ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መእተዊ መበል 12 ኽፋል

መእተዊ መበል 12 ኽፋል

የሱስ ንሰባት ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት መሃሮም። ብተወሳኺ ድማ፡ ስም ኣምላኽ ኪቕደስን መንግስቱ ኽትመጽእን ፍቓዱ ኣብ ምድሪ ኪኸውንን ኪጽልዩ መሃሮም። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ እዚ ጸሎት እዚ እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ንውሉድካ ግለጸሉ። የሱስ ንሰይጣን፡ ተኣማንነቱ ኸም ዜበላሹ ኺገብሮ ኣይፈቐደሉን። ድሕርዚ፡ የሱስ ሃዋርያቱ ሓረየ፡ ንሳቶም ከኣ መስረትቲ ኣባላት መንግስቲ ኣምላኽ ዀኑ። የሱስ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቕንኣት ነበሮ። ንሰባት ኪሕግዝ ይደሊ ስለ ዝነበረ፡ ሕሙማት ኣሕወየ፡ ጥሙያት መገበ፡ ምዉታት እውን ኣተንስአ። ብዅሉ እዚ ተኣምራት እዚ ኣቢሉ ኸኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ እንታይ ከም እትገብረሎም ኣርኣየ።

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ትምህርቲ 74

የሱስ መሲሕ ኰነ

ዮሃንስ ንየሱስ ገንሸል ኣምላኽ ኢሉ ኺጽውዖ ኸሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

ትምህርቲ 75

ድያብሎስ ንየሱስ ፈተኖ

ድያብሎስ ንየሱስ ሰለስተ ሳዕ ፈተኖ። እቲ ሰለስተ ፈተናታት እንታይ እዩ ነይሩ፧ የሱስከ እንታይ ኢሉ እዩ መሊሱሉ፧

ትምህርቲ 76

የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኣጽረያ

የሱስ ንእንስሳታት ካብ ቤተ መቕደስ ዘውጽአን ንሰደቓ ኣሽረፍቲ ዝገልበጠን ስለምንታይ እዩ፧

ትምህርቲ 77

ኣብ ጥቓ እታ ዒላ ዝረኸባ ሰበይቲ

እታ ሳምራዊት ሰበይቲ በቲ የሱስ እተዛረባ ነገር ተገሪማ እያ። ስለምንታይ፧ የሱስከ ቕድሚኡ ንዋላ ሓደ ዘይነገሮ እንታይ ነገር እዩ ነጊርዋ፧

ትምህርቲ 78

የሱስ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ

የሱስ ንገሊኦም ደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ገፈፍቲ ሰብ’ ኪዀኑ ጸውዖም። ኣብ ካልእ ግዜ፡ የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ፡ መልእኽቲ ብስራት ኪሰብኩ ኣሰልጠኖም።

ትምህርቲ 79

የሱስ ብዙሕ ተኣምራት ገበረ

ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዅሉ፡ ሕሙማት ሓገዙ ደልዮም ይመጽዎ ነበሩ፡ ንሱ እውን የሕውዮም ነበረ። ንሓንቲ ጓል ድማ ካብ ሞት ኣተንስኣ።

ትምህርቲ 80

የሱስ ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ሓረየ

ንምንታይ እዩ ሓርይዎም፧ ስማቶም ትዝክሮዶ፧

ትምህርቲ 81

ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት

የሱስ ንህዝቢ ጠቓሚ ትምህርቲ መሃረ።

ትምህርቲ 82

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምጽላይ መሃሮም

ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እንታይ ነገራት እዩ ብቐጻሊ ኺልምኑ ነጊርዎም፧

ትምህርቲ 83

የሱስ ንኣሽሓት መገበ

እዚ ተኣምር እዚ ብዛዕባ የሱስን የሆዋን እንታይ ይሕብረና፧

ትምህርቲ 84

የሱስ ብማየ ማይ ከደ

ሃዋርያት ነዚ ተኣምር እዚ ምስ ረኣዩ እንታይ ከም እተሰምዖምሲ ኽትግምትዶ ትኽእል፧

ትምህርቲ 85

የሱስ ብሰንበት ኣሕወየ

በቲ ንሱ ዝገበሮ ነገር ዚሕጐሱ ዅሎም ዘይነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

ትምህርቲ 86

የሱስ ንኣልኣዛር ኣተንስኦ

የሱስ ንማርያም ክትበኪ ምስ ረኣያ፡ ንሱ እውን ነብዐ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና ንብዓቶም ናብ ሓጐስ ተቐየረ።