ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 53

ትብዓት የሆያዳ

ትብዓት የሆያዳ

ኢዛቤል ከምኣ እክይቲ ዝዀነት ዓታልያ እትብሃል ጓል ነበረታ። ዓታልያ ድማ ንንጉስ ይሁዳ ተመርዕያ ነበረት። ሰብኣያ ምስ ሞተ፡ ወዳ ኺገዝእ ጀመረ። ወዳ ምስ ሞተ ግና፡ ዓታልያ ባዕላ ኣብ ይሁዳ ኽትገዝእ ጀመረት። ድሕሪኡ፡ ንዅሎም እቶም ኪነግሱ ዚኽእሉ ዘርኢ ንጉስ ከተጥፍኦም ፈተነት፣ ንደቂ ደቃ እውን ኣይመሓረቶምን። ኵሉ ሰብ ይፈርሃ ነበረ።

የሆያዳ እቲ ሊቀ ኻህናትን የሆሸባ ዝስማ ሰበይቱን ከኣ፡ እቲ ዓታልያ እትገብሮ ዝነበረት ኣመና ኽፉእ ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ። ስለዚ፡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም፡ ዮኣስ ንዝስሙ ወዲ ወዳ ንዓታልያ ሓብእዎ። ኣብ ቤተ መቕደስ ድማ ኣዕበይዎ።

ዮኣስ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰነ፡ የሆያዳ ንዅሎም ኣሕሉቕን ሌዋውያንን ኣኪቡ፡ ‘ንመዓጹ ቤተ መቕደስ ሓልውዎ፣ ዋላ ሓደ እውን ብእኡ ኣይእቶ’ በሎም። ድሕሪኡ፡ የሆያዳ ንዮኣስ ኣብ ይሁዳ ኣንገሶ፡ ኣብ ርእሱ እውን ዘውዲ ደፍኣሉ። ህዝቢ ይሁዳ ኸኣ፡ ‘ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር!’ ኢሎም ጨደሩ።

ንግስቲ ዓታልያ ድማ ንደሃይ እቲ ህዝቢ ሰሚዓ ናብቲ ቤተ መቕደስ ጐየየት። ነቲ ሓድሽ ንጉስ ምስ ረኣየቶ ኸኣ፡ “ውዲት! ውዲት!” ኢላ ጨርሐት። እቶም ኣሕሉቕ ድማ ነታ እክይቲ ንግስቲ ወሲዶም ቀተልዋ። ነቲ ኣብቲ ህዝቢ ዘሕደረቶ ኽፉእ ጽልዋ ንምጥፋእ ግና እንታይ እዩ ተገይሩ፧

የሆያዳ ነቶም ህዝቢ፡ ምስ የሆዋ ኺዳን ኣተኣታተዎም፣ ንሳቶም እውን ንየሆዋ ጥራይ ኬምልኹ ተመባጽዑ። ብትእዛዝ የሆያዳ ድማ ንቤተ መቕደስ በዓል ኣፍረስዎ፡ ነቲ ጣኦታት እውን ሓምሸሽዎ። እቶም ህዝቢ ኣብታ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኼምልኹ ኸኣ፡ ካህናትን ሌዋውያንን ሸመ። ርኹስ ዘበለ ናብታ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኸይኣቱ ድማ፡ ሓለውቲ ኣፍ ደገ ገበረ። የሆያዳን እቶም ኣሕሉቕን ከኣ ንዮኣስ ናብቲ ቤተ መንግስቲ ወሲዶም ኣብ ዝፋን ኣቐመጥዎ። ህዝቢ ይሁዳ እውን ተሓጐሱ። ካብታ እክይቲ ዓታልያን ካብ ኣምልኾ በዓልን ናጻ ዀይኖም ንየሆዋ ኼምልኹ ኸኣሉ። ትብዓት የሆያዳ ንብዙሓት ሰባት ብኸመይ ከም ዝሓገዘስ ርኢኻዶ፧

“ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ኪቐትሉ ዘይክእሉ ኣይትፍርህዎም፣ የግዳስ፡ ነቲ ንነፍስን ንስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚኽእል ፍርህዎ።”—ማቴዎስ 10:28