ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 32

ሓድሽ መራሕን ክልተ ተባዓት ኣንስትን

ሓድሽ መራሕን ክልተ ተባዓት ኣንስትን

እያሱ ንህዝቢ የሆዋ ንሓያሎ ዓመታት ምስ መርሖም፡ ኣብ 110 ዓመት ዕድሚኡ ሞተ። ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እስራኤላውያን ንየሆዋ የምልኹ ነበሩ። እያሱ ምስ ሞተ ግና፡ ከም ከነኣናውያን፡ ንጣኦታት ኬምልኹ ጀመሩ። እስራኤላውያን ንየሆዋ ምስዓቡ ስለ ዝሓደጉ፡ ንሱ እውን ንያቢን ንጉስ ከነኣናውያን ኬሸግሮም ፈቐደሉ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለመኑ። ስለዚ ድማ የሆዋ፡ ባራቅ ዝስሙ ሓድሽ መራሒ ሃቦም። ንሱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ናብ የሆዋ ኺመልሶም ተላዕለ።

ዴቦራ ዝስማ ነብዪት ድማ ንባራቅ ልኢኻ ጸውዓቶ። ‘10,000 ሰብኡት ውሰድ እሞ ኣብ ርባ ቂሶን ምስ ሰራዊት ያቢን ተዋጋእ። ኣብኡ ኸኣ ንሲሰራ ሓለቓ ሰራዊት ያቢን ክትስዕሮ ኢኻ’ ኢላ ድማ ካብ የሆዋ ዝመጸ መልእኽቲ ነገረቶ። ባራቅ ከኣ ንዴቦራ ፡ ‘ምሳይ እንተ ኼድኪ ጥራይ እየ ዝኸይድ’ በላ። ንሳ ድማ፡ ‘ምሳኻ ክኸይድ እየ። ንሲሰራ ግና ንስኻ ኣይኰንካን ክትቀትሎ። ሰበይቲ ኸም እትቐትሎ፡ የሆዋ ገሊጹ ኣሎ’ በለቶ።

ዴቦራ ኸኣ ምስ ባራቅን ምስ ሰራዊቱን ንውግእ ንምድላው ናብ ከረን ታቦር ደየበት። ሲሰራ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ኣኪቡ ናብቲ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረ ስንጭሮ ኸደ። ዴቦራ ድማ ንባራቅ፡ ‘እታ የሆዋ ዓወት ዚህበካ መዓልቲ ሎሚ እያ’ በለቶ። ባራቅን እቶም 10,000 ሰብኡትን ምስቲ ሓያል ሰራዊት ሲሰራ ንምውጋእ፡ ካብቲ ኸረን ጠኒኖም ወረዱ።

ሽዑ፡ የሆዋ ንርባ ቂሶን ብውሒዝ ከም ዚመልእ ገበሮ። ሰረገላታት ሲሰራ ኸኣ ኣብ ጭቃ ተሸኽታ። ሲሰራ ድማ ሰረገላኡ ሓዲጉ ሃደመ። ባራቅን ተዋጋእቱን ከኣ ንሰራዊት ሲሰራ ሰዓርዎም፣ ሲሰራ ግና ኣምለጠ! ሃዲሙ ድማ ኣብ ድንኳን ሓንቲ ያዔል እትብሃል ሰበይቲ ተሓብአ። ንሳ ኸኣ ጸባ ኣስተየቶ፣ ብወጮ ወይ ብኮቦርታ እውን ከደነቶ። ንሱ ድማ ደቀሰ። ሽዑ፡ ያዔል ሽኻል ድንኳን ወሲዳ ሰላሕ ኢላ ናብኡ ቐረበት እሞ ነቲ ሽኻል ኣብ ርእሱ ሸኸለቶ። ንሱ ኸኣ ሞተ።

ባራቅ ድማ ንሲሰራ ደልዩ መጸ። ያዔል ከኣ ካብ ድንኳና ወጺኣ፡ ‘ነቲ እትደልዮ ዘለኻ ሰብኣይ ከርእየካስ ንዓ እቶ’ በለቶ። ባራቅ ምስ ኣተወ ድማ፡ ንሲሰራ ሞይቱ ተዘርጊሑ ረኣዮ። ድሕርዚ ድማ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ዓወት ስለ ዝሃቦም፡ ባራቅን ዴቦራን ንየሆዋ ብመዝሙር ወደስዎ። ኣብቲ ዚቕጽል 40 ዓመት ከኣ፡ ኣብ እስራኤል ሰላም ኰነ።

“እተን ዜበስራ ኣንስቲ ዓብዪ ሰራዊት እየን።”—መዝሙር 68:11