ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቓል ኣምላኽ ኣጽኒዕካ ሓዞ

ንቓል ኣምላኽ ኣጽኒዕካ ሓዞ

ምዕራፍ ሰለስተ

ንቓል ኣምላኽ ኣጽኒዕካ ሓዞ

1. (ሀ) ጥንታዎት እስራኤላውያን ቃል ኣምላኽ ሓቂ ዀይኑ ዝረኸብዎ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) እዚ ንዓና ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧

 እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ: እያሱ ነቶም ዓበይቲ እስራኤል “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ: ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ” በሎም። (እያሱ 23:14-16) እወ: የሆዋ ዝኣተዎ መብጽዓ ተፈጺሙ እዩ። እዚ ጸብጻብ እዝን ዝተረፈ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስን “ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና” እዩ ተዓቂቡልና።—ሮሜ 15:4

2. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ኺበሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝነፈሶ ምስ ፈለጥና: እንታይ ሓላፍነት ኢና እንስከም፧

2 መጽሓፍ ቅዱስ ብ40 ዚዀኑ ሰባት እኳ እንተ ተጻሕፈ: ደራሲኡ ግን የሆዋ እዩ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ነቲ ኣብኡ ዚጸሓፍ ዘበለ ብምሉኡ ይቈጻጸሮ ነይሩ ማለት ድዩ፧ እወ። ነዚ ድማ በቲ መስለጢ ሓይሉ ዝዀነ መንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ እዩ ገይርዎ። እምበኣር: ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ . . . ይጠቅም እዩ” ኺብል ሓቁ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ ዚኣምኑ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሰባት: ንመጽሓፍ ቅዱስ ይስዕብዎን በቲ ትምህርትታቱ ይመላለሱን ኣለዉ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17፣ 1 ተሰሎንቄ 2:13

ካልኦት ንኺርድኦም ሓግዞም

3. ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ዘይኣምኑሉ ሰባት ክንሕግዘሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ እንታይ እዩ፧

3 ብዙሓት እነዘራርቦም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ኣይኣምኑሉን እዮም። ነዚኣቶም ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዝበለጸ መገዲ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልና ኣብኡ ዚርከብ ሓሳባት ምርኣዮም እዩ። “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ . . . ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።” (እብራውያን 4:12) “ቃል ኣምላኽ” ግዜኡ ዝሓለፎ ታሪኽ ዘይኰነስ: ህያው እዩ! ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓታት ከይተፈጸመ ዚተርፍ ኣይኰነን። መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ኻብ ልቢ ሰብ ዚምንጭ ናይ ሓቂ ድራኸ ዜሕድሮ ጽልዋ: ካብቲ ኻብ ርእስና እንዛረቦ ዝዀነ ይኹን ነገር ዝያዳ ሓይሊ ኣለዎ።

4. እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት እዩ ነቲ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮም ኣረኣእያ ዝቐየሮ: ስለምንታይከ፧

4 ስም ኣምላኽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እነርእዮም: ዕምቈት ዘለዎ ምርምር ንኺገብሩ የለዓዕሎም። ገሊኣቶም ከኣ ብዛዕባ ዕላማ ህይወት: ኣምላኽ እከይ ዘፍቀደሉ ምኽንያት: ትርጕም እዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ፍጻመታት: ወይ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኸም ዘሎ ምስ ፈለጡ: መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ይውስኑ። ኣብተን ንእኩያት መናፍስቲ ዜቃልዕ ሃይማኖታዊ ልምድታት ዘለወን ሃገራት: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጠንቁን ብኸመይ ካብኡ ኸም እትናገፍን ዚህቦ መግለጺ ተገዳስነት ሰባት ኣለዓዒሉ እዩ። እዚ ነጥብታት እዚ ንቕኑዓት ሰባት ዚትንክፎም ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ጕዳያት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ ኽትተኣማመነሉ እትኽእል ሓበሬታ ዚህብ።—መዝሙር 119:130

5. (ሀ) ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይኣምኑ ዚገብሮም እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (ለ) ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

5 ይኹን እምበር: ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይኣምኑ እንተ ነገሩና: ብኡንብኡ ዝርርብና ኽንዓጹ ግቡእ ድዩ፧ ኣእምሮኦም ከፊቶም መርትዖታት ኪቕበሉ ፍቓደኛታት እንተ ዀይኖም: ዝርርብና ኣብዚ ኣይነብቅዕን ኢና። ንመጽሓፍ ቅዱስ ናይ ህዝበ-ክርስትያን መጽሓፍ ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ። ህዝበ-ክርስትያን ድማ ግብዝቲ: ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ እትኣቱ: ከምኡውን ወትሩ ገንዘብ እትልምን ብምዃና ኣብቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ኣረኣእያ ሕማቕ ጽልዋ ገይሩሎም ይኸውን። ከምኡ ዚስምዖም እንተ ዀይኑ ንምንታይ ዘይትሓቶም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ህዝበ-ክርስትያን እትመላለሰሉ ዓለማዊ መገድታት ምዅናኑ: ከምኡውን ኣብ መንጎ ህዝበ-ክርስትያንን ናይ ሓቂ ክርስትናን ብዛዕባ ዘሎ ፍልልይ ዚገልጾ ነጥብታት ተገዳስነቶም ኬለዓዕል ይኽእል ይኸውን።—ሚክያስ 3:11, 12፣ ማቴዎስ 15:7-9፣ ያእቆብ 4:4

6. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ንዓኻ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ ምዃኑ ሰባት ንኺግንዘቡ ንምሕጋዝ እንታይ ካልእ መርትዖታት ክትጥቀም ትኽእል፧

6 ንገሊኣቶም ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ ዚገልጽ መርትዖ ብምሃብ ብቐጥታ ምምይያጦም ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ የሆዋ ኣምላኽ ምዃኑ ንዓኻ ብንጹር ዘረጋገጸልካ እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ኻበይ ከም ዝመነጨ ዚብሎ ነገር ድዩ፧ ወይስ ብዛዕባ መጻኢ ዝርዝር ነገራት ዚገልጽ ሓያሎ ትንቢታት ብምሓዙ: ካብ ልዕለ-ሰብኣዊ ምንጪ ኸም ዝመጸ ዚሕብር መርትዖ እዩ፧ (2 ጴጥሮስ 1:20, 21) መጽሓፍ ቅዱስ 1,600 ዓመት ኣቢሉ ኣብ ዚኸውን ንውሓት ብ40 ሰባት ተጻሒፉ ኽነሱ: ንሓድሕዱ ኣጸቢቑ ዚሰማማዕ ምዃኑ ድዩ መርትዖ ዀይኑካ፧ ወይስ ከምቲ ኣብቲ ግዜ እቲ እተጻሕፈ ጽሑፋት ዘይኰነስ ብስነ-ፍልጠት ልክዕ ብምዃኑ እዩ፧ እቶም ጸሓፍቱ ቕኑዓት ምዃኖም ድዩ፧ ወይስ ንምጥፋኡ ጭካነ ዝመልኦ ጻዕሪ እኳ እንተ ተገብረ: ክሳዕ ሕጂ ምጽናሑ እዩ፧ እቲ ንዓኻ ዝተንከፈካ ነገር: ንኻልኦት ንምሕጋዝ እውን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። a

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

7, 8. (ሀ) ንመጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢና ኽንገብሮ ዘሎና፧ (ለ) ኣብ ልዕሊ እቲ ብብሕትና እንገብሮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዜድልየና፧ (ሐ) ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ ኺርድኣካ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

7 ኣብ ልዕሊ እቲ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺኣምኑ እንገብሮ ሓገዝ: ንሕናውን ግዜ መዲብና ኣዘውቲርና ኸነንብቦ ኣሎና። ከምኡ ትገብርዶ ኣለኻ፧ ካብቲ ኽሳዕ ሕጂ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ: እዚ መጽሓፍ እዚ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ እዩ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ብውልቅና እንተደኣ ኣንቢብናዮ ጥራይ እኹል እዩ ማለት ኣይኰነን። ቅዱሳት ጽሑፋት ርእስና ኸይንፈሊ እዩ ዜጠንቅቐና። ባዕልና ምርምር ብምግባር ኵሉ ነገራት ክንርድኦ ንኽእል ኰይኑ ኺስምዓና የብሉን። ሚዛንና ዝሓሎና ክርስትያናት ንኽንከውን: ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኽንገብርን ኣዘውቲርና ኣብ ኣኼባታት ህዝቢ ኣምላኽ ክንእከብን የድልየና።—ምሳሌ 18:1፣ እብራውያን 10:24, 25

8 ነዚ ብዚምልከት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ ትንቢት ኢሳይያስ ዜንብብ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ይነግረና። ፊልጶስ ዚበሃል ወንጌላዊ ክርስትያን ብመልኣኽ ተመሪሑ ናብዚ ሰብኣይ ብምኻድ “እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ አሎኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ኢትዮጵያዊ ኸኣ “ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ: ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧” ብምባል ብትሕትና መለሰ። ነቲ ዜንብቦ ዝነበረ ኽፋል ንኺገልጸሉ ድማ ንፊልጶስ ለመኖ። ፊልጶስ መጽሓፍ ቅዱስ ብብሕቱ ጥራይ ዜንብብ: ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ከኣ ናይ ርእሱ ኣረኣእያ ዚህብ ሰብ ኣይነበረን። የግዳስ: ምስታ እትርአ ማሕበር ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ነበሮ። ስለዚ ድማ ነቲ ኢትዮጵያዊ ኻብቲ የሆዋ ብማሕበሩ ኣቢሉ ዚህቦ ትምህርቲ ንኺጥቀም ኪሕግዞ ይኽእል ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:5, 6፣ 8:5, 26-35) ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ዋላ ሓደ ሰብ ብርእሱ ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ ቅኑዕ ምርዳእ ኪህልዎ ኣይክእልን እዩ። ኵላትና ኻብቲ የሆዋ ብፍቕሩ ተደሪኹ በታ እትርአ ማሕበሩ ኣቢሉ ዝገበረልና ምድላው ሓገዝ የድልየና እዩ።

9. እንታይ ዓይነት መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ንዅላትና ኺጠቕመና ዚኽእል፧

9 መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺርድኣና: ማሕበር የሆዋ ብእተፈላለየ ጽሑፋት ኣቢላ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ብሉጽ ትምህርቲ ተዳልወልና እያ። ብዘይካዚ: ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ: ስሩዕ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ይውሰድ እዩ። ንቕዱሳት ጽሑፋት ብብሕቲ ምስ እትምርምሮ ብዙሕ ረብሓ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 1:1-3፣ 19:7, 8) መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርካ ንምንባብ ፍሉይ ጻዕሪ ግበር። ኵሉ እቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተረድኣካ: ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ሓፈሻዊ ፍልጠት ምሓዝካ ብዙሕ እዩ ዚጠቕመካ። ንኣብነት: ኣብ መዓልቲ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ገጻት ጥራይ እንተ ኣንቢብካ: ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዓመት ክትውድኦ ትኽእል ኢኻ።

10. (ሀ) ኣበየናይ እዋን ኢኻ መጽሓፍ ቅዱስ እተንብብ፧ (ለ) ንመን ኢና መጽሓፍ ቅዱስ ምሳና ሓቢሮም ከም ዜንብቡ ኽንገብር እንኽእል: ንባብና ስሩዕ ምዃኑ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

10 ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ መዓስ ክትገብሮ ትኽእል፧ ኣብ መዓልቲ 10 ወይ 15 ደቒቕ ጥራይ እኳ እንተ መዲብካ: ብዙሕ ክትጥቀም ኢኻ። ከምዚ ኽትገብር እንተ ዘይክኢልካ: እንተ ወሓደ ኣብ ሰሙን እተወሰነ እዋን ነዚ መድቦ። ድሕሪኡ ኣብ መደብካ ጽናዕ። ብዓል ሓዳር እንተ ዄንካ: ምስ ብዓልቲ ቤትካ ንሓድሕድኩም ዓው ኢልኩም ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም። ከንብቡ ዚኽእሉ ውሉዳት እንተልዮምኹም: በብተራ ዓው ኢሎም ከም ዜንብቡ ኽትገብርዎም ትኽእሉ ኢኹም። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ: ልክዕ ከም ምግቢ: ኣብ ምሉእ ህይወትካ ዚቕጽል ልማድ ኪኸውን ኣለዎ። ከም እትፈልጦ: ሓደ ሰብ ኣመጋግባኡ ሕማቕ እንተ ዀይኑ: ጥዕናኡ እዩ ዚጕዳእ። መንፈሳዊ ጥዕናናን ዘለኣለማዊ ህይወትናን እውን ኣብቲ ‘ኻብ ኣፍ ኣምላኽ ዚወጽእ ኵሉ ቓል’ እተመርኰሰ እዩ።—ማቴዎስ 4:4

ዕላማና

11. መጽሓፍ ቅዱስ እነንብበሉ ዕላማ እንታይ እዩ ኪኸውን ዚግባእ፧

11 መጽሓፍ ቅዱስ እነንብበሉ ዕላማ እንታይ እዩ ኪኸውን ዚግባእ፧ ሸቶና እተወሰነ ምዕራፋት ምሽፋን ጥራይ ኪኸውን የብሉን። ንኣምላኽ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ እሞ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ንኺውስኽን ብቕቡል መገዲ ንኸነምልኾን ኢልና ኪኸውን ኣለዎ። (ዮሃንስ 5:39-42) ኣረኣእያና ኸምቲ “ዎ እግዚኣብሄር: ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ: መገድታትካ ምሀረኒ” ዝበለ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ዓይነት ኣረኣእያ ኪኸውን ኣለዎ።—መዝሙር 25:4

12. (ሀ) ርጡብ “ፍልጠት” ምርካብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ንኽትረክብከ ኸተንብብ ከለኻ እንታይ ጻዕሪ ኽትገብር የድልየካ፧ (ለ) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦ በየናይ ኣርባዕተ ነጥብታት ጌርካ ምስ እትምርምሮ ኢኻ ኽትጥቀም እትኽእል፧ (ኣብ ገጽ 30 ዚርከብ ሳጹን ርአ።) (ሐ) ነዚ ኣብዛ ሕጡብ ጽሑፍ ዘሎ ሕቶታት ብምምላስ ነዚ ነጥብታት እዚ ኣነጽሮ። ነቲ እንታይ ከም ዚብል ዘይተጠቐሰ ጥቕስታት ኣንብቦ።

12 ካብ የሆዋ ኽንመሃር ከለና: ርጡብ “ፍልጠት” ንኽንረክብ ባህጊ ኺህልወና ኣለዎ። ከምዚ እንተደኣ ዘይጌርና ግን ከመይ ጌርና ኢና እሞ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ወይ ንኻልኦት ብግቡእ ክንገልጸሎም እንኽእል፧ (ቈሎሴ 3:10፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:15) ርጡብ ፍልጠት ንምርካብ ተጠንቂቕና ኸነንብብ: ክብድ ዝበለ ኽፋል እንተ ዀይኑ ኸኣ ንኺርድኣና ደጋጊምና ኸነንብቦ የድልየና ይኸውን። ነቲ ዘንበብናዮ ግዜ ወሲድና ኻብ እተፈላለየ ዅርናዓት ብምሕሳብ እንተ ኣስተንቲንናሉ እውን ንጥቀም ኢና። ኣብ ገጽ 30 ንኽንሓስብ መገዲ ዚኸፍተልና ኣርባዕተ ነጥብታት ኣሎ። ዝበዝሐ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት በዚ ኣብዚ ዘሎ ነጥብታት ብሓዲኡ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጌርካ ብምምርማር ጥቕሚ ኺርከብ ይከኣል እዩ። ነዚ ኣብ ዚቕጽል ገጻት ዘሎ ሕቶታት ክትምልስ ከለኻ: ነዚ ነገር እዚ ብግብሪ ኽትርእዮ ኢኻ።

(1) መብዛሕትኡ ግዜ እቲ እተንብቦ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት: የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ ሓደ ነገር ይነግረካ እዩ። ንኣብነት: ኣብ መዝሙር 139:13, 14 ኣምላኽ ነቶም ገና ዘይተወልዱ ዕሸላት ኣጸቢቑ ኸም ዚሓልየሎም ትገልጸልና። እታ ጥቕሲ “ኣብ ከርሲ ወላዲተይ አሊምካኒ: መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ: ከማስወካ እየ: ግብርታትካ መስተንክር እዩ: ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ” ትብል። ፍጥረት የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ኰን እዩ! እወ: እቲ ሰባት እተፈጥሩሉ ኣገባብ ብዛዕባ እታ ዓባይ ፍቕሩ እዩ ዚምስክር።

ነቲ ኣብ ዮሃንስ 14:9, 10 ተገሊጹ ዘሎ ነገር ኣብ ግምት ብምእታው: የሱስ ንሰባት ብኸመይ ከም ዚሕዞም ከነንብብ ከለና: የሆዋ እንታይ ከም ዚገብር ኢና ንፈልጥ ዘሎና። ከምዚ ኻብ ኰነ: ካብቲ ኣብ ሉቃስ 5:12, 13 ከምኡውን ሉቃስ 7:11-15 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ብዛዕባ የሆዋ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና ኽንበጽሕ እንኽእል፧

(2) ሓደ ጸብጻብ ምስቲ ቐንዲ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚተኣሳሰር ሕሰብ። ቀንዲ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ በታ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢልካ ዚፍጸም ምርግጋጽ ሉዓላውነት የሆዋን ምቕዳስ ስሙን እዩ።

ህዝቅኤልን ዳንኤልን ነቲ ቐንዲ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ዜጕልሕዎ ብኸመይ እዮም፧ (ህዝቅኤል 38:21-23፣ ዳንኤል 2:44፣ 4:17፣ 7:9-14)

የሱስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧ (ገላትያ 3:16)

መጽሓፍ ራእይ ነቲ ዓብዪ መፈጸምታ እቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚምልከት ቀንዲ ፍረ ነገር እትገልጾ ብኸመይ እያ፧ (ራእይ 11:15፣ 12:7-10፣ 17:16-18፣ 19:11-16፣ 20:1-3፣ 21:1-5)

(3) ነቲ ዘንበብካዮ ኣብ ህይወትካ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ኸም እትኽእል ንርእስኻ ሕተት። ንኣብነት: ካብ ዘጸኣት ክሳዕ ዘዳግም ብዛዕባ ጾታዊ ርኽሰትን ዕልወትን እስራኤላውያን ነንብብ ኢና። እዚ ዝንባለታትን ተግባራትን ሕማቕ ሳዕቤን ከም ዜምጽኣሎም እውን ንፈልጥ ኢና። እምበኣር: ነቲ እስራኤላውያን ዝገደፍዎ ሕማቕ ኣብነት ብዘይምስዓብ ንየሆዋ ንኸነሐጕሶ ኽንድረኽ ኣሎና። “እዚ ዅሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም: ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ።”—1 ቈረንቶስ 10:11

እቲ ቃየል ንኣቤል ከም ዝቐተሎ ዚገልጽ ጸብጻብ ንዓና እንታይ ትምህርቲ ይዀነና፧ (ዘፍጥረት 4:3-12፣ እብራውያን 11:4፣ 1 ዮሃንስ 3:10-15፣ 4:20, 21)

ነቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት እተዋህበ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ማዕዳ: ነቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም እውን ይምልከቶም ድዩ፧ (ዘሁልቍ 15:16፣ ዮሃንስ 10:16)

ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጽቡቕ ኣቕዋም እኳ እንተሎና: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣቐዲምና እንፈልጦ ማዕዳ ብዝያዳ ኣብ ግብሪ ብዛዕባ እነውዕለሉ መገዲ ኽንሓስብ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ (2 ቈረንቶስ 13:5፣ 1 ተሰሎንቄ 4:1)

(4) እቲ እተንብቦ ንኻልኦት ብኸመይ ክትሕግዘሉ ኸም እትኽእል ሕሰበሉ። ኵላቶም ሰባት ጸገማት ጥዕና ስለ ዜተሓሳስቦም: እቲ የሱስ ኣብ መንግስቱ ብዝዓበየ ደረጃ እንታይ ከም ዚገብር ንኸርኢ ኢሉ ዝፈጸሞ ነገራት ከነንብበሎም ንኽእል ኢና። “ብዙሓት ሰብ ድማ: ሓንካሳት: ዕዉራት: ጸማማት: ቈራያት: ብዙሓት ካልኦትውን ምሳታቶም ሒዞም: ናብኡ መጹ: . . . ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም።”—ማቴዎስ 15:30

በቲ ንትንሳኤ ጓል ያኢሮስ ዚገልጽ ጸብጻብ መን ኪሕገዝ ይኽእል፧ (ሉቃስ 8:41, 42, 49-56)

13. መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርና ምስ እነንብብን ምስ ማሕበር የሆዋ ሓቢርና ምስ እነጽንዕን እንታይ ውጽኢት ኢና ኽንጽበ እንኽእል፧

13 ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣርባዕተ ነጥብታት ምስ እንጥቀመሉስ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዓስቢ ዚህልዎ! መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ከቢድ ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ቅዱሳት ጽሑፋት ከነንብብ ከለና: ብመንፈስ ስለ እንዓቢ: ንምሉእ ህይወትና ኺጠቕመና ይኽእል እዩ። ኣዘውቲርና መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እነንብብ: ናብቲ ፈቃር ኣቦና የሆዋን ናብ ክርስትያናት ኣሕዋትናን ብዝያዳ ንቐርብ። ‘ነቲ ቓል ህይወት ኣጽኒዕና ንኽንሕዞ’ እተዋህበና ማዕዳ ንኽንስዕብ እውን ይሕግዘና።—ፊልጲ 2:16 ትርጕም 1990

[እግረ-ጽሑፍ]

a መጽሓፍ ቅዱስ ንምንታይ ክንምርምሮ ዚግብኣና ጽሑፍ ምዃኑ ተወሳኺ መብርሂ እንተደኣ ደሊኻ: ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ ዘርእስታ ብሮሹር ተወከስ።

መመያየጢ ሕቶታት

• መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈን ክሳዕ እዚ ግዜና እተዓቀበን ስለምንታይ እዩ፧

• ካልኦት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኦም ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

• ስሩዕ ናይ ብሕቲ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ በየናይ ኣርባዕተ ነጥብታት ጌርና እንተ ኣንቢብና ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ሳጹን/ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ: ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ሕሰበሉ

ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ከም ዚነግረካ

ምስቲ ሓፈሻዊ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ

ንህይወትካ ብኸመይ ኪትንክፎ ኸም ዘለዎ

ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ኸም እትኽእል