ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 51

እቲ ጅግና ተዋጋእን እታ ንእሽቶ ጓልን

እቲ ጅግና ተዋጋእን እታ ንእሽቶ ጓልን

ኣብ ምድሪ ሶርያ፡ ሓንቲ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል ትነብር ነበረት። ንሳ ድማ ካብ ዓዳ ብዙሕ ርሒቓ ነበረት። ሰራዊት ሶርያ እዮም ካብ ስድራ ቤታ ወሲዶምዋ። ንሰበይቲ ንእማን ዚብሃል ሓለቓ ሰራዊት ከኣ ተገልግላ ነበረት። እታ ንእሽቶ ጓል ንየሆዋ ብዘየምልኹ ሰባት ተኸቢባ እኳ እንተ ነበረት፡ ንሳ ግና ንየሆዋ ተምልኾ ነበረት።

ንእማን ዜስካሕክሕ ሕማም ቈርበት ነበሮ፣ ወትሩ እውን ይቕንዞ ነበረ። እታ ንእሽቶ ጓል ከኣ ክትሕግዞ ደለየት። ንሰበይቲ ንእማን ድማ፡ ‘ንሰብኣይኪ ኼሕውዮ ዚኽእል ሰብ ኣሎ። ኣብ እስራኤል፡ ኤልሳእ ዝስሙ ነብዪ ኣሎ። ንሱ ንሰብኣይኪ ኼሕውዮ ይኽእል እዩ’ በለታ።

ሰበይቲ ንእማን ከኣ ንሰብኣያ፡ ዘረባ እታ ንእሽቶ ጓል ነገረቶ። ንሱ ድማ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪፍትን ፍቓደኛ ስለ ዝነበረ፡ ናብ እስራኤል ናብ እንዳ ኤልሳእ ከደ። ንእማን ከኣ፡ ኤልሳእ ከም ሓደ ኣገዳሲ ሰብ ገይሩ ኪቕበሎ ተጸብዩ ነበረ። ኤልሳእ ግና ንንእማን ብኣካል ከይዱ ኣብ ክንዲ ዚዛረቦ፡ ጊልያኡ ልኢኹ ሰላምታ ድሕሪ ምሃብ፡ ‘ኬድካ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ሳዕ ተሓጸብ። ሽዑ፡ ክትሓዊ ኢኻ’ በሎ።

ንእማን ድማ ብዙሕ ጐሃየ። ‘እዚ ነብዪ እዚ ኣእዳዉ ናብዝን ናብትን እናኣበለ ብስም ኣምላኹ ተማህሊሉ ዜሕውየኒ መሲሉኒ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ናብዚ ኣብ እስራኤል ዘሎ ፈለግ ኪድ ይብለኒ ኣሎ። ኣብ ሶርያ እኮ ዝሓሸ ኣፍላግ ኣሎና። ናብኡ ምኻድዶ ኣይምሓሸንን፧’ በለ። ንእማን ከኣ ተቘጥዐ፡ ካብ ቤት ኤልሳእ እውን ኪኸይድ ተበገሰ።

ገላዉ ንእማን ግና ኣተሓሳስባኡ ኼዐሪ ሓገዝዎ። ‘ክትሓዊ ኢልካስ እተኣዘዝካዮ ዅሉዶ ኣይምገበርካን፧ እዚ ነብዪ እዚ ዝኣዘዘካ ነገር ግና ቀሊል እዩ። ስለምንታይ ዘይትገብሮ፧’ በልዎ። ንእማን ከኣ ሰምዖም። ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ ከይዱ ድማ፡ ኣብቲ ማይ ሸውዓተ ሳዕ ጠሓለ። ሻውዓይ ሳዕ ጥሒሉ ምስ ወጸ፡ ሰብነቱ ምሉእ ብምሉእ ሓወየ። በዚ ብዙሕ ተሓጐሰ፡ ንኤልሳእ ኬመስግኖ እውን ተመሊሱ ኸደ። ንእማን ድማ፡ ‘የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ሕጂ ፈሊጠ እየ’ በለ። ንእማን ሓውዩ ምስ ተመልሰስ፡ እታ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል እንታይ እተሰምዓ ይመስለካ፧

“ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ውዳሰ ኣውጺእካ።”—ማቴዎስ 21:16