ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 83

የሱስ ንኣሽሓት መገበ

የሱስ ንኣሽሓት መገበ

ቀቅድሚ ፋስጋ 32 ድ.ክ.፡ ሃዋርያት ካብ ዙረት ስብከት ተመልሱ። ደኺሞም ስለ ዝነበሩ፡ የሱስ ኬዕርፉ ኢሉ ብጃልባ ናብ ቤት-ሳይዳ ወሰዶም። እታ ጃልባ ናብ ገምገም ምስ ቀረበት ግና፡ ኣሽሓት ህዝቢ ኸም ዝሰዓብዎም ረኣየ። የሱስ ምስ ሃዋርያቱ በይኖም ኪዀኑ ደልዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቶም ህዝቢ ብጽቡቕ ተቐበሎም። ሕሙማቶም ኣሕወየ፡ ኪምህሮም እውን ጀመረ። ምሉእ መዓልቲ ኸኣ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ መሃሮም። ምስ መሰየ፡ ሃዋርያቱ ናብኡ መጺኦም፡ ‘እዞም ህዝቢ ጠምዮም ኪዀኑ ኣለዎም። ዚብላዕ ኪረኽቡስ ኣሰናብቶም’ በልዎ።

የሱስ ድማ፡ ‘ኪኸዱ ኣየድልዮምን እዩ፣ ንስኻትኩም ኣብዚ ዚብላዕ ሃብዎም’ በሎም። እቶም ሃዋርያት ከኣ፡ ‘ኬድና እንጌራ ኽንዕድገሎም ትደሊ ዲኻ፧’ በልዎ። ሓደ ኻብቶም ሃዋርያት ዝዀነ ፊልጶስ ድማ፡ ‘ብዙሕ ገንዘብ እኳ እንተ ዚህልወና፡ ነዞም ህዝቢ ዚኣክል እንጌራ ኽንዕድግ ኣይንኽእልን ኢና’ በለ።

የሱስ ከኣ፡ ‘ክንደይ ዚኣክል ምግቢ ኣሎና፧’ ኢሉ ሓተተ። እንድርያስ ድማ፡ ‘ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ንእሽቶ ዓሳን። እዚኣተን ግና እንታይ ይጠቕማ፧’ በለ። የሱስ ከኣ፡ ‘ነቲ እንጌራን ነቲ ዓሳን ኣምጽእዎ’ በሎም። ነቶም ህዝቢ ድማ በብሓምሳን በብሚእትን ኪቕመጡ ነገሮም። ነቲ እንጌራን ዓሳን ወሲዱ ኸኣ፡ ናብ ሰማይ ጠሚቱ ጸለየ። ሽዑ፡ ነቲ ምግቢ ንሃዋርያቱ ሃቦም፣ ንሳቶም እውን ነቶም ህዝቢ ሃብዎም። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ 5,000 ሰብኡት ኰኑ እተን ኣንስትን እቶም ቈልዑን ድማ በሊዖም ጸገቡ። ድሕሪኡ፡ ዋላ ሓንቲ ምእንቲ ኸይትባኽን፡ እቶም ሃዋርያት ነቲ ዝተረፈ ኣከብዎ። እቲ ዝተረፈ ኸኣ፡ 12 መሶብ ምሉእ ኰነ! እዝስ ዜደንቕ ተኣምር ደይኰነን፧

እቶም ህዝቢ በዚ ስለ እተደነቑ፡ ንየሱስ ኬንግስዎ ደለዩ። የሱስ ግና፡ የሆዋ ንዕኡ ዜንግሰሉ ግዜ ኸም ዘይኣኸለ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ፡ ነቶም ህዝቢ ኣሰናቢቱ፡ ንሃዋርያቱ ናብ ስግር ባሕሪ ገሊላ ኪኸዱ ነገሮም። ንሳቶም ከኣ ናብ ጃልባ ደየቡ፣ የሱስ እውን በይኑ ናብ ከረን ደየበ። ስለምንታይ፧ ናብ ኣቦኡ ኺጽሊ ስለ ዝደለየ እዩ። ብዙሕ ዕዮ እኳ እንተ ነበሮ፡ ወትሩ ንጸሎት ግዜ ይምድብ ነይሩ እዩ።

“ንዚበላሾ ምግቢ ዘይኰነስ፡ ነቲ ወዲ ሰብ ዚህበኩም ንህይወት ዘለኣለም ዚነብር ምግቢ ዕየዩ።”—ዮሃንስ 6:27