ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 52

ናይ የሆዋ ሰራዊት ሓዊ

ናይ የሆዋ ሰራዊት ሓዊ

ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ይፍኑ ነበረ። ነብዪ ኤልሳእ ግና ወትሩ ንንጉስ እስራኤል የጠንቅቖ ብምንባሩ፡ እቲ ንጉስ ኬምልጥ ከኣለ። ስለዚ፡ ቤን-ሃዳድ ንኤልሳእ ኪጨውዮ ወሰነ። ኤልሳእ ኣብ ከተማ ዶታን ከም ዘሎ ድማ ፈለጠ፣ ንሰራዊት ሶርያ ኸኣ ኪሕዝዎ ናብኡ ለኣኾም።

ሶርያውያን ድማ ብለይቲ ናብ ዶታን መጹ። ንጽብሒቱ ንግሆ፡ ጊልያ ኤልሳእ ናብ ደገ ምስ ወጸ፡ እታ ኸተማ ብዓብዪ ሰራዊት ተኸቢባ ረኣየ። በዚ ፈሪሁ ድማ፡ ‘ኤልሳእ፡ እንታይ ክንገብር ኢና፧’ ኢሉ ጨደረ። ኤልሳእ ከኣ፡ ‘ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ’ በሎ። ሽዑ ድማ፡ የሆዋ ንጊልያ ኤልሳእ፡ እቲ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ዚርከብ ኣኽራን ብኣፍራስን ሰረገላታትን ሓዊ መሊኡ ኸም ዝነበረ ኣርኣዮ።

እቶም ሰራዊት ሶርያ ንኤልሳእ ኪሕዝዎ ምስ ፈተኑ፡ ንሱ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ በጃኻ ኣዕውሮም’ ኢሉ ጸለየ። እቶም ሰራዊት ድማ ዋላ እኳ ኺርእዩ ዚኽእሉ እንተ ነበሩ፡ ኣበይ ከም ዘለዉ ግና ጠፍኦም። ኤልሳእ ከኣ ነቶም ተዋጋእቲ፡ ‘እታ እትደልይዋ ኸተማ እዚኣ ኣይኰነትን። ስዓቡኒ እሞ ናብቲ እትደልይዎ ሰብኣይ ክወስደኩም እየ’ በሎም። ንሳቶም ድማ ንኤልሳእ ስዒቦም ናብታ ንጉስ እስራኤል ዚነብረላ ኸተማ ሰማርያ ኸዱ።

እቶም ሶርያውያን ከኣ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ኣበይ ከም ዘለዉ ፈለጡ። ንጉስ እስራኤል ድማ ንኤልሳእ፡ ‘ክቐትሎምዶ፧’ ኢሉ ሓተቶ። እሞኸ ኤልሳእ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ እቶም ኪጐድእዎ ዝሓሰቡ ሰባት ሕነኡ ፈድዩዶ፧ ከምኡ ኣይገበረን። የግዳስ፡ ኤልሳእ፡ ‘ኣይትቕተሎም። ዚብላዕ ሃቦም እሞ መገዶም ስደዶም’ በሎ። ስለዚ፡ እቲ ንጉስ ዓብዪ ድግስ ገበረሎም፣ ድሕሪኡ፡ ናብ ዓዶም ሰደዶም።

“እቲ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ እዚ እዩ፦ ከም ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ ይሰምዓና እዩ።”—1 ዮሃንስ 5:14