ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለ’

‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለ’

ምዕራፍ ዓሰርተው ሓደ

‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለ’

1. (ሀ) የሱስ ነቶም ሰማዕቱ ቕድም መንግስቲ ኣምላኽ ኪደልዩ እተማሕጸኖም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ኢልና ኢና ንርእስና ኽንሓትት ዘሎና፧

 ልዕሊ 1,900 ዓመት ይገብር: የሱስ ኣብ ገሊላ ኣብ ዝሃቦ ስብከት “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” በለ። እንተዀነ ግን: እዚ ብህጹጽ ኪግበር ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧ ክርስቶስ ስልጣን መንግስቱ ዚቕበለሉ እዋን ገና ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት ደይኰነን ነይሩ፧ እወ: ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት ስልጣኑ ኪቕበል እኳ እንተ ነበሮ: እታመሲሓዊት መንግስቲ ግን የሆዋ ንሉዓላውነቱ ዜረጋግጸላን እቲ ንምድሪ ዘለዎ ዓብዪ ዕላማኡ ዚፍጽመላን እያ። ዝዀነ ይኹን ንኣገዳስነት እዚ ነገራት እዚ ብሓቂ ዜማስወሉ ሰብ: ነታ መንግስቲ ኣብ ህይወቱ ቐዳማይ ቦታ እዩ ዚህባ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቀዳምነት ኪወሃባ የድሊ ኻብ ነበረ: ኣብዚ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ነጊሱሉ ዘሎ እዋን ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ነዚ ኽንገብሮ ዘይግብኣና! ስለዚ: ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ እደሊ ኸም ዘለኹ ናብራ ህይወተይ የርኢ ድዩ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና።—ማቴዎስ 6:33

2. ሰባት ብሓፈሻ ደድሕሪ እንታይ እዮም ዚስዕቡ ዘለዉ፧

2 ኣብዚ ግዜና ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ይደልዩ ኣለዉ። ህይወቶም ንየሆዋ ድሕሪ ምውፋይ ፍቓዱ ኣብ ምግባር ብምትኳሮም: ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚድግፉ እዮም ዜርእዩ ዘለዉ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: መብዛሕትኦም ደቅሰብ ደድሕሪ ዓለማዊ ነገር እዮም ዚስዕቡ። ሰባት ደድሕሪ ገንዘብን ንሱ ኼምጽኦ ዚኽእል ጥሪትን ተድላን እዮም ዚጐዩ ዘለዉ። ወይ ከኣ ኣብ ሞያኦም ብሉጻት ንኪዀኑ እዮም ብዙሕ ጻዕሪ ዚገብሩ። ኣብ ገዛእ ርእሶም: ኣብ ስጋዊ ጥሪት: ከምኡውን ተድላ ኣብ ምንዳይ ጥራይ ከም ዜተኵሩ: ካብ ናብራ ህይወቶም ኪርአ ይከኣል እዩ። ምናልባት ብኣምላኽ ዚኣምኑ እንተ ዀይኖም እውን: ካልኣይ ቦታ እዮም ዚህብዎ።—ማቴዎስ 6:31, 32

3. (ሀ) የሱስ እንታይ ዓይነት መዝገብ ኪገብሩ እዩ ንደቀ መዛሙርቱ ዜተባብዖም: ስለምንታይከ፧ (ለ) ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት እምብዛ ኽንጭነቕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

3 ይኹን እምበር: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: ንየሆዋ ብምግልጋል “ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር:” ስጋዊ ጥሪት ንሓዋሩ ዚጸንሕ ብዘይምዃኑ “ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ” ብምባል መዓዶም። ንሰዓብቱ ኸኣ ኣቓልቦኦምን ጕልበቶምን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ብምትኳር ዓይኖም “ጥዕይቲ” ኺገብሩ ተማሕጸኖም። “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን” ድማ በሎም። ከም ምግብን ክዳንን መንበርን ዝኣመሰለ ብስጋ ዜድልዮም ነገራት ደኣሞ ብኸመይ ኪረኽቡ ይኽእሉ፧ የሱስ “ኣይትጨነቑ” ብምባል መዓደ። ናብ ኣዕዋፍ ከም ዜተኵሩ ድሕሪ ምግባር: ኣምላኽ ከም ዚምግበን ገለጸ። ካብቶም ኣምላኽ ዚኸድኖም ዕምባባታት እውን ትምህርቲ ኺረኽቡ ኣተባብዖም። እቶም ናይ ምስትውዓል ክእለት ዘለዎም ኣገልገልቲ የሆዋ ደኣኸ ኻብዚ ዚበልጹዶ ኸይኰኑ፧ የሱስ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ [ዜድሊ ነገራት] ድማ ይውሰኸልኩም” በለ። (ማቴዎስ 6:19-34) ተግባራትካ ነዚ ኸም እትኣምነሉ የርኢ ድዩ፧

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ ኺሕነቕ ስቕ ኢልካ ኣይትርአ

4. ሓደ ሰብ ኣብ ስጋዊ ነገራት ብዝያዳ ዜተኵር እንተደኣ ዀይኑ: እንታይ ሳዕቤን እዩ ኺህልዎ ዚኽእል፧

4 ንርእስኻን ንስድራቤትካን ብስጋ ዜድሊ ዚኣክል ነገራት ምርካብ ኬተሓሳስበካ ባህርያዊ እዩ። ሓደ ሰብ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት እምብዛ እንተ ተጨኒቑ ግን: ሕማቕ ሳዕቤን ኬስዕበሉ ይኽእል እዩ። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚኣምን ብኣፉ ይዛረብ እኳ እንተዀነ: ኣብ ልቡ ንኻልእ ነገራት ቀዳምነት እንተ ሂቡ: እቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ ይሕነቕ። (ማቴዎስ 13:18-22) ንኣብነት: ሓደ እዋን ሓደ ሃብታም መንእሰይ መራሒ: ንየሱስ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ: እንታይ እግበር” ኢሉ ሓተቶ። ብቕንዕና ይመላለስ: ንኻልኦት ከኣ ብጽቡቕ ይሕዞም እኳ እንተ ነበረ: ንስጋዊ ጥሪቱ ግን ኣመና ይፈቱ ነበረ። ሰዓቢ ክርስቶስ ንኪኸውን ኢሉ ስጋዊ ጥሪቱ ኣሕሊፉ ንምሃብ ድማ ድሉው ኣይነበረን። ስለዚ: ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ መንግስቱ ንኺገዝእ ኣጋጣሚ ኪኸፍተሉ ዚኽእል ዝነበረ ዅነታት ኣምለጦ። የሱስ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ “ገንዘብ ንዘለዎም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ” በለ።—ማርቆስ 10:17-23

5. (ሀ) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣብ ምንታይ ነገራት ይኣኽለኒ ኺብል እዩ ዜተባብዖ: ስለምንታይከ፧ (ለ) ሰይጣን ን“ፍቕሪ ገንዘብ” ከም መፈንጠራ ዚጥቀመሉ ብኸመይ እዩ፧

5 ዓመታት ጸኒሑ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣብታ ብልጽግቲ ማእከል ንግዲ ዝነበረት ኤፌሶን ዚቕመጥ ጢሞቴዎስ ጸሓፈሉ። “ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከአለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ: ንሱ ይእከለና” ብምባል ከኣ ኣዘኻኸሮ። ንርእስና ዀነ ንስድራቤትና ዜድሊ ‘ቐለብን ክዳንን’ ንምርካብ ምዕያይ ጌጋ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ” ብምባል ኣጠንቀቐ። ሰይጣን ብረቂቕ መገዲ እዩ ዜታልል። ፈለማ: ንሓደ ሰብ ብንእሽቶ ነገር ገይሩ እዩ ዜህርሮ። ድሕሪኡ ድማ ተወሳኺ ጸቕጢ የምጽኣሉ: እዚ ኸኣ ምናልባት ናይ ስራሕ ዕቤት ወይ ዝያዳ ደሞዝ ዚረኽበሉ ስራሕ ኰይኑ: ነቲ ኣቐዲሙ ንመንፈሳዊ ነገራት ዝመደቦ ግዜ ዚወስደሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ እንተ ዘይተጠንቂቕና: “ፍቕሪ ገንዘብ” ነቲ ብዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚምልከት ነገራት ኪሓንቆ ይኽእል እዩ። ጳውሎስ “ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ: ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ” ብምባል ነዚ ገሊጽዎ ኣሎ።—1 ጢሞቴዎስ 6:7-10

6. (ሀ) ኣብ መፈንጠራ ፍቕረ-ንዋይ ምእንቲ ኸይንወድቕ: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ለ) እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ቝጠባዊ ዅነታት ብዘየገድስ እንታይ ምትእምማን እዩ ኺህልወና ዚኽእል፧

6 ጳውሎስ ንክርስትያን ሓዉ ኻብ ዘለዎ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ተበጊሱ “ካብዚ ህደም” ከምኡውን “ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል” ኢሉ ተማሕጸኖ። (1 ጢሞቴዎስ 6:11, 12) በቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ኣብ ፍቕረ-ንዋይ ዘተኰረ ናብራ ህይወት ምእንቲ ኸይንውሓጥ: ኣበርቲዕና ኽንጽዕር ኣሎና። ምስ እምነትና ብምስምማዕ እንተ ተጋዲልና ግን: የሆዋ ኸቶ ኣይኪሓድገናን እዩ። ዋላ እኳ ናብራ እንተ ኸበረን ስራሕ ዘይርከብ እንተዀነን: እቲ ብሓቂ ዜድልየና ነገራት ከም እንረክብ ግን ይገብር እዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቱ “[ኣምላኽ] ባዕሉ፤ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ: ኢሉ እዩ እሞ: ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን: በቲ ዘሎኩም ዕገቡ። ስለዚ ተቢዕና፤ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ: ኣይክፈርህን እየ: ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 13:5, 6) ንጉስ ዳዊት ከኣ “ንእሽቶ ነበርኩ: አሪገ ኸኣ እኔኹ: ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን: ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 37:25

ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ኣርኣያ ገደፉልና

7. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ስብከት እንታይ መምርሒታት እዩ ዝሃቦም: እዚኸ ግቡእ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

7 የሱስ ንሃዋርያቱ ዚግባእ ስልጠና ድሕሪ ምሃብ: “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ” ኢሎም ንደቂ እስራኤል ብስራት ንኺሰብኩን ንኺእውጁን ለኣኾም። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ መልእኽቲ ዀን እዩ ነይሩ! እቲ መሲሓዊ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ማእከሎም እዩ ነይሩ። እቶም ሃዋርያት ንኣምላኽ ንምግልጋል ርእሶም ወፍዮም ይኸዱ ብምንባሮም: ኣምላኽ ከም ዚሓልየሎም ምትእምማን ንኺሓድሮም የሱስ ተላበዎም። ስለዚ ድማ “ንመገዲ ገለ ኣይትማልኡ: በትሪ ዀነ: ለቘታ ዀነ: እንጌራ ዀነ: ገንዘብ ኰነ ወይ ክልተ ቐምሽ ኣይሀሉኹም። ኣብታ ዝአቶኹምዋ ቤት ድማ: ኣብኣ ኹኑ: ካብኣውን መገድኹም ኪዱ” በሎም። (ማቴዎስ 10:5-10፣ ሉቃስ 9:1-6) የሆዋ በቶም ነጋይሽ ናይ ምቕባል ልማድ ዝነበሮም እስራኤላውያን ደቂ ዓዶም ገይሩ ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዚማልኣሎም ኪገብር መዲቡ ነይሩ።

8. (ሀ) የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ስለምንታይ እዩ ንስብከት ብዚምልከት ሓድሽ መምርሒታት ዝሃበ፧ (ለ) ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ህይወቶም ነየናይ ቀዳምነት ካብ ምሃብ እዮም ኬቋርጹ ዘይነበሮም፧

8 ጸኒሑ: የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ንሃዋርያቱ ዅነታት ኪቀያየር ምዃኑ ሓበሮም። ንንጥፈታቶም ብዕሊ ምጽራር ኬጋጥሞ ብምጅማሩ: ኣብ እስራኤል ጽቡቕ ገይሩ ዚቕበሎም ሰብ ብብዝሒ ኣይኪረኽቡን እዮም። ካብዚ ነዊሕ ከይጸንሑውን ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ሃገራት ኣህዛብ ኬብጽሑ ነበሮም። ስለዚ: “ማሕፉዳ” ከምኡውን “ስንቂ” ኺማልኡ ነበሮም። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ዜድልዮም ቀለብን ክዳንን ንኺረኽቡ ዝገብርዎ ጻዕርታት ከም ዚባርኾ ብምትእምማን: ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ካብ ምድላይ ኬቋርጹ ኣይነበሮምን።—ሉቃስ 22:35-37

9. ጳውሎስ ብስጋ ዜድልዮ ነገራት እናኣማልአ: ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ዝደለየ ብኸመይ እዩ: ኣብዚ መዳይ እዚኸ እንታይ ምኽሪ እዩ ዝሃበ፧

9 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ የሱስ ዝሃቦ ማዕዳ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዝመጸ ሰናይ ኣብነት እዩ ዚዀነና። ጳውሎስ ነገልግሎት ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ሂብዎ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:24, 25) ናብ ሓደ ቦታ ኺሰብኽ ኢሉ ኪኸይድ ከሎ: ድንኳን እናሰፈየ እውን ይኹን ብስጋ ዜድልዮ ነገራት ባዕሉ የማልእ ነበረ። ካልኦት ኬናብርዎ ኣይተጸበየን። (ግብሪ ሃዋርያት 18:1-4፣ 1 ተሰሎንቄ 2:9) ኰይኑ ግን: ካልኦት ጽቡቕ ኣቀባብላ ብምግባርን ውህበት ብምሃብን ፍቕሮም ኪገልጹሉ ኸለዉ ብሞሳ ይቕበሎም ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:15, 34፣ ፊልጲ 4:15-17) ንክርስትያናት እውን ኪሰብኩ ኢሎም ናይ ስድራቤት ግዴታኦም ዕሽሽ ንኸይብሉ: የግዳስ እተፈላለየ ሓላፍነታቶም ብሚዛናዊ መገዲ ኺስከሙ ኣተባበዖም። ብኢዶም ኺዓዩ: ንስድራቤቶም ኬፍቅሩ: ከምኡውን ንኻልኦት ኬማቕሉ መዓዶም። (ኤፌሶን 4:28፣ 2 ተሰሎንቄ 3:7-12) ኣብ ኣምላኽ ደኣ እምበር ኣብ ስጋዊ ጥሪት ከይውከሉ: ንህይወቶም ከኣ ነቲ ዚሓይሽ ነገር ብሓቂ ኸም እተረድኡ ብዜርኢ መገዲ ኺመርሑ ተማሕጸኖም። ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ምስ ትምህርትታት የሱስ ብምስምማዕ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ምድላይ ማለት እዩ።—ፊልጲ 1:9-11

ንመንግስቲ ኣምላኽ ወትሩ ኣብ ህይወትካ ቀዳማይ ቦታ ሃባ

10. ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

10 ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምንጋር ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኢና እነሕልፍ፧ እዚ ብእተወሰነ ደረጃ ኣብ ኵነታትናን ኣብቲ መጠን ሞሳናን እዩ ዚምርኰስ። የሱስ ‘ካልእ እትገብርዎ ምስ ሰኣንኩም ንመንግስቲ ኣምላኽ ድለዩ’ ከም ዘይበለ ኽትርስዕ የብልካን። ኣገዳስነት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ግምት ብምእታው: “መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ድለዩ” ብምባል ፍቓድ ኣቦኡ ገለጸ። (ሉቃስ 12:31) መብዛሕትና ንርእስናን ንስድራቤትናን ዜድሊ ነገር ከነማልእ ክንሰርሕ ዜድልየና እኳ እንተዀነ: እምነት እንተላትና ግን ኣብ ህይወትና ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ኢና ቐዳምነት እንህቦ። ጐድኒ ጐድኒ እዚ ኸኣ ንስድራቤትና ዘሎና ሓላፍነት ንፍጽም።—1 ጢሞቴዎስ 5:8

11. (ሀ) ኵላቶም ሰባት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምዝርጋሕ ማዕረ ኺዓሙ ኸም ዘይክእሉ የሱስ ብምስላ ዘረድአ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ነቲ ሓደ ሰብ ኪዓሞ ዚኽእል ነገራት ዚጸሉ ረቛሒታት እንታይ እዩ፧

11 ገሌና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ግዜ ኽንውፊ ንኽእል ኢና። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ እተፈላለየ ዓይነት ሓመድ ዝመሰሎ ምስላ: እቶም ከም ጽቡቕ ምድሪ ዝኣመሰለ ልቢ ዘለዎም ኵላቶም ፍረ ኸም ዝፈርዩ እዩ ገሊጹ። ክንደይ ዚኣክል ፍረ እዮም ዚፈርዩ፧ እተፈላለዩ ውልቀ-ሰባት በበይኑ ዅነታት እዩ ዘለዎም። ነዚ ድማ ዕድመን ጥዕናን ናይ ስድራቤት ሓላፍነትን ረቛሒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ሰባት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብሓቂ ዜማስዉሉ እንተ ዀይኖም: ብዙሕ ኪዓሙ ይኽእሉ እዮም።—ማቴዎስ 13:23

12. ብፍላይ መንእሰያት እንታይ ጽቡቕ መንፈሳዊ ሸቶታት ንኼውጽኡ እዮም ዚተባብዑ፧

12 ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ እነበርክቶ እጃም ንምስፋሕ ሸቶታት ከነውጽእ ሰናይ እዩ። መንእሰያት እቲ ቐናእ መንእሰይ ክርስትያን ዝነበረ ጢሞቴዎስ ንዝገደፈሎም ብሉጽ ኣብነት ኣርዚኖም ኪሓስቡሉ ኣለዎም። (ፊልጲ 2:19-22) ዓለማዊ ትምህርቶም ምስ ወድኡ ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ካብ ምእታው ዚሓይሽ እንታይ ኣለዎም፧ ዓበይቲውን እንተዀኑ ጽቡቕ መንፈሳዊ ሸቶታት ብምውጻእ ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።

13. (ሀ) ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ብብሕትና እነገልግሎ መጠን ዚውስኖ እንታይ እዩ፧ (ለ) ብሓቂ ቕድም መንግስቲ ኣምላኽ ንደሊ እንተደኣ ዄንና: እንታይ ኢና እነረጋግጽ፧

13 ነቶም ዝያዳ ኺገብሩ ምኸኣሉ ኢልና እንሓስቦም ኣብ ክንዲ እንነቅፍ: ንኣምላኽ ኵነታትና ኸም ዜፍቅደልና ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኸነገልግሎ ብእምነት ተደሪኽና ብብሕትና ምምሕያሽ ክንገብር ኣሎና። (ሮሜ 14:10-12፣ ገላትያ 6:4, 5) ሰይጣን ከምቲ ንእዮብ ዝኸሰሶ ንዓናውን ቀንዲ ዜተሓሳስበና ነገር ስጋዊ ጥሪትና: ምሾትና: ከምኡውን ጥዕናና ኸም ዝዀነ: ንኣምላኽ እነገልግሎ ኸኣ ብስስዐ ተደሪኽና ምዃንና እዩ ዚኸሰና። እንተዀነ ግን: ብሓቂ ቕድም መንግስቲ ኣምላኽ ንደሊ እንተደኣ ዄንና: ድያብሎስ ዝወጸሉ ሓሳዊ ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ እጃምና ነበርክት ኣሎና። ኣብ ህይወትና ቐዳምነት እንህቦ ነገር ኣገልግሎት ኣምላኽ ምዃኑ መርትዖ ንህብ ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ ብቓልን ብግብርን ንየሆዋ ኣጸቢቕና ኸም እነፍቅሮ: ንሉዓላውነቱ ብተኣማንነት ከም እንድግፍ: ከምኡውን ንሰባት ከም እነፍቅሮም ከነርኢ ንኽእል።—እዮብ 1:9-11፣ 2:4, 5፣ ምሳሌ 27:11

14. (ሀ) ንግራት ኣገልግሎት መደብ ምውጻእ ሓጋዚ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣገልግሎት ክንደይ ዚኣክል ተሳትፎ እዮም ዚገብሩ ዘለዉ፧

14 መደብ ምውጻእ ካብቲ ብዘይ መደብ ክንገብሮ እንኽእል ንላዕሊ ንኽንዓምም ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። የሆዋ እውን ከይተረፈ ዕላማኡ ንምፍጻም ‘ጊዜ ይቘርጽ’ ወይ ‘ይምድብ’ እዩ። (ዘጸኣት 9:5፣ ኤፌሶን 1:10) ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ኣብ ሰሰሙን ግዜ መዲብካ ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ ሰናይ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ በማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ብምግልጋል ኣብ መዓልቲ ኽልተ ሰዓት ኣቢሉ ዚኸውን ግዜ ኣብ ስብከት እቲ ብስራት የሕልፉ። ካልኦት በማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ እውን ስርዓታውያን ፓይነራት ኰይኖም ብምግልጋል: ኣብ መዓልቲ ኽልተ ሰዓትን ፈረቓን ዚኸውን ግዜ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ የውዕልዎ። ፍሉያት ፓይነራትን ሚስዮናውያንን ከኣ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ሰዓታት የሕልፉ። ነቲ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ንዝዀነ ይኹን ዚሰምዓና ሰብ ንእግረ-መገድና ንኽንነግር እውን ኣጋጣሚታት ከነናዲ ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 4:7-15) ኵነታት ብዜፍቅደልና መጠን ኣብዚ ዕዮ እዚ ምሉእ ተሳትፎ ኺህልወና እዩ ድሌትና፣ ከመይሲ: የሱስ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ኢሉ እዩ ተነብዩ።—ማቴዎስ 24:14፣ ኤፌሶን 5:15-17

15. እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:58 ዚርከብ ነገልግሎት ዚምልከት ማዕዳ እዋናዊ ዀይኑ ዚስምዓካ ስለምንታይ እዩ፧

15 ኣብ መላእ ምድሪ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ: ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ይሳተፉ ኣለዉ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም: ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት: ዘይትናቓነቑ: ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ” ዚብል ማዕዳ ይዓዩሉ እዮም።—1 ቈረንቶስ 15:58

መመያየጢ ሕቶታት

• የሱስ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለዩ’ ኺብል ከሎ: ንምንታይ ነገራት ካልኣይ ቦታ ኺወሃቦ እዩ ዚሕብር ነይሩ፧

• ንርእስናን ንስድራቤትናን ብስጋ ዜድልየና ነገራት ብምምላእ ዝመጸ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧ ኣምላኽከ እንታይ ሓገዝ እዩ ዚህበና፧

• ኣብ ምንታይ መዳይ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ኢና ኽንሳተፍ እንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 107 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ ግዜና ኣብ ኵለን ሃገራት ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ብስራት ይሰብኩ ኣለዉ