ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፍሊ 10

እቶም ንኣምላኽ ዚሰምዕዎ ዘበሉ፡ እንታይ በረኸት ኪረኽቡ እዮም፧

እቶም ንኣምላኽ ዚሰምዕዎ ዘበሉ፡ እንታይ በረኸት ኪረኽቡ እዮም፧

መብዛሕትኦም ምዉታት፡ ኣብ ምድሪ ኺትንስኡ እዮም። ግብሪ ሃዋርያት 24:15

ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ እንተ ሰሚዕካዮ እትረኽቦ በረኸት እሞ ሕሰብ። ምሉእ ጥዕና ኺህልወካ እዩ፣ ዚሓምም ወይ ዚማስን ሰብ እውን ኣይኪህሉን እዩ። እኩያት ሰባት ስለ ዘይህልዉ፡ ንዅሉ ሰብ ክትኣምኖ ኢኻ።

ስቓይ፡ ሓዘን፡ ወይ ንብዓት ኣይኪህሉን እዩ። እርጋንን ሞትን እውን ኣይኪህሉን እዩ።

ብፈተውትኻን ብስድራ ቤትካን ተኸቢብካ ኽትነብር ኢኻ። ኣብ ገነት ዚህሉ ህይወት ዜሐጕስ ኪኸውን እዩ።

ፍርሂ ዚብሃል ኣይኪህሉን እዩ። ሰባት ከኣ ብሓቂ ሕጉሳት ኪዀኑ እዮም።

መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ መከራ ኸተወግዶ እያ። ራእይ 21:3, 4