መእተዊ መበል 13 ኽፋል
የሱስ ህይወቱ ንዘይፍጹማት ሰባት ኣሕሊፉ ምእንቲ ኺህብ እዩ ናብ ምድሪ መጺኡ። ዋላ እኳ እንተ ሞተ፡ ንዓለም ሰዓራ። የሆዋ ኸኣ ንወዱ እሙን ስለ ዝዀነ፡ ካብ ምዉታት ኣተንስኦ። የሱስ ድማ ክሳዕ ሞቱ፡ ብትሕትና ንሰባት ኣገልገለ፡ ንጌጋታቶም ይቕረ እውን በለሎም። ድሕሪ ትንሳኤኡ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ተራእዮም። ነቲ ዝሃቦም ኣገዳሲ ዕዮ ኸመይ ገይሮም ከም ዚዓይይዎ ድማ መሃሮም። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ሎሚ ኣብዚ ዕዮ እዚ እጃም ከም ዘሎና ንውሉድካ ኣረድኣዮ።