ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ዘድልየካ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ዘድልየካ ስለምንታይ እዩ፧

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧

ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከም ካልኦት መጻሕፍቲ ኣይኰነን፣ ኣምላኽ ካብ ፍቕሪ ተደሪኹ ዝሃበና መምርሒ ዝሓዘ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 2:13) ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮ ትምህርትታት ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልካዮ: ብዙሕ ክትጥቀም ኢኻ። ነቲ ወሃብ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ዝዀነ ኣምላኽ ዝነበረካ ፍቕሪ ይውስኽ: ናብኡ ድማ ትቐርብ። (ያእቆብ 1:17) ናብኡ ብኸመይ ከም እትጽሊ ትፈልጥ። ኣብ ግዜ ጸበባ: ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ስርዓታት ተሰማሚዕካ ትመላለስ እንተ ዄንካ ድማ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ህይወት ይህበካ።—ሮሜ 6:23

መጽሓፍ ቅዱስ ምስትውዓል ዝህበና ሓቅታት ዝሓዘ እዩ። እቶም ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ዘጥርዩ: ካብቲ ንህይወት ሚልዮናት ጸልዩ ዘሎ ግጉይ ምርዳእ ሓራ ይዀኑ እዮም። ንኣብነት: ምስ ሞትና እንታይ ከም እንኸውን እንተ ፈሊጥና: ምዉታት ከይጐድኡና ወይ ድማ ዝሞቱ ኣዝማድናን ፈተውትናን ይሳቐዩ ኸይህልዉ ኢልና ኣይንፈርህን። (ህዝቅኤል 18:4) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝምህሮ ትምህርቲ ነቶም ዘፍቅርዎ ሰብ ዝሞቶም የጸናንዖም እዩ። (ዮሃንስ 11:25) ብዛዕባ እኩያት መላእኽቲ እቲ ሓቂ ምፍላጥና: ካብ ሓተታ መናፍስቲ ንኽንጥንቀቕን ኣብ ምድሪ ብዙሕ መከራ ዝሃለወሉ ምኽንያት ንኽንርድኦን ይሕግዘና።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረኽቦ ስርዓታት ኣምላኽ: ብስጋዊ መዳይ ንርእስና ዝጠቅም መገድታት ይሕብረና እዩ። ንኣብነት: “ጥንቁቕ” ምዃን ንጽቡቕ ጥዕና ኣበርክቶ ይገብር። (1 ጢሞቴዎስ 3:2) ‘ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ምስ እነንጽህ:’ ጥዕናና ኣይንጐድእን። (2 ቈረንቶስ 7:1) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣምላኽ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል ድማ ኣብ ሓዳር ሓጐስ ከም ዝሰፍንን ንርእስኻ ግቡእ ኣኽብሮት ከም ዝህልወካን ይገብር።—1 ቈረንቶስ 6:18

ቃል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልካዮ: ዝያዳ ሓጐስ ኢኻ እትረክብ። ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ውሽጣዊ ሰላምን ዕግበትን ንኽንረክብ ይሕግዘና: ተስፋ ድማ ይህበና። ከም እኒ ድንጋጽ: ፍቕሪ: ሓጐስ: ሰላም: ሕያውነት: ከምኡውን እምነት ዝኣመሰለ ባህ ዘብል ባህርያት ንኸነማዕብል ይሕግዘና። (ገላትያ 5:22, 23፣ ኤፌሶን 4:24, 32) ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ሰብኣይ ንኹን ሰበይቲ: ኣቦ ንኹን ኣደ: ወዲ ንኹን ጓል ዝሓሽና ሰባት ንኽንከውን የኽእለና።

ብዛዕባ መጻኢ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ታሪኽ ወድሰብ ኣብ ኣገዳሲ እዋን ንነብር ከም ዘሎና ይሕብረና። እዚ ትንቢታት እዚ ዅነታት ናይዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ጥራይ ዘይኰነስ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣምላኽ ንምድሪ ናብ ገነት ክቕይራ ምዃኑ ይነግረና።—ራእይ 21:3, 4

መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትርድኦ ሓገዝ ምርካብ

ምናልባት መጽሓፍ ቅዱስ በይንኻ ኣንቢብካዮን ምርድኡ ኸቢዱካን ይኸውን። ንሕቶታትካ መልሲ ንምርካብ ኣበየናይ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከም ዘሎካ ዘይትፈልጥ እውን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ንብዙሓት ሰባት ዘጋጥሞም እዩ። ኵላትና ንቓል ኣምላኽ ንኽንርድኦ ሓገዝ የድልየና እዩ። ኣብ 235 ሃገራት ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት ብዘይ ክፍሊት መጽሓፍ ቅዱስ ይምህርዎም እዮም። ንዓኻውን ተሓጒሶም ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

መብዛሕትኡ እዋን ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ መሰረታዊ ትምህርትታት ጀሚርካ ደረጃ ብደረጃ ኽትመሃሮ እዩ ዝሓሸ ዝኸውን። (እብራውያን 6:1) ትምህርትኻ እናቐጸልካ ምስ ከድካ ኸኣ “ዕጹም ብልዒ” ማለት ዕሙቝ ዝበለ ሓቅታት ክትመሃር ትኽእል። (እብራውያን 5:14) መጽሓፍ ቅዱስ ቀንዲ ምንጪ ናይዚ ትምህርቲ እዚ እዩ። ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹርን ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ከኣ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ እተፈላለየ ኣርእስትታት እንታይ ከም ዝብል መወከሲ ክዀነካ ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንኽርድኣካ ኣብ ሰሰሙን ንእተወሰነ ግዜ ኽትመሃር ፍቓደኛ ዲኻ፧

ኣብ ዝጥዕመካ ግዜን ቦታን መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትመሃር ምድላው ክግበር ይከኣል እዩ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ቤቶም ኰይኖም እዮም ዝመሃሩ። አረ ገሊኣቶምሲ ብተሌፎን ይመሃሩ እዮም። እዚ ናይ ትምህርቲ መደብ እዚ ብጕጅለ ዘይኰነስ: ንደረጃ ፍልጠትካን ትምህርትኻን ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ብሕታዊ ዅነታትካ ዝሰማማዕ ኰይኑ ብውልቂ ዝወሃብ እዩ። መርመራ ስለ ዘይብሉ ኸኣ ዘጨንቕ ነገር የብልካን። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረካ ሕቶ ኽምለሰልካ እዩ: ንኣምላኽ ብኸመይ ከም እትቐርቦ ድማ ክትመሃር ኢኻ።

ነዚ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገንዘብ ክትከፍል ኣየድልየካን እዩ። (ማቴዎስ 10:8) ከመይሲ: ኣባላት ናይ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ኰኑ ሃይማኖት ዘይብሎም ክነሶም ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ዘለዎም ፍልጠት ክውስኹ ዝደልዩ ቅኑዓት ሰባት ብዘይ ክፍሊት ክመሃርዎ ይኽእሉ እዮም።

ኣብዚ ምይይጥ እዚ መን ክካፈል ይኽእል፧ ኵሎም ኣባላት ስድራቤትካ ኽካፈሉ ይኽእሉ እዮም። ክትዕድሞም እትደሊ ፈተውቲ እንተ ኣለዉኻ እውን ክመጹ ይኽእሉ እዮም። ወይ ድማ እንተ ደሊኻ እቲ ትምህርቲ ንበይንኻ ኽወሃበካ ይኽእል እዩ።

ሓያሎ ሰባት በዚ መዳይ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ኣብ ሰሰሙን ሓሓደ ሰዓት ይምድቡ። ኣብ ሰሰሙን ካብዚ ዝዛይድ ወይ ዝውሕድ ግዜ ኸተሕልፍ ትደሊ እንተ ዄንካ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽተሓባበሩኻ ድሉዋት እዮም።

ንኽትመሃር ዝቐረበልካ ዕድመ

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ ክንላበወካ ንፈቱ። ሓደ ኻብቲ ነዚ ኽትገብረሉ እትኽእል መገዲ ናብ ሓደ ኻብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣድራሻታት ብምጽሓፍ እዩ። ድሕሪኡ ሓደ ሰብ መጺኡ ብዘይ ክፍሊት መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ንኽሕግዘካ ምድላዋት ክግበር እዩ።

□ ነታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ልኣኹለይ።

□ ካብቲ ብዘይ ክፍሊት እትህብዎ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክጥቀም ስለ ዝደሊ: በጃኹም በዚ ኣድራሻ እዚ ርኸቡኒ።

ፍልይ ዝበለ መግለጺ እተዋህቦ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ: ኵሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ካብቲ ብ1956 እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ እዩ።