መእተዊ መበል 12 ኽፋል
የሱስ ንሰባት ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት መሃሮም። ብተወሳኺ ድማ፡ ስም ኣምላኽ ኪቕደስን መንግስቱ ኽትመጽእን ፍቓዱ ኣብ ምድሪ ኪኸውንን ኪጽልዩ መሃሮም። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ እዚ ጸሎት እዚ እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ንውሉድካ ግለጸሉ። የሱስ ንሰይጣን፡ ተኣማንነቱ ኸም ዜበላሹ ኺገብሮ ኣይፈቐደሉን። ድሕርዚ፡ የሱስ ሃዋርያቱ ሓረየ፡ ንሳቶም ከኣ መስረትቲ ኣባላት መንግስቲ ኣምላኽ ዀኑ። የሱስ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቕንኣት ነበሮ። ንሰባት ኪሕግዝ ይደሊ ስለ ዝነበረ፡ ሕሙማት ኣሕወየ፡ ጥሙያት መገበ፡ ምዉታት እውን ኣተንስአ። ብዅሉ እዚ ተኣምራት እዚ ኣቢሉ ኸኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ እንታይ ከም እትገብረሎም ኣርኣየ።
ኣብዚ ኽፋል እዚ
ትምህርቲ 77
ኣብ ጥቓ እታ ዒላ ዝረኸባ ሰበይቲ
እታ ሳምራዊት ሰበይቲ በቲ የሱስ እተዛረባ ነገር ተገሪማ እያ። ስለምንታይ፧ የሱስከ ቕድሚኡ ንዋላ ሓደ ዘይነገሮ እንታይ ነገር እዩ ነጊርዋ፧
ትምህርቲ 78
የሱስ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ
የሱስ ንገሊኦም ደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ገፈፍቲ ሰብ’ ኪዀኑ ጸውዖም። ኣብ ካልእ ግዜ፡ የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ፡ መልእኽቲ ብስራት ኪሰብኩ ኣሰልጠኖም።
ትምህርቲ 79
የሱስ ብዙሕ ተኣምራት ገበረ
ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዅሉ፡ ሕሙማት ሓገዙ ደልዮም ይመጽዎ ነበሩ፡ ንሱ እውን የሕውዮም ነበረ። ንሓንቲ ጓል ድማ ካብ ሞት ኣተንስኣ።