ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትርጕም ጥምቀትካ

ትርጕም ጥምቀትካ

ምዕራፍ ዓሰርተው ክልተ

ትርጕም ጥምቀትካ

1. ብማይ ምጥማቕ ንነፍሲ ወከፍና ኼገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

 ብ29 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ብዮሃንስ መጥምቕ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ተጠምቀ። የሆዋ ነዚ ይርእዮ ነበረ: ስምረቱ ድማ ገለጸሉ። (ማቴዎስ 3:16, 17) በዚ ኸምዚ የሱስ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቱ ኺስዕብዎ ዘለዎም ኣርኣያ ገደፈሎም። ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ጸኒሑ: ንደቀ መዛሙርቱ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ብምባል መምርሒ ሃቦም። (ማቴዎስ 28:18, 19) ምስቲ የሱስ ዝሃቦ መምርሒ ብምስምማዕ ተጠሚቕካ ዲኻ፧ እንተ ዘይተጠሚቕካ: ንኽትጥመቕ ትዳሎዶ ኣለኻ፧

2. ምስ ጥምቀት ዚተሓሓዝ እንታይ ሕቶታት እዩ መልሲ ኺርከበሉ ዘለዎ፧

2 እተጠመቕካ ኹን ዘይተጠመቕካ: ንየሆዋ ኸተገልግልን ኣብታ ጽድቂ ዝነብረላ ሓዳስ ዓለም ክትነብርን ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ብዛዕባ ጥምቀት ንጹር ምርዳእ ኪህልወካ ኣለዎ። ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ድማ መልሲ ኽትረኽበሉ ኣሎካ:- ኣብዚ ግዜና እትፍጸም ክርስትያናት ዚጥመቕዋ ጥምቀት ምስታ የሱስ እተጠመቓ ጥምቀት ሓደ ዓይነት ትርጕም ድዩ ዘለዋ፧ “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ምጥማቕ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ምስታ ክርስትያናት ብማይ ዚጥመቕዋ ጥምቀት ተሰማሚዕካ ምንባር እንታይ የጠቓልል፧

ጥምቀት ዮሃንስ

3. ጥምቀት ዮሃንስ ንመን ጥራይ እያ ነይራ፧

3 የሱስ ቅድሚ ምጥማቑ ሽዱሽተ ወርሒ ዚኸውን ኣቐዲሙ: ዮሃንስ መጥምቕ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ: ተነስሑ” ኢሉ እናሰበኸ ናብ በረኻ ይሁዳ ወጸ። (ማቴዎስ 3:1, 2) ሰባት ንዮሃንስ ሰሚዖም ከምቲ ዝበሎም ገበሩ። ሓጢኣቶም ብግህዶ ተናዘዙ: ካብቲ ዝገበርዎ ተነስሑ: ድሕሪኡ ብዮሃንስ ንኺጥመቑ ናብኡ ናብ ርባ ዮርዳኖስ መጹ። እዛ ጥምቀት እዚኣ ንኣይሁድ ጥራይ እያ ነይራ።—ሉቃስ 1:13-16፣ ግብሪ ሃዋርያት 13:23, 24

4. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ብቕልጡፍ ኪንስሑ ዝነበሮም ስለምንታይ እዩ፧

4 ኣይሁድ ብቕልጡፍ ኪንስሑ ነበሮም። ኣቦታቶም ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ከረን ሲና ብደረጃ ህዝቢ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኪዳን ተኣታትዮም ወይ ወግዓዊ ውዕል ገይሮም ነበሩ። እንተዀነ ግን: ከቢድ ሓጢኣት ብምፍጻሞም: ነቲ ኣብቲ ኺዳን እተዋህቦም ሓላፍነታት ስለ ዘይተዋጽኡሉ: ብእኡ ተዀነኑ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እቲ ዅነታት ዘየላቡ ነበረ። እታ ሚልክያስ እተነበየላ “ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ” የሆዋ ቐሪባ ነበረት። ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ኣይሁድን ምስ ደምሰሰ: እታ “መዓልቲ” እቲኣ መጸት። ዮሃንስ መጥምቕ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቕንኣት ስለ ዝነበሮ: “ብቑዕ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር [ምእንቲ] ኬዳሉ:” ቅድሚ እቲ ጥፍኣት ተላእከ። ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዝኣተዉዎ ኺዳን ብምጥሓሶም ኪንስሑ: ነቲ የሆዋ ዝለኣኸሎም የሱስ ወዲ ኣምላኽ ንኪቕበሉ ድማ ድሉዋት ኪዀኑ ነበሮም።—ሚልክያስ 4:4-6፣ ሉቃስ 1:17፣ ግብሪ ሃዋርያት 19:4

5. (ሀ) የሱስ ኪጥመቕ ምስ መጸ: ዮሃንስ ብዛዕባ እዚ ዝሓተተ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እታ የሱስ እተጠምቃ ጥምቀት እንታይ እተመልክት ነበረት፧

5 ሓደ ኻብቶም ንኺጥመቑ ናብ ዮሃንስ ዚመጹ: የሱስ ባዕሉ እዩ ነይሩ። ስለምንታይ ግን እዩ ኺጥመቕ ዝደለየ፧ የሱስ ክናዘዘሉ ዚግባእ ሓጢኣት ከም ዘይብሉ ዮሃንስ ይፈልጥ ብምንባሩ: “ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ: ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧” በሎ። እታ የሱስ ዝጥመቓ ጥምቀት ግን ንሓደ ፍልይ ዝበለ ዕላማ እተመልክት እያ ነይራ። ስለዚ ኸኣ “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ እሞ: ሕጅስ ይኹን ደኣ ሕደግ” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴዎስ 3:13-15) የሱስ ሓጢኣት ዘይብሉ ብምንባሩ: ጥምቀቱ ኻብ ሓጢኣት ከም እተነስሐ እተመልክት ኣይነበረትን። ኣባል እቲ ንየሆዋ እተወፈየ ህዝቢ ብምንባሩ እውን ርእሱ ንየሆዋ ኺውፊ ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። ኣብ ክንድኡስ: እታ ኣብ 30 ዓመቱ እተጠምቃ ጥምቀት ንዕኡ ጥራይ እትምልከት ኰይና: ፍቓድ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ንምግባር ገዛእ ርእሱ ኸም ዘቕረበ እተመልክት ነበረት።

6. የሱስ ነቲ ንዕኡ ዚምልከት ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ክሳዕ ክንደይ ኣርዚኑ ይርእዮ ነበረ፧

6 ኣምላኽ ንክርስቶስ የሱስ ዝነበሮ ዕላማ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ እተተሓሓዘ ንጥፈታት ምፍጻም ዜጠቓልል ነበረ። (ሉቃስ 8:1) በጃን መሰረት ሓድሽ ኪዳንን ንኽትከውን ነታ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ ምስዋእ እውን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 20:28፣ 26:26-28፣ እብራውያን 10:5-10) የሱስ ነቲ ብማይ ምጥማቕ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ኣርዚኑ እዩ ርእይዎ። ኣቓልቦኡ ናብ ካልእ ከም ዜተኵር ኣይገበረን። ንስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ቀንዲ ዕዮኡ ብምግባር ክሳዕ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ ፍቓድ ኣምላኽ ብተኣማንነት ፈጸመ።—ዮሃንስ 4:34

ክርስትያን ደቀ መዛሙርቲ ዚፍጽምዎ ናይ ማይ ጥምቀት

7. ካብ ጴንጠቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ: ክርስትያናት ንጥምቀት ብዚምልከት እንታይ ኪገብሩ እዩ እተነግሮም፧

7 ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ናብ ዮሃንስ ብምኻድ ብማይ ምስ ተጠምቁ: ኣባላት መንግስተ ሰማይ ምእንቲ ኪዀኑ ንየሱስ ኪስዕቡ መምርሒ ተዋህቦም። (ዮሃንስ 3:25-30) እዞም ደቀ መዛሙርቲ እዚኣቶም እውን የሱስ ብዝሃቦም መምርሒ ኣጠሚቖም እዮም: እታ ጥምቀቶም ድማ ምስታ ጥምቀት ዮሃንስ ሓደ ዓይነት ትርጕም ነበራ። (ዮሃንስ 4:1, 2) ይኹን እምበር: ካብ ጴንጠቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዞም ነቲ “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ንኼጥምቑ እተዋህቦም ሓላፍነት ኪፍጽሙ ጀመሩ። (ማቴዎስ 28:19) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ደጊምካ ምርኣይ: ብዙሕ ኪጠቕመካ እዩ።

8. “ብስም ኣቦ” ምጥማቕ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

8 “ብስም ኣቦ” ምጥማቕ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ስሙ: ቦታኡ: ስልጣኑ: ዕላማኡ: ከምኡውን ሕግታቱ ምቕባል ማለት እዩ። እዚ ድማ ነዚ ዚስዕብ ነገራት የጠቓልል:- (1) ብዛዕባ ስሙ መዝሙር 83:18 “ንስኻ: ጐይታ [“የሆዋ:” NW] ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ: ይፍለጡ” ትብል። (2) ብዛዕባ ዘለዎ ቦታ: ኤርምያስ 10:10 ንየሆዋ: “ኣምላኽ ሓቂ” ትብሎ። (3) ብዛዕባ ስልጣኑ: ራእይ 4:11 “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ: ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ትብል። (4) የሆዋ ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ኬድሕነና ዕላማ ዘለዎ ወሃብ ህይወትና ምዃኑ እውን ኣፍልጦ ኽንህበሉ ኣሎና፣ እወ “ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW] እዩ።” (መዝሙር 3:8፣ 36:8) (5) የሆዋ እቲ ዝለዓለ ሓጋግ ሕግና ምዃኑ ኽንቅበል ኣሎና:- “የሆዋ ፈራዲና: የሆዋ ሓጋግ ሕግና እዩ: የሆዋ ንጉስና እዩ።” (ኢሳይያስ 33:22 NW) እዚ ዅሉ ስልጣን ስለ ዘለዎ: “ንእግዚኣብሄር [“ንየሆዋ:” NW] ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” ዚብል ምሕጽንታ ተዋሂቡና ኣሎ።—ማቴዎስ 22:37

9. “ብስም . . . ወዲ” ምጥማቕ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

9 “ብስም . . . ወዲ” ምጥማቕ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዘለዎ ስምን ቦታን ስልጣንን ኣፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ። እቲ የሱስ ዚብል ስም “የሆዋ ምድሓን እዩ” ዚብል ትርጕም ኣለዎ። ሓደ በይኑ ወዲ ኣምላኽን በዅሪ ፍጥረትን ስለ ዝዀነ: ልዕል ዝበለ ቦታ ኣለዎ። (ማቴዎስ 16:16፣ ቈሎሴ 1:15, 16) ዮሃንስ 3:16 ብዛዕባ እዚ ወዲ እዚ ኸምዚ ትብል:- “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” የሱስ እሙን ኰይኑ ስለ ዝሞተ: ኣምላኽ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ ሓድሽ ስልጣን ሃቦ። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ: የሆዋ ንየሱስ “ልዕሊ ዅሉ ልዕል” ኣበሎ: ካብኡ ቐጺሉ ዘሎ ዝለዓለ ስልጣን ድማ ሃቦ። ስለዚ ኸኣ እዩ “ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ: ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ኺእመን” ዘለዎ። (ፊልጲ 2:9-11) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ነቲ ኻብ የሆዋ ዝወጸ ትእዛዛት የሱስ ክንሕልዎ ኣሎና ማለት እዩ።—ዮሃንስ 15:10

10. “ብስም . . . መንፈስ ቅዱስ” ምጥማቕ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

10 “ብስም . . . መንፈስ ቅዱስ” ምጥማቕ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ግደን ዝፍጽሞ ንጥፈታትን ኣፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ። መንፈስ ቅዱስከ እንታይ እዩ፧ የሆዋ ዕላማኡ ዚፍጽመሉ መስለጢ ሓይሉ እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ “ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ: ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ: ነቲ መንፈስ ሓቂ [እውን ክህበኩም እዩ]” በሎም። (ዮሃንስ 14:16, 17) እዚ እንታይ ንኺገብሩ እዩ ኺሕግዞም፧ የሱስ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና: ሓይሊ ኽትቅበሉ: ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” እውን ኢልዎም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ብዘይካዚ: የሆዋ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ እዩ ኣጽሒፍዎ፣ “ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር: ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።” (2 ጴጥሮስ 1:21) ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና: ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ግደ ኢና ኣፍልጦ እንህበሉ። ካልእ ንመንፈስ ቅዱስ ኣፍልጦ እንህበሉ መገዲ: ንየሆዋ ነቲ “ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል” ዘጠቓለለ “ፍረ መንፈስ” ንኽንፈሪ ኺሕግዘና ምስ እንልምኖ እዩ።—ገላትያ 5:22, 23

11. (ሀ) ኣብዚ ግዜና ዚፍጸም ጥምቀት ናይ ሓቂ ትርጕሙ እንታይ እዩ፧ (ለ) ጥምቀት ሞይትካ ኸም ምትንሳእ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

11 እቶም ምስቲ የሱስ ዝሃቦ መምርሒታት ብምስምማዕ ድሕሪ 33 ከ.ኣ.ዘ. ፈለማ እተጠምቁ ሰባት: ኣይሁድን እምነቶም ናብ ኣይሁድነት ዝቐየሩ ጵሮሴሊታትን እዮም ነይሮም። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ክርስትያን ወደ መዝሙር ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ንሳምራውያን ተኸፍተሎም። ድሕሪኡ ብ36 ከ.ኣ.ዘ. ነቶም ዘይተገዝሩ ኣህዛብ እውን ጻውዒት ቀረበሎም። ሳምራውያንን ኣህዛብን ቅድሚ ምጥማቖም: ደቀ መዛሙርቲ ወዱ ብምዃን ንየሆዋ ንኸገልግልዎ ብብሕቲ ህይወቶም ኪውፍዩ ነበሮም። ኣብዚ ግዜ እዚውን ክርስትያናት ዝጥመቕዋ ጥምቀት እዚ ትርጕም እዚ ዝሓዘት እያ። ጥምቀት ብምሳልያዊ መገዲ ምቕባር ስለ ዜመልክት: ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ብምጥሓል ሓደ ሰብ ህይወቱ ኸም ዝወፈየ ዘርእየሉ ብቑዕ መለለዪ እዩ። ኣብቲ ማይ ምሉእ ብምሉእ ጥሒልካ ምጥማቕካ: በቲ ናይ ቀደም ናብራኻ ዝመጸ ኸም ዝሞትካ የመልክት። ካብ ማይ ምውጻእ ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ህያው ከም ዝዀንካ የመልክት። እዛ “ሓንቲ ጥምቀት” እዚኣ: ኵሎም እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኪፍጽምዋ ዘለዎም እያ። ምስ ተጠምቁ: ክርስትያናት መሰኻኽር የሆዋን ኣምላኽ ዚሸሞም ኣገልገልቱን ይዀኑ።—ኤፌሶን 4:5፣ 2 ቈረንቶስ 6:3, 4

12. ክርስትያናት ዝጥመቕዋ ጥምቀት ምስ ምንታይ እያ ተነጻጺራ ዘላ: ብኸመይከ፧

12 ከምዚኣ ዝዓይነታ ጥምቀት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓብዪ ዋጋ እዩ ዘለዋ። ንኣብነት: ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ኖህ ንዕኡን ንስድራቤቱን ካብ ማይ ኣይሂ ንምድሓን ኢሉ ዝሰርሓ መርከብ ድሕሪ ምጥቃስ: “እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ: ማለት ጥምቀት: የድሕነኩም አሎ: እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር: ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን” በለ። (1 ጴጥሮስ 3:21) እታ መርከብ ድማ ኖህ እቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ዕዮ ብተኣማንነት ከም ዝፈጸመ እተርኢ ጭቡጥ መርትዖ እያ ነይራ። ነታ መርከብ ሰሪሑ ምስ ወድኣ: “እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ: በቲ ማይ: ተሰጢማ ጠፍኤት።” (2 ጴጥሮስ 3:6) ኖህን ስድራቤቱን: ‘ማለት ሾመንተ ነፍሲ: ብማይ ደሓና።’—1 ጴጥሮስ 3:20

13. ሓደ ክርስትያን ብማይ ብምጥማቑ ኻብ ምንታይ እዩ ዚድሕን፧

13 ሎሚ እቶም ኣብቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት መሰረት ብምግባር ህይወቶም ንየሆዋ ዚውፍዩ: ነቲ ወፈያኦም ንምርኣይ ብማይ ይጥመቑ እዮም። ድሕሪኡ: ኣምላኽ ኣብዚ ግዜና ኽንፍጽሞ ዚደልየና ነገራት ይገብሩ: ካብዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ከኣ ድሒኖም እዮም። (ገላትያ 1:3, 4) ምስዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ናብ ጥፍኣት ኣይኰኑን ዚኸዱ ዘለዉ። ካብዚ ድሒኖም እዮም: ኣምላኽ ድማ ሰናይ ሕልና ሂብዎም እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ነገልገልቲ ኣምላኽ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ብምባል ኣረጋገጸሎም።—1 ዮሃንስ 2:17

ምስ ሓላፍነታትና ተሰማሚዕና ምንባር

14. ጥምቀት ጥራይ ከም ዝደሓንካ ውሕስነት ዘይኰነካ ስለምንታይ እዩ፧

14 ጥምቀት ጥራይ ከም ዝደሓንካ ውሕስነት ይኸውን እዩ ኢልካ ምሕሳብ ጌጋ እዩ። ሓደ ሰብ ብሓቂ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንየሆዋ ህይወቱ እንተ ወፍዩን ድሕሪኡ ኽሳዕ መወዳእታ እሙን ብምዃን ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር እንተ ቐጺሉን እዩ እታ ጥምቀት ዋጋ ኺህልዋ ዚኽእል። “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ።”—ማቴዎስ 24:13

15. (ሀ) ኣምላኽ ነዞም ሕጂ ዚጥመቑ ክርስትያናት ዘለዎ ፍቓድ እንታይ እዩ፧ (ለ) ክርስትያን ወደ መዝሙር ምዃን ኣብ ህይወትና ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳስነት ዘለዎ፧

15 እቲ ንየሱስ ዚምልከት ፍቓድ ኣምላኽ: ከም ሰብ መጠን ብኸመይ ንህይወቱ ኸም ዚጥቀመላ ዜጠቓልል ነበረ። ህይወቱ መስዋእቲ ብምዃን ክትሓልፍ ነበራ። ንሕናውን ስጋና ወይ መላእ ኣካላትና ንኣምላኽ ኢና እነቕርቦ: ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ድማ ጥቕሚ ርእስና እናሰዋእና ንነብር። (ሮሜ 12:1, 2) ሳሕቲ እውን ይኹን ደይ መደይ ኢልና ብመገዲ እዛ ዓለም እዚ እንተ ተመላሊስና: ወይ ከኣ ንኣምላኽ ጥራይ ኢና ነገልግል እናበልና ህይወትና ኣብ ስስዐ ዘተኰረት እንተደኣ ዀይና: ፍቓድ ኣምላኽ ንገብር ኣሎና ኺበሃል ኣይከኣልን እዩ። (1 ጴጥሮስ 4:1-3፣ 1 ዮሃንስ 2:15, 16) ሓደ ኣይሁዳዊ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረክብ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ምስ ሓተተ: የሱስ ብስነ-ምግባር ንጹህ ናብራ ምንባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣፍልጦ ሂቡሉ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ግን ክርስትያን ወደ መዝሙር ወይ ሰዓቢ የሱስ ምዃን ካብኡ ዚዓቢ ነገር ምዃኑ ሓበሮ። እዚ ኸኣ እዩ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ኪሕዝ ዘለዎ። ድሕሪ ስጋዊ ነገራት ብምስራዕ ካልኣይ ቦታ ኺወሃቦ የብሉን።—ማቴዎስ 19:16-21

16. (ሀ) ኵሎም ክርስትያናት ምስ መንግስቲ ኣምላኽ እተተሓሓዘ እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧ (ለ) ኣብ ገጽ 116ን 117ን ብስእሊ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ: ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ እንፍጽመሉ ገለ ኣስላጢ መገድታት እንታይ እዩ፧ (ሐ) ኣብ ዕዮ ምስክርነት ብምሉእ ልብና ምስታፍና እንታይ እዩ ዜረጋግጽ፧

16 እቲ ንየሱስ ዚምልከት ፍቓድ ኣምላኽ: ምስታ መንግስቲ ዚተሓሓዝ ኣገዳሲ ንጥፈታት ዜጠቓልል ምዃኑ እንደገና ኸነጕልሖ ዘሎና ጕዳይ እዩ። የሱስ: ንጉስ ንኪኸውን ተቐቢኡ እዩ። ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግን ብዛዕባ እታ መንግስቲ እቲኣ ብቕንኣት ምስክርነት ሂቡ እዩ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ ኽንፍጽሞ ዘሎና ዕዮ ምስክርነት ተዋሂቡና ኣሎ: ኣብኡ ብምሉእ ልብና ንኽንሳተፍ ድማ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ከምዚ ምስ እንገብር: ንሉዓላውነት የሆዋ ዘሎና ሞሳን ንብጾትና ሰባት ዘሎና ፍቕርን ነርኢ። (ማቴዎስ 22:36-40) ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ንየሆዋ ዜምልኹ ኣሕዋትና ሓድነት ከም ዘሎና ነርኢ። እምበኣር: ኣብ መላእ ዓለም እንርከብ ክርስትያናት ብሓድነት ኣብ ምድራዊ ግዝኣት እታ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንረክብ ናብ ዘውጻእናዮ ሸቶ ኢና እንስጕም ዘለና።

መመያየጢ ሕቶታት

• ኣብ መንጎ ጥምቀት የሱስን ሕጂ ዚግበር ናይ ማይ ጥምቀትን እንታይ ምምስሳልን እንታይ ፍልልይን እዩ ዘሎ፧

• “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ምጥማቕ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

• ሓደ ክርስትያን ብማይ ድሕሪ ምጥማቑ: ሓላፍነታቱ እናፈጸመ ኺነብር ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 116, 117 ዘሎ ስእልታት]

ገለ ኻብቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እትእውጀሉ መገድታት

ካብ ቤት ናብ ቤት

ነዝማድ

ንመሳርሕቲ

ንመማህርቲ

ኣብ መገዲ

ተገዳስነት ንዘለዎም ተመሊስካ ብምብጻሕ

ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ