ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 61

ኣይሰገዱን

ኣይሰገዱን

ካብቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ብዛዕባ እቲ ምስሊ ዝሓለመሉ እዋን እተወሰነ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ካብ ወርቂ እተሰርሐ ምስሊ ገበረ። ነቲ ምስሊ ድማ ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣቘሞ። ነቶም ኣብታ ሃገር ዚርከቡ ሰበ ስልጣን፡ እንተላይ ንሲድራቅን ንሚሳቅን ንዓብድ-ኔጎን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ምስሊ ኺእከቡ ጸውዖም። ንጉስ ድማ፡ ‘ደሃይ መለኸትን ክራርን ሻምብቆን ምስ ሰማዕኩም፡ ነቲ ምስሊ ስገዱሉ! ዘይሰገደ ኸኣ፡ ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርበ እዩ’ ኢሉ ኣዘዞም። እሞኸ እቶም ሰለስተ እብራውያን ነቲ ምስሊ ሰጊዶምሉዶ ወይስ ንየሆዋ ጥራይ እዮም ኣምሊኾም፧

ሽዑ፡ ንጉስ ነቶም ሙዚቀኛታት፡ ሙዚቃ ኺጻወቱ ኣዘዘ። ብዘይካ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ከኣ፡ ኵሎም ፍግም ኢሎም ነቲ ምስሊ ሰገዱሉ። ገሊኦም ሰባት ድማ ነዚ ኣስተብሂሎም ንንጉስ፡ ‘እዞም ሰለስተ እብራውያን ንምስልኻ ምስጋድ ኣብዮም’ ኢሎም ነገርዎ። ነቡካድነጻር ከኣ ልኢኹ ኣምጽኦም እሞ፡ ‘ነቲ ምስሊ ኽትሰግዱሉ ኻልኣይ ዕድል ክህበኩም እየ። እንተ ዘይሰጊድኩም፡ ናብ እቶን ክድርብየኩም እየ። ካብ ኢደይ ኬድሕነኩም ዚኽእል ኣምላኽ የልቦን’ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ‘ካልኣይ ዕድል ኣየድልየናን እዩ። ኣምላኽና ኼድሕነና ይኽእል እዩ። ኦ ንጉስ፡ ዋላ እኳ ኸምኡ እንተ ዘይገይሩ ግና፡ ነቲ ምስሊ ኣይንሰግደሉን ኢና’ በልዎ።

ነቡካድነጻር ብዙሕ ተቘጥዐ። ነቶም ሰቡ ኸኣ፡ ‘ነቲ እቶን ሓዊ ሸውዓተ ዕጽፊ ኣጕህርዎ!’ በሎም። ነቶም ተዋጋእቱ ድማ፡ ‘ነዞም ሰባት ኣሲርኩም ናብኡ ደርብይዎም!’ ኢሉ ኣዘዞም። እቲ እቶን ኣዝዩ ረሲኑ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ተዋጋእቲ ናብ ጥቓኡ ምስ ቀረቡ፡ ብኡብኡ ሞቱ። እቶም ሰለስተ እብራውያን ከኣ ኣብቲ ሓዊ ወደቑ። ነቡካድነጻር ናብኡ ምስ ጠመተ ግና፡ ኣብቲ እቶን ናብዝን ናብቲ ዚመላለሱ ሰለስተ ዘይኰነስ፡ ኣርባዕተ ሰባት ረኣየ። በዚ ብዙሕ ፈርሀ፡ ንሰበ ስልጣኑ ድማ፡ ‘ናብቲ ሓዊ ዝደርበናዮምሲ ሰለስተ ሰባት ደይነበሩን፧ ኣነ ግና ኣርባዕተ እርኢ ኣለኹ፣ እቲ ሓደ ኸኣ መልኣኽ እዩ ዚመስል’ በሎም።

ነቡካድነጻር ድማ ናብቲ እቶን ቀሪቡ፡ ‘ኣቱም ገላዉ እቲ ልዑል ኣምላኽ፡ ውጹ!’ በሎም። ኵሎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኸኣ፡ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ካብቲ ሓዊ ኸይተጐድኡ ምውጻኦም ምስ ረኣዩ ገረሞም። ቈርበቶምን ጸጕሮምን ክዳውንቶምን ኣይነደደን፣ ጨና ሓዊ እውን ኣይነበሮምን።

ነቡካድነጻር ድማ፡ ‘ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዓብዪ እዩ። መልኣኹ ልኢኹ ኣድሒንዎም እዩ። ከምኡ ዝኣመሰለ ኻልእ ኣምላኽ የልቦን’ በለ።

ንስኻኸ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ፡ ከምቶም ሰለስተ እብራውያን ንየሆዋ እሙን ክትከውን ቈሪጽካ ዲኻ፧

“ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ፡ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣገልግሎ።”—ማቴዎስ 4:10