ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፍሊ 2

ናይ ሓቂ ኣምላኽ መን እዩ፧

ናይ ሓቂ ኣምላኽ መን እዩ፧

ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዘሎ፣ ስሙ ኸኣ የሆዋ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ” ይብል። (መዝሙር 83:18) ኣምላኽ፡ መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና። ንሱ የፍቅረና እዩ፣ ንሕና ኸነፍቅሮ እውን ይደልየና እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሰባት ከነፍቅሮም ይደልየና እዩ። (ማቴዎስ 22:35-40) ካብ ኵሉ ዝለዓለን ፈጣሪ ዅሉን እዩ።

እቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ናይ መጀመርታ ፍጥረት፡ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር እዩ ነይሩ፣ ድሕሪ ግዜ፡ የሱስ ክርስቶስ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። የሆዋ ንመላእኽቲ እውን ፈጢሩ እዩ።

የሆዋ ኣብ ሰማይን . . . ኣብ ምድርን ንዘሎ ዅሉ ፈጠረ። ራእይ 4:11

የሆዋ ኣምላኽ፡ ከዋኽብትን ምድርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉ ነገራትን ፈጠረ።—ዘፍጥረት 1:1

ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝዀነ ኣዳም፡ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ።—ዘፍጥረት 2:7