ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 16

ምስ ኣምላኽ ኣብ እትገብሮ ምምልላስ ‘ፍትሒ ግበር’

ምስ ኣምላኽ ኣብ እትገብሮ ምምልላስ ‘ፍትሒ ግበር’

1-3. (ሀ) ንየሆዋ ሰብ ዕዳኡ ዝዀንና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እቲ ፈቃር መድሓኒና ኻባና እንታይ እዩ ዚጽበ፧

 ኣብ ሓንቲ እትጥሕል ዘላ መርከብ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ‘ኣኺሉና እዩ ተስፋ የብልናን’ ኢልካ እናሓሰብካ ኸለኻ ሓደ መድሓን ነፍሲ ይመጽእ እሞ ናብ ድሕነት ዘለዎ ቦታ ይመርሓካ። እቲ መድሓን ነፍሲ ኻብቲ ሓደገኛ ቦታ ኣውጺኡ፡ “ካብ ሞት ወጺእካ ኢኻ” እንተ ዚብለካ እንታይ ምተሰምዓካ። ንህይወትካ ስለ ዘድሓና፡ ነቲ ሰብ እቲ ብዓል ዕዳኡ ኸም ዝዀንካ ዀይኑዶ ኣይምተሰምዓካን፧

2 እዚ ኣብነት እዚ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረልና ነገር ብመጠኑ ዚገልጽ እዩ። ብሓቂ ድማ ሰብ ዕዳኡ ኢና። በጃ ብምድላው ካብ ሓጢኣትን ሞትን እንድሕነሉ መገዲ ኸፊቱልና እዩ። ኣብቲ ኽቡር መስዋእቲ እምነት እንተ ደኣ ጌርና ሓጢኣትና ኸም ዚሕደገልና፡ ዘለኣለማዊ ተስፋና ኸኣ ርጉጽ ምዃኑ ስለ እንፈልጥ፡ ቅሳነት እዩ ዚስምዓና። (1 ዮሃንስ 1:7፣ 4:9) ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 14 ዝረኣናዮ እቲ እተኸፍለ በጃ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋን ፍትሑን ዚገልጽ እዩ። እሞኸ ደኣ እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህብ ዘሎና፧

3 እቲ ፈቃር መድሓን ነፍስና ኻባና እንታይ ከም ዚሓትት ምፍላጥና ግቡእ እዩ። የሆዋ ብነብዪ ሚክያስ ገይሩ፡ “ኣታ ሰብ፡ ንሱ ጽቡቕ ዘበለ ነጊሩካ ኣሎ። የሆዋስ ካባኻ እንታይ እዩ ዚደሊ፧ ፍትሒ ኽትገብር፡ ተኣማንነት ክትፈቱ፡ ምስ ኣምላኽካ እውን ብትሕትና ኽትመላለስ ጥራይ እዩ!” (ሚክያስ 6:8) ሓደ ኻብቲ የሆዋ ኻባና ዚሓትቶ ነገር ‘ፍትሒ ኽንገብር’ ምዃኑ ኣስተብህለሉ። ነዚኸ ብኸመይ ኢና ኽንገብሮ እንኽእል፧

ደድሕሪ “ናይ ሓቂ ጽድቂ” ስዓብ

4. የሆዋ ምስቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ከም ዚደልየና ብኸመይ ንፈልጥ፧

4 የሆዋ ምስቲ ቕኑዕን ጌጋን እንታይ ምዃኑ ዚነግር ስርዓታቱ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ይጽበየና እዩ። ስርዓታቱ ቕኑዕን ጻድቕን ስለ ዝዀነ፡ ምስኡ ተሰማሚዕና ምስ እንመላለስ ፍትሕን ጽድቅን ንስዕብ ኣለና ማለት እዩ። ኢሳይያስ 1:17፡ “ምግባር ጽቡቕ ተምሃሩ፡ ፍትሒ ድለዩ” ትብለና። ቃል ኣምላኽ፡ “ጽድቂ ድለዩ” ኢሉ ይምዕደና። (ጸፎንያስ 2:3) ነቲ “ብናይ ሓቂ ጽድቅን ተኣማንነትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ስብእና . . . ልበሱ” ኢሉ እውን ይላበወና እዩ። (ኤፌሶን 4:24) ናይ ሓቂ ጽድቂ ወይ ናይ ሓቂ ፍትሒ ከም እኒ ዓመጻ፡ ርኽሰት፡ ምንዝርና ዝኣመሰለ ተግባራት ከነርሕቕ እውን ይላበወና እዩ። ከመይሲ፡ እዚ ነገራት እዚ ምስቲ ቕዱስ ነገራት ዚጻረር እዩ።—መዝሙር 11:5፣ ኤፌሶን 5:3-5

5, 6. (ሀ) ምስ ስርዓታት የሆዋ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ጾር ዘይከውን ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ደድሕሪ ጽድቂ ምስዓብ ቀጻሊ መስርሕ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚገልጽ፧

5 ምስቲ ጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ተሰማሚዕካ ምምልላስሲ ጾር ድዩ፧ ኣይኰነን። ናብ የሆዋ ዝቐረበ ልቢ፡ ስርዓታቱ ኸቢድ ኰይኑ ኣይስምዖን እዩ። ንኣምላኽናን ንባህርያቱን ስለ እነፍቅሮ፡ በቲ ዚሕጐሰሉ መገዲ ኽንመላለስ ኢና እንደሊ። (1 ዮሃንስ 5:3) የሆዋ ‘ጽድቂ ኸም ዚፈቱ’ ኣይንረስዕ። (መዝሙር 11:7) ንፍትሒ ኣምላኽ ወይ ንጽድቁ ኽንመስሎ ንደሊ እንተ ደኣ ዄንና፡ ነቲ ዚፈትዎ ኽንፈቱ፡ ነቲ ዚጸልኦ ኸኣ ክንጸልእ ኣሎና።—መዝሙር 97:10

6 ዘይፍጹማት ሰባት ደድሕሪ ጽድቂ ኺስዕቡ ቐሊል ኣይኰነን። ንኣረጊት ስብእና ምስቲ ዅሉ ሓጥእ ተግባራቱ ቐንጢጥና ሓድሽ ስብእና ኽንለብስ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሽ ስብእና “ዚሕደስ” ብፍልጠት ምዃኑ ይነግረና። (ቈሎሴ 3:9, 10) እታ “ዚሕደስ” እትብል ቃል ሓድሽ ስብእና ንምልባስ፡ ትጉህ ጻዕሪ ዚሓትት ቀጻሊ መስርሕ ምዃኑ እያ እትሕብረና። ቅኑዕ ንምግባር ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና፡ ሓድሓደ ግዜ እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ብኣተሓሳስባ፡ ብቓላት፡ ብግብሪ ኸም እንዕንቀፍ ኪገብረና ይኽእል እዩ።—ሮሜ 7:14-20፣ ያእቆብ 3:2

7. ደድሕሪ ጽድቂ ንምስዓብ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ዜጋጥመና ዕንቅፋት ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧

7 ደድሕሪ ጽድቂ ንምስዓብ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ዜጋጥመና ዕንቅፋት ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧ ንሓጥእ ተግባራት ዕሽሽ ኢልና ኽንሓልፎ ኸም ዘይንደሊ ፍሉጥ እዩ። ምስናይዚ ግና ብምኽንያት ጕድለትና ንየሆዋ ንምግልጋል ኣይንበቅዕን ኢና ኢልና ብምሕሳብ ክንሕለል የብልናን። እቲ ጸጋዊ ኣምላኽና ነቶም ልባዊ ንስሓ ዜርእዩ ናብ ስምረቱ ዚመልሰሉ ምድላው ገይሩ እዩ። ነቲ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ምእንቲ ኸይትሓጥኡ፡ እዚ እጽሕፈልኩም ኣለኹ” ብምባል እተዛረቦ ዜጸናንዕ ቃላት እሞ ነስተብህለሉ። ቀጺሉ ግና፡ “ሓደ እኳ ዝሓጥአ እንተሎ [ብምኽንያት እቲ ዝወረስናዮ ዘይፍጽምና]፡ ኣብ ኣቦ ረዳኢ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ እቲ ጻድቕ ኣሎና” በለ። (1 ዮሃንስ 2:1) እወ፡ የሆዋ ሓጥኣን ክነስና ብቕቡል መገዲ ምእንቲ ኸነገልግሎ ኢሉ መስዋእቲ በጃ ኣዳልዩልና እዩ። እዝስ ንየሆዋ ንምሕጓስ ዚከኣለና ኽንገብር ዚድርኸና ደይኰነን፧

ብስራትን ፍትሒ ኣምላኽን

8, 9. ስብከት እቲ ብስራት ብዛዕባ ፍትሒ የሆዋ ዚገልጸልና ብኸመይ እዩ፧

8 ንኻልኦት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምንጋር ፍትሒ ኣምላኽ ከነርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ መንጎ ፍትሒ የሆዋን ኣብ መንጎ እቲ ብስራትን እንታይ ምትሕሓዝ እዩ ዘሎ፧

9 የሆዋ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ኸይሃበ ነዚ እኩይ ስርዓት እዚ ኣይኬጥፍኦን እዩ። የሱስ ኣብ ግዜ መወዳእታ እንታይ ኪኸውን ምዃኑ ኣብ ዝገለጾ ትንቢት፡ “ቅድም ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ብስራት ኪስበኽ ኣለዎ” በለ። (ማርቆስ 13:10፣ ማቴዎስ 24:3) እታ፡ “ቅድም” እትብል ቃል ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ምስ ተዋህበ ኻልእ ተግባራት እውን ከም ዚስዕብ እያ እትሕብር። እዚ ተግባራት እዚ፡ ነቲ ብትንቢት እተነግረ ብርቱዕ ጸበባ እውን ዜጠቓልል እዩ። ብርቱዕ ጸበባ እኩያት ዚጠፍኡሉ፡ ነታ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ከኣ መገዲ ዚጸርግ ማለት እዩ። (ማቴዎስ 24:14, 21, 22) ብርግጽ እምበኣር የሆዋ ንእኩያት ሰባት ፍትሒ ኣየርኣየን ኢሉ ብልክዕ ኪወቕሶ ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን። መጠንቀቕታ ብምሃብ ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት መገዶም ኪቕይሩን ካብቲ ጥፍኣት እቲ ኼምልጡን እኹል ኣጋጣሚ ይህቦም ኣሎ።—ዮናስ 3:1-10

10, 11. ኣብ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምክፋልና ፍትሒ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ብኸመይ እዩ፧

10 ኣብ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምክፋልና ንፍትሒ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ብኸመይ እዩ፧ ቅድም ቀዳድም ካልኦት ሰባት ድሕነት ኪረኽቡ ንምሕጋዝ ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና። ነቲ ኻብ ሓንቲ እትጥሕል ዘላ መርከብ ብዛዕባ ምድሓን ዚገልጽ ኣብነት እሞ ደጊምና ንሕሰበሉ። ኣብታ ህይወት ንምድሓን እተዳለወት ጃልባ ዄንካ ንብዙሓት ኣብቲ ማይ ዘለዉ ሰባት ክትሕግዞም ከም እትደሊ ፍሉጥ እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ንህይወት እቶም ኣብ “ማያት” እዛ እክይቲ ዓለም ዚቃለሱ ዘለዉ ሰባት ከነድሕን ግዴታ ኣሎና። ብዙሓት ሰባት ንመልእኽትና ኸም ዚነጽግዎ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ዕጉስ ኰይኑ ኽሳዕ ዝቐጸለ “ናብ ንስሓ ኺበጽሑ” እሞ ድሕነት ኪረኽቡ ኣጋጣሚ ኽንከፍተሎም ሓላፍነት ኣሎና።—2 ጴጥሮስ 3:9

11 ንዅሎም እንረኽቦም ሰባት ብስራት ብምንጋር ብኻልእ መገዲ እውን ፍትሒ ነርኢ ኢና። “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ፡ . . . የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ” ዚብል ቃላት ንዘክሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ንፍትሑ ኽንቀድሖ እንተ ደኣ ዄንና፡ ንሰባት ኣቐዲምና ኽንፈርዶም የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ ዓሌቶም፡ ማሕበራዊ ደረጃኦም፡ ወይ ቍጠባዊ ዅነታቶም ብዘየገድስ ብስራት ከነካፍሎም ኣሎና። ስለዚ ንዅሎም ድሌት ዘለዎም ሰባት ብስራት ኪሰምዑን ምላሽ ኪህቡን ኣጋጣሚ ኽንከፍተሎም ኢና።—ሮሜ 10:11-13

ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ከመይ ኪኸውን ኣለዎ፧

12, 13. (ሀ) ንኻልኦት ክንፈርድ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እቲ የሱስ “ደጊም ኣይትፍረዱ” “ደጊም ኣይትዀንኑ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

12 ካልእ ፍትሒ ኸነርእየሉ እንኽእል መገዲ ኸኣ፡ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ከምቲ የሆዋ ምሳና ዚገብሮ ርክብ እንተ ደኣ ጌርናዮ እዩ። ጕድለቶም ብምንቃፍን ድራኸታቶም ኣብ ሕቶ ብምውዳቕን ንኻልኦት ክንፈርዶም ቀሊል እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንድራኸታትናን ጕድለታትናን ምሕረት ብዘይብሉ መገዲ ኺምርምሮ ዚደሊ መን ካባና ኣሎ፧ የሆዋ ኣብቲ ምሳና ዘለዎ ርክብ ከምኡ ኣይገብርን እዩ። እቲ ዘማሪ፡ “ኦ ያህ፡ ስሕተት ትቋመት ኔርካ እንተ ትኸውን፡ ኦ የሆዋ፡ መን ደው ኪብል ምኸኣለ፧” በለ። (መዝሙር 130:3) እቲ ቕኑዕን መሓርን ኣምላኽና ጕድለታትና ጥራይ ዚርኢ ብዘይምዃኑስ ከነማሱ ዚግብኣና ደይኰነን፧ (መዝሙር 103:8-10) ስለዚ ኣብቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘለና፧

13 ነቲ ምሕረት ዝመልኦ ፍትሒ ኣምላኽ ነንጸባርቖ እንተ ደኣ ዄንና፡ ኣብቲ ብሓቂ ዘየገድሰና ነገር ወይ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ነገር ንኻልኦት ተሃዊኽና ኽንፈርዶም የብልናን። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ “ከይፍረደኩም፡ ደጊም ኣይትፍረዱ” በለ። (ማቴዎስ 7:1) ብመሰረት እቲ ሉቃስ ዝሃቦ ጸብጻብ ድማ፡ የሱስ ወሲኹ፡ “ደጊም ኣይትዀንኑ፡ ከቶ እውን ኣይክትኵነኑን ኢኹም” በለ። a (ሉቃስ 6:37) የሱስ ከምዚ ኺብል ከሎ ዘይፍጹማት ሰባት ናይ ምፍራድ ዝንባለ ኸም ዘለዎም እዩ ሓቢሩ። ንኻልኦት ተሃዊኽካ ናይ ምፍራድ ባህርይ ዘለዎም ሰባት ነዚ ባህርይ እዚ ኼቋርጽዎ ኣለዎም።

ንሰባት ብዘይ ኣድልዎ ነቲ ብስራት ከነካፍሎም ከለና፡ ፍትሒ ኣምላኽ ኢና እነንጸባርቕ

14. ንኻልኦት ‘ደጊም ክንፈርዶም’ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

14 ንኻልኦት ‘ደጊም ክንፈርዶም’ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ ቅድም ቀዳድም ስልጣንና ደረት ኣለዎ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ጥራይ እዩ ዘሎ” ብምባል፡ ንሱ የሆዋ ጥራይ ምዃኑ ኣዘኻኺሩና ኣሎ። ስለዚ፡ ያእቆብ፡ “ንስኻ ኣብ ብጻይካ እትፈርድ ግና መን ኢኻ፧” ኢሉ ይሓትት። (ያእቆብ 4:12፣ ሮሜ 14:1-4) ብተወሳኺ፡ እቲ ሓጥእ ኵነታትና ግጉይ ፍርዲ ኸም እንህብ ኪገብረና ይኽእል እዩ። ከም እኒ ኣቐዲምካ ብምሕማቕ ምፍራድ፡ ትዕቢት፡ ቅንኢ፡ ምምጽዳቕ ዝኣመሰለ መብዛሕትኡ ኣመለኻኽታን ድራኸታትን ነቲ ንሰባት ዘሎና ኣመለኻኽታ ኼበላሽዎ ይኽእል እዩ። ብኻልእ ነገራት እውን ዓቕምና ውሱን እዩ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ንኻልኦት ጕድለት ክንረኽበሎም ሃሰስ ካብ ምባል ንኽንቍጠብ ኪድርኸና ይግብኦ። ልቢ ኸነንብብ ኣይንኽእልን ኢና፣ ንዅሉ እቲ ኻልኦት ዘለዎም ብሕታዊ ዅነታት እውን ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ እምበኣር፡ ንሰባት ሕማቕ ድራኸ ኸም ዘለዎም ጌርና ኽንሓስብ ወይ ከኣ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ንዚገብርዎ ጻዕርታት ክንነቅፍ እንታይ ስልጣን ኣሎና፧ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ኣብ ክንዲ ኣብ ጕድለታቶም እነተኵር ኣብቲ ዚገብርዎ ሰናይ ብምትኳር ንየሆዋ ኽንመስሎ ኢልና ኽንጽዕር ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ!

15. ኣብ ኣምለኽቲ የሆዋ ኸመይ ዝኣመሰለ ቓላትን ባህርያትን እዩ ቦታ ዘይብሉ፧ ስለምንታይከ፧

15 ንኣባላት ስድራ ቤትናኸ ኽንፈርዶም ይግብኣና ድዩ፧ እቲ ዜሕዝን ግና ገለ ኻብቲ ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ዚርአ ዘሎ ጭካነ ዝመልኦ ኣተሓሕዛ ኣብታ ሰላም ኪዓስላ እትጽበያ ስድራ ቤት እዩ ዚፍጸም። ንኣባላት ስድራ ቤቶም ብቓላት ይኹን ብማህረምቲ ዚሃስዩ ሰብኡት፡ ኣንስቲ፡ ወይ ወለዲ ብዙሓት እዮም። ይኹን እምበር፡ ክፉእ ቃላት፡ ጐዳኢ ምሕጫጭ፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝኣመሰለ ተግባራት ኣብ ኣምለኽቲ የሆዋ ቦታ የብሉን። (ኤፌሶን 4:29, 31፣ 5:33፣ 6:4) እቲ የሱስ “ደጊም ኣይትፍረዱ” “ደጊም ኣይትዀንኑ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ስድራ ቤት እውን ዚዓዪ እዩ። ፍትሒ ምግባር ኪብሃል ከሎ ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ እንገብሮ ርክብ ከምቲ የሆዋ ምሳና ዚገብሮ ርክብ ጌርካ ምምልላስ እውን ከም ዜመልክት ኣይንረስዕ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ኣብቲ ምሳና ዚገብሮ ርክብ ጨካን ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ ነቶም ዜፍቅርዎ፡ “ኣዝዩ ፈቃር” እዩ። (ያእቆብ 5:11) ኣየ ኸመይ ዝበለ ኽንቀድሖ ዘሎና ግሩም ኣብነት ኰን እዩ!

ሽማግለታት “ምእንቲ ፍትሒ” የገልግሉ

16, 17. (ሀ) የሆዋ ኻብ ሽማግለታት እንታይ እዩ ዚጽበ፧ (ለ) ሓደ ሓጥእ ልባዊ ንስሓ እንተ ደኣ ዘየርእዩ፡ እንታይ እዩ ኺግበር ዘለዎ፧ ስለምንታይከ፧

16 ኵላትና ፍትሒ ኸነርኢ ሓላፍነት ኣሎና፡ ብፍላይ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ከኣ ኣብዚ መዳይ እዚ ሓላፍነት ኣለዎም። ነቲ ኢሳይያስ ብዛዕባ “መሳፍንቲ” ወይ ሽማግለታት ዝሃቦ ሓሳባት ነስተብህለሉ፦ “እንሆ፡ ንጉስ ምእንቲ ጽድቂ ኺነግስ እዩ፣ መሳፍንቲ እውን ምእንቲ ፍትሒ ኺገዝኡ እዮም።” (ኢሳይያስ 32:1) እወ፡ የሆዋ ንሽማግለታት ምእንቲ ፍትሒ ኼገልግሉ እዩ ዚጽበዮም። ነዚኸ ብኸመይ እዮም ዚገብርዎ፧

17 እዞም መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት እዚኦም ፍትሒ፡ ወይ ጽድቂ ኺብሃል ከሎ ነታ ጉባኤ ብንጽህና ምሓዛ ኸም ዜጠቓልል ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። ሓድሓደ ግዜ ሽማግለታት ከቢድ ሓጢኣት ንምፍራድ ዚግደዱሉ እዋናት ኣሎ። ከምዚ ኺገብሩ ኸለዉ ፍትሒ ኣምላኽ ብዚከኣል መጠን ምሕረት ከም እተርኢ ይፈልጡ እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ሓጥእ ሰብ ንኺንሳሕ መገዲ ይኸፍትሉ ማለት እዩ። ይኹን እምበር፡ ንሓደ ሓጥእ ንምሕጋዙ ብዙሕ ጻዕሪ እኳ እንተ ተገብረ፡ ናይ ሓቂ ንስሓ እንተ ዘየርእዩኸ፧ ቃል የሆዋ፡ “ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣርሕቕዎ” ብምባል ፍጹም ፍትሒ ዜንጸባርቕ ጽኑዕ ስጕምቲ ኺውሰድ ከም ዘለዎ ይሕብር። እዚ ማለት ድማ ካብታ ጉባኤ ኺውገድ ኣለዎ ማለት እዩ። (1 ቈረንቶስ 5:11-13፣ 2 ዮሃንስ 9-11) እቶም ሽማግለታት ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ኺወስዱ ዜጕህዮም እኳ እንተ ዀነ፡ ንስነ ምግባራውን መንፈሳውን ንጽህና ናይታ ጉባኤ ንምሕላው ግና ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ምውሳድ ኣድላዪ ምዃኑ ይግንዘቡ እዮም። ይኹን እምበር፡ ሽዑ እውን ከይተረፈ እቲ ሓጥእ ሓደ መዓልቲ ናብ ልቡ ተመሊሱ ናብታ ጉባኤ ኺመጽእ ተስፋ ይገብሩ እዮም።—ሉቃስ 15:17, 18

18. ሽማግለታት ንኻልኦት ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ኺህብዎም ከለዉ እንታይ እዮም ኪዝክሩ ዘለዎም፧

18 ብፍትሒ ምግልጋል ኪብሃል ከሎ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ምሃብ እውን ዜጠቓልል እዩ። ልክዕ እዩ፡ ሽማግለታት ጕድለት ካልኦት ንምእራይ ሃሰስ ኣይብሉን እዮም። ንዝረኸብዋ ኣጋጣሚ መአረምታ ንምሃብ ድማ ኣይጥቀሙላን እዮም። ይኹን እምበር፡ ሓደ ኣማኒ “ብዘይ ፍላጥ እንተ ስሒቱ፡” ሽማግለታት ፍትሒ ኣምላኽ ጨካን ወይ እውን ዘይትግደስ ከም ዘይኰነት ስለ ዚዝክሩ፡ ንኸምዚ ዝበለ ሰብ ‘ብልኡም መንፈስ ኬቕንዕዎ’ እዮም ዚጽዕሩ። (ገላትያ 6:1) ስለዚ ሽማግለታት ንእተጋገየ ሰብ ኣየቈናጽብዎን፡ ወይ ተሪር ቃላት ኣይዛረብዎን እዮም። ብፍቕሪ ዚውሃብ ምኽሪ ነቲ ዚምከር ከም ዜተባብዖ ይፈልጡ እዮም። ጥበባዊ ዘይኰነ ስጕምቲ ምውሳድ ዜምጽኦ ሳዕቤን ብቐጥታ ብምሕባር ተግሳጽ ኪህቡ ኸለዉ እውን ከይተረፈ፡ እቲ እተጋገየ ኣማኒ ብጻዮም ኣብ መጓሰ ኣምላኽ ዘላ በጊዕ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። b (ሉቃስ 15:7) ብፍቕሪ ተደሪኽካ ዚውሃብ ምኽሪ ወይ ተግሳጽ ነቲ እተጋገየ ሰብ ንኺእረም ኸም ዚሕግዞ ርግጽ እዩ።

19. ሽማግለታት እንታይ ውሳነታት እዮም ኪገብሩ ዜድልዮም፧ ውሳነታቶምከ ኣብ ምንታይ እዩ ኺምርኰስ ዘለዎ፧

19 ሽማግለታት ዚበዝሕ ግዜ ንኣመንቲ ብጾቶም ዚትንኪ ውሳነታት ይገብሩ እዮም። ንኣብነት፡ ሽማግለታት ኣብ ጉባኤኦም ዘለዉ ኣሕዋት ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ንምዃን ዚበቕዑ እንተ ዀይኖም ንምውሳን በብግዜኡ ይእከቡ እዮም። ኬዳልዉ ኸም ዘይብሎም እውን ይፈልጡ እዮም። ኪውስኑ ኸለዉ ኣብ ስምዒቶም ዘይኰነስ ኣብቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ብቕዓታት ስለ ዚምርኰሱ፡ ‘ኣቐዲሞም ከይፈረዱ ወይ ብዘይ ኣድልዎ’ እዮም ስጕምቲ ዚወስዱ።—1 ጢሞቴዎስ 5:21

20, 21. (ሀ) ሽማግለታት እንታይ ኪዀኑ እዮም ዚጽዕሩ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ሽማግለታት “ንእተጨነቑ” ንምሕጋዝ እንታይ እዮም ዚገብሩ፧

20 ሽማግለታት ብኻልእ መገድታት እውን ፍትሒ ኣምላኽ የንጸባርቑ እዮም። ኢሳይያስ ሽማግለታት “ምእንቲ ፍትሒ” ኸም ዜገልግሉ ድሕሪ ምግላጹ፡ ቀጺሉ ኸምዚ በለ፦ “ነፍሲ ወከፍ ድማ ካብ ንፋስ ከም መሕብኢ፡ ካብ ሃጽፊ ኸም መኸወሊ፡ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓይዝ ማይ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ።” (ኢሳይያስ 32:1, 2) ስለዚ ሽማግለታት ንብጾቶም ክርስትያናት ምንጪ ምጽንናዕ ኪዀንዎም እዮም ዚጽዕሩ።

21 ሎሚ፡ ብዙሕ ተስፋ ዜቝርጽ ነገራት ስለ ዘሎ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ምትብባዕ የድልዮም እዩ። ስለዚ፡ ሽማግለታት ዘበልኩም “ንእተጨነቑ” ንምሕጋዝ እንታይ ክትገብሩ ምኸኣልኩም፧ (1 ተሰሎንቄ 5:14) ብድንጋጽ ስምዕዎም። (ያእቆብ 1:19) ነቲ ኣብ ልቦም ዝሓደረ ጭንቀት፡ ንሓደ ዚኣምንዎ ሰብ ኬካፍልዎ ይደልዩ ይዀኑ። (ምሳሌ 12:25) የሆዋን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ከም ዚደልይዎምን ከም ዜፍቅርዎምን ኣረጋግጹሎም። (1 ጴጥሮስ 1:22፣ 5:6, 7) ብተወሳኺ፡ ምሳታቶም ኴንኩም ክትጽልዩሎም ወይ ኣብ ጸሎትኩም ክትዝክርዎም ትኽእሉ ኢኹም። ሓደ ሽማግለ ኺጽልየሎም ኪሰምዑ ኸለዉ ኣዝዩ ኼጸናንዖም ይኽእል እዩ። (ያእቆብ 5:14, 15) ነቶም እተጨነቑ ንምሕጋዝ ኢልኩም እትገብርዎ ፍቕራዊ ጻዕሪ እቲ ኣምላኽ ፍትሒ ዝዀነ የሆዋ ዕሽሽ ኢሉ ዚሓልፎ ኣይኰነን።

ሽማግለታት ንእተደቝሱ ሰባት ኬተባብዑ ኸለዉ፡ ንፍትሒ የሆዋ የንጸባርቕዋ እዮም

22. ንፍትሒ የሆዋ በየናይ መገድታት ኢና ኽንቀድሓ ዘሎና፧ እዚኸ ኸመይ ዝበለ እዩ ዘለዎ፧

22 ስለዚ ንፍትሑ ብምምሳል ናብ የሆዋ እናቐረብና ኢና እንኸይድ። ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ኸነኽብር ከለና፡ ነቲ ህይወት ዚህብ ብስራት ንሰባት ክንነግሮም ከለና፡ ንሰባት ኣብ ክንዲ ኣብ ጕድለታቶም ኣብ ኣወንታዊ ጐድኖም ከነተኵር ከለና፡ ፍትሒ ኣምላኽ ኢና እነንጸባርቕ። ስለዚ ሽማግለታት፡ ንንጽህና ጉባኤ ኽትሕልዉ ኸለኹም፡ ዚሃንጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኽትህቡ ኸለኹም፡ ብዘይ ኣድልዎ ውሳነታት ክትገብሩ ኸለኹም፡ ነቶም እተደቝሱ ኸተተባብዑ ኸለኹም ፍትሒ ኣምላኽ ኢኹም እተንጸባርቑ። የሆዋ ኻብ ሰማይ ኣንቈልቊሉ ብምጥማት ህዝቡ ምስኡ ኣብ ዚገብርዎ ምምልላስ ብእተኻእሎም መጠን ‘ፍትሒ ንምግባር’ ኪጽዕሩ ኺርእዮም ከሎ ንልቡ የሐጕሶ እዩ።

a ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣይትፍረዱ” “ኣይትዀንኑ” ጥራይ እዩ ዚብል። እዚ ኣተራጕማ እዚ፡ “ምፍራድ ኣይትጀምር” ወይ “ምዅናን ኣይትጀምር” ዚብል መልእኽቲ ኼመሓላልፍ ይኽእል እዩ። ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ ተጠቒሞምሉ ዘለዉ ቓላት ነቲ ተግባር እቲ ደጊም ከይገብርዎ እዩ ዚላቦ። ስለዚ፡ እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ተግባር ቅድሚ ሕጂ ልምዲ ዝነበረ እሞ ኺቋረጽ ዘለዎ ተግባር እዩ ዜመልክት።

b መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 4:2 ሽማግለታት ‘ኪገንሑ፡ ኪወቕሱ፡ ኪምዕዱ’ ኸም ዘለዎም ይነግረና። እታ “ምዓድ” (ፓራካሌኦ) ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል “ኣተባብዕ” ዚብል ትርጉም እውን ኣለዋ። ምስኣ እተተሓሓዘት ፓራክሊቶስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ከኣ ንሓደ ናይ ሕጊ ጠበቓ እውን ተመልክት እያ። ስለዚ እምበኣር ሽማግለታት ጽኑዕ ተግሳጽ ኣብ ዚህቡሉ እዋን እውን ከይተረፈ ነቶም መንፈሳዊ ሓገዝ ዜድልዮም ሰባት ኪሕግዝዎም ኣለዎም።