ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሓሙሽተ

“ደንገጸ”

“ደንገጸ”

“ጐይታይ፡ ኣዒንትና ኪኽፈታ”

1-3. (ሀ) ክልተ ዕዉራት ለመንቲ ሓገዝ ደልዮም ምስ ለመኑ፡ የሱስ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ (ለ) እታ “ደንጊጹሎም” እትብል ቃል እንታይ ማለት እያ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

 ክልተ ዕዉራት ኣብ ወጻኢ ያሪኮ ኣብ ዚርከብ ወሰን መገዲ ተቐሚጦም ነበሩ። መዓልታዊ ናብቲ ብዙሕ ሰብ ዚሓልፈሉ ቦታ ይመጹ እሞ፡ ሰባት ኪረድእዎም ይልምኑ ነበሩ። ሓንቲ መዓልቲ ግና ኣብ ህይወቶም ዓብዪ ለውጢ ዜምጽእ ነገር ኣጋጠሞም።

2 ብሃንደበት እቶም ዕዉራት ያዕያዕ ሰምዑ። ኪርእዩ ይኽእሉ ስለ ዘይነበሩ፡ ሓደ ኻባታቶም እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ሓተተ። “የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ይሓልፍ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። የሱስ ንመወዳእታ ግዜ እዩ ናብ የሩሳሌም ዚኸይድ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ይስዕብዎ ስለ ዝነበሩ በይኑ ኣይነበረን። እቶም ለመንቲ መን ይሓልፍ ከም ዘሎ ምስ ሰምዑ፡ “ጐይታይ፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረና!” ኢሎም ጨርሑ። እቶም ህዝቢ በዚ ስለ እተበሳጨዉ ስቕ ኪብሉ ገንሕዎም፡ እቶም ሰብኡት ግና ዚገብርዎ ሓርቢትዎም እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ስቕ ምባል ኣበዩ።

3 የሱስ ኣብ መንጎ እቲ ያዕያዕታ፡ ነቲ ጭድርታኦም ሰምዐ። እንታይ ኰን እዩ ገይሩ፧ ኣብ ልቡን ኣእምሮኡን ብዙሕ ዝኸበዶ ሓሳባት ነበሮ። ናብታ ናይ መወዳእታ ሰሙን ምድራዊት ህይወቱ እዩ ዚኣቱ ነይሩ። ኣብ የሩሳሌም ስቓይን ዜስካሕክሕ ሞትን ይጽበዮ ኸም ዘሎ ይፈልጥ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኸየባተኹ ዝገበርዎ ለመናኦም ኣይነጸጎን። ደው ኢሉ፡ ነቶም ዚጭርሑ ዘለዉ ናብኡ ኼምጽኡሉ ሓተተ። ኪገብረሎም ዚደልይዎ ምስ ተሓተቱ፡ “ጐይታይ፡ ኣዒንትና ኪኽፈታ” ኢሎም ለመናኦም ኣቕረቡ። የሱስ “ደንጊጹሎም” ኣዒንቶም ተንከየ፡ ንሳቶም ከኣ ረኣዩ። a ከይደንጐዩ ንየሱስ ኪስዕብዎ ጀመሩ።—ሉቃስ 18:35-43፣ ማቴዎስ 20:29-34

4. የሱስ ነቲ “ንትሑትን ንድኻን ኪድንግጸሎም” ዚብል ትንቢት ብኸመይ ፈጸሞ፧

4 የሱስ ድንጋጸ ዘርኣየሉ ኣጋጣሚ እዚ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታትን ኣብ ትሕቲ እተፈላለየ ዅነታትን ካብ ውሽጡ ተደሪኹ ራሕሪሑሎም እዩ። “ንትሑትን ንድኻን ኪድንግጸሎም” ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት ተዛሪቡ ነይሩ። (መዝሙር 72:13) ከምቲ እዘን ቃላት እዚአን ዝገለጻኦ፡ የሱስ ብሓቂ ንሰባት ይርሕርሓሎም ነበረ። ንሰባት ንምሕጋዝ ተበግሶ ወሰደ። ርሕራሐኡ ኣብ ስብከቱ ደራኺ ሓይሊ ነበራ። እምበኣር፡ ብድሕሪ እቲ ቓላትን ግብርታትን የሱስ ዘሎ ርሕራሐ ኣብ ወንጌላት ብኸመይ ከም እተገልጸ ንርአ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ተመሳሳሊ ርሕራሐ ብኸመይ ከም እነርኢ ንመርምር።

ንስምዒት ካልኦት ምሕላይ

5, 6. የሱስ ደንጋጺ ምንባሩ ዚሕብረና እንታይ ኣብነታት እዩ፧

5 የሱስ ኣዝዩ ርሕሩሕ እዩ ነይሩ። ነቶም መከራ ዜሕልፉ ዝነበሩ ስምዒታቶም ይርድኣሎምን ይድንግጸሎምን ነበረ። ብዅሉ እቲ ዘሕለፍዎ ዅነታት እኳ እንተ ዘይሓለፈ፡ ስቓዮም ኣብ ልቡ ይስምዖ ነበረ። (እብራውያን 4:15) ንሓንቲ ን12 ዓመት ደም ዚፈስሳ ዝነበረ ሰበይቲ ኼሕውያ ኸሎ፡ ንሕማማ “ዜቐንዙ ሕማም” ኢሉ እዩ ጸዊዕዎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ሕማማ ብዙሕ ጸበባን ስቓይን ከም ዘምጸኣላ ኣፍልጦ ሃበ። (ማርቆስ 5:25-34) ማርያምን ምስኣ ዝነበሩ ሰባትን ብሞት ኣልኣዛር ኪበኽዩ ምስ ረኣየ፡ በቲ ሓዘኖም ውሽጡ ተተንክዩ ኣሕነቕነቐ። ንኣልኣዛር ኬተንስኦ ምዃኑ እናፈለጠ እውን፡ ኣዒንቱ ብንብዓት መልአ።—ዮሃንስ 11:33, 35

6 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ድዉይ ናብ የሱስ ቀሪቡ፡ “እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ለመኖ። እቲ ሓሚሙ ዘይፈልጥ ፍጹም ሰብኣይ ዝነበረ የሱስ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ነቲ ድዉይ ራሕርሐሉ። እወ፡ “ደንገጸሉ።” (ማርቆስ 1:40-42) ድሕሪኡ ሓደ ፍሉይ ነገር ገበረ። ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ድዉያት ዘይንጹሃት ከም ዝዀኑን ምስ ካልኦት ኪሕወሱ ኸም ዘይብሎምን ይፈልጥ ነበረ። (ዘሌዋውያን 13:45, 46) የሱስ ነቲ ሰብኣይ ከይተንከየ ኼሕውዮ ኸም ዚኽእል እተረጋገጸ እዩ። (ማቴዎስ 8:5-13) ኰይኑ ግና፡ ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ድዉይ ተንከዮ፡ “እደሊ እየ። ንጻህ” ድማ በሎ። ብኡብኡ እቲ ደዌኡ ሓደጎ። የሱስ ከመይ ዝበለ ድንጋጸ ኰን እዩ ዘርኣየ!

“እትደናገጹ” ኹኑ

7. ድንጋጸ ንምምዕባል እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ እዛ ባህርይ እዚኣ ብኸመይ ክትግለጽ ትኽእል፧

7 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ድንጋጸ ብምርኣይ ዝመጸ ንየሱስ ክንመስሎ ጻውዒት ቀሪቡልና ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘እንደናገጽ’ ክንከውን ይምህረና እዩ። b (1 ጴጥሮስ 3:8) ነቶም ብሕዱር ሕማም ወይ ጭንቀት ዚሳቐዩ ስምዒቶም ክንርድኦ ቐሊል ከይከውን ይኽእል እዩ፣ ብፍላይ ከምኡ ዓይነት ስቓይ እንተ ዘየሕሊፍና ኸኣ እቲ ሽግር ይጋደድ እዩ። ድንጋጸ ንምርኣይ ግና ናይ ግድን ተመሳሳሊ ዅነታት ከተሕልፍ ከም ዘየድሊ ኣይትረስዕ። የሱስ ሓሚሙ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሕሙማት ግና ይድንግጸሎም ነበረ። ብኸመይ ደኣ ኢና እሞ ድንጋጸ ኸነማዕብል እንኽእል፧ እቶም ዚሳቐዩ ዘበሉ ልቦም ከፊቶም ስምዒታቶም ኪገልጹልና ኸለዉ፡ ብትዕግስቲ ብምስማዕ እዩ። ‘ኣብቲ ዅነታት እቲ እንተ ዝነብር፡ ከመይ ምተሰምዓኒ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። (1 ቈረንቶስ 12:26) ስምዒታት ካልኦት ብቐሊሉ ዚስምዓና እንተ ዀይኑ፡ “ንእተጨነቑ ኣጸናንዕዎም” ዚብል ምሕጽንታ ብዝሓሸ መገዲ ኽንፍጽሞ ንኽእል ኢና። (1 ተሰሎንቄ 5:14) ሓድሓደ ግዜ፡ ድንጋጸና ብቓላት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብንብዓት እውን ኪግለጽ ይኽእል እዩ። ሮሜ 12:15፡ “ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ” ትብል።

8, 9. የሱስ ንስምዒታት ካልኦት ሓልዮት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

8 የሱስ ንሰባት ይሓልየሎም ነበረ፡ ንስምዒታቶም ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ስጕምቲ ይወስድ ነበረ። ሓደ ጸማምን ዓባስን ሰብኣይ ምስ ኣምጽኡሉ ዝገበሮ ነገራት እሞ ንርአ። የሱስ፡ እቲ ሰብኣይ ከም እተሸቝረረ ስለ ዘስተውዓለ፡ ንኻልኦት ኬሕውዮም ከሎ ዘይገበሮ ነገር ገበረ። “ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ወሲዱ፡” ኪጥምትዎ ኣብ ዘይክእሉ ቦታ ገይሩ ኣሕወዮ።—ማርቆስ 7:31-35

9 ዕዉር ሰብኣይ ናብ የሱስ ኣምጺኦም ኬሕውዮ ምስ ለመንዎ እውን፡ ተመሳሳሊ ሓልዮት ኣርእዩ እዩ። “ነቲ ዕዉር ብኢዱ ሒዙ ድማ ናብ ወጻኢ እታ ቝሸት ወሰዶ።” ድሕሪኡ ነቲ ሰብኣይ በብደረጃ ኣሕወዮ። እዚ ኸኣ ምናልባት ንሓንጐልን ኣዒንትን እቲ ሰብኣይ፡ ምስቲ ዚደጕሕ ብርሃንን ሕልኽላኻት እዛ ዓለምን በብቝሩብ ኪለምዶ ሓጊዝዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማርቆስ 8:22-26) የሱስ ከመይ ዝበለ ሓልዮት ኰን እዩ ዘርኣየ!

10. ንስምዒታት ካልኦት ብኸመይ ኢና ሓልዮት ከነርኢ እንኽእል፧

10 ሰዓብቲ የሱስ ስለ ዝዀንና፡ ንስምዒታት ካልኦት ክንሓሊ ኣሎና። ንልሳንና ብዘይ ሓልዮት እንጥቀመላ እንተ ዄንና፡ ስምዒታት ካልኦት ክንጐድእ ስለ እንኽእል፡ ንዘረባና ንጥንቀቕ ኢና። (ምሳሌ 12:18፣ 18:21) ተሪር ቃላትን ምቍንጻብን ዚወግእ ሽምጠጣን ኣብቶም ንስምዒታት ካልኦት ዚግደሱ ክርስትያናት ቦታ የብሉን። (ኤፌሶን 4:31) ኣቱም ሽማግለታት፡ ንስምዒታት ካልኦት ብኸመይ ሓልዮት ከተርእዩ ትኽእሉ፧ ምኽሪ ኽትህቡ ኸለኹም፡ ክብረት ሰማዕትኹም ብምሕላው ብሕያውነት ተዛረቡ። (ገላትያ 6:1) ኣቱም ወለዲ፡ ንስምዒታት ደቅኹም ብኸመይ ሓልዮት ከተርእዩ ትኽእሉ፧ ንውሉዳትኩም ተግሳጽ ክትህቡ ኸለኹም፡ እተዋረዱ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ብዘይገብር መገዲ ኽትህብዎም ጽዓሩ።—ቈሎሴ 3:21

ንኻልኦት ንምሕጋዝ ተበግሶ ምውሳድ

11, 12. የሱስ ርሕራሐኡ ንምርኣይ ሕቶ ኪቐርበሉ ይጽበ ኸም ዘይነበረ እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻባት እዩ ዚሕብር፧

11 የሱስ ርሕራሐኡ ንምርኣይ፡ ወትሩ ሕቶ ኽሳዕ ዚቐርበሉ ኣይኰነን ዚጽበ ነይሩ። ከመይሲ፡ ርሕራሐ ንሓደ ሰብ ስጕምቲ ኺወስድ እትድርኾ ባህርይ እያ። የሱስ ብርሕራሐ ተደሪኹ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ባዕሉ ተበግሶ እንተ ወሰደ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ብዙሓት ሰባት ምስኡ ንሰለስተ መዓልቲ ድሕሪ ምጽናሖም፡ ዚበልዕዎ ኸም ዘይብሎም ምስ ፈለጠ፡ እቶም ሰባት ጠምዮም ከም ዘለዉ ወይ ገለ ነገር ኪገብር ከም ዘለዎ ኻልእ ሰብ ኪነግሮ ኣይተጸበየን። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “የሱስ ግና ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ‘እዞም ህዝቢ እዚኦም ምሳይ ሰለስተ መዓልቲ ስለ ዝገበሩ፡ ዚብላዕ እውን ስለ ዘይብሎም፡ የደንግጹኒ ኣለዉ። ኣብ መገዲ ምእንቲ ኸይሕለሉ ጾሞም ከሰናብቶም ኣይደልን እየ’ በሎም።” ድሕሪኡ፡ ብፍታው ነቶም ህዝቢ ብተኣምራዊ መገዲ መገቦም።—ማቴዎስ 15:32-38

12 ካልእ ጸብጻብ እስከ ንርአ። ብ31 ድ.ክ. የሱስ ናብ ከተማ ናይን ምስ ቀረበ፡ ዜሕዝን ትርኢት ረኣየ። ቀባሮ ኻብታ ኸተማ ይወጹ ነበሩ፡ ነቲ ‘ንመበለት ኣዲኡ ሓደ ወዳ’ ዝነበረ ምዉት፡ ኣብቲ ጥቓ እታ ኸተማ ኣብ ዚርከብ መቓብር ኪቐብርዎ ኢሎም እዮም ዚኸዱ ነይሮም ዚዀኑ። እታ ሰበይቲ እተሰምዓ ሓዘን ክትግምቶዶ ትኽእል፧ ሓደ ወዳ ኽትቀብር እያ እትኸይድ ነይራ፡ ሓዘና ዚካፈላ ሰብኣይ ድማ ኣይነበራን። ካብቶም ናብ ቀብሪ ዚኸዱ ዝነበሩ ሰባት ብምሉኦም፡ የሱስ ነታ ብዘይ ውሉድ ዝተረፈት መበለት “ረኣያ”። እቲ ዝረኣዮ ኸኣ ልቡ ተንከዮ—እወ፡ “ደንገጸላ።” ዋላ ሓደ ኽሳዕ ዚልምኖ ኣይተጸበየን። እቲ ኣብ ልቡ እተሰምዖ ርሕራሐ፡ ተበግሶ ኺወስድ ደረኾ። ስለዚ፡ “ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፡” ድሕሪኡ ኸኣ ነቲ ጐበዝ እንደገና ህያው ገበሮ። ቀጺሉ እንታይ ኰነ፧ የሱስ ነቲ ጐበዝ ምስቶም ምስኡ ዚኸዱ ህዝቢ ተሓዊሱ ኺስዕቦ ኣይሓተቶን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ንኣዲኡ ሃባ፡” እንደገና ሓንቲ ስድራ ቤት ኰኑ፡ ነታ መበለት ከኣ ጠዋሪ ኸም እትረክብ መረጋገጺ ዀና።—ሉቃስ 7:11-15

ነቶም ሓገዝ ዜድልዮም ንምሕጋዝ ተበግሶ ውሰድ

13. ነቶም ሓገዝ ዜድልዮም ንምሕጋዝ ግቡእ ተበግሶ ብምውሳድ ዝመጸ ንየሱስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

13 ኣብነት የሱስ ብኸመይ ክንስዕብ ንኽእል፧ ልክዕ እዩ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ምግቢ ኽንህብ ወይ ምዉት ከነተንስእ ኣይንኽእልን ኢና። ነቶም ሓገዝ ዜድልዮም ንምሕጋዝ ተበግሶ ብምውሳድ ግና ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ይነዲ ወይ ስራሕ ይስእን ይኸውን። (1 ዮሃንስ 3:17) ቤት ሓንቲ መበለት ብህጹጽ ጽገና የድልዮ ይኸውን። (ያእቆብ 1:27) ምጽንናዕ ወይ ገለ ግብራዊ ረድኤት ዜድልዮም ኣባል ስድራ ቤቶም ዝሞቶም ሰባት ንፈልጥ ንኸውን። (1 ተሰሎንቄ 5:11) ብሓቂ እተሸገረ እንተ ኣልዩ፡ ሓገዝ ንምሃብ ሕቶ ኽሳዕ ዚቐርበልና ኽንጽበ የብልናን። (ምሳሌ 3:27) ርሕራሐና ግቡእ ተበግሶ ወሲድና ዅነታትና ኸም ዜፍቅደልና ኽንሕግዝ ትድርኸና እያ። ሕያውነትና እነርእየሉ ቐሊል ተግባር ወይ ካብ ልቢ ዝመነጨ ሒደት ዜጸናንዕ ቃላት፡ ርሕራሐና እነርእየሉ ሓያል መግለጺ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣይንረስዕ።—ቈሎሴ 3:12

ርሕራሐ ኺሰብኽ ደረኸቶ

14. የሱስ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ቀዳምነት ዝሃቦ ስለምንታይ እዩ፧

14 ኣብ 2ይ ክፋል እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ የሱስ ነቲ ብስራት ብምስባኽ ዝመጸ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። “ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ከተማታት እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከበስረን ይግብኣኒ እዩ” በለ። (ሉቃስ 4:43) ነዚ ዕዮ እዚ ቐዳምነት ዝሃቦ ስለምንታይ እዩ፧ ብቐዳምነት ንኣምላኽ ፍቕሪ ስለ ዝነበሮ እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ነቲ ሰባት ብመንፈስ ዜድልዮም ነገራት ኬማልኣሎም ዝደረኾ ኻልእ ባህርይ እውን ነይርዎ እዩ። እዚ ኸኣ ልባዊ ርሕራሐ እዩ። ካብቲ ርሕራሐ ዘርኣየሉ ሓያሎ መገድታት፡ መንፈሳዊ ጥሜት ካልኦት ካብ ምዕንጋል ንላዕሊ ኣገዳስነት ዝነበሮ ኣይነበረን። የሱስ ነቶም ዚሰብከሎም ሰባት ብኸመይ ይርእዮም ከም ዝነበረ ዚሕብር ክልተ ኣጋጣሚታት እስከ ንመርምር። እዚ ድማ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክንሳተፍ ዚድርኸና ነገራት ንምምርማር ኪሕግዘና እዩ።

15, 16. የሱስ ነቶም ዚሰብከሎም ዝነበረ ሰባት ብኸመይ ይርእዮም ከም ዝነበረ ዚሕብር ክልተ ኣጋጣሚታት ግለጽ።

15 ብ31 ድ.ክ.፡ የሱስ ኣብ ኣገልግሎት ንኽልተ ዓመት ዚኣክል ኪጽዕር ድሕሪ ምጽናሑ፡ “ኣብ ኵሉ ኸተማታትን ኣቝሻትን ዞረ” ገሊላ ኺዘውር ብምጅማር ጻዕርታቱ ኣስፍሐ። እቲ ዝረኣዮ ነገር ልቡ ተንከዮ። ብዛዕባ እዚ ሃዋርያ ማቴዎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ድርቡያትን ስለ ዝነበሩ፡ ደንገጸሎም።” (ማቴዎስ 9:35, 36) የሱስ ነቶም ተራ ሰባት ይርሕርሓሎም ነበረ። ኣብ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነታት ከም ዘለዉ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። እቶም ኪጓስይዎም ዝነበሮም መራሕቲ ሃይማኖት ይገፍዕዎምን ዕሽሽ ይብልዎምን ነበሩ። የሱስ ብልባዊ ርሕራሐ ተደሪኹ፡ ነቶም ህዝቢ ነቲ መልእኽቲ ተስፋ ኼብጽሓሎም ኣበርቲዑ ዓየየ። ከመይሲ፡ ካብቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንላዕሊ ዜድልዮም ነገር ኣይነበረን።

16 ድሕሪ ሓያሎ ኣዋርሕ ኣጋ ፋስጋ 32 ድ.ክ. ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጠመ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ የሱስን ሃዋርያቱን ብጃልባ ገይሮም ንባሕሪ ገሊላ ብምስጋር ናብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ። ብዙሓት ሰባት ግና ብገማግም እናጐየዩ፡ ቅድሚ እታ ጃልባ ኣብቲ ስግር ሸነኽ ጸንሕዎም። የሱስ እንታይ ገበረ፧ “ምስ ወረደ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ፣ ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ስለ ዝነበሩ፡ ደንገጸሎም። ብዙሕ ከኣ ኪምህሮም ጀመረ።” (ማርቆስ 6:31-34) ኣብዚ እውን የሱስ ኣብ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነታት ስለ ዝነበሩ፡ “ደንገጸሎም።” “ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ” ስለ ዝነበሩ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ጠምዮምን ባዕሎም ዜድልዮም ኪምእርሩን ነበሮም። ንየሱስ ንስብከት ዘለዓዓሎ እምበኣር፡ ግቡኡ ስለ ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ርሕራሐ ስለ እተሰምዖ እውን እዩ።

ብርሕራሐ ስበኽ

17, 18. (ሀ) ኣብ ኣገልግሎት ንምስታፍ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧ (ለ) ንኻልኦት ርሕራሐ ኺህልወና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

17 ሰዓብቲ የሱስ ከም ምዃንና መጠን ኣብ ኣገልግሎት ንምስታፍ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧ ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 9 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝረኣናዮ፡ ክንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብርን መዝነት ወይ ሓላፍነት ተዋሂቡና ኣሎ። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ 1 ቈረንቶስ 9:16) ኣብዚ ዕዮ እዚ ንምስታፍ ዚድርኸና ግና፡ ግቡእና ወይ ግዴታና ስለ ዝዀነ ጥራይ ኣይኰነን። ልዕሊ ዅሉ፡ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ትድርኸና እያ። ነቶም እተፈልየ እምነት ዘለዎም ዘሎና ርሕራሐ እውን ክንሰብኽ ይድርኸና እዩ። (ማርቆስ 12:28-31) እሞ ደኣ ንኻልኦት ርሕራሐ ኺህልወና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

18 ንሰባት ከምቲ የሱስ ገይሩ ዝረኣዮም፡ ማለት “ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ድርቡያትን” ከም ዝዀኑ ጌርና ኽንርእዮም ኣሎና። ሓንቲ ዝጠፍአት ዕየት እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። ናብ ልሙዕ ሸኻን ማይን ዚመርሓ ጓሳ እንተ ዘይረኺባ፡ እታ መስኪን ፍጥረት ጠምያን ጸሚኣን እያ ዘላ። ንኸምዚኣ ዝኣመሰለት ዕየትሲ ኣይምደንገጽካላንዶ፧ እትበልዖን እትሰትዮን ንምሃብ ዚከኣለካዶ ኣይምገበርካን፧ ነቲ ብስራት ዘይፈልጡ ብዙሓት ሰባት፡ ከምዛ ዕየት እዚኣ እዮም። ጓሶት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ስለ ዝገፍዕዎም፡ ብመንፈሳዊ መገዲ ጠምዮምን ጸሚኦምን ኣለዉ፡ ብዛዕባ መጻኢ እውን ናይ ሓቂ ተስፋ የብሎምን። ንሕና ግና እቲ ነዞም ሰባት እዚኦም ዜድልዮም ነገራት ኣሎና፣ እወ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ዓንጋሊ መንፈሳዊ ምግብን ዜርዊ ማያት ሓቅን ኣሎና። (ኢሳይያስ 55:1, 2) ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ብመንፈሳዊ ዜድልዮም ነገራት ክንሓስብ ከለና፡ ልብና ይርሕርሓሎም እዩ። ከም የሱስ ንሰባት ብዙሕ እንድንግጸሎም እንተ ዄንና፡ ነቲ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ንምክፋል ዚከኣለና ዅሉ ንገብር ኢና።

19. ንሓደ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኪካፈል ብቕዓት ዘለዎ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንምትብባዕ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

19 ሰባት ኣብነት የሱስ ምእንቲ ኺስዕቡ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ ንሓደ ኣብ ህዝባዊ ዕዮ ስብከት ኪካፈል ብቕዓት ዘለዎ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ከነተባብዖ ደለና ንበል። ወይ ከኣ ምናልባት ንሓደ ዘይንጡፍ ዝዀነ ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ተሳትፎ ኺህልዎ ኽንሕግዞ ደለና ንበል። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ ልቦም ክንትንክዮም ኣሎና። የሱስ ፈለማ ንሰባት “ደንገጸሎም” ከም እተባህለ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ኪምህሮም ከም ዝጀመረ ኣይንረስዕ። (ማርቆስ 6:34) ስለዚ፡ ንሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ንሓደ ዘይንጡፍ ኣስፋሒ ርሕራሐ ንምምዕባል ክንሕግዞ እንተ ኽኢልና፡ ከም የሱስ ኪኸውንን ነቲ ብስራት ንሰባት ኪነግርን ልቡ ኪድርኾ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና፦ “ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕባልካ ብኸመይ ንህይወትካ ኣመሓይሽዎ፧ ነቲ መልእኽቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘይፈልጥዎ ሰባት ደኣኸ፡ ነቲ ብስራት ኪሰምዑ ዜድልዮምዶ ኣይመስለካን፧ ምእንቲ ኽትሕግዞም እንታይ ክትገብር ትኽእል፧” ልክዕ እዩ፡ ኣብ ኣገልግሎት ክንሳተፍ ዚደፋፍኣና ዝሓየለ ድራኸ፡ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕርን ንምግልጋሉ ዘሎና ባህግን እዩ።

20. (ሀ) ሰዓቢ የሱስ ምዃን እንታይ የጠቓልል፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

20 ሰዓቢ የሱስ ምዃን ቃላቱ ኻብ ምድጋምን ግብርታቱ ኻብ ምቕዳሕን ንላዕሊ የጠቓልል። “ኣተሓሳስባ” የሱስ እውን ኪህልወና ኣለዎ። (ፊልጲ 2:5) መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሱስ ብቓላቱን ብግብርታቱን ዜንጸባረቖ ሓሳባቱን ስምዒታቱን ዚገልጸልና ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነመስግን ዘሎና! “ሓሳብ ክርስቶስ” ምስ እንፈልጥ፡ ርሕራሐን ልባዊ ድንጋጸን ብዝያዳ ኸነማዕብል፡ ከምኡ እውን ንኻልኦት ከምቲ የሱስ ንሰባት ብሓፈሻ ዝሓዘሉ መገዲ ጌርና ኽንሕዞም ንኽእል። (1 ቈረንቶስ 2:16) ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፡ የሱስ ብፍላይ ንሰዓብቱ ፍቕሪ ዘርኣየሉ እተፈላለየ መገድታት ክንርኢ ኢና።

a እታ “ደንገጸ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል ንናይ ርሕራሐ ስምዒት እትገልጽ ሓንቲ ኻብተን ኣዝዩ ሓያል ስምዒት ዘለወን ቃላት እያ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ እዛ ቓል እዚኣ “መከራ ምስ ረኣኻ ዚስምዓካ ጓሂ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ መከራ ኸተቃልሎን ከተወግዶን ዚስምዓካ ሓያል ባህጊ እውን” ከም እተመልክት ገለጸ።

b እታ ኣብዚ “እትደናገጹ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቕጽል፡ ቃል ብቓሉ “ምስ ምስቓይ” ማለት እያ።