ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብናብራ ስድራቤትካ ተሓጐስ

ብናብራ ስድራቤትካ ተሓጐስ

ብናብራ ስድራቤትካ ተሓጐስ

ስድራቤታት ሕጉሳት ክኾና ይኽእላዶ ?

ብኸመይ ምተኻእለ ?

ከምዚ ናይዞም ኣብዛ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ተሳኢሎም ዘለው ስድራቤት ዝኣመሰለ ሕብረትን ሓጐስን ዘለዎም ስድራቤታት ትፈልጡዶ ? ሎሚ ስድራቤታት ኣብ ኵሉ ቦታታት ፋሕ ብትን ይኣትወን ኣሎ ። ነዚ ቅልውላውዚ መለዓዓሊ ክኾኑ ዝኽእሉ ድማ ከም እኒ ፍትሕ : ዘተኣማምን ስራሕ ዘይምርካብ : ናይ ንጽል ወላዲ መዋጥር : ብስጭት ዝኣመሰሉ ኢዮም ። ሓደ ብናይ ናብራ ስድራቤት ክኢላ ዝኾነ ሰብ ከምዚ እናበለ ጓሂኡ ይገልጽ:- “እቲ ናብራ ስድራቤት ክወድቕ ኢዩ ዝብል ትንቢታዊ ኣበሃህላ ኵሉ ሰብ በጺሕዎ ኣሎ ።”

ስለምንታይ ኢየን ሎሚ ስድራቤታት : ብኸምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ግድላት ተደብዲበን ዘለዋ ? ከመይ ገይርና ኢና ብናብራ ስድራቤትና ክንሕጐስ እንኽእል ?

ስድራቤት ከመይ ኢላ ከም ዝጀመረት

ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላሽ : ናይ መርዓን ስድራቤትን ኣጀማምራ ክንፈልጦ ይግብኣና ። ከመይሲ ነዚ ጀማሪ እንተደኣ ነይርዎ : ንሱ ብርግጽ ስድራቤት ከመይ ገይራ ምሉእ ሓጐስ ክትረክብ ከም እትኽእል ይፈልጥ ኢዩ ። ስለዚ ናይ ስድራቤት ኣባላት ካብኡ መምርሒ ክጽበዩ ይግብኦም ።

ብዙሓት ሰባት ግን እቲ ናይ ስድራቤት ስርዓት ጀማሪ የብሉን ኢሎም እዮም ዝኣምኑ ። ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና ከምዚ ይብል:- “ገለ ምሁራት ሰባት ኣጀማምራ ናይ መርዓ ካብቶም ትሕቲ ሰብ ዝኾኑ ብጽምዲ ዝነብሩ እንስሳታት ኢዩ መጺኡ ዝብል ዝንባሌ ኣለዎም ።” ይኹን እምበር የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ፍጥረት ተዛሪቡ ኢዩ ። ካብቲ ቀደም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተመዝገበ ሓሳብ ጠቒሱ “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ ሰብ ኣይፍለዮ” በለ ። — ማቴዎስ 19 : 4 – 6

ስለዚ የሱስ ክርስቶስ ቅኑዕ ኣሎ ። ሓደ መስተውዓሊ ኣምላኸ ነቶም ቀዳሞት ሰባት ምስ ፈጠሮም ሕጉስ ናይ ስድራቤት ህይወት ሰርዓሎም ። ነዞም ናይ መጀመርያ ሰብኣይን ሰበይትን ብመርዓ ምስ ኣራኸቦም እቲ ሰብኣይ ‘ምስ ሰበይቱ ክጠብቕን ሓደ ስጋ ክኾኑ ከም ዘለዎምን’ ተዛረበ ። (ዘፍጥረት 2 : 22 – 24) እሞ እዚ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ናይ ስድራቤት ግድላትሲ ደድሕሪ ኣንጻር እቲ ፈጣሪ ኣብ ቃሉ ማለት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊርዎ ዘሎ ስርዓታት ዝጥሕስ ናብራ ህይወት ብምስዓብ ዝመጸ ዶኾን ይኸውን ?

ብኸመይ ትዕወት ?

ብዘይ ጥርጥር ፈሊጥኩምዎ ከም ዘለኹም እዛ ዘመናዊት ዓለም ውልቃዊ ረብሓን ውልቃዊ ሓጐስን ኢያ እተተባብዕ ። ሓደ ናይ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ክኢላ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ንገለ ካብ ኮለጅ ዝምረቑ ተመሃሮ “ስስዐ ጥዕና ኢዩ ። ስሱዓት ኴንኩም ከተብቅዑ ብዛዕባ ርእስኹም ከኣ ጌና ጽቡቕ ክስመዓኩም ይኽእል ኢዩ” በሎም ። እንተኾነ ግን ደድሕሪ ስጋዊ ጥሪት ምስዓብሲ ናብ ዓወት ዘምርሕ ኣይኰነን ። ብሓቂ እኳ ደኣ እቲ ዝዓበየ ጠንቂ ናይ ናብራ ስድራቤት ኰይኑ ዘሎ ፍቕሪ ናይ ስጋዊ ጥሪት ኢዩ : ከመይሲ ኣብ መንጐ ናይ ደቂሰብ ርክባት ጣልቃ ብምእታው ግዜኦምን ገንዘቦምን ይልቑምጽ ኢዩ ዘሎ ። ብኣንጻሩ ግን እስከ ክልተ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳሌታት ብዛዕባ ሓጐስ ክርከበሉ ዝኽእል ሓሳብ ዝህቦ ንርአ ።

“ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢ: ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሐይሽ ።”

“ካብ ሕሩድ ዝመልኦ ቤት ምስ ቈየቋስ: ንቕጽቲ ቑራስ ምስ ህድኣት ትበልጽ ።”

ምሳሌ 15 : 17 ፣ 17 : 1

ሓይሊ ዝመልኦ ቃላት ! ኣይኮነንዶ ? ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ነዚ እንተ ተቐድሞ ነይራስ ዓለም ከሳዕ ክንደይ ለውጢ ከተምጽእ ከም እትኽእል እሞ ሕሰብዎ ! ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስድራቤት ኣባላት ኣብ ንሓድሕዶም ብኸመይ ክመላለሱ ከም ዘለዎም ዝሕግዝ ጠቓሚ ዝኾነ መምርሒ የዳሉ ኢዩ ። እስኪ ገለ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ መምርሒታት ንርአ ።

ሰብኡት:- ‘ንኣንስትኹም ከም ኣካልኩም ጌርኩም ኣፍቅርወን ።’ — ኤፌሶን 5 : 28 – 30

ቀሊል : ኣብ ተግባር ክውዕል ከሎ ግን ፍሬኡ ዓቢ ኢዩ ። ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ሰብኣይ ‘ንሰበይቱ ከኽብራ’ መምርሒ ይህቦ (1 ጴጥሮስ 3 : 7) ነዚ ድማ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ማለት ለውሃትን ምስትውዓልን ምሉእ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ብምርኣይ ኢዩ ክገብሮ ዝኽእል ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ እታ ሰበይቲ እትህቦ ሓሳባት የኽብሮ ጽን ኢሉውን ይሰምዓ ። (ዘፍጥረት 21 : 12) ሰብኣይ ንሰበይቱ ከምቲ ንእኡ ክግበረሉ ዝደልዮ ኣገባብ ገይሩ እንተ ደኣ ዝሓልየላ ኰይኑስ ዝኾነት ትኹን ስድራቤት ክትጥቀም ከም እትኽእል አይትሰማምዑሉንዶ ? — ማቴዎስ 7 : 12

ኣንስቲ:- ‘ንሰብኡትክን ዓሚቊ ኣኽብሮት ይሃልኽን ።’ — ኤፌሶን 5 : 33

ሰበይቲ ንሰብኣያ ነቲ ዘለዎ ከቢድ ሓላፍነታት ንምፍጻም ብምሕጋዛ ኣብ ናይ ስድራቤት ሐጐስ እጃማ ከተበርክት ትኽእል ኢያ ። ነዚ ዕላማ እዚ ኸኣ ኢያ ካብ መጀመርያ ተፈጢራ: ከመይሲ አምላኽ “ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት” ገይሩ ኢዩ ኣዳልዩዋ (ዘፍጥረት 2 : 18) ሰበይቲ ንሰብኣያ ነቲ ዝገብሮ ውሳኔታት ብምድጋፋን ኣብቲ ንስድራቤት ዘለዎ መደባት ድማ ብምትሕብባራን ከተኽብሮ ኸላ ኣብታ ስድራቤት ክመጽእ ዝኽእል በረኸትዶ ምገመትኩሞ ?

ናይ መርዓ ብጾት:- “ሰብኡትን ኣንስትን : ንሓድሕዶም እሙናት ክኾኑ ይግብኦም ።” — እብራውያን 13 : 4 ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን

ከምኡ እንተድኣ ኰይኖም : ናብራ ስድራቤት ብርግጽ ጠቓሚ ኢዩ ዝኸውን ። ዝሙት ንስድራቤት የዕንዋ ኢዩ ። (ምሳሌ 6 : 27 – 29, 32) ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ጥበባዊ ዝኾነ ምዕዶኡ ክህብ ከሎ “በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ ። . . .  ስለምንታይ ጓና ሰበይቲ እተፍቅር ?” ይብል ። — ምሳሌ 5 : 18 – 20

ወለዲ:-[ንደቅኹም] በታ ክኸዱላ ዝግብኦም መገዲ ኣለማምድዎም ።’ —  ምሳሌ 22 : 6 

ወለዲ ንደቆም ግዜኦምን ቆላሕትኦምን እንተደኣ ሂቦሞም : ናይ ስድራቤት ናብራ ከም ዝመሓየሽ ዝተረጋገጸ ኢዩ ። ስለዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ወለዲ ንደቆም ‘ኣብ ቤት ኰፍ ምስ በሉን : ኣብ መገዲ ክኸዱ ከለዉን : ኣብ በጥ ምባሎምን ምትንስኦምን’ ቅኑዕ ዝኾነ ስርዓታት ክምህርዎም ኢዩ ዝምዕዶም ። (ዘዳግም 11 : 19) ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ወለዲ ንደቆም ብምቕጻዕ ፍቕሪ ከርእይዎም ከም ዘለዎም ይገልጽ ። — ኤፌሶን 6 : 4

ውሉዳት:- “ኣቱም ውሉድ : . . .  ንወለድኹም ብጐይታ ተአዘዝዎም ።” — ኤፌሶን 6 : 1

ሓቂ ኢዩ ኣብዛ ሕጊ ዘይብላ ዓለም እዚኣ ንወለድኻ ምእዛዝ ኵሉ ሳዕ ቀሊል ኣይከውንን ኢዩ ። ይኹን ድኣ እምበር እቲ ጀማሪ ናይ ስድራቤት ዝብለና ምግባርሲ ጥበባዊ ከም ዝኾነ ኣይትሰማምዓሉንዶ ? ኣምላኽ ንናብራ ስድራቤትና ዝያዳ ዘሐጕስ ዝገብሮ እንታይ ከም ዝኾነ ይፈልጥ ኢዩ ። ስለዚ ንወለድኹም ክትእዘዙ ኣበርቲዕኩም ጸዓሩ ። ነቲ እከይ ክትገብሩ ዝዕድመኩም ኣብ ዓለም ዘሎ ብዙሕ ፈተናታት ወጊድ ንምባል ቆሪጽኩም ተለዓሉ ። — ምሳሌ 1 : 10 – 19

ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ብዝከኣሎ መጠን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ እንተደኣ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ እታ ስድራቤት ክትረብሕ ኢያ ። እታ ስድራቤት ንሕጂ ዝሓሸ ናብራ ተሕልፍ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብታ ኣምላኽ ኣተስፍይዋ ዘሎ ሓዳስ ዓለምውን ዘደንቕ መጻኢ ህይወት ክትረክብ ተስፋ ይህልዋ ። (2 ጴጥሮስ 3 : 13 ፣ ራእይ 21 : 3, 4) ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓባር ኴንኩም ምጽናዕ ልማድ ግበርዎ ! ብሚልዮናት ዝቑጸራ ኣብ ምድሪ ዘለዋ ስድራቤታት ኣብታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ዝተባህለት ጽቡቕ ስእልታት ዘለዋ መጽሓፍ ዘሎ መምርሒ ብሓቂ ጠቓሚ ኰይኑ ረኺበንኦ ኣለዋ ።

ፍልይ ዝበለ መግለጺ ዝተዋህቦም ጥራይ እንተዘይኰይኑ ኩሎም ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ካብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ።