ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመዓልቲ የሆዋ ኣቀላጥፋ

ንመዓልቲ የሆዋ ኣቀላጥፋ

ምዕራፍ ዕስራ

ንመዓልቲ የሆዋ ኣቀላጥፋ

1. መወዳእታ እዚ ዜጕሂ ኣረጊት ኣገባብ እዚ ኸም ዝቐረበ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ፈለጥካ ኸመይ ተሰሚዑካ፧

 ሓደ ኻብቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርካዮ ናይ መጀመርታ ነገራት: የሆዋ ንምልእቲ ምድሪ ገነት ክትከውን ዕላማ ኸም ዘለዎ እዩ። ኣብ ሓዳስ ዓለም ውግእ: ገበን: ድኽነት: ሕማም: ስቓይ: ከምኡውን ሞት ኣይኪህሉን እዩ። ምዉታት እውን ከይተረፈ እንደገና ህያዋን ኪዀኑ እዮም። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ተስፋታት ኰን እዩ! ካብ 1914 ኣትሒዙ ክርስቶስ ብንግስናኡ ኣቢሉ ብዘይርአ መዳይ ምሳና ምህላዉን ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዝና ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ምህላውናን: እዚ ዅሉ ተስፋታት ፍጻሜኡ ዝረኽበሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ይሕብረና። ኣብ መወዳእታ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት የሆዋ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ኣጥፊኡ ነታ መብጽዓ ዝኣተወላ ሓዳስ ዓለም ኬምጽኣ እዩ!

2. መዓልቲ የሆዋ እንታይ እያ፧

2 መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚመጽእ ዘሎ ጥፍኣት “መዓልቲ ጐይታ” ወይ መዓልቲ የሆዋ ኢሉ ይጽውዖ። (2 ጴጥሮስ 3:10) እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ልዕሊ ምልእቲ ናይ ሰይጣን ዓለም እትወርድ “መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር” እያ። (ጸፎንያስ 2:3) “ነገስታት ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ” ኣብቲ “ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሀል ቦታ” ተኣኪቦም ኣብ ዚጠፍኡሉ እዋን ከኣ እያ እትዛዘም። (ራእይ 16:14, 16) ናብራ ህይወትካ “መዓልቲ እግዚኣብሄር” ቀሪባ ምህላዋ ኸም እትኣምን የርኢ ድዩ፧—ጸፎንያስ 1:14-18፣ ኤርምያስ 25:33

3. (ሀ) መዓልቲ የሆዋ መዓስ እያ እትመጽእ፧ (ለ) የሆዋ “እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን” ዘይምግላጹ ጠቓሚ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ እታ የሆዋ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ እዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ፍርዱ ዝፍጽመላ ዕለት ፈልዩ ኣይነግረናን እዩ። የሱስ ባዕሉ “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ግና ኣቦ ደኣ እምበር: መላእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወዲ ዀነ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን” በለ። (ማርቆስ 13:32) እቶም ንየሆዋ ብሓቂ ዘየፍቅርዎ: ነታ መዓልቲ ኸም እትድንጒ ገይሮም ብምሕሳብ ኣብ ዓለማዊ ውራዮም እዮም ዜተኵሩ። እቶም ብሓቂ ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ግን መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ዝመጸሉ እዋን ብዘየገድስ ብምሉእ ነፍሶም እዮም ዜገልግልዎ።—መዝሙር 37:4፣ 1 ዮሃንስ 5:3

4. የሱስ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዝሃበ፧

4 የሱስ ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ኼጠንቅቖም ከሎ “እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑ” በለ። (ማርቆስ 13:33-37) ምብላዕን ምስታይን ወይ “ሓልዮት ሓዳር” ነቓልቦና ምሉእ ብምሉእ ብምቍጽጻር: ነዚ ግዜ እዚ ኣፍኲስና ኸም እንርእዮ ንኸይገብረና እዩ ተማሕጺኑና።—ሉቃስ 21:34-36፣ ማቴዎስ 24:37-42

5. ከምቲ ጴጥሮስ ዝገለጾ መዓልቲ የሆዋ እንታይ ከተምጽእ እያ፧

5 ጴጥሮስ እውን ብተመሳሳሊ ነቲ “ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ: ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ: . . . ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ” ከነቀላጥፎ መዓደ። እቶም “ሰማያት” ተባሂሎም ዘለዉ ዅሎም ሰብኣውያን መንግስትታት: እቲ “ምድሪ” ተባሂሉ ዘሎ እኩይ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ: ከምኡውን እቲ “ፍጥረት ሰማይ” ተባሂሉ ዘሎ ኻብ ኣምላኽ ተፈሊኻ ናይ ምንባር ኣረኣእያ ዀነ ኣብ ናይ ርኽሰትን ፍቕረ-ንዋይን ናብራ ዜተኵር ሓሳባትን ንጥፈታትን እዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ኺጠፍእ እዩ። እዚ ዅሉ በቲ “ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን [ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ] ሓድሽ ምድርን [ሓድሽ ምድራዊ ሕብረተሰብ]” ኪትካእ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:10-13) እዚ ዓብዪ ለውጢ ዜምጽእ ፍጻመታት ብሃንደበትን ኣብ ዘይተጸበናዮ መዓልትን ሰዓትን እዩ ኺጅምር።—ማቴዎስ 24:44

ነቲ ምልክት ነቒሕካ ተኸታተል

6. (ሀ) የሱስ ነታ ደቀ መዛሙርቱ ዝሓተትዎ ሕቶ ዝሃቦ መልሲ ኣብ ስርዓት ኣይሁድ እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ካብቲ የሱስ ዝሃቦ መልሲ ኣየናይ ክፋል እዩ ኣብቲ ኻብ 1914 ኣትሒዙ ዘጋጠመ ፍጻመታትን ዚንጸባረቕ ባህርያትን ዜተኵር፧

6 ነዚ ዘለናሉ ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው: ነቲ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ወይ “መወዳእታ ዓለም” ዚልለየሉ ሓያሎ ትእምርትታት ወይ ምልክታት ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ኣሎና። ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 24:3 ተገሊጹ ዘሎ: የሱስ ነታ ደቀ መዛሙርቱ ዝሓተትዎ ሕቶ ኺምልሰሎም ከሎ: ገለ ኻብቲ ኻብ ቍጽሪ 4 ክሳዕ 22 ዝገለጾ ነገራት: ካብ 33 ክሳዕ 70 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝነበረ ስርዓት ኣይሁድ ብእተወሰነ ደረጃ ፍጻሜኡ ኸም ዝረኸበ ኣይትረስዕ። እንተዀነ ግን: እቲ ትንቢት ካብቲ ክርስቶስ ብስልጣኑ መጺኡ ምሳና ዘለወሉን ካብቲ “መወዳእታ ዓለም” ዝጀመረሉን 1914 ኣትሒዙ ኣብ ዘሎ ግዜ ዝዓበየ ፍጻሜኡ ይረክብ ኣሎ። ማቴዎስ 24:23-28 ካብ 70 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ክርስቶስ ዝመጸሉ ወይ ብስልጣኑ ምሳና ዝህልወሉ ግዜ ዘሎ እዋን እዩ ዚገልጽ። እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:29–25:46 ተገሊጹ ዘሎ ምዕባለታት ድማ ኣብ ግዜ መወዳእታ እዩ ዚፍጸም።

7. (ሀ) እቲ ምልክታት ኣብዚ ግዜና ብኸመይ ይፍጸም ከም ዘሎ ነቒሕና ኽንከታተል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እቲ ምልክታት ካብ 1914 ኣትሒዙ ብኸመይ ከም እተፈጸመ ዜርኢ ኣብ መወዳእታ እታ ሕጡብ ጽሑፍ ዚርከብ ሕቶታት መልስ።

7 ነፍሲ ወከፍና እቲ ምልክት ፍጻሜኡ ንዝረኽበሉ ዘሎ ዅነታትን ባህርያትን ነቒሕና እንከታተል ክንከውን ኣሎና። ነዚ ነገራት እዚ ምስ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምትሕሓዝ ነታ መዓልቲ የሆዋ ንኸነቀላጥፋ ወይ ኣቕሪብና ንኽንሪኣ ኺሕግዘና እዩ። ንኻልኦት ብዛዕባ ምቕራብ እታ መዓልቲ ኸነጠንቅቖም ከለና እውን እነእምን ንኽንከውን የኽእለና። (ኢሳይያስ 61:1, 2) ነዚ ሸቶታት እዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ: ኣብ ማቴዎስ 24:7 ከምኡውን ኣብ ሉቃስ 21:10, 11 ተመዝጊቡ ዚርከብ ገለ ኻብቲ ነቲ ምልክታት ዜጕልሕ ሕቶታት እስከ ንመርምር።

 “ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ” ኺለዓል ምዃኑ እተነግረ ትንቢት ካብ 1914 ጀሚሩ ብዜደንቕ መገዲ እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እንታይ ውግኣት እዩ ተኻይዱ፧

 ብ1918 እንታይ ፌራ እዩ ኻብቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝሞቱ ሰባት ዚበዝሕ ዘጥፍአ፧ ኣብዚ ሕጂ እዋን ደቅሰብ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ሰፊሕ ፍልጠት እኳ እንተለዎም: ኣየናይ ሕማማት እዩ ሚልዮናት ዚቐትል ዘሎ፧

 ኣብዚ መወዳእታ ዘመን ስነ-ፍልጠታዊ ምዕባለታት እኳ እንተ ተገብረ: ጥሜት ንምድሪ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዜሸግራ ዘሎ፧

 ሰባት ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ከምቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5, 13 ተገሊጹ ዘሎ ኸም ዘይነበሩ: የግዳስ ናብ መወዳእታ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ክንቃረብ ከለና ሕማቕ ኵነታት እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ዘእምነካ እንታይ እዩ፧

ንሰባት ምፍልላይ

8. (ሀ) የሱስ ኣብ ማቴዎስ 13:24-30, 36-43 ተገሊጹ ዚርከብ እንታይ ፍጸመ እዩ ምስ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ዘተሓሓዞ፧ (ለ) ትርጕም እቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስላ እንታይ እዩ፧

8 የሱስ ምስ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ዘተሓሓዞ ኻልእ ኣገዳሲ ምዕባለታት እውን ኣሎ። ሓደ ኻብዚ ድማ “ደቂ መንግስቲ” ኻብ “ደቂ እቲ ኽፉእ” ምፍልላይ እዩ። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ግራት ስርናይ ዝሃቦ ምስላ ነዚ ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብዛ ግራት እዚኣ ጸላኢ ኽርዳድ ዘርአ። እቲ ኣብዚ ምስላ “ስርናይ” ተባሂሉ ዘሎ ነቶም ናይ ሓቂ ቕቡኣት ክርስትያናት እዩ ዜመልክት። እቲ “ኽርዳድ” እቶም ክርስትያናት ኢና እናበሉ ናብታ ድያብሎስ ዝገዛኢኣ ዓለም ብምጥባቖም: “ደቂ እቲ ኽፉእ” ምዃኖም ዘርኣዩ እዮም። እዚኣቶም ካብ “ደቂ መንግስቲ [ኣምላኽ]” ኪፍለዩን ንጥፍኣት ኪምጠዉን እዮም። (ማቴዎስ 13:24-30, 36-43) እዚ ብሓቂዶ ተፈጺሙ እዩ፧

9. (ሀ) ድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም: ኣብ መንጎ እቶም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ እንታይ ዓብዪ ምፍልላይ እዩ እተገብረ፧ (ለ) ቅቡኣት ክርስትያናት ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኖም ብኸመይ እዮም መርትዖ ሂቦም፧

9 ድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ኵሎም እቶም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ኣብ ክልተ ጕጅለ ተመቕሉ። እዚኣቶም ከኣ (1) እቶም ነንሃገራቶም ዘለዎም ተኣማንነት ከየጕደሉ ንእተኣሳሰራ መንግስትታት (ሕጂ ሕቡራት መንግስትታት) ኣጸቢቖም ዚድግፉ ኣቕሽሽትን ምእመናንን ህዝበ-ክርስትያን: (2) እቶም ድሕሪ እቲ ውግእ ንሃገራት ዓለም ዘይኰነስ ነታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ደገፎም ዝሃቡ እዮም። (ዮሃንስ 17:16) እዚኣቶም ነቲ “ወንጌል መንግስቲ” ኣብ ብዘላ ምድሪ ብምስባኽ ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኖም ኣርኣዩ። (ማቴዎስ 24:14) እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧

10. ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ፈለማ ዘፍረዮ ፍረ እንታይ እዩ ነይሩ፧

10 ፈለማ እቶም ክፍሊ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ንምዃን ተስፋ ዘለዎም ተረፍ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ እተቐብኡ ተኣከቡ። እዚኣቶም ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ፋሕ ዝበሉ እኳ እንተ ነበሩ: ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ማሕበር ብሓድነት ሰመሩ። እዞም ቅቡኣት ንመወዳእታ ዚሕተሙሉ ግዜ ቐሪቡ እዩ ዘሎ።—ራእይ 7:3, 4

11. (ሀ) እንታይ ናይ ምእካብ ዕዮ እዩ ዚካየድ ዘሎ: እዚኸ ምስ ኣየናይ ትንቢት እዩ ዚሰማማዕ፧ (ለ) ፍጻመ እዚ ትንቢት እዚ እንታይ የመልክት፧

11 ድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ክርስቶስ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን . . . ብዙሓት ሰብ” ኪእከቡ ጀመሩ። እዚኣቶም እቶም ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ድሒኖም ናብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ዚኣትዉ ኽፍሊ እተን “ካልኦት ኣባጊዕ” እዮም። (ራእይ 7:9, 14፣ ዮሃንስ 10:16) እቲ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ዚካየድ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ: ክሳዕ እዚ ግዜና ይቕጽል ኣሎ። እቶም ሕጂ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኽፍሊ እተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ብዙሓት ሰብ ምስቶም ቅቡኣት ተረፍ ሓቢሮም ነቲ ኣገዳሲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ይእውጁ ኣለዉ። እዚ መልእኽቲ እዚ ንዅሎም ኣህዛብ እዩ ዚንገሮም ዘሎ።

ኣብ መጻኢ እንታይ ኪኸውን እዩ፧

12. መዓልቲ የሆዋ ቕድሚ ምምጻኣ ኽንደይ ዚኣክል ዕዮ ስብከት እዩ ኺዕየ፧

12 እዚ ዅሉ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ነገራት: ናብ መወዳእታ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዝቐረብናን መዓልቲ የሆዋ ኣዝያ ቐሪባ ኸም ዘላን እዩ ዜመልክት። እንተዀነ ግን: እታ እተፍርህ መዓልቲ ቕድሚ ምጅማራ ዚፍጸም ትንቢታት ኣሎ ድዩ፧ እወ: ሓደ ኻብኡ እቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብዚምልከት ኣብ ሰባት ዚግበር ዘሎ ናይ ምፍልላይ ዕዮ ገና ኣይተወድአን። ኣብ ገሊኡ ንሓያሎ ዓመታት ከቢድ ምጽራር ዝነበሮ ኸባቢታት: ሕጂ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ይውሰኹ ኣለዉ። ኣብቲ ሰባት ነቲ ብስራት ዚነጽግዎ ቦታታት እውን እንተዀነ: ምስክርነት ይወሃብ ምህላዉ ምሕረት የሆዋ እዩ ዜርኢ። ስለዚ: ነዚ ዕዮ እዚ ኻብ ምዕያይ ኣይተቋርጽ! የሱስ እቲ ዕዮ ምስ ተፈጸመ: መወዳእታ ኸም ዚመጽእ ኣረጋጊጹልና እዩ።

13. ኣብ 1 ተሰሎንቄ 5:2, 3 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ: እንታይ ኣቓልቦ ኺዋሃቦ ዚግባእ ጕዳይ እዩ ብሕጂ ኺፍጸም: እዚኸ ንዓና እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

13 ካልእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ “ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ: ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ: ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም: ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም” ይብል። (1 ተሰሎንቄ 5:2, 3) እዚ “ሰላምን ደሓንን” ተባሂሉ ዘሎ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ብሕጂ እንርእዮ ጕዳይ እዩ። ይኹን እምበር: ከምዚ ኺበሃል ከሎ መራሕቲ ዓለም ጸገማት ደቅሰብ ኪፈትሑ ማለት ከም ዘይኰነ እተረጋገጸ እዩ። እቶም ንመዓልቲ የሆዋ ዜቀላጥፍዋ ወይ ከም ዝቐረበት ገይሮም ዚርእይዋ ግን በዚ ኣዋጅ እዚ ኣይታለሉን እዮም። ድሕርዚ: ብኡንብኡ ሃንደበታዊ ጥፍኣት ከም ዚመጽእ ይፈልጡ እዮም።

14. ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ እንታይ ፍጻመታት እዩ ኼጋጥም: ብኸመይ መስርዕከ እዩ ዚፍጸም፧

14 ኣብ መጀመርታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ወይ መከራ: ገዛእቲ ዓለም ነታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ኪለዓልዋን ኬጥፍእዋን እዮም። (ማቴዎስ 24:21፣ ራእይ 17:15, 16) ድሕሪኡ ሃገራት ኣብቶም ንሉዓላውነት የሆዋ ዚድግፉ መጥቃዕትታተን ምስ ፈነዋ: የሆዋ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካውያን መንግስትታትን ደገፍተንን ኪቝጣዕ እዩ። እዚውን ምሉእ ጥፍኣት ኬስዕበለን እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እዩ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ብኣርማጌዶን ዚዛዘም። ድሕርዚ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብ መዓሙቝ ስለ ዚእሰሩ: ንደቅሰብ ጽልዋ ኣይኪገብሩሎምን እዮም። ስም የሆዋ ልዕል ምስ በለ: መዓልቲ የሆዋ በዚ ኽትዛዘም እያ።—ህዝቅኤል 38:18, 22, 23፣ ራእይ 19:11–20:3

15. መዓልቲ የሆዋ ገና ኸም ዝዀነት ጌርካ ምሕሳብ ዘይጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

15 መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ እዩ ዚፍጸም። ኣይኪድንጕን ከኣ እዩ። (ኣንባቆም 2:3) እቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ዝመጸ ጥፍኣት የሩሳሌም: ኣይሁድ ኣብ ዘይተጸበይዎን ካብቲ ጥፍኣት ዘምለጡ ዀይኑ ኣብ ዚስምዖምን ዝነበረ እዋን ቀልጢፉ ኸም ዝመጸ ኣይትረስዕ። ንጥንታዊት ባቢሎንከ ጥፍኣት ብኸመይ እዩ መጺእዋ፧ እዛ ኸተማ እዚኣ ሓያልን ኣብ ርእሳ እትተኣማመንን ብዓበይቲ ግምቢ እተዓርደትን እያ ነይራ። ኰይኑ ግን: ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ለይቲ እያ ወዲቓ። ኣብዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ እውን ጥፍኣት ብሃንደበት እዩ ኪመጽእ። እቲ ጥፍኣት ኣብ ዝመጸሉ እዋን: ነታ መዓልቲ የሆዋ እናኣቀላጠፍና ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብሓድነት ዝሰመርና ዄንና ንረኸብ።

መመያየጢ ሕቶታት

• ንመዓልቲ የሆዋ ኸነቀላጥፋ ወይ ኣቕሪብና ኽንርእያ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ነዚኸ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧

• በቲ ኣብዚ ግዜና ዚግበር ዘሎ ናይ ሰባት ምፍልላይ ብብሕቲ እንትንከፍ ብኸመይ ኢና፧

• መዓልቲ የሆዋ ቕድሚ ምምጻኣ እንታይ ኪፍጸም እዩ፧ ስለዚ ብብሕትና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 180, 181 ዘሎ ስእልታት]

ድሕሪ ሓጺር እዋን እዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ምስ ጠፍአ: ዳሕሮት መዓልትታት ኪውድኣ እየን