ምኽሪ ስማዕ: ተግሳጽ ተቐበል
ምዕራፍ ዓሰርተው ሓሙሽተ
ምኽሪ ስማዕ: ተግሳጽ ተቐበል
1. (ሀ) ኵላትና ምኽርን ተግሳጽን ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ንዚብል ሕቶ ኢና ኽንሓስበሉ ዘሎና፧
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ያእቆብ 3:2 “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና” ይብል። ካብቲ ቓል ኣምላኽ ክንኰኖ ዚምሕጸነና ዝጐደልናሉ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ክንዝክር ንኽእል ኢና። ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ መወዳእታኻ ጥበበኛ ኽትከውንሲ: ምኽሪ ስማዕ: ተግሳጽውን ተቐበል” ኪብል ከሎ ሓቁ ምዃኑ ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና። (ምሳሌ 19:20) ናብራ ህይወትና ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሰማሚዕና ንኽንመላለስ ድሮ ብዙሕ ምትዕርራያት ከም ዝገበርና ኣየጠራጥርን እዩ። ሓደ ክርስትያን ብጻይና ኣብ እተወሰነ መዳይ ምኽሪ እንተደኣ ሂቡና ግን ብኸመይ ኢና እንቕበሎ፧
2. ብብሕቲ ምኽሪ ኺወሃበና ኸሎ ብኸመይ ኢና ኽንቅበሎ ዘሎና፧
2 ገሊኣቶም ምኽሪ ኺወሃቦም ከሎ: መመኽነይታ ይህቡ: ነቲ ጕዳይ የነኣእስዎ: ወይ ካልኦት ተሓተትቲ ኸም ዚዀኑ ገይሮም የቕርቡ። እቲ ዝሓሸ ግን ምኽሪ ምስማዕን ኣብ ግብሪ ምውዓሉን እዩ። (እብራውያን 12:11) ልክዕ እዩ: ዋላ ሓደ ሰብ ካብ ሰባት ፍጽምና ኺጽበ ኸምኡውን ብጢጥ ቅሚጥ ወይ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንብሕታዊ ምርጫ ዝገደፎ ጕዳያት ብቐጻሊ ምኽሪ ኺህብ የብሉን። ምናልባትውን እቲ ምኽሪ ዚህብ ሰብ ንዅሉ ነገራት ኣብ ግምት ኣየእተወን ይኸውን: ነዚ ድማ ብኣኽብሮት ክትሕብሮ ይከኣል እዩ። ካብዚ ቐጺሉ ኣብ ዘሎ ነጥብታት ግን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስካ ግቡእ ምኽሪ ወይ ተግሳጽ ከም እተዋህበ ጌርና እሞ ንውሰዶ። ሓደ ሰብ ነዚ ብኸመይ ኪቕበሎ ኣለዎ፧
ማዕዳ ኺወሃበና ኸሎ ኽንዝክሮ ዘሎና ኣብነታት
3, 4. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ንምኽርን ተግሳጽን ብዚምልከት ቅኑዕ ኣረኣእያ ንኸነማዕብል ዚሕግዘና እንታይ ነገራት እዩ ሒዙ ዘሎ፧ (ለ) ንጉስ ሳኦል ምኽሪ ምስ ተዋህቦ ብኸመይ እዩ ተቐቢልዎ: እዚኸ እንታይ ኣስዓበሉ፧
3 ቃል ኣምላኽ ኣድላዪ ምኽሪ ብዛዕባ እተዋህቦም ውልቀ-ሰባት ዚገልጽ ኣብ ህይወት ዘጋጠመ ናይ ሓቂ ተመክሮታት ዝሓዘ እዩ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ምኽሪ ብተግሳጽ እተሰነየ እዩ ነይሩ። ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምኽሪ እተዋህቦ ውልቀ-ሰብ ሳኦል ንጉስ እስራኤል ነበረ። እዚ ንጉስ እዚ የሆዋ ንህዝቢ ኣማሌቅ ብዚምልከት ዝሃቦ ትእዛዝ ኣየኽበረን። ኣማሌቃውያን ነገልገልቲ ኣምላኽ ዚጻረሩ ብምንባሮም: የሆዋ ንሳቶም ኰኑ ማሎም ንኺጥፍኡ እዩ ፈሪድዎም። ንጉስ ሳኦል ግን ንንጉሶምን ነተን ዘዝበለጻ እንስሳታትን ነሓፈ።—1 ሳሙኤል 15:1-11
4 የሆዋ ብነብዪ ሳሙኤል ገይሩ ንሳኦል ገንሖ። ሳኦል ነቲ ተግሳጽ ብኸመይ ተቐበሎ፧ ንኣማሌቃውን ከም ዝሰዓሮም ንንጉሶም ግን ብህይወት ኪሓድጎ ኸም ዝወሰነ ተዛረበ። ይኹን እምበር: እዚ ምስቲ የሆዋ ዝሃቦ ትእዛዝ ዚጻረር እዩ ነይሩ። (1 ሳሙኤል 15:20) መሊሱ ኸኣ ነተን ማል ዝሓደገሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ: “ነቶም ህዝቢ ፈሪሄ ቃሎም . . . ተአዘዝኩ” ብምባል ነቲ ጕድለቱ ናብቶም ህዝቢ ኼላግቦ ፈተነ። (1 ሳሙኤል 15:24) ንሳሙኤል ኣብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ንኬኽብሮ ምሕታቱ: ብዛዕባ ኽብሩ ጥራይ ይሓስብ ምንባሩ እዩ ዜመልክት። (1 ሳሙኤል 15:30) ኣብ መወዳእታ: የሆዋ ንሳኦል ከይነግስ ነዓቖ ወይ ነጸጎ።—1 ሳሙኤል 16:1
5. ንጉስ ዑዝያ እተዋህቦ ምኽሪ ምቕባል ምስ ኣበየ እንታይ ኣጋጠሞ፧
5 ዑዝያ ንጉስ ይሁዳ “ናብቲ መቕደስ እግዚኣብሄር አትዩ: ኣብቲ መሰውኢ ዕጣን ኪዐጥን ኢሉ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ በደሎ።” (2 ዜና መዋእል 26:16) ዕጣን ኪዓጥኑ ዚፍቐደሎም ዝነበረ ግን ካህናት ጥራይ እዮም ነይሮም። እቲ ሊቀ ኻህናት ንዑዝያ ደው ኬብሎ ምስ ፈተነ: እቲ ንጉስ ተቘጥዐ። ድሕሪኡኸ እንታይ ኣጋጠሞ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ግምባሩ ለምጺ ወጸቶ። . . . እግዚኣብሄር ስለ ዝቐጽዖ . . . ንጉስ ዑዝያ ድማ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ለምጻም ነበረ” ይብለና።—2 ዜና መዋእል 26:19-21
6. (ሀ) ሳኦልን ዑዝያን ምኽሪ ምቕባል ዝኣበዩ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ኣብዚ ግዜና ምኽሪ ዘይምቕባል ከቢድ ጸገም ኰይኑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
6 ሳኦልን ዑዝያን ምኽሪ ምቕባል ዝኣበዩ ስለምንታይ እዮም፧ እቲ ቐንዲ ሽግሮም ትዕቢት እዩ ነይሩ። ክልቲኦም ካብቲ ዚግባእ ንላዕሊ ንርእሶም ክብ ኣቢሎም ይርእዩ ነበሩ። ብዙሓት ብሰንኪ እዛ ባህሪ እዚኣ ኣብ ርእሶም ጓሂ እዮም ዜምጽኡ። ምኽሪ ምስ ዚቕበሉ ጕድለት ከም ዘለዎም ዜመልክት ወይ ንስሞም ዜበላሹ ዀይኑ ይስምዖም። ከም ሓቂ ግን ትዕቢት ድኻም እያ። ናይ ሰብ ኣተሓሳስባ ጋሪዳ ነቲ የሆዋ ብቓሉን ብማሕበሩን ኣቢሉ ዚህቦ ሓገዝ ከም ዘይቅበል ትገብሮ። ስለዚ ድማ የሆዋ “ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ: ንውድቀት ከኣ ኵርዓት” ብምባል የጠንቅቐና።—ምሳሌ 16:18፣ ሮሜ 12:3
ምኽሪ ምቕባል
7. ካብቲ ሙሴ ንእተዋህቦ ምኽሪ እተቐበለሉ መገዲ እንታይ ሃናጺ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧
7 ቅዱሳት ጽሑፋት ምኽሪ ብምቕባል ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ዚዀኑና ሰባት ይነግረና እዩ። ካብ ኣብነቶም ክንመሃር ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ሙሴ ንውሰድ። ሓደ እዋን ነቲ ሙሴ እተሰከሞ ኸቢድ ሓላፍነት ብኸመይ ኬመሓድሮ ኸም ዘለዎ ሓሙኡ ምኽሪ ሃቦ። ሙሴ ንሓሙኡ ሰምዖ: ብኡንብኡ ድማ ነቲ ምኽሪ ዓየየሉ። (ዘጸኣት 18:13-24) ዓብዪ ስልጣን እኳ እንተ ነበሮ: ተቐባሊ ምኽሪ ዝነበረ ግን ስለምንታይ እዩ፧ ትሑት ስለ ዝነበረ እዩ። “ሙሴ፥ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ትሕትና ዝመልኦ ሰብ ነበረ።” (ዘሁልቍ 12:3 ትርጕም 1990) ትሕትና ኽሳዕ ክንደይ እያ ኣገዳሲት፧ ጸፎንያስ 2:3 ናይ ሞትን ህይወትን ጕዳይ ምዃና እያ እትገልጽ።
8. (ሀ) ዳዊት እንታይ ሓጢኣት እዩ ዝፈጸመ፧ (ለ) ዳዊት ነቲ ኻብ ናታን እተዋህቦ መግናሕቲ ብኸመይ እዩ ተቐቢልዎ፧ (ሐ) ዳዊት ዝፈጸሞ ሓጢኣት እንታይ ሳዕቤን ነበሮ፧
8 ንጉስ ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝሙት ፈጸመ: ንኡርያ ሰብኣያ ኸም ዚቕተል ብምግባር ድማ ነቲ ሓጢኣቱ ኺሽፍኖ ፈተነ። የሆዋ ንዳዊት ንምግናሕ ንነብዪ ናታን ለኣኸሉ። ዳዊት ድማ ተነስሐ: ቀልጢፉውን “ንእግዚኣብሄር በደልኩ” ኢሉ ሓጢኣቱ ተኣመነ። (2 ሳሙኤል 12:13) ኣምላኽ ነቲ ዳዊት ዘርኣዮ ነስሓ እኳ እንተ ተቐበሎ: ካብቲ እቲ ኣበሳ ዜምጽኣሉ ሳዕቤን ግን ኣየናገፎን። ‘ሴፍ ካብ ቤቱ ኸም ዘየግልስ:’ ኣንስቱ ‘ንብጻዩ’ ኸም ዚወሃባ: እቲ ብዝሙት እተወልደ ወዲ ኸኣ “ርግጽ ኪመውት” ምዃኑ የሆዋ ነገሮ።—2 ሳሙኤል 12:10, 11, 14
9. ምኽሪ ወይ ተግሳጽ ኪወሃበና ኸሎ እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧
9 ንጉስ ዳዊት ንእተዋህቦ ቕኑዕ ምኽሪ ምስማዕ እንታይ ጥቕሚ ኸም ዜምጽኣሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ንኣምላኽ ምኽሪ ዚህቦ ስለ ዝሰደደሉ ኣመስጊንዎ እዩ። (1 ሳሙኤል 25:32-35) ንሕናኸ ኸምኡ ዲና፧ ከምኡ እንተደኣ ዄንና: ኬጣዕሰና ዚኽእል ነገራት ካብ ምዝራብ ኰነ ኻብ ምግባር ክንሕሎ ኢና። ይኹን እምበር: ምኽሪ ወይ ተግሳጽ ምስ ዚወሃበና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ የሆዋ ንዘለኣለማዊ ድሕንነትና ኣብ ግምት ብምእታው ፍቕሩ ዚገልጸልና መገዲ ምዃኑ ኣይንረስዕ።—ምሳሌ 3:11, 12፣ 4:13
ከነማዕብለን ዘሎና ብዋጋ ዘይሽነና ባህርያት
10. ነቶም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚኣትዉ ኣድላዪት ዝዀነት እንታይ ባህሪ እዩ የሱስ ዝጠቐሰ፧
10 ምስ የሆዋን ምስ ክርስትያናት ኣሕዋትናን ጽቡቕ ርክብ ንኺህልወና: እተወሰነ ባህርያት ከነማዕብል ኣሎና። የሱስ ንሓደ ቘልዓ ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ደው ኣቢሉ “እንተ ዘይተመለስኩም: ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም: ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትአትዉ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት: ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ” ብምባል ንሓደ ኻብዚ ባህርያት እዚ ኣጕልሐ። (ማቴዎስ 18:3, 4) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ መኖም ከም ዚዓቢ ይከራኸሩ ብምንባሮም: ትሕትና ኼማዕብሉ የድልዮም ነበረ።—ሉቃስ 22:24-27
11. (ሀ) ምስ መን ኣብ ዘሎና ርክብ እውን ኢና ትሑታት ክንከውን ዘሎና: ስለምንታይከ፧ (ለ) ትሑታት እንተ ዄንና: ምኽሪ ኺወሃበና ኸሎ ብኸመይ ኢና እንቕበሎ፧
11 ሃዋርያ ጴጥሮስ “ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ: ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ: ትሕትና ተዐጠቑ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 5:5) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሑታት ክንከውን ከም ዘሎና ንፈልጥ ኢና: እዛ ጥቕሲ እዚኣ ግን ምስ ክርስትያናት ብጾትና ኣብ ዘሎና ርክብ እውን ትሑታት ክንከውን ከም ዘሎና እያ እትገልጽ። ከምኡ እንተደኣ ዄንና: ካልኦት ቅኑዕ ሓሳባት ኪህቡና ኸለዉ ቕር ኣብ ክንዲ ዚብለና: ካባታቶም ንጥቀም ኢና።—ምሳሌ 12:15
12. (ሀ) ኣየነይቲ ኣገዳሲት ባህሪ እያ ምስ ትሕትና ኣጸቢቓ እትተኣሳሰር፧ (ለ) ኣካይዳና ኣብ ካልኦት ኪህልዎ ዚኽእል ጽልዋ ኼተሓሳስበና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
12 ንኻልኦት ምሕላይ ምስ ትሕትና ኣጸቢቓ ትተኣሳሰር እያ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር: ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ። . . . እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም: ወይስ እንተ ሰቴኹም: ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም: ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ። ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን: ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኰነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 10:24-33) ጳውሎስ ንዅሉ እቲ ብሕታዊ ምርጫና ኸነወግዶ ዘይኰነስ: ንሓደ ሰብ ሕልናኡ ዘየፍቅደሉ ነገር ንኺገብር ዜተባብዖ ነገራት ከይንገብር እዩ ተማሕጺኑ።
13. ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ልማድ ከም ዘሎና ኺሕብረና ዚኽእል እንታይ ኣብነት እዩ፧
13 ንኻልኦት ሰባት ዚጠቅም ነገራት: ካብ ብሕታዊ ምርጫኻ ንላዕሊ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧ ኵላትና ኸምዚ ንምግባር ክንመሃር ኣሎና። ነዚ ኽንገብረሉ እንኽእል ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ንኣብነት: ኣከዳድናናን ትርኢትናን እሞ ንውሰድ። ኣብዚ መዳይ እዚ: ትሕትና እነንጸባርቕን ጽፉፋትን ጽሩያትን ክንከውን ከም ዘሎና ቕዱሳት ጽሑፋት መሰረታዊ ስርዓት ብምሃቡ: ኣብ ውሽጢ እዚ ስርዓት እዚ ናይ ብሕቲ ምርጫና ኽንገብር እዩ ተገዲፉልና። እንተዀነ ግን: እቲ እትነብረሉ ማሕበረሰብ ነቲ ኣከዳድናኻ ወይ ትርኢትካ ዘይቅበሎ ብምዃኑ: ንገሊኣቶም ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸይሰምዑ ዕንቅፋት ምስ ዚዀኖም ምትዕርራይ ምገበርካዶ፧ ብርግጽ ምገበርካ። ከመይሲ: ካልእ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረክብ ምሕጋዝ: ንርእስኻ ኻብ ምሕጓስ ንላዕሊ ዜገድስ እዩ።
14. ትሕትናን ሓልዮትን ምምዕባል ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
14 የሱስ ትሑት ብምዃንን ንኻልኦት ብምሕላይን ዝመጸ: ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ እውን ከይተረፈ ብምሕጻብ ኣብነት ሰሪዑልና እዩ። (ዮሃንስ 13:12-15) ብዛዕባኡ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል:- “እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ: ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረአዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ: ሰብውን መሰለ: ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ: ክሳዕ ሞት . . . እኳ ደኣ ተአዘዘ።”—ፊልጲ 2:5-8፣ ሮሜ 15:2, 3
ተግሳጽ የሆዋ ኣይትንጸግ
15. (ሀ) ንኣምላኽ ዜሐጕስ ባህርያት ንኸነማዕብል እንታይ ለውጥታት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ለ) የሆዋ ብምንታይ ኣቢሉ እዩ ንዅላትና ምኽርን ተግሳጽን ዚህበና፧
15 ኵላትና ሓጥኣን ስለ ዝዀንና: ባህርያት ኣምላኽ ከነንጸባርቕ እንተደኣ ዄንና: ኣብ ኣረኣእያናን ጠባይናን ለውጥታት ክንገብር ኣሎና። “ሓድሽ ሰብ” ክንለብስ ኣሎና። (ቈሎሴ 3:5-14) ምኽርን ተግሳጽን ነቲ ምትዕርራይ ክንገብረሉ ዜድሊ መዳያትን ነዚ ምትዕርራይ እዚ ብኸመይ ከም እንገብሮን ንኽንፈልጥ እዩ ዚሕግዘና። ቀንዲ ምንጪ እቲ ዜድልየና መምርሒ: መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ብማሕበር የሆዋ እተዳለወ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋትን ኣኼባታትን ከኣ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ይሕግዘና። ዋላ እኳ እቲ ዚወሃበና ምኽሪ ቕድሚ ሕጂ ዝሰማዕናዮ እንተ እንተዀነ: ሕጂውን ከም ዜድልየና ንግንዘብን ክንመሓየሽ ንጽዕርን ዲና፧
16. የሆዋ በብውልቂ እንታይ ሓገዝ እዩ ኣዳልዩልና ዘሎ፧
16 የሆዋ ብፍቕራዊ ሓልዮቱ ተደሪኹ: ኣብ ጸገማትና ይሕግዘና እዩ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ ቤቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺገብሩ ሓገዝ ተዋሂብዎም እዩ። ወለዲ ንውሉዳቶም ጓሂ ልቢ ኻብ ዜምጽእ ነገራት ምእንቲ ኺሕለዉ ምኽርን ተግሳጽን ይህብዎም እዮም። (ምሳሌ 6:20-23) ኣብ ውሽጢ ጉባኤ መብዛሕትኡ ግዜ ገሊኣቶም ክርስትያናት ኣብ ኣገልግሎት ዚገብርዎ ጻዕርታት ምእንቲ ኼመሓይሹ ኻብቶም ተመክሮ ዘለዎም ኣገልገልቲ ምኽሪ ይሓቱ እዮም። ሓድሓደ ግዜ ሽማግለታት ካብ ንሓድሕዶም ወይ ካብቶም ኣብ ኣገልግሎት ተመክሮ ዘለዎም ካልኦት ክርስትያናት ምኽሪ ይሓቱ ይዀኑ። እቶም መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ነቶም ዜድልዮም ሰባት ብህዱእ መንፈስ ምኽሪ ይህቡ እዮም። ምኽሪ ትህብ እንተደኣ ዄንካ: “ንስኻውን ከይትፍተን: ንርእስኻ ተጠንቀቕ።” (ገላትያ 6:1, 2) እወ: ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብሓድነት ንምምላኽ: ንዅላትና ምኽርን ተግሳጽን የድልየና እዩ።
መመያየጢ ሕቶታት
• ብብሕቲ ምትዕርራይ ክንገብረሉ ዜድልየና መዳያት ንኽንፈልጥ የሆዋ ብፍቕሪ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
• ብዙሓት ሰባት ምኽሪ ምቕባል ዚኸብዶም ስለምንታይ እዩ: እዚኸ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ብርዝነት ዚርአ፧
• ኣየኖት ብዋጋ ዘይሽነና ባህርያት እየን: ተቐበልቲ ምኽሪ ንኽንከውን ዚሕግዛና: ኣብዚ መዳይ እዚኸ የሱስ ኣብነት ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 142 ዘሎ ስእሊ]
ዑዝያ ምኽሪ ስለ ዘይሰምዐ: ብለምጺ ተወቕዐ
[ኣብ ገጽ 142 ዘሎ ስእሊ]
ሙሴ ነቲ የትሮ ዝሃቦ ምኽሪ ብምስማዑ ተጠቕመ