ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መእተዊ 2ይ ክፋል

መእተዊ 2ይ ክፋል

የሆዋ ነታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ዚድምስስ ማይ ኣይሂ ዘምጽአ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ኣጋ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ኣብ መንጎ ሰናይን እከይን ቃልሲ ተፈጢሩ ነይሩ። ከም ኣዳምን ሄዋንን ቃየልን ዝኣመሰሉ ገሊኦም ሰባት፡ ብወገን እከይ ኪዀኑ መረጹ። ከም ኣቤልን ኖህን ዝኣመሰሉ ሒደት ሰባት ከኣ፡ ብወገን ሰናይ ኪዀኑ መረጹ። ብዙሓት ሰባት ኣመና ኽፉኣት ስለ ዝዀኑ፡ የሆዋ ነታ እክይቲ ዓለም ኣጥፍኣ። እዚ ኽፋል እዚ፡ የሆዋ ነቲ ምስ መን ከም እንውግን እንገብሮ ምርጫ ኸም ዚርእዮ፡ እከይ ንሰናይ ኪስዕሮ ድማ ከቶ ኸም ዘይፈቅድ ይምህረና።

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ትምህርቲ 3

ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን

ሓንቲ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረት ኦም ብኸመይ እያ ፍልይቲ ነይራ፧ ሄዋን ካብታ ኦም እቲኣ ፍረ ዝበልዐት ስለምንታይ እያ፧

ትምህርቲ 4

ቍጥዓ ናብ ቅትለት መርሐ

ኣምላኽ ንመስዋእቲ ኣቤል ተቐበሎ፡ ንመስዋእቲ ቃየል ግና ኣይተቐበሎን። ቃየል ብዛዕባ እዚ ምስ ፈለጠ፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ፡ ዜስካሕክሕ ነገር ድማ ገበረ።

ትምህርቲ 5

መርከብ ኖህ

መላእኽቲ ናብ ምድሪ መጺኦም ኣንስቲ ምስ ተመርዓዉ፡ ንጉዓት ኣወዳት ወለዱ። ኣብ ኵሉ ድማ ዓመጻ ሰፈነ። ኖህ ግና ካባታቶም እተፈልየ ነበረ፣ ንኣምላኽ የፍቅሮን ይእዘዞን ነበረ።

ትምህርቲ 6

ሸሞንተ ሰባት ደሓኑ

ማይ ኣይሂ 40 መዓልትን 40 ለይትን ዘነመ። ኖህን ስድራ ቤቱን ከኣ ኣብ ውሽጢ እታ መርከብ ብድምር ልዕሊ ሓደ ዓመት ዚኸውን ጸንሑ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣምላኽ ካብኣ ኺወጹ ነገሮም።