ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 17

‘ኣየወ፡ መዓሙቝ ጥበብ ኣምላኽ!’

‘ኣየወ፡ መዓሙቝ ጥበብ ኣምላኽ!’

1, 2. የሆዋ ብዛዕባ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸመይ ዝበለ ዕላማ እዩ ዝነበሮ፧ ኣብ ምጅማር እዛ መዓልቲ እዚኣኸ ንጥበብ ኣምላኽ ዜርኢ እንታይ ብድሆ እዩ እተፈጥረ፧

 እቲ ኣብ መዛዘሚ እታ ሻድሸይቲ ናይ ፍጥረት መዓልቲ እተፈጥረ ወዲ ሰብ ካብ ክብሪ ናብ ሕስራን ወደቐ። ኣቐድም ኣቢሉ የሆዋ “ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ” እንተላይ ደቂ ሰብ ምስ ረኣየ፡ “ኣዝዩ ጽቡቕ” ኢሉ ነበረ። (ዘፍጥረት 1:31) ይኹን እምበር፡ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ምጅማር እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ንሰይጣን ኣብ ዕልወቱ ኺሓብርዎ መረጹ። ናብ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ሞትን ከኣ ጠሓሉ።

2 እቲ የሆዋ ብዛዕባ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ገይርዎ ዝነበረ ዕላማ ንሓዋሩ እተዓናቐፈ መሲሉ ተራእዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ልክዕ ከምተን ቅድሚኣ ዝነበራ መዓልትታት ንኣሽሓት ዓመታት እትቕጽል እያ። የሆዋ ነታ መዓልቲ እቲኣ ስለ ዝቐደሳ፡ ኣብ መወዳእታ እታ መዓልቲ ምልእቲ ምድሪ ፍጽምቲ ስድራ ቤት ደቂ ሰብ ዚነብሩላ ገነት ኰይና ኽትነብር እዩ ዕላማኡ። (ዘፍጥረት 1:28፣ 2:3) ይኹን እምበር፡ ድሕሪ እዚ ዕልወት እዚ፡ ከመይ ኢሉ እዩ እዚ ነገር እዚ ኺፍጸም ዚኽእል፧ ኣምላኽ እንታይ እዩ ኺገብር፧ እዚ ነገር እዚ፡ ጥበብ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ዓሚቝ ምዃኑ ዜርኢ ብድሆ እዩ ነይሩ።

3, 4. (ሀ) እቲ የሆዋ ነቲ ኣብ ኤደን እተላዕለ ዕልወት ዝሃቦ ምላሽ ዕምቈት ጥበቡ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ጥበብ የሆዋ ኸነጽንዕ ከለና ትሕትና ነየናይ ሓቂ ኽንቅበል እያ እትድርኸና፧

3 የሆዋ ነቶም ኣብ ኤደን ዕልወት ዝፈጸሙ ፈፍርዶም ብምሃብ ቅልጡፍ ስጕምቲ ወሰደ። ምስናይዚ ድማ ነቲ ሽዑ ዝጀመረ ሕማቕ ኵነታት ንምዕራይ ዕላማ ኸም ዘለዎ ዚገልጽ ተስፋ ሃበ። (ዘፍጥረት 3:15) ዕላማ የሆዋ ኻብ ኤደን ጀሚሩ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ኣሽሓት ዘመናትን ንመጻእን ዚዝርጋሕ እዩ። እዚ ዕላማ እዚ ዓሚቝ ግናኸ ዘይተሓላለኸ ብምዃኑ፡ ሓደ ኣንባቢ መጽሓፍ ቅዱስ ግዜ ወሲዱ ብምጽናዕ ምስ ዚመራመረሉን ምስ ዜስተንትነሉን ዓስቢ ዜምጽኣሉ እዩ። ዕላማ የሆዋ ሸቶኡ ኸም ዚወቅዕ እውን እተረጋገጸ እዩ። ንእከይን ሓጢኣትን ሞትን መወዳእታ ኺገብረሉ፡ ንእሙናት ደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና ንምብጻሕ ዝገበሮ ዕላማ ኺፍጽሞ እዩ። ንምድርን ንደቂ ሰብን ዘለዎ ዕላማ ኣብ ግዜኡን ኣብቲ ዘውጽኦ መደብን ብምፍጻም እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ቐቅድሚ ምዝዛማ ነዚ ዅሉ ኺገብሮ እዩ!

4 ከምዚኣ ዝኣመሰለት ጥበብ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ደይኰነትን እተስርጸልና፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ‘ኣየወ፡ መዓሙቝ ጥበብ ኣምላኽ’ ኢሉ ንምጽሓፍ ተደሪኹ እዩ። (ሮሜ 11:33) ነዛ መለኮታዊት ባህርይ እዚኣ ብእተፈላለየ መዳያታ ኽንምርምራ ኸለና፡ እቲ ዓሚቝ ጥበብ የሆዋ ላዕለ ላዕሉ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ ምሉእ ብምሉእ ኪርድኣና ኸም ዘይክእል ብትሕትና ኣፍልጦ ኽንህበሉ ኣሎና። (እዮብ 26:14) መጀመርታ ግና ነዛ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት እተሕድረልና ባህርይ ንግለጻ።

ጥበብ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

5, 6. ፍልጠትን ጥበብን እንታይ ምትእስሳር እዩ ዘለወን፧ ፍልጠት የሆዋኸ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ሰፊሕ፧

5 ጥበብ ካብ ፍልጠት እተፈልየት እያ። ንኣብነት፡ ኮምፕዩተራት ብዙሕ ፍልጠት ዝሕዛ እኳ እንተ ዀና፡ ጥበበኛታት ክንብለን ግና ከም ዘይንኽእል ፍሉጥ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ፍልጠትን ጥበብን እተኣሳሰራ እየን። (ምሳሌ 10:14) ንመረዳእታ፦ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ምስ ዚህልወካ እሞ ጥበባዊ ምኽሪ ኺውሃበካ ምስ እትደሊ፡ ንሓደ ብዛዕባ መድሃኒት ምንም ፍልጠት ዘይብሉ ሰብዶ ምሓተትካዮ፧ ፈጺምካ ኸምኡ ኸም ዘይትገብር ፍሉጥ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ናይ ሓቂ ጥበብ ንምርካብ ርጡብ ፍልጠት ምጥራይ የድሊ።

6 የሆዋ ማእለያ ዘይብሉ ፍልጠት እዩ ዘለዎ። “ንጉስ ዘለኣለም” ስለ ዝዀነ፡ ንዘለኣለም ኪነብር ዚኽእል ንሱ ጥራይ እዩ። (ራእይ 15:3) ኣብ ኵሉ እዚ ዓመታት እዚ ኸኣ ንዅሉ ነገር ይፈልጥ ነይሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቲ ጸብጻብ እንህቦ ቕሉዕን ግሁድን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጥረት የልቦን” ይብለና። (እብራውያን 4:13፣ ምሳሌ 15:3) የሆዋ ኸም ፈጣሪ መጠን ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ነገራት ምሉእ ምርዳእ እዩ ዘለዎ፡ ንዅሉ ሰብኣዊ ንጥፈታት ከኣ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ተዓዚብዎ እዩ። ሓንቲ እኳ ኸይገደፈ ንዅሉ ልቢ ይምርምሮ እዩ። (1 ዜና መዋእል 28:9) የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡ ስለ ዝፈጠረና ኣብ ህይወትና ጽቡቕ ምርጫ ኽንገብር ኪርእየና ኸሎ ይሕጐስ እዩ። ኣምላኽ “ሰማዕ ጸሎት” ብምዃኑ ኸኣ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ንዚቐርበሉ ጸሎት ይሰምዖ እዩ። (መዝሙር 65:2) ምሉእ ዘይጕዱል ናይ ምዝካር ክእለት ከም ዘለዎ ድማ ዘይከሓድ እዩ።

7, 8. የሆዋ ምርዳእ፡ ምስትውዓል፡ ጥበብ ዜርኢ ስለምንታይ እዩ፧

7 የሆዋ ፍልጠት ጥራይ ኣይኰነን ዘለዎ። እተፈላለየ ጭብጥታት ንሓድሕዱ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ይርኢ፡ ነቲ ብእተፈላለየ ዝርዝር ነጥብታት ዝቘመ ሓፈሻዊ ስእሊ ድማ የስተውዕሎ እዩ። ኣብ መንጎ ሰናይን እከይን፡ ኣብ መንጎ ኣገዳሲ ነገራትን ዘይረብሕ ነገራትን ዘሎ ፍልልይ ብምምማይ እዩ ዚፈርድ። ደጋዊ ትርኢት ዘይኰነስ፡ ልቢ እዩ ዚርኢ። (1 ሳሙኤል 16:7) ስለዚ እምበኣር፡ የሆዋ ኸም እኒ ምርዳእን ምስትውዓልን ዝኣመሰላ ኻብ ፍልጠት ሓለፍ ዝበላ ባህርያት ኣለዋኦ። ጥበብ ግና ካብ ኵለን እዘን ባህርያት እዚአን ጸብለል ዝበለት እያ።

8 ጥበብ ንፍልጠትን ምስትውዓልን ምርዳእን ብሓደ ኣሕቢራ እተዕዪ ባህርይ እያ። አረ ገለ ኻብተን “ጥበብ” ተባሂለን ዚትርጐማ ናይቲ በዅሪ ቛንቋ ቃላትሲ ቓል ብቓሉ “ስሉጥ ዕዮ” ወይ “ግብራዊ ጥበብ” ተባሂለን ኪትርጐማ ይኽእላ እየን። ስለዚ እምበኣር፡ ጥበብ የሆዋ ኽልሰ ሓሳባዊ ጥራይ ዘይኰነትስ ግብራዊትን ኣድማዒትን እያ። የሆዋ ነቲ ሰፊሕ ፍልጠቱን ዓሚቝ ምርዳኡን በቲ ዝበለጸ መገዲ ተጠቒሙ ወትሩ እቲ ዝበለጸ ውሳነ እዩ ዚገብር። ናይ ሓቂ ጥበብ ዚብሃል ከኣ እዚ እዩ። የሆዋ ነቲ የሱስ፡ “ጥበብ ብግብራ እዩ ጽድቃ ዚረጋገጽ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ብግብሪ ኣርእይዎ እዩ። (ማቴዎስ 11:19) እቲ የሆዋ ኣብ ምሉእ ዩኒቨርስ ዝፈጠሮ ፍጥረታት ናይ ጥበቡ መርትዖ እዩ።

መርትዖ ጥበብ ኣምላኽ

9, 10. (ሀ) የሆዋ እንታይ ዓይነት ጥበብ እዩ ዘለዎ፧ ብኸመይከ እዩ ዘንጸባረቓ፧ (ለ) ሓንቲ ዋህዮ ብዛዕባ ጥበብ የሆዋ እንታይ መርትዖ እያ እትህበና፧

9 ብጽቡቕ ዚዓዪ ውቁብ ነገራት ዚሰርሕ ናይ ኢደ ጥበብ ክእለት ንዘለዎ ሰብ ኣድኒቕካዶ ትፈልጥ፧ እዚ ዜገርም ዓይነት ጥበብ እዩ። (ዘጸኣት 31:1-3) ምንጪ ናይ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ጥበብ የሆዋ እዩ፡ እቲ ዝዓበየ ብዓል ጥበብ ከኣ ንሱ እዩ። ንጉስ ዳዊት ንየሆዋ፡ “መስተንክርን ድንቅን ኰይነ ተፈጢረ እየ እሞ ኽውድሰካ እየ። ግብርታትካ ድንቂ እዩ፣ ነዚ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ” በሎ። (መዝሙር 139:14) ብዛዕባ ኣካላት ሰብ ዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን ብዛዕባ ጥበብ የሆዋ ብዝያዳ እናተመሰጥና ኢና እንኸይድ።

10 ንመረዳእታ፦ ህይወትካ ብሓንቲ ዋህዮ እያ ጀሚራ። እዛ ዋህዮ እዚኣ ሓንቲ እንቋቝሖ ናይ ኣዴኻ ምስ ሓደ ዘርኢ ናይ ኣቦኻ ምስ ተራኸበት እተፈጥረት እያ። ሽዑ እታ ዋህዮ ኽትመቓቐል ጀመረት። ኣብ መወዳእታ ኸኣ 100 ትሪልዮን ኣቢሉ ዚኸውን ዋህዮታት ዘለዎ ሰብ ክትከውን ክኢልካ። እቲ ዋህዮታት እቲ ኣዝዩ ደቂቕ እዩ። ገለ 10,000 ኣቢሉ ዚኸውን ማእከላይ ዓቐን ዘለዎ ዋህዮታት እንተ ዚእከብ፡ ኣብ ርእሲ ሓንቲ መርፍእ ወረቐት ምተቐመጠ። ይኹን እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ ኣዝዩ ዜደንቕ ኣፈጣጥራ እዩ ዘለዎ። እቲ ዋህዮ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዝሰርሖ ማሽን ወይ ፋብሪካ ብዝያዳ እተሓላለኸ እዩ። ሊቃውንቲ ንሓንቲ ዋህዮ ምስ ሓንቲ ቐጽሪ ዘለዋ፡ መእተዊኣን መውጽኢኣን ግቡእ ምቍጽጻር ዚግበረላ፡ ስርዓተ መጕዓዝያ፡ መርበብ መራኸቢታት፡ ጸዓት ዚህብ ትካላት፡ ምህርቲ ዜፍርያ ፋብሪካታት፡ ጐሓፍ ዜወግድን ብዑደት ናብ ጠቓሚ ነገራት ዚቕይርን መሳለጥያ፡ ሓይልታት ምክልኻል፡ ከምኡ እውን ኣብ ማእከላ ዀይኑ ዕዮኡ ዚፍጽም ማእከላይ መንግስቲ ዘለዋ ዕርድቲ ኸተማ እዮም ዜመሳስልዋ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ጥራይ ክትራባሕ ትኽእል እያ።

11, 12. (ሀ) ኣብ ሓደ ድቂ ዘሎ ዋህዮታት እተፈላለየ ባህርያት ከም ዚሕዝ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ እዚኸ ምስ መዝሙር 139:16 ብኸመይ እዩ ዚሰማማዕ፧ (ለ) ሓንጐል ሰብ፡ ኣፈጣጥራና “ድንቂ” ምዃኑ ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧

11 ኵሉ ዋህዮታት ሓደ ዓይነት እዩ ማለት ግና ኣይኰነን። ናይ ሓንቲ ድቂ ዋህዮ ብእተመቓቐለ መጠን ብእኡ መጠን ድማ እተፈላለየ ዕዮ እዩ ዚዓዪ። እዚ ዋህዮታት እዚ ገሊኡ ናይ መትኒ ዋህዮ ኪኸውን ከሎ ገሊኡ ኸኣ ናይ ኣዕጽምቲ፡ ናይ ጭዋዳታት፡ ናይ ደም፡ ወይ ናይ ዓይኒ ዋህዮታት ይኸውን። ኵሉ እዚ ፍልልያት እዚ ዲ.ኤን.ኤ. ኣብ ዚብሃል ናይ ስነ ውርሻ “መዝገብ” እዩ ዝጸሓፍ። ዳዊት ብመንፈስ ተመሪሑ ንየሆዋ፡ “ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸለኹ እኳ ርእየናኒ፣ . . . ኵሉ እቲ ኣካላት ብዛዕባ እተሰርሓሉ መዓልትታት ኣብ መጽሓፍካ ተጻሒፉ ነይሩ” በለ።—መዝሙር 139:16

12 ገሊኡ ኽፍሊ ኣካላት ኣዝዩ እተሓላለኸ እዩ። ንኣብነት፡ ሓንጐል ሰብ ንርአ። ገለ ሰባት፡ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ዚርከብ ነገራት እቲ ኣዝዩ እተሓላለኸ ኣካል ከም ዝዀነ ይዛረቡ። ሓንጐል ገለ 100 ቢልዮን ዚኸውን ናይ መትኒ ዋህዮታት ሒዙ ኣሎ። እዚ ቝጽሪ እዚ ማዕረ ናይቲ ኣብዚ እንነብረሉ ጋላክሲ ዘለዉ ቝጽሪ ኸዋኽብቲ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ ኸኣ ምስ ካልኦት ዋህዮታት ዜራኽብ ኣሽሓት መራኸቢ መስመራት ኣለዎ። ሊቃውንቲ ኸም ዚብልዎ ሓንጐል ሰብ ንዅሉ እቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ኣብያተ መጻሕፍቲ ሒዝዎ ዘሎ ሓበሬታ ኺሕዝ ከም ዚኽእል እሞ ሓበሬታታት ናይ ምዕቋር ክእለቱ ኽንድዚ እዩ ኢልካ ኽትግምቶ ኣሸጋሪ ምዃኑ ይገልጹ። ሊቃውንቲ ነዚ “ድንቂ” ሓንጐል ንዓሰርተታት ዓመታት ዚኣክል መጽናዕቲ ኺገብርሉ እኳ እንተ ጸንሑ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ምሉእ ብምሉእ ፈጺሞም ኪርድእዎ ኣይከኣሉን።

13, 14. (ሀ) ጻጸን ካልኦት ፍጥረታትን ብኣፈጣጥራኦም “ብባህረት ጥበበኛታት” ከም ዝዀኑ ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧ እዚኸ ብዛዕባ እቲ ዝፈጠሮም እንታይ እዩ ዚምህረና፧ (ለ) ከም ዓለባ ሳሬት ዝኣመሰለ ነገራት ክንርኢ ኸሎና እዞም ፍጥረታት እዚኦም “ብጥበብ” እዮም ተፈጢሮም ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

13 ይኹን እምበር፡ ካብቲ የሆዋ ብጥበብ ዝፈጠሮ ነገራት ደቂ ሰብ ሓደ ኣብነት ጥራይ እዮም። መዝሙር 104:24፡ “ኦ የሆዋ፡ ግብርታትካስ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ! ንዅሉ ብጥበብ ጌርካዮ። ምድሪ ብተግባርካ መሊኣ ኣላ” ትብል። ጥበብ የሆዋ ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ፍጥረታት ኪርአ ይከኣል እዩ። ንኣብነት፡ ጻጸ ብኣፈጣጥራኦም “ብባህረት ጥበበኛታት” እዮም። (ምሳሌ 30:24) እወ፡ ዕስለ ጻጸ ብግቡእ እተመሓደሩ እዮም። ገሊኦም ዕስለ ጻጸ መዕቈቢ ናይ ምድላውን ካብ ደቀቕቲ ሓሸራታት ምግቢ ናይ ምስንዳውን ዕዮ ኣለዎም። ገሊኦም ከኣ ዕሲ ኸም ዚፈርን ከም ዚባዛሕን ብምግባር ሓረስቶት ኰይኖም ይዓዩ። ሓያሎ ኻልኦት ፍጥረታት እውን ብባህርያዊ መገዲ ዜደንቕ ተግባራት ከም ዚፍጽሙ ጌርካ እዮም ተፈጢሮም። ንኣብነት፡ ሃመማ ብኣዝዩ ምዕቡል ደረጃ እተሰርሐት ነፋሪት እኳ ኽትገብሮ ዘይትኽእል ናይ ምግልብባጥ ተግባር ይፍጽም። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዚጕዓዛ ኣዕዋፍ ከኣ ብኸዋኽብቲ፡ ብማግነታዊ ሓይሊ ምድሪ፡ ወይ ከኣ ብገለ ዓይነት ኣብ ውሽጠን ዘሎ መምርሒ እየን ዚጕዓዛ። ብዛዕባ ስነ ህይወታዊ መጽናዕቲ ዜካይዱ ሰባት ኣብዞም ፍጥረታት እዚኦም እተነድፈ ባህርያዊ ኽእለት ንምጽናዕ ዓመታት ወሲዱሎም እዩ። እቲ ነዚ ዘዳለወ ኣምላኽሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓሚቝ ጥበብ ኰን እዩ ዘለዎ!

14 ሊቃውንቲ ኻብቲ የሆዋ ብጥበብ ዝፈጠሮ ነገራት ብዙሕ ተማሂሮም እዮም። ኣብ ተፈጥሮ ዘሎ ንድፊ ንምቕዳሕ ጻዕሪ ዚካየደሉ ባዮሚመቲክስ ዚብሃል ዓውደ መጽናዕቲ ምህንድስና እውን ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ዓለባ ሳሬት ትኩር ኢልካ ብምጥማት ብዛዕባ ጽባቐኡ ትግረም ትኸውን። ሓደ መሃንድስ ግና በቲ ጽባቐ ዘይኰነስ በቲ ንድፊ እዩ ዚግረም። እቲ ኽትርእዮ ኸለኻ ብቐሊሉ ዚብተኽ ዚመስል ዓለባ ሳሬት ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ፡ ካብ ኣቻዮ ይኹን ካብ ጥይት ዘየሕልፍ ክዳን ይተርር። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ክንዲ እቲ ዓሳ ንምግፋፍ ዜገልግል መርበብ ዚኸውን ዓለባ ሳሬት እንተ ዚህሉ ነይሩ ንሓንቲ እትጓዓዝ ዘላ ናይ ገያሾ ነፋሪት ሓሊኹ ደው ኬብላ ምኸኣለ። እወ፡ የሆዋ ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ “ብጥበብ” እዩ ገይርዎ።

ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ፍጥረታት “ብባህረት ጥበበኛታት” ከም ዝዀኑ ገይሩ ዝፈጠሮም መን እዩ፧

ብኻልእ መዳይ እተንጸባረቐ ጥበብ

15, 16. (ሀ) እዚ ብኸዋኽብቲ ዘጌጸ ሰማያት ብዛዕባ ጥበብ የሆዋ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ማእለያ ዘይብሎም መላእኽቲ ዚእዝዝ ብምዃኑ ብዛዕባ እቲ ንምምሕዳር ዘለዎ ጥበብ እንታይ እዩ ዚምህረና፧

15 ጥበብ የሆዋ ኣብቲ ኣብ ዩኒቨርስ ዝገበሮ ፍጥረታቱ ተራእዩ እዩ። ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 5 ብመጠኑ እተመያየጥናሉ ኸዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ጠፈር ብሃውሪ እተበታተኑ ኣይኰኑን። የሆዋ ነቲ “ንሰማያት ዜመሓድር ሕግታት” ብጥበቡ ስለ ዘቘሞ፡ ከዋኽብቲ ብጋላክሲታት እተጠርነፉ ዀይኖም፡ እቶም ጋላክሲታት እውን ብጕጅለ ጋላክሲታት፡ እቶም ጕጅለ ጋላክሲታት ከኣ ብኻልእ ዓብዪ ጕጅለ ተጠርኒፎም እተመሓደሩ እዮም። (እዮብ 38:33) የሆዋ ንሰማያዊ ኣካላት “ሰራዊት” ኢሉ እንተ ጸውዖም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። (ኢሳይያስ 40:26) ይኹን እምበር፡ ንጥበብ የሆዋ ኣነጺሩ ኺገልጸልና ዚኽእል ካልእ ሰራዊት እውን ኣሎ።

16 ኣምላኽ፡ ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 4 ዝረኣናዮ፡ ኣማእታት ሚልዮናት መላእኽቲ ዝሓዘ ሰፊሕ ሰራዊት ስለ ዚእዝዝ፡ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት” ዚብል መዓርግ ኣለዎ። እዚ ንሓይሉ ዜረጋግጸልና መርትዖ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ ጥበቡኸ ይነግረና ድዩ፧ ነዚ ዚስዕብ እሞ ንሕሰበሉ። የሆዋን የሱስን ስራሕ ኣቋሪጾም ኣይፈልጡን እዮም። (ዮሃንስ 5:17) እቶም መላእኽቲ እቲ ልዑል ኣምላኽ እውን ብተመሳሳሊ ብስራሕ ወትሩ ትሑዛት ከም ዝዀኑ ፍሉጥ እዩ። ብምስትውዓል ይኹን ብሓይሊ ኻብ ሰብ ዝለዓሉ ኸም ዝዀኑ ድማ ኣይንረስዕ። (እብራውያን 1:7፣ 2:7) እወ፡ የሆዋ ንዅሎም እዞም መላእኽቲ እዚኦም ሰስርሖም ስለ ዝሃቦም፡ ንቢልዮናት ዓመታት ዚኣክል “ቃሉ” እናተኣዘዙ “ፍቓዱ” ኸኣ እናፈጸሙ ባህ እናበሎም እዮም ዚዓይዩ። (መዝሙር 103:20, 21) እዚ ኣመሓዳሪ እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ጥበብ ኰን እዩ ዘለዎ!

የሆዋ “በይኑ ጥበበኛ”

17, 18. መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ “በይኑ ጥበበኛ” ዚብሎ ስለምንታይ እዩ፧ ጥበቡ ኣምላኻዊ ፍርሃት ኬሕድረልና ዚግባእከ ስለምንታይ እዩ፧

17 ብመሰረት እቲ ዝረኣናዮ መርትዖ መጽሓፍ ቅዱስ ንጥበብ የሆዋ ኽብ ኣቢሉ እንተ ኣቕረቦ ዜገርም ድዩ፧ ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ “በይኑ ጥበበኛ” ከም ዝዀነ ይነግረና። (ሮሜ 16:27) ምሉእ ጥበብ ዝሓዘ የሆዋ ጥራይ እዩ። ናይ ኵሉ ዓይነት ጥበብ ምንጪ ኸኣ እዩ። (ምሳሌ 2:6) ስለዚ ኸኣ እዩ የሱስ ካብ ኵሉ ፍጥረታት የሆዋ ብጥበብ ሓለፍ ዝበለ እኳ እንተ ዀነ፡ ኪዛረብ ከሎ ኣብቲ ኣቦኡ ዝሃቦ መምርሒ ደኣ እምበር ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጥበብ ዘይተወከለ።—ዮሃንስ 12:48-50

18 ሃዋርያ ጳውሎስ ጥበብ የሆዋ ኣዝዩ እተፈልየ ምዃኑ ብኸመይ ከም ዝገለጾ እሞ ኣስተብህለሉ፦ “ኣየወ፡ መዓሙቝ ሃብትን ጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ! ፍርዱ ኽንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ፡ መገዱ እውን ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብ ኰን እዩ!” (ሮሜ 11:33) ጳውሎስ ነታ ጥቕሲ “ኣየወ” ኢሉ ምጅማሩ ኣዝዩ ኸም እተደነቐ እዩ ዚሕብር። “መዓሙቝ” እትብል ቃል ምምራጹ እውን ኣብ ኣእምሮና ሓደ ንጹር ስእሊ እዩ ዚስእለልና። ብዛዕባ ጥበብ የሆዋ ኸነስተንትን ከለና ልክዕ ከም ኣብ ሓደ ይትረፍዶ ኣብ ካርታ ኸተስፍሮስ ስፍሓቱ ኽንድዚ እዩ ኢልካ ኽትግምቶ እኳ ዘይትኽእል ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚቝን ዝዀነ መዓሙቝ ንጥምት ከም ዘሎና እዩ ዚቝጸር። (መዝሙር 92:5) እዝስ ርእስኻ ትሕት ከም እተብል ዚገብር ሓሳብ ደይኰነን፧

19, 20. (ሀ) ንስሪ ንጥበብ ኣምላኽ ንምምልካት ብቑዕ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ነቲ ብዛዕባ ዚመጽእ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

19 የሆዋ “በይኑ ጥበበኛ” ዝዀነሉ ኻልእ መገዲ ድማ፡ ብዛዕባ ዚመጽእ ኪፈልጥ ዚኽእል ንሱ ጥራይ ብምዃኑ እዩ። ነቲ ኣርሒቑ ዚጥምት ንስሪ ንጥበቡ ንምምልካት ከም ዚጥቀመሉ ንዘክር። ሓሙሽተ ኪሎ ግራም ዝምዘን ጎልደን ኢግል ዚብሃል ንስሪ ኣሎ፡ እዚ ንስሪ እዚ ኣዒንቱ ኻብ ናይ ሓደ ብጹሕ ሰብ ዝዓበየ እዩ። ኣዝዩ ትኩር ኣዒንቲ ስለ ዘለዎ ኣማእታት ሜተራት ምናልባት እውን ሓያሎ ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ብምጥማት ነቲ ግዳዩ ዝዀነ ኣዝዩ ደቂቕ ፍጥረት ኪርኢ ይኽእል እዩ። የሆዋ ባዕሉ እኳ ብዛዕባ ንስሪ “ኣዒንቱ ናብ ርሑቕ ይጥምታ” ይብለና። (እዮብ 39:29) የሆዋ እውን ብተመሳሳሊ ብግዜ ዝመጸ “ናብ ርሑቕ” ኪጥምት ይኽእል እዩ።

20 መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ሓቂ ምዃኑ ዚገልጽ ብዙሕ መርትዖታት ይህበና። ብኣማእታት ዚቝጸር ትንቢታት—ቅድሚ ምፍጻሙ እተጻሕፈ ታሪኽ—ሒዙ ኣሎ። ሳዕቤን ውግእ፡ ምትንሳእን ምውዳቕን ሓይልታት ዓለም፡ ኣዘዝቲ ወተሃደራት ኣብ ውግእ እተጠቕሙሉ ንጹር ስልቲ እውን ከይተረፈ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ኣሎ። አረ ገሊኡስ ኣማእታት ዓመታት ኣቐዲሙ እዩ ተነጊሩ።—ኢሳይያስ 44:25-45:4፣ ዳንኤል 8:2-8, 20-22

21, 22. (ሀ) የሆዋ ንዅሉ እቲ ኣብ ህይወትካ እትገብሮ ምርጫታት ኣቐዲሙ ይፈልጦ ኢልካ ንምድምዳም መሰረት ዘይብልካ ስለምንታይ እዩ፧ መረዳእታ ሃብ። (ለ) የሆዋ ንጥበቡ ኺጥቀመሉ ኸሎ ብዘይ ፍቕራዊ መገዲ ኸም ዘይገብሮ ብኸመይ ንፈልጥ፧

21 እዚ ኺብሃል ከሎ ግና ኣብ ህይወትካ እትገብሮ ምርጫታት ኣምላኽ ድሮ ኣቐዲሙ ይፈልጦ ነይሩ ማለት ድዩ፧ እቶም ሰረተ እምነት ጽሕፍቶ ዚምህሩ ሰባት እወ ኢሎም እዮም ዚምልሱ። ይኹን እምበር፡ እዚ ሓሳብ እዚ የሆዋ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ንምፍላጥ ዘለዎ ኽእለት ኪቈጻጸሮ ኣይክእልን እዩ ዚብል መልእኽቲ ስለ ዜመሓላልፍ ንጥበብ የሆዋ ዜነኣእስ እዩ። ንመረዳእታ፦ ጽቡቕ ናይ ምዝማር ክእለት እንተ ዚህልወካ፡ ወትሩ ምዝማር እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ምርጫ ዘይብልካ ዲኻ እትኸውን፧ ፈጺሙ ዘይመስል እዩ! የሆዋ እውን ብተመሳሳሊ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምፍላጥ ክእለት እኳ እንተ ኣለዎ ወትሩ ኣይኰነን ዚጥቀመሉ። ከምኡ እንተ ዚገብር ነይሩ ነቲ ባዕሉ ዝሃበና፡ ኬሕድገና ድማ ዘይደሊ ኽቡር ህያብ ዝዀነ ናይ ምምራጽ መሰልና ኸም ምግሃስ ምተቘጽረ።—ዘዳግም 30:19, 20

22 እቲ ብዛዕባ ጽሕፍቶ ዚገልጽ ትምህርቲ ሕሉፍ ሓሊፉ የሆዋ ጥበብ ኬርኢ ኸሎ ብዘይ ስምዒት፡ ብዘይ ድንጋጽ፡ ብዘይ ፍቕራዊ መገዲ እዩ ዚገብሮ ዚብል ርእይቶ እዩ ዚህብ። እዚ ግና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ “ጥበበኛ ዝልቡ” እዩ ይብለና። (እዮብ 9:4) እዚ ኺብሃል ከሎ ግና የሆዋ ቓል ብቓሉ ልቢ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ዚበዝሕ ግዜ ንልቢ ምስ ከም እኒ ፍቕሪ ዝኣመሰለ ውሽጣዊ ድራኸታትን ስምዒታትን ብምትሕሓዝ እዩ ዚጥቀመላ። ስለዚ ጥበብ የሆዋ ልክዕ ከምቲ ኻልእ ባህርያቱ ብፍቕሩ እያ እትምራሕ።—1 ዮሃንስ 4:8

23. እታ ሓለፍ ዝበለት ጥበብ የሆዋ እንታይ ንምግባር እያ ኽትድርኸና ዚግባእ፧

23 ጥበብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ኽንገብረላ እትግባእ ባህርይ እያ። ካብ ናይ ርእስና ጥበብ ኣዝያ ሓለፍ ዝበለት ብምዃና ድማ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ብምባል ይላበወና፦ “ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፣ ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድታትካ ንዕኡ ኣስተብህለሉ፣ ንሱ ኸኣ ንመገድታትካ ኬቕንዖ እዩ።” (ምሳሌ 3:5, 6) ስለዚ ናብቲ ብጥበቡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣምላኽና እናቐረብና ምእንቲ ኽንከይድ ንጥበብ የሆዋ ኣዕሚቝና ንመርምራ።