ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መእተዊ 8ይ ክፋል

መእተዊ 8ይ ክፋል

የሆዋ ንሰሎሞን ብብዙሕ ጥበብ ባረኾ፡ ነታ ቤተ መቕደሱ ኺሃንጽ እውን ፍሉይ መሰል ሃቦ፣ ንሱ ግና በብቝሩብ ንየሆዋ ሓደጎ። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዜምልኻ ኣንስቲ ኸመይ ገይረን ንሰሎሞን ካብ ኣምላኽ ከም ዘርሓቓኦ ንውሉድካ ግለጸሉ። ድሕሪ ዘመን ሰሎሞን፡ እታ መንግስቲ ተመቕለት፣ ክፉኣት ነገስታት ድማ ነቲ ህዝቢ ናብ ክሕደትን ናብ ኣምልኾ ጣኦትን መርሕዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዙሓት እሙናት ነብያት የሆዋ ተሰጕጉን ተቐትሉን። ንግስቲ ኢዛቤል ድማ ነታ ሰሜናዊት መንግስቲ ናብ ክሕደት ኣጥሓለታ። እቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ጸልማት እዋን እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ግና፡ ኣብ መንጎ እስራኤላውያን፡ ከም ንጉስ ዮሳፋጥን ነብዪ ኤልያስን ዝኣመሰሉ ብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ነበሩ።

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ትምህርቲ 44

ንየሆዋ እትኸውን ቤተ መቕደስ

ኣምላኽ በቲ ሰሎሞን ዘቕረቦ ልማኖ ተሓጐሰ፡ ዓብዪ ኽብሪ እውን ሃቦ።

ትምህርቲ 45

ሓንቲ መንግስቲ ተመቕለት

ብዙሓት እስራኤላውያን ንየሆዋ ምግልጋል ሓደግዎ።

ትምህርቲ 46

ኣብ ከረን ቀርሜሎስ፡ መን ኣምላኽ ምዃኑ ተፈተነ

መን እዩ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፧ የሆዋዶ ወይስ በዓል፧

ትምህርቲ 47

የሆዋ ንኤልያስ ኣበርትዖ

ንዓኻ እውን ዚሕግዘካዶ ይመስለካ፧

ትምህርቲ 48

ወዲ ሓንቲ መበለት ካብ ሞት ተንስአ

ኣብ ሓንቲ ቤት ክልተ ተኣምር ተገብረ!

ትምህርቲ 49

ሓንቲ እክይቲ ንግስቲ ተቐጽዐት

ኢዛቤል ንኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ክትወስዶ ስለ ዝደለየት ጥራይ፡ ናቦት ከም ዚቕተል ገበረት! የሆዋ ግና ነቲ እከያን ግፍዓን ይርእዮ ነበረ።

ትምህርቲ 50

የሆዋ ንዮሳፋጥ ተኸላኸለሉ

ኣህዛብ ንይሁዳ ኼጥቅዑ ምስ መጹ፡ እቲ ቕኑዕ ዚገብር ዝነበረ ንጉስ ዮሳፋጥ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ተጸግዐ።