈልጡሉ ምልክት ወይ ባጅ ትኸውን። እምበኣር ነፍሲ ወከፍና ንርእስና፡ ‘እዛ ርእሰ መስዋእታዊት ፍቕሪ ዝዀነት “ባጅ” ኣብ ህይወተይ ብንጹር ትርአ ድያ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና።

ርእሰ መስዋእታዊት ፍቕሪ እንታይ ተጠቓልል፧

12, 13. (ሀ) ነታ ንሓድሕድና ዘላትና ፍቕሪ ንምርኣይ ክሳዕ ክንደይ ኢና ፍቓደኛታት ክንከውን ዘሎና፧ (ለ) ርእሰ መስዋእታዊ ምዃን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

12 ሰዓብቲ የሱስ ከም ምዃንና መጠን፡ ከምቲ ንሱ ዘፍቀረና ጌርና ንሓድሕድና ኽንፋቐር ኣሎና። እዚ ኸኣ ምእንቲ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኢልና መስዋእትታት ንምግባር ፍቓደኛ ምዃን የጠቓልል። ነዚ ኽሳዕ ክንደይ ኢና ፍቓደኛታት ክንከውን ዘሎና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይነግረና፦ “ንሱ ህይወቱ ምእንታና ኣሕሊፉ ስለ ዝሃበ፡ በዚ ንፍቕሪ ፈሊጥናያ ኣለና፣ ንሕና እውን ምእንቲ ኣሕዋትና ህይወትና ኣሕሊፍና ኽንህብ ግዴታ ኣሎና።” (1 ዮሃንስ 3:16) ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ከም የሱስ፡ ኣብ ክንዲ ኣሕዋትና ንሙማት ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። መስጐጕቲ ኣብ ዚወርደና እዋን፡ ንመንፈሳውያን ኣሕዋትና ብምኽዳዕ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣብ ክንዲ እነእትዎ፡ ህይወትና ኽንስውእ ኢና እንመርጽ። ኣብተን ብዓሌታዊ ወይ ቀቢላዊ ግጭት እተኸፋፈላ ሃገራት፡ ዓሌቶም ወይ ቀቢላኦም ብዘየገድስ ንኣሕዋትና ኸነዕቍብ ኢልና ህይወትና ኣብ ሓደጋ ነእቱ ኢና። ሃገራት ኪዋግኣ ኸለዋ፡ ኣጽዋር ኣልዒልና ምስ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ወይ ምስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ክንዲ እንዋጋእ፡ ማእሰርቲ ወይ ሞት ንመርጽ።—ዮሃንስ 17:14, 16፣ 1 ዮሃንስ 3:10-12

13 ርእሰ መስዋእታዊት ፍቕሪ እነርእየሉ እንኮ መገዲ ግና፡ ህይወትና ኣብ ክንዲ ኣሕዋትና ኣሕሊፍና ንምሃብ ፍቓደኛ ምዃን ጥራይ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ መብዛሕትና ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ መስዋእቲ ኽንገብር ዚሓትት ኵነታት ኣየጋጥመናን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንኣሕዋትና ኽሳዕ ሞት እነፍቅሮም እንተ ዄንና፡ ሕጂ ንምሕጋዞም ዝነኣሰ መስዋእትታት ክንገብር ፍቓደኛታት ክንከውን ኣይግባእንዶ፧ ርእሰ መስዋእታዊ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ንጥቕሚ ኻልኦት ኢልና ጥቕምና ወይ ምሾትና ንርሕርሖ ማለት እዩ። ዘይጥዕመና ኣብ ዝዀነሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ ዜድልዮም ነማልኣሎም ወይ ድሕንነቶም ልዕሊ ናትና ንሰርዖ ኢና። (1 ቈረንቶስ 10:24) ብኸመይ ዝበለ ግብራዊ መገድታት ኢና ርእሰ መስዋእታዊት ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእል፧

ኣብ ጉባኤን ኣብ ስድራ ቤትን

14. (ሀ) ሽማግለታት እንታይ መስዋእትታት ኪገብሩ እዮም ዚሕተቱ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ሽማግለታት ዚገብርዎ ጻዕሪ ኸመይ ይስምዓካ፧

14 ሽማግለታት ጉባኤ ‘ንመጓሰ ኣምላኽ ንምጕሳይ’ ብዙሕ መስዋእትታት ይገብሩ እዮም። (1 ጴጥሮስ 5:2, 3) ኣብ ልዕሊ እቲ ንስድራ ቤቶም ዚገብሩሎም ክንክን፡ ምሸት ወይ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ንጕዳያት ጉባኤ ንምሕላይ፡ ማለት ኣብ ኣኼባታት ንዚውሃብ ክፍልታት ንምድላው፡ ጕስነታዊ ምብጻሓት ንምግባር፡ ከምኡ እውን ንፍርዲ ዚምልከት ጕዳያት ንምሓዝ ግዜ የድልዮም ይኸውን። ብዙሓት ሽማግለታት ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ብምዕያይ፡ ኣባላት እቲ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተታት ወይ ሕሙማት ዚበጽሕ ጕጅለታት ኰይኖም ብምግልጋል ተወሳኺ መስዋእትታት ይኸፍሉ እዮም። ገሊኦም ከኣ ወለንተኛታት ከባብያዊ ንድፊ/ህንጸት ኰይኖም የገልግሉ እዮም። ኣቱም ሽማግለታት፡ ብፍታው ምግልጋልኩም፡ ማለት ግዜኹምን ጕልበትኩምን ጥሪትኩምን ነቲ መጓሰ ኣብ ምጕሳይ ምውዓልኩም፡ ርእሰ መስዋእታዊት ፍቕሪ ተርእዩ ኸም ዘለኹም ኣይትረስዑ። (2 ቈረንቶስ 12:15) ነቲ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ኸይበልኩም እትገብርዎ ጻዕርታት፡ የሆዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እታ እትጓስይዋ ጉባኤ እውን ተማስወሉ እያ።—ፊልጲ 2:29፣ እብራውያን 6:10

15. (ሀ) ኣንስቲ ሽማግለታት ካብ ዚገብራኦ መስዋእትታት ገለ እንታይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እተን ንሰብኡተን ኣብ ጉባኤ ኼገልግሉ ፍቓደኛታት ዝዀና ደገፍቲ ኣንስቲ ኸመይ ይስምዓካ፧

15 እተን ደገፍቲ ዝዀና ኣንስቲ ሽማግለታት፡ ሰብኡተን ነቲ መጓሰ ምእንቲ ኺሓልዩ ኢለን መስዋእቲ ይኸፍላ ደይኰናን፧ ሓደ ሰብኣይ ነቲ ምስ ስድራ ቤቱ ኼሕልፎ ዚኽእል ዝነበረ ግዜኡ ንጕዳያት ጉባኤ ኺውፍዮ ኸሎ፡ ነታ ሰበይቱ መስዋእቲ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ብዛዕባ ኣንስቲ ሓለውቲ ወረዳ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ንሰብኡተን ካብ ጉባኤ ናብ ጉባኤ ዀነ ኻብ ወረዳ ናብ ወረዳ ብምስናይ ዚኸፍላኦ መስዋእትታት እሞ ንሕሰብ። ናይ ርእሰን ቤት የብለንን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ከኣ ኣብ እተፈላለየ ዓራት ኪድቅሳ የድልየን ይኸውን። እተን ብፍታወን ንጥቕሚ እታ ጉባኤ ኻብ ጥቕመን ዜቐድማ ኣንስቲ በቲ ርእሰ መስዋእታዊ ፍቕረን ብዙሕ ኪንኣዳ ይግብአን።—ፊልጲ 2:3, 4

16. ክርስትያን ወለዲ ንደቆም እንታይ መስዋእትታት እዮም ዚኸፍሉ፧

16 ኣብ ስድራ ቤት ከመይ ጌርና ኢና ርእሰ መስዋእታዊት ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእል፧ ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ዜድልዮም ንምምላእን “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ንምዕባይን ብዙሕ መስዋእትታት ኢኹም እትገብሩ። (ኤፌሶን 6:4) ንስድራ ቤት ዜድሊ ምግቢ ንምምእራርን ደቅኹም ዜድልዮም ክዳንን መዕቀልን ከም ዚረኽቡ ንምግባርን፡ ኣብ ስራሕ ነዊሕ ኣድካሚ ሰዓታት ተሕልፉ ትዀኑ። ደቅኹም ኣብ ህይወት ዜድልዮም ነገራት ከይጐድሎም ኢልኩም፡ ብሕታዊ መስዋእትታት ትገብሩ ኢኹም። ምስ ደቅኹም መጽናዕቲ ንምግባርን ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምውሳድን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ሓቢርኩም ንምዕያይን ብዙሕ ጻዕሪ ትገብሩ ኢኹም። (ዘዳግም 6:6, 7) እታ ርእሰ መስዋእታዊት ፍቕርኹም ነቲ ምንጪ ስድራ ቤት ዝዀነ ኣምላኽ ተሐጕሶ እያ፡ ንደቅኹም እውን ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡ ኽትሕግዞም ትኽእል እያ።—ምሳሌ 22:6፣ ኤፌሶን 3:14, 15

17. ክርስትያን ሰብኡት ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ንርእሱ ዚጥዕሞ ጥራይ ናይ ዘይምድላይ መንፈስ ኪቐድሕዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

17 ኣቱም ሰብኡት፡ ርእሰ መስዋእታዊት ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ ንየሱስ ብኸመይ ክትመስልዎ ትኽእሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣቱም ሰብኡት፡ ከምቲ ክርስቶስ ነታ ጉባኤ ዘፍቀራን ርእሱ ምእንታኣ ኣሕሊፉ ዝሃበን፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ” ይብል። (ኤፌሶን 5:25) ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ የሱስ ንሰዓብቱ ኣዝዩ ስለ ዘፍቀሮም፡ ኣብ ክንዳኦም ሞተ። ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ነቲ “ንርእሱ ባህ ኣየበለን” እተባህለሉ ንርእሱ ዚጥዕሞ ጥራይ ዘይደሊ የሱስ ኪመስሎ ይኽእል እዩ። (ሮሜ 15:3) ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብኣይ ንሰበይቱ ዜድልያን ዜገድሳን ነገራት ብፍታው ቅድሚ ናቱ ይሰርዖ። ብትሪ በቲ ንሱ ዚደልዮ መገዲ ጥራይ ኪግበር ግዲ ኣይብልን እዩ፡ የግዳስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ጕዳያት ኣብ ዘይትንክፍ እዋን ኪዕጸፍ ፍቓደኛ እዩ። ርእሰ መስዋእታዊት ፍቕሪ ዜርኢ ሰብኣይ ካብ የሆዋ ስምረት፡ ካብ ሰበይቱን ደቁን ድማ ፍቕርን ኣኽብሮትን ይረክብ።

እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

18. ነቲ ንሓድሕድና ኽንፋቐር እተዋህበና ሓድሽ ትእዛዝ ንምሕላው ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

18 ነቲ ንሓድሕድና ኽንፋቐር እተዋህበና ሓድሽ ትእዛዝ ምሕላው ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ከምኡ ንምግባር ዚደፋፍኣና ሓያል ድራኸ ግና ኣሎና። ጳውሎስ፡ “እታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ደሪኻትና እያ፣ ምኽንያቱ፡ ሓደ ሰብ ምእንቲ ዅሉ ኸም ዝሞተ ደምዲምና ኢና፣ . . . እቶም ብህይወት ዘለዉ ነቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንስአን እምበር፡ ደጊም ንርእሶም ከይነብሩ፡ ንሱ ምእንቲ ዅሎም ሞይቱ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 5:14, 15) የሱስ ኣብ ክንዳና ስለ ዝሞተ፡ ምእንታኡ ኽንነብር ክንድረኽዶ ኣይግብኣናን፧ ነታ ርእሰ መስዋእታዊት ፍቕሪ ብምርኣይ ዝገደፈልና ኣብነት ብምስዓብ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና።

19, 20. የሆዋ እንታይ ክቡር ውህበት እዩ ኣቕሪቡልና፧ ከም እተቐበልናዮኸ ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

19 የሱስ፡ “ንህይወቱ ምእንቲ ኣዕሩኹ ኣሕሊፉ ኻብ ዚህባ ሰብ፡ ዚዓቢ ፍቕሪ ዘለዎ የልቦን” ኪብል ከሎ የጋንን ኣይኰነን ነይሩ። (ዮሃንስ 15:13) ህይወቱ ኣብ ክንዳና ኣሕሊፉ ኺህብ ፍቓደኛ ምዃኑ፡ ነታ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ዘርኣየሉ ኻብ ኵሉ ዝዓበየት መግለጺት እያ። ኰይኑ ግና፡ ካብዚኣ እትዓቢ ፍቕሪ ዘርኣየና ኻልእ እውን ኣሎ። ነዚ የሱስ ከምዚ ኢሉ ገለጾ፦ “ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ።” (ዮሃንስ 3:16) ኣምላኽ ንዓና ኣዝዩ ስለ ዘፍቀረና፡ ወዱ በጃ ኪኸውን ሃበና፡ በዚ ኸኣ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ክንድሕን መገዲ ተኸፍተልና። (ኤፌሶን 1:7) በጃ ኻብ የሆዋ ዝቐረበልና ኽቡር ውህበት እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ክንቅበሎ ኣየገድደናን እዩ።

20 ነቲ የሆዋ ዘቕረበልና ውህበት ንምቕባል ባዕልና ምርጫ ኽንገብር ኣሎና። ብኸመይ፧ ብወዱ ‘ብምእማን።’ ብኣፍና እምነት ከም ዘሎና ምዝራብ ጥራይ ግና እኹል ኣይኰነን። እምነትና ብግብሪ፡ ማለት ብኣነባብራና ኽትርአ ኣለዋ። (ያእቆብ 2:26) ንየሱስ ክርስቶስ መዓልታዊ ብምስዓብ ኣብኡ እምነት ከም ዘሎና ነርኢ። ከምቲ እታ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ እዛ መጽሓፍ እዚኣ እትገልጾ፡ ከምኡ ምግባርና ሕጅን ኣብ መጻእን ብዙሕ በረኸት የምጽኣልና እዩ።

a የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ፈለማ በቶም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ጸኒሑ ኸኣ በቶም ሮማውያን ወተሃደራት፡ ብጠቕላላ ኽልተ ሳዕ ጡፍ ተባሂሉሉ ነበረ። (ማቴዎስ 26:59-68፣ 27:27-30) ነዚ ዘርኣይዎ ንዕቀት እዚ፡ ከየማረረ ተጻወሮ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ “ገጸይ ካብ ዜዋርድ ነገርን ጡፍ ካብ ምባልን ኣይሓባእኩን” ዚብል ትንቢታዊ ቓላት ፈጸመ።—ኢሳይያስ 50:6