ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 34

ጊዴዎን ንሚድያናውያን ሰዓሮም

ጊዴዎን ንሚድያናውያን ሰዓሮም

ጸኒሖም እስራኤላውያን መሊሶም ካብ የሆዋ ረሓቑ፣ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እውን ኬምልኹ ጀመሩ። ንሸውዓተ ዓመት ከኣ ሚድያናውያን ንእስራኤላውያን፡ እንስሳታቶም ወሰዱሎም፡ ኣእካሎም እውን ኣጥፍእዎ። እስራኤላውያን ድማ ካብ ሚድያናውያን ኬምልጡ ኢሎም፡ ኣብ በዓትታትን ኣብ ኣኽራንን ተሓብኡ። ንየሆዋ እውን ኬድሕኖም ለመንዎ። ስለዚ ኸኣ፡ የሆዋ ናብ ሓደ ጊዴዎን ዝስሙ መንእሰይ፡ መልኣኽ ለኣኸ። እቲ መልኣኽ ድማ፡ ‘ሓያል ጅግና ምእንቲ ኽትከውን፡ የሆዋ መሪጹካ እዩ’ በሎ። ጊዴዎን ከኣ፡ ‘ከመይ ገይረ እየ ንእስራኤል ዘድሕኖ፧ ኣነ እኮ ዝረብሕ ኣይኰንኩን’ በሎ።

እሞ ደኣ ጊዴዎን ከመይ ገይሩ እዩ የሆዋ ኸም ዝመረጾ ኺፈልጥ ክኢሉ፧ ጸምሪ ወይ ጸጕሪ በጊዕ ኣብ ባይታ ኣንበረ እሞ ንየሆዋ፡ ‘ንግሆ፡ እዚ ጸምሪ እዚ ብኣውሊ እንተ ጠልቅዩ፡ ንእስራኤል ከድሕኖ ኸም እትደልየኒ ኽፈልጥ እየ’ በሎ። ንጽብሒቱ፡ እቲ ጸምሪ ጠልቅዩ ጸንሖ፡ እቲ ባይታ ግና ንቑጽ ነበረ። ከም ብሓድሽ ግና፡ ንጽብሒቱ እቲ ጸምሪ ንቑጽ ኪኸውን፡ እቲ ባይታ ግና ኪትርክስ ለመነ። ከምኡ ምስ ኰነ ድማ፡ ጊዴዎን ብየሆዋ ኸም እተመርጸ ምሉእ ብምሉእ ኣመነ። ተዋጋእቲ ኣኪቡ ኸኣ ምስ ሚድያናውያን ኪዋጋእ ከደ።

የሆዋ ድማ ንጊዴዎን፡ ‘ንእስራኤላውያን ዓወት ክህቦም እየ። ግናኸ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ተዋጋእቲ ስለ ዘለዉኻ፡ ኣብቲ ውግእ ብሓይልኹም ከም ዝሰዓርኩም ኪመስለኩም እዩ። ስለዚ፡ ዚፈርህ ዘበለ ናብ ቤቱ ኺምለስ ኣውጅ’ በሎ። በዚ ኸምዚ፡ 22,000 ተዋጋእቲ ናብ ቤቶም ተመልሱ፣ 10,000 ሰባት ከኣ ተረፉ። የሆዋ ድማ፡ ‘ገና ብዙሓት ተዋጋእቲ ኣለዉ። ናብ ውሒዝ ውሰዶም እሞ ማይ ኪሰትዩ ንገሮም። ነቶም ካብ ጸላኢ እናተጠንቀቑ ዚሰትዩ ጥራይ ምሳኻ ኣጽንሓዮም’ በሎ። ካብቶም ተዋጋእቲ ድማ፡ 300 ጥራይ ብንቕሓት እናተኸታተሉ ማይ ሰተዩ። የሆዋ ኸኣ፡ እቶም ሒደት ሰብኡት ን135,000 ተዋጋእቲ ሚድያናውያን ከም ዚስዕርዎም ቃል ኣተወ።

በታ ለይቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንጊዴዎን፡ ‘ሕጂ ኣብ ሚድያናውያን መጥቃዕቲ እትፍንወሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ’ በሎ። ጊዴዎን ከኣ ነቶም ተዋጋእቲ፡ መለኸትን ዓታሩን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓታሩ ድማ ፋናታት ሃቦም። ‘ንዓይ ርኣዩኒ እሞ፡ ልክዕ ከምቲ ኣነ ዝገበሮ ግበሩ’ ኸኣ በሎም። ድሕሪኡ፡ ጊዴዎን መለኸቱ ነፍሐ፡ ንዕትሮኡ ሰበሮ፡ ነቲ ፋናኡ ኣወዛወዞ፡ ‘ሰይፊ የሆዋን ጊዴዎንን!’ ኢሉ እውን ጨደረ። ኵሎም እቶም 300 ሰባት እውን ከምኡ ገበሩ። ሽዑ፡ ሚድያናውያን ሰምበዱ፡ ናብ ኵሉ ኣንፈት እውን ሃደሙ። ኣብቲ ሕንፍሽፍሽ ከኣ ንሓድሕዶም ተዋግኡ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ዓወት ሃቦም።

“እቲ ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና [ኣይኰነን]።”—2 ቈረንቶስ 4:7