ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 82

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምጽላይ መሃሮም

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምጽላይ መሃሮም

ፈሪሳውያን ንዅሉ ተግባራቶም፡ ብሰብ ኪርኣየሎም ኢሎም እዮም ዚገብሩ ነይሮም። ሓደ ጽቡቕ ተግባር እንተ ገይሮም፡ ካልኦት ኪርእይዎም ኢሎም እዮም ከምኡ ዚገብሩ ነይሮም። ብሰብ ኪርኣዩ ኢሎም ኣብ ኣደባባያት ይጽልዩ ነበሩ። ነዊሕ ጸሎት ሸምዲዶም ከኣ ሰባት ኪሰምዕዎም ኣብ ዚኽእሉ ምኵራባትን መኣዝናት ጐደናታትን ይደግምዎ ነበሩ። ስለዚ፡ የሱስ ነቶም ህዝቢ ኸምዚ ዚስዕብ ምስ በሎም፡ እቶም ህዝቢ ተገሪሞም እዮም፦ ‘ከም ናይ ፈሪሳውያን ጌርኩም ኣይትጸልዩ። ኣምላኽ ብብዙሕ ቃላት ዚሕጐስ ይመስሎም እዩ፣ ከምኡ ግና ኣይኰነን። ጸሎት ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ የሆዋን ጥራይ እዩ። ሕደ ቓላት ኣይትደጋግሙ። የሆዋ ነቲ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ኽትነግርዎ እዩ ዚደሊ።’

የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ‘ከምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፦ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን”’ በሎም። ብተወሳኺ እውን፡ ብዛዕባ ናይ ዕለት እንጌራኦምን ብዛዕባ ሕድገት ሓጢኣቶምን ብዛዕባ ካልእ ብሕታዊ ጕዳያቶምን ኪጽልዩ ነገሮም።

የሱስ ቀጺሉ፡ ‘ምጽላይ ኣይተቋርጹ። ካብ ኣቦኹም የሆዋ ጽቡቕ ውህበት ንምርካብ ብቐጻሊ ለምኑ። ኵሉ ወላዲ ንውሉዱ ጽቡቕ ነገር ኪህቦ ይደሊ እዩ። ወድኻ እንጌራ እንተ ለሚኑካ፡ እምኒዶ ትህቦ፧ ዓሳ እንተ ለሚኑካኸ፡ ተመንዶ ትህቦ፧’ በለ።

ድሕሪኡ፡ የሱስ፡ ‘ንስኻትኩም ንደቅኹም ብኸመይ ጽቡቕ ውህበት ከም እትህቡ ኻብ ፈለጥኩም፡ ኣቦኹም የሆዋ ግዳ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህበኩም፧ ክትልምንዎ ጥራይ እዩ ዘሎኩም’ ብምባል ኬመሓላልፎ ዝደለየ ትምህርቲ ገለጸ። ንስኻኸ ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ትስዕቦ ዲኻ፧ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ እትጽሊ፧

“ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ፣ ብቐጻሊ ድለዩ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ብቐጻሊ ዃሕኵሑ እሞ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ።”—ማቴዎስ 7:7