ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሽዱሽተ

“የሱስ . . . ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም”

“የሱስ . . . ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም”

1, 2. የሱስ ነታ ምስ ሃዋርያቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት ብኸመይ ተጠቕመላ፧ ነተን ናይ መወዳእታ ሰዓታት ኣኽቢሩ ዝረኣየንከ ስለምንታይ እዩ፧

 የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ኣብ የሩሳሌም ኣብ እትርከብ ደርቢ ተኣኪቡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እታ ምሸት እቲኣ ምሳታቶም ዜሕልፋ ናይ መወዳእታ ምሸት ምዃና ይፈልጥ ነበረ። ናብ ኣቦኡ ዚምለሰሉ ግዜ ቐሪቡ ነበረ። ብዘይካዚ፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ኪትሓዝን ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ እምነቱ ኺፍተንን ነበሮ። ኰይኑ ግና፡ ሞቱ ቐሪቡሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እኳ ኸይተረፈ፡ ንሃዋርያቱ ዜድልዮም ካብ ምሕሳብ ኣየቋረጸን።

2 የሱስ ንሃዋርያቱ ኸም ዚፍለዮም ነገሮም፡ ኰይኑ ግና ነቲ ኣብ መጻኢ ዜጋጥሞም ምእንቲ ኺዋጽኡሉ ንምብርታዕ ተወሳኺ ዚነግሮም ነገራት ነበሮ። ስለዚ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ሓጺር እዋን፡ ሃዋርያቱ እሙናት ንምዃን ዚሕግዞም ኣገዳሲ ትምህርትታት ብምምሃር ኣሕለፎ። እቲ ሽዑ እተዛረቦ ቓላት ቅድሚኡ ኻብ እተዛረቦም ዝያዳ ፍቕርን ዕርክነትን እተንጸባረቐሉ እዩ። ስለምንታይ ግና እዩ የሱስ ካብ ርእሱ ንላዕሊ ብዛዕባ ሃዋርያቱ ዘተሓሳሰቦ፧ ነተን ምስኡ ዜሕልፍወን ናይ መወዳእታ ሰዓታት ኣኽቢሩ ዝረኣየን ስለምንታይ እዩ፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን፡ ፍቕሪ እትብል ሓንቲ ቓል ክትገልጾ ትኽእል እያ። ንዓታቶም ዝነበረቶ ፍቕሪ ዓማቝ እያ ነይራ።

3. የሱስ ንሰዓብቱ ፍቕሪ ንምርኣይ ክሳዕ እታ ናይ መወዳእታ ምሸት ከም ዘይተጸበየ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

3 ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ በታ ምሸት እቲኣ እተገብረ ነገራት ብመንፈስ ተደሪኹ ኼዘንቱ ኸሎ፡ “የሱስ፡ ቅድሚ በዓል ፋስጋ፡ ካብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ ሰዓቱ ኸም ዝኣኸለት ስለ ዝፈለጠ፡ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም” ብዚብል ቃላት ጀመረ። (ዮሃንስ 13:1) የሱስ ነቶም “ናቱ” ፍቕሪ ንምርኣይ ክሳዕ እታ ለይቲ እቲኣ ኣይተጸበየን። ኣብ ብምሉኡ ኣገልግሎቱ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዜፍቅሮም ብብዙሕ መገድታት ኣርእዩ እዩ። ገለ ኻብቲ ፍቕሩ ዘርኣየሉ መገድታት ምምርማርና ሰናይ እዩ፣ ከመይሲ ኣብዚ መዳይ እዚ ምስ እንመስሎ፡ ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቱ ምዃንና ነመስክር ኢና።

ምዕጋስ

4, 5. (ሀ) የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝነበሮ ርክብ ትዕግስቲ ዘድለየቶ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቶም ሰለስተ ኻብቶም ሃዋርያት ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ንቕሓት ስለ ዝጐደሎም፡ የሱስ እንታይ ገበረ፧

4 ፍቕርን ትዕግስትን ይተኣሳሰራ እየን። ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:4፡ “ፍቕሪ ዓቃል . . . እያ” ዚብል ንረክብ፡ ዓቕሊ ኺብሃል ከሎ ኸኣ ንኻልኦት ብትዕግስቲ ምኽኣል የጠቓልል። የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዘለዎ ርክብ ትዕግስቲ ኣድልያቶ ድያ፧ እወ፡ ብርግጽ ኣድልያቶ እያ! ኣብ ምዕራፍ 3 ኸም ዝረኣናዮ፡ ሃዋርያቱ ትሕትና ንምምዕባል ዝሑላት ነበሩ። መኖም ከም ዚዓቢ ብተደጋጋሚ ተኸራኺሮም እዮም። የሱስ እንታይ ገበረ፧ ብቝጥዓ ወይ ብጓሂ ተዛሪብዎም ድዩ፧ ኣይፋሉን፡ ኣብታ ምሳታቶም ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት በዚ ጕዳይ እዚ “ኽርክር” ምስ ተላዕለ እውን እንተ ዀነ፡ ብትዕግስቲ ኼረድኦም ፈተነ።—ሉቃስ 22:24-30፣ ማቴዎስ 20:20-28፣ ማርቆስ 9:33-37

5 ጸኒሑ በታ ናይ መወዳእታ ለይቲ እቲኣ፡ ምስቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ምስ ከደ፡ ኣብኡ እውን ትዕግስቱ ተፈተነት። ነቶም ሸሞንተ ሃዋርያት ንበይኖም ሓዲጉ፡ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስን ናብ ውሽጢ እቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ወሰዶም። “ክሳዕ ሞት ኣዝየ ጕህየ ኣለኹ። ኣብዚ ኹኑ፡ ምሳይ እውን ንቕሑ” በሎም። ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ኸኣ ኣበርቲዑ ኺጽሊ ጀመረ። ነዊሕ ድሕሪ ምጽላይ፡ ናብቶም ሰለስተ ሃዋርያቱ ተመልሰ። እንታይ ኪገብሩኸ ረኸቦም፧ ኣብቲ ኻብ ኵሉ ዝኸበደ ፈተና ዜጋጥመሉ ሰዓት፡ ደቂሶም ረኸቦም! ብዘይምንቃሖም ወቒስዎምዶ፧ ኣይፋሉን፡ የግዳስ ብትዕግስቲ ደኣ ኣተባብዖም። እቲ ሕያውነት ዝመልኦ ቓላቱ ነቲ ዘለዎም ውጥረትን ድኽመትን ከም እተረድኣሎም ዚሕብር ነበረ። a “መንፈስሲ ህንጡይ እዩ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ” በለ። የሱስ በታ ለይቲ እቲኣ ሓንሳእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰለስተ ሳዕ ደቂሶም እኳ እንተ ረኸቦም ትዕግስቱ ግና ኣይተወድአን።—ማቴዎስ 26:36-46

6. ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ንየሱስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

6 የሱስ ንሃዋርያቱ ኺዕረዩ ተስፋ ዘይብሎም ገይሩ ዘይምርኣዩ ዜተባብዕ እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ እዞም እሙናት ሰባት እዚኦም ትሕትናን ንቕሓትን ኣገዳሲ ምዃኑ ስለ እተማህሩ፡ ትዕግስቱ ኣብ መወዳእታ ፍረ ኣፍረየት። (1 ጴጥሮስ 3:8፣ 4:7) ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ንየሱስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧ ምናዳ ሽማግለታት ትዕግስቲ ኺገብሩ ኣለዎም። ሓደ ሽማግለ ደኺሙ ወይ ብናቱ ጕዳያት ሓሳባቱ ተወሲዱ ኸሎ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ጸገማቶም ንምንጋር ኪቐርብዎ ይኽእሉ እዮም። ሓድሓደ ግዜ እቶም ሓገዝ ዚደልዩ፡ ነቲ እተዋህቦም ምኽሪ ቐልጢፎም ኣብ ግብሪ ኣየውዕሉን ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ዕጉስ ሽማግለ “ብልእመት” ኪምህርን ነተን መጓሰ ብለውሃት ኪሕዘንን ይግብኦ። (2 ጢሞቴዎስ 2:24, 25፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:28, 29) ሓድሓደ ግዜ ውሉዳት ንዚውሃቦም ምኽሪ ወይ መአረምታ ቐልጢፎም ስለ ዘይዓዩሉ፡ ወለዲ ትዕግስቲ ብምግባር ዝመጸ ንየሱስ እንተ መሰልዎ ሰናይ እዩ። ወለዲ ንደቆም ንምስልጣን ኣብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ተስፋ ኸይቈርጹ ፍቕርን ትዕግስትን ይሕግዛኦም እየን። ከምዚኣ ዝኣመሰለት ትዕግስቲ እተምጽኦ ዓስቢ፡ ብሓቂ ዓብዪ እዩ።—መዝሙር 127:3

ዜድልዮም ምሕላይ

7. የሱስ ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ብኣካላውን ንዋታውን መዳይ ዜድልዮም ዝሓለየ ብኸመይ እዩ፧

7 ፍቕሪ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ኸይበልካ ብዚግበር ግብርታት ትርአ እያ። (1 ዮሃንስ 3:17, 18) ፍቕሪ “ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን” እያ። (1 ቈረንቶስ 13:5) ንየሱስ ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ብኣካላዊ ዀነ ብንዋታዊ መዳይ ዜድልዮም ነገራት ኪሓሊ ደረኸቶ። ዜድልዮም ነገራት ገና ኸይተዛረቡ፡ ብዙሕ ግዜ ባዕሉ ስጕምቲ ይወስድ ነበረ። ከም ዝደኸሙ ምስ ረኣየ፡ “ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም፡ ሓንሳእ ከተዕርፉስ፡ ንዑናይ” በሎም። (ማርቆስ 6:31) ደቀ መዛሙርቱን ምሳታቶም ዝነበሩ ንሱ ኺምህር ከሎ ኺሰምዕዎ ዝደለዩ ኣሽሓት ሰባትን ከም ዝጠመዩ ምስ ኣስተውዓለ፡ ብተበግሶኡ መገቦም።—ማቴዎስ 14:19, 20፣ 15:35-37

8, 9. (ሀ) የሱስ ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ከም ዝፈለጠን ከም ዘማልኣሎምን ዚሕብር እንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ኣብ ጕንዲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንኣዲኡ ኣጸቢቑ ኸም ዚሓልየላ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

8 የሱስ ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ነገራት ኣስተውዒሉ፡ የማልኣሎም ነበረ። (ማቴዎስ 4:4፣ 5:3) ኣብ ትምህርትታቱ ብዙሕ ግዜ ፍሉይ ቈላሕታ ይገብረሎም ነበረ። እቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ ብሕልፊ ንደቀ መዛሙርቱ ኺጠቅም ኢሉ እዩ ተዛሪብዎ። (ማቴዎስ 5:1, 2, 13-16) ብምሳሌታት ኪምህር ከሎ፡ “ንደቀ መዛሙርቱ ግና በይኖም ገይሩ ዅሉ ይገልጸሎም ነበረ።” (ማርቆስ 4:34) ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ሰዓብቱ ብመንፈሳዊ ብግቡእ ከም ዚምገቡ ንምርግጋጽ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኺሸመሎም ምዃኑ ተነበየ። እዚ ብሒደት ካብቶም ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋት የሱስ ዝቘመ ባርያ እዚ፡ ካብ 1919 ኣትሒዙ መንፈሳዊ ‘ምግቢ በብግዜኡ’ ኺህብ ጸኒሑ እዩ።—ማቴዎስ 24:45

9 የሱስ ኣብታ ዝሞተላ መዓልቲ፡ ነቶም ዜፍቅሮም ብዛዕባ መንፈሳዊ ጥዕናኦም ከም ዚሓሊ ልቢ ብዚትንኪ መገዲ ኣርኣየ። ነቲ ሽዑ እተገብረ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። የሱስ ኣብ ጕንዲ ተሸንኪሩ፡ ብርቱዕ ቃንዛ ይስምዖ ነበረ። ኣየር ንምስሓብ፡ ብኣእጋሩ ንላዕሊ ኺደፍእ ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ኽብደቱ ነቲ ኣብ እግሩ ዝነበረ ቝስሊ ኺጀልዖን እቲ ብመግረፍቲ እተተልተለ ሕቘኡ ኣብቲ ጕንዲ ኺፍሕፋሕን ከሎ ብርቱዕ ስቓይ ኣስዒቡሉ ኪኸውን ኣለዎ። ዝዀነ ይኹን ዚዛረቦ ዘረባ ንእስትንፋሱ ምቍጽጻር ዚሓትት ስለ ዝዀነ፡ ኣጸጋምን ዜቐንዙን ኰይንዎ ኪኸውን ኣለዎ። ግናኸ ቐቅድሚ ሞቱ፡ ንኣዲኡ ማርያም ሓያል ፍቕሪ ኸም ዘላቶ ዜርኢ ቓላት ተዛረበ። ማርያምን ሃዋርያ ዮሃንስን ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ምስ ረኣየ፡ ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ብዚሰምዕዎ ደሃይ፡ ንኣዲኡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ” በላ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ ንዮሃንስ፡ “እንሃ ኣዴኻ” በሎ። (ዮሃንስ 19:26, 27) እቲ እሙን ሃዋርያ ነቲ ማርያም ብኣካላውን ንዋታውን መዳይ ዜድልያ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ እውን ከም ዚሓልየላ፡ የሱስ ይፈልጥ ነበረ። b

ሓለይቲ ወለዲ ንደቆም ይዕገስዎምን ዜድልዮም የማልኡሎምን እዮም

10. ወለዲ ንውሉዳቶም ዜድልዮም ብምምላእ ዝመጸ ንየሱስ ብኸመይ ኪመስልዎ ይኽእሉ፧

10 ሓለይቲ ወለዲ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ምስትንታን ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ሓደ ንስድራ ቤቱ ብሓቂ ዜፍቅር ኣቦ፡ ብስጋ ዜድልዮም ነገራት የማልኣሎም እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ሚዛናውያንን ፈቃራትን ርእስታት ስድራ ቤት፡ ሓሓሊፍካ ንዕረፍትን ንምዝንጋዕን ዚኸውን ግዜ ይምድቡ እዮም። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ክርስትያን ወለዲ ነቲ ደቆም ብመንፈስ ዜድልዮም ነገራት የማልኡሎም እዮም። ብኸመይ፧ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ወለዲ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራ ቤት ንምግባር ግዜ ይምድቡ፡ ነቲ መጽናዕትታት ከኣ ንደቆም ዚሃንጽን ባህ ዜብልን ኪገብርዎ ይጽዕሩ እዮም። (ዘዳግም 6:6, 7) ንውሉዳቶም ኣገልግሎት ኣዝዩ ኣገዳሲ ንጥፈት ምዃኑ፡ ከምኡ እውን ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ምድላውን ኣብኡ ምእካብን ኣገዳሲ ኽፋል መንፈሳዊ ልማድ ምዃኑ ብቓልን ብኣብነትን ይምህርዎም እዮም።—እብራውያን 10:24, 25

ንይቕረታ ድልዊ

11. የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ ይቕረ ምባል እንታይ እዩ ምሂርዎም፧

11 ይቕረ ምባል ሓደ ኽፋል ፍቕሪ እዩ። (ቈሎሴ 3:13, 14) ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:5፡ ፍቕሪ “ኣይትቕየምን እያ” ዚብል ንረክብ። ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ኣገዳስነት ይቕረ ምባል ምሂርዎም እዩ። ክሳዕ ክንደይ ይቕረ ምባል ከም ዜድሊ ኺምህር ከሎ፡ “ክሳዕ 77 ሳዕ እምበር፡ ክሳዕ ሸውዓተ ሳዕ ኣይብለካን” ብምባል፡ ቍጽሩ ንዘይተወሰነ ግዜ ይቕረ ኺብሉ ኸም ዘለዎም ኣጕልሐ። (ማቴዎስ 18:21, 22) ሓደ ሓጥእ ምስ ተገንሐ እንተ ተነሲሑ፡ ኪሕደገሉ ኸም ዘለዎ መሃሮም። (ሉቃስ 17:3, 4) ይኹን እምበር፡ የሱስ ከምቶም ብቓል ጥራይ ዚምህሩ ግቡዛት ፈሪሳውያን ኣይነበረን፡ የግዳስ ብኣብነት እውን ይምህር ነበረ። (ማቴዎስ 23:2-4) ዚኣምኖ ዓርኩ እኳ ምስ ጠለሞ፡ ንይቕረታ ድልዊ ኸም ዝዀነ ዘርኣየ ብኸመይ ምዃኑ እስከ ንርአ።

12, 13. (ሀ) ጴጥሮስ በታ የሱስ እተኣስረላ ለይቲ ንየሱስ ዝራሕርሖ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ዝገበሮ ነገራት፡ ብዛዕባ ይቕረ ምባል ብቓል ካብ ምስባኽ ንላዕሊ ኸም ዝገበረ ንጹር ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

12 የሱስ ምስቲ ፈቃርን ሓድሓደ ግዜ ውዑይን ዝነበረ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣጸቢቑ ይቀራረብ ነበረ። ነቲ ጴጥሮስ ዝነበሮ ጽቡቕ ባህርያት ይፈልጦ ነበረ፡ ፍሉይ ኣጋጣሚ ድማ ሃቦ። ጴጥሮስ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ብሓባር ኰይኑ፡ እቶም ካብቶም ዓሰርተው ክልተ ዝተረፉ ሃዋርያት ዘይረኣይዎ እተወሰነ ተኣምራት ብዓይኑ ርእዩ እዩ። (ማቴዎስ 17:1, 2፣ ሉቃስ 8:49-55) ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ የሱስ በታ እተኣስረላ ለይቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ንበይኖም ፍልይ ኣቢሉ ኻብ እተማልኦም ሃዋርያት ሓደ ጴጥሮስ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ በታ ለይቲ እቲኣ የሱስ ምስ ተኸድዐን ምስ ተታሕዘን፡ ጴጥሮስን ካልኦት ሃዋርያትን ንዕኡ ሓዲጎምዎ ሃደሙ። ጸኒሑ፡ የሱስ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኺምርመር ከሎ፡ ጴጥሮስ ተቢዑ ኣብ ግዳም ኣብቲ ቐጽሪ ደው በለ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪኡ ጴጥሮስ ስለ ዝፈርሀ፡ ከቢድ ጌጋ ፈጸመ፡ ንየሱስ ከም ዘይፈልጦ ብምግላጽ ሰለስተ ሳዕ ብሓሶት ከሓዶ! (ማቴዎስ 26:69-75) የሱስ እንታይ ገበረ፧ ሓደ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ኸምዚ ገይሩ እንተ ዚርሕርሓካ እንታይ ምተሰምዓካ፧

13 የሱስ ንጴጥሮስ ይቕረ ኺብለሉ ድልዊ ነበረ። ከመይሲ፡ ጴጥሮስ ብሓጢኣት ከም እተደቝሰ ይፈልጥ ነበረ። እቲ እተነስሐ ሃዋርያ እውን “ምኽኣል ስኢኑ . . . በኸየ።” (ማርቆስ 14:72) የሱስ በታ ዝተንስኣላ መዓልቲ ንጴጥሮስ ተራእዮ፡ ከምዚ ዝገበረ ኸኣ ኬጸናንዖን ኬበራትዖን ኢሉ እዩ ዚኸውን። (ሉቃስ 24:34፣ 1 ቈረንቶስ 15:5) ክልተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ ነቶም ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ ኣብ የሩሳሌም እተኣከቡ ህዝቢ ኣብ ምምስካር መሪሕ ግደ ኸም ዚህልዎ ብምግባር ኣኽበሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:14-40) የሱስ ነቶም ሓዲጎምዎ ዝሃደሙ ሃዋርያቱ ብምሉኦም ዋላ ሓንቲ ቒም ከም ዘይሓዘሎም እውን ኣይንረስዕ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ “ኣሕዋተይ” ኢሉ ጸውዖም። (ማቴዎስ 28:10) እሞ ደኣ የሱስ ብዛዕባ ይቕረ ምባል ብቓሉ ጥራይ ምስባኽ ዘይኰነስ፡ ብኣብነት እውን ከም ዘርኣየስ ንጹር ደይኰነን፧

14. ንኻልኦት ይቕረ ምባል ክንምሃር ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ ንይቕረታ ድልዊ ምዃንናኸ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

14 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ስለ ዝዀንና፡ ንኻልኦት ይቕረ ምባል ክንምሃር ኣሎና። ስለምንታይ፧ ንሕና ኸም የሱስ ዘይኰንናስ፡ ከምቶም ዚብድሉና ሰባት ዘይፍጹማት ኢና። ሓሓሊፍና፡ ብቓል ኰነ ብግብሪ ንስሕት ኢና። (ሮሜ 3:23፣ ያእቆብ 3:2) ምሕረት እንገብረሉ መሰረት ኣብ እንረኽበሉ እዋን ንኻልኦት ይቕረ ብምባል፡ ኣምላኽ ሓጢኣትና ኺሓድገልና መገዲ ንጸርግ። (ማርቆስ 11:25) ነቶም ዚብድሉና ይቕረ ንምባል ድሉዋት ምዃንና ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧ ኣብ ሓያሎ መዳያት፡ ፍቕሪ ነቲ ንኣሽቱ ሓጢኣትን ጕድለትን ካልኦት ዕሽሽ ንምባል ትሕግዘና እያ። (1 ጴጥሮስ 4:8) እቶም ዝበደሉና ኸምቲ ጴጥሮስ ዝገበሮ ብሓቂ ምስ ዚጥዓሱ፡ ንይቕረታ ድልዊ ብምዃን ዝመጸ ንየሱስ ክንመስሎ ኸም እንደሊ እተረጋገጸ እዩ። ቂም ኣብ ክንዲ እንሕዝ፡ ብጥበብ በደሎም ንሓድገሎም ኢና። (ኤፌሶን 4:32) ከምኡ ብምግባርና ኸኣ፡ ንሰላም እታ ጉባኤ ዀነ ንኣእምሮኣውን ልባውን ሰላምና ኣበርክቶ ንገብር ኢና።—1 ጴጥሮስ 3:11

ምእማን

15. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጕድለታት እናሃለዎም ክነሱ ዝኣመኖም ስለምንታይ እዩ፧

15 ፍቕርን እምነትን እተኣሳሰራ እየን። ፍቕሪ፡ “ኵሉ ትኣምን” እያ። c (1 ቈረንቶስ 13:7) የሱስ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ ደቀ መዛሙርቱ ዘይፍጽምና እናሃለዎም ክነሱ ኸም ዚኣምኖም ኣርእዩ እዩ። ኣባታቶም ምትእምማን ነበሮ፡ ብሓቂ ንየሆዋ ኸም ዜፍቅርዎን ፍቓዱ ኺገብሩ ኸም ዚደልዩን ድማ ይኣምን ነበረ። ጌጋታት ኪገብሩ ኸለዉ እውን ከይተረፈ፡ ነቲ ውሽጣዊ ድራኸኦም ኣብ ሕቶ ኣየእተዎን። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ያእቆብን ሃዋርያ ዮሃንስን ብኣዲኦም ኣቢሎም የሱስ ኣብ መንግስቱ ኣብ ጐድኑ ኬቐምጦም ምስ ሓተቱ፡ የሱስ ንተኣማንነቶም ኣብ ሕቶ ኣየእተዎን ወይ ካብ ሃዋርያነቶም ኣየልገሶምን።—ማቴዎስ 20:20-28

16, 17. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ሓላፍነታት እዩ ዝሃቦም፧

16 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዚኣምኖም ንምርኣይ፡ እተፈላለየ ሓላፍነታት ሃቦም። ንህዝቢ ብተኣምራዊ መገዲ ምግቢ ኣባዚሑ ኣብ ዝመገበሉ ኽልተ ኣጋጣሚታት፡ ነቲ ምግቢ ናይ ምዕዳል ዕዮ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሃቦም። (ማቴዎስ 14:19፣ 15:36) ነታ ናይ መወዳእታ ፋስጋ ምድላዋት ንምግባር፡ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ የሩሳሌም ከይዶም ኬዳልዉ መደቦም። ገንሸል፡ ወይኒ፡ ቅጫ፡ መሪር ሓምሊ፡ ከምኡ እውን ካልእ ነገራት ኣዳለዉ። ፋስጋ በቲ ግቡእ መገዲ ምብዓል ሓደ ኻብቲ ብሕጊ ሙሴ ዚሕተት ብምንባሩን የሱስ ነቲ ሕጊ ኺሕልዎ ስለ ዝነበሮን፡ እዚ ትሑት ዕዮ ኣይነበረን። ብዘይካዚ፡ በታ ምሸት እቲኣ ኣጸቢቑ ምስ መሰየ ዝኽሪ ሞቱ ዚብዓለሉ ኣገባብ ኬቕውም ከሎ፡ ነቲ ወይንን ቕጫን ንዝኽሪ ኸም ኣገዳሲ ተምሳል ገይሩ ተጠቒሙሉ እዩ።—ማቴዎስ 26:17-19፣ ሉቃስ 22:8, 13

17 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝኸበደ ሓላፍነታት እውን ሂብዎም እዩ። ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ከቢድ መዝነት ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዝሃቦም ኣይንረስዕ። (ማቴዎስ 28:18-20) ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ንእሽቶ ጕጅለ ቕቡኣት ሰዓብቱ፡ ነቲ መንፈሳዊ ምግቢ ናይ ምቕራብ ኣገዳሲ ሓላፍነት ከም ዚህቦም ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 12:42-44) ሕጂ ብዓይኒ ዘይርአን ኣብ ሰማይ ኰይኑ ዚገዝእን እኳ እንተ ዀነ፡ ነታ ኣብ ምድሪ ዘላ ጉባኤኡ ኺሓልዩ ብመንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም “ውህበት ሰባት” ሂቡ እዩ።—ኤፌሶን 4:8, 11, 12

18-20. (ሀ) ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኸም እንኣምኖምን ከም እንተኣማመነሎምን ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ (ለ) ነቲ የሱስ ሓላፍነት ንኻልኦት ንምክፋል ዝነበሮ ፍቓደኛነት ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧ (ሐ) ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ብዛዕባ እንታይ ክንመያየጥ ኢና፧

18 ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ከመይ ጌርና ኢና ኣብነት የሱስ ክንስዕብ እንኽእል፧ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና እንኣምኖምን እንተኣማመነሎምን ምዃንና፡ ሓደ መግለጺ ፍቕርና እዩ። ፍቕሪ ኣወንታዊት ደኣ እምበር፡ ኣሉታዊት ዘይምዃና ንዘክር። ካልኦት ኬጕህዩና ኸለዉ—እዚ ኸኣ ሓሓሊፉ ዘይተርፍ ነገር እዩ—ካብ ክፉእ ሓሳብ ተበጊሶም ከም ዝገበርዎ ጌርና ቐልጢፍና ምእንቲ ኸይንድምድም ፍቕሪ ትሕግዘና። (ማቴዎስ 7:1, 2) ብዛዕባ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኣወንታዊ ኣረኣእያ እንተ ሒዝና፡ ኣብ ክንዲ እነፍርሶም፡ ንሃንጾም ኢና።—1 ተሰሎንቄ 5:11

19 ነቲ የሱስ ሓላፍነት ንኻልኦት ንምሃብ ዝነበሮ ፍቓደኛነት ክንቀድሖ ንኽእልዶ፧ እቶም ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ንኻልኦት ዚከኣሎም ከም ዚገብሩ ብምእማን ትርጉም ዘለዎ ግቡእ ሓላፍነት ምክፋል ጠቓሚ እዩ። በዚ ኸምዚ ምኩራት ሽማግለታት ነቶም ኣብ ጉባኤ ኺሕግዙ ‘ዚመጣጠሩ’ ብቕዓት ዘለዎም መንእሰያት ኣድላይን ጠቓምን ስልጠና ኺህብዎም ይኽእሉ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:2) እዚ ስልጠና እዚ ኣገዳሲ እዩ። የሆዋ ነቲ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ቀልጢፉ ኼዕብዮ ኸሎ፡ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት ነቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ሓላፍነት ኪስልጥኑ ኣለዎም።—ኢሳይያስ 60:22

20 የሱስ ንኻልኦት ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ ዜደንቕ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ካብቲ ንየሱስ ክንስዕበሉ እንኽእል መገድታት፡ ንፍቕሩ ምቕዳሕ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፡ ንዓና ዘርኣየና ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሩ፡ ማለት ህይወቱ ኺህበና ፍቓደኛ ምዃኑ ኽንርኢ ኢና።

a እቶም ሃዋርያት ድቃስ ዚወስዶም ዝነበረ፡ ብሰንኪ ኣካላዊ ድኻም ጥራይ ኣይነበረን። እቲ ኣብ ሉቃስ 22:45 ዚርከብ ጸብጻብ፡ የሱስ “ካብ ጓሂ እተላዕለ ብምድካሞም ተታኺሶም ረኸቦም” ይብል።

b ኣብቲ ግዜ እቲ ማርያም መበለት ነይራ ኽትከውን ኣለዋ፡ ካልኦት ደቃ እውን ገና ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣይነበሩን ኪዀኑ ኣለዎም።—ዮሃንስ 7:5

c ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ፍቕሪ ብቐሊሉ ትዕሾ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዘየድሊ ነቓፊት ወይ ተጠራጣሪት ኣይኰነትን ማለት እዩ። ፍቕሪ ተቐላጢፋ ንኻልኦት ኣይትፈርድን ወይ ብዛዕባኦም ኣብ ክፉእ መደምደምታ ኣይትበጽሕን እያ።