ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 47

የሆዋ ንኤልያስ ኣበርትዖ

የሆዋ ንኤልያስ ኣበርትዖ

ኢዛቤል ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ነብያት በዓል እተገብረ ነገር ምስ ፈለጠት፡ በዚ ኣዝያ ተቘጥዐት። ናብ ኤልያስ መልእኽቲ ልኢኻ ኸኣ፡ ‘ጽባሕ፡ ከምቶም ነብያት በዓል ክትመውት ኢኻ’ በለቶ። ኤልያስ ድማ ኣዝዩ ፈርሀ፡ ናብ በረኻ እውን ሃደመ። ‘ኦ የሆዋ፡ ይኣኽለኒ። እንተ ሞትኩ ይሕሸኒ’ ኢሉ እውን ጸለየ። ሓይሉ ስለ እተጸንቀቐ እውን፡ ኣብ ትሕቲ ቘጥቋጥ ደቀሰ።

ሓደ መልኣኽ ድማ ንኤልያስ ኣተንሲኡ፡ ‘ተንሲእካ ብላዕ’ በሎ። ኤልያስ ምስ ጠመተ ኸኣ፡ ቅጫ ኣብ ርሱን ኣእማንን ማይ ኣብ ኳዳን ነበረ። ንሱ ድማ በሊዑን ሰትዩን መሊሱ ደቀሰ። እቲ መልኣኽ ከኣ ካልኣይ ሳዕ ኣተንሲኡ፡ ‘ንመገዲ ዚኸውን ብርታዐ ስለ ዜድልየካ፡ ብላዕ’ በሎ። ኤልያስ ድማ በልዐ። ድሕሪኡ፡ ናብ ከረን ሆሬብ ክሳዕ ዚበጽሕ፡ 40 መዓልትን 40 ለይትን ተጓዕዘ። ኣብኡ ኸኣ ኪድቅስ ናብ በዓቲ ኣተወ። የሆዋ ግና ተዛረቦ። ‘ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ፧’ በሎ። ኤልያስ ድማ፡ ‘እስራኤላውያን መብጽዓኦም ሓዲጎም እዮም። መሰውኢታትካ ኸኣ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካ እውን ቀቲሎምዎም እዮም። ሕጂ ድማ ንዓይ ኪቐትሉኒ ይደልዩ ኣለዉ’ በሎ።

የሆዋ ኸኣ፡ ‘ውጻእ እሞ ኣብቲ ኸረን ደው በል’ በሎ። ፈለማ፡ ብርቱዕ ንፋስ በቲ በዓቲ ሓለፈ። ቀጺሉ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፣ ድሕሪኡ እውን ሓዊ ዀነ። ኣብ መወዳእታ፡ ኤልያስ ህዱእ ትሑት ድምጺ ሰምዐ። ንሱ ድማ ገጹ ብኽዳኑ ኸዲኑ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። ሽዑ፡ የሆዋ ስለምንታይ ከም ዝሃደመ ሓተቶ። ኤልያስ ከኣ፡ ‘ኣነ በይነይ ተሪፈ’ ኢሉ መለሰ። የሆዋ ግና፡ ‘በይንኻ ኣይኰንካን። ኣብ እስራኤል ንዓይ ዜምልኹ 7,000 ሰባት ኣለዉ። ሕጂ ኼድካ ንኤልሳእ ኣብ ክንዳኻ ነብዪ ኪኸውን ቅብኣዮ’ በሎ። ኤልያስ ድማ ብኡብኡ ኸምቲ የሆዋ ዝበሎ ንምግባር ከደ። ንስኻኸ ኸምቲ የሆዋ ዝደለዮ ኽትገብር ከለኻ፡ ንሱ ዚሕግዘካዶ ይመስለካ፧ እወ፡ ኪሕግዘካ እዩ። ቀጺልና እምበኣር፡ ደርቂ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እንታይ ከም ዝዀነ ንርአ።

“ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ።”—ፊልጲ 4:6