ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 26

እቶም ዓሰርተው ክልተ ሰለይቲ

እቶም ዓሰርተው ክልተ ሰለይቲ

እስራኤላውያን ካብ ከረን ሲና ነቒሎም ናብ ምድረ በዳ ጳራን፡ ቃዴስ ናብ እትብሃል ቦታ ተጓዕዙ። ኣብኡ ድማ የሆዋ ንሙሴ፡ ‘ከካብ ነገድ ሓደ፡ ብድምር 12 ሰባት ነታ ንእስራኤላውያን ዝህባ ምድሪ ከነኣን ኪስልዩ ልኣኮም’ በሎ። ስለዚ፡ ሙሴ 12 ሰባት መሪጹ፡ ‘ናብ ከነኣን ኪዱ፣ እታ ምድሪ ድማ ኣእካል ንምብቋል እትምሽእ እንተ ዀይና ርኣዩ። እቶም ኣብኣ ዚቕመጡ ህዝቢ ኸኣ፡ ድኹማት ወይ ሓያላት እንተ ዀይኖም ርኣዩ፣ ኣብ ድንኳናት ወይ ኣብ ከተማታት ዚቕመጡ እንተ ዀይኖም እውን ርኣዩ’ በሎም። እያሱን ካሌብን ድማ ካብቶም 12 ሰለይቲ ነበሩ። እቶም 12 ሰለይቲ ኸኣ ናብ ከነኣን ከዱ።

ድሕሪ 40 መዓልቲ፡ እቶም ሰለይቲ ፍረታት በለስን ሮማንን ወይንን ሒዞም ተመልሱ። ‘እታ ምድሪ ጽብቕቲ እያ፣ እቶም ህዝቢ ግና ሓያላት እዮም፣ ከተማታቶም ከኣ ነዊሕ መካበብያ ኣለወን’ ኢሎም እውን ተዛረቡ። ሽዑ ካሌብ፡ ‘ክንስዕሮም ንኽእል ኢና። ንዑናይ ንኺድ!’ በሎም። ካሌብ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝበለስ ትፈልጥዶ፧ ንሱን እያሱን ብየሆዋ ይእመኑ ነይሮም እዮም። እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ግና፡ ‘ይትረፈና! እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሰባት ገዘፍቲ እዮም! ኣብ ቅድሚኦም ንሕና ኸም ኣንበጣ ኢና’ በሉ።

ሽዑ፡ እስራኤላውያን ተዳህሉ። ‘ካልእ መራሒ መሪጽና ናብ ግብጺ ንመለስ። ናብዛ ምድሪ ኼድና ስለምንታይ እንቕተል፧’ ኢሎም ኬጕረምርሙ ጀመሩ። እያሱን ካሌብን ከኣ፡ ‘ንየሆዋ ንተኣዘዞ፡ ኣይንፍራህ። የሆዋ እውን ኬዕቍበና እዩ’ በልዎም። እስራኤላውያን ግና ኣይሰምዕዎምን። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንእያሱን ንካሌብን ኪቐትልዎም ደለዩ።

እሞኸ የሆዋ እንታይ ገበረ፧ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ ‘ንእስራኤላውያን እዚ ዅሉ ገይረሎምሲ፡ ኣይእዘዙንን እዮም ዘለዉ። ስለዚ፡ ኣብዚ በረኻ 40 ዓመት ኪጸንሑ እዮም፣ ኣብዚ እውን ኪሞቱ እዮም። ደቆምን እያሱን ካሌብን ጥራይ እዮም ናብታ ዘተስፎኽዎም ምድሪ ዚኣትዉ።’

“ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ስለምንታይ እትፈርሁ፧”—ማቴዎስ 8:26