ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 8

ኣብርሃምን ሳራን ንኣምላኽ ተኣዘዝዎ

ኣብርሃምን ሳራን ንኣምላኽ ተኣዘዝዎ

ካብ ባቤል ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ፡ ኡር እትብሃል ከተማ ነበረት። ነበርታ ኸኣ ንየሆዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዙሓት ኣማልኽቲ የምልኹ ነበሩ። ኣብ ኡር ግና ንየሆዋ ጥራይ ዜምልኽ ሓደ ሰብኣይ ነበረ። ስሙ ኣብርሃም ይብሃል ነበረ።

የሆዋ ድማ ንኣብርሃም፡ ‘ካብ ዓድኻን ካብ ኣዝማድካን ወጺእካ፡ ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኺድ’ በሎ። ቀጺሉ ኸኣ፡ ‘ዓብዪ ህዝቢ ኽትከውን ኢኻ፣ ኣነ ድማ ብኣኻ ኣቢለ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዚነብሩ ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ክገብረሎም እየ’ በሎ።

ኣብርሃም ናበይ ከም ዚኸይድ ይፈልጥ ኣይነበረን፣ ንየሆዋ ግና ይኣምኖ ነበረ። ስለዚ፡ ኣብርሃምን ሰበይቱ ሳራን ኣቦኡ ታራን ሎጥ ዚብሃል ወዲ ሓውን ንብረቶም ጠርኒፎም ብተኣዛዝነት ነዊሕ ጕዕዞ ጀመሩ።

ኣብርሃምን ቤተ ሰቡን ኣብታ የሆዋ ኺርእይዋ ዝደለዮም ምድሪ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን፡ ዕድመ ኣብርሃም 75 ዓመት ኰይኑ ነበረ። እታ ምድሪ ኸኣ ምድሪ ከነኣን ትብሃል ነበረት። ኣብኡ ድማ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ‘ኵላ እዛ እትርእያ ዘለኻ ምድሪ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ’ ኢሉ ቓል ኣተወሉ። ኣብርሃምን ሳራን ግና ኣሪጎም ነበሩ፣ ውሉድ ከኣ ኣይነበሮምን። እሞ ደኣ እቲ የሆዋ ዝኣተዎ ቓል ከመይ ኢሉ ኺፍጸም ክኢሉ፧

“ኣብርሃም . . . ናብቲ ኸም ርስቲ ኪቕበሎ ዘለዎ ቦታ ብምውጻእ፡ ብእምነት ተኣዚዙ እዩ፣ ናበይ ከም ዚኸይድ እኳ እንተ ዘይፈለጠ፡ ወጺኡ እዩ።”—እብራውያን 11:8