ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተስፋ ትንሳኤ ዘለዎ ሓይሊ

ተስፋ ትንሳኤ ዘለዎ ሓይሊ

ምዕራፍ ትሽዓተ

ተስፋ ትንሳኤ ዘለዎ ሓይሊ

1. ተስፋ ትንሳኤ እንተ ዘይህሉ ነይሩ: ምዉታት እንታይ ምዀኑ ነይሮም፧

 እተፍቅሮም ሰባት ሞይቶምኻዶ እዮም፧ ትንሳኤ እንተ ዘይህሉ ነይሩ: እንደገና ንኽትርእዮም ተስፋ ኣይምሃለወካን። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ . . . ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ [መቓብር] ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን” ብምባል ዝገለጾ ዀይኖም ንሓዋሩ ምቐጸሉ ነይሮም።—መክብብ 9:5, 10

2. ትንሳኤ እንታይ ዜደንቕ ተስፋ እዩ ዚህበና፧

2 የሆዋ ግን ብምሕረቱ ተደሪኹ ብትንሳኤ ኣቢሉ ንኣዝዮም ብዙሓት ዝሞቱ ሰባት እንደገና ህያው ኰይኖም ንዘለኣለም ንኺነብሩ ብዋጋ ዘይሽነን ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኣሎ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ምስቶም ሞይቶም ዘለዉ እተፍቅሮም ሰባት ንኽትራኸብ ተስፋ ኣሎካ ማለት እዩ።—ማርቆስ 5:35, 41, 42፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:36-41

3. (ሀ) ትንሳኤ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ኣገዳሲ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ተስፋ ትንሳኤ ምንጪ ብርታዐ ዚዀነና ብፍላይ መዓስ እዩ፧

3 ትንሳኤ ስለ ዘሎ: ንሞት ክቱር ፍርሂ ኺሓድረና የብሉን። የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ነባሪ ጕድኣት ከይወረዶም: ነቲ ሰይጣን “ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” ብምባል እተዛረቦ እኩይ ክሱ ኽሳዕ መወዳእታ ንኺደፍኣሉ ኺሓድጎ ይኽእል እዩ። (እዮብ 2:4) የሱስ ንኣምላኽ ክሳዕ ሞት እሙን ስለ ዝነበረ: ኣምላኽ ናብ ሰማያዊ ህይወት ኣተንስኦ። በዚ ኸምዚ የሱስ ነታ ዝሰውኣ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ሰማያዊ ኣቦኡ ብምቕራብ ህይወትና ኼድሕን ከኣለ። እቶም “ሒደት መጓሰ” መዋርስቲ ክርስቶስ ብምዃኖም: ብትንሳኤ ኣቢሎም ኣብታ ሰማያዊት መንግስቱ ንኺሓብርዎ ተስፋ ኣለዎም። (ሉቃስ 12:32) ካልኦት ሰባት ከኣ ትንሳኤ ረኺቦም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣለዎም። (መዝሙር 37:11, 29) ኵሎም ክርስትያናት ኣብ ሞት ዜብጽሕ ፈተናታት ኬሕልፉ ኸለዉ: ተስፋ ትንሳኤ ምንጪ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” እዩ ዚዀኖም።—2 ቈረንቶስ 4:7

ትንሳኤ መሰረታዊ እምነት ክርስትያን ዝዀነሉ ምኽንያት

4. (ሀ) ትንሳኤ “መጀመርታ” ሰረተ-እምነት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ዓለም ብሓፈሻ ብዛዕባ ትንሳኤ ኸመይ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ ዘለዋ፧

4 ትንሳኤ ኣብ እብራውያን 6:1, 2 “መጀመርታ ነገሩ” ወይ መጀመርታ ሰረተ-እምነት ተባሂሉ ተጠቒሱ ኣሎ። ሓደ ኻብቲ መሰረት እምነት ብምዃኑ: ብዘይ ብእኡ ብሱላት ክርስትያናት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። (1 ቈረንቶስ 15:16-19) ይኹን እምበር: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርቲ ትንሳኤ ንዓለም ብሓፈሻ ሓድሽ እዩ። ብዙሓት ሰባት መንፈሳዊ ኣረኣእያ ስለ ዘይብሎም: እዛ ሕጂ ዘላ ህይወቶም ጥራይ እያ እትረኣዮም። ስለዚ ኸኣ ናብራኦም ደድሕሪ ተድላ ኣብ ምጕያይ የተኵር። ገሊኣቶም ህዝበ-ክርስትያን ኰኑ ሰዓብቲ ኻልኦት ሃይማኖታት ነቲ ኣቦታቶም ዜጽንሑሎም ሃይማኖት ስለ ዚስዕቡ: ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላቶም ይሓስቡ። እዚ እምነት እዚ ግን ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርቲ ትንሳኤ ኺሰማማዕ ኣይክእልን እዩ። ከመይሲ: ደቅሰብ ዘይትመውት ነፍሲ እንተ ትህልዎም ነይራ: ትንሳኤ ኣይመድለዮምን። ነዚ ኽልተ ሓሳባት እዚ ኸተሰማማዕ ምስ እትፍትን: ተስፋ ዚህብ ዘይኰነስ ዜደናግር እዩ ዚኸውን። ነቶም ሓቂ ኺፈልጡ ዚደልዩ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

5. (ሀ) ሓደ ሰብ ብዛዕባ ትንሳኤ ቕድሚ ምርዳኡ: እንታይ እዩ ኺፈልጥ ዘለዎ፧ (ለ) ብዛዕባ ነፍሲ ንምግላጽ ኣየናይ ጥቕስታት ምተጠቐምካ፧ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታትከ፧ (ሐ) ሓደ ሰብ ነቲ ሓቂ ዚዓባብጦ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥቀም እንተደኣ ዀይኑ: ንምሕጋዙ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧

5 ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ትንሳኤ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ምድላው ምዃኑ ቕድሚ ምርድኦም: ብዛዕባ ነፍስን ኵነታት ምዉታትን ቅኑዕ ምርዳእ ኪህልዎም ኣለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ጽምኣት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ዘለዎ ሰብ ነዚ ጕዳይ እዚ ንኸተነጽረሉ ሒደት ጥቕስታት ጥራይ ኣኻሊ እዩ። (ዘፍጥረት 2:7፣ መዝሙር 146:3, 4፣ ህዝቅኤል 18:4) ይኹን እምበር: ገሊኡ ዘመናዊ ትርጕማትን ትርጕሙ ብምምሕያሽ ዚዳሎ መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባ ነፍሲ ነቲ ሓቂ ይዓብጦ እዩ። ስለዚ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ በዅሪ ቛንቋታት እተጠቕመሉ ቓላት ምምርማሩ ኣገዳሲ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

6. ንሓደ ሰብ ነፍሲ እንታይ ምዃና ንኺርድኦ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

6 ኣብዚ መዳይ እዚ ብፍላይ ትርጕም 1956 መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ነታ ነፈሽ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓልን ነታ ሳይኪ እትብል ናይ ግሪኽ ቃልን ኣብ ዝርከባሉ ዘበለ “ነፍሲ” ኢሉ ብምትርጓም ሓለፋ ኣለዎ። ኣብ ሓያሎ ኻልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ብሓንቲ ቓል “ነፍሲ” ተባሂለን ኣብ ክንዲ ዚትርጐማ “ፍጥረት:” “ሰብ:” ከምኡውን “ህይወት” ዚብል እተፈላለየ ትርጕም ይወሃበን፣ ነታ “ነፈሸይ” “ኣነ:” ነታ “ነፈሽካ” ከኣ “ንስኻ” ዚብል ትርጕም እውን ይወሃበን። ሓደ ቕኑዕ ተማሃራይ ካልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ትርጕም 1956 ብምንጽጻር እተን “ነፍሲ” ተባሂለን እተተርጐማ ናይ በዅሪ ቛንቋ ቓላት ንሰባትን ንእንስሳታትን ከም ዜመልክታ ኺርዳእ ይኽእል እዩ። እዘን ቃላት እዚኣተን ግን ነፍሲ ድሕሪ ሞት ካብ ኣካል ወጺኣ ኣብ ካልእ ቦታ እትነብር ዘይትርአን ዘይትጭበጥን ነገር ከም ዝዀነት ኣይሕብራን እየን።

7. ኵነታት እቶም ኣብ ሲኦል ዘለዉ ምዉታት ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ብኸመይ ትገልጾ፧ ኵነታት እቶም ኣብ ገሃነም ዘለዉኸ፧

7 ትርጕም 1956 ነታ ሺኦል እትብል ናይ እብራይስጢ ቓልን ነታ ሃይደስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃልን “ሲኦል:” ነታ ጊሂና እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ድማ “ገሃነም” ብምባል ከምቲ ዘለዎ ኣቐሚጥዎ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ እታ ሲኦል እትብል ቃል ንተራ መቓብር ደቅሰብ ከም እተመልክት: ምስ ሞት ደኣ እምበር ምስ ህይወት ከም ዘይትተሓሓዝ ይሕብር እዩ። (መዝሙር 89:48፣ ራእይ 20:13) ሓደ ሰብ ካብ መቓብር ተመሊሱ ህያው ኪዀነሉ ዚኽእል እንኮ መገዲ ብትንሳኤ ምዃኑ እውን ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ እዩ። (እዮብ 14:13፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:31) ብኣንጻሩ ግን እቶም ናብ ገሃነም ዚኣትዉ ኣብ መጻኢ ህይወት ኪረኸቡ ተስፋ የብሎምን: እታ ኣብኡ እትኣቱ ነፍሲ ድማ ህይወት ዚህልዋ ጌርካ ፈጺምካ ኣይተገልጸትን።—ማቴዎስ 10:28

8. ንትንሳኤ ብዚግባእ ምርዳእ ነረኣእያን ተግባራትን ሓደ ሰብ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

8 ሓደ ሰብ እዚ ጕዳይ እዚ ምስ ነጸረሉ: ትንሳኤ እንታይ ማለት ምዃኑ ኸተረድኦ ትኽእል ኢኻ። ንየሆዋ ድማ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ምድላው ብምግባሩ የማስዎ። እቲ ብሰንኪ ሞት እቶም ዜፍቅሮም ሰባት ዝነበሮ ሓዘን: በቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም እንደገና ንኺረኽቦም ዘለዎ ዜሐጕስ ተስፋ ይደዓዓስ። ነዚ ጕዳያት እዚ ምርዳእ: ሞት ክርስቶስ ንዘለዎ ትርጕም ንኽትርድኦ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ንትንሳኤ ኻልኦት መገዲ ስለ ዚኸፍት: ንክርስትያናዊ እምነት ወሳኒ ምዃኑ ኣስተውዓሉ። ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስን ሒዝዎ ዘሎ ተስፋን ብቕንኣት ሰበኹ። እቶም ሎሚ ንትንሳኤ ዚርድእዎን ዜማስዉሉን እውን ነታ ኽብርቲ ሓቂ ንኻልኦት ንኺነግሩ ሃንቀውታ ኣለዎም።—ግብሪ ሃዋርያት 5:30-32፣ 10:42, 43

‘መርሖ ሲኦል’ ምጥቃም

9. የሱስ ነቲ “መርሖ ሞትን ሲኦልን” መጀመርታ እተጠቕመሉ ብኸመይ እዩ፧

9 ኵሎም እቶም ንክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ መንግስቱ ዚሓብርዎ ኺሞቱ ኣለዎም። እንተዀነ ግን: ነቲ ክርስቶስ “ሞይተውን ነበርኩ: እንሆ ኸአ: ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ: መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ አሎኒ” ብምባል ዝሃቦ መረጋገጺ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ እዮም። (ራእይ 1:18) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ነቲ ንዕኡ ዘጋጠሞ እዩ ዚጠቕሰሎም ነይሩ። ንሱውን ሞይቱ ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ግን ኣብ ሲኦል ኣይሓደጎን። ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ: የሆዋ ባዕሉ መንፈሳዊ ህይወት ብምሃብ ኣተንስኦ: ዘይትመውት ህይወት ድማ ሃቦ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:32, 33፣ 10:40) ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: ኣብ መቓብር ንዘለዉን ብሓጢኣት ኣዳም ንእተጸልዉን ሰባት ሓራ ንምውጻእ: ኣምላኽ “መርሖ ሞትን ሲኦልን” ሃቦ። የሱስ ነዚ መርሖ እዚ ስለ ዝሓዘ: ነቶም እሙናት ሰዓብቱ ኻብ ሞት ኬተንስኦም ይኽእል እዩ። ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ኣባላት እታ ቐዳመይቲ ጉባኤ ኸምቲ ኣቦኡ ዘይትመውት ህይወት ዝሃቦ: ንሱውን ኣብ ሰማይ ውህበት ዘይትመውት ህይወት ከም ዚረኽቡ ብምግባር እዩ ዜተንስኦም።—ሮሜ 6:5፣ ፊልጲ 3:20, 21

10. እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት መዓስ እዮም ትንሳኤ ዚረኽቡ፧

10 እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት ሰማያዊ ትንሳኤ ዚረኽቡ መዓስ እዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ድሮ ኸም ዝጀመረ እዩ ዚሕብረና። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ እዋን እቲ ኻብ ብ1914 ኣትሒዙ ዝጀመረ ‘ምጽኣት ክርስቶስ’ ከም ዚትንስኡ ገለጸ። (1 ቈረንቶስ 15:23) እሙናት ቅቡኣት ኣብዚ ክርስቶስ ምሳና ዘለወሉ እዋን ምድራዊ ህይወቶም ምስ ዚውድኡ: ሞይቶም ኪጸንሑ ኣየድልዮምን እዩ። ምስ ሞቱ ‘ብሓንሳእ: ብቕጽበት ዓይኒ ብምልዋጥ’ ብኡንብኡ እዮም ብመንፈስ ዚትንስኡ። ሰናይ ግብሮም “ኪስዕቦም” ብምዃኑ ኸኣ ብዙሕ ሓጐስ እዮም ዚረኽቡ!—1 ቈረንቶስ 15:51, 52፣ ራእይ 14:13

11. ንሰባት ብሓፈሻ እንታይ ትንሳኤ ኺህሉ እዩ: መዓስከ እዩ ኺጅምር፧

11 እንተዀነ ግን: ትንሳኤ ኺበሃል ከሎ እቶም ሰማያዊ ህይወት ብምርካብ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚወርሱ ዚረኽብዎ ትንሳኤ ጥራይ ኣይኰነን። እቲ ትንሳኤኦም ኣብ ራእይ 20:6 “ቐዳማይ ትንሳኤ” ተባሂሉ ምጽዋዑ እኳ: ካልእ ትንሳኤ ኸም ዚስዕብ እዩ ዜመልክት። እቶም ካብዚ ዳሕራይ ትንሳኤ ዚጥቀሙ: ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ዜሐጕስ ተስፋ ኺህልዎም እዩ። እዚ መዓስ እዩ ኺፍጸም፧ መጽሓፍ ራእይ እቲ “ምድርን ሰማይን:” ማለት እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ምስ ሰበ-ስልጣኑ ምስ ተኣልየ እዚ ኸም ዚፍጸም እዩ ዚገልጽ። መወዳእታ እዚ ኣረጊት ኣገባብ እዚ ኣመና ቐሪቡ እዩ ዘሎ። ድሕሪኡ: ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ምድራዊ ትንሳኤ ኺጅምር እዩ።—ራእይ 20:11, 12

12. ካብቶም ኣብ ምድሪ ንኺነብሩ ዚትንስኡ እሙናት ሰባት እንመን ኪህልዉ እዮም: እዚኸ ዜሀንጢ ተስፋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

12 ኣብ ምድራዊ ትንሳኤ መነመን እዮም ኪጠቓለሉ፧ እቶም ኣብ ትንሳኤ ኻብ ዘለዎም ሓያል እምነት እተላዕለ ‘ምሕረት ዘይደለዩ’ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ገለ ኻባታቶም እዮም። “ምሕረት ኣይደለዩን” ኪበሃል ከሎ: ቕድሚ እታ ኣሪጎም ዚሞቱላ ዕለት ምእንቲ ኸይቅተሉ ኢሎም ኣብቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ንጽህና ኣይተለማመጡን ማለት እዩ። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ብኣካል ክትፈልጦምን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓጺር ተዘርዚሩ ዘሎ ታሪኾም ካብ ኣፎም ክትሰምዕንሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብ ዚትንስኡ እቲ ቐዳማይ እሙን ምስክር የሆዋ ዝዀነ ኣቤል፣ እቶም ቅድሚ ማይ ኣይሂ ብትብዓት ኣምላኽ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዝኣወጁ ሄኖክን ኖህን፣ እቶም መላእኽቲ እተቐበሉ ኣብርሃምን ሳራን፣ እቲ ኣብ ከረን ሲና ነቲ ሕጊ ንምምሕልላፍ ዘገልገለ ሙሴ፣ እቲ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ጥፍኣት የሩሳሌም ዝረኣየ ኤርምያስን ካልኦት እሙናት ነብያትን፣ ከምኡውን እቲ ኣምላኽ ንየሱስ ወዱ ምዃኑ ኺዛረበሉ ዝሰምዐ ዮሃንስ መጥምቕ ይርከብዎም። ኣብ ርእሲ እዚ: እቶም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ዚሞቱ ሓያሎ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ኪትንስኡ እዮም።—እብራውያን 11:4-38፣ ማቴዎስ 11:11

13, 14. (ሀ) ሲኦልን ሞትን እንታይ ኪኸውን እዩ፧ (ለ) መን እውን እዮም ኪትንስኡ: ስለምንታይከ፧

13 ጸኒሖም: ብዘይካ እቶም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካልኦት እውን ካብ ሞት ስለ ዚትንስኡ: ኣብቲ ተራ መቓብር ደቅሰብ ዚተርፍ ኣይኪህሉን እዩ። የሱስ ምእንቲ ረብሓ ደቅሰብ ‘ንመርሖ ሲኦል’ ምስ ተጠቕመሉ: መቓብር ጥርሑ ኺተርፍ እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ሲኦል ‘ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ’ ዚብል ንሃዋርያ ዮሃንስ እተገልጸ ራእይ ተጠቒሱ ኣሎ። (ራእይ 20:14) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ተራ መቓብር ደቅሰብ ዝዀነ ሲኦል ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍእ ምዃኑ እዩ ዜመልክት። ኣብ ርእሲ እቲ እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ዚረኽብዎ ትንሳኤ: የሱስ ብምሕረቱ ንሓጥኣንውን ኬተንስኦም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ: መቓብር ምዉት ዚበሃል ዘይብሉ ዀይኑ ምሉእ ብምሉእ ጥርሑ ስለ ዚተርፍ ፈጺሙ ኣይኪህሉን እዩ። ቃል ኣምላኽ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ የረጋግጸልና።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15

14 ዋላ ሓደ ኻብዞም ሓጥኣን እንደገና ሞት ንኺፍረዶ ተባሂሉ ኣይኪትንስእን እዩ። ኣብ ትሕቲ እታ ጽድቂ ዚነብረላ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኪቕመጡ: ህይወቶም ምስ መገድታት ኣምላኽ ኣሰማሚዖም ንኺመላለሱ ድማ ሓገዝ ኪወሃቦም እዩ። ኣብቲ ራእይ ከም እተገልጸ “መጽሓፍ ህይወት” ኪግንጸል እዩ። ስለዚ: ስሞም ኣብቲ መጽሓፍ ንኺጸሓፍ ኣጋጣሚ ኺረኽቡ እዮም። ‘ነፍሲ ወከፎም ከከም’ እቲ ድሕሪ ትንሳኤ ዝፈጸምዎ ‘ግብሮም ኪፍረዱ’ እዮም። (ራእይ 20:12, 13) ስለዚ: እዚኣቶም “ናብ ትንሳኤ ፍርዲ [ንዅነኔ]” ጥራይ ዘይኰነስ: “ናብ ትንሳኤ ህይወት” እውን ንኺትንስኡ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሎም እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29

15. (ሀ) መን እዮም ትንሳኤ ዘይረኽቡ፧ (ለ) ብዛዕባ ትንሳኤ እቲ ሓቂ ምፍላጥና ብኸመይ እዩ ዚትንክፈና፧

15 ይኹን እምበር: ኵሎም እቶም ብህይወት ዝነበሩን ዝሞቱን ኣይኰኑን ዚትንስኡ። ገሊኣቶም ይቕረታ ኺግበረሉ ዘይክእል ሓጢኣት ገይሮም እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ሲኦል ዘይኰነስ ኣብቲ ንዘለኣለም ከም ዚጠፍኡ ዜመልክት ገሃነም እዮም ዘለዉ። እቶም ኣብቲ ዓብዪ “መከራ” ዚጠፍኡውን ምስ እዚኣቶም እዮም ዚጽብጸቡ። (ማቴዎስ 12:31, 32፣ 23:33፣ 24:21, 22፣ 25:41, 46፣ 2 ተሰሎንቄ 1:6-9) እምበኣር:የሆዋ ነቶም ኣብ ሲኦል ዘለዉ ምዉታት ሓራ ብምውጻእ ፍልይ ዝበለ ምሕረት ዚገብር እኳ እንተዀነ: ተስፋ ትንሳኤ ግን ሕጂ ኣብ ኣነባብራና ግዲ ዘይብልና ንኽንከውን ምኽንያት ኣይኰነናን እዩ። እቶም ፈትዮም ካብ ሉዓላውነት የሆዋ ዚዓልዉ ትንሳኤ ኣይኪረኽቡን እዮም። እዚ ፍልጠት እዚ ምርካብና ህይወትና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ኣሰማሚዕና ብምምልላስ ነቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ ኣዚና ኸም እነማስወሉ ንኸነርኢ ኺድርኸና ኣለዎ።

ተስፋ ትንሳኤ ዚህበና ብርታዐ

16. ተስፋ ትንሳኤ ምንጪ ዓብዪ ምትብባዕ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

16 እቶም ንተስፋ ትንሳኤ ብሓቂ እንኣምነሉ ዘበልና ኻብኡ ብዙሕ ብርታዐ ኢና እንረክብ። ኣብዚ እዋን እዚ ብዕድመ ዝደፋእና እንተደኣ ዄንና: እተፈላለየ ሕክምና እኳ እንተ ተገብረልና ኵሉ ሳዕ ዕለተ ሞትና እናኣናዋሕና ኽንቅጽል ከም ዘይንኽእል ንፈልጥ ኢና። (መክብብ 8:8) ንየሆዋ ምስ ማሕበሩ ዄንና ብተኣማንነት እንተ ኣገልጊልናዮ ግን: ብዛዕባ መጻኢ ምሉእ ምትእምማን እዩ ዚህልወና። ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ብትንሳኤ ኣቢልና እንደገና ህይወት ከም እንረክብ ንፈልጥ ኢና። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ህይወት ኰን እዩ ኪኸውን! ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ “ናይ ሓቂ ህይወት” እዩ ኪኸውን።—1 ጢሞቴዎስ 6:19፣ እብራውያን 6:10-12

17. ንየሆዋ ዘሎና ንጽህና ንኽንሕሉ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

17 ትንሳኤ ኸም ዘሎን ምንጪ እዚ ምድላው እዚ መን ምዃኑን ምፍላጥና: ሓያል እምነት ንኸነሕድር የኽእለና። እዚ ኸኣ እቶም ዚሰጕና ንኪቐትሉና እውን እንተ ኣጕባዕብዑልና: ንኣምላኽ እሙናት ንኽንከውን የጽንዓና። ሰይጣን ንነዊሕ እዋን ንሰባት ቅድሚ ግዜኦም ንኸይሞቱ ብምፍርራህ ባሮት ገይሩ ሒዝዎም እዩ። የሱስ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሂ ኣይነበሮን። ንየሆዋ ክሳዕ ሞት እሙን ምዃኑ ኣርኣየ። የሱስ ብበጅነታዊ መስዋእቲ ኣቢሉ ንኻልኦት ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሂ ሓራ ዝወጹሉ መገዲ ኣዳልዩ ኣሎ።—እብራውያን 2:14, 15

18. ኣገልገልቲ የሆዋ ንጽህና ብምሕላው ሓለፍ ዝበለ ስም ንኺህልዎም ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

18 ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ መስዋእቲ ክርስቶስን ኣብ ትንሳኤን እምነት ስለ ዘለዎም: ንጽህናኦም ብምሕላው ዝመጸ ዜደንቕ ስም እዩ ዘለዎም። ጸቕጢ ኺወርዶም ከሎ: ‘ንህይወቶም’ ካብቲ ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ንላዕሊ ‘ከም ዘየፍቅርዋ’ እዮም ኣርእዮም። (ራእይ 12:11) ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወቶም ኬድሕኑ ኢሎም ክርስትያናዊ ስርዓታቶም ኣይሓድግዎን እዮም። (ሉቃስ 9:24, 25) ሕጂ ብተኣማንነት ንሉዓላውነት የሆዋ ብምድጋፎም ህይወቶም እኳ እንተ ሰኣኑ: ብትንሳኤ ኣቢሉ ዓስቦም ከም ዚህቦም ይፈልጡ እዮም። ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነትዶ ኣላትካ፧ ንየሆዋ ብሓቂ እተፍቅሮ እንተ ዄንካን ነቲ ተስፋ ትንሳኤ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ኣብ ልብኻ እንተ ኣሕዲርካዮን: ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ክትህልወካ እያ።

መመያየጢ ሕቶታት

• ሓደ ሰብ ብዛዕባ ትንሳኤ ቕድሚ ምርዳኡ: ብዛዕባ ነፍስን ኵነታት ምዉታትን ኪርድኦ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

• መን እዮም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ: እዚኸ ንዓና ብኸመይ ኪጸልወና ኣለዎ፧

• ተስፋ ትንሳኤ ዜበራትዓና ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 84, 85 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ