ነቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣዕብዮ
ምዕራፍ ክልተ
ነቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣዕብዮ
1. እቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መን እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሓት ኣማልኽቲ ዚበሃሉ እኳ እንተለዉ: “ሓደ ኣምላኽ ጥራይ: ኣቦ” ኸም ዘሎ እዩ ዚገልጽ። (1 ቈረንቶስ 8:5, 6) እዚ “ሓደ ኣምላኽ” እዚ እቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ የሆዋ እዩ። (ዘዳግም 6:4፣ ራእይ 4:11) የሱስ ንየሆዋ “ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን” ብምባል እዩ ጠቒስዎ። (ዮሃንስ 20:17) ምስቲ ሙሴ ኣቐዲሙ ብዛዕባ የሆዋ “ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ: ብጀካኡ ኻልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥ” ብምባል እተዛረቦ ሓሳባት እውን ይሰማማዕ ነበረ። (ዘዳግም 4:35) የሆዋ ኻብ ዝዀነ ይኹን ኣምልኾ ዚወሃቦም ነገራት: ንኣብነት ካብ ከም እኒ ጣኦታት: ዚምለኹ ሰባት: ወይ ካብቲ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” እተባህለ ጸላኢኡ ሰይጣን ድያብሎስ እውን ከይተረፈ ኣጸቢቑ ይዓቢ እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:3, 4) ከምዚኣቶም ብዘይምዃኑ ኸኣ የሱስ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካ” ብምባል ብዛዕባኡ ተዛረበ።—ዮሃንስ 17:3
2. ብዛዕባ ኣምላኽ ክንምሃር ከለና: ህይወትና ብኸመይ እዩ ኺጽሎ ዘለዎ፧
2 ነቲ ልቢ ዚትንክፍ ባህርያት ኣምላኽ ከምኡውን ክሳዕ ሕጂ እንታይ ከም ዝገበረልናን ብሕጂውን እንታይ ከም ዚገብረልናን ዝፈለጡ መማሰውቲ ሰባት ናብኡ ይስሓቡ እዮም። ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ እናዓበየ ኪኸይድ ከሎ: ንኼዕብይዎ ወይ ክብ ንኼብልዎ ይድረኹ። ብኸመይ ግን እዮም ነዚ ዚገብሩ፧ ሓደ ኻብቲ ነዚ ዚገብሩሉ መገድታት ብዛዕባኡ ንኻልኦት ብምንጋር እዩ። ሮሜ 10:10 ‘ሰብ ብኣፉ ተኣሚኑ ይድሕን’ ትብለና። ካልእ መገዲ ኸኣ ብቓል ኰነ ብግብሪ ምምሳሉ እዩ። ኤፌሶን 5:1 ድማ “ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ [“ንኣምላኽ ምሰሉ”: ትርጕም 1990]” ትብል። ነዚ ምሉእ ብምሉእ ንምፍጻም ነቲ ናይ ሓቂ ባህርያት የሆዋ ኽንፈልጦ ኣሎና።
3. ቀንዲ ባህርያት ኣምላኽ እንታይ እዩ፧
3 ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ: ነቲ ሓለፍ ዝበለ ባህርያት ኣምላኽ ዜጕልሕ ሓያሎ ሓሳባት ንረክብ ኢና። እተን ኣርባዕተ ቐንዲ ባህርያቱ ጥበብ: ፍትሒ: ሓይሊ: ከምኡውን ፍቕሪ እየን። ‘ጥበብ ኣብኡ ኣሎ።’ (እዮብ 12:13) የሆዋ ‘ፍትሒ ይፈቱ።’ (መዝሙር 33:5 ትርጕም 1990) ‘ብርቱዕ ሓይሊ’ ኣለዎ። (ኢሳይያስ 40:26) “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” (1 ዮሃንስ 4:8) ካብዘን ሓለፍ ዝበላ ኣርባዕተ ቐንዲ ባህርያት ኣምላኽ ግን እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ ብዝያዳ እትገልጾ ኣየነይቲ እያ፧
“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ”
4. ኣምላኽ ንዅሉ ፍጥረት እንተላይ ንዅሉ ህያው ዘበለ ነገራት ንኺፈጥር ዝደረኸቶ ኣየነይቲ ባህሪኡ እያ፧
4 የሆዋ ንዅሉ ፍጥረት እንተላይ ነቶም መስተውዓልቲ መንፈሳውያንን ሰብኣውያንን ፍጡራቱ ንኺፈጥር ዝደረኸቶ ባህሪ እንታይ ምዃና እሞ ሕስብ ኣብል። ጥበቡ ወይ ሓይሉ ድያ፧ ኣይፋልን: ኣምላኽ ነዘን ባህርያት እዚኣተን እኳ እንተ ተጠቕመለን: ድራኸ ዘሕደረትሉ ግን ካልእ እያ። ፍትሑ እውን ህይወት ንኻልኦት ንኺህብ ኣይትድርኾን እያ። ኣብ ክንድኡስ: ኣምላኽ በታ ዓባይ ፍቕሩ ተደሪኹ እዩ መስተውዓልቲ ፍጡራት ዝፈጠረ። እዙዛት ደቅሰብ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ንኺነብሩ ዕላማ ንኺገብር ዝደረኸቶ እውን ፍቕሩ እያ። (ዘፍጥረት 1:28፣ 2:15) ብፍቕሪ ተደሪኹ እቲ ሓጢኣት ኣዳም ኣብ ደቅሰብ ዜምጽኦ ዅነኔ ንኺድምሰስ ምድላው ገበረ።
5. ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ነየነይቲ ባህሪ እዩ ብዝለዓለ ደረጃ ዜንጸባርቓ: ስለምንታይከ፧
5 ስለዚ: ኻብ ኵለን ባህርያት ኣምላኽ: ፍቕሪ ዝያዳ ዅለን ጸብለል ዝበለት እያ። እወ: ልዕሊ ዅሉ እትውክሎ ባህሪ እያ። ጥበቡን ፍትሑን ሓይሉን ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ጥበብ እዩ: ፍትሒ እዩ: ወይ ሓይሊ እዩ ዚብል ኣይንረክብን ኢና። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ ዚብል ንረክብ ኢና። እወ: የሆዋ መሰሌታ ፍቕሪ እዩ። እዛ ዓይነት ፍቕሪ እዚኣ ብስምዒት ዘይኰነስ ብስርዓታት እያ እትምራሕ። ኣምላኽ ዜንጸባርቓ ፍቕሪ ድማ ብስርዓታት ሓቅን ጽድቅን እያ እትምራሕ። ብልጽቲ ዓይነት ፍቕሪ ኽትከውን ከላ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ብዝለዓለ ደረጃ ዜንጸባርቓ። ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ፈጺምካ ስስዐ ዘይብላን ብግብሪ እትርአን እያ።
6. ኣምላኽ ካባና ዚበልጽ እኳ እንተዀነ: ንኽንመስሎ እተኽእለና እንታይ እያ፧
6 እዛ እተደንቕ ዓይነት ፍቕሪ እዚኣ እያ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣምላኽ ንኽንመስሎ እተኽእለና። ዘይንጠቅም: ዘይፍጹማት: ከምኡውን እንጋገ ደቅሰብ ስለ ዝዀንና: ነዚ ኽንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና ኢልና ንሓስብ ንኸውን። ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ካልእ ኣብነት እታ ዓባይ ፍቕሪ የሆዋ ኢና እንርኢ። የሆዋ ዓቕምና ስለ ዚፈልጥ: ካባና ፍጽምና ኣይጽበን እዩ። ካብ ፍጽምና ኣመና ዝረሓቕና ምዃንና ይፈልጥ እዩ። (መዝሙር 51:5) ስለዚ ኸኣ እያ መዝሙር 130:3, 4 “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧ ግናኸ . . . ይቕሬታ ምሳኻ አሎ” ዝበለት። እወ: የሆዋ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃት” እዩ። (ዘጸኣት 34:6) ብተወሳኺውን “ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ” ተባሂሉሉ ኣሎ። (መዝሙር 86:5) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! ነዚ ዜደንቕ ኣምላኽ እዚ ምግልጋልን ነቲ ብፍቕርን ምሕረትን ዚገብሮ ኽንክን ምርካብን ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!
7. ፍቕሪ የሆዋ ኣብ ፍጥረቱ ኪርአ ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧
7 ፍቕሪ የሆዋ ኣብ ፍጥረታቱ እውን ክትርአ ትኽእል እያ። ብዛዕባ እቲ ኸም እኒ ግሩም ኣኽራን: ዱር: ቀላያት: ከምኡውን ውቅያኖሳት ዝኣመሰለ የሆዋ ንኽንሕጐሰሉ ኢሉ ዝፈጠሮ ነገራት እሞ ሕስብ ኣብል። ንምብላዑ ባህ ዜብልን ብህይወት ንኽንነብር ዜድልየናን በብዓይነቱ ምግቢ እውን ሂቡና ኣሎ። ብዘይካዚ: እተፈላለየ ዓይነት ውቁብን ምኡዝ ዝሽታኡን ዕምባባታት ከምኡውን መስተንክር እንስሳታት ፈጢሩ እዩ። ግዴታ እኳ እንተ ዘይነበሮ: ንሰባት ባህ ዜብሎም ነገራት ፈጢሩሎም እዩ። ልክዕ እዩ: ዘይፍጹማት ኴንና ኣብዛ እክይቲ ዓለም ኣብ እንነብረሉ እዋን ካብ ፍጥረታቱ ምሉእ ሓጐስ ኣይንረክብን ኢና። (ሮሜ 8:22) እንተዀነ ግን: የሆዋ ኣብ ገነት እንታይ ከም ዚገብረልና እሞ ሕስብ ኣብሎ! እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኢድካ ትኸፍት እሞ: ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ” ብምባል የረጋግጸልና።—መዝሙር 145:16
8. የሆዋ ፍቕሩ ንዓና ዘርኣየሉ ዝበለጸ መገዲ እንታይ እዩ፧
8 እቲ የሆዋ ንደቅሰብ ፍቕሩ ዜርኣየሉ ዝበለጸ መገዲ እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ብምባል ይገልጸልና። (ዮሃንስ 3:16) የሆዋ ነዚ ዝገበረ ደቅሰብ ዚግብኦም ብምንባሮም ድዩ፧ ሮሜ 5:8 “ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና: ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ: ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ” ብምባል ትምልሰልና። እወ: ኣምላኽ ነቲ ፍጹም ወዱ ህይወቱ በጃና ንኼሕልፍን ካብ ኵነኔ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ንኼውጽኣናን ኢሉ ናብ ምድሪ ለኣኾ። (ማቴዎስ 20:28) እዚ ኸኣ ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረኽቡ መገዲ ኸፈተሎም። እቲ ዜሐጕስ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የልቦን]” ስለ ዚብል: ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት እዩ ኻብ ፍቕሩ ንኺጥቀሙ መገዲ ዝኸፈተሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35
9. የሆዋ ንወዱ ኣብ ክንዳና በጃ ክኸውን ምሃቡ ንዓና ብኸመይ ኪጸልወና ኣለዎ፧
9 የሆዋ ንወዱ በጃና ንኺሓልፍ ምሃቡን ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንረክብ መገዲ ምኽፋቱን ንዓና ብኸመይ ኪጸልወና ኣለዎ፧ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ኼዕምቖ ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚውን ነቲ ንኣምላኽ ዚውክሎ የሱስ ንኽንሰምዖ ኺድርኸና ይግባእ። “ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር: ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ: ንሱ [የሱስ] ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።” (2 ቈረንቶስ 5:15) የሱስ ፍቕርን ድንጋጽን የሆዋ ብምቕዳሕ ዝመጸ ኣብነት ስለ ዚዀነና: ኣሰሩ ምስዓብ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ! እዚ ድማ ኣብቲ የሱስ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” ብምባል ንትሑታት ዘበሉ እተዛረቦም ቃላት ተንጸባሪቑ ኣሎ።—ማቴዎስ 11:28-30
ንኻልኦት ፍቕርና ምርኣይ
10. ንክርስትያናት ብጾትና ፍቕሪ ኸነርእየሉ እንኽእል ገለ መገድታት እንታይ ኣሎ፧
10 ንክርስትያናት ብጾትና ኸምታ የሆዋን የሱስን ዜርኣዩና ዓይነት ፍቕሪ ኸም ዘላትና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ነዚ ኸነርእየሉ እንኽእል እተፈላለየ መገድታት እስከ ንርአ:- “ፍቕሪ ዓቃል እያ: ፍቕሪ ለዋህ እያ: ፍቕሪ ኣይትቐንእን: ፍቕሪ ኣይትጀሀርን ኣይትንፋሕን: ኣይተስተሐፍርን: ናታ ኣይትደልን: ኣይትምረርን: ኣይትቕየምን እያ: ብሓቂ ትሕጐስ እምበር: ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኵሉ ትጸውር: ኵሉ ትአምን: ኵሉ ተስፋ ትገብር: ኵሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ።”—1 ቈረንቶስ 13:4-8፣ 1 ዮሃንስ 3:14-18፣ 4:7-12
11. ብዘይካ ንክርስትያናት ብጾትና ንመን ኢና ፍቕርና እነርኢ: ብኸመይከ፧
11 ብዘይካ ንክርስትያናት ብጾትና ንመን ኢና ፍቕርና ኸነርኢ ዘሎና: ብኸመይከ፧ የሱስ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” በለ። (ማቴዎስ 28:19, 20) እዚ ኸኣ ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ከምጽኣ መዲቡ ዘሎ ገነታዊት ሓዳስ ዓለም ዚገልጽ ብስራት: ነቶም ክርስትያናት ብጾትና ዘይኰኑ ምንጋር ዜጠቓልል እዩ። የሱስ “ነቶም ዚፈትዉኹም [ጥራይ] እንተ ፈቶኹም: እንታይ ዓስቢ አሎኩም፧ ተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑን፧ ነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ: እንታይ ሓለፋ ገበርኩም፧ ኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧” ብምባል ፍቕርና ኣብቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘላቶም ጥራይ ተሓጺራ ኽትተርፍ ከም ዘይብላ ብንጹር ገለጸ።—ማቴዎስ 5:46, 47፣ 24:14፣ ገላትያ 6:10
‘ብስም የሆዋ ምምልላስ’
12. የሆዋ ብዚብል ስም ኪጽዋዕ ዚኽእል ኣምላኽ በይኑ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
12 ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እነዕብየሉ ኻልእ መገዲ: ነቲ የሆዋ ዚብል ፍሉይ ስሙ ብምፍላጥን ብምጥቃምን ንኻልኦት ብምምሃርን እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ንስኻ: ጐይታ [“የሆዋ:” NW] ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ: ይፍለጡ” ብምባል ልባዊ ትምኒቱ ገለጸ። (መዝሙር 83:18) እቲ የሆዋ ዚብል ስም “ዚኸውን” ዚብል ትርጕም ኣለዎ። የሆዋ ንዝዓለሞ ዘበለ ኣብ መፈጸምታኡ ብምብጻሕ ዝመጸ ዚወዳደሮ የልቦን። ደቅሰብ ጻዕርታቶም ዕዉት ከም ዚኸውን ርግጸኛታት ኪዀኑ ስለ ዘይክእሉ: እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥራይ እዩ እዚ ስም እዚ ኺህልዎ ዚኽእል። (ያእቆብ 4:13, 14) የሆዋ ጥራይ እዩ ቓሉ ኣብቲ “ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ” ኢሉ ኺዛረብ ዚኽእል። (ኢሳይያስ 55:11) ብዙሓት ሰባት ንስም ኣምላኽ ኣብ ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ እተፈላለየ መዝገበ-ቓላትን ምስ ረኣይዎን እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ምስ ተማህሩን ብዙሕ እዮም ዚሕጐሱ። እንተዀነ ግን: ‘ንዘለኣለም ብስም የሆዋ እንተ ተመላሊሶም’ ጥራይ እዮም ካብዚ ፍልጠት እዚ ኺጥቀሙ ዚኽእሉ።—ሚክያስ 4:5
13. ስም የሆዋ ምፍላጥን ብስሙ ምምልላስን እንታይ የጠቓልል፧
13 መዝሙር 9:10 ብዛዕባ ስም ኣምላኽ “እቶም ንስምካ ዚፈልጡ ኣባኻ ኺምዕቈቡ እዮም” ትብል። ነቲ የሆዋ ዚብል ስሙ በእምሮኻ ምፍላጥ ጥራይ ኣብኡ ንኽትምዕቈብ ስለ ዘየኽእል: ምፍላጥ ኪበሃል ከሎ ዝያዳ ነገራት እዩ ዜጠቓልል። ስም ኣምላኽ ምፍላጥ ኪበሃል ከሎ: እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ ምርዳእ: ንስልጣኑ ምኽባር: ትእዛዛቱ ምሕላው: ከምኡውን ኣብ ኵሉ ነገራት ብእኡ ምእማን ማለት እዩ። (ምሳሌ 3:5, 6) ብተመሳሳሊውን ብስም የሆዋ ምምልላስ ኪበሃል ከሎ ኣብ ህይወትና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕና እናተመላለስና: ንዕኡ ውፉይ ምዃንን ከም ኣምላኺኡ መጠን ኣብኡ ምውካልን የጠቓልል። (ሉቃስ 10:27) ንስኻኸ ኸምዚ ትገብርዶ ኣሎኻ፧
14. ንየሆዋ ንዘለኣለም ከነገልግሎ እንተደኣ ዄንና: ግዴታ ስለ እተሰምዓና ጥራይ ዘይኰነስ እንታይ እዩ ዜድልየና፧
14 ንየሆዋ ንዘለኣለም ከነገልገሎ እንተደኣ ዄንና: ግዴታ ተሰሚዑና ጥራይ ኣይኰንናን ከነገልገሎ ዘሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ኼገልግል ዝጸንሐ ጢሞቴዎስ “ንርእስኻ ግና ኣምልኾ ኣልምዳ” ኢሉ እዩ ተማሕጺንዎ። (1 ጢሞቴዎስ 4:7) “ኣምልኾ” ኺበሃል ከሎ ብውልቅና ንየሆዋ ዓሚቝ ኣኽብሮት ከም ዘሎና ዜርኢ እዩ። ንዕኡን ንመገድታቱን ካብ ዘሎና ደረት ዘይብሉ ኣኽብሮት እተላዕለ ኸኣ ከም እነፍቅሮ የርኢ። ኵሉ ሰብ ንስሙ ኽብ ኣቢሉ እንተ ዚርእዮ ዚብል ባህጊ ኸም ዚሓድረና ይገብር። እምበኣር ብስም እቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንዘለኣለም ክንመላለስ እንተደኣ ዄንና: ንርእስና ኣምልኾ ኸነላምዳ ኣሎና።—መዝሙር 37:4፣ 2 ጴጥሮስ 3:11
15. ንኣምላኽ ጥራይ ውፉያት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
15 ንኣምላኽ ተቐባልነት ብዘለዎ መገዲ ንምግልጋል: ንሱ ባዕሉ “ቀናእ ኣምላኽ” ምዃኑ ማለት ንበይኑ ጥራይ ውፉያት ክንከውን ከም ዚደልየና ስለ ዝገለጸ: ንዕኡ በይኑ ጥራይ ከነምልኽ ኣሎና። (ዘጸኣት 20:5) ንኣምላኽን ነዛ ሰይጣን ዝኣምላኻ እክይቲ ዓለምን ብሓንሳእ ከነፍቅር ኣይንኽእልን ኢና። (ያእቆብ 4:4፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17) ነፍሲ ወከፍና እንታይ ዓይነት ሰብ ክንከውን ንጽዕር ከም ዘለና የሆዋ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። (ኤርምያስ 17:10) ብሓቂ ጽድቂ ንፈቱ እንተደኣ ዄንና: ነዚ ይርእዮ እዩ: መዓልታዊ ዜጋጥመና ፈተናታት ንኽንጻወር ድማ ኪሕግዘና እዩ። በቲ ሓያል መንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ብምሕጋዝ: ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ እከይ ንኽንስዕሮ ደገፍ ይህበና። (2 ቈረንቶስ 4:7) ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንረክብ ዘላትና ድልድልቲ ተስፋ ሒዝና ንኽንቅጽል እውን ይሕግዘና። እዝስ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ! ኣዚና ኸነማስወሉን ነቲ እዚ ኽንረክብ መገዲ ዚኸፈተልና ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ብፍታው ከነገልግሎን ኣሎና።
16. ምስቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ብሓባር እንታይ ክትገብር እዩ ድሌት ኪሓድረካ ዘለዎ፧
16 ኣብ መላእ ምድሪ ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ነቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ንእግዚኣብሄር [“ንየሆዋ:” NW] ምሳይ ኣዕብይዎ: ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ” ብምባል ዝጸሓፎ ጻውዒት ተሓጒሶም ተቐቢሎምዎ ኣለዉ። (መዝሙር 34:3) ንዓኻውን የሆዋ ኻብቶም ነዚ ዚገብሩ ዘለዉ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ እተኣከቡ ቝጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሰባት ክትከውን ጻውዒት የቕርበልካ ኣሎ።
መመያየጢ ሕቶታት
• የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣምላኽ እዩ፧ ብዛዕባ ባህርያቱ ንጹር ምርዳእ ምስ እንሕዝ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧
• ንኻልኦት ፍቕሪ እነርእዮም ብኸመይ ኢና፧
• ስም የሆዋ ምፍላጥን ብስሙ ምምልላስን እንታይ የጠቓልል፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ በታ ዓባይ ፍቕሩ ተደሪኹ: ‘ኢዱ ኸፊቱ: ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ኬጽግቦ እዩ’