ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ

ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ

ምዕራፍ ዓሰርተው ትሽዓተ

ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ

1. (ሀ) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንታይ ብስራት እዮም ዝሰበኹ: ገሊኣቶም ኣይሁድ ግን እንታይ እዮም ዝገበሩ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል፧

 ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መጻኢ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ንጉስ ኪኸውን ተቐብአ። እቶም ሃይማኖታውያን ጸላእቱ ኸም ዚቕተል እኳ እንተ ገበሩ: የሆዋ ግን ካብ ምዉታት ኣተንስኦ። ብየሱስ ኣቢልካ ድማ ዘለኣለማዊ ህይወት ምርካብ ተኻእለ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነዚ ብስራት እዚ ንሰባት ምስ ነገሩ ግን መስጐጕቲ ወረዶም። ገሊኣቶም ተኣስሩ: ተገርፉ: ብዛዕባ የሱስ ከይዛረቡ ድማ ትእዛዝ ተዋህቦም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:1-3, 17፣ 5:17, 18, 40) ንሳቶምከ እንታይ ገበሩ፧ ንስኻኸ እንታይ ምገበርካ፧ ብትብዓት ምሰበኽካዶ፧

2. (ሀ) ኣብዚ ግዜና እንታይ ዜደንቕ ብስራት እዩ ኺንገር ዘለዎ፧ (ለ) ነቲ ብስራት ኪሰብኩ ሓላፍነት ዘለዎም መን እዮም፧

2 ብ1914 የሱስ ክርስቶስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ‘ኣብ ማእከል ጸላእቱ’ ንምግዛእ ኣብ ሰማያዊ ዝፋን ደየበ። (መዝሙር 110:2) ቀጺሉ: ሰይጣንን ኣጋንንቱን ናብ ምድሪ ተደርበዩ። (ራእይ 12:1-5, 7-12) ናይዚ እኩይ ኣገባብ ዳሕሮት መዓልትታት ድማ ጀመራ። እዚ እዋን እዚ ኺውዳእ ከሎ: ኣምላኽ ንብምሉኡ ኣገባብ ሰይጣን ኬጥፍኦ እዩ። (ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 24:21) እቶም ዚድሕኑ ኸኣ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኺረኸቡ እዮም። ነዚ ብስራት እዚ እንተ ኣሚንካሉ: ንኻልኦት ክትነግሮም ትደሊ ኢኻ። (ማቴዎስ 24:14) እንተዀነ ግን: እንታይ ምላሽ ኪህቡኻ ኢኻ እትጽበ፧

3. (ሀ) ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ እዮም ዚቕበልዎ፧ (ለ) እንታይ ንእትብል ሕቶ ኢና መልሲ ኽንህበላ ዘሎና፧

3 ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እትሰብከሉ እዋን: ገሊኣቶም ኪቕበሉኻ ኸለዉ: መብዛሕትኦም ግን ግዲ የብሎምን። (ማቴዎስ 24:37-39) ገሊኣቶም የላግጹልካ ወይ ይጻረሩኻ ይዀኑ። የሱስ ካብ ኣዝማድና እውን ከይተረፈ ምጽራር ኬጋጥመና ኸም ዚኽእል ኣጠንቂቑ እዩ። (ሉቃስ 21:16-19) ኣብ ስራሕካ ወይ ኣብ ቤት ትምህርትኻ እውን ምጽራር ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። አረ ኣብ ገሊኣተን ሃገራት እሞ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመንግስቲ ተኣጊዶም እዮም ዘለዉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ: ‘ኣብ እምነት ጸኒዕካ’ ቓል ኣምላኽ ብትብዓት ትዛረብ ዲኻ፧—1 ቈረንቶስ 16:13

ኣብ ሓይልና ኣይንጸጋዕ

4. (ሀ) እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንምዃን እንታይ መሰረታዊ ነገር እዩ ዜድልየና፧ (ለ) ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ገለ ኻብቲ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ንምዃን ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት: ኣብቲ ንሱ ዝገበሮ ምድላዋት ምጽጋዕ እዩ። ሓደ ኻብዚ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኪጥቀስ ይከኣል። ቅዱሳት ጽሑፋት ኣኼባና ዕሽሽ ንኸይንብል ይላበወና። (እብራውያን 10:23-25) እቶም ወትሩ እሙናት መሰኻኽር የሆዋ ዀይኖም ዚቕጽሉ: ምስ ብጾቶም ዝዀኑ ኣምለኽቲ ኣዘውቲሮም ኣብ ኣኼባ ንምእካብ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎና ፍልጠት ይውስኽ። ብዛዕባ እቲ ኣጸቢቕና እንፈልጦ ሓቅታት ዘሎና ምርዳእ ይዓቢ: ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ድማ ዝያዳ ፍልጠት ይህልወና። ሓድነት ኣምልኾ ስለ ዘሎና: ናብ ክርስትያናት ኣሕዋትና ብዝያዳ ንቐርብ: ፍቓድ ኣምላኽ ንኽንገብር ድማ ብርታዐ ንረክብ። መንፈስ የሆዋ ብጉባኤ ኣቢሉ እዩ መምርሒ ዚህበና: የሱስ እውን በቲ መንፈስ እቲ ኣቢሉ ኣብ ማእከልና ይህሉ።—ማቴዎስ 18:20፣ ራእይ 3:6

5. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣብ ዝዀኑሉ እዋን: ኣኼባታት ብኸመይ እዩ ዚግበር፧

5 ኣዘውቲርካ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ትእከብ ዲኻ: ነቲ ኣብኡ ዝሰማዕካዮኸ ኣብ ግብሪ ተውዕሎ ዲኻ፧ ሓድሓደ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣብ ዝዀኑሉ እዋን: በብሒደት ኰይኖም ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ኣኼባታት ኪገብሩ ይግደዱ እዮም። እቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታን ግዜን ይቀያየር: ገሊኡ ኣኼባታት ምስ መሰየ ስለ ዚግበር እውን ዘይጥዕም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዋላ እኳ ዘይጥዕም ወይ ሓደገኛ እንተዀነ: እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ንኺእከቡ ብዙሕ እዮም ዚጽዕሩ።

6. ኣብ የሆዋ ኸም እንጽጋዕ ብኸመይ ኢና እነርኢ: እዚኸ ወትሩ ብትብዓት ንኽንዛረብ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

6 ሓገዝ ኣምላኽ ከም ዜድልየና ኣፍልጦ ብምሃብ ኣዘውቲርና ልባዊ ጸሎት እነቕርበሉ እንተደኣ ዄንና: ናብ የሆዋ እናተጸጋዕና ኢና እንኸይድ። ንስኻኸ ከምኡ ትገብርዶ ኢኻ፧ የሱስ ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ብተደጋጋሚ እዩ ዚጽሊ ነይሩ። (ሉቃስ 3:21፣ 6:12, 13፣ 22:39-44) ድሮ እታ እተቐትለላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት ንደቀ መዛሙርቱ “ናብ ፈተና ኸይትአትዉ: ንቕሑ ጸልዩውን” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ማርቆስ 14:38) ሰባት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይግደሱ እንተደኣ ዀይኖም: ኣብ ኣገልግሎትና ንኽንዝሕትል ፈተና ኪዀነና ይኽእል እዩ። ሰባት እንተ ኣላጊጾምልና ወይ እንተ ሰጒጎምና: ካብዚ ጸገማት እዚ ንምምላጥ ስብከትና ኸነቋርጽ ንፍተን ንኸውን። እንተዀነ ግን: ወትሩ ብትብዓት ምእንቲ ኽንዛረብ መንፈስ ኣምላኽ ንኺወሃበና ልባዊ ጸሎት እንተደኣ ኣቕሪብና: በዚ ፈተናታት እዚ ንኸይንስነፍ ዕቝባ ንረክብ ኢና።—ሉቃስ 11:13፣ ኤፌሶን 6:18-20

ጸብጻብ እቲ ብትብዓት እተዋህበ ምስክርነት

7. (ሀ) ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ ጸብጻብ ብፍላይ ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ኣብኡ ዘሎ ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዚጠቕመና እናኣጕላሕካ: ነቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ሕጡብ ጽሑፍ ዚርከብ ሕቶታት መልስ።

7 ብፍላይ እቲ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ ጸብጻብ ንዅላትና የገድሰና እዩ። እቶም ከምዚ ኸማና ስምዒታት ዝነበሮም ሃዋርያትን ካልኦት ቀዳሞት ደቀ መዛሙርትን ንዜጋጠሞም ዕንቅፋታት ብኸመይ ከም ዝሰገርዎ: ከመይ ገይሮም እውን ተባዓትን እሙናትን መሰኻኽር የሆዋ ኸም ዝዀኑ ይገልጸልና። እምበኣር: በዚ ዚስዕብ ሕቶታትን ጥቕስታትን ጌርና ገለ ኽፋል እቲ ጸብጻብ ንመርምር። ነዚ ኽንገብር ከለና: ካብቲ እነንብቦ ብኸመይ ብብሕቲ ኽንጥቀም ከም እንኽእል ንሕሰብ።

እቶም ሃዋርያት ልዑል ደረጃ ትምህርቲ ዝነበሮም ድዮም ነይሮም፧ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ ብባህሪኦም ዘይፈርሁ ወልቀ-ሰባት ድዮምከ ነይሮም፧ (ዮሃንስ 18:17, 25-27፣ 20:19፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:13)

ጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ እቲ ንወዲ ኣምላኽ ዝፈረዶ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ብትብዓት ኪዛረብ ዘኽኣሎ እንታይ እዩ፧ (ማቴዎስ 10:19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:8)

እቶም ሃዋርያት ኣብ ቅድሚ ሳንሄድሪን ቅድሚ ምቕራቦም ኣብ ዝነበረ ሰሙናት እንታይ እዮም ኪገብሩ ቐንዮም፧ (ግብሪ ሃዋርያት 1:14፣ 2:1, 42)

እቶም መራሕቲ ነቶም ሃዋርያት ብስም የሱስ ንኸይሰብኩ ምስ ኣዘዝዎም: ጴጥሮስን ዮሃንስ እንታይ ኢሎም መለሱ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 4:19, 20)

እቶም ሃዋርያት ምስ ተፈትሑ: ካብ መን እዮም ሓገዝ ዝደለዩ፧ እቲ መስጐጕቲ ንኼቋርጽ ድዮም ጸልዮም: ወይስ እንታይ እዮም ኢሎም፧ (ግብሪ ሃዋርያት 4:24-31)

ተጻረርቲ ነቲ ዕዮ ስብከት ደው ኬብልዎ ምስ ጸዓሩ: የሆዋ ኸመይ ገይሩ እዩ ሓገዙ ዝሃበ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 5:17-20)

እቶም ሃዋርያት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጹሉ ምኽንያት ከም እተረድኦም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ (ግብሪ ሃዋርያት 5:21, 41, 42)

ሓያሎ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቲ ብሰንኪ መስጐጕቲ ፋሕ ምስ በሉ: እንታይ ምግባር እዮም ዝቐጸሉ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 8:3, 4፣ 11:19-21)

8. እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ኻብ ዝፈጸምዎ ኣገልግሎት እንታይ ዜሐጕስ ፍረ እዩ ተረኺቡ: ንሕናኸ ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ኽንሳተፍ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

8 እቲ ስብከት ብስራት ንኸንቱ ኣይነበረን። ብጴንጠቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣስታት 3,000 ደቀ መዛሙርቲ ተጠምቁ። “ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ ዚአምኑ ይውሰኽዎም ነበሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:41፣ 4:4፣ 5:14) ጸኒሑ: እቲ ብርቱዕ ሰጓጒ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበረ ሳውል ብዓል ጠርሴስ እውን ከይተረፈ ክርስትያን ኰነ: ብዛዕባ ሓቂ ድማ ብትብዓት ኪምስክር ጀመረ። ሃዋርያ ጳውሎስ ተባሂሉ እውን ተጸውዐ። (ገላትያ 1:22-24) እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝጀመረ ዕዮ ኣየቋረጸን። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት ዝያዳ ሓይሊ ብምውሳኽ ኣብ ኵሉ ኽፍልታት ምድሪ በጺሑ ኣሎ። ንሕናውን ኣብዚ ዕዮ እዚ ናይ ምስታፍ ፍሉይ መሰል ኣሎና። ኣብኡ ኽንሳተፍ ከለና ኸኣ ካብቲ እቶም ቅድሜና ዝነበሩ እሙናት መሰኻኽር ዝገደፍዎ ኣብነት ክንመሃር ንኽእል ኢና።

9. (ሀ) ጳውሎስ ንምምስካር ዚጥቀመሉ ዝነበረ ኣጋጣሚታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ንስኻኸ ብኸመይ ዝበለ መገድታት ኢኻ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትዝርግሕ፧

9 ጳውሎስ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ሓቂ ምስ ፈለጠ: እንታይ እዩ ዝገበረ፧ “ብኡብኡ . . . ብዛዕባ የሱስ: ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ሰበኸ።” (ግብሪ ሃዋርያት 9:20) ነቲ ኣምላኽ ዘርኣዮ ዘይበቕዖ ሕያውነት የማስወሉ ነበረ: ነቲ እተቐበሎ ብስራት ኵሉ ሰብ ኪሰምዖ ኸም ዜድልዮ ድማ ኣስተውዓለ። ጳውሎስ ኣይሁዳዊ እዩ ነይሩ: ብመሰረት እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ልማድ ድማ ምስክርነት ንምሃብ ናብ ቤት ጸሎት እዩ ኸይዱ። ብዘይካዚ: ካብ ቤት ናብ ቤት ይሰብኽ: ነቶም ኣብ ዕዳጋ ዚረኽቦም ሰባት እውን የረድኦም ነበረ። ነቲ ብስራት ንኺሰብኽ ኢሉ ናብ ሓድሽ ዞባታት ኪግዕዝ ከኣ ፍቓደኛ ነበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:17፣ 20:20፣ ሮሜ 15:23, 24

10. (ሀ) ጳውሎስ ምስክርነት ኪህብ ከሎ ተባዕ ጥራይ ዘይኰነስ: መስተውዓሊ እውን ምንባሩ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ነዝማድና: ንመሳርሕትና: ወይ ንመማህርትና ኽንምስክር ከለና: ነዚ ባህርያት ጳውሎስ ከነንጸባርቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ጳውሎስ ተባዕ ጥራይ ዘይኰነስ መስተውዓሊ እውን እዩ ነይሩ። ንሕናውን ከምኡ ኽንከውን እዩ ዚግብኣና። ንኣይሁድ በቲ ኣምላኽ ነቦታቶም ዝኣተዎ መብጽዓ ገይሩ እዩ ተማሕጺንዎም። ንግሪኻውያን በቲ ዚፈልጥዎ ነገራት ገይሩ እዩ ኣዘራሪብዎም። ሓድሓደ ግዜ ነቲ ሓቂ ኺፈልጥ ከሎ ዘጋጠሞ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮ ምስክርነት ንምሃብ ይጥቀመሉ ነበረ። “እዚ ዅሉ ምእንቲ ወንጌል: ንርእሰይውን ካብኡ ኽካፈል ኢለ እየ ዝገብሮ ዘሎኹ” ድማ በለ።—1 ቈረንቶስ 9:20-23፣ ግብሪ ሃዋርያት 22:3-21

11. (ሀ) ጳውሎስ ምስቶም ተጻረርቲ ብተደጋጋሚ ንኸይገታተር እንታይ እዩ ዝገበረ፧ (ለ) ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢና ነቲ ጳውሎስ ዝገደፎ ኣብነት ብጥበብ ክንቀድሖ እንኽእል: ብኸመይከ፧ (ሐ) እቲ ወትሩ ብትብዓት ንኽንዛረብ ዜኽእለና ሓይሊ ኻበይ እዩ ዚመጽእ፧

11 ጳውሎስ ምጽራር ኬጋጥሞ ኸሎ እሞ ኣብ ካልእ ቦታ ምስባኽ ዝሓሸ መሲሉ ኣብ እተራእዮ እዋን: ምስቶም ተጻረርቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ክንዲ ዚገታተር ናብ ካልእ ቦታ እዩ ግዒዙ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:5-7፣ 8:5-7፣ ሮሜ 12:18) ኰይኑ ግን: በቲ ወንጌል ወይ ብስራት ከቶ ኣይሓፍርን እዩ ነይሩ። (ሮሜ 1:16) ተጻረርቱ የዋርድዎ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ሓይሊ ይጥቀሙ እኳ እንተ ነበሩ: ስብከቱ ንምቕጻል ‘ብኣምላኽ ተብዐ።’ “እቲ ስብከት ብኣይ ምእንቲ ኺምላእ: ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኺሰምዑ ግና: ጐይታ ቘመለይ: ኣበርትዓኒ” እውን በለ። (1 ተሰሎንቄ 2:2፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:17) እቲ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ የሱስ: ነቲ ኣብዚ ግዜና ኺፍጸም ምዃኑ እተዛረበሉ ዕዮ ንኽንገብሮ ዜድልየና ሓይሊ ኻብ ምሃብ ዓዲ ኣይወዓለን።—ማርቆስ 13:10

12. ተባዓት ክርስትያናት ምዃንና መርትዖ ዚኸውን እንታይ እዩ: ነዚ መሰረት ዚዀነናኸ እንታይ እዩ፧

12 ከምቲ የሱስን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኻልኦት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽን ዝገበርዎ: ንሕናውን ቃል ኣምላኽ ወትሩ ብትብዓት ንኽንዛረብ ዚድርኸና ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎና። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ዘይንሓሊ ኽንከውን ወይ ነቲ መልእኽቲ ነቶም ዘይደልይዎ ብሓይሊ ኽንነግሮም ኣሎና ማለት ኣይኰነን። የግዳስ: ሰባት ተገዳስነት ዘይብሎም ብምዃኖም ኣይንሕለልን: ብሰንኪ ምጽራር እውን ካብ ምዝራብ ኣይነቋርጽን። ልክዕ ከም የሱስ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኵላ ምድሪ ኽትገዝእ ከም ዚግባእ ንሕብር። ነቲ ናይ ኵሉ ፍጥረት ሉዓላዊ ዝዀነ የሆዋ ስለ እንውክሎ: እቲ እንእውጆ መልእኽቲ ድማ ካብኡ ደኣ እምበር ካባና ስለ ዘይኰነ: ብምትእምማን ኢና እንዛረብ። እታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ንኽንውድሶ ልዕሊ ዅሉ ድራኸ እተሕድረልና ኽትከውን ኣለዋ።—ፊልጲ 1:27, 28፣ 1 ተሰሎንቄ 2:13

መመያየጢ ሕቶታት

• እቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተኻእለና መጠን ንዅሉ ሰብ ክንነግር ዘሎና ስለምንታይ ኢና: እንታይ ምላሽ ግን ኢና እንጽበ፧

• ንየሆዋ ንምግልጋል ኣብ ሓይልና ኸም ዘይንጽጋዕ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ካብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት እንታይ ጠቓሚ ትምህርትታት ኢና እንረክብ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 173 ዘሎ ስእልታት]

ልክዕ ከምቶም ናይ ቀደም: ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ቃል ኣምላኽ ብትብዓት እዮም ዚዛረቡ