ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 9

“ክርስቶስ ሓይሊ ኣምላኽ . . . እዩ”

“ክርስቶስ ሓይሊ ኣምላኽ . . . እዩ”

1-3. (ሀ) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ከመይ ዝበለ ዜፍርህ ተመክሮ እዩ ኣጋጢምዎም፧ የሱስከ እንታይ ገበረ፧ (ለ) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ክርስቶስ ሓይሊ ኣምላኽ . . . እዩ” ምባሉ ሓቁ እዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

 ሓደ መዓልቲ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ባሕሪ ገሊላ እናተጓዕዙ ኸለዉ ሃንደበት ማዕበል ተላዕለ እሞ ኣዝዮም ተሸበሩ። ገለ ኻባታቶም ተመክሮ ዝነበሮም ገፈፍቲ ዓሳ ስለ ዝነበሩ፡ ቅድሚኡ ኣብዚ ባሕሪ እዚ ማዕበላት ኣጓኒፍዎም ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። a (ማቴዎስ 4:18, 19) እቲ ኸም ዚሽበሩ ዝገበሮም ማዕበል ግና “ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ” ዝነበሮ ብምዃኑ ነቲ ባሕሪ ኣዝዩ ኸም ዚናወጽ እዩ ገይርዎ። እቶም ሰባት ነታ ጃልባ ኺመርሕዋ ብዙሕ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ እቲ ማዕበል ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ብምዃኑ ኺቈጻጸርዎ ኣይከኣሉን። እታ ጃልባ ኽሳዕ እትመልእ፡ ማዕበል “ነታ ጃልባ ይጸፍዓ ነበረ።” የሱስ ግና ንህዝቢ ኺምህር ውዒሉ ስለ ዝደኸመ እዚ ዅሉ ነውጺ እናሃለወ ዓሚቝ ድቃስ ደቂሱ ነበረ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ከይጥሕሉ ፈሪሆም፡ “ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና!” እናበሉ ኣተንስእዎ።—ማርቆስ 4:35-38፣ ማቴዎስ 8:23-25

2 የሱስ ግና ኣይፈርሀን። ብምትእምማን “ዝግ በል! ህዳእ!” ብምባል ንንፋስን ንባሕርን ገንሖም። ንፋስን ባሕርን ብኡብኡ ተኣዘዝዎ፡ እቲ ህቦብላን ማዕበልን ከኣ ኣቋረጸ፡ “ዓብዪ ህድኣት እውን ኰነ።” ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣዝዮም ፈርሁ። ንሓድሕዶም ከኣ፡ “እዝስ መን ኰን እዩ፧” ተባሃሃሉ። ንንፋስን ባሕርን ልክዕ ከም ንሓደ ስዲ ቘልዓ ኺገንሖ ዚኽእል እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧—ማርቆስ 4:39-41፣ ማቴዎስ 8:26, 27

3 ይኹን እምበር፡ የሱስ ተራ ሰብ ኣይነበረን። ሓይሊ የሆዋ ብፍሉይ መገድታት እዩ ኣብኡን ብእኡን ዚዓዪ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ፡ “ክርስቶስ ሓይሊ ኣምላኽ . . . እዩ” ኢሉ ኺጽውዖ ሓቁ እዩ። (1 ቈረንቶስ 1:24) ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ የሱስ እተገልጸ በየናይ መገድታት እዩ፧ የሱስ ሓይሊ ምጥቃሙ ኣብ ህይወትና እንታይ ዓይነት ጽልዋ እዩ ኺገብረልና ዚኽእል፧

ሓይሊ እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ

4, 5. (ሀ) የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ እንታይ ዓይነት ስልጣንን ሓይልን እዩ ሂብዎ፧ (ለ) እዚ ወዲ እዚ ነቲ ምስ ፍጥረት እተተሓሓዘ ዕላማታት ኣቦኡ ብኸመይ እዩ ፈጺምዎ፧

4 ብዛዕባ እቲ የሱስ ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ዝነበሮ ሓይሊ እሞ ሕሰብ። የሆዋ ነቲ የሱስ ክርስቶስ እተባህለ ሓደ ወዱ ኺፈጥሮ ኸሎ “ናይ ዘለኣለም ሓይሉ” እዩ ተጠቒሙ። (ሮሜ 1:20፣ ቈሎሴ 1:15) ድሕርዚ፡ የሆዋ ንወዱ ነቲ ምስ ምፍጣር እተተሓሓዘ ዕላማታቱ ኺፍጽም መዝነት ብምሃብ፡ ማእለያ ዘይብሉ ሓይልን ስልጣንን ሃቦ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ወዲ ኣምላኽ “ኵሉ ብእኡ ዀነ፣ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ፡ ሓደ እኳ የልቦን” ይብለና።—ዮሃንስ 1:3

5 እቲ እተዋህቦ መዝነት ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ኪርድኣና ኣይክእልን እዩ። ነቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሓያላት መላእኽቲ፡ ነቲ ቢልዮናት ጋላክሲታት ዝሓዘ ዩኒቨርስ፡ ከምኡ እውን ንምድርን ነቲ ኣብኣ ዚነብር እተፈላለየ ህይወትን ንምፍጣር እተጠቕመሉ ሓይሊ እሞ ሕስብ ነብሎ! እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ነዚ ንምፍጻም ዜኽእሎ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ዘሎ እቲ ዝበርትዐ ሓይሊ፡ ማለት ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ተዋሂብዎ እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ ንምፍጣር እተጠቕመሉ ኽኢላ ሰራሕተኛ ብምዃኑ የሱስ ብዙሕ ተሓጒሱ እዩ።—ምሳሌ 8:22-31

6. የሱስ ኣብ ምድሪ ሞይቱ ምስ ተንስአ፡ ከመይ ዝበለ ሓይልን ስልጣንን እዩ ተዋሂብዎ፧

6 እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ካብዚ ዝበልጽ ዝያዳ ሓይልን ስልጣንን ኪቕበልከ ኽኢሉዶ፧ ኣብ ምድሪ ሞይቱ ምስ ተንስአ፡ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ” በለ። (ማቴዎስ 28:18) እወ፡ የሱስ ኣብ ምሉእ ዩኒቨርስ ሓይሊ ናይ ምጥቃም ክእለትን መሰልን ተዋሂብዎ ኣሎ። ከም “ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይተትን” ኰይኑ ኣንጻር ኣቦኡ ንዚስለፍ ዚርአን ዘይርአን ዘበለ ‘ዅሉ መንግስትን ዅሉ ስልጣንን ሓይልን ኪስዕር’ ስልጣን ተዋሂብዎ ኣሎ። (ራእይ 19:16፣ 1 ቈረንቶስ 15:24-26) የሆዋ ብዘይካ ገዛእ ርእሱ፡ “ንዕኡ ዘየግዝኦ ሓንቲ እኳ ኣይሓደገን።”—እብራውያን 2:8፣ 1 ቈረንቶስ 15:27

7. የሱስ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ሓይሊ ብዘይግቡእ ፈጺሙ ኸም ዘይጥቀመሉ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

7 የሱስ ንሓይሉ ብዘይግቡእ ይጥቀመሉ ደዀን ይኸውን ኢልና ኽንጭነቕ የድልየና ድዩ፧ ንኣቦኡ ብሓቂ ስለ ዜፍቅሮ፡ ኬጕህዮ ድማ ፈጺሙ ስለ ዘይደሊ፡ በዚ ኽንጭነቕ ኣየድልየናን እዩ። (ዮሃንስ 8:29፣ 14:31) ኣቦኡ የሆዋ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ሓይሉ ፈጺሙ ብዘይግቡእ ከም ዘይጥቀመሉ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። የሆዋ “ስለ እቶም ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብኡ ዝዀነ ብርታዐኡ ምእንቲ ኼርኢ፡” ኣጋጣሚ ኸም ዜናዲ፡ የሱስ ባዕሉ ተመኪርዎ እዩ። (2 ዜና መዋእል 16:9) ከም ኣቦኡ ንደቂ ሰብ ስለ ዘፍቀሮም፡ ንሓይሉ ወትሩ ንጥቕሚ ደቂ ሰብ ከም ዜውዕሎ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 13:1) ነዚ ዜረጋግጸልና የሱስ ዝገደፎ ምሉእ ዘይጕዱል መርትዖ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝነበሮ ሓይልን ነዚ ንምጥቃም ብኸመይ ይድረኽ ከም ዝነበረን ንርአ።

“ብቓል . . . ብርቱዕ”

8. የሱስ ደድሕሪ ጥምቀቱ እንታይ ንምግባር እዩ ሓይሊ ዝረኸበ፧ ንሓይሉኸ ብኸመይ ተጠቕመሉ፧

8 የሱስ ቈልዓ ዀይኑ ኣብ ናዝሬት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝዀነ ይኹን ተኣምራት ከም ዘይፈጸመ ፍሉጥ እዩ። ብ29 ድ.ክ. ኣብ 30 ዓመቱ ምስ ተጠምቀ ግና፡ እቲ ዅነታት ተቐዪሩ እዩ። (ሉቃስ 3:21-23) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ንዕኡ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረን ንዅሎም እቶም ድያብሎስ ዝጨቈኖም እናኣሕወየን ኣብታ ምድሪ ኸም ዝዞረ” ይነግረና። (ግብሪ ሃዋርያት 10:38) “ጽቡቕ እናገበረ” ዚብል ቃላትሲ የሱስ ንሓይሉ ብግቡእ ከም እተጠቕመሉ ዚሕብር ደይኰነን፧ ምስ ተቐብአ፡ “ብግብርን ብቓልን ብርቱዕ . . . ነብዪ” እዩ ዀይኑ።—ሉቃስ 24:19

9-11. (ሀ) የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ ኣበይ ኰይኑ እዩ ዚምህር ነይሩ፧ ከመይ ዝበለ ብድሆታትከ እዩ ዜጋጥሞ ነይሩ፧ (ለ) እቶም ህዝቢ ብትምህርትታት የሱስ እተገረሙ ስለምንታይ እዮም፧

9 የሱስ ብቓል ብርቱዕ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቅሉዕ ቦታ፡ ማለት ኣብ ገማግም ባሕርን ብርኽ ዝበለ ቦታን ኣብ ኣደባባያትን ዕዳጋታትን ኰይኑ እዩ ዚምህር ነይሩ። (ማርቆስ 6:53-56፣ ሉቃስ 5:1-3፣ 13:26) እቶም ህዝቢ ቓላቱ ዘይስሕቦም ነይሩ እንተ ዚኸውን ደው ኢሎም ኣይምሰምዕዎን ነይሮም። ኣብቲ መጻሕፍቲ ዘይሕተመሉ ዝነበረ ዘመን፡ እቶም መማሰውቲ ዝዀኑ ንቓላቱ ምስ ሰምዕዎ ኣብ ኣእምሮኦምን ልቦምን ኪዓቝርዎ ነበሮም። ስለዚ እምበኣር፡ ትምህርትታት የሱስ ኣጸቢቑ ዚማርኽ፡ ብቐሊሉ ዚርዳእን ዚዝከርን ኪኸውን ነበሮ። እዚ ግና ንየሱስ ጸገም ኣይፈጠረሉን። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ እሞ ንርአ።

10 ሓደ መዓልቲ ብጊሓት ናይ 31 ድ.ክ. ሰባት ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ተኣከቡ። ገሊኣቶም ካብ ይሁዳን የሩሳሌምን ካብ 100 ክሳዕ 110 ኪሎ ሜተር ተጓዒዞም ዝመጹ እዮም። ገሊኣቶም ካብ ሰሜን ማለት ካብ ገማግም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶንን ዝመጹ እዮም። ብዙሓት ሕሙማት ከኣ የሱስ ምእንቲ ኺትንክዮም ኢሎም ናብኡ ይቐርቡ ነበሩ፣ ንሱ ድማ ንዅሎም ኣሕወዮም። ኣሕውዩ ምስ ወድአ ኸኣ ኪምህሮም ጀመረ። (ሉቃስ 6:17-19) ጸኒሑ ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ በቲ ዝሰምዕዎ ተገረሙ። ስለምንታይ፧

11 ገለ ዓመታት ጸኒሑ ሓደ ኻብቶም ነቲ ስብከት ዝሰምዑ ሰባት፡ “እቶም ህዝቢ ብኣመሃህራኡ ተገረሙ፣ ከመይሲ፡ ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ገይሩ ይምህሮም ነበረ” ይብለና። (ማቴዎስ 7:28, 29) የሱስ ልቦም ብዚትንኪ ሓይሊ፡ ማለት ከም ወኪል ኣምላኽ ኰይኑ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፣ ንትምህርትታቱ ኸኣ ብስልጣን ቃል ኣምላኽ ይድግፎ ነበረ። (ዮሃንስ 7:16) እቲ ዚህቦ ሓሳባት ንጹር፡ ምኽሩ ዜእምን፡ መጐተኡ ኸኣ ዘይርታዕ እዩ ነይሩ። ቃላቱ ነጥቢ ዚወቅዕን ልቢ ሰማዕቱ ዚትንክን እዩ ነይሩ። ከመይ ገይሮም ሓጐስ ከም ዚረኽቡ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዚጽልዩ፡ ከመይ ገይሮም መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚደልዩ፡ ብዛዕባ መጻኢ እውን ከመይ ገይሮም ድልዱል መሰረት ከም ዚሃንጹ ምሂርዎም እዩ። (ማቴዎስ 5:3–7:27) ቃላቱ ንልቢ እቶም ሓቅን ጽድቅን ዚጠምዩ ሰባት ኣነቓቒሕዎ እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም ህይወቶም ‘ቀቢጾም፡’ ንዅሉ ሓዲጎም ኪስዕብዎ ፍቓደኛታት እዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 16:24፣ ሉቃስ 5:10, 11) እዝስ የሱስ ብቓል ብርቱዕ ወይ ሓያል ምንባሩ ዜርኢ ብቑዕ መርትዖ ደይኰነን!

“ብግብሪ . . . ብርቱዕ”

12, 13. የሱስ በየናይ መገዲ እዩ “ብግብሪ . . . ብርቱዕ” ዝነበረ፧ ከመይ ዝበለ እተፈላለየ ዓይነት ተኣምራትከ እዩ ዚገብር ነይሩ፧

12 የሱስ “ብግብሪ” እውን “ብርቱዕ” እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 24:19) ብ“ሓይሊ የሆዋ” ዝፈጸሞ ልዕሊ 30 ዚኸውን ተኣምራት ኣብ ወንጌላት ተመዝጊቡልና ኣሎ። b (ሉቃስ 5:17) ተኣምራቱ ንህይወት ኣሽሓት ሰባት ዚትንኪ እዩ ነይሩ። ቍጽሪ እቶም ብዝፈጸሞ ኽልተ ተኣምራት ጥራይ እተመገቡ፡ መጀመርታ 5,000 ሰብኡት፡ ዳሕራይ ከኣ 4,000 ሰብኡት እሞ ሕሰብ። ኣብኡ ዝነበሩ ኣንስትን ቈልዑን ምስ ዚጽብጸቡ፡ ተወሰኽቲ ብዙሓት ኣሽሓት ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ማቴዎስ 14:13-21፣ 15:32-38

13 የሱስ እተፈላለየ ዓይነት ተኣምራት እዩ ዚገብር ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ስልጣን ስለ ዝነበሮ፡ ብቐሊሉ እዩ ዜውጽኦም ነይሩ። (ሉቃስ 9:37-43) ኣብ ባእታታት እውን ሓይሊ ስለ ዝነበሮ፡ ንማይ ናብ ወይኒ ቐይሩ እዩ። (ዮሃንስ 2:1-11) ደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ብባሕረ ባሕሪ ኪኸይድ ምስ ረኣይዎ’ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተገረሙ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። (ዮሃንስ 6:18, 19) ኣብ ልዕሊ ሕማም ሓይሊ ስለ ዝነበሮ እውን፡ ስንክልናን ሕዱር ሕማምን ካልእ ኣብ ሞት ዜብጽሕ ሕማምን ይፍውስ ነበረ። (ማርቆስ 3:1-5፣ ዮሃንስ 4:46-54) ነዚ ኸኣ ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ዚፍጽሞ ነይሩ። ንገሊኦም ካባታቶም ርሒቑ ኸሎ ብቓሉ ጥራይ የሕውዮም፡ ንኻልኦት ከኣ ብኣእዳዉ ተንክዩ የሕውዮም ነበረ። (ማቴዎስ 8:2, 3, 5-13) ገሊኦም ብኡብኡ ኺሓውዩ ኸለዉ፡ ገሊኦም ከኣ በብቝሩብ እዮም ሓውዮም።—ማርቆስ 8:22-25፣ ሉቃስ 8:43, 44

‘የሱስ ብባሕረ ባሕሪ እናኸደ ረኣይዎ’

14. የሱስ ኣብ ልዕሊ ሞት ሓይሊ ኸም ዝነበሮ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ኣርእዩ፧

14 እቲ ኻብ ኵሉ ዜገርም ድማ የሱስ ኣብ ልዕሊ ሞት እውን ከይተረፈ ሓይሊ ነይርዎ እዩ። ምስ ወለዳ ንዝነበረት ጓል 12 ዓመት ቈልዓ፡ ንሓደ ወዲ መበለት፡ ከምኡ እውን ብኣሓቱ ይፍቶ ንዝነበረ ሰብኣይ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስአ ዝገልጽ ሰለስተ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና። (ሉቃስ 7:11-15፣ 8:49-56፣ ዮሃንስ 11:38-44) ኣብ ሰለስቲኡ ዅነታት ድማ ፈጺሙ ኣይተጸገመን። ነታ ጓል 12 ዓመት ቈልዓ፡ ምስ ሞተት ነዊሕ ከይጸንሐት እዩ ኻብቲ ደቂሳትሉ ዝነበረት ዓራት ኣተንሲእዋ። ነቲ ኣብ ቃሬዛ ዝነበረ ወዲ እታ መበለት እውን፡ ኣብታ ዝሞተላ መዓልቲ እዩ ኣተንሲእዎ። ንኣልኣዛር ከኣ ካብ ዚመውት ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ እዩ ኻብ መቓብር ኣተንሲእዎ።

ንሓይሉ ብዘይ ስስዐ፡ ብምስትውዓል፡ ብሓልዮት ተጠቕመሉ

15, 16. የሱስ ንሓይሉ ብዘይ ስስዐ ይጥቀመሉ ኸም ዝነበረ ዜርእየና እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

15 እቲ ንየሱስ እተዋህቦ ሓይሊ ወይ ስልጣን ንሓደ ዘይፍጹም መራሒ ተዋሂብዎ ነይሩ እንተ ዚኸውን ክሳዕ ክንደይ ብዘይግቡእ ኪጥቀመሉ ኸም ዚኽእልሲ ኽትግምቶዶ ምኸኣልካ፧ የሱስ ሓጢኣት ዚብሃል ኣይነበሮን። (1 ጴጥሮስ 2:22) እቲ ንዘይፍጹማት ሰባት ሓይሎም ንሰባት ንምጕዳእ ኬውዕልዎ ዚደፋፍኦም ከም ስስዐን ናይ ስልጣን ህርፋንን ዝኣመሰለ ሕማቕ ባህርያት ኪትንክዮ ኣይፈቐደሉን።

16 የሱስ ንሓይሉ ብስስዐ ንረብሓ ርእሱ ተጠቒሙሉ ኣይፈልጥን እዩ። ምስ ጠመየ ንእምኒ ናብ እንጌራ ኪቕይሮ ምስ ተሓትተ ኣብዩ እዩ። (ማቴዎስ 4:1-4) ንብረት ዘይነበሮ ምዃኑ፡ ንሓይሉ ስጋዊ ጥቕሚ ንምርካብ የውዕሎ ኸም ዘይነበረ ዜረጋግጽ እዩ። (ማቴዎስ 8:20) ነቲ ብርቱዕ ግብርታቱ ብዘይ ስስዐ ብልግሲ ይገብሮ ኸም ዝነበረ ዜረጋግጸልና ተወሳኺ መርትዖ እውን ኣሎና። ተኣምራት ኪፍጽም ከሎ፡ መስዋእቲ ይገብር ነይሩ እዩ። ሕሙማት ኬሕዊ ኸሎ፡ ሓይሊ ኻብኡ ይወጽእ ነበረ። ሓደ ሰብ ጥራይ ክሓዊ ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ሓይሊ ኻብኡ ኺወጽእ ከሎ ይፍለጦ ነይሩ እዩ። (ማርቆስ 5:25-34) ምስናይዚ ግና እቶም ህዝቢ ኸይተሰከፉ ኺትንክይዎ ይሓድጎም ስለ ዝነበረ ይሓውዩ ነበሩ። (ሉቃስ 6:19) ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ልግሲ ዝመልኦ መንፈስ ኰን እዩ ነይሩ!

17. የሱስ ንሓይሉ ብምስትውዓል ይጥቀመሉ ኸም ዝነበረ ብኸመይ ኣርኣየ፧

17 የሱስ ንሓይሉ ብምስትውዓል እዩ ዚጥቀመሉ ነይሩ። ንረኣዩለይ ወይ ብዘይ ዕላማ ዝፈጸሞ ግብሪ ኣይነበረን። (ማቴዎስ 4:5-7) ነቲ ብዘይ ቅኑዕ ድራኸ ተኣምራት ኪርኢ ዚህንጠ ዝነበረ ሄሮድስ ኬዕግብ ኢሉ ጥራይ ሓይሉ ኺጥቀም ፍቓደኛ ኣይነበረን። (ሉቃስ 23:8, 9) ነቶም ዘሕወዮም ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ብዙሕ ግዜ የጠንቅቖም ነበረ። (ማርቆስ 5:43፣ 7:36) ሰባት ኣብቲ ዝሰምዕዎ ወረ ተመርኲሶም ብዛዕባኡ ናይ ገዛእ ርእሶም ርእይቶ ኺህቡ ኣይደልን እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 12:15-19

18-20. (ሀ) የሱስ ንሓይሉ በቲ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ኣገባብ ንኼዘውትሮ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ (ለ)ብዛዕባ እቲ የሱስ ነቲ ኺሰምዕ ይኹን ኪዛረብ ዘይክእል ዝነበረ ሰብኣይ ዘሕወየሉ ኣገባብ እንታይ ይስምዓካ፧

18 እዚ ሓያል ሰብኣይ ዝነበረ የሱስ ካብቶም ንድሌትን ስቓይን ካልኦት ግዲ ኸይገበሩ ንሓይሎም ዜዘውትሩ ገዛእቲ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ሰባት ይሓሊ ነበረ። ምስ ረኣዮም ጥራይ የደንግጽዎ ስለ ዝነበሩ፡ ካብ ስቓዮም ኬሕውዮም ይድረኽ ነበረ። (ማቴዎስ 14:14) ብዛዕባ ስምዒታቶምን ዜድልዮም ነገራትን ይሓሊ ብምንባሩ፡ እዚ ተገዳስነት እዚ ንሓይሉ ብግቡእ ምእንቲ ኺጥቀመሉ ጽልዋ ገበረሉ። ኣብ ማርቆስ 7:31-37 ዘሎ ጸብጻብ ሓደ ኣብነት እዩ።

19 ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ብዙሓት ህዝቢ ሓያሎ ሕሙማት ሒዞም ናብ የሱስ መጹ ንዅሎም ድማ ኣሕወዮም። (ማቴዎስ 15:29, 30) የሱስ ግና ንሓደ ሰብኣይ ንበይኑ ወሲዱ ፍሉይ ቈላሕታ ገበረሉ። እቲ ሰብኣይ ኪሰምዕ ኰነ ኺዛረብ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለዚ የሱስ እቲ ሰብኣይ ኪሽቝረር ከሎ ኣስተብሂሉሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ብሓልዮት ነቲ ሰብኣይ ካብቲ ህዝቢ ፈልዩ ናብ ሓደ ብሑት ቦታ ወሰዶ እሞ እንታይ ኪገብር ምዃኑ ኼረድኦ ኢሉ ምልክታት ተጠቕመ። “ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛን እቲ ሰብኣይ ኣንቢሩ፡ ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ።” c (ማርቆስ 7:33) ድሕሪ እዚ የሱስ ናብ ሰማይ ቍሊሕ ኢሉ ብምጽላይ ኣስተንፈሰ። ከምዚ ምግባሩ ኸኣ ነቲ ሰብኣይ ‘ዘሕውየካ ዘለኹ በቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸብክዎ ሓይሊ እዩ’ ዚብል መልእኽቲ ዜመሓላልፍ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መወዳእታ የሱስ “ተኸፈት” በሎ። (ማርቆስ 7:34) ሽዑ፡ እቲ ሰብኣይ ናይ ምስማዕ ክእለቱ ተመልሰ፡ ከም ማንም ሰብ ከኣ ኪዛረብ ጀመረ።

20 የሱስ ነቲ ካብ ኣምላኽ እተዋህቦ ናይ ምፍዋስ ክእለት ኪጥቀመሉ ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ንሕሙማት ስምዒታቶም ይርድኣሎም ምንባሩ ኽትሓስቦ ኸለኻ ኽንደይ ልብኻ ዚትንኪ ኰን እዩ! የሆዋ ነዚ ደንጋጽን ሓላይን ወዱ ገዛኢ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ምግባሩ ምፍላጥናስ ባህ ዜብል ደይኰነን፧

ናይ ዚመጽእ ግዜ መርኣያ

21, 22. (ሀ) ተኣምራት የሱስ እንታይ እዩ ዚሕብር ነይሩ፧ (ለ) የሱስ ንባህርያዊ ሓይልታት ይቈጻጸሮ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቱ እንታይ ኪህሉ ኢና ትጽቢት ክንገብር እንኽእል፧

21 እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዚፍጽሞ ዝነበረ ብርቱዕ ግብርታት መርኣያ እቲ ኣብ ትሕቲ ንጉሳዊ ግዝኣቱ ዚህሉ ዝዓበየ ግብርታት እዩ። የሱስ ኣብ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም እውን ብደረጃ ዓለምለኸ ተኣምራት ኪገብር እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዚመጽእ ኪግበር እንጽበዮ ዜገርም ነገራት እሞ ሕሰብ።

22 የሱስ ነዚ ሕጂ ተበላሽዩ ዘሎ ባህርያዊ መስርሕ ምድርና ናብቲ መጀመርታ ዝነበሮ ፍጹም ኵነታት ኪመልሶ እዩ። ንማዕበልን ንፋስን ከም ዚሃድእ ብምግባር ንባህርያዊ ሓይልታት ከም እተቘጻጸሮ ንዘክር። ስለዚ እምበኣር፡ ወዲ ሰብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ክርስቶስ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ እሳተ ጎመራ፡ ወይ ካልእ ባህርያዊ ዕንወት ከይወርደኒ ዚብል ስግኣት ኣይኪህልዎን እዩ። ንምድርን ኣብኣ ዘሎ ህይወትን ኪፈጥር የሆዋ እተጠቕመሉ ኽኢላ ሰራሕተኛ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ይፈልጥ እዩ። ነቲ ዕቑር ሃብታ ብኸመይ ብግቡእ ክጥቀመሉ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ምልእቲ ምድሪ ናብ ገነት ክትቅየር እያ።—ሉቃስ 23:43

23. የሱስ ከም ንጉስ መጠን ንደቂ ሰብ ዜድልዮም ዘማልኣሎም ብኸመይ እዩ፧

23 ንደቂ ሰብ ዜድልዮም ነገራትከ ኼማልኣሎም ድዩ፧ እቲ የሱስ ብሒደት ምግቢ ንኣሽሓት ሰባት ብብዝሒ ኺምግብ ምኽኣሉ ግዝኣቱ ኻብ ጥሜት ናጻ ኺገብረና ምዃኑ የረጋግጸልና። ንዅሉ ብዘይ ኣድልዎ ዚባጻሕ እኹል ምግቢ ስለ ዚህሉ፡ ጥሜት ንዘለኣለም ኬቋርጽ እዩ። (መዝሙር 72:16) ኣብ ልዕሊ ሕማም ዝነበሮ ሓይሊ፡ ሕሙማት፡ ዕዉራት፡ ጸማማት፡ ልሙሳት፡ ስንኩላን ሰባት ምሉእ ብምሉእን ንሓዋሩን ኪሓውዩ ምዃኖም ይሕብር። (ኢሳይያስ 33:24፣ 35:5, 6) እቲ ምዉታት ናይ ምትንሳእ ክእለቱ፡ ኸም ሰማያዊ ንጉስ መጠን ዘለዎ ስልጣንን ሓይልን ተጠቒሙ ነቶም ኣቦኡ ባህ ኢልዎ ዝዝክሮም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ከተንስኦም ምዃኑ የረጋግጽ።—ዮሃንስ 5:28, 29

24. ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝነበሮ ሓይሊ ኸነስተንትን ከለና እንታይ ክንዝክር ይግብኣና፧ ስለምንታይከ፧

24 ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝነበሮ ሓይሊ ኸነስተንትን ከለና ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚቐድሖ ንዘክር። (ዮሃንስ 14:9) ስለዚ ካብቲ ንሓይሉ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ኣገባብ የሆዋ እውን ንሓይሉ ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ ንጹር ሓበሬታ ንረክብ ኢና። ንኣብነት፡ የሱስ ንሓደ ድዉይ ዘሕወየሉ ኣገባብ እሞ ንዘክር። ነቲ ሰብኣይ ብድንጋጽ ተላዒሉ ተንከዮ እሞ፡ “እደሊ እየ” በሎ። (ማርቆስ 1:40-42) የሆዋ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻብ ገይሩ ብኻልእ ኣዘራርባ ‘ነቲ ዘሎኒ ሓይሊ ኸምዚ ገይረ እየ ዝጥቀመሉ’ እዩ ዚብል ነይሩ። ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽና ኽትውድሶን ንሓይሉ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ መገዲ ስለ ዚጥቀመሉ ኸኣ ከተመስግኖን ኣይትድረኽንዶ፧

a ኣብ ባሕሪ ገሊላ ሃንደበታዊ ማዕበል ምርኣይ ልሙድ እዩ። እቲ ባሕሪ ብዙሕ ብራኸ ስለ ዘይብሉ (ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ 200 ሜተር ኣቢሉ እዩ)፡ ኣብቲ ባሕሪ ዚርከብ ኣየር ካብቲ ናይቲ ኸባቢ ዝያዳ ውዑይ ብምዃኑ ነውጺ ይፈጥር እዩ። ብርቱዕ ንፋስ ካብቲ ብሰሜን ወገን ዚርከብ ከረን ሄርሞን ተላዒሉ ናብ ስንጭሮ ዮርዳኖስ ገጹ ይነፍስ እዩ። ሃዲኡ ዝነበረ ኣየር ከኣ ብሃንደበት ናብ ብርቱዕ ህቦብላ ኪቕየር ይኽእል።

b ኣብ ርእሲ እዚ እውን ወንጌላት ሓድሓደ ግዜ ንብዙሕ ተኣምራት ብሓፈሻዊ ብሓደ መግለጺ ጥራይ ጠርኒፉ እዩ ዚዛረበሉ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ብምልእታ እታ ኸተማ” ኽትርእዮ ኸም ዝወጸት እሞ “ብዙሓት” ሕሙማት ከም ዘሕወየ ተጠቒሱ ኣሎ።—ማርቆስ 1:32-34

c ጡፍ ምባል ኣብ ኣይሁድ ይኹን ኣብ ኣህዛብ ተቐባልነት ዝነበሮ ናይ ምሕዋይ ኣገባብ ወይ ምልክት እዩ ነይሩ፡ ንምፍዋስ ጥፍጣፍ ይጥቀሙ ከም ዝነበሩ ዚገልጽ ጸብጻብ እውን ኣብ ናይ ረቢ ጽሑፋት ኣሎ። የሱስ ጡፍ ዝበለሉ፡ ክትሓዊ ኢኻ ዚብል መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ንጥፍጣፉ ኸም ፈውሲ ገይሩ ፈጺሙ ኣይተጠቕመሉን።