ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ምስ መናፍስቲ እከይ ምቅላስ’

‘ምስ መናፍስቲ እከይ ምቅላስ’

ምዕራፍ ሸሞንተ

‘ምስ መናፍስቲ እከይ ምቅላስ’

1. እኩያት መናፍስቲ ዚገብርዎ ንጥፈታት ብፍላይ ኬገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

 ብዙሓት ሰባት እኩያት መናፍስቲ ኣለዉ ንዚብል ሓሳባት የባጭዉሉ እዮም። እዚ ግን ዜስሕቕ ጕዳይ ኣይኰነን። ሰባት ይእመንዎ ኣይእመንዎ ብዘየገድስ: እኩያት መናፍስቲ ኣለዉ: ንዅሉ ሰብ ጸቕጢ ኺገብሩሉ ድማ ይጽዕሩ እዮም። ኣምለኽቲ የሆዋ እውን ካብዚ ዜምልጡ ኣይኰኑን። መሕልፎ እኳ ደኣስ ቀንዲ ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ቕልስና ምስ [ዘይርአ] ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር: ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን” ብምባል የጠንቅቐና። (ኤፌሶን 6:12) ኣብዚ ግዜና ሰይጣን ካብ ሰማይ ስለ እተሰጐን ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱ ስለ ዘሎን እቲ እዞም መናፍስቲ እከይ ዚገብርዎ ጸቕጢ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።—ራእይ 12:12

2. ኣብቲ ምስቶም ካብ ሰባት ዚበልጹ መናፍስቲ ዚግበር ቃልሲ ዕዉታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

2 ኣብቲ ምስዞም ካብ ሰባት ዚበልጹ መናፍስቲ ዚግበር ቃልሲ ዕዉታት ክንከውን ንኽእል ዲና፧ እወ: ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግን: ኣብ የሆዋ ብምውካል ጥራይ ኢና ዕዉታት ክንከውን እንኽእል። ንዕኡ ኽንሰምዖን ቃሉ ኽንሕሉን ኣሎና። ከምዚ ምስ እንገብር: ካብቲ ነቶም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዝኣተዉ ዜጋጠሞም ኣካላውን ስነ-ምግባራውን ስምዒታውን ጕድኣት ክንስተር ንኽእል።—ያእቆብ 4:7

ገዛእቲ ዓለም ኣብ ሰማይ

3. ሰይጣን ኣብ መን እዩ ብርቱዕ ምጽራር ዜውርድ: ብኸመይከ፧

3 የሆዋ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ብምዕዛብ ንዅነታት ዓለም ብንጹር እዩ ዚገልጸልና። ንሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ዘርኣዮ ራእይ: ንሰይጣን ከም “ዓብዪ ቐይሕ ገበል” ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። እታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ምስ ተወልደት: ሰይጣን እንተ ዚኽእል ብኡንብኡ ኺውሕጣ ተዳልዩ እዩ ነይሩ። እዚ ኸይሰለጦ ምስ ተረፈ: ኣብቶም ምድራውያን ተወከልቲ እታ መንግስቲ ኸም ውሒዝ ዝኣመሰለ ኸቢድ ምጽራር ፈነወ። (ራእይ 12:3, 4, 13, 17) ሰይጣን ነዚ ውግእ እዚ ዜካይዶ ብኸመይ እዩ፧ በቶም ሰብኣውያን ተወከልቱ ኣቢሉ እዩ።

4. ሰብኣውያን መንግስትታት ካበይ እየን ስልጣን ዚረኽባ: ከምኡ ምዃኑኸ ብኸመይ ንፈልጥ፧

4 ዮሃንስ ቀጺሉ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ: “ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን” ከኣ ምልኪ እተዋህቦ ኣራዊት ረኣየ። እዚ ኣራዊት እዚ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ፖለቲካዊ ስርዓት እዩ ዜመልክት። ንዮሃንስ ከኣ “እቲ ገበል [ሰይጣን ድያብሎስ] ድማ ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን [ነቲ ኣራዊት] ሀቦ” ብምባል ተነግሮ። (ራእይ 13:1, 2, 7) እወ: ሰብኣውያን መንግስትታት ካብ ሰይጣን እየን ሓይልን ስልጣንን ዚረኽባ። እምበኣር: ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ: እቶም ናይ ሓቂ “ገዛእቲ ዓለም:” ማለት እቶም ንሰብኣውያን መንግስትታት ዚቈጻጸርወን: ‘ኣብ ሰማይ ዘለዉ መናፍስቲ እከይ’ እዮም። ኵሎም እቶም ንየሆዋ ኼምልኹ ዚደልዩ: ነቲ እዚ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ምሉእ ብምሉእ ኪርድእዎ ኣለዎም።—ሉቃስ 4:5, 6

5. ፖለቲካውያን ገዛእቲ ናብ ምንታይ እዮም ዚእከቡ ዘለዉ፧

5 ብዙሓት ፖለቲካውያን ገዛእቲ ሃይማኖታውያን ኢና እኳ እንተ በሉ: ንየሆዋ ዀነ ነቲ ንሱ ዝሸሞ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ኪግዝኡ ግን ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። ኵላቶም ስልጣኖም ንኼጣጥሑ እዮም ዚቃለሱ። ኣብዚ ግዜና ኸምቲ ኣብ ራእይ ዚርከብ ጸብጻብ ዚሕብሮ: “ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ” ነቶም ናይ ዓለም ገዛእቲ “በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ” ኣብ ኣርማጌዶን ይእክብዎም ኣለዉ።—ራእይ 16:13, 14, 16፣ 19:17-19

6. ነዚ ሰይጣን ዚቈጻጸሮ ኣገባብ ብተዘዋዋሪ ደገፍና ንኸይንህብ ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 ሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ኣብ ንሕድሕዶም ምፍልላይ ብዜምጽእ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቍጠባውን ሃይማኖታውን ግጭታት ይትንከፉ እዮም። ኣብዚ ግጭታት እዚ ሰባት ብቓላት ኰነ ብግብሪ ናብቲ ዚቐርቦም ህዝቢ: ዓሌት: ቋንቋ: ወይ ማሕበራዊ ደርቢ ኺውግኑ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ሰባት ኣብ ገለ ግጭት ብቐጥታ እኳ እንተ ዘይተሳተፉ: ብልቦም ግን ንሓዲኡ ይድግፉ እዮም። እንተዀነ ግን: እቲ ዚድግፍዎ ሰብ ኰነ ዕላማ ብዘየገድስ: ብሓቂ ግን ንመን እዮም ዚድግፉ ዘለዉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” ይብል። (1 ዮሃንስ 5:19) ሓደ ሰብ ብኻልኦት ሰባት ተመሪሑ ጌጋ ንኸይገብር ኪጥንቀቕ ዚኽእል ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ደገፉ ብምሃብን ካብ ግጭታት እዛ ዓለም እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ገለልተኛ ብምዃንን ጥራይ እዩ ነዚ ኺገብር ዚኽእል።—ዮሃንስ 17:15, 16

ውዲት እቲ እኩይ

7. ሰይጣን ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ብምጥቃም ጕርሑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

7 ኣብ መላእ ታሪኽ ወድሰብ: ሰይጣን ንውልቀ-ሰባት ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምርሓቕ ብቓላት ኰነ ብኣካል መስጐጕቲ ኻብ ምውራድ ዘዕረፈሉ ግዜ የልቦን። ውዲት ብምእላም እውን ረቂቕ ሜላታት ይጠቅም እዩ። ብጕርሑ ድማ ንመብዛሕትኦም ሰባት ንኣምላኽ ዜገልግሉ ዘለዉ ኸም ዚመስሎም ብምግባር: ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ገይሩ ኣብ ጸልማት ከም ዚመላለሱ ገይርዎም ኣሎ። ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽን ፍቕሪ ሓቅን ስለ ዚጐድሎም: ብምስጢራውን ስምዒታውን ሃይማኖታዊ ጽምብላት ይሰሓቡ ወይ ብትእምርቲ ይምሰጡ። (2 ተሰሎንቄ 2:9, 10) እንተዀነ ግን: ካብቶም ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚመላለሱ ዝነበሩ እውን ከይተረፈ: “ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም: ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ” መጠንቀቕታ ተዋሂቡና ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 4:1) እዚ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል፧

8. ንየሆዋ ነምልኽ እውን ንኹን: ሰይጣን ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንኽንኣቱ ኼስድዓና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

8 ድያብሎስ ብስዉር ንድኻምና ይምዝምዞ እዩ። ገናዶ ንሰብ ንፈርህ ኢና፧ ከምኡ እንተደኣ ዄንና: ኣብቲ ኻብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝመበቈሉ ልምድታት ንኽንሳተፍ ካብ ኣዝማድና ወይ ጐረባብትና ጸቕጢ ኺወርደና ኸሎ ንስነፍ ንኸውን። ኩሩዓት ዲና፧ ከምኡ እንተደኣ ዄንና: ተግሳጽ ኪወሃበና ኸሎ ወይ ካልኦት ነቲ እንድግፎ ሓሳባት ምስ ዘይቅበልዎ ቒም ንሕዝ ንኸውን። (ምሳሌ 15:10፣ 29:25፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:3, 4) ምስቲ ክርስቶስ ዝገደፈልና ኣብነት ተሰማሚዕና ንኽንነብር ኣረኣእያና ኣብ ክንዲ እነዐሪ: ናብቶም መጽሓፍ ቅዱስ እናኣንበብካን ንኻልኦት ከይጐዳእካን ምንባር ጥራይ ኣኻሊ ኸም ዝዀነ ብምዝራብ ‘ነእዛንና ዜሳሒ’ ወይ ዜሐጕስ ነገር ዚሰብኩ ንሰምዕ ንኸውን። (2 ጢሞቴዎስ 4:3) ሰይጣን ንየሆዋ በቲ ብቓሉን ብማሕበሩን ኣቢሉ ዝሃበና መምርሒ ጌርና ኽሳዕ ዘየምለኽናዮ: ኣብ ካልእ ሃይማኖት ንእቶ ወይ ናይ ርእስና ሃይማኖት ንሓዝ ዜገድሶ ኣይኰነን።

9. ሰይጣን ዕላማኡ ንምፍጻም ንጾታ ብኸመይ እዩ ብጕርሒ ዚጥቀመሉ፧

9 ሰይጣን ንሰባት እቲ ንቡር ባህግታቶም ብግጉይ መገድታት ንኼርውዩ እውን ብጕርሑ የታልሎም እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ንጾታዊ ባህጊ ይጥቀመሉ እዩ። ብዙሓት ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስነ-ምግባር ብምንጻግ: ኣብ መንጎ ዘይተመርዓዉ ሰባት ዚግበር ጾታዊ ርክብ ከም ቅቡል ተድላ ወይ በጽሕታት ምዃኖም ዜመስክሩሉ መገዲ ኸም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። እቶም እተመርዓዉኸ፧ ብዙሓት ዝሙት ይፍጽሙ። ኣብ ሓዳሮም ጥልመት እኳ እንተ ዘየለ: ሓያሎ ውልቀ-ሰባት ምስ ካልእ ንኺነብሩ ኢሎም ኪፋትሑ ወይ ኪፈላለዩ መገድታት ይደልዩ። ሰይጣን ንሰባት ነቲ ሕጂ ኺረኽብዎ ዚኽእሉ ሓጐስ ብምባል ኣብ ርእሶምን ኣብ ካልኦትን ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ውዒሉ ሓዲሩ ምስ የሆዋን ምስ ወዱን ኣብ ዘለዎም ርክብ እውን ከይተረፈ ዜምጽኣሎም ሳዕቤን ዕሽሽ ከም ዚብልዎ ብምግባር: ረቂቕ ሜላ እዩ ዚጥቀም።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ ገላትያ 6:7, 8

10. ሰይጣን ንጾታዊ ርኽሰትን ንዓመጻን ዝነበረና ኣረኣእያ ብኸመይ እዩ ኪቕይሮ ዚጽዕር፧

10 ካልእ ብባህሪና እንብህጎ ነገር ምዝንጋዕ እዩ። እቲ እንዘናግዓሉ መገዲ ጥዑይ ምስ ዚኸውን: ብኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን መዳይ የሐድሰና። እንተዀነ ግን: ሰይጣን ብጕርሑ ነቲ እንዛነየሉ ኣጋጣሚታት ነተሓሳስባና ኻብ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ንምርሓቕ ኪጥቀመሉ ኸሎ እንታይ ኢና እንገብር፧ ንኣብነት: የሆዋ ጾታዊ ርኽሰትን ዓመጻን ከም ዚጸልእ ንፈልጥ ኢና። ፊልምታት: መደባት ተለቪዥን: ወይ ተዋስኦታት ነዚ ዜርኢ ምስ ዚኸውን: ዋላ ሓንቲ ስጕምቲ ኸይወሰድና ኾፍ ኢልና ዲና እንርኢ፧ ሰይጣን ኣብ መዓሙቝ ዚእሰረሉ እዋን እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ: ንመዘናግዒታት ብዝያዳ ኸም ዜበላሽዎ እውን ኣይንረስዕ። ከመይሲ: “እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም።” (2 ጢሞቴዎስ 3:13፣ ራእይ 20:1-3) ስለዚ: ወትሩ ኻብ ውዲት ሰይጣን ክንጥንቀቕ ኣሎና።—ዘፍጥረት 6:13፣ መዝሙር 11:5፣ ሮሜ 1:24-32

11. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓተታ መናፍስቲ እንታይ ከም ዚብል ዚፈልጥ ሰብ: እንተ ዘይተጠንቂቑ ብኸመይ እዩ ኣብ መፈንጠራ ኺወድቕ ዚኽእል፧

11 ብዘይካዚ: እቶም ከም እኒ መውደቕቲ ዛዕጐል: ጠንቈልቲ: ምስ ምዉታት ዚዘራረቡ: ወይ ኣብ ካልእ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ሓተታ መናፍስቲ ዚጥሕሉ ዘበሉ ብየሆዋ ፍንፉናት ምዃኖም ንፈልጥ ኢና። (ዘዳግም 18:10-12) ነዚ ንፈልጥ እንተደኣ ዄንና: ነቶም ምስ መናፍስቲ ዚዘራረቡ ኼድና ኣይነማኽሮምን ኢና። እቲ ጋኔናዊ ተግባራቶም ንኺፍጽሙ ድማ ኣብ ቤትና ኣይንቕበሎምን ኢና። እንተዀነ ግን: ኣብ ተለቪዥንና ወይ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እንተ ቐሪቦም ንሰምዖም ዲና፧ ፈውሲ ንኽንረክብ ኢልና ናብ ጠንቋሊ እኳ እንተ ዘይከድና: ንቘልዓ ኻብ ሕማም ምእንቲ ኪከላኸለሉ ኢልና ኽታብ ንኣስረሉ ዲና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንስራይ ከም ዚዅንን እናፈለጥና: ሓደ ኽኢላ ነእምሮና ኺቈጻጸሮ ነፍቅደሉ ዲና፧—ገላትያ 5:19-21

12. (ሀ) ሙዚቃ ነቲ ጌጋ ምዃኑ እንፈልጦ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮና ንምእታው ብኸመይ የገልግል፧ (ለ) ሓደ ሰብ ነቶም የሆዋ ዘይፈትዎ ናብራ ዚነብሩ ሰባት ከም ዜድንቕ: በከዳድናኡ: በመሻሽጣኡ: ወይ በዘራርባኡ ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧ (ሐ) ኣደዳ ውዲት ሰይጣን ንኸይንኸውን እንታይ ክንገብር እዩ ዘሎና፧

12 መጽሓፍ ቅዱስ ምንዝርን ኵሉ ርኽሰትን (ብኽፍኣት) ኣባና ኸቶ ኺስማዕ ከም ዘይብሉ ይነግረና እዩ። (ኤፌሶን 5:3-5) እዚ ጕዳያት እዚ ብባህ ዜብልን ዚምስጥን ሙዚቃ ተሰንዩ ምስ ዚቐርበልና ንሰምዖ ዲና፧ ነቲ ኻብ ሓዳር ወጻኢ ዚግበር ጾታዊ ርክብ: ሓሽሽ ምውሳድ: ከምኡውን ካልእ ሓጥእ ተግባራት ዚምጕስ ቃላቱ ንደግሞ ዲና፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ንዝጠሓሉ ሰባት በነባብራኦም ክንመስሎም ከም ዘይብልና እናፈልጥና ኽነስና: ኣከዳድናኦም: ኣመሻሽጣኦም: ወይ ኣዘራርባኦም ብምቕዳሕ ንመስሎም ዲና፧ እቲ ሰይጣን: ሰባት ነቲ ብልሹው ኣተሓሳስባኡ ምእንቲ ኺስዕቡ ዜታልለሉ ሜላታት ኣዝዩ ረቂቕ እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:3, 4) ኣደዳ እቲ ውዲቱ ምእንቲ ኸይንኸውን: በዛ ዓለም ከይንሰሓብ ክንጥንቀቕ ኣሎና። “ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለም” መን ምዃኖም ወትሩ ኽንዝክርን ንኸይጸልዉና ኣበርቲዕና ኽንቃለስን እዩ ዘሎና።—1 ጴጥሮስ 5:8

ሰዓርቲ ንምዃን እተዓጥቁ

13. ዘይፍጹማት ክነስና ነዛ ሰይጣን ዝገዛኢኣ ዓለም ክንስዕራ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ንሃዋርያቱ “ኣጆኹም: ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” በሎም። (ዮሃንስ 16:33) ንሳቶምውን ኪስዕሩ ይኽእሉ እዮም። ኣስታት 60 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ሃዋርያ ዮሃንስ “ንዓለም ዚስዕራኸ: እቲ ንየሱስ: ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚአምኖ እንተ ዘይኰይኑስ: መን እዩ፧” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 5:5) ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ንትእዛዛት የሱስ ብምሕላውን ከምቲ ንሱ ባዕሉ ዝገበሮ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብምምርኳስን እያ እትርአ። እንታይ ካልእ ነገርከ ኸነማልእ የድልየና፧ ካብታ ክርስቶስ ርእሳ ዝዀነ ጉባኤ ወይ ማሕበር ክንርሕቕ የብልናን። ሓጢኣት ምስ እንፍጽም: ካብ ልብና ኽንንሳሕን ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ካብ ኣምላኽ ሕድገት ሓጢኣትና ንኽንረክብ ክንጽዕርን ኣሎና። በዚ ኸምዚ ኸኣ ዘይፍጹማትን እንጋገን እኳ እንተ ዀንና: ሰዓርቲ ኽንከውን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 130:3, 4

14. ኤፌሶን 6:13-17 ኣንብብ: ነቲ ኣብዛ ሕጡብ ጽሑፍ ቀሪቡ ዘሎ ሕቶታትን ጥቕስታትን ከኣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል እቲ መንፈሳዊ ኣጽዋር ብኸመይ ከም እትርባሕ ንምምይያጥ ተጠቐመሉ።

14 ዕዉታት ንኽንከውን ንዋላ ሓደ ኻብቲ ኣጽዋር ዕሽሽ ከይበልና “ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ” ክንለብስ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስካ ኣብ ኤፌሶን 6:13-17 ገንጺልካ እዚ ኣጽዋር እዚ እንታይ ምዃኑ እሞ ኣንብብ። ድሕሪኡ: ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሕቶታት ብምምላስ: ነፍሲ ወከፍ ክፋል እቲ ኣጽዋር ብኸመይ ኪጠቕመካ ኸም ዚኽእል ሕሰብ።

“ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም”

ንሓቂ እኳ እንተ ፈለጥናያ: ኣዘውቲርና ምስ እነጽንዕ: ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምስ እነስተንትን: ከምኡውን ኣብ ኣኼባ ምስ እንእከብ ዕቝባ ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧ (1 ቈረንቶስ 10:12, 13፣ 2 ቈረንቶስ 13:5፣ ፊልጲ 4:8, 9)

“ድርዒ ጽድቂ”

ጽድቃዊ ስርዓታት መን እዩ ኼውጽኦ ዚግባእ፧ (ራእይ 15:3)

ነቲ ጽድቃዊ መገድታት የሆዋ ዘይምስዓብ ብኸመይ ንመንፈሳዊ ጕድኣት ከም ዜቃልዕ ግለጽ። (ዘዳግም 7:3, 4፣ 1 ሳሙኤል 15:22, 23)

“ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላው ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም”

ኣእጋርና ኣዘውቲረን ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሰላም ዝገበሮ ምድላው ንሰባት ናብ ምንጋር ዚወስዳና እንተ ዀይነን: ንዓና ዕቝባ ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧ (መዝሙር 73:2, 3፣ ሮሜ 10:15፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:13)

“ዋልታ እምነት”

ድልድልቲ እምነት እንተልያትና: ዜጠራጥር ወይ ዜፍርህ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ኢና እንገብር፧ (2 ነገስት 6:15-17፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:12)

“ናይ ምድሓን ቊራዕ ርእሲ”

ሓደ ሰብ ተስፋ ምድሓን እንተልያቶ: ብዛዕባ ስጋዊ ጥሪት ኣመና ብምጭናቕ ኣብ መፈንጠራ ንኸይወድቕ እትሕግዞ ብኸመይ እያ፧ (1 ጢሞቴዎስ 6:7-10, 19)

“ናይ መንፈስ ሰይፊ”

ኣብ መንፈሳውነትና ወይ ኣብ መንፈሳውነት ካልኦት ከቢድ መጥቃዕቲ ኺወርድ ከሎ: ብምንታይ ኢና እንቃለስ፧ (መዝሙር 119:98፣ ምሳሌ 3:5, 6፣ ማቴዎስ 4:3, 4)

ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ዕዉታት ንኽንከውን እንታይ ካልእ እዩ ዜድልየና፧ ክንደይ ሳዕ ኢና ኽንጥቀመሉ ዘሎና፧ ስለ መን ኢናኸ እንጥቀመሉ፧ (ኤፌሶን 6:18, 19)

15. ኣብ መንፈሳዊ ቓልሲ መጥቃዕቲ እንፍኑ ብኸመይ ኢና፧

15 ዓቀይቶት ክርስቶስ ከም ምዃንና መጠን: ክፍሊ እቲ ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ዚሳተፍ ዘሎ ዓብዪ ሰራዊት ኢና። ንቑሓትን ንብዘሎ እቲ ኣጽዋር ኣምላኽ ብዚግባእ ንጥቀመሉን እንተደኣ ዄንና: ኣብቲ ውግእ ኣይክንሰዓርን ኢና። ኣብ ክንድኡስ ነቶም ብጾትና ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከነበራትዖም ኢና። ነቲ ብዛዕባ እታ ሰይጣን ኣመና ዚጻረራ ኣብ ሰማይ እትርከብ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ብስራት ብምዝርጋሕ መጥቃዕቲ ንምፍናው ድሉዋትን ህንጡያትን ክንከውን ኢና።

መመያየጢ ሕቶታት

• ኣምለኽቲ የሆዋ ኻብ ግጭታት ዓለም ምሉእ ብምሉእ ገለልትነቶም ዚሕልዉ ስለምንታይ እዮም፧

• ገለ ኻብቲ ሰይጣን ንክርስትያናት ብመንፈሳዊ መገዲ ዜውድቐሉ ውዲት እንታይ እዩ፧

• እቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ መንፈሳዊ ኣጽዋር ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ዕቝባ ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 76 ዘሎ ስእልታት]

ኣህዛብ ናብ ኣርማጌዶን ይእከቡ ኣለዉ