ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 18

ኣብ “ቃል ኣምላኽ” ዚርከብ ጥበብ

ኣብ “ቃል ኣምላኽ” ዚርከብ ጥበብ

1, 2. የሆዋ ዝጸሓፈልና “ደብዳበ” እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ እዩ ጽሒፉልና፧

 ኣብ ርሑቕ ሃገር ዚነብር እተፍቅሮ ሰብ ዝለኣኸልካ ደብዳበ ትዝክሮዶ፧ ከምቲ ኻብ እንፈትዎ ሰብ ዚመጸና ደብዳበ ወይ መልእኽቲ ገይሩ ኼሐጕሰና ዚኽእል ነገር የሎን። ብዛዕባ ሃለዋቱ፡ ተመክሮታቱ፡ መደባቱ ኽንሰምዕ ባህ እዩ ዚብለና። ዚፋቐሩ ሰባት ሽሕ እኳ ብኣካል እንተ ተረሓሓቑ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ንሓድሕዶም ከም ዚቀራረቡ እዩ ዚገብሮም።

2 እቲ እነፍቅሮ ኣምላኽ ብጽሑፍ መልእኽቲ እንተ ዚሰድደልና፡ ካብዚ ንላዕሊ ኼሐጕሰና ዚኽእል ነገር እሞ እንታይ ኣሎ፧ ሰዲዱልና ኸኣ እዩ፡ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ካብኡ እተቐበልናዮ “ደብዳበ” እዩ። ኣብዚ “ደብዳበ” እዚ የሆዋ መን ምዃኑ፡ እንታይ ከም ዝገበረ፡ እንታይ ዕላማ ኸም ዘለዎን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን እውን ጽሒፉልና ኣሎ። ቃሉ ዝሃበና ኽንቀርቦ ስለ ዚደሊ እዩ። እቲ ምሉእ ጥበብ ዘለዎ ኣምላኽና ምሳና ንምርኻብ እቲ ዝበለጸ መገዲ እዩ ተጠቒሙ። ብኣገባብ ኣጸሓሕፋ ይኹን ብትሕዝቶ፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥበብ መወዳድርቲ የብሉን።

ቃል ኣምላኽ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ስለምንታይ እዩ፧

3. የሆዋ ነቲ ሕጊ ንሙሴ ኸመይ ገይሩ እዩ ኣመሓላሊፉሉ፧

3 ገለ ሰባት ‘የሆዋ ምስ ደቂ ሰብ ንምርኻብ ከም እኒ ኻብ ሰማይ ብቓሉ ምዝራብ ዝኣመሰለ ብሉጽ ኣገባብ ዘይተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢሎም ይሓትቱ ይዀኑ። ቅድሚ ሕጂ የሆዋ ብመላእኽቲ ኣቢሉ ኻብ ሰማይ ዚዛረበሉ ግዜያት ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ንእስራኤላውያን ሕጊ ኺህቦም ከሎ በዚ ኣገባብ እዚ እዩ ተጠቒሙ። (ገላትያ 3:19) እቲ ኻብ ሰማይ እተሰምዐ ድምጺ ኣዝዩ ዜፍርህ ብምንባሩ፡ እቶም ርዒዶም ዝነበሩ እስራኤላውያን የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ደኣ ኺዛረቦም እምበር ካብ ሰማይ ከይዛረቦም ሓተቱ። (ዘጸኣት 20:18-20) ስለዚ ኸኣ እቲ 600 ኣቢሉ ዚበጽሕ ሕጊ ንሙሴ ብቓል እዩ ተመሓላሊፉሉ።

4. ሕግታት ኣምላኽ ብቓል ተመሓላሊፉ ነይሩ እንተ ዚኸውን ዜተኣማምን ኣይምዀነን ዜብለና ምኽንያት ግለጽ።

4 እቲ ሕጊ እቲ ፈጺሙ ኣብ ጽሑፍ እንተ ዘይሰፍር ነይሩኸ እንታይ መጋጠመ፧ ሙሴ ንዝርዝር እቲ ሕጊ በብሓንቲ ብምዝካር ነቶም ዝተረፉ ኣባላት እቶም ህዝቢ ብዘይ ገለ መንቅብ ኬመሓላልፎ ምኸኣለዶ ነይሩ፧ ናብቶም ዚስዕቡ ወለዶታትከ ብንጹርዶ ምተመሓላለፈ፧ ኣብቲ ብቓል ዚመሓላለፍ መልእኽቲ ምትእምማን መሕደሩዶ፧ ሕግታት ኣምላኽ ብኸምዚ እንተ ዚመሓላለፍ ነይሩ ዜተኣማምን ኣይምዀነን። ተሰሪዖም ንዘለዉ ብዙሓት ሰባት ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዛንታ ብምንጋር ክሳዕ እቲ ኣብ መወዳእታ ዘሎ ሰብ ከም ዚመሓላለፍ እንተ ትገብር እንታይ ኬጋጥም ከም ዚኽእል እሞ ገምት! እቲ ኣብ መወዳእታ መስርዕ ዘሎ ሰብ ዝሰምዖ ኻብቲ ናይ መጀመርታ እተፈልየ ኸም ዚኸውን ፍሉጥ እዩ። ቃላት ሕጊ ኣምላኽ እውን ብቓል ተመሓላሊፉ ነይሩ እንተ ዚኸውን ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ መጋጠሞ ነይሩ።

5, 6. የሆዋ ንሙሴ ብዛዕባ እቲ ዘመሓላለፎ ቓላት እንታይ ኪገብር እዩ መምርሒ ዝሃቦ፧ ቃል የሆዋ ብጽሑፍ ምርካብና በረኸት ዜምጽኣልና ስለምንታይ እዩ፧

5 የሆዋ ንቓላቱ ኣብ ጽሑፍ ኬስፍሮ እዩ መሪጹ። ንሙሴ፡ “ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን ዝኣቱ በዚ ቓላት እዚ እዩ እሞ፡ ነዚ ቓላት እዚ ጽሓፎ” ዚብል መምርሒ ሃቦ። (ዘጸኣት 34:27) ስለዚ ብ1513 ቅ.ክ. መጽሓፍ ቅዱስ ኪጸሓፍ ጀመረ። የሆዋ ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ 1,610 ዓመታት ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ 40 ዝዀኑ ሰባት ‘ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ተዛረቦም።’ (እብራውያን 1:1) ኣብ መንጎ እዚ ኸኣ ጽሑፍ ናይ ምቕዳሕ ክእለት ዘለዎም ውፉያት ሰባት ርጡብ ቅዳሓት ብምድላው ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዚዕቀብ ገይሮም እዮም።—እዝራ 7:6፣ መዝሙር 45:1

6 የሆዋ ምሳና ብጽሑፍ ርክብ ብምግባር ብሓቂ ባሪኹና እዩ። ኣብ ስቱር ቦታ እተቐምጣ፡ ደጋጊምካ ምስ እተንብባ ምጽንናዕ እትህበካ እትፈትዋ ደብዳበ ተቐቢልካዶ ትፈልጥ፧ እታ ኻብ የሆዋ እተቐበልናያ “ደብደበ” ኸኣ ልክዕ ከምኣ እያ። የሆዋ ንቓላቱ ኣብ ጽሑፍ ስለ ዘስፈረልና መዓልቲ መዓልቲ ኸነንብቦን ከነስተንትነሉን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 1:2) ኣብ ዝዀነ ይኹን ዜድልየና እዋን “ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት . . . መጸናንዒ” ንረክብ ኢና።—ሮሜ 15:4

ስለምንታይ እዩ ብሰባት ተጻሒፉ፧

7. የሆዋ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽሓፍ ሰባት ምጥቃሙ ጥበቡ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

7 የሆዋ ቓሉ ንምጽሓፍ ሰባት ምጥቃሙ ጥበብ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽሓፍ መላእኽቲ ተጠቒሙ ነይሩ እንተ ዚኸውን ከምዚ ናይ ሕጂ ገይሩ ምሰሓበናዶ፧ ሓቂ እዩ፡ መላእኽቲ ንየሆዋን ንዕኡ ዘለዎም ተወፋይነትን ንተግባራት እቶም እሙናት ኣገልገልቱን ብዝለዓለ መገዲ ምገለጽዎ ነይሮም። እንተዀነ ግና፡ ነቲ ብፍልጠትን ብተመክሮን ብሓይልን ካባና ኣዝዮም ዚበልጹ ፍጹማት መንፈሳውያን ፍጥረታት ዘለዎም ኣረኣእያ ምተረዳእናዮዶ፧—እብራውያን 2:6, 7

8. ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክእለት ኣተሓሳስባኦም ኪጥቀሙ እተፈቕደሎም በየናይ መገዲ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

8 የሆዋ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽሓፍ ሰባት ብምጥቃሙ እቲ ብልክዕ ዜድልየና ነገር፡ ማለት “ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ” ግናኸ ናይ ደቂ ሰብ ዓቕሚ ኣብ ግምት ዘእተወ ጽሑፍ እዩ ሂቡና። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ነዚ ኸመይ ገይሩ እዩ ፈጺምዎ፧ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ጸሓፍቲ ኽእለት ኣተሓሳስባኦም ተጠቒሞም “ደስ ዜብል ቃላት” ኪረኽቡን “ልክዕ ቃላት ሓቂ” ኺምዝግቡን ብምፍቃድ እዩ። (መክብብ 12:10, 11) መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ኺህልዎ ዝኸኣለ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ፣ እቲ ኣጸሓሕፋ ናይቶም ጸሓፍቲ ኣተዓባብያን ባህርያትን ዜንጸባርቕ እዩ። a ምስናይዚ ግና እዞም ሰባት እዚኦም “ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እዩ።” (2 ጴጥሮስ 1:21) ስለዚ እቲ ዝጸሓፍዎ ብሓቂ “ቓል ኣምላኽ” እዩ።—1 ተሰሎንቄ 2:13

“ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ . . . እዩ”

9, 10. መጽሓፍ ቅዱስ ብሰባት ምጽሓፉ ብዝያዳ ህያውን ማራኽን ከም ዝገበሮ ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

9 መጽሓፍ ቅዱስ ብሰባት ስለ እተጻሕፈ፡ ዝያዳ ህያውን ማራኽን ኪኸውን ክኢሉ እዩ። ጸሓፍቱ ኸማና ስምዒት ዘለዎም ሰባት እዮም ነይሮም። ዘይፍጹማት ብምዃኖም ምስ ኵነታትና ዚመሳሰል ፈተናታትን ጸቕጥታትን ኣጋጢምዎም እዩ። ኣብ ገሊኡ መዳያት ብመንፈስ የሆዋ ተደሪኾም ብዛዕባ ስምዒታቶምን ዘሕለፍዎ ጸገማትን ጽሒፎም እዮም። (2 ቈረንቶስ 12:7-10) ስለዚ፡ ዋላ ሓደ መልኣኽ ኪጥቀመሉ ዘይክእል ኣገላልጻ እዮም ተጠቒሞም።

10 ንኣብነት፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ዝበሎ ንርአ። ዳዊት ከቢድ ሓጢኣት ምስ ፈጸመ፡ ናይ ሓቂ ጣዕሳኡ ብምግላጽን ምሕረት ኣምላኽ ብምልማንን ኣብ ልቡ ዘሎ ብምሉኡ ዝገለጸሉ መዝሙር ኣቀናበረ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ፦ “ካብ ሓጢኣተይ . . . ኣጽርየኒ። ኣነስ ንኣበሳይ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ፣ ሓጢኣተይ ከኣ ወትሩ ኣብ ቅድመይ እዩ። እንሆ፡ ካብ ዝውለድ ኣትሒዘ ብስሕተት ተሓታቲ እየ፣ ኣደይ ከኣ ብሓጢኣት ጠኒሳትኒ። ካብ ቅድሜኻ ኣይትደርብየኒ፣ መንፈስ ቅዱስካ ድማ ኣይተግድፈኒ። ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ መስዋእቲ፡ ስቡር መንፈስ እዩ፣ ኦ ኣምላኽ፡ እተሰብረን እተደቝሰን ልቢ ኣይትንዕቕን ኢኻ።” (መዝሙር 51:2, 3, 5, 11, 17) እቲ ጸሓፊ ዚስምዖ ዝነበረ ስምዒታዊ ስቓይ ንኽትርድኦስ ቀሊል ደይኰነን፧ ዘይፍጹም ሰብ እንተ ዘይኰይኑ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ልባዊ ስምዒት ኪገልጽ ዚኽእል መን እዩ፧

ብዛዕባ ሰባት ኪጽሓፍ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧

11. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ንትምህርትና” ዚኸውን ከመይ ዝኣመሰለ ናይ ሓቂ ተመክሮ ህይወት እዩ እተጻሕፈ፧

11 ንመጽሓፍ ቅዱስ ማራኺ ዚገብሮ ኻልእ ረቛሒ እውን ኣሎ። ብዓብይኡ ብዛዕባ እቶም ንኣምላኽ ዘገልገልዎን ዘየገልገልዎን ሰባት ዚገልጽ ናይ ሓቂ ተመክሮ ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ። ብዛዕባ ተመክሮታቶም፡ ጸገማቶም፡ ሓጐሶም ነንብብ ኢና። ኣብ ህይወቶም ዝገበርዎ ምርጫታት እንታይ ከም ዘምጽኣሎም ንርእዮ ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻብ “ንትምህርትና” እዩ ተጻሒፉ። (ሮሜ 15:4) የሆዋ በዚ ናይ ሓቂ ተመክሮ ህይወት ገይሩ ንልብና ኺትንኪ ብዚኽእል መገዲ እዩ ዚምህረና። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

12. ብዛዕባ ዘይእሙናት ሰባት ዚዛረብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ በየናይ መገዲ እዩ ዚሕግዘና፧

12 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዘይእሙናትን እኩያትን ሰባት ታሪኽ ይነግረና እዩ፡ እንታይ ከም ዘጋጠሞም እውን ይገልጸልና እዩ። እዚ ጸብጻባት እዚ፡ ንሕማቕ ባህርያት ብተግባር ስለ ዚገልጾ፡ ከነወግዶ ዘሎና ባህርያት ብቐሊሉ ኺርድኣና ይኽእል እዩ። ንመረዳእታ፡ ካብቲ ይሁዳ ኣንጻር የሱስ ዝኣለሞ ውዲት ንላዕሊ ገይሩ ዘይእሙናት ከይንኸውን ኪነግረና ዚኽእል እንታይ መጠንቀቕታ ኣሎ፧ (ማቴዎስ 26:14-16, 46-50፣ 27:3-10) ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻባት ንልብና ኣጸቢቑ ብምትንካይ ሕማቕ ባህርያት ኣለሊና ንኸነወግዶ ዚሕግዝ እዩ።

13. መጽሓፍ ቅዱስ ባህ ዜብል ባህርያት ከነጥሪ ዚሕግዘና በየናይ መገዲ እዩ፧

13 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓያሎ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ይገልጸልና እዩ። ንተወፋይነቶምን ተኣማንነቶምን ዚገልጽ ሓሳባት ንረክብ ኢና። ብዛዕባ እቲ ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ዚሕግዘና ኸነማዕብሎ ዜድልየና ባህርያት ህያው ኣብነት ኢና እንርኢ። ንመረዳእታ፡ እምነት ንውሰድ። መጽሓፍ ቅዱስ ንእምነት ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዚገልጻ፡ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ንደሊ እንተ ደኣ ዄንና ኸኣ፡ እምነት ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪት ምዃና እውን ይነግረና እዩ። (እብራውያን 11:1, 6) ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብተግባር እተራእየ ንጹር ኣብነታት ናይ እምነት እውን ይነግረና እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብርሃም ንይስሃቅ ኪስውኦ ምስ ፈተነ ዘርኣዮ እምነት ሕስብ እሞ ነብሎ። (ዘፍጥረት ምዕራፍ 22፣ እብራውያን 11:17-19) እዚ ጸብጻባት እዚ ነታ “እምነት” እትብል ቃል ትርጉም ስለ ዚውስኸላ፡ እዛ ባህርይ እዚኣ ብቐሊሉ ኽትርድኣካ ትኽእል እያ። የሆዋ ጽቡቕ ባህርያት ከነማዕብል ይምዕደና ጥራይ ዘይኰነስ ህያው ኣብነታት እውን ዚህበና ምዃኑስ ክንደይ ጥበባዊ ዀን እዩ!

14, 15. ብዛዕባ ሓንቲ ናብ ቤተ መቕደስ ዝመጸት ሰበይቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚነግረና፧ ካብዚ ጸብጻብ እዚኸ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ኢና እንምሃር፧

14 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረኽቦ ህያው ተመክሮታት መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ገለ ትምህርቲ ይህበና እዩ። ብዛዕባ እታ የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝረኣያ ሰበይቲ እንታይ ጸብጻብ ተዋሂቡ ኸም ዘሎ እሞ ንርአ። የሱስ ኣብ ጥቓ ሳጹን ምጽዋት ተቐሚጡ ኸሎ ሰባት ገንዘብ ኬውድቑ ኸለዉ ይርኢ ነበረ። ብዙሓት ሃብታማት “ካብ ተረፎም እዮም” ዚህቡ ነይሮም። የሱስ ግና ንሓንቲ ድኻ መበለት ኣተኲሩ ይጥምታ ነበረ። እታ መበለት “ዚረብሕ ዋጋ ዘይብለን ክልተ ሰናቲም” ጥራይ እያ ሂባ። b ብዘይካ እዚ ኻልእ ሰልዲ ኣይነበራን። እቲ ንኣረኣእያ የሆዋ ጽቡቕ ገይሩ ዝቐድሖ የሱስ “እዛ ድኻ መበለት እዚኣ፡ ካብ ናይ ኵሎም እዞም ኣብቲ መመጽወቲ እቲ ገንዘብ ዜውድቑ ዘለዉ ዚበዝሕ እያ ኣውዲቓ” ኢሉ ተዛረበ። ብመሰረት እቲ የሱስ ዝበሎ ቓላት፡ ካብ ናይ ኵላቶም ተደሚሩ ዚበዝሕ ገንዘብ እያ ኣውዲቓ።—ማርቆስ 12:41-44፣ ሉቃስ 21:1-4፣ ዮሃንስ 8:28

15 ካብ ኵሎም እቶም ሽዑ ኣብቲ ቤተ መቕደስ መጺኦም ዝነበሩ ሰባት እዛ መበለት እዚኣ ተፈልያ ምጥቃሳ ዜገርም ደይኰነን፧ የሆዋ በዚ ኣብነት እዚ ገይሩ መማሰዊ ኣምላኽ ምዃኑ እዩ ዚምህረና። እቲ ብምሉእ ነፍስና እንህቦ ህያብ ምስቲ ናይ ካልኦት ኪነጻጸር ከሎ ኽሳዕ ክንደይ ሒደት ይኹን ብዘየገድስ ኪቕበሎ ባህ እዩ ዚብሎ። እወ፡ የሆዋ ነዚ ልቢ ዚትንኪ ሓቂ እዚ ንምምሃር ብሉጽ መገዲ እዩ ተጠቒሙ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየሎ ነገራት

16, 17. የሆዋ ሓድሓደ ነገራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከይጽሓፍ ምምራጹ ጥበቡ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

16 ንሓደ እተፍቅሮ ሰብ ደብዳበ ኽትጽሕፈሉ ኸለኻ፡ እቲ እትጽሕፎ ደረት ኣለዎ። ስለዚ ኸኣ ብዛዕባ እንታይ ከም እትጽሕፍ ተጠንቂቕካ ትሓስብ ኢኻ። የሆዋ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ውልቀ ሰባትን ፍጻመታትን መሪጹ እዩ ጽሒፉ። ይኹን እምበር፡ እዚ ጸብጻባት እዚ ኺግለጽ ከሎ፡ ኵሉ ዝርዝር ሓሳባት ወትሩ ብንጹር ይግለጽ እዩ ማለት ኣይኰነን። (ዮሃንስ 21:25) ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍርዲ ኣምላኽ ክነግረና ኸሎ፡ እቲ ዚህቦ ሓሳባት ንዅሉ ሕቶታትና ኣይምልሶን ይኸውን። የሆዋ ሓድሓደ ነገራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከይጽሓፍ ምምራጹ እውን ጥበቡ ዜርኢ እዩ። ብኸመይ፧

17 መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ኣገባብ ኣብ ልብና ዘሎ ምእንቲ ኺግለጽ እውን ዚሕግዝ እዩ። እብራውያን 4:12፡ “ቃል [ወይ መልእኽቲ] ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን እዩ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ እውን ዚበልሕ እዩ፣ ነፍስን መንፈስን . . . ክሳዕ ዚፈላሊ ዚስንጥቕ፡ ልቢ ዚሓስቦን ዚሕልኖን ከኣ ዚመሚ እዩ” ትብለና። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ነቲ ናይ ሓቂ ኣተሓሳስባናን ድራኸታትናን ብምግላጽ ክሳዕ ውሽጢ እዩ ዚሰጥም። እቶም ንምንቃፍ ኢሎም ዜንብብዎ መብዛሕትኡ ግዜ ኼዕግቦም ዚኽእል እኹል ሓበሬታ ብዘይ ምርካቦም ይዕንቀፉ እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ነቲ ኸም እኒ ፍቕሪ፡ ጥበብ ከምኡ እውን ፍትሒ ዝኣመሰለ ባህርያት የሆዋ እውን ከይተረፈ ኣብ ሕቶ እዮም ዜውድቕዎ።

18, 19. (ሀ) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ መልሲ ኽንረኽበሉ ዘይንኽእል ሕቶታት ምስ ዜለዓዕለልና ኽንጭነቕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኺርድኣና እንታይ ክንገብር የድልየና፧ እዚ ነቲ ዝዓበየ ጥበብ የሆዋ መረጋገጺ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

18 ብኣንጻር ናይዚ ድማ ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕና ብቕኑዕ ልቢ ምስ እነጽንዖ፡ ብዛዕባ የሆዋ ምሉእ ፍልጠት ኢና እንረክብ። ስለዚ እምበኣር፡ ሓደ ፍሉይ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኡብኡ መልሲ ዘይንረኽበሉ ገለ ሕቶታት ምስ ዜለዓዕለልና ኽንጭነቕ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና ቐስ እናበልና የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ ንፈልጥ፡ ምሉእ ምርዳእ ከኣ ይህልወና። ሽሕ እኳ ሓደ ጸብጻብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጀመርታ እንተ ዘይተረድኣና ወይ ከኣ ምስ ባህርያት ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚሰማማዕ ክንፈልጦ እንተ ዘይከኣልና፡ ዝገበርናዮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዛጊት የሆዋ ፈቃርን ፍትሓውን ቅኑዕን ኣምላኽ ምዃኑ ንኽንግንዘብ ዜኽእለና ኣኽል ታርፍ ትምህርቲ ሂቡና እዩ።

19 ስለዚ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኺርድኣና ብቕኑዕ ልብን ብንጹህ ኣእምሮን ከነንብቦን ከነጽንዖን ይግብኣና። እዝስ መረጋገጺ እቲ ዝዓበየ ጥበብ የሆዋ ደይኰነን፧ ምሁራት፡ “ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን” ጥራይ ኪርድኦም ዚኽእል መጻሕፍቲ እዮም ኪጽሕፉ ዚኽእሉ። ቅኑዕ ድራኸ ንዘለዎም ሰባት ጥራይ ኪርድኦም ዚኽእል መጽሓፍ ክትጽሕፍ ግና ጥበብ ኣምላኽ ይሓትት።—ማቴዎስ 11:25

“ግብራዊ ጥበብ” ዝሓዘ መጽሓፍ

20. ዝበለጸ ናብራ ህይወት ክንረኽበሉ እንኽእል መገዲ የሆዋ ጥራይ ኪነግረና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስከ እንታይ ኪሕግዘና ዚኽእል ነገራት እዩ ሒዙ ዘሎ፧

20 የሆዋ ብቓሉ ገይሩ ዝበለጸ ናብራ ህይወት ክንረኽበሉ እንኽእል መገዲ ይነግረና። ከም ፈጣሪና መጠን ዜድልየና ነገራት እንታይ ምዃኑ ኻባና ንላዕሊ ይፈልጦ እዩ። ከም እኒ ኽትፍቀር፡ ክትሕጐስ፡ ሰላማዊ ርክብ ኪህልወካ ዚብልን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ንሰብ ዜድልዮ መሰረታዊ ነገራት ኣይተቐየረን። መጽሓፍ ቅዱስ ትርጉም ዝመልኦ ናብራ ንምንባር ኪሕግዘና ዚኽእል “ግብራዊ ጥበብ” ሂቡና ኣሎ። (ምሳሌ 2:7) ኣብዛ ንመጽናዕቲ እተዳለወት መጽሓፍ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ነቲ ጥበባዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኸም እንኽእል እትገልጽ ሓንቲ ምዕራፍ ሒዙ እኳ እንተሎ፡ እስከ ሓደ ኣብነት ንርአ።

21-23. ቂም ከነርሕቕ ኪሕግዘና ዚኽእል ጥበባዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ዚብል እዩ፧

21 ቂም ዚሕዙ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ንነፍሶም ከም ዚጐድኡ ኣስተብሂልካዶ ኣለኻ፧ ቂም ከቢድ ጾር እዩ። ቂም እንተ ደኣ ሒዝና ሓሳባትና ይስረቕ፡ ሰላምናን ሓጐስናን ከኣ ይጠፍእ። ስነ ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ ቂም ምሓዝ ድኻም ልብን ካልእ ብዙሕ ሕዱር ሕማማትን ኬለዓዕል ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኸምዚ ዝኣመሰለ ስነ ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ቅድሚ ምምጻኡ ነዊሕ ዘመናት ኣቐዲሙ፡ “ቍጥዓ ሕደግ፡ ነድሪ ድማ ግደፍ” ዚብል ጥበባዊ ምኽሪ ሂቡና ኣሎ። (መዝሙር 37:8) ነዚ ግና ብኸመይ ኢና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእል፧

22 ቃል ኣምላኽ፡ “ልቦና ንሰብ፡ ብርግጽ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ፣ በደል ዕሽሽ ምባል ድማ የጸብቐሉ” ዚብል ጥበባዊ ምኽሪ ይህበና። (ምሳሌ 19:11) ልቦና ኺብሃል ከሎ፡ ላዕለ ላዕሉ ዘይኰነስ ኣዕሚቝካ ናይ ምርዳእ ክእለት ማለት እዩ። ልቦና ንሓደ ነገር ካብ ምርዳእ ዚብገስ እዩ፡ ከመይሲ ሓደ ሰብ ስለምንታይ ከምኡ ኢሉ ኸም እተዛረበ ወይ ከም ዝገበረ ኸነስተብህል ዚሕግዘና እዩ። ናይ ሓቂ ድራኸኡ፡ ስምዒቱ፡ ወይ ኵነታቱ ኣብ ግምት ምእታው ብዛዕባኡ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ወይ ስምዒት ከይነሕድር ይሕግዘና።

23 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን” ዚብል ተወሳኺ ምኽሪ ይህበና። (ቈሎሴ 3:13) እቲ “ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱ” ዚብል ሓሳብ ካልኦት ብባህርያቶም ኬሕርቑና ኸለዉ ኽንዕገሶም ከም ዘሎና እዩ ዚሕብር። ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቕሊ፡ ቂም ከይንሕዝ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። “ይቕረ ተባሃሃሉ” ዚብል ቃላት፡ ኣይትቀየሙ ዚብል ሓሳብ የመሓላልፍ። እቲ ጥበበኛ ዝዀነ ኣምላኽና ብቑዕ ምኽንያት ኪህልወና ኸሎ ንኻልኦት ይቕረ ኽንብለሎም ከም ዜድልየና ይፈልጥ እዩ። እዚ ንጥቕሞም ጥራይ ዘይኰነስ ንጥቕምና እውን እዩ፡ ከመይሲ ናይ ኣእምሮ ሰላምን ቅሳነትን ክንረክብ ይሕግዘና እዩ። (ሉቃስ 17:3, 4) ቃል ኣምላኽሲ ኣየ ኸመይ ዝኣመሰለ ጥበብ ኰን እዩ ሒዙ ዘሎ!

24. ምስ ጥበብ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ምስ እንመላለስ እንታይ ኢና እንረክብ፧

24 የሆዋ በቲ ዓሚቝ ፍቕሩ ተደሪኹ ምሳና ርክብ ኪገብር ደለየ። ነዚ ርክብ እዚ ንምምስራት እተጠቕመሉ ዝበለጸ መገዲ ኸኣ ብመንፈስ ቅዱስ እተመርሑ ሰባት ዝጸሓፍዎ “ደብዳበ” እዩ። እዚ “ደብዳበ” እዚ ነቲ “ኣዝዩ እሙን” ዝዀነ ናይ የሆዋ ጥበብ ሒዙ ኣሎ። (መዝሙር 93:5) ምስዚ መልእኽቲ እዚ ተሰማሚዕና ምስ እንመላለስን ንኻልኦት ከኣ ምስ እነካፍሎምን ናብቲ ምሉእ ጥበብ ዘለዎ ኣምላኽና እናቐረብና ኢና እንኸይድ። ኣብታ እትቕጽል ምዕራፍ ካልእ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት እቲ ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ ክእለት ዘለዎ ጥበብ የሆዋ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምንባይን ዕላማታቱ ናይ ምፍጻምን ዘለዎ ኽእለት ክንመያየጠሉ ኢና።

a ንኣብነት፡ እቲ ጓሳ ዝነበረ ዳዊት ካብ ጕስነት ዝረኸቦ ኣብነታት ተጠቒሙ ኣሎ። (መዝሙር 23) እቲ ኣካቢ ቐረጽ ዝነበረ ማቴዎስ ኣሃዛትን ናይ ገንዘብ ጸብጻባትን ብዙሕ ሳዕ ጠቒሱ ኣሎ። (ማቴዎስ 17:27፣ 26:15፣ 27:3) እቲ ሓኪም ዝነበረ ሉቃስ ናይ ሕክምና ተመክሮኡ ዜንጸባርቕ ቃላት እዩ ዚጥቀም ነይሩ።—ሉቃስ 4:38፣ 14:2፣ 16:20

b እዘን ሰናቲም ሓሓንቲ ለብጦን እየን ነይረን፣ ሓንቲ ለብጦን ከኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብ ዝነበረ ገንዘብ ኣይሁድ እታ ዝነኣሰት እያ ነይራ። ክልተ ለብጣ ማዕረ 1/64 ካብ ናይ ሓደ መዓልቲ ደሞዝ እዩ ነይሩ። እዚ ነታ ዝሓሰረት ቀለብ ድኻ ዝዀነት ጭሩ ገበላ ንምዕዳግ እኳ ዘይኣክል እዩ ነይሩ።