መእተዊ መበል 14 ኽፋል
ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ርሑቕ ክፋላት ምድሪ ኣብጽሑ። የሱስ ከኣ ኣበይ ከም ዚሰብኩ መርሖም፣ ንሰባት በብቛንቋኦም ኪምህሩ እውን ብተኣምራዊ መገዲ ኣኽኣሎም። የሆዋ ድማ ትብዓትን ብርቱዕ መስጐጕቲ ንምስጋር ዜኽእል ሓይልን ሃቦም።
የሱስ ንሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ ኽብሪ የሆዋ ዚገልጽ ራእይ ኣርኣዮ። ኣብ ካልእ ራእይ ከኣ፡ መንግስተ ሰማያት ንሰይጣን ስዒራ፡ ንግዝኣቱ ንዘለኣለም ከተጥፍኦ ኸላ ዮሃንስ ረኣየ። ብዘይካዚ፡ ዮሃንስ፡ የሱስ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ከሎ፡ 144,000 መጋዝእቱ እውን ምስኡ ረኣየ። ምልእቲ ምድሪ ገነት ኰይና፡ ኵሎም ሰባት እውን ንየሆዋ ብሰላምን ብሓድነትን ኬምልኽዎ ኸለዉ እውን ረኣየ።