መእተዊ 8ይ ክፋል
የሆዋ ንሰሎሞን ብብዙሕ ጥበብ ባረኾ፡ ነታ ቤተ መቕደሱ ኺሃንጽ እውን ፍሉይ መሰል ሃቦ፣ ንሱ ግና በብቝሩብ ንየሆዋ ሓደጎ። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዜምልኻ ኣንስቲ ኸመይ ገይረን ንሰሎሞን ካብ ኣምላኽ ከም ዘርሓቓኦ ንውሉድካ ግለጸሉ። ድሕሪ ዘመን ሰሎሞን፡ እታ መንግስቲ ተመቕለት፣ ክፉኣት ነገስታት ድማ ነቲ ህዝቢ ናብ ክሕደትን ናብ ኣምልኾ ጣኦትን መርሕዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዙሓት እሙናት ነብያት የሆዋ ተሰጕጉን ተቐትሉን። ንግስቲ ኢዛቤል ድማ ነታ ሰሜናዊት መንግስቲ ናብ ክሕደት ኣጥሓለታ። እቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ጸልማት እዋን እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ግና፡ ኣብ መንጎ እስራኤላውያን፡ ከም ንጉስ ዮሳፋጥን ነብዪ ኤልያስን ዝኣመሰሉ ብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ነበሩ።
ኣብዚ ኽፋል እዚ
ትምህርቲ 49
ሓንቲ እክይቲ ንግስቲ ተቐጽዐት
ኢዛቤል ንኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ክትወስዶ ስለ ዝደለየት ጥራይ፡ ናቦት ከም ዚቕተል ገበረት! የሆዋ ግና ነቲ እከያን ግፍዓን ይርእዮ ነበረ።